Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ታሪኽ ፈረስ ትሮጃን ኣብ ሃገርና ከይድገም !

Atv Asena by Atv Asena
15th December 2020
in Articles, Tigrinya
3
0
SHARES
758
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ታሪኽ ፈረስ ትሮጃን ኣብ ሃገርና ከይድገም !

ብመጀመርያ ካብ’ዚ ሕማም ኮሮና ወይ ኮቪድ-19 ኰነ ካልእ ጥዕናኹም ብደሓን ክትህልዉ ዘሎኒ ድሌት እገልጽ። እዚ ህሉው ኩነታት ሃገርና ንሓደ ቀደም ዝተፈጸመ ብትሮጃን ፈረስ ዝፍለጥ ፍጻሜ ኣዘኻኺሩኒ። ውግእ ትሮጃን፡ ኣብ መንጎ ግሪኽን ትሮይን ንብዙሕ ዓመታት ድሕሪ ምቕጻሉ፡ ከተማ ትሮይ ድማ ብመንደቕ ዝተኸበት ሓንቲ መእተዊት ጥራይ ስለ ዝነበራ፡ ግሪኻውያን ክኣትዉዋ ብዘይምኻሎም፡ ሓደ ተንኰል መሃዙ። እቲ ተንኰል ከኣ መንኰርኰር ዘለዎ ብዕንጨይቲ ዝተሰርሐ ገዚፍ ፈረስ ኣብ ውሽጡ ምሩጻት ወተሃደራት ዓጽዮም፡ ኣብ’ቲ ቀንዲ መእተዊ ናይ’ታ ከተማ ብለይቲ  ብምግዳፍ፡ ሰላም ከም ዝደለዩ ከምስሉ ካብ’ቲ ቦታ ኣርሕቕ ኣቢሎም ተሓብኡ።

ብእምነት እቶም ትሮጃን ዝበሃሉ ተቐማጦ ትሮይ፡ ፈረስ ዓቢ ክብሪ ዝወሃቦን ዝተባረኸን እንስሳ ስለ ዝነበረ፡ በቲ ህያብ ብምሕጓስ፡ ግሪኻውያን ምልክት ስዕረቶም’ዮም ነዚ ግዙፍ ፈረስ ከም መተዓረቒ ሂቦምና ኢሎም ስለ ዝኣመኑ፡ ኣብ ውሽጡ ወተሃደራት ከም ዘለዉ ከይፈለጡ፡ ነቲ ፈረስ ስሒቦም ናብ’ቲ ማእከል ከተማ ኣእተዉዎ። ብድሕሪኡ እቶም ሰራዊት ግሪኽ ብለይቲ  ካብ’ቲ ተሓቢኦምሉ ዝነበሩ ውሽጢ ፈረስ ብምውጻእ፡ ነቶም ከይዶም ዝተባህሉ ኣድብዮም ዝነበሩ ወተሃደራት፡ ነታ ሓንቲ መእተዊት ናብ’ታ ከተማ ምስ ከፈትሎም፡ ሰላሕ ኢሎም  ድሕሪ ምምልስ ሓቢሮም ነታ ንዓመታት ክስዕርዋ ዘይከኣሉ ከተማ ትሮይ ብምዕናው ነቲ ህዝቢ ድማ ብምህላቕ እቲ ውግእ ብዓወት ግሪኻውያን ተዛዘመ። ካብ’ዚ ታሪኽ ዝተላዕለ ድማ ናይ ትሮጃን ፈረስ ዝብል ቃል ናይ ተንኰልን ምትላልን ትርጉም ሒዙ ክሳብ ሕጂ ይዝውተር ኣሎ። ናይ ኮምፑተር ኪኢላታት ድማ ካብ’ዚ ተለቂሖም ዘይጓዳእ ተመሲሉ ኣብ ውሽጢ ኮምፑር ኣትዩ ዘበላሹ ትሮጃን ዝበሃል ሓደገኛ ባልዕ ፈጢሮም። 

እምበኣር ካብ’ዚ ታሪኽ ንመሃሮ ጸኣእቲ ብተንኰልን ሽጣራን ኣታሊሎም ኣብ ውሽጥኻ ኣትዮም ዕንወትን ስዕረትን ከውርዱልካ ከም ዝኽእሉ ኢዩ። እሞ እዚ ታሪኽ ፈረስ ትሮጃን ንዓና ንኤርትራውያን ብኸመይ ይምልከተና ዝብል ሕቶ ክለዓል ናይ ግድን ኢዩ። መልሱ ድማ ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመት ብስም ዕርቂ ኣብ መንጎ መራሒ-ህግደፍን መራሒ- ኢትዮጵያን ዝተራእየን ዝርአ ዘሎን ፖለቲካዊ ፕሮቶኮል ወይ ቅጥዒ ዘይሓለወ ሸረኽረኽን ፈዀስኰስን ክንረኽቦ ንኽእል ኢና። እቲ መራሒ ኤርትራ ዝበሃል ኣብ ጽባሕ’ቲ ዕርቂ ዝበልዎ ናይ ክልተ ሰባት ስምምዕ፡  ንኢትዮጵያ ብምኻድ ዘስደምምን ብክድዓት ዘሕትትን ንህዝብና ዘስተናዕቕን  “ኣይከሰርናን ኣይጐደለናን”፡ “ካብ ሎሚ ንስኻኢ ኢኻ ትመርሓና”፡ “ህዝቢ ኢትዮጵያን ህዝቢ ኤርትራን ክልተ ህዝቢ’ዩ ዝብል ታሪኽ ዘይፈልጥ’ዩ”፡ “ናይ ዶብ ጸገም የብልናን” እንታይዶ በይዶ ዝብል ንልኡላዊት ሃገር ዘድፍር፡ ምናልባት ኣብ ታሪኽ ዲፕሎማሲ ዓለም ሓደ መራሒ ኣብ ካልእ ሃገር ከይዱ ከም’ዚ ክዛረብ ንመጀመሪያ ጊዜ ክኸውን ዝኽእል ቃላት ሰሚዕና። እሞ ድማ እታ ሃገር ህላወኻ ንምጥፋእ ንዓመታት ኲናት ዘካየደትን፡ ብኲናት ዝሰዓርካያን፡ ሕጂ’ውን ወደባትና ካብ ምምናይ ዘየቋረጸትን ምዃና ክትግንዘብ ዝያዳ የቘጥዕን የሕዝንን። መራሒ ኢትዮጵያ ብወገኑ ኣብ ማእከል ኣስመራ ኰይኑ ብሽሕጣን “ኣነን ኢሱን ንዓሰብ ኢና ንካፈል”፡ “ኣነ ካብ ሎሚ ናይ ኤርትራ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስተር ተሸይመ ኣሎኹ” ወዘተ ምባሉ እቲ ኢትዮጵያ ብኲናት ክትረኽቦ ዘይከኣለት፡ ከም’ቲ ናይ ትሮጃን ፈረስ ብዝመሳሰል ናይ ሓሶት ዕርቂን ሰላምን ምትላልን ክትረኽቦ ትፍትን ምህላዋ  ይበርሃልና። 

ነዚ ህሉው ኩነታት ሃገርና ብዝያዳ ምስ’ቲ ታሪኽ ናይ ትሮጃን ፈረስ ዘመሳስሎ ድማ ኣብ’ዚ ቀረባ ዝርአ ዘሎ ምትእትታው ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወደባት ዓሰብን ባጽዕን ኣቢሎም፡ ብነፋሪት ድማ ናብ ማእከል መዕርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብቀጥታዊ በረራ ብምእታው ናብ ዶባት ኤርትራ ክጐዓዙ፡ በዚ ኩሉ ምንቅስቓስ ድማ መሬትና መሬት ጅጋኑን መቓብር ስውኣትን ረጊጾም ክሓልፉ፡ ንኩልና ዘሕዝን ንስዉኣትና ድማ ዘራኸስ ተግባር’ዩ። ኣብ ርእሲ’ላታ ተወሰኸታ ኰይኑ፡ ድማ ብደቡባዊ ዶባት ኤርትራ ካብ ትግራይ ዝሃደሙ ወተሃደራት ናብ መሬትና ከም ዝኣተዉን ብልዑልና ስተዩልና ዝዓይነቱ ኣቀባብላ ጋሻ ከም ዝተገብረሎም ባዕሉ መራሒ ኢትዮጵያ ንፓርላማ ኣብ ዝሃቦ ቃሉ ኣረጋጊጹ።

እተን ልኡላውነተንን ዶባተንን ዘኽብራ ሃገራት ይትረፍዶ ዕጡቓት ወተሃደራት ተራ ሰብ’ውን ተወዝ ኢሉ፡ ዋላ ብዘይፍላጥ ዶብ እንተሰጊሩ ዘይሕጋዊ ተባሂሉ ይኽሰስን ይእሰርን ንዓዱ ይጥረዝን። ብተመሳሳሊ ንሱዳን ዝኣተዉ  ወተሃደራት’ኮ ብናይ ዓለም ሕጊ ኣብ’ቲ ዶብ ብረቶም ኣረኪቦም ከም ስደተኛታት ዑቕባ ክወሃቦም ከሎ፡ ናብ’ታ ብትሮጃን ፈረስ ትጻወት ዘላ ሃገርና ግና ምስ ብረቶም መሬትና ክረግጹ፡ ንመሬትና ድማ ከም ወተሃደራዊ ድፋዕ ክጥቀምሉ፡ ካብኡ ተበጊሶም ድማ ንህዝቢ ትግራይ ከጥቅዑ ምሉእ ዘይጒዱል ምትሕብባር ተገይርሎም። ምስ’ቶም ወራራት ፈንዮም ኤርትራ ንምጥፋእ ዝህንደዱ ዝነበሩ ብሔራት ኰንካስ ንጐረቤት ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዘይቅዱስ ቃል-ኪዳን ምእሳር፡ ዘሎናዮ ግርምቢጥ እዋን ምዃኑ፡ መራሕትና ድማ ብዝከሓነ ጽልኢ ዓዊሮም ፈተውቶምን ጸላእቶምን ምፍላይ ስኢኖም ክደናገሩ የስደምመካ። ጉዳይ ኢትዮጵያ ብዓቢኡ ንዐኦም ስለ ዝምልከት፡ እንተክኢልና ከም መንጎኛ ዕርቂን ሰላምን ከነምጽእ፡ ካብኡ ሓሊፉ ግና ንሓያል ደጊፍካ፡ ዘራይ ኰንካ ምእታው ብባህልና’ውን ነውሪ’ዩ።

እቲ መሪርን ነዊሕን ናይ ሓርነታዊ ቃልሲ ኣብ 1991 ብመስተንክር ዓወት ኤርትራ ምስ ተዛዘመ፡ ኣሽሓት ወተሃደራት ኢትዮጵያ ብምዕራባዊ ወገን መሬትና ንሱዳን ክሃድሙ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ልዕሊ ዓሰርተ ዓመት ዕድመ ዝነበሮ ኩሉ ኤርትራዊ ዝዝክሮ፡ ካብ ሓንጐልና ዘይሃስስ እጹብ-ድንቅ ታሪኽ ከም ዝተፈጸመ ምልስ ኢልና ምዝካር ከድልየና ኢዩ። ከመ’ሲ ኣሽሓት ወተሃደራት ብረቶም ናብ መዀስ ቀይሮም፡ ታንክታቶም ዛሕዚሖም ዝሃደሙ፡ ሕጂ ኤርትራ ብደምን ኣዕጽምትን ጀጋኑ ደቃ ልኡላዊት ሃገር ምስ ኰነት፡ ምስ’ቲ ታሪኽ ፈረስ ትሮጃን ብዝመሳሰል ምትላል ናብ መሬትና እንዳተዛነዩ ኣትዮም ናብ ትግራይ የመርሑ ኣለዉ። ድሕሪ ሰለፋ እንታይ ተረፋ ከም ዝበሃል፡ እቲ ቀንዲ ዘሰከፍ ከኣ እዞም ኣሽሓት ብኤርትራ ዝኣተዉ ወተሃደራት ምስ ትግራይ ዘለዎም ኲናት ወይ ብስዕረት ወይ ብዓወት መዕለቢ ምስ ተገብረሉ፡ ከም’ታ ዝመጽእዋ መሬትና ለቒቖም ንዓዶም ክምለሱ ድዮም? ወይስ ከም’ቶም ኣብ’ቲ ፈረስ ትሮጃን ተሓቢኦም ዝነበሩ ወተሃደራት ግሪኽ፡ ነቲ ንሳላሳ ዓመታት ብኲናት ክዕወትሉ ዘይከኣሉ፡ ሕጂ ኣብ ውሽጢ ሃገርና ኰይኖም መሬትናን ወደባትናን ክደፍሩ’ዮም? እዚ ኩልና ኩሉ ጊዜ ከነልዕሎን ክንከታዓሉን ክንዳለወሉን ዝግባእ ሕቶ’ዩ።

ኣቱም ሰባት! ኣሽሓት ሰራዊት ኢትዮጵያ ብወደባትና፡ ብዶባትና፡ ብመዕርፎ ነፈርቲ ኣትዩ ንሃገርና ኣራግጽ ክገብርን ናይ ኲናት ጥሩምባ ክወቅዕን ሃገር ዘውሓሱ ብሂወት ዘለዉ ጀጋኑ ተጋደልቲ ከመይ ኮን ይስመዖም ይኸውን? እቶም “ብሰላም ዕረፍ” ዝበሃለሎም ጀጋኑ ስዉኣትናኸ፡ ነዚ ኣራግጽ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ንሓንቲ ደቒቕ እንተዝርእይዎ ኣብ መቓብሮም ኰይኖም ኣየንቀጥቅጡንዶ?። ሓርበኛታት ስንኩላን ኲናት እቶም ትማሊ ጥራይ ኢዶም ዘባረርዎም ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ካብ ባጽዕ ተጓዒዞም፡ ብመካይን ተጻዒኖም፡ ብጽርግያ ማይሓባር ክሓልፉ ክርእዩኸ ከመይ ኮን ይሓዝኑ ይዀኑ! ንሕናኸ ከም ህዝቢ ዝተጋደለ፡ዝሰንከለ ዝተሰውአ ዝሓዝነላ ሃገር ብሓቂ ናትና ዲያ? ከምኡ ኢላ ክትቅጽል ዲናኸ ንደልያ? ብጃኹም ነዚ ሕቶታት’ዚ ርእይቶይ ርእይቶኻ ጨርባሕባሕ ገዲፍና ብሓባር ንመልሶ፡ መጻኢ ዕድል ሃገርና ከኣ ነውሕሶ!

እዚ መኣስ ጥራይ! ካልእ ብዓሚቚ ምስ እነስተውዕል ምስ ናይ ትሮጃን ፈረስ ዝመሳሰል ተንኮል’ውን ብጋህዲ ንርኢ ኣሎና። ኣብ’ዚ ሎሚ እዋን ኢትዮጵያ ወናኒት ሓይሊ ባሕሪ ናይ ምዃን ዘለዋ ሕልሚ ኣብ ጥርዙ በጺሑ ንምትግባሩ  ከይደቀሰት ትሓድር ኣላ። ንምዃኑ ኣብ ናይ መን ባሕሪ ኰይኖም’ዮም ሓይሊ ባሕሪ ክስርቱን ክውንኑን ዝደልዩ ዘለዉ? ወይስ ከም ፈረስ ትሮጃን ባሕረኛታት ዝጸዓና መራክብ ውግእ ኢትዮጵያ ኣብ ባሕርና ክሰፍራ’የን? ኤርትራ ባሕራ’ምበር ህዝባ ኣየድልየናን ካብ ዝብል፡ ባሕርና ልዕሊ ህዝብና ከም ዘገድሶም ብቃላቶምን ብናይ 30 ዓመት ኲናትን ዝገለጹልና፡ ብስርሒት ፈንቅል ካብ ባሕርናን መሬትናን ብስዕረት ዝተባረሩ፡ ሎሚ ከም ብሓድሽ ባሕርና ከም ሓበላ፡ ዓይኖም ሸፊኑ ወትሩ ዘይመሬቶምን ዘይባሕሮምን ካብ ምምናይ መኣስ ኮን ቀቢጾም ሰላም ይህቡና ይዀኑ?

ብጊዜ ደርጊ ካብ’ቲ መናድቕ ከተማ ኣስመራ ደዊኑ ዝነበረ ጽሑፋት ሓደ፡ “ቀይሕ ባሕሪ ባህሪያዊ ዶብ ኢትዮጵያ ኰይኑ ንዘለኣለም ክነብር’ዩ” ዝብል ነይሩ። ሕልሚን ጋህዲን ግና ነናተን መምዘኒ ሓሶትን ሓቂን ስለ ዘለወን፡ ሕልሞም ብስርሒት ፈንቅል በኒኑ፡ ብደበስ ደምን ኣዕጽምትን ሂወትን ደቃ፡ ቀይሕ ባሕሪ፡ ባሕሪ ኤርትራ ኰይኑ ተጋሂዱ። ኣብ’ዚ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ድማ ደግሲ ሕማም ባሕሪ ምስ ብርቱዕ ረስኒን ሕማም ርእሲን ከም እንደገና ክትለዓሎም ንዕዘብ ኣሎና።

እምበኣር ነዚ ንርእዮ ዘሎና ኣሻቓሊ ንህላወ ሃገርና ዝፋታተን እዋን ብግቡእ ክንርደኦን ኣብ ሃገርናን ህዝብናን ዘለዎ ጽልዋ ብዕቱብ ከነስተውዕሎን፡ ካብ’ቲ ታሪኽ ፈረስ ትሮጃን መለበሚ ክንረክብን ይግባእ። ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝካየድ ብዓቢኡ ንኢትዮጵያውያን ዝምልከት’ኳ እንተዀነ፡ ንሕና ከም ጐረቤት ሃገር እቲ ዝሓሸ ዓራቓይ ምዃን፡ ብዝተረፈ ድማ ዶባትናን ክብርናን ሓሊና ብሰላም ምንባር ይግባእ። ንሓደ ፈታዊ-መሰል ጸላኢ ደጊፍካ ሂወት ደቅና ኣብ ኲናት ምጥፍእ ቊጠባና ድማ ምዕናው ዘሕዝን ውጽኢት ጥራይ’ዩ ዘለዎ። ማይን ሑጻን መታርፍቲ ስለ ዝዀነ፡ መሬት ምስ ወግሐ ንውሉድ ወለዶ መናብርትና እቶም ብቀረባ ጐረባብትና ህዝቢ ትግራይ ኢዮም።

ንመጻኢ ወለዶ ዘየድሊ ጽልእን ደምን ቂምን ከይነውርሶ ምስትውዓልን ልቦናን ክንገብር ይግባእ። ዓዲ ለባማትን መስተውዕልቲን ከም ዘይነበርና ሕጂ ግና ሃገርና ብዝኸሓነ ጽልኢ ዘለዎም መራሕቲ ህግደፍ ታሪኻዊ ጊጋታት ትፍጽም ኣላ። መራሕቲ  ክልቲኡ ሃይማኖታትና ነዚ ሕማቕ እዋን ብሰላም ክንሓልፎ፡ ሃገርና ድማ ካብ’ቲ ናይ ትሮጃን ፈረስ ተንኰል ክትድሕን ወትሩ ጸሎት ዶዓን ከብጽሑ ንምሕጸን። ነቶም ንሃገርና ከም ትሮይ ብትሮጃን ፈረስ ኣብ ሓደጋ ዘውድቑ ዘለዉ መራሕቲ ድማ፡ ኩልና ኩሉ ጊዜ፡ ዓገብ ክንብሎምን ብህዝባዊ ተቓውሞ ክንገጥሞምን ሓደራ።

እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ!

ዘለኣለማዊ ዝኽሪን ክብሪን ንስዉኣትና!

ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት

ካልጋሪ፡ ካናዳ

Previous Post

ቀጥታ ዘተ ኣብ ኣሰና ምስ ሞያውያን ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮና

Next Post

ኣፈርክቡ ንዝተወሃሃደ ሰላማዊ ሰልፊ – ንድሕነት ናይቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት መንግስታት ኮይኖም ትግራይ ተዓቂቦም ዘለዉ ኤሪትራውያን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ንኤርትራ ዝግዕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት

Next Post
ኣፈርክቡ ንዝተወሃሃደ ሰላማዊ ሰልፊ –  ንድሕነት ናይቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት መንግስታት ኮይኖም ትግራይ  ተዓቂቦም ዘለዉ  ኤሪትራውያን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ንኤርትራ ዝግዕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት

ኣፈርክቡ ንዝተወሃሃደ ሰላማዊ ሰልፊ - ንድሕነት ናይቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት መንግስታት ኮይኖም ትግራይ ተዓቂቦም ዘለዉ ኤሪትራውያን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ንኤርትራ ዝግዕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት

5 1 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
3 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

The trojan horse was introduced into our society over half a century ago and it’s been waging a protracted war against us ever since, what you see today is the icing on the cake, the finishing touches– the re-annexation of a splintered weak sovereign nation which can not defend itself. They don’t need the trojan horse today, a C-130 Hercules is dropping them off in broad daylight at Asmara airport, blame no one for this shaming of a nation but yourselves for you have been procuring and preserving this old Trojan horse with your own hands.

0
Reply
rezen
rezen
4 years ago

እቲ  ጸገም ኣባና አዩ ። ንፈልጦ ከዓ ኢና፣ ኣጸቢቕና ። ጸርፍታት ከዓ ከምዘይዋጽኣና ፈሊጥናዮ ኢና።
አስኪ ናይ ሚእትን ኣርባዓን (140 )ዓመት ታሪኽና ነነፍሲ ወከፍና ንመርምሮ ::
ኣየናይ ግዝየ አዩ ኤሪትርያ ሓራ ወጺኣ ባዕላ ንባዕላ፣ ምስ ምሉእ ዘይጉዱል ሓርነት፣ ዘማሓዳደረት? 
ሕቶ እዩ ።
ናይ ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዳርጋ ሰላሳ ዓመት መግዛቲ ከም ምሉእ ዘይጉዱል ሓርነት  እንተተቖጺሩ ይቕረታ እናለመንኩ ኣብታ ሹጋ – ቩገይ እምለስ ። 

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
4 years ago

” ምስ’ቶም ወራራት ፈንዮም ኤርትራ ንምጥፋእ ዝህንደዱ ዝነበሩ ብሔራት ኰንካስ ንጐረቤት ህዝቢ ትግራይ ንምጥፋእ ዘይቅዱስ ቃል-ኪዳን ምእሳር፡ ዘሎናዮ ግርምቢጥ እዋን ምዃኑ፡ መራሕትና ድማ ብዝከሓነ “ጽልኢ ዓዊሮም ፈተውቶምን ጸላእቶምን ምፍላይ ስኢኖም ክደናገሩ የስደምመካ።”

ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት

———++++——–

ሰላማት ኩቡር ዶ.ተስፋሚካኤል

ኣብዚ ዝግበር ዘሎ ገበናት ኢድ ዘለዎ ብሔር የለን።
ህዝቢ ዘይመረጾም መራሕቲን ሰብኣዊ ርህራሀ ዘይብሎም መንግስታትን ኢዮም ታሓተትቲ።
ቀዳሞት ተሓተትቲ ናይዚ ሕጂ ወሪዱና ዘሎ መከራ ንሕና ኤሪትራውያን (ቡዙሓት ካባና ኢድ ዝወሰኹሉ) ባዕልና ኢና ። ኢዚ ሕጂ “ትሮጃን” ትብሉዎ ዘለኹም ሰይጣናዊ ፈረስ ፥ “ብዘይካኻ ካልእ ኣምላኽ የልቦን” እንዳ በልኩምዎ ፥ ንዝሓለፋ 50 ዓመታት ፥ ሰብ ኢንዳበልዐ ዝነብር ዘሎ ጉዙፍ ኣራዊት ኢዩ ።
ስለዚ ፥ ኣይተ “ትሮጃን” ናይ ሎሚ ጸላኢ ኣይኮነን ፥ ጽልኢን ቅርሕትን ኣሳዊሩ ፥ ህወት ዓሰርተታት ኣሻሓት ኣህሊቁ ፥ ብዘይ ገለ ስክፍታ ኣብ ጎደናት ዝዛወር ሰብ ኢዩ።
ህወሓት ካብ ኢሰያስ ዝሕሹ ኣይኮኑን ።
ኢሰያስ ፥ ንኤሪትራ ክቀትለሎም ኢዮም ክጽበዩ ጸኒሖም ።
ኣውያት ህዝቢ ኤሪትራ ጸማም ኢዝኒ ሂቦምዎ ፥ ኣብ ልዕሊ ጸገሙ ፥ ብዓሌትን ሃይማኖትን ፈላሊዮም ፥ ከም ሶማል ንክብተን ዘይፈተኑዎ ሜላ የለን።
ህዝቢ ትግራይ ልክዕ ከም ህዝቢ ኤሪትራ ፥ ኣብዚ ወሪዱዎ ዘሎ ማዓት ፥ ምርጩኡ ዉሑድ ኢዩ ። ተለኪሙ እንተ በልኩ ካብ ሓቂ ዝራሓቀ ኣይመስለኒን።
ክልቲኦም ጎረባብቲ ኣህዛብ ፥ ብሰላም ክነብሩ ምእንቲ ፥ ኣክራሪ ስነ-ሓሳብ ዘለወን ናይ ጥፍኣት ፖሊቲካዊ ጉጂለታት ካብ ምድጋፍ ክገላገሉ ይግባእ ። ንነባሪ ሰላምን ምትሕግጋዝን ፥ ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ሃገራት ዘሎ ናይ ዶብ ጸገማት ንምፍታሕ በብሸነኾም ጸቅጢ ክገብሩ ይግባእ ።
ሰላም ክሳብ ዘየለ ፥ ንኹሎም ዘርብሕ ዝምድና ክህሉ ኣይክእልን።

Last edited 4 years ago by ወዲ ሃገር
0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
3
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply