እቲ ራህዋ ህዝቢ ኤርትራ ዘይደሊ፡ በንጻሩ፡ ንጥምየት ከም ጠበንጃ ተጠቒሙ ህዝቢ ብምቊጽጻር ዕድመ ምልካዊ ስልጣኑ ምንዋሕ ጥራይ ዝሕልሙ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ብዝተኸተሎ ዝንቡዕ ፖሊሲ ካብ ለበዳ ኮቪድ-19 ዝኸፍአ ሓደጋ ጥምየት ኣስዒቡ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ ኣብ ዝመጽእ ዘሎ ረቡዕ፡ ተማሃሮ 11 ክፍሊ ትምህርቲ ክጅምሩ ትእዛዝ ኣመሓሊፉ ከምዘሎ ምንጭታት ካብ ኤርትራ ሓቢሮም።
እቲ ስርዓት ንቑጠባን ማሕበራዊ ህይወትን `ቲ ካብ ኢዱ ናብ ኣፉ ዝኾነ፡ ዝብላዕ ስኢኑ ብጥምየት ከይሃልቕ ከብዱ ሓቚፉ ዘሎ ህዝቢ ዓጽዩዎ ክንሱ፡ ክረምታዊ ዕረፍቲ ሓደ ወርሒ ጥራይ ተሪፉዎ ኣብ ዘለወሉ እዋን፡ እቶም ብምኽንያት ለበዳ ኮረና ቫይረስ ትምህርቶም ኣቋሪጾም ዝጸንሑ ተመሃሮ 11 ክፍሊ ትምህርቶም ሮቡዕ ክጅምሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉሉ ዘሎ ምኽንያት፡ ትምህርቲ ክቕጽሉ ስለዝደለየ ዘይኮነስ፡ ከምቲ ዓመት ዓመት ዝገብሮ ብስም 12 ክፍሊ ናብ ሳዋ ኣውሪዱ ትሕጃ ወተሃደራዊ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክገብሮም፡ ብስም ትምህርቲ ብኣግኡ ኣብ ቁጽጽር ከእትዎም ስለዝመደበ ምዃኑ እቶም ምንጭታት ኣረዲኦም።
እቲ ናይ ህዝቢ ኤርትራ ሓልዮት ዘይብሉ፡ ሓላፍነት ዘይስምዖ ስርዓት ስርዓት፡ ነቲ ንልዕሊ 20 ዓመታት ብድኽነት ዘደኽደኾ ህዝቢ እኹል ሃለኽትን እኽልን ይኹን ረዲኤት መሰረታዊ ጠለባት ከይቀረበሉ ንኮቪድ 19 ኣመኽንዩ ምርጋጥ ዝብል ንቁጠባዊ ሳዕቤናት ናይቲ ለበዳ ኣብ ግምት ከየተወ ንህዝቢ ካብ መዓልታዊ ምንቅስቓሱ ስለዝቐየዶ፡ ንጥምየት ተቓሊዑ ህዝብና ኣብ ከቢድ ሻቕሎት ይርከብ ኣሎ። ኣብ ምዕራባዊ ቆላ ቆልዑ ዝበልዑዎ ስኢኖም ክሞቱ ጀሚሮም ከምዘለዉ `ውን ሓበሬታታት ይመጽእ ኣሎ።
ይኹን`ምበር፡ ውልቀመላኺ ስርዓት ኢሳይያስ፡ ነቲ ቀዳምነት ዝግብኦ ምቅላል ቁጠባዊ ቅልውላውን ጥምየትን ህዝብና ጎስዩ፡ ነቲ ንመንእሰያት 11 ክፍሊ ናብ ወተሃደራዊ መዓስከር ሳዋ ናይ ምሕጻይ ምቅርራባቱ ክሰርሓሉ ይርአ።
ወላዲ ይኹን ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ድማ ነዚ ንተግባራት ናይቲ ህዝቢ ንጥምየት ህጻናት ንሞት ኣቃሊዑ ዘሎ ስርዓት ነቒሑ ክቃወሞ፡ ማዕሪኡ ድማ ደቁ ክሓቊፍ ከምዝግብኦ ክዝክር ይግባእ።
If Eritrean people can’t protect their kids from being snatched and sent to wilderness to be indoctrinated by a bunch of rapists they are as good as dead. The pretext of sending the youngsters to a God forsaken desert, by a bunch of non-Eritreans…..
kgefom deliu iu. kulu nay isayas sgumti nay tenkoln Tfaat hagern i u
“ንህዝቢ ብኮረና ኣመኽንዩ ረጊጡዎ ዘሎ ስርዓት ኢሳይያስ ተመሃሮ 11 ክፍሊ ዝመጽእ ረቡዕ ትምህርቲ ክጅምሩ ትእዛዝ ኣመሓላሊፉ።”
ሓቂ ንዛረብ፣
ካብማዓስ ኢሳያስ ንትምህርቲ ኤሪትራውያን ሓልዩ ይፈልጥ?
ንኢሳያስ ኣጸቢቕና ካብንፈልጦ ፳፯ ዓመት ጊሩ። ወዮ ድኣ ንሕና ኤሪትራዉያን ሕፍረት ዘይጎድኣና ኮይኑ እምበር ንኢሳያስ ንፈልጦ ካብዝመሰለና ካብ ሰላሳ ዓመት ንላፅሊ ሓሊፉ እዩ ። ክንደይ ዘይኣሞጎስናዮ፣ ክንደይክ ዘይኣቀባጠርናሉ፣ ብሓጺሩ ክንደይ ክም እግዚሄር —ኣላህ ዘይሰገድናሉ።
ናይ ኤሪትርያ መስተንክር ጅግንነት ዓለም ዝፈልጦ አዩ ። ኣብ ሓደ ዉልቀሰብ ምስበጻሕና ግና ኣብ ሰማንያ —ተስዓ ጉጅለታት ተመቓቐልና፣ ብዘይሕፍረት።
ጉድና ብዙሕ እዩ ፡ ንፈልጦ ከዓ ኤና !!!!!!! ይኹን እምበር፣ ንኢሳያስ ሕተቱዎ፣ ካብ ሀ ክሳብ ፐ ይፈልጦ አዩ።
Wake up Eritreans!!
A ruthless dictator/thug who failed time after time to provide basic necessities such as food and water to our people during this pandemic(Coronavirus-19), is making a mockery of himself when he ordered 11 graders to resume classes. Who is he trying to fool? The 11 graders, whose average age ranges from 16-17 years may not know about the unecessary 1998 border conflict that claimed the lives of our youth. But the scars of that war at still fresh in the memories of Eritreans mother/father. Eritreans shouldn’t allow a bloodthirsty dictator to use our youth as sacrificial lamb for his war machine to prolong his power.
Corrections: the scars of the war at should read the scars of the war are.