Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ብዓወት ኢብራሂም ዑመር ተሓቢነ፡ ቤትና ብምፍራሱ ግን ሓዚነ

Atv Asena by Atv Asena
23rd October 2020
in Articles, Tigrinya
4
0
SHARES
589
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ብዓወት ኢብራሂም ዑመር ተሓቢነ፡ ቤትና ብምፍራሱ ግን ሓዚነ

ኣብ ሃገርና፡ መንበሪ ገዛ ክስራሕ እንከሎ፡ ብዘይካ’ቲ መሰረታዊ ጉዳይ ጉልበት ሰብን መሬትን፡ ካልእ ዘድሊ ጥረ ነገራትን መሳርሕን ክትቕርብ ኣለካ። ንኣብነት ኣብ ከበሳታት ኤርትራ ከምዚ ሎሚ ኣግራብ ከይበረሰን ጉልበት ሰብ ከይተሰደን ኣብ ውትህድርና ከይተቖርነን ከምኡ’ውን ካልእ ኣማራጺ ኣብዘይነበረሉን፡ ህድሞ ንምህናጽ፡ ኣዕኑድ፡ ሓርከም፡ ሰርወ፡ ወርወር፡ ምሑጽ፡ መዝበብ ዝኣመሰሉ ዝርዝራት ከተዋድድ ኣለካ። እዞም ዝተጠቅሱ ነገራት እንተዘይተማሊኦም ወይ ካልእ መተካእታ እንተዘይብልካ ግን፡ እታ ካብ ጸሓይን ቁርን ክትከላኸለልካ ትብህጋ ህድሞኻ ወይ ኣዳራሽካ ከይተሰርሐት ትተርፍ ማለት’ዩ።

ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ሃገርና ኤርትራ ትሓልፎ ዘላ መድረኽን ዘለዋ ጸገማትን፡ ልክዕ ከምቲ ሓደ ሰብ ህድሞ ክሰርሕ ብሂጉ ናውቲ ስኢኑ ካብ ኩሉ ዝተርፍን ኣደዳ ጸሓይን ቁርን ዝኸውንን፡ ህዝብና ዓቅሚ ሰቡን ሃብቱን ተጸንቒቑ ህላዊኡ ኣብ ምልክት ሕቶ ኮይኑ’ሎ። ጉጅለ ህግደፍ ይኽተሎ ብዘሎ ኣጽናቲ ሜላታትን ሃገራዊ ጥልመትን፡ መንእሰይ፡ ክኢላዊ ዓቅሚ፡ ዓያዪ ጉልበት፡ ኣውሓሲ ልኡላውነት፡ ከምቲ ዋና ዝሰኣነ ህድሞ ኣዕኑዱን ሓርከሙን እናተመሸተ ይፈርስን ይስረቕን ስለዘሎ ነበር ክኸውን ዝተረፎ የብሉን። ዝዓነወ ህድሞ፡ ካብ መንበሪ ሰብ ምዃኑ ተሪፉ መውዓሊ ኣድገበቅልን ዝሓከሉ ወይ ዝፈለሉ ኣኽላባትን ደማሙን ይኸውን ማለት’ዩ’።

ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብሰንኪ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕሰም ናብራን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን፡ ካብ መጻወድያ ህግደፍ ኣምሊጦም፡ ባሕርን ጣሕርን ሰጊሮምን ንኹሉ ናይ ስደት መሰናኽላትን በዲሆምን፡ ኣብ ዝለዓለ ደረጃ ትምህርቲ፡ ሞያን፡ መዓርግን ምብጽሖም ኣዝዩ ዘሕበን ኢዩ። ሕማቕ ሰብ እምበር ሕማቕ ሓጺን የለን ከምዝብሃል፡ ኤርትራዊ ምቹእ ዕድል እንተረኺቡ፡ ማዕረ’ቶም ኣብ ዓለም ብደረጃ ፍልጠትን ብቕዓትን ዝስርዑ ክወዳደር ከምዝኽእል ጭቡጥ ምስክር’ዩ።

 ኤርትራ ብኣንጻር’ቲ ኣብ ኣህጉራዊ ደረጃን ቦታን ዘለዋ ክፉእ መልክዕን ርሱዕ ስምን ብምንጽጻር፡ ኣብ ስደት ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም፡ ብዙሓት ኤርትራውያን ቅያ ይፍጽሙን ዝና የትርፉን ኣለዉ። ኢብራሂም ዑመር ዝተባህለ ኤርትራዊ፡ ብቅልጽሙን ብመንፍዓቱን ኣብ ሃገር ኒውዝላንድ ናይ መጀመርታ ኣፍሪቃውን ኤርትራውን ኣባል ባይቶ ኮይኑ ምምራጹ ሓደ መርትዖ ኢዩ። ኤርትራዊ ኢብራሂም ዑመር ካብ ግዱድ ዕስክርናን መሰናኽል ማእከላይ ባሕርን መኪቱ ኣብ ሒደት ዓመታት ካብ ተራ ሰራሕተኛ ጽሬት ናብ ዝበረኸ ስልጣንን ሓላፍነትን ሃገራዊ ባይቶ ምድያቡን ወኪል ህዝቢ ክኸውን ምብቅዑን ሓበን’ዩ። እንተኾነ ሃገርና ጽምኣት ዲሞክራሲ፡ ፍትሒ፡ ብቑዓት ኣማሓደርቲ፡ ሕጽረት ክኢላታትን እንከለዋ፡ ዘዝተወልደ መንእሰይ ናብ ስደት ክነፍጽን ገንዘቡን ሓንጎሉን ኣብ ክንዲ ንህዝቡ ንዓዲ ሃገር ክውዕል እንከሎ ሓዘንን ዓሕ ዝብል ስምዒትን ይፈራረቐካ።

እቲ ዘኹርዕ መዳዩ፡ ዝጸዓረን ዝደኸመን ሓርበኛ ኤርትራዊ ኢብራሂም ዑመር እንቋዕ ሕልሙ ተጋህደ፡ ሓሳብ ልቡ ሰመረሉን ስብእነቱ ኣረጋገጸን ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ዝመረረን ዘሕዝንን ክፋል ናይቲ ዓወት ድማ፡ ኢብራሂምን ካልኦትን ኣብ ክንዲ ነታ ዘዕበየቶም ሃገሮምን ብሃረርታ ዝጽበዮም ህዝቦምን ዘገልግሉን ናብራ ዘመሓይሹን፡ ብሰንኪ ጉጅለ ህግደፍ ክእለቶምን ህቡብነቶምን ኣብ ዓዲ ጓና ምስፋሩን ምውዓሉን ኢዩ።

ኤርትራ ሃገርና ብድሕረት፡ ብድንቁርናን ስርዓተ ኣልቦነትን እናተሳቐየት እንከላ፡ ኣማኢት ኤርትራውያን ሊቃውንቲ፡ ከም መሃንድሳት፡ ዶክተራት፡ ኣውፈርቲ፡ ኣማሓደርቲ፡ ጠበቃታት፡ ቀየስቲ፡ ስነ ጥበበኛታት፡ ሃነጽቲ፡ ደረስቲ፡ መምሃራን መንፈሳውያን መራሕቲ፡ ተመራመርቲ፡ ዲፕሎማሰኛታት ወዘተ ኣብ ስደት ክሰፍሩን ንሃገሮም ኣማዕድዮም ክዕዘቡን መዓንጣ ከብድኻ ዝቐርጽ’ዩ።

 ፈላጣትን ክኢላታትን ኤርትራውያን፡ ሓንቲ መዓልቲ፡ “ንዑ ዓድኹም እተዉ፡ ሃገርኩም ኣልምዑ፡ ዝዓነወ ቁጠባ ኣበራብሩ፡ ዝሓመመ ህዝብኹም ፈውሱ፡ ዝተሰብረ መስመራት ማይን ቢንቶታትን ጸግኑ፡ ዝደንቆረ ወገንኩም ምሃሩ፡ ዝጸልመተ ጎደናታትን ዓድታትን መስመር መብራህቲ ዘርግሑ” ዝብሎም ሓላፍነት ሃገርን ህዝብን ዝስምዖ ሕልና ዘለዎ መንግስቲ መጸዋዕታ እንተዝገብረሎም፡ ውዓል ሕደር ከይበሉ ናጻ ኣገልግሎትን እውታዊ መልስን ከምዝህቡ ዘጠራጥር የለን። ኣብ ፈለማ ዓመታት ናጽነት ኤርትራ፡ ሰብ ርእሰማልን ሞያን ኤርትራውያን ኣብ ልምዓታዊ መደባት ሃገሮም ንኽሳተፉ ዘርኣይዎ ምቅሉል ተበግሶ’ውን ኣይርሳዕን ኢዩ።

ኣብ ሃገርና፡ ብህዝቢ ዝተመርጸ ፍትሓዊ ምሕደራ ስለዝበኾራ እምበር፡ ኤርትራ ምስ እትውንኖ ትሃራፊ ጆኦግራፍያዊ ኣቀማምጣ፡ ድንግል ባህርያዊ ሃብቲ፡ ህርኩት ዓቅሚ ሰብን ብምንጽጻር፡ ኣሽምባይዶ ጽግዕተኛ ካልኦት ሃገራት ክትከውንን ህዝባ ጭራ ክተርፍን፡ ኤርትራ መስሕብ ዞባዊ ወይ ኣህጉራዊ ንግዲ፡ ሃዋርያ ሰላም፡ ማእከል በጻሕቲ ሃገርን ምርምርን ምኾነት ነይራ። እንተኾነ ዘራጊ እንከሎ ጽሩይ ማይ ስለዘይስተ፡ ብሰሪ ቀታሊ ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ተመሊሱን ተበታቲኑን። እቲ ብከቢድ መስዋእቲ ዝረኸቦ ናጽነትን ሰላምን፡ ውልዕ ኢሉ ጠፊኡ።

ኤርትራውያን ነቲ ከም ቑንቑነ ዝኣተዎ ገረብ ሕብረተሰብና ዘማስን ዘሎ ፖሊሲ መላኺ ኢሳያስ ካብ ሱሩ ክሳብ ንምሕዎን፡ ጉጅለ ህግደፍ ትርጉም ቅኑዕ መሪሕነት ሓይሊ ምዝውታር ዘይኮነስ ሓላፍነት ምስካም ዘድልዮ ምዃኑ ክሳብ ዝስቆሮን፡ ስደት፡ ምግሃስ መሰል ሰብን ሕሰም ናብራን ኤርትራውያን ክቅጽል’ዩ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ ስደት ናይ ምንባር ትርጉም ዘይትፈልጦ ነገር ምፍላጥ’ዩ ዝብል መስመር ተኸቲሉ ህይወቱ ክመርሕን ህዝቡ ክኽሕስን ለይትን መዓልትን ዝጽዕር ዘሎ ኤርትራዊ ይኹን እቲ መሰል ህዝቢ ኤርትራ ንምርግጋጽ ደሙን ርሃጹን ክግብር ቅሩብ ዝኾነ ደላይ ፍትሕን ብሓባር እንተመሪሹ ፍታሕ ክመጽእ’ዩ።

እቶም ኣብ ገዛእ መሬቶም ብጓሓላሉ ጉጀለ ህግደፍ ምንባርን ብክእለቶም ንህዝቦም ከገልግሉ ዕድል ዘይረኸቡን ኤርትራውያን፡ ናይ ሕልና ቅሳነትን ክብረትን ከምዘይህቦም ፍሉጥ’ኳ እንተኾነ፡ ኣብ ዘለውዎ ሃገርን ጨቢጠሞ ዘለዉ ሓላፍነት፡ ዋጋን ክብርን ከምዘለዎ ንኤርትራ ድማ ኩርዓትን ተስፋን ምዃኑ ምግንዛብ የድሊ። ስም ሃገርና ካብ መዝገብ ምልኪ፡ ድኽነትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰልን ተሓኺኻ ብጽቡቕ ከምዘስሚ ዘካትዕ ኣይኮነን።

 ኤርትራውያን፡ ኣብ ዝደየብዎ ጽፍሒ፡ ብዘለዎም ሓላፍነትን ዕድላትን ተጠቂሞም፡ ነታ ዕትብቶም ዝተቐብረትላ ሃገሮምን ካብ ምርማስን ጥፍኣትን ንምድሓንን ብሃንቀውታ ዝጽበ ዘሎ ህዝቦም ኣለናልካ ክብልዎን ብግብሪ ክማጎቱሉን ክውፈዩሉን ይግባእ። እቶም ንግዚኡ ካብ ንፈትዋ ሃገርና ርሒቕና ኣብ ስደት ዘለና ዜጋታት ከኣ ብኽልተ እግርና ኣብ መሬት ዓድና ጠጠው ኢልና፡ “ንሕና ንኤርትራ፡ ኤርትራ ንዓና” ንብለሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን።

           ጽላል ፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 21 ጥቅምቲ 2020

Previous Post

ATV: ቀጥታዊ ዘተ ቴለቭዥን ብዛዕባ ፍሉይ ርእይቶ ኣብ ቅዋም ኤርትራ ፡ ዶር ኣማኑኤል ምሕረተኣብ/ኣቶ ዓብደራሕማን ስዒድ Dr Amanuel & Abdrahman

Next Post

መርድእ፡ ገባር ሰናይን ደላዪ ስኒትን ጋዜጠኛ ብርሃነ ወ/ገብሪኤል – መንግስተ ሰማያት የዋርስካ፡ ንስድራቤት ጽንዓት ይሃብ!

Next Post
መርድእ፡ ገባር ሰናይን ደላዪ ስኒትን ጋዜጠኛ ብርሃነ ወ/ገብሪኤል – መንግስተ ሰማያት የዋርስካ፡ ንስድራቤት ጽንዓት ይሃብ!

መርድእ፡ ገባር ሰናይን ደላዪ ስኒትን ጋዜጠኛ ብርሃነ ወ/ገብሪኤል - መንግስተ ሰማያት የዋርስካ፡ ንስድራቤት ጽንዓት ይሃብ!

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
4 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
rezen
rezen
4 years ago

“ንሕና ንኤርትራ፡ ኤርትራ ንዓና” ንብለሉ እዋን ርሑቕ ኣይኮነን። ጽላል ፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 21 ጥቅምቲ 2020 “

ኣምየን ፡ ኢንሻላህ  
 ጽቡቕ ትምኒት እዩ። ነዚ ትምኒት ግን  ኣብቲ ዝብጻሕ ንኽበጽሕ  ናይ ሙሉእ ኤሪትራዊያን ጎስጓስ ከድልዮ እዩ  — ብሓደ  መንፈስ ንሓደ ዓላማ። ኤሪትራዉያን  ኣብ ሙሉእ ዓለም  ተዘሪእና  ክምዘለና ንፈልጦ ኢና ። ኣጣጢሕናዉን  ንነብር ኣለና። እቶም ዘይተዓደሉ ከዓ ኣብ መንገዲ እዮም ዘለው:  ምስ ሙሉእ ሃረርታ፣ ንህይወቶም ካየናሕሰዩ ። እቶም ካብ ዓዲ ክወጹ ዘይካኣሉ፡ ወይ ከዓ  ዘይደለዩ፡ ድምጾም ኣትሕት ኣቢሎም፡  ካብ  ብሩኻት ኣዝማዶም፣ ኣብ  ወጻኢ  ዘለው ድምጾም ዘየጥፉ፣ እናተራኸቡ ግዜኦሞ ምሓልፍ ከምዝኾነ ኮይኑ። 

ብኸምዚ  ዝኣምሰለ ኩነታት፣ ኤርትራ ሃገርና ፡ ብፍላይ  እታ ተፈታዊት ኣዝማሪና፡  መልክዓ ተበላሽዩ፣ ሃብታ  ተወሪሱ፣ ከም  ዘይነበረት ኮነት። እንታይ ኢናሞ ክንገብር ስደት  ኮይኑ ናብራና ካይተፈለጠና። ኦሮማይ ኢሳያስ እንተኾነ “ከርአየኩም እዬ” ዝበለና መብጽዓ ኣብጺሑ፣ ተሪፉዎ ዘሎ መቓብር ኤሪትርያ ንዘልኣለም  እዩ፣ ኣሪቨደርቺ ዘይብላ። ሃየ! እቶም  የሕዋትና ኤሪትርያውያን ኣብ ሰማኒያን—ተሰዓን [ 80 -90 ] ጉጅለታት ዝተኸኻፈሉ አንታይ ድኣ ክኾኑ እዮም ? ኦሮማይ!  መጋረጃ ተዓጽዩ :: 
  

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  rezen
4 years ago

A commercial plane explodes in midair and all there is left on the ground is a scattered debris, what do the people responsible to investigate the cause of the disaster look for? yes, you are right if you answered the black box, in our case, we still haven’t found that black box yet or we found it but we don’t want to deal with the information contained in it.
Ibrahim’s personal success story is as awesome as any other refugee or immigrant story we encounter or work with everyday from the twenty something y/o trauma surgeon from the slums of Bangladesh to the thirty something y/o Syrian interventional neurologist who escaped barrel bombs which leveled his home….our individual success in a foreign land doesn’t mean nothing as long as somebody is referring our home as a ‘s..t hole’, to make an impressive national story we need to open that black box, decipher the problem and fix it together, otherwise we will keep making good or bad individual stories depending where in the globe we land and what kind of opportunities or misfortunes come our way.

0
Reply
rezen
rezen
4 years ago

QUOTE: “… black box … we found it but we don’t want to deal with the information contained in it.”UNQUOTE K. Tewolde. 

It is , my personal ‘belief’ — without an iota of the so-called intellectualism — WE ERITREANS (deep down) DO NOT WANT to FACE THE TRUTH, and REALITY. Hence, we skirt around, and around, and around. To make sure that we do NOT face the REALITY on the ground, WE have the instrument of discouraging others from revealing the TRUTH I.e. INSULTING EACH OTHER on the Internet becomes a perfect obstacle from facing REALITY of ERITREA. I dare recall, we even went to WAR among OURSELVES[!!!!!!] in the MIDDLE of another WAR for INDEPENDENCE against Ethiopia. And many Eritreans gallantly offered and sacrificed their LIFE for the noble endeavour for LIBERTY, INDEPENDENCE, EQUALITY, and FRATERNITY among the population of Eritrea, supposedly regardless of religion, region and all sorts of sociological niceties!!! 

So, the Black Box referred to above >>> by our Brother Tegadalai [Fighter] K. Tewolde <<<  will never be OPENED for examination, and consequently, LEARNING from it for future necessity in LIFE will never be available.. In short, we are doomed to our history of the last one hundred and thirty (130) years >>> in one fashion or another. If this is not a perfect definition for CLASSICAL TRAGEDY what else can we have to describe ERITREA’S VERY STRANGE BEHAVIOUR. THE END. 

0
Reply
rezen
rezen
4 years ago

ሕቶ ኣለኒ። ቅድም ቀዳድም  ግን ንኢብራሂም ዑመር እንቛዕ የሐጎሰካ እብል::

ሕጂ ናብቲ ዘምፃኣኒ ክኣቱ >>>ናይ ዓወት ኢብራሂም  ዑመር ፍሉይ ዝገበሮ አንታይ አዩ፧??? ሕቶ እዩ፣ ናብ ካልእ ካይትርጎም  ብትሕትና እልምን። 

ኩላህና ከምንፈልጦ፣ አሪትርውያን  ኣብ ሙሉአ ዓለም በብዝረኸቡዎ ስራሕ ተዋፊሮም  ናብርኦም የማሓዳድሩ ምህላዎም ሓዲሽ ነገር ኣይኮነን። ጃህራ ዘይኮነ ከዓ፣ ኤርትራዉያን ብስርሖምን ቅንዕነቶምን  ተኣማንኖቶምን ዝተፈልጡ ምዃኖም ካብ  ቀደም ዝነበረ  ዘኹርዕ ታሪኽ አዩ። ኤርትራ፣ ብፍላይ ኣስመራ፣ ከም ሎሚ  ብውሽጣዊ  ጸላእቲ  ካይተበላሸወት፣ ገየሽቲ ዓለም ዘድነቑዋ  ከ ተማ ነበረት። ኮነ አሎም  ከዓ ናይ ውሽጣዊ ጸላእቲ ኣበላሸዉዋ ፡ ከምዘይትትሰእ ጌሮም። ነጊሮምና ከዓ ነይሮም፡ ብጋህዲ >>> “ከርእየኩም” እየ ። ካብዚ ንንዮ  እንታይ ዘረባ  የድልዮ፧ 

ሃየ ደቂ ኤሬ፦ እንታይ አዩ ድልየትና ፧ ናበይ እዩ መንገድና፧ ሓዳሽ  ኤርትራ  እንተደሊና ። 
ዘረባን ምሕንጣጥን ምጽራፍን እንተኾይኑ ድልየትና፡ ኣብቲ መንገዲ ኢና ዘለና ። ኣምየን ኢንሽኣላህ
——————————————————————

መወሰኽታ. ቅድሚ ሕጂ ዝጸሓፍኩዋ

“ኣብ ኣኼባ ባረንቱ፥ ሓደ ኣቦ፡ ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢዩ ዘሎ` ኢሎም”

ሓቆም፣ ሚእቲ ካብ ሚእቲ 
መንሞ እሞ ይስማዓዮም 
ንኻይንሰማማዕ ዝተሰማማዕና ኢና ንመስል
ሰማንያ –ተስዓ ጉጅለታት ድኣ እንታይ ኣድለየ ንሓደ ዓላማ 
መርገም ድኣ ካይከዉን 
አንታይሞ ገርና ደይ “ሽገይ” ሃቡኒ ዝበልና
ደጋጊመያ ኣለኹ ይመስለኒ እዛ ዘረባ ።    

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
4
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply