ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት ምስ ፕረዚደንት `ታ ሃገር ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ካርቱም ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ንሓባራዊ ስርሓት ጸጥታ ዘገልግል ኣብያተ ጽሕፈት ክኸፍት ክፍቀደሉ ብቐዳምነት ዘቕረቦ ቀዳማይ ሕቶ ብናይ ሱዳን ፕረዚደንት ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ምንጭታት ካብ ሱዳን ሓቢሮም።
እቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብስም ሓባራዊ ዕማም ጸጥታ፡ ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ኤርትራ ንምቊጽጻር መዋፈሪ ክኾኖ ፍቓድ ክወሃቦ ዝሓተተሉ ኣርባዕተ ቦታታት፡ 1ይ ኣብ ጅሬፍ 2ይ ኣብዴም 3ይ ኣብ ጻሐፋ ዘለጥ 4ይ ድማ ኣብ እንዱሩማን ምዃኑ ተፈሊጡ።
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንጠለቡ ቅቡል ንምግባር፡ ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት ሱዳን ካብ ከባቢ ምዕራባዊ ሳሕል ክሳብ ከባቢ ኦምሓጀር ምትእክካብን ምጥርናፍን ይገብራ ስለዘለዋ፡ እዚ ድማ፡ ነቲ ኣብ ምብራቕ ሱዳን ዘለኩም ሽግርን ዕግርግርን መሊሱ ከጋድዶ ስለዝኽእል፡ ብምውህሃድ ናይዚ ሓባራዊ ኣብያተ ጽሕፈት ጸጥታ ክንቆጻጸሮ ንኽእል ኢና፡ ንሕና ካባኹም ንላዕሊ ጽቡቕ ኣፍልጦ ናይቲ ኩነታት ኣለና ዝብል እዩ።
ይኹን ምበር መራሒ መንግስቲ ሱዳን፡ ኣብ ዓድና ተቓወምቲ ናይ ኤርትራ የብልናን፡ ከምዚ እትብሎ ዘለኻ ቤት ጽሕፈት ንምኽፋት `ውን ፍቃደኛታት ኣይኮናን ክብል ንጠለብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ነጺጉዎ።
ከም ጎሬቤት ሃገር መጠን ኤምባሲ ኣለኩም፡ ካብኡ ንላዕሊ ፍሉይ ናይ ጸጥታ ቤትጽሕፈት ምቅዳድ ግን ፖሊሲና ኣይኮነን፡ ህዝቢ ሱዳን `ውን ዝቕበሎ ጉዳይ ኣይኮነን ብምባል፡ ንሕቶኡ ብዘየዳግም ከምዝነጸጎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረዲኦም።
ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ሱዳን ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ንምክያድ ትማሊ እዩ ናብ ካርቱም ከይዱ።
ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ጸጥታን ምንዋሕ ዕድመ ስልጣኑን ዘተኮረ ዑደት `ክልተኣዊ ዝምድና ንምሕያልን ዞባዊ ውህደት ንምስፋሕን ብዝብል መደናገሪ ኣርእስተ ዜና ከምዝሸፋፍኖ ይፍለጥ።
ብፍላይ ኣብዚ ኣብ ኤርትራ ጥምየትን ሕጽረት ሃለኽትን ሳዕሪሩ ህዝብና ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከበሉ ዘሎ ከቢድ እዋን`ዚ፡ ብቐዳምነት ዝስራዕ ኣጀንዳ ህዝቢ ኤርትራ ምምሕያሽ ቀረብ መግብን ሃለኽትን ኳ እንተኾነ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝገብሮ ርክባት ወትሩ ዘገድሶ ኣጀንዳ ግን፡ ስርዓቱ ብተቓወምቲ ኤርትራ ከይውቃዕ buffer zone ወይ ድማ ናይ ውሕስነት ዞባ ፈጢርካ ድሕነት ስርዓትካ ምሕላው ጥራይ ኢዩ።
ቅድም ቀዳድም፣ ኣሰና ዘገብሮ ዘሎ ዘስደምም፡ መዘና ዘይብሉ፡ ስራሕ ክምስገን ይግባእ። ኤርትርያ ናጻ ንምውጻእ ዝተገብረ ናይ ሰላሳ ዓመት ቃልሲ ዓለም ዝፈለጦ እዩ ። ሕጂ ከዓ፡ ዘይተጸበናዮ፡ ኤርትርያ ካብ ዉሻጣዊ መሪር መግዛእቲ ናጻ ንምዉጻእ ገድሊ ይካየድ ኣሎ። ኣሰና ቀንዲ ዓንዲ አዩ። አቶም ካልኦትዉን፡ ክንዲ ኣብ ሰማንያን–ተስዓን ዝማቓቐሉ፡ ኣብ ሓደ እንተዝጥርነፉ ክንደይ ኮን ምሓሸ ። ግዳስ፣ ዝኾነ ውልቀ መላኺ አዚ ዓይነት ድኽመት ኣብ ዘለዎ ሕብረት ሰብ ጥራይ እዩ ዝጣጥዕ። ንሕና አሪትራውያን ድኽመት ደኾን ይህልወና ኣብ መንጎና???
ንሕና አሪትራውያን ድኽመት ደኾን ይህልወና ኣብ መንጎና???
ረዘን ነብሲ
ድኽመት ጥራይ? ፍርቂ ዝኣክል ህዝብና ገና ህግደ ይብል ኣሎ።
ህዝብና ‘ኳ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ‘ዩ ዝምርሽ ዘሎ። ዘሕዝን።
እወ፣ “{ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት። ዘሕዝን። ” Simon G.
ሓቂ ብሓቂ ካልእ ዘረባ ኣድልዮን እዩ።
ግዳስ፣ ብዘመንያ እኒ እኒ ኣብ ቤት ትምሕርቲ ዘጓነፈትኒ፣
ብዛዕባ ወዲሰብ ፍጥረት ብጥልቂ ዘይተረዳኣትኒ፣
ሕጂ እታ የዋህ ኤሪትራያና ብግልጺ ኣረዲኣትኒ፡ ኣርዲኣትኒ።
ለካስ አቲ ድልየትና ብመኻልፍ አዩ ተጎናኒቡ፣ ክመይ ክፈልጦ ኢልካኒ።
በሊ ኤሪትራያ ከምታ ዝመጻእክያ ጽቡቕ መንገዲ ይግበረልኪ ።