Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ተሓለቕቲ መላኺ ኢሳያስን ሰዓብቱን፡ ዝሕረሱ ኣብዑር’ዮም

Atv Asena by Atv Asena
23rd November 2020
in Articles, Tigrinya
1
0
SHARES
885
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ተሓለቕቲ መላኺ ኢሳያስን ሰዓብቱን፡ ዝሕረሱ ኣብዑር’ዮም

 እቲ ኣብ 2019 ሽልማት ሰላም ዝተዋህበ ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ብ3 ሕዳር 2020, ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ኩናት ምስተኣወጀን ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ኤርትራን ሰብኣዊ ቅልውላው ምስ ሰዓበን፡ ጉዳይ ለበዳ ኮሮና ቫይረስን ወራር ዕስለ ኣንበጣን ተረሲዑ፡ ኣቃልቦ ማሕበራዊ መራኸቢታት ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ተጸሚዱ። ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ብዙሓት ሃገራትን ኣህጉራውያን ትካላትን በብወገነን፡ ተጻብኦ ጠጠው ክብልን ፍልልያት ብዘተ ክፍታሕን፡ ምሕጽንታ ከቅርባ እንከለዋ ገለ ሃገራት ድማ ንሃገራዊ ረብሐአን ክብላ ስቅታ መሪጸን።

 እንተኾነ ብሰንኪ ድርቅናን ዕንደራን ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ሰብኣዊ ክብሪ ክልል ትግራይ ረጊጹን ንኻልኦት ክልላት ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንብሄረ ኣምሓራ፡ ብትግራይ ዝተወስደ መሬቶም ክመልሱ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ክዋጉኡ ብምርስሳንን ብምዕዳምን፡ ኣብ ውሽጢ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ እቲ ዝጸንሐ ጽልእን ቅርሕንትን ሰማይ ዓሪጉን ተወሳኺ ነዳዲ ተወሲኽዎን። በቲ ዓቢዪ ኣሕመድ ዝወልዖ ኩናትን ዝተኸተሎ ህዝብታት ናይ ምንቋት ፖሊሲታትን ድማ፡ ኣብ መንጎ ህዝብታት ትግራይ፡ ኣምሓራን ኦሮሞን፡ ኣብ ዘርኢ፡ ሃይማኖትን ዓድን ዘተኮረ ምጽናትን ሓድሕድ ምቅትታልን ምብራስ ንብረትን መዓልታዊ ተርእዮ ኮይኑ። ከም ውጽኢቱ፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቁጸሩ ሰላማዉያን ሰባት፡ መብዛሕተኦም ቆልዓ ሰበይቲ፡ ኣረጋውያን ካብ ቤት ንብረቶም ሃዲሞም ናብ ሱዳን ኣትዮምን ኣብ ውሽጢ መሬት ኢትዮጵያ ተበታቲኖምን።

ብኣንጻርቲ ገለ ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝወሰድኦ ዘይሻራዊ ወይ ብዘተ ይፈታሕ መርገጺ፡ እቲ ኣካይዳ ኣህጉራዊ ዲፕሎማሲ ዘይፈልጥን ብህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ዘይብሉን ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ክንዲ ንሰላም ጠጠው ዝብል፡ ኣብቲ ደም ምፍሳስን ህልቂትን ሰንካማት ኣእዳዉ ብምእታው፡ ምስ ዓቢዪ ኣሕመድ ወጊኑን ንህዝቢ ኤርትራ የድምዮን ኣሎ።

ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ብወገኖም፡ ኣብ ሰለስተ ኣረኣእያ ተኸፋፊሎም፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ለይትን መዓልትን ብርቱዕ ደም ምፍሳስ ዘይብሉ ኩናት ናይ ቃላት ዳርባ የካይዱ ኣለዉ። ኤርትራውያን  ደለይቲ ፍትሒ፡ “ኣብዚ ዝካየድ ዘሎ ኩናት፡ ንተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ብምኹናን ኣብ ጉድኒ ህዝቢ ትግራይ ጠጠው ንበል” ክብሉ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ፡ “መራሕቲ ወያነ ቅድሚ ሕጂ ዝፈጸምዎ ገበን ስለዘሎ ከም ጸላእትና እምበር ከም መቃልስትና ክንኣምኖም የብልናን” ይብሉ። እቶም ኣብ ሳልሳይ ምድብ ዝርከቡን ወትሩ መላኺ ኢሳያስን ሒደት ስዓብቱን መጉልሒ ድምጺ ኮይኖም ብኣፎም ጽሩያት ኤርትራውያን ክመስሉ ዝደልዩ ደገፍቲ ህግደፍ ድማ ክልልይ ትግራይ ክድምሰስን፡ ሰራዊት መለኽቲ ዓቢዪ ኣሕመድን ኢሳያስን ንኽልል ትግራይ ክቆጻጸርዋን ለይትን መዓልትን ይምህለሉ ኣለዉ። ምናልባት ኣብ ውሽጢ ደገፍቲ ህግደፍ ደፊሮም ዘይቃወሙን ዘይድግፉን ኣብ ጃላ መርገጺ ዝነብሩ ኤርትራውያን’ውን ኣይተሳእኑን።

  ከምቲ “ከልብስ’ያ ኣብ ትሕቲኡ ዘላ ስጋ እምበር ትወድቆ ዱላ ኣይፈልጥን’ዩ” ዝብሃል፡ እቶም ምስሊ ሰብ ዘለዎም፡ ተቆሪኖም ክሕረሱ ዝኽእሉ ኣብዑር፡ ብዛዕባ ጽባሕ እንታ ጉጅለ ህግደፍ ኣእምሮኦም ዝተደፉኑ ኤርትራውያን፡ ኣብዚ ዓንዳሪ ዓቢዪ ኣሕመድ ንሕማም ድሓር መላኺ ኢሳያስ ሓንጊሩ ዘካይዶ ዘሎ ኩናት ንህዝቢ ኤርትራ ዘይምልከቶ ክንሱ ኣደዳ ህልቂትን ዕንወትን ክኾኑ ምምራጾም ኢዩ። ህዝቢ ኤርትራ ካብዚ ኩናት ሞትን ዕንወትን እምበር ዝረኽቦ ረብሓ ከምዘየለ ብሃማት ደገፍቲ ህግደፍ ዝፈልጥዎ ኣይመስለንን። ኣብ ወጻኢ ብረድኤትን ምጽወታን ዝነብሩ ደገፍቲ ህግደፍ፡ ኩናትን ወረ ኩናትን ዘይምልከቶ ክንሱ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግን “ኤርትራ ወይ ሞት ምስ ህግደፍ ንቅድሚት” ይብሉን ልዕሊ’ቲ ህይወቱ ዝኸፈለ ጅግና ኤርትራዊ፡ ብፈኸራ ጥራይ ሓርበኛታት ክኾኑ ይደልዩ።

ብኤርትራን ህዝባን ንሕለቅን ንግደስን ኢና ዝብሉ ተሓለቅቲ ጉጅለ ህግደፍ፡ ነቲ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቀኛ ኩነታት ክዛረብሉ ኣይደልዩን ኢዮም። መላኺ ኢሳያስን ሒደት ስዓብቱን፡ ሓንሳብ ምስ ቃነዮም የማን ጸጋም ክብሉ ኣይክእሉን ኢዮም። ነቶም እናሰምዑ ዝጸመሙ ጠላማትን ልሓስቲ ጫማ ኢሳያስን ግዜ ምጥፋእ ዘድሊ ኣይኮነን። ነቶም ብፕሮፖጋንዳ ጉጅለ ህግደፍ ኣእምሮኦም ዝተደፍነ ኤርትራውያን፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቅታት ምሕባር ቅኑዕ ይመስለኒ።

ኣስተውዕሉ ብኤርትራን ህዝባን ትሓሙን ብመጻኢ ወለዶና ትግደሱን ኤርትራውያን፡

 ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ኣጽዋሩ ኣብ ልኡላዊ መሬትና ብምስፋርን ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተሰሊፉ፡ ነቲ ኣብ መሬቱ ኮይኑ ክብረቱ ዝከላኸል ዘሎ ህዝቢ ክልል ትግራይ፡ ብኣጋርን ከበድቲ ኣጽዋርን ወራር የካይድ ኣሎ። እቲ ብልኡላውነት ኤርትራ ዘይኣምንን ንዓመታት ዘድመየናን ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ብመላኺ ኢሳያስ ናይ ክብሪ ዕዱም ኮይኑ፡ እቲ ንኸብዱ ዝብላዕ ዘይረኸበ ህዝብና ጥሪት ክሓርደሉን ክቅልቦን ተኣዚዙ። ኣዴታትና  ከኣ ነቶም ደምና ዘፍሰሱ ቀተልቲ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ መግቢ ከዳልዋን ኣብ ኩናት ዝተወግኡ ወተሃደራት ክዳውንቶም ክሓጽባን ተኣዚዘን።

 ህዝብና ኣብ ስደት ተበታቲኑ ንጥሜትን ሕማምን ተቃሊዑን ዜጋታትና ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ መአጎሪ ቦታ እናተሳቐዩን እንከለዉ፡ ትካላት ሕክምናን ሰራሕተኛታትን ግን ኣብቲ ዘይቅዱስ ናይ ዓመጽ ኩናት ዝተወግአ ወተሃደር ኢትዮጵያ ክእለየሉ ስለዝተደልየ፡ ዝሓመመ ህዝብና ከይሕከምን ሕማም ሕርሲ ዝተታሕዛ ኣዴታትና ተኸልኪለንን።

እቶም ንዕድመ ጉጅለ ህግደፍ ተንውሑን ህዝብኹም ተድምዩን ዘለኹም ኤርትራውያን ልቢ ግበሩ

  ኣውያትን ሽግር ናብራን ናይቶም ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ክልል ትግራይ ዘለዉ ትሕቲ ዕድመ፡ ኣደ ቆልዑን ዝርከብዎም ኤርትራውያን፡ ስምዑዎን ንድሕነቶም ጠጠው በሉን። ቃንዛን ጭንቀትን ናይቶም ብዘይ ክስን ፍርድን ንዓመታት ኣብ ዝተፈላለየ መቑሕ ጉጅለ ህግደፍ ዘለዉ ኣሕዋትኩምን ወለድኹምን ስምዕዎ። መህረሚ በትሪ ጉጅለ ህግደፍ ኣይትኹኑ፡፡ ወይ ድማ ካብ ኣፍኩም ንሓሶትን ጸለመን ዝዋፈር ስቕ ምባል ጥዑም’ዩ። እቲ ካብ ኤርትራ ወጻኢ ዘሎ ወገንኩም፡ ዕድልን ናጽነትን ሓቂ ናይ ምዝራብ ዕድል ስለዝረኸበ፡ ኣብ ኤርትራ ሰላምን ፍትሕን ክነግስን ልኡላውነት ኤርትራ ክኸብርን’ዩ ዝማጎት ዘሎ እምበር፡ ንስለ ምዝራብ ኣይኮነን ዝቃወም ዘሎ።

ማይን ሑጻን መታርፍቲ ከምዝብሃል፡ ምስቲ ጽባሕ ረጊጽኩም ኣጎዝኡ ጠቕሊሉ ዝሃድም ወይ ትሕቲ መሬት ዝሰፍር፡ ዲያብሎስ መላኺ ኢሳያስን ሰዓብቱን ኣይትመራስሑ። ብገበን ዝሕተት ጉጅለ ህግደፍ፡ ናተይን እሙናተይን ዘይበለኩም ከም ዓባቕ ጤል ጽግዕግዕ ኣይትበሉ፡፡ ዘምሕረልኩምን ጽባሕ ዘየጣዓሰኩም ተግባርን ፈጽሙን ኣብ ቅድሚ ሓቂ ጠጠው በሉን። ሓደራኹም “ናይ ዝሓለፈ ሓሊፉ ብዝመጽእ ኣይትድገመኒ” ኢልኩም ናብ ልብኹም ተመለሱ፡ ተጋጊና ምባል ገበን ኣይኮነን። ኣብ ዘይደምበኹም ኣቲኹም ኣይትዘርዑን ዘይናትኩም ላም ኣይትሕለቡን። ኣብ ድቃስኩም ኮይንኩም ትጸድፉ ከምዘለኹም ብጽሞና ሕሰቡ። ፍጥረት ሰብ እንከለኹም ምእንቲ ንጉጅለ ህግደፍ ከተሕጉሱ ዝሕረሱ ኣብዑር ኣይትኹኑ። ጉጅለ ህግደፍ ጽባሕ ምስ ሰባሕኩም ክሓርደኩም ወይ ምስዓበርኩም ክድርብየኩም ምዃኑ ኣይትረስዑ።

ዝኸበርኩም ኣባላት ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ትካላት ጸጥታን

ልኡላውነት ኤርትራ ዝደፍርን ንኤርትራ ኣብ ዳግማይ ሓድሽ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝቆርንን ሓደገኛ ስምምዕ ሰላም መላኺ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን፡ ናብ ናይ መወዳእታ ትግባሪኡ በጺሑ ከምዘሎ ትዝንግዑዎ ኣይትኾኑን። ብደገፍ ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ረብሓ ዘለወን ሃገራት ተደጊፉን ብጉልባብ ዞባዊ ምትሕግጋዝን፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ወደብና ዓሰብ ክሰፍር ኢዩ። ሰራዊት ባዕዲ መርገጺ እግሩ ምስረኸበ ድማ ኣብ ዓሰብ ዝሕጸር ኣይኮነን። ልኡላውነት ኤርትራ ደፊሩ ክልል ትግራይ ንምጥቃዕ ተባሂሉ ኣብ መሬትና ኣትዩ ዘሎ ሰራዊት ኢትዮጵያ’ውን ብስቅታ ክትሓልፎ ኣይግባእን። ኣብ ምሉእ መጻወድያን ዕጥቕኻ ኣራግፍ ከይተባሃልካን፡ ምስ ህዝብኻ ዋልታን ጭማራን ኮይንካ፡ ንመሰልካ ተጣበቕ ሕድሪ ሰማእታት ኣኽብር። ኣዕጽምትን መቃብርን ሰማእታት ኣይተድፍር። ንስልጣን መላኺ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድ ንምዕቃብን ልኡላውነትካ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ንምእታውን፡ ከም ዕሱብ ሰራዊት ኣብ ዘይመሬትካ ህይወትካ ኣይተሕልፍ። እቶም ቅድሚ ሕጂ ናብ ሶማል ሱዳን፡ ጅቡቲ፡ ዞባ ዓበይቲ ቃላያት፡ ጁባ ሓጎስ ክሻ ንምኽዕባትን ጥሙሕ ኢሳያስ ንምትግባርን ህይወቶም ዝኸፈሉን ዝተማረኹን ዝተረስዑን ብጾትካን ዘክር።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 22 ሕዳር 2020

Previous Post

ATV: ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ መቐለ ንምሓዝ ብሰለስተ ግንባር ዝወፈረ ዕሱብ ሰራዊት ወራር ኣቢይ-ኢሳይያስ ሓምሽሾም ከምዝበታተኑዎ ተገሊጹ – Tigray

Next Post

ኣብረርቲ ነፈርቲ ኲናት ሓይሊ-ኣየር ኤርትራ፡ ቦታኦም ንኣዘዝቲን ፓይሎታትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምግዳፍ ኣብ ገዛኦም ክጸንሑን ከምዝተኣዘዙ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።

Next Post
ኣብረርቲ ነፈርቲ ኲናት ሓይሊ-ኣየር ኤርትራ፡ ቦታኦም ንኣዘዝቲን ፓይሎታትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምግዳፍ ኣብ ገዛኦም ክጸንሑን  ከምዝተኣዘዙ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።

ኣብረርቲ ነፈርቲ ኲናት ሓይሊ-ኣየር ኤርትራ፡ ቦታኦም ንኣዘዝቲን ፓይሎታትን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምግዳፍ ኣብ ገዛኦም ክጸንሑን ከምዝተኣዘዙ ካብ ኣስመራ ዝበጽሓና ዜና ኣፍሊጡ።

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
Zeregabir
Zeregabir
4 years ago

Please be polite, you are insulting those Eritreans dismissed by the Tigrayans in Ethiopia in 1998. These people are not against the people of Tigray rather against the leadership in Tigray.

If account is made back Eritreans have suffered by Tigray starting from:
Mikael Suhul
Woldeyesus Chelekot
Sbagadish
Wine
And the worst by Alula. Alula is military leader who exposed Emperor Yohanes to derbush who took his head cut.

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply