Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ንቡር ናበይ ደሊኻ ናብ ክቡር – ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት

Atv Asena by Atv Asena
11th August 2021
in Articles, Tigrinya
3
0
SHARES
874
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ንቡር ናበይ ደሊኻ ናብ ክቡር – ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት

ንቡር የናብር ከም ዝበሃል ንሕና ከም ህዝቢ ብንቡር ንናበርን ወግዒን ባህሊን እንውንን፥ ብሰብኣዊነትን ብሓድሕዳዊ ስነ-ምግባርን ምትሕልላይን ብረቂቕ ተዘርዚሩ ዘይውዳእ ፈትሊ ዝተኣሳሰርና ምዃንና ታሪኽና ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። ካብ ወለዶ ናብ ወለዶ እንዳተመሓላለፈ ዝመጽአ ንቡርን ባህሊን ሕጊን ሓደ ካብ’ቲ ቀንዲ ዋሕስ ምንባር ሕብረተሰብና ስለ ዝዀነ ንኹልና ዘሐብን ውርሻ’ዩ። ክቡር ባህሊ ዝውንን ብናቱ ሕጊን ባይቶ ዓዲን ዝመሓደር፡ ብምጽውዋርን ምክብባርን ዝነብር፡ ጸገማቱ ብዕርቂን ፍትሒን ይቕረ ምባልን ዝፈትሕ ምዕቡል ሕብረተሰብ ኢና እንተበልና ጃህራ ኣይኰነን።

ብሕጊ እንዳባ ዝፍለጥ ብዓበይቲ ዓዲን ለባማትን ዝተዳለወ፡ ኣብ ባህልን ልምድን ቋንቋን ሕብረተሰብና ዝተመስረተን ዝማዕበለን፡ ንኣማኢት ዓመታት ዝተሰርሓሉ፡ ህዝብና ተሳንዩ ብሕጊ ንክነብር ዘገልገል ንኩሉ መዳይ መነባብሮ፥ ንኣብነት ምሕደራ ዓዲ፡ ኣጋባብ መርዓ፡ ኣቀባብላ ጋሻ፡ ስነ-ምግባር፡ ኣተሓሕዛ ጥሪት፡ ክንክን ጥዕና ወዘተ ዝሰርዕ ንቡር ኣጋባብ ሕጊን ድጊን ኣሎና። በዚ ድማ ወለድና ነውሪ ዓገብ ኢሎም  ዝኣልዩን ዝሰርዑን፡ ክሳብ ክንደይ ኣርሒቖም ዝጥምቱ ለባማት ምንባሮም፡ ባህልን ንቡርን ነዚ ሓድሽ ወለዶ ብጽሑፍ ዘውረሱ ክብ ዝበለ ክብሪ ይብጸሓዮም። ኩልና ከም እንርድኦ እቲ ዝተረከብናዮ ሕጊን ስርዓትን ክቡር ባህልን ንቡርን ሕብረተሰብና እንዳተጋህሰ፥ ቅዋም-ኣልቦ ምሕደራ ምስ ነገሰ፡ ህዝቢና ብዓመጽን ግህሰትን ተሳቕዩ ብሰላም ምንባር ጸጊምዎ ግዳይ ምብትታንን ስደትን ምዃኑ፡ ገለ ካብ’ቲ ኣብ ልዕለና ወሪዱ ዘሎ ጸገማት’ዩ።

ኣብ ሃገርና ስልጣን ብሒቱ ዘሎ ተሓታትነት ዘይብሉ፡ ሰብኣዊ መሰላትና ዝግህስን ንቡር ዝኸልእን ዓፋኒ ስርዓት ኰይኑ’ሎ። ገለ ካብ’ቶም መርኣያ ዘይንቡር ሂወትን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትናን ድማ፡ ምእጋድ መሰል ምዝራብን ሓሳባትካ ምግላጽን፡ ምግሃስ እምነትን ሃይማኖትን፡ ብዘይ ፍርዲ ማእሰርቲ፡ ብዘይ ሕጊምጭዋይን ምጥፋእን፡ገደብ-ኣልቦ ግዱድ ዕስክርናን፡ ምጥቃስ ይከኣል። እቲ ህዝብና ንዘመናት ዝመሓደረሉ ዝነበረ ምዕቡልን ክቡርን ባህልን ንቡርን ሕጊ እንዳባ ብተኸታታሊ ገዛእቲ ስርዓታት እኳ እንተተሃሰየ፡ ብዝያዳ ግና ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን በቲ ንቡር ከምልስ፥ ሕረስ ሓረስታይ ንገድ ነጋዳይ ከውሕስ ዝተጸበናዮ፡ ናትና ዝበልናዮ ስርዓት ተጠቒዑ ኣብ ሓደ ወለዶ ክበርስ፡ ለባም ዝተኸሎ ዓሻ ይነቕሎ ኰይኑ’ሎ።

እቲ ናይ ጊዜ ፈደራሽን ሕገ-መንግስቲ ኤርትራ ብስርዓት ሃይለስላሴ ምስ ፈረሰ፡  ክብሩ ክመልስ ናጽነት ከምጽእ ንዓመታት ዝተቓለሰ ህዝቢ፡ ሎሚ ንቡር ዝተኸልአ ካብ መነባብሮኡ ዝተፋናቐለ ህዝቢ ምዃኑ ግርምቢጥ’ዩ። እዚ ሓላል ብሕጊ ዝምእዘዝን ሕጊ ዘኽብርን ህዝቢ፡ ንቡር ተሓዲጉ ባህላዊን ማሕበራዊን በደልን መጥቃዕቲን ክወርዶ እንታይ’ዩ ኣቢሱ? ካብ ጥንቲ መሰሉን ክብሩን ብሕጊ እንዳባ ኣውሒሱ ብባይቶ ዝመሓደርን ዘመሓድርን ዝነበረ ህዝቢ ኣብ’ዚ መበል 21 ክፍለ ዘመን ንቡር ክስእን መሰሉ ክሕደግከ ምኽንያቱ እንታይ’ዩ? እቲ መልሱ ድማ ንሕና ብሕመቕን ስቕታን ተሳዒርና ኣብ’ቲ ምግሃስ ንቡር ሂወትናን ባህልናን ስለ ዝተሳተፍና ኢና።

ኣብ’ዚ ሕጂ እዋን እቲ ንቡር ዝበሃል መነባብሮናን ባህልናን ብኩለንትንኡ ሰለ ዝተጠቕዐ ንደቅና እንታይ ከነውርሶም ኢና? ኢልና ክንሓትትን ከነስተንትንን ይግባኣና። ዓሳ ክጨኑ ከሎ ብርእሱ ይጅምር ከም ዝበሃል፡ እቲ ቀንዲ ጠንቂ ምጥፋእ ንቡርን ባህልን፡ እቲ ብሕጊን ቅዋምን ቈጽሊ ዘየንበርናሉ ዘይመርጽናዮ ስርዓት’ዩ። ሕጊ ቅዋም ባይቶ ምርጫ ዘይፈልጥ ስርዓት ንቡር ክፈቅድ ምስ ባህሪያቱ ስለ ዘይከይድ ካብኡ ባህሊን ንቡርን ክንረክብ ዘበት’ዩ። ከመይሲ ንርእሱ ብዘይንቡር ኣጋባብ ስልጣን ህዝቢ ዝገበተ ንቡር ዘይብሉ ስርዓት፡ ኣንጻር ረብሓኡ ዝዀነ ባህልን ንቡርን ከፍቅድ ከቶ ድሌት ኣይህልዎን’ዩ። ምኽንያቱ ሓደ ካብ’ቲ ውልቀ-መለኽቲን ባዕዳውያን ገዛእቲን ዝጥቀሙሉ ሜላ፡ ባህልን ንቡርን ኣጥፊእካ ህዝቢ መኣዝኑ ከም ዝስሕትን ዓወንወን ከም ዝብልን ምግባር’ዩ። መኣዝኑን ባህሉን ዘጥፈአ ህዝቢ ከኣ ሞራሉ ወዲቑ ናይ ለውጢ መንፈሱ ተዳኺሙ ኣብ ሃገሩ ምንባር ጸጊምዎ ንስደት ከም ፍታሕ ተጠቒሙ እግሩ ናብ ዝመርሖ ሃጽ ኢሉ ከም ዝጠፍእ ኣብ ሃገርና ንርእዮ ዘሎና’ዩ።  

እምበኣር እቲ ንቡር ዘይብሉ ስርዓት ንቡር ንከጥፍእ በቲ ሰፊሕ ናይ ስለያን ወተሃደራዊን መሓውራቱ ኣቢሉ ይትግብሮ። ሓደ ኣብነት ምግሃስ ንቡር ሂወትና፡ ዘይንቡር ቀጻሊ ሃዋህው ኲናት ፈጢሩ ብምክልኻል ሃገር ኣመኽኒዩ፡ መንእስያት ካብ መኣዲ ትምህርቲን ፍልጠትን ስድራቤትን ፈልዩ፡ ብባህሎምን ብስነምግባር ሕብረተሰቦምን ከይተዀስኰሱ ብወተሃደራዊ ስነሓሳብ ከም ዝዓብዩ ምግባር’ዩ። ብናፍቖት ስድራን ዘይንቡር ናብራ በረኻን ዝተበደለ መንእሰይ ኣፍሪኻ ከኣ ንስደት ምድፍፋእ ደኣ’ምበር ንቡር ዘለዎ ሕብረተሰብ ክትሃንጽ፡ ከቶ ዝከኣል ኣይኰነን። ከም ውጽኢት ናይ’ዚ ነውራም ምሕደራ ድማ መንእሰያት ከም’ቲ ንቡር ኣብ ክንዲ መሳልል ትምህርቲን ስራሕን መርዓን ደርዓን ሓዳርን ውላድን፡ ግዳያት ገደብ-ኣልቦ ዕስክርናን መስዋእቲን ስደትን ይዀኑ ኣለዉ። ብፍላይ ደቀንስትዮ ደቅና ድማ ንቡር ናይ መርዓን ውላድን ወርቃዊ ዕድመአን ኣብ በረኻ እንዳባኸነ ግዳያት ጾታዊ ዓመጽን ዘይተደልየ ጥንሲን ሕርሲን ክዀና ይፍረዳ ኣለዋ።

ብወገን ወለዲ እንተተመልኪትና ከኣ ቀጻሊ ዋሕዚ ስደት መንእሰያት ጽንተትን ምብትታንን ስድራቤታት ዘኸተሎ ዘይንቡር ምብትታኽ ወለዶታት፥ ከም ሳዕቤኑ ድማ ህዝቢ ጸኒቱ ዓድታት ባዲሙ ማሕበራዊ ደገፍ ይኹን ጠዋሪን ቀባሪን ዘይብሎም ናይ ወላድ-መኻን ኰይኖም ኣብ ዕጹው ገዛ ብናፍቖትን ጽምዋን እንዳተሳቐዩ ዘይንቡር ሂወት ከሕልፉ፡ ናይ ሞት ይጽናሕ ናይ ሕልፈት ይበኸ ዘብል’ዩ። እቶም ኣብ ፈቐዶ ሲናይን ሰሃራን ባሕሪን ዝጠፍኡ መንእሰያት ንስዉኣት ተኪኦም ኣብ ሃገሮም ንቡር ሂወት ክመርሑን ቀጻልነት ወለዶ ከውሕሱን ዝነበሮም ስለ ዝዀኑ፡ መንእሰይ ዘይብላ ሃገር ነቶም “ብሰላም ዕረፍ” ንብለሎም ሰማእታትና ዕረፍቲ ዘይትህብ ኰይና ኣላ። ስለ’ዚ እታ እምኒ ኩርናዕ ሕብረተሰብን ዓንዲ ሕቘ ሃገርን ዝዀነት ስድራቤት፡ ብስደትን ምብትታንን ተፋናቒላ፥ ወለዲ ንበይኖም ኣብ ጽምዋ፡ ደቆም ድማ  ፋሕ ኢሎም ኣብ ፈቐዶ ሃገራት ስለ ዝነብሩ፡ ከም ሳዕቤኑ ድማ ንቡር ባህልን ወግዒን ናብ’ቲ ክቡር ተካኢ ወለዶ ከየውረስዎ ይሓልፉ። እቲ ዋርሳይ ዝበሃል ውርሻ’ውን ናይ ውትህድርናን ኩናትን ባህሪያት ደኣ’ምበር፡ ንቡርን ባህልን ሕጊን ስለ ዘየጠቓልል፡ንኩሉ ብባህሉን ስርዓቱን ዝግደስ ዘሰክፍ ይኸውን ኣሎ። 

ከም ውህሉል ድምር ናይ’ዚ ኩሉ ኣብ ስድራቤት ዝወርድ ዘይንቡር መጥቃዕቲ ከኣ ኣብ ከተማታትን ገጠራትን ዝነብር ህዝብና ዓያዪ ጉልበት ሰብ ስኢኑ ሓሚሙ ናብ ሕክምና ዝወስዶ፥ ወይ ሞይቱ’ውን ሬሳ ዝስከመሉ ዘይብሉ፡ ዓቕሚ መንእሰይ ተጸንቂቑ ዘይንቡር ተርእዮ ሽማግለ ጥራይ ዝነብራ ሃገር ትኸውን ኣላ። ኣብ’ዚ ጊዜ’ዚ ኣብ ሃገርና ቈጸራ-ህዝቢ እንተዝግበር ክንደይ ቈልዑ፡ ክንደይ መንእሰያትከ ይህልዉ ይዀኑ? ኢልና ክንሓትት ኣገዳሲ’ዩ። ናይ’ዚ ሕቶ መልሲ ንምርካብ ዓመታዊ ምጣነ-ዕብየት ህዝብና እንተርኢና ኣብ 2000 ዓ.ም. ኣብ ዓመት ብ2.4 ሚእታዊት ዝውስኽ ዝነበረ፥ ኣብ 2020 ዓ.ም. ግና ናብ 1.4 ሚእታዊት ወሪዱ ንረኽቦ። እቲ ምጣነ ዕብየት ህዝቢ  በቲ ናይ 2000 ዓ.ም. እንተዝቕጽል ህዝብና ብዕጽፊ ንክውስኽ 29 ዓመት ምወሰደሉ፡ በዚ ናይ 2020 ዘሎ ምጣነ-ዕብየት እንተቀጺሉ ግና 50 ዓመት ስለ ዝወስድ፥ ውሑድ ህዝቢ ዘለዋ ሃገር ትኸውን ስለ ዘላ ኣብ ምዕባለ ይዂን ኣብ ምክልኻል ሃገር ዘኸትሎ ሳዕቤን ዘሰክፍ’ዩ። ገለ ካብ’ቲ ጠንቅታት ዋሕዲ ህዝብና ድማ ዘይንቡር ኲናትን ሞትን ፥ ስደት መንእሰያትን ፥ ካብ መርዓን ደርዓን ዘፋናቕል ገደብ-ኣልቦ ዕስክርናን ዘኸተሎ ምንካይ ምጣነ-ወሊድ ኢዩ።   

ኣብ መወዳእታ ነዞም ጠንቂ ብርሰት ህዝብናን ባህልናን ንቡር ሂወትናን ኰይኖምና ዘለዉ ጸገማት  ብውሕሉል ኣጋባብ ህጹጽ ፍታሕ ከነምጽእ፡ ህዝቢና ድማ ፋሕ ኢሉ ብዝወጽኦ ከይጠፍእ ክንሓስበሉ ይግባእ። ንኣብነት ካብኦም የድሕነና፥ እዞም ሎሚ ተናዒቖምን ንቡር ስኢኖም ኣብ ፈቐዶ ጐደናታት ኤውሮጳ ዝልምኑ ጂፕሲ ወይ ሮማ ዝበሃሉ ህዝቢ’ኮ፡ ቀደም ካብ ዓዲ ህንዲ ተሰዲዶም ንዓዶም ከይተመልሱ ዝጠፍኡ ኢዮም። ስለ’ዚ ንሕና ንሃገርና ክንምለስ፡ ንፋቐር እንዶ ንተሓዋውስየ ንቡር ክምለስየ፡ ዝብል ናይ ጥንቲ ደርፊ ዘኪርና፡ ንቡር ከኣ ናብ ዋናኡ ናብ’ቲ ክቡር ህዝብና ክምለስ ለበዋ ዘድልዮ ኣይኰነን። ንቡርናን ባህልናን ከኣ ከም’ቲ ህዝብና ብቀጻሊ ይበርስ ስለ ዘሎ ስቕታን ምፍልላይን ገዲፍና ልቦናን ምጥርናፍን ጥራይ’ዩ መዋጽኦና። ከም’ቲ ማርቲን ሉተር ኪንግ ዝበሎ “ፍጻሜ ሂወትና ዝጅምር ኣብ ኣገስቲ ጉዳያት ስቕተኛታት ምስ ንኸውን’ዩ”፡ ስለ’ዚ ኣብ ጉዳይና ስቕታ የብርሰና ስለ ዘሎ ይኣኽለና።

ህዝብና ብግህሰትን ሕሰምን ንቡር ስለ ዝሰኣነ፡ ሂወትና ናብ ንቡር ክምለስ ከም’ቲ ቀደምና ብሰላምን ውህደትን ሓድነትን ዝነብር ሕብረተሰብ ክንከውን፥ ጽን ኢልና ምስማዕን ምስምማዕን የድልየና’ሎ። ንጸልማት ብብርሃን ኢና ንስዕሮ፡ንበደል ድማ ብማሕበራዊ ሕውየት ንድብሶ፥ ምስኡ ጐድኒ-ንጐድኒ ድማ ባህልን ንቡርን፡ ሕጊን ሕድገትን ዕርቂን ከነምጽእ ኩሉ ዕቑር ዓቕምና ነበራብሮ። ንቡር ኣጥፊእና ኣብ ዘይንቡር ጸርፊን ዘለፋን ምንቚቛርን ወዲቕና ከይንጠፍእ፡ ንቡርና ናብ ክቡር ህዝብና ክምለስ ባህላዊ ትንሳኤ ንገብረሉ እዋኑ ከኣ ሕጂ’ዩ።

እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ!

ሰማእታትና ንዘለዓለም ይዘከሩን ይኽበሩን!

ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት፡ ካልጋሪ፡ ካናዳ።

Previous Post

ፖሊስ west Midlands ብቕትለት ጓል 19 ዓመት ዮርዳኖስ ብርሃነ ንሓደ ሓለፎም ወልደዮውሃንስ ዝብሃል ወዲ 25 ዓመት ከሲሱዎ

Next Post

Danakali Ltd to leave London Stock Exchange

Next Post
Danakali Ltd to leave London Stock Exchange

Danakali Ltd to leave London Stock Exchange

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
3 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
3 years ago

A deeply profound advise we can all heed. Once again lets take the little steps to undo what our enemy made us to become… it is personal, it is the image which peers back at us in the mirror everyday, lets work on it one frown line at a time, one dark spot on the ethmoid bones at a time.. the blemish, the scar which was painted by the enemy in our face and our psyche.. lets start the transformation with the man and the woman in the mirror and watch with awe the physical and political landscape of our homeland change without a single sound of a gunshot. It is that simple, lets not look elsewhere, the solution to our misery is in our hands… your fellow citizen who deeply loves you regardless of your where you stand today…k.tewolde.

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  k.tewolde
3 years ago

“ It is that simple, lets not look elsewhere, the solution to our misery is in our hands… ”

k.tewolde

ኩቡር ዶቶረ : ዝበልካዮ : መሰረታዊ ሓቂ ንሱ እዩ ::
ምልኪ : ንዱሑር ልምዲን ባህልን ናይ ሓደ ሕብረተሰብ እንዳ ተመገበ : ዝነብር ጸላኢ እዩ::
ንድኽመትና መዝሚዙ ይዓቢ : ብሕብረትና ተዳኺሙ ድማ ይቅህም ::
ስለዚ እቲ ጸገም : ቅድሚ ናይቶም ኣብ ኣስመራ ዓስኪሮም ዘለው ኣዕነውቲ ሃገር ሙኻኑ : ነዖኦም ዕድል ዝሃበ ጉጉይ ኣታሓሳስባና እዩ ::
– ወዲ ኣውራጃይ ወይ ወዲ እምነተይ ነጊሱ : ኣነ ዝረባሕኩ እንዳ መሰለኒ : ካብ ማሙቅ ገዛይ ኣብ ግዳም : ካብ ዝፈትዋ ሃገረይ ኣብ ስደት : ካብ ዘፍቅሮም በተ-ሰበይ ሪሒቀ ምስ ጉኣኖት እንዳነበርኩ : ምስ ደቀይ ይጠፍእ ኣሎኹ ::
እነሆ ሕጂ’ውን : ኣብ ስደት ከይተረፈ : ካብ ድኽመትና ክንማሃር ንኽእል የለናን ::
ዝረበሐት ኣውራጃ ወይ እምነት ከም ዘሎ : ብዛዕባ ናትና ንብሎ ጥራይ ኮይኑ ውራይና ::
ፈቲና ጸሊና : ህግደፍ ናይ ሓባር ጸላኢና እዩ::
ብሓባር ክሳብ ንገጥሞ : ህወት ንጹሃት እንዳ ተመገበ ክነብር እዩ ::
ኣብ ልብና ንመለስ :: ሃገር ናይ ኩሉ እያ : ንበይኑ ዝጥዕሞ ወይ ዝኸፍኦ ዘጋ የለን :: ሕጊ ክሳብ ዘየለ እቶም : ጹቡቅ ኣለና ኢሎም : ካልኦት ደቂ ሃገር እንዳ ተበደሉ : ንገበናት ህግደፍ ዘመኽንዩ’ውን ውሕስነት የብሎምን :: ንዖኦም’ውን ሓንቲ ማዓልቲ ኣላ ::

0
Reply
rezen
rezen
3 years ago

“ንቡር ናበይ ደሊኻ ናብ ክቡር “ 

ክቡር ዶክተር ተስፋሚካኤል

በቲ ዝጻሃፍኩምዎ: ብመሰረቱ ጸገም የብለይን ።

ግዳስ እስኪ ናይ ሃገርና ኤሪትራ ሚአቲ ዓመት (100 ዓመት) ታሪኽ ንመልከት።

ኣየናይ ግዜ ኤሪትራ ናጻ ወጺኣ ትፈልጥ? 

ናይ ዝሓለፈ ሰላሳ ዓመት መግዛእቲ፣ ኣብ ትሕቲ ኢሳያስ ኣፈወርቂ፣ ከም ሓርነት አንተተቖጺሩ ሞገተ የብለይን።

ከምዛ ኣነ ዝፈልጣ ሓጻር ናይ ኤሪትራ ታሪኽ አንተኾይኑ ግን:  ኤሪትራ ምሉአ ዕድሚኣ: ስጋብ ሎሚ ዕለት:  ኣብ መግዛአቲ አያ ዘላ። 

አዚ ሞገተ ከዓ ቅቡል እንተኾይኑ፣ ኤሪትርያ ሓርነት ዝባሃል ማዓርግ ተጎልቢባ ኣይትፈልጥን። 
ብአንጻሩ ግን እዛ ሓጻር መጎተ ዘይቅብልቲ አንተኾይና ብዘይ ቅርሕንቲ ጹሑፈይ ኣብዚኣ እውድእ።

-1
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
3
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply