Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ተዓጻጻፍነት ዲሞክራሲያዊ ሐይልታት ኤሪትራ ኣብዚ ተኣፋፊ ጊዜ ከመይ ይመስል

Atv Asena by Atv Asena
11th June 2021
in Articles, Tigrinya
15
0
SHARES
771
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ተዓጻጻፍነት  ዲሞክራሲያዊ ሐይልታት ኤሪትራ ኣብዚ ተኣፋፊ ጊዜ ከመይ ይመስል

  ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ

ኣብዚ ዘመን  እዚ ከም ህዝቢ ኤሪትራ ገይሩ ዝተዋረደን ዝተጨቆነን መሰሉ ዝተገፈን ህዝቢ  የለን እንተ ተባህለ ኣጋንኖ ኣይኮነን።  ኣብዚ እዋን ኤርትራ  ኣብ ዘይምልከታ ኣብ ኩናት ሓድሕድ  ኢትዮጵያ ተሸሚማ  ሰራዊታ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዘስካሕክሕ ሰብኣዊ ገበን ይፍጽም ኣሎ። ህዝቢ ኤሪትራ ናይ ጅግንነት ታሪኹ  ኣብ ዓለም እናተደምሰሰ ይኸይድ ኣሎ።  

 ኣዞም  ዕሸላት ሰራዊት ኤሪትራውያን ተተገጊፎም ብዘይድልየቶም ኣብቲ ሐዊ ኩናት ይጸንቱ። እቲ ዘሕዝን    ነቲ ዘጽንቶም ስርዓት ድማ የገልግሉዎ።  ብድሕረይ ኤሪትራ ሳዕሪ ኣይብቆላ ፍልስፍና ኢሳያስን ኣብ ተግባር። ኣብዚ ጊዜ እዚ መጻኢ ዕድል  ህዝቢ ኢሪትራ ጽልግልግ ይብለካ። ኤሪትራ  ናበይ ገጻ እያ ትኸይድ ዘብል ሕቶ ተደጋጊሙ ቅጅል ይብለካ።  

 ኣብዚ ሐደገኛ ጊዜ  ኣብ ደገ ዘለና ዲሚክራሲያውያን ሐይልታት  ዓቢ   ተራ  ክንጻወት  ናይ ግድን ይኸውን::  ኣብ ትግራይ ዝበጽሕ ዘሎ ኢሰብኣዊ በደል ዓው ኢልና ክንቛዎም ኣለና። እዚ  ሕልና ዝሓቶ ባህርያት እዩ። ቁዱስ ስንምግባር እውን እዩ። እዚ ብትእዛዝ ኢሳያስ ዝግበር ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ህዝቢ ትግራይ ከምኡ እውን ኣንጻር ህዝቢ ኦሮሞ  በንሽንጉል ጉሙዝ  ኣዚዩ ኣነዋሪ  እዩ።ኣንጻር ረብሐ ህዝቢ ኤሪትራ ኮይኑ  ሰፍ ዘይብል ዕዳ ንህዝቢ ኤሪትራ ዘሰክም  እዩ። 

ብሓጺሩ ዕላማ ምንስቃስ ኣብ ዲያስፖር ዘለና ዲሞክርሲያዊ ምንቅስቃሳት ንጹር እዩ። ንሱ ከኣ ኩናት ኣብ  ትግራይ ደው  ኢሉ ሰላም ክነግስ፥   ኢሳያስ ኣብ ዓለማዊ ቤት ፍርዲ  ክቐርብን ኤሪትራ ዲሞክራሲያዊት ኮይና ብቅዋም ክትምራሕን እዩ።  ብተወሳኺ  ኣብ ሓደጋ ዘለዉ ሰደተኛታት  ኢሪትራውያን ምሕጋዝ ። ንኣብነት ነቶም ኣብ ትግራይ ዘለዎ ስደተኛታት ኣብ ሕሱም ኩነታት ስለ ዘለዉ ኣቃልቦ ሂብና ዝኣክል ሓገዝ ክንገብረሎም ኣለና። ኣብዚ ሕጂ ጊዜ እቶም ምስ ምዕናው  መዓስከር ሽመልባን ህጻጽን ተመዛቢሎም ኣብ ሕማቅ ኩነታት ዘለዉ ህጹጽ ሐገዝ ክግበረሎም የድሊ።  ነዞም   ሓያላት  ብድሆታት ክንገጥሞም  ግን ናይ ሓባር መሪሕነት ወይ ሓይሊ ዕማም የድሊ ።  ናይ ሰላም ጻዊዕትናን ጎስጓስናን  ምስተን ሰራዊት ኢሪትራ ካብ ትግራይ ብቕልጡፍ ክወጽእ ኣለዎ ዝብላ ከም ኣመሪካ ዝሳነ ስለዝኾነ  ምስኣተን  ዝምድና ምግባር ኣይከጸግምን እዩ። ንሳተን እውን ምስእቲ ውጹዕ  ህዝቢ ኤርትራ ዘራኽብ  ድልድል ከድልየን እዩ ናይ ሰላም ድልየተን ናይ ህዝቢ ኤሪትራ እውን  ስለዝኾነ።  ምስ ኢሳያስ ክህልወን ዘኽእል ዝምድና ተጸንቂቁ እዩ።  ብመሰረት  ናይ 2016 ናይ ሕብራት መንግስታት መርማሪት ኮሚሽን ዝቀረበ  ጸባብ – ኣብ ኤርትራ ገበን ኣብ ልዕሊ ወዲ ሰብ ተፈጺሙ ዝብል  ኢሳያስ  ኣብ ፍርዲ ቤት ክበጽሕ እኳ እንተተሓተ  ተጎስዩ  ደኣ ተረፈ ።  ሕጂ ግን ሓዲስ ገበን ተወኢኽዎ ብዝያዳ ንኢሳያስ ኣብ ቤት ፍርዲ ዓለም ክበጽሕ ተኽእሎ ኣሎ። እዚ ደለይቲ ፍትሒ ከበራብረዎ ይኹእሉ እዮም።    ሓንቲ ክንዝንግዖ ዘይብልና እቲ ቀንዲ   ጠለባትና  ህዝቢ ኤርትራ ካብ ጭቆና ኣኢሳያስ  ክገላገል እዩ።  ንሱ ከኣ ኢሳያስ ካብ ስልጣን ምስ ዘልግስ ጥራሕ እዩ።  እዚ ሕቶ እዚ ግን ኣይቃላሕን ኣሎ። ሰራዊት ኢርትራ ካብ ትግራይ ክወጽእ ኣለዎ ጥራሕ እዩ እቲ ዓለም ለኻዊ ጠለብ፡፡እዚ እቲ ክምከት ዘለዎ ዝዓበየ ብድሆ ንኤርትራውያን እዩ።

እቲ ዘተባብዓካአዘን  ናይ ፖለቲካን ሲቪላውያንን ማሕበራት፣ ጸለውቲ ምሁራት ውልቀሰባትን ናይ ሓባር መሪሕነት ከም ዘድሊ ተረዲኤን ብቀጻሊ ርክባት ይገብራ ምህላወን እዩ ። ክመያየጣ እኩል ጊዜ እኳ እንተነበረን ክሳብ ሕጂ ግን   ኣይተዓወታን – ደንጉየን ኣለዋ ።  እምበርዶ ነዚ ተፈጢሩ ዘሎ ምዕባለታት  ክንምዝምዞ ኢና  ዘብል እዩ፡ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ይቅልጥፍ ስለዘሎ  ምትዕጽጻፍን ምስ ጊዜ ምቅድዳምን ናይ  ግድን ይኸውን።  ጊዚኡ ኮይኑ   ናይ ሓባር መሪሕነት መስርሕ ኣጽኒዖም የቅርቡ ኣለዉ። ን ኣብነት- ሳልሕ የኑስ – ብመገዲ ጊዜያዊ መንግስቲ –  ዶክተር ኣርኣያ ደበሳይ፥ ብመገዲ ምቋም ሀገራዊ ባይቶ  forming the Eritrean National Congress (ENC) ፡   ከመይ ገርካ  ኢሳያስ ኣልጊስካ ንኤርትራ ናብ ደሞክራሲያዊት ሀገር ተሰጋግራ። ከማኡ ኣውን ምዕቃብ ልዑላውነት ኤሪትራ ።

እቲ ፈተነ ናይ ሓቢርካ ምስራሕ ክዕወት ዘጠራጥር  ምዃኑ መስለኒ  ናይ ፖለቲካን ሲቪላውያን ምንቅስቃሳት በብውልቀን ማዕጾ  ኣመሪካ፡ ጀርመን፥ እንግሊዝ ካልኦት ኣገደስቲ ሃገራትን ይኹሕኩሓ ኣለዋ። ምፍታኑ እውን ሕማቅ ኣይኮነን። ንገምጋም ክሳብ ክንደይ ብኤርትራ ይግደሳ ምፍላጥ እውን ይጠቅም እዩ። ከም ናይ ሐባር መሪሕነት ኣቑምካ እትንቀሳቀሶ ግን ክኸውን ኣይክእለን እዩ።  ገለ ገለ ሃገራት ኣግሂደን ሓቢርኩም ዘይትመጹና ዝብል ስክፍተኤን ብተደጋጋሚ ይገልጻ እየን።  ሓምሽተ ሚሊዮን ትኾኑ ህዝቢ ክሳዕ ዕስራ ሰላሳ ዝኾና ውድባት ንምንታይ ኣድለየኩም ይብላ።  ኣብቲ ብዓል ኣሜሪካ  ተበጊሰናሉ ዘለዋ ዕላማ ኩናት ኣብ ትግራይ ጠጠው ክብል፥ ሰላም ክነግስን ብፍላይ ንኤሪትራ ዝምልከት ጉዳይ ኣሎ።  ስለዝኾነ እተን ንሰላም ዝተበገሳ ሃገራት ከምኒ ኣመሪካ ንኤርትራ ዝምለከት ምስቲ  ብቀጥታ ዝምልከቶ ኣካል – ኣብ ዲስፖራ ዘሎ ናይ ኤርትራ  ዲሞክራሲያዊ  ሓይልታት ሓቢረን ክሰርሓ – ክላዘባ   ይደልያ እየን።  እንተኾነ ግን  ምስ  ብቕዓት ዘለዎ- ጥርኑፍ  ኢሪትራዊ መሪሕነት እየን ክሰርሓ ዝደልያ። ድሕሪ ለውጢ  እውን ምስቲ   ዝፈልጠኦ  ኣካል ክሰርሓ ስለዘለወን ።  ኢሳያስ ኣብ  ዝእለየሉ ጊዜ  ክመጽእ ንዝኽእል ሕንፍሽፈሽ ክውገድ ክተሓባበራ ይኽእላ እየን።

እዚ  ኩነታት  ጊዜ ኣይህብን እዩ፡ ኩናት መኣስ ከምዝውዳእ ዝፈለጥ ሰብ የለን ግን ቀሪቡ ከም ዘሎ ንዕዘቦ ኣለና!  ቅልጡፍ ናይ ሓባር መሪሕነት – ወይ ሓይሊ ዕማም ከይተፈጥረ ለውጢ ምስ ዝመጽእ  ግን ዲሞክራሲያን ሐይልታት ኤሪትራ ኣብ ጉዳዩ ድምጺ ዘይብሉ ክተርፍ ኢዩ።   ኣብ ታርኽ ደለይቲ ፍትሒ እታ  ዝዓበየት ፍሽለት ኮይና ትምዝገብ።  እዚ ግን ክውገድ ኣለዎ፥ ይከኣል እውን እዩ።

ኣብዚ ጊዜ እዚ እቲ ጠለብ  ናይ በዓል ኣመሪካ ሰራዊት ኤሪትራ ይውጻእ ዝበል እምበር – ነቲ ኢሳያስ  ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤሪትራ ወሊዕዎ ዘሎ ኩናት ህዝቢ ምጽናት መወዳእታ ክግበረሉ ኣለዎ ዝብል ኣይኮነን። ዝግደሱሉ ዘለዉ እውን ኣይመስለንን እዩ ዘሎ።  እዚ እቲ ዝዓብየ ብድሆ ናይ ህዝቢ ኤሪትራ እዩ። እዚ ክጋዋሕ ኣለዎ ሰኒፍና ኣለና። ኣብዚ  ነዚ ብዝያዳ ክዕወተሉ ዝኽእል ናይ ሓባር መሪሕነት ምስ ዝህሉ እዩ።

ኣብዚ ክገልጾ ዝደሊ  ኤሪትራ ፎካስ  (Eritrea Focus) ነቲ  ሐቢርካ ዘይምስራሕ ዘምጽኦ ዕንቅፋት ክእለ ክትሰርሓሉ  ኣቀዲማ  ጀሚራ ምንባራ ይፍለጥ።  ኮንፈረንስታት እውን ኣካይዳትሉ እያ። ሐደ ካብቲ ኣርእስቲ ሓቢርካ ምስራሕ  “working together“ ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ናይ ሐባር መሪሕነት ክቐዉም ዝብል ናይ ስራሕ መደብ ጀሚራ ነይራ።  ኣብ መንጎኡ እዚ ተኣፋፊ ኩናት ምስ ጀመረ፡ ሐቢርካ ምስራሕ ዝቀላጠፈሉ መገዲ ንምስላጥ፡  ነቲ ጉዳይ  ክቀላጠፍ  ናይ ሰክረታሪያት ተራ፡ ኮታ ናይ ምድላው፡ ናይ ቤት ጽሕፈት፡ ምዝርጋሕ ሓበሬታታት፡ ንመካየዲ  ዝኸውን ገንዘብ ምድላብ ወዘተ ዝብል መደብ ሰሪዓ።  ብዛዕባ እዚ ምስ  ገለ-ገለ ማሕበራት እናትራኸበት እዚ ናይ ሰክረታሪያት ስራሕ ዘትያትሉ። ንሳተን እውን ብናተን መገዲ ዘቕርባኦ መደባት ኣሎ። መርሓባ ዝበሃል እዩ። ግን ብኣረኣእያይ  (እዚ ናተይ ርእይቶ እምበር ናይ  ኤርትራ ፎካስ ኣይኮነን) እቲ ህጹጹነት ናይዚ ጉዳይ ዝተረደኣና ኣይመስለንን ዘሎ። እቲ ቆጸራታት እናነውሐ ዝኸይድ ዘሎ ስለዝመስል፡ እምበርዶ ነዚ ተኣፋፊ ጊዜ ንረብሓና ክንልውጦ ኢና ዝብል ስግኣት ሓዲሩኒ።   ጊዜ ከይቅድመና የስግእ እዩ፥ ብኣና ወገን ተዓጻጻፍነት ይረኤ የለን።   እዚ ህጹጹነት ኣብ ግምት ኣትዩ ኣብ ክንዲ ኩሎም  ብሓባር መታን ክሰርሐ ኢልካ ወርቃዊ ጊዜ  ምብዃን ምስቶም   ዝሰማምዑኻ  ኮንካ ነቲ ስራሕ ምጅማሩ ይሓይሽ ምበልኩ።  ብድሕሪኡ ካልኦት ጽፉፍ ስራሓት ሪእዮም  ከጽንበርዎ ይኽእሉ እዮም። መርሓባ  ክበሃሉ ኣለዎም። ክንግንዘቦ ዘለና ብዙሓት ሃገራት  ፥ ኢሳያስ ምግሃስ መሰል ህዝቢ ኤሪትራ ጠጠው ከብሎ ብቅዓት ከም ዘይብሉን ከምዘይደልን ገምጋም ወሲዶም እዮም።ኣብ ክንድኡ  ምስቶም ዲሚክራሲያውያን ሐይልታት ኣብ ዲይስፖራ ሓቢርና ምስራሕ ይሓይሽ እናበሉ እዮም።  መብዝሕትኡ ኣብ ኣጋጣሚታት ዝፍኖ ሓሳባት ይኹን እምበር ሓደ ሓደ  ብጹሕፍ ይግለፍዝ እዩ። ንኣብነት ኣብ  ታሕቲ ተመልከት።

ተፈጸመ

1 “On 25 June 2020, a public intergroup zoom discussion on ERITREA was held at the invitation of Rudi Friedrich (Connection e.V.) and Kathrin Vogler (MdB, Die Linke). Several experts as well as members of the German parliament parties SPD, FDP and the parliamentary group Bündnis 90/Die Grünen took part in the discussion. In conclusion Cooperation with the wider Eritrean democracy movements was recommended

2. In America, Michael Rubin wrote “The time is now for U.S. officials to reach out to Eritreans, both inside the country and out, and put plans in place to help build the institutions Isaias Afwerki has left weakened or destroyed. ግን ነዚ  ዓይነት ኣረ ኣእያታት ብኸመይ ንምዝምዞ፥   ናይ ሐባር መፊሕነት ምግባር እዩ መድሃኒቱ።

ሐቤሪታ፡  መጽሓፍ ኣበባ ተስፋጊዮርጊስ በዓታት  ፥ ዋይ ኣነ ደቀይ! ሰኣን ምምልካት ዶ! & ንመን’የ ዝነግሮ?  መሰረት ልብወለዳዊ ስነ-ጽሑፍ ኤሪትራ ዝኾነትኣብ መሽጣ ወሪዳ ኣላ። 25% ካብቲ ሽያጥ ብፍላይ ንሓገዝ ነቶም ስደትኛታት ኤሪትራውያን ካብ   ትግራይ ተመዛቢሎም ን ኣዲስ ኣበባ ዝእትዉ ዘለዉ ሐገዝ ዝወሃብ እዩ።  

Previous Post

Stop Tigray Genocide Protest @ the G7 Summit in Cornwall, UK

Next Post

ኣኼባ ኣባላት ዓለምለኻዊ ምውህሃድ ኤርትራውያን ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰንበት 13 ሰነ 2021 – 02:00 pm New York / 07:00 pm London

Next Post
ኣኼባ ኣባላት ዓለምለኻዊ ምውህሃድ ኤርትራውያን  ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰንበት 13 ሰነ 2021 – 02:00 pm New York / 07:00 pm London

ኣኼባ ኣባላት ዓለምለኻዊ ምውህሃድ ኤርትራውያን ንድሕነት ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰንበት 13 ሰነ 2021 - 02:00 pm New York / 07:00 pm London

3.3 3 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
15 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
ዓዲተከሌዛን
ዓዲተከሌዛን
3 years ago

እወ ብሓቂ ቅኑዕ ኣተሓሳስባ እዩ. ምናልባሽ እቲ ስክፍታ ብዙሕ ህዝቢ ኤርትራ “ንረሳሕ ስሚንቶ ብረሳሕ መወልወሊ ጌርካ ከተጽርየ ኣይትኽእልን ካብ ዝብል ዝተበገሰ ይመስለኒ. ተደናገጽቲ ጂሃድን ሕቡኣት ናይ ኣውራጃ ተቓለስትን ዝሓዝዎ ይመስል እቲ መድረኽ. ነቲ ሕማም ከይገለጽናዮ ብጠቕላልኡ ናይዲሞክራሲ ዘይምህላወ ሕገመንግስቲ ዘይምጽዳቕ ኢልና እንተሰሚናዮ ሎሚ እውን ኣብታ ዱርና ኽንምለስ ኢና..
የቐንየለይ
AKA UNCLE SYE

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  ዓዲተከሌዛን
3 years ago

“ ተደናገጽቲ ጂሃድን ሕቡኣት ናይ ኣውራጃ ተቓለስትን ዝሓዝዎ ይመስል እቲ እቲ መድረኽ.”

AKA UNCLE SYE

ኣይተ ስየ ፣

ህግደፍ ከምኡ እንተ ዝብሉ ኣይምገረመን ፣ ግን ካብ ሓደ ገለ ጥቅሚ ዘይብሉ ሰብ ክትሰምዖ ፣ ብፍላይ ትግራዋይ ዕባይ ኤርትራ ፣ ኣይግድን።
ለውጢ አብ ኤርትራ ፣ ንህዝቢ ትግራይውን ዘርብሕ እዩ። ንሰላም ንስራሕ። ደፊረኩም ከይኾዉን ይቅረታ ግበሩለይ።

0
Reply
Mike
Mike
3 years ago

Just a thought:
Two things here speak volume, “1st – ኣውራጃ” and “2nd- ኣብዚ ሐደገኛ ጊዜ ኣብ ደገ ዘለና ዲሚክራሲያውያን ሐይልታት ዓቢ  ተራ ክንጻወት ናይ ግድን ይኸውን”. The first item “ኣውራጃ” is as toxic and constantly bubbling under the surface. Often, “ኣውራጃ” is like “on your face” by some people thinking they are playing a trick on you. Our family, being from two sections of the land of Eritrea do see and get both ends of the stik and it is ugly and racist. The second item is inside the first -“ኣውራጃ”. And it is like a benign tumor of tribalism. What is real is the men in Eritrea play ኣውራጃ well to their advantage while every opposition group operate like seasonal birds. Meaning that they show up when an event is boiling to the surface in the horn and then they are al gone to hibernation.

On the other note however, we see a more united front in the world of Tigrians unlike the one in Eritrean opposition groups. No wonder Tigrian struggle took just 17 years only. What an interesting observation this is. Any Eritrean opposition group and, if any out there that is, (besides Assenna.com and some would-be) would please stand and state your purpose? We hear there are plenty out there and wonder what the number is now as to the opposition? Every time we join one then there comes the disarray and accountability issue.

Eritrea – let us get our acts together perhaps. ወዲ ሃገር -hold your horses now.
Assenna.com should win a nomination for Freedom!

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  Mike
3 years ago

“ On the other note however, we see a more united front in the world of Tigrians unlike the one in Eritrean opposition groups. No wonder Tigrian struggle took just 17 years only. ”

Mike

ብዝሒ ፖሊቲካዊ ጉጂለታቶ : ኣይመድለየን : ግን ጥዕና ዘለዎ ምትእኽኻብ ክሳብ ዝኾነ ቡዙሕ ዘሰክፍ አይኮነን ::
ብረት ኣንጻር ክልእ ዓሌት : ካልእ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ምልዓል : ኣብ ኤርትራ ፈጺሙ ዝሕሰብ ኣይኮነን::
ህግደፍ : ንህዝቢ ኤሪትራ : ብረት ዓዲሉ ፈቲኑዎ :: ተመቃቂሎም ሓድሕድ ክቀትሉ ተጸቢዩ : ሙኻን ምስ ኣበዮ ግን : ብረቱ ክእክብ ተገዲዱ ::
ብዝሒ ስርርዕ ኣየድምዕን : ግን ከቢድ ሓደጋ ኣይኮነን::

Last edited 3 years ago by ወዲ ሃገር
0
Reply
Mike
Mike
Reply to  ወዲ ሃገር
3 years ago

We thought we would get a reaction from ወዲ ሃገር. of course we did! “ብረት ኣንጻር ክልእ ዓሌት : ካልእ ኣውራጃ ወይ ሃይማኖት ምልዓል : ኣብ ኤርትራ ፈጺሙ ዝሕሰብ ኣይኮነን::” You sound very sure here. This is one of your misguided views you are holding in to. Should we say that you have forgotten the history? Did we not have several armed movements (regardless of what it was that caused the pain) that got at each others throat until a single one was left? We are in Africa an in this World and we are not any different. You sound very sure on this “ግደፍ : ንህዝቢ ኤሪትራ : ብረት ዓዲሉ ፈቲኑዎ…”. Again, hold your horses. The idea of Eritreans becoming experts of everything under the sky seems common.

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  Mike
3 years ago

There are no horses to hold Mike, these are factual answers not from an expert but a wise national who has been through it all, if we have listened to these rare voices in the jungle early, we should have been sipping a cold kerkede in a cable car on our way to Massawa instead of trekking through inhospitable deserts and wading in shark infested high seas.

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  k.tewolde
3 years ago

ሰላማት ኩቡር ዶቶረ ;

ሓውና Mike : ህዝቢን ፖሊቲካዊ ውድባትን ሓደ ኮይኖም ይራኣይዎ ኣለው ይመስለኒ ::
ህግደፍ ኮነ ኢሉ መንእሰያት የዳናግር ኣሎ::

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  Mike
3 years ago

ኩቡር ሓወይ Mike

ህዝቢን ፖሊቲካዊ ውድባትን ሓደ ኣይኮኑን:
እቲ ከም እብነት ዝጥቀስ ቀቢላዊ ውግእ : ኣብ ምንጎ ጦሮዓን ጸንዓደግለን : እብ ከባቢኦም ዘለው አስላምን ክስታንን አይተሳተፉዎን:: ንሱ ውን ጉዳይ መሬት እዩ ነይሩ ::
እብ ኤርትራ ፍልልያት ብማሸተ ናይ ምፍታሕ ልምዲ የለን ::
ኣብ ምንጎ ውድባት ዘሎ ጽልኢ : እብ ህዝቢ እንተ ዝህሉ ኤርትራ ነዊሕ አይምጸነሐትን::

Last edited 3 years ago by ወዲ ሃገር
0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  ወዲ ሃገር
3 years ago

Indeed W.H., it takes unbiased and un indoctrinated mind to understand your message, HGDEF have sipped through and tainted the pristine aquifer of our society by presiding on it for decades, people are suffering from Bilharzia drinking from it today.

0
Reply
Mike
Mike
Reply to  k.tewolde
3 years ago

This item is fundamentally not factually ‘right’. “ኣብ ምንጎ ውድባት ዘሎ ጽልኢ : እብ ህዝቢ እንተ ዝህሉ ኤርትራ ነዊሕ አይምጸነሐትን”. Although we are in passive-active world, we see it every time we entertain our peep. But some of us live in a wishful world. Which is not bad but fact is a fact.
separating one from the other in Eritrea is difficult. You two buddies here are best example. Reality pill is hard to swallow but it is a fact.

Also, we are really tired of this notion of “these are factual answers not from an expert but a wise national who has been through it all”. Only good when we live in the words and not just wishful world.

“it takes unbiased and un indoctrinate mind to understand your message” some are just this and open your eyes.

Note – only going after your ideas and not personal attack. Be good and do well

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  Mike
3 years ago

“ separating one from the other in Eritrea is difficult. You two buddies here are best example. Reality pill is hard to swallow but it is a fact.”

Mike

Please show us the facts !

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  ወዲ ሃገር
3 years ago

First, I am so honored to find a buddy like you in this cyberspace W.H., to me you are more than a buddy, you’re a cerebral soulmate, a journeyman who waded through the same waters in our prime life and telling the story the way it was and predicting the way it will be and that’s unadulterated fact.>>> Indeed Mike, the reality pill is hard to swallow and we are all choking on it everyday. Thanks for not being personal.

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  k.tewolde
3 years ago

ኩቡር ዶቶረ ;

ምእንቲ ሃገርና : ንእስነትካ ዘወፈኻ : ክብሪ ይግባኣካ:: ብጉዳይ ሃገሮም ዘይቀሰኑ ደቂ ሃገር ከማኻ እንዳ ራእኹ : ብተስፋ ይነብር ኣለኹ::
ነቲ ብቀጻሊ እተስንቀና ፍናን : የመስግነካ ::
የቀንየልና ::

0
Reply
Mike
Mike
Reply to  ወዲ ሃገር
3 years ago

Just a note – reading a few books for a “purpose” we had run in to this book title “True believer” Try reading it just in case that the book might shed some light in few things…..just sharing. Yes we honor the service by many of you folks and others in the family that have given much…. but then and but then….living means, the work ahead is not done and let yesterday rest for now while we have a road, waiting, to tomorrow. This time let us make it better 🙂

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  Mike
3 years ago

ብሰንኪ ድኽመትና ንሳቀ ኣለና ::
ሰላም ንኽንረክብ : ንፍትሒ ሓቢርና ንስራሕ ::
ሳላም ይሃበና ::

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
15
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply