Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራዊ ክከላበት ኣዒንቱ ዓሚቱ

Atv Asena by Atv Asena
12th December 2020
in Articles, Tigrinya
3
0
SHARES
641
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራዊ ክከላበት ኣዒንቱ ዓሚቱ

ኤርትራውያን ምስ ኢደ እግርናን ዓይነ ብርክናን እንከለናን ንሕና ክንገብሮ ዝግብኣና ወስ ከይበልናን፡ ጉዳይናን መሰልናን ካልኦት ክጣበቁልና ምሕሳብ፡ ድኽመትን ስንፍናን ኢዩ። ይኹን እምበር ኤርትራውያን ኣብ ካርታ ዓለም ስለዘለናን ማሕበረሰብ ዓለም ዝኸተሞቶን ትቅየደሉን ሕግታትን ውዕላትን ስለዝምልከተና፡ ኣብ ልዕሌና ገበናት ክፍጸም እንከሎ ዓገብ ክንብል መሰል ኣለና።

 ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 30 ዓመታት፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ብጉጅለ ህግደፍ ዝወርድ ዘሎ ንምግላጹ ዘሸግር ዝተደራረበ ኣደራዕን ስቃይን ዝያዳ ማሕበረ ሰብ ዓለም፡ ፈወስቱ ንሕና ኤርትራውያን ኢና። ዓለም ምስ ረብሓ እምበር ምስ ፍትሒ ከምዘይትኸይድ ካብ 40ታት ክሳብ መዓልቲ ናጽነትና ዘጋጠመና ጥልመትን ስቕታን ብግብሪ ተዓዚብናዮ ኢና፡፡ ዝተረግጸ መሰልና ብክቡር መስዋእትናን ስምረትናን ጥራሕ ኢና ኣረጋጊጽናዮ። ካብ 1991 ክሳብ ሕጂ ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ሒደት ስዓብቱን ኣብ ልዕሌና ዝፍጽምዎ ዘለዉ ገበንን ስቕታ ማሕበረ ሰብ ዓለምን መኸተምታ ክግበረሉ፡ “ንብዓትን ቁዘማን ወይ ኣምላኽ ሓግዘና” ምባል ንበይኑ እኹል ኣይኮነን። ኤርትራውያን ንመሰልና ፈለኽ እንተዘኢልና ወትሩ ክንርሳዕን ክንርገጽን ኢና። እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብዚ እዋን’ዚ ዘጋጥም ዘሎ ከልበትበትን ስቃይን ድማ ብቃላት ንኽትገልጾ ዘጸግም ኢዩ።

ካብቶም ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት ንስክላ ወጺኦም ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝተወስዱ’ሞ እንደገና ብሓይልን ብዘይ ምኽንያትን ብኣውቶቡስ ተጻዒኖም ዳግማይ ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ዝተወስዱ ኣማኢት ኤርትራውያን ሓንቲ ኣደ ቆልዑ ነቲ ዘጋጠመ ኣሻቃሊ ኩነታት ክትገልጽ እንከላ፡ “ኤርትራውያን ዝጣበቀልናን ዘእውየልናን ዋና ስኢና፡ ተጠሊምና፡ ብዝኸድናዮ ንከላበትን ንጋፋዕን ኣለና፡ ካብ ኣዲስ ኣበባ ብሓይሊ ኣብ ብኣውቶቡስ ተጻዒና ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ንጓዓዝ ኣለና” ኢላ ዝርንዝሕ ነቢዓ። ብርግጽ ንሕና ብህይወትና እንከለና ዜጋታትና ናብ ዘይተፈልጠ ቦታ ተወሲዶም ክጠፍኡ እንከለዉ ሕልናና ኣይቅበሎን ጥራይ ዘይኮነ ኤርትራውያን ኢና ክንብል እውን ዘሕፍረና ኢዩ።

ኣብ ክልል ትግራይ ንነዊሕ ዓመታት ከም ስደተኛታት ኮይኖም ኣብ 4 መዓስከራት ኣብ ዳሳትን ዚንጎን ብዝተሰርሐ ብዘይ መባእታዊ መሳለጥያን ቀረብን ተኣኪቦም ከርፋሕ ህይወት ከሕልፉ ዝጸንሑ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን፡ ኣቢዪ ኣሕመድ ምስ መላኺ ኢሳያስ ተሻሪኹ ብ4 ሕዳር 2020 ኣብ ክልል ትግራይ ኩናት ምስኣወጀ፡ ኣብኡ ዝጸንሑ ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ሓደጋ’ዮም ወዲቆም። ሰራሕተኛታት ረዲኤት ትካላት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ነብሰይ ኣውጽእኒ ኢሎም ነቲ ኤርትራውያን ዝነበርዎ 4 መዓስከራት ገዲፎሞ ምስከዱን ኣብ ክልል ትግራይ ኣገልግሎት ተለፎን፡ መጓዓዝያ፡ ኢንተርነት፡ ሕክምና፡ መብራህቲ፡ ባንኪ፡ ዝብላዕን ዝስተን ዘይብሎም ብዘይ ዋና ኣብ ጥራይ ጎልጎል ተደርብዮም። ዜጋታትና ቋሕ እንተበሉ ጸልማት ሰም እንተበሉ ሓዊ ኮይኑዎም፡ ረዳኢ ስኢኖም።

ወከልቲ ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት፡ ነቶም ኤርትራውያን ሰብኣዊ ቀረብ ክካየድ ንመንግስቲ ኢትዮጵያ ብተደጋጋሚ ሓቲቶም’ኳ እንተነበሩ፡ ኣቢዪ ኣሕመድ ግን ዘይኩርምትኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ስለዝኾነ ብዛዕባ ህልቂትን ስቃይን ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣይዓጠጦን። ብጉልባብ ሕጊ ምኽባር፡ “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ጣልቃ ኣይተእትዉ ጸገም የለን” ኢሉ ንኹሎ ዕድላት ረጊጥዎ። ብኣንጻሩ ወተሃደራት ህግደፍ ኣብ መዓሰከራት ስደተኛታት ኣትዮም ኤርትራውያን ስደተኛታት ክጨውዩን ከክላብቱን ኣፍቂድሎም። መንነቶም ዘይፍለጥ ካልኦት ዕጡቃት ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝምታ ንብረትን ግፍዕን መቅተልትን ክፍጽሞ ተራእዮም። ብእግሮም ክሃድሙ ዓቅሚ ዝረኸቡ ኤርትራውያን ካብቲ መዓስከር ፋሕ ብትን ኢሎም። ዓቅሚ ዘይረኸቡ ድማ ብዘይ መግቢ መድሃኒት ዝስተ ማይ ኣብ ጭንቀት ተደርብዮም።

ኢትዮጵያ፡ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ብምቅባል ትጀሃርን ብዙሕ መኽሰብ ትረክብን ዝነበረት ምስሉይ ስማ ተቃሊዓ ጥራይ ዘይኮነ፡ ኣህጉራዊ ውዕላት ስደተኛታ ረጊጻ ኤርትራውያን ኣብ ሓዊ ከምዝጥበሱን ከምዝሳቀዩን ስለዝገበረት ብገበን ሰብኣዊ ህልቂት ክትሕተት ይግባእ። መንግስቲ ኣቢዩ ኣሕመድ፡ ንገዛእ ርእሱ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝፍጸም ዘሎ ስቃይ ሸለል ብምባል፡ ወግሐ ጸብሐ ብዛዕባ ብመራሕቲ ወያነ ተኻይዱ ዝብሃል ገበን ምዝማሩ ድማ፡ ነቲ ባዕሉ ዝፈጸሞ ገበናት ንምሕባእን ካብ ሓላፍነት ንምህዳምን ኢዩ።

ትካል ስደተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት እቶም ከም ስደተኛታት ኣብ ትሕቲኡ ተመዝጊቦም ንዓመታት ኣብ ክልል ትግራይ ዝጸንሑ ቆልዓ ሰበይቲ፡ ነብሰ ጾራትን ሕሙማትን ዝርከብዎም ኤርትራውያን፡ ክከላበቱን ብስነ ኣእምሮኣዊ ጭንቀት ክዋጠሩን፡ ብዘይ ፍቃዶም ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ክከላበቱ እናተዓዘበ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ተሪር ስጉምቲ ዘይምውሳዱ፡ ሸለልትነትን ዝኸተሞ ኣህጉራዊ ውዕላት ባዕሉ የፍርሶ ከምዘሎ ጭቡጥ መርትዖ ኢዩ።

ኤርትራውያን ሕጂ’ውን፡ እቲ መሰረታዊ መፍትሒ፡ ነቲ ጠንቂ ስደትን ሞትን ምግሃስ መሰልናን ክብርናን ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ምእላይ ስለዝኾነ፡ ዳግማይን ዝኸፍአን ስቃይ ህዝብና ከይተኸስተ ንመሰልና ስጉምቲ ንውሰድ። ነዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘጋጥም ዘሎ ጭውያን ስቃይን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ጠጠው ንኽብልን ህይወት ዜጋታትና ንምድሓንን፡ እዚ ዝስዕብ ስጉምቲ ክንውስድ ንሕተት ኣለና።

 ቀዳማይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ካልኦት ኤርትራውያን ነበርትን ዝውሰድ ዘሎ ኢሰብኣዊ ተግባራት ብህጹጽ ጠጠው ክብልን መሰል ስደተኛታት ክሕሎን ክጣበቀሎም፡

 ካልኣይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቶም ቅድሚ ኩናት ክልል ትግራይ ምጅማሩ፡ ኣብ ትሕቲኡ ከም ስደተኛታት ተመዝጊቦሞን ክእለዩን ዝጸንሑ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ሃለዋቶም ክፈልጥ፡

ሳልሳይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጉጅለ ህግደፍን ካልኦት ወገናትን ዝተፈጸመ ቅትለት፡ ማህረምቲ፡ ጭውያን ምዝራፍ ንብረት ከጻርዮን፡

ራብዓይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ኤርትራ ብሰላም ክነብሩ ዘይክኣሉ ኤርትራውያን፡ ናይ ስደተኛ መሰሎም ክሕልወሎም፡ ብዘይ ፍቃዶም ከይግዕዙን ካብ ዞባ ኩናት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙን፡

ሓሙሻይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቶም ብሰንኪ ኩናትን ጥሜትን ብዘይ ድሌቶም ዝተበታተኑን ሞትንን ህየቶምን ክፈልጥን ካብ ዘለውዎ ቦታ ናይ ምጥርናፎምን ምግዓዞምን ሓላፍነት ክወስድ፡

ሻዱሻይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነቲ መንግስቲ ኢትዮጵያ: ኣህጉራዊ ውዕላት ሰብኣዊ መሰላት ብምጥሓስ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ስድራቤቶም ተፈላልዮም ዝጸንሑን ብትካል ጉዳይ ስደተኛታት ወድብ ሕቡራት ሃገራት ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ክጣየሱን ምስ ስድራቤቶም ክጠራነፉን ዝሰለጦምን ዓሰርተታት ኤርትራውያን መውጽኢ ቪዛ ምኽልካሉ ጠጠው ከብል ክጣበቕ ይግባእ፡

ሻውዓይ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ መበቆል ሕሰምን ስደትን ኤርትራውያን፡ ግዕዙይ ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ስለዝኾነ፡ ኣብ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ግሁድን ስዉርን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ብህጹጽ ጠጠው ክብልን ኣብ ልዕሊ ጉጅለ ህግደፍ ካብ ቁጠባዊ እገዳን መጠንቀቕታን ዝሓልፍ ተሪር ሕጋዊ ስጉምቲ ክወስድ ኣለዎ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ነዚ ብጉጅለ ህግደፍንን መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ዝፍጸም ዘሎ ንኣህጉራዊ ውዕላት ዝጥሕስ ኢሰብኣዊ ተግባራት ብዘይ ውዓል ሕደር ከቋርጽ ሞራላውን ሕጋውን ሓላፍነት ስለዘለዎ፡ ዝፈረመሉ ውዕላቱ እናተጣሕሰን ሰባት እናተረግጹን ኣዒንቱ ኣዒሚቱ ኣእዛኑ ለኹኹ ክዕዘብ የብሉን።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 11 ታሕሳስ 2020   

Previous Post

The inevitable birth of a new nation – Tigray

Next Post

ቀጥታ ዘተ ኣብ ኣሰና ምስ ሞያውያን ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮና

Next Post
ቀጥታ ዘተ ኣብ ኣሰና ምስ ሞያውያን ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮና

ቀጥታ ዘተ ኣብ ኣሰና ምስ ሞያውያን ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮና

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
3 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
mina
mina
4 years ago

eritreans are serekti mankiya , shinkurti and hiruch

0
Reply
Jojo
Jojo
4 years ago

This stupid amhar elites they do the same hate speech on every tribe.  I knew one amhara man who told me Weytoch , bahir dar , make love just as a dog and in Gondor I had the same degrading remark  against Kimant. By the way, The same Amhara people conspired against Abune Teweflos , The patriarch, and let him excecuted by Derge. Amharas are created and endowed with plots and hate speech.

Many Of Tigrian bishops and monks are downgraded and defamed for thier ethnic background. Amhjara priests are not christians but magicians . Most of them recite melkaa Diyabilos or any other satanic books to win power , grace, money and enslave women.They are they one who teach satanism to the other tribes . Devil chose amharas and talks to them since they chose to do the evil act.This is not a story lived by one of my friend not a flim flam.

0
Reply
rezen
rezen
4 years ago

ብዛዕባ ኤርትራ ካብዚ ዝበለጸ ትንታነ ኣየድልዮን እዩ ። ቁጽሪ ዘይብሉ’ዉን ተጻሒፉ እዩ ። 
አታ ትድለ ዘላ፣ ከምታ ኣናጹ ዝበላኣ እያ !!!!!

ኣይንረስዕ፣ ናይ ኤርትራ ናጽነት ዝተረኽበ፣ ጀጋኑ ኤርትራዉያን ብሓደ ልቢ፣ ብሓደ መንፈስ፣ ንሓደ ዓላማ ህይወቶም ስለዝሰኡ ጥራይ እዩ ። ታሪኽ ይዕዘበና ከምዘሎ ከዓ ኣይንረስዕ ። 

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
3
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply