Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ብናይ ሰሜን ኣውቶቡስ ንደቡብ ጉዕዞ!

Atv Asena by Atv Asena
7th October 2020
in Articles, Tigrinya
5
0
SHARES
999
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ብናይ ሰሜን ኣውቶቡስ ንደቡብ ጉዕዞ!

ብመጀመርያ ካብ’ዚ ሕማም ኮሮና ወይ ኮቪድ-19 ይዂን ካልእ ብጥዕናኹም ክትህልዉ እምነ። እምበኣር ብመሃሪ ዛንታ ክንጅምር፡ ሓደ ወዲ ንሓደ ዓቢ ሰብኣይ ኣብ መንገዲ ይረኽቦም’ሞ፡ ኣቦ እዛ መንገዲ ትወስደኒዶ? ይብሎም። ንሶም ድማ ናበይ ክትከይድ ደሊኻ ዝወደይ ይብልዎ። እንድዒ እታ ዓዲ ጠፊኣትኒ ናበይ ከም ዝኸይድ ኣይፈለጥኩን ክብል መለሰ። ናበይ ከም ትኸይድ እንተዘይፈሊጥካ ደኣ ዝዀነ መንገዲ’ዩ ዝወስደካ በልዎ። ቈልዑ ከሎና ገለ ነገር እንተጠፊኡና ከም ናይ ሃውሪ መሐበሪ ንጥቀመሉ ዝነበርና ኣጋባብ ተዘኪሩኒ። ኣብ ከብዲ ኢድና ቁሩብ ጥፍጣፍ ጌርና ቀራና ቀራና ናብ ጽቡቕ ምርሓና እንዳበልና፡ ብመመልካቲቶ ኣጻብዕትና ጣዕ ነብሎ’ሞ ናብ’ቲ ጥፍጣፍ ዝነጠሮ ኣምሪሕና ነቲ ዝጠፍኣና ክንረክብ ሃሰስ ንብል። ናበይ ከም ትኸይድ ከይፈለጥካ ጒዕዞን ናይ ሃውሪ መሐበሪን ብቈልዑ ክፍጸም ኣየገርምን’ዩ፡ ዓበይ’ቲ ከምኡ ክገብሩ ግና ጽላለ’ዩ ዝበሃል።

እሞ ካብ’ዚ ክልተ ዝተጠቕሰ ኣጋባብ መሐበሪ እንታይ ንመሃር? ናበይ ከም ንኸይድ እንተዘይፈሊጥና ዝዀነ መንገዲ ሒዝና ሸንኰለል ክንብል ኣበይ ከም ዝበጻሕና’ውን ኣይክንፈልጥን ኢና። ጉዕዞና ኣብ ናይ ሃውሪ መሐበሪ ዝተመርኮሰ እንተኰይኑ ድማ ናብ ዘይሓሰብናዮ ቦታ ክንጠፍእ ወይ ከኣ ድሕሪ ነዊሕ ዓንኬላዊ ዙረት ናብ’ቲ ዝተበገስናሉ ቦታ ክንምለስ ንኽእል። እምበኣር ህሉው ኲነታት ሃገርና ነዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቕስናዮ ዓይነት ኣካይዳ ይመስል፥ ከመይ’ሲ ስርዓት ህግደፍ ጉዕዞ ቅድሚ ምጅማሩ ኣብ ቅኑዕ መንገዲ ምህላዉ ከየረጋገጸ፡ ኣንፈቱ ስሒቱ ንሰሜን ትኸይድ ዘላ ኣውቶቡስ ተሰቒሉ ንደቡብ ገጹ ይጐዓዝ ኣሎ ዘብል’ዩ። ጌጋ ኣውቶቡስ ወሲድካ ኣንፈት ምስሓት ድማ ከም’ቲ ኣብ ከረን ዘላ ኣድራሻ ብናይ ባጽዕ ካርታ ክትረኽባ ምፍታን ስለ ዝዀነ፡ ኣውቶቡስን ካርታን ከይቀየርካ ሸንኰለልን ክሳራን ጥራይ’ዩ ትርፉ።

ብዛዕባ ኣንፈትን መኣዝንን ካብ ኣልዓልና ንድሕሪት ምልስ ኢልና እቲ ኣብ 1994 ሳልሳይ ውድባዊ ጉባኤ ህዝባዊ ግንባር ዝጸደቐ ብዘቚጸልጽል ቃላትን ትስፉው መብጸዓታትን ዝቐረበ ሃገራዊ ቻርተር ናይ ህግደፍ ሓባሪ ጒዕዞን ናበይ ክበጽሕን እንታይ ክገብርን ከም ዝደሊ ዘነጽር ራእይ ሽዱሽተ መሰረታዊ ዕላማታት ይዝርዝር።ንሳቶም ድማ፥

  • ሃገራዊ ስኒት፡
  • ፖለቲካዊ ደሞክራሲ፡
  • ቊጠባዊን ማሕበራዊን ምዕባለ፡
  • ማሕበራዊ ፍትሒ
  • ባህላዊ ትንሳኤ
  • ዞባዊን ኣህጉራዊን ምትሕብባር ዝብሉ ኢዮም።

እስከ ነቲ ራእይ ንምግምጋም ክጥዕመና ኣብዘን ሽዱሽተ መሰረታውያን ዕላማታት ተዓዊትናዶ? ኢልና ሽዱሽተ ሕቶታት ኣልዒልና ብሕጽር ዝበለ እወ ወይ ኣይፋል ኢልና መልሲ ንሃበለን። ተባታቲንና ኣሳሪን ተኣሳሪን ኰንና ተጨኻኺንና  ሃገራዊ ስኒት ኣሎ ክንብል ይከኣልዶ? ብዘይ መረጽናዮምን ብዘይ ቅዋምን ትመሓደር ሃገርና ደሞክራሲ ኣሎዋ ክንብል ከመይ ኢልና ንደፍር? ህዝቢና ብድኽነትን ስደትን እንዳተሳቐየ ቊጠባዊን ማሕበራዊን ምዕባለ ተራእዩ ክንብል በየናይ መለክዒ? ሰብ በዘይ ሕጊን ፍርዲን እንዳተኣስረ ማሕበራዊ ፍትሒ ዘለዋ ሃገር ኣላትና ዲያ? ባህልና እንዳተበከለን እንዳተራኸሰን ባህላዊ ትንሳኤ ኣሎ ክንብል ዲና? ምስ ኩለን ጉረባብቲ ሃገራት ኣብ ክንዲ ብዲፕሎማሲ ኣብ ኲናትን ህልቂትን ኣቲና ዞባዊን ኣህጉራዊን ምትሕብባር ኣርኢና ክንብልከ መን ይኣምነና? ስለ’ዚ ነዘን ሽዱሽተ ሕቶታት ብኩለመናዊ መለክዒታት ንምግምጋም ምሁራን ዘድልዮ ኣይኰነን፡ ፍሉጥ’ዩ፡ ኣይፋል’ዩ እቲ መልሱ።

ሓደ ጆል ባርከር ዝበሃል ጸሓፋይ ከም ዝገለጾ “ራእይ ብዘይ ግብሪ ሕልሚ’ዩ፡ ግብሪ ብዘይ ራእይ መሕለፍ ጊዜ’ዩ፡ ራእይ ምስ ግብሪ ግና ንዓለም ይቕይራ” ይብል። ስለ’ዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ መሪሕነት ኣብ ሓጺር ጊዜ ድሕሪ ናጽነት ራእይ ኣነጺሩ ከብቅዕ፡ መኣዝኑ ስሒቱ ጌጋ ኣውቶቡስ ተሰቒሉ፡ ብጌጋ ካርታ ነቲ ራእይ ናብ ሕልሚ ቀይሩ፡ ብናይ ሜዳ ኣካይዳ ክጐዓዝ ይርከብ። “መሬትን ህዝቢን በብቁሩብ ሓራ ምውጻእ” ዝብል ዝነበረ መርሓ-ግብሪ ህዝባዊ ግንባር፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ቊጠባዊ ምዕባለን ፍትሒን ደሞክራሲን እንተዝቕየር ኣየ’ወ ሃገርና ከመይ ኮን ምዀነት ነይራ!

ነቲ ሃገራዊ ቻርተር ዝበልዎ ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኰንና ከነንብቦ ከሎና ካብ ብዙሕ ተስፋን ሃረርታን ዝተላዕለ ናጽነት ዘምጽአ ጅግንነትን ጽንዓትን ነቲ ራእይ ከምዝትግብሮ ዝተኣማመንና ከም ዝነበርና ኣየጠራጥርን። ኣብ’ዚ ሎሚ እዋን ኰንና ክንግምግሞ ግና ስለምንታይ ደኣ ኣንፈቱ ስሒቱ ነቲ ኩሉ መብጸዓታት ጠሊምዎ? ኢልና ነስተንትን። መጻኢና ብራእይና ስለ ንፈጥሮ በብቁሩብ እንተዝትግበር ሃገርና ከም’ቲ ሽዑ ዝበሃል ዝነበረ ናብ ምዕባለ ሲንጋፖርን ስዊዘርላንድን ገጻ ምገስገሰት። ብኣንጻሩ ግና ቊጠባን ምዕባለን ሃገርና ኣንቈልቊሉ፡ ዋጋ ሃለኽቲ ንሂሩ ካብ’ዚ ሕጂ ሽዑ ዝሓሸ እዋን ነይሩ ክንብል ንደፍር። ስለ’ዚ እቲ ዝሓለፈ ዓመታት ብናይ ድሕሪት ማርሻ፡ ብጌጋ ካርታ ወይ ብመኣዝና ዝሰሓተት ኣውቶቡስ ጉዕዞ’ዩ ነይሩ እንተበልና ምጽላም ኣይኰነን። ከመይ’ሲ እቲ መራሒ ህግደፍ ኣብ’ዚ ቀረባ ባዕሉ ብቃሉ ከም ዝበሎ ኩሉ ዓንዩ ባጽዕ ሉል ቀሕይ ባሕሪ ዝነበረት ሕጂ የለን፡ ትሕተ-ቅርጺ ናይ ጸዓት ማይ አለትሪክ ኣዚዩ ተዳኺሙ፡ ፋብሪካታት ተዓጽዩ ክብል፡ ወይለይ ተጋግዩ’ስ ሓቂ ተዛሪቡ ኢልና ንግረም። ብሓጺሩ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣካይዳ ልክዕ ነቲ ብ50ታት ምምሕዳር እንግሊዝ፡ ኤርትራ ነብሳ ኣይትኽእልን’ያ ዝብል እከይ ዕላማኡ ንምትግባር ንኩሉ ጽላታት ቊጠባ ዘዕነዎ ይመስል። ብዝተጋደሉላ ደቃ ክፍጸም ግና ዘስደምም’ዩ!

መኣዝን ሃገርና ናበይ ገጹ ይእንፍት ከም ዘሎ ብኣሃዛዊ መልክዒታት ክንገልጽ፡ ሓምሳ ሚእታዊት ካብ ህዝብና ኣብ ሕሉፍ ድኽነት ማለት ኣብ መዓልቲ ብ30 ናቕፋ ይናበር። ምጣነ ዕብየት ህዝቢ ካብ ዓመት ናብ ዓመት እንዳንቈልቈለ መጺኡ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ 1.4 ሚእታዊት  በጺሑ’ሎ። በዚ እንተቐጺሉ ድማ ህዝቢና ዕጽፊ ንክውስኽ 50 ዓመት ስለ ዝወስድ ንነዊሕ ጊዜ ድኽምቲ ሃገር ኰይና ክትተርፍ’ያ። ምጣነ ወሊድ ብወገኑ ኣሻቓሊ ኣንፈት ሒዙ ቅድሚ 20 ዓመት 42 ዝነበረ ናብ 27 ሽሓዊት ወሪዱ’ሎ። ቀረብ ናይ ጽሩይ ማይ ናይ አለትሪክ ናይ ሽቓቕን ጽሬትን ናብ መብዛሕትኡ ህዝቢና ጌና ኣይተባጽሐን። ናይ ኢንተርነት ተጠቃሚ ህዝቢና ኣዚዩ ውሑድ ማለት ሸሞንተ ሚእታዊት ጥራይ’ዩ፡ ናብ ኣገልግሎት ጥዕና ዝውዕል ገንዘብ ኣብ ዓመት ንሓደ ሰብ 495 ናቕፋ ክኸውን ከሎ፡ ካብ 3 ክሳብ 4 ሚእታዊት ናይ ጠቕላላ እቶት ሃገር’ዩ። ብኣንጻሩ ናብ ምክልኻል ዝስላዕ ባጀት ካብ 21 ክሳብ 34 ሚእታዊት ናይ’ቲ ጠቕላላ እቶት ሃገርና ኣብ ውግእን ኲናትን ክውዕል ቊጠባዊ ዕንወትን ድኽነትን’ዩ ትርፉ። እቲ ዝዓበየ ዕማም መንግስቲ፡ ምክልኻል ሃገርና ምዃኑ ኩሉ ኤርትራዊ ዝሳማምዓሉ’ዩ፡ እነተዀነ ግና ኣብ ክንዲ ሰላምን ዲፕሎምሲን ብቀጻሊ ኲናት ህዝቢኻ ምህላቕን ቊጠባ ምዕናውን ዕብዳን ጥራይ’ዩ ዝቑጸር።

እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣሃዛት ተክኒካዊ ኰይኑ እንተተራእዩና ካልእ ዕለታዊ ክንርእዮ ንኽእል ዘሰክፍ ኣሃዛት ንመልከት። ሃገርና ብሓደ ሰብ ፊን ከም ዘበሎ ብዘይ ቅዋም ትመሓደር፡ ሓደ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ ጥራይ ዘለዋ፡ ልዕሊ 300 ኣብያተ-ማእሰርቲ፡ ኣሽሓት እሱራት ብዘይ ፍርዲ ዝሳቐዩላ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ፡ ልዕሊ ሓሙሽተ ሚእቲ ሽሕ ስደተኛታት ዘፍረየት፡ ብመንግስቲ ዝውነና ሓንቲ ተለቪዥንን ሓንቲ ጋዜጣን ጥራይ ዘለዋኣ፡ ንህዝቢ ዘገልግላ ልዕሊ 20 ትካላት ጥዕና ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ዝዕጸዋላ፡ እንኮ ከም ሓሙስ ዩኒቨርሲቲ ትዕጸወላ፡ እንኮ ናይ ኣእምሮ ሓኪም ዝእሰረላ፡ ብመቚነንን ብኩፖንን ትነብረላ፡ ካብ ናይ ባንክ ሕሳብካ ኣብ ወርሒ ሓሙሽተ ሽሕ ጥራይ ከተውጽእ ትፈቅድ ሃገር ምናልባት ኤርትራ ጥራይ’ያ  ክንብል፡ ሕማቕ ምስሊ ሃገርና ደስ ኢሉና ዘይኰነስ፡ ሓባእ ቊስሉ ሓባእ ፈውሱ ከይንኸውን፡ ቊስልና ክንፍውስ ብማለት’ዩ።

ኣብ’ዚ ዘመናዊ መሐበሪ ኣንፈት ወይ navigation ብዝያዳ ዝውቱር ዝዀነሎ ዘሎ ዘመን መኣዝንና ስሒትና ቀዳምነታትና ተደናጊሩና ኣብ ደልሃመት ደምበርበር ክንብል ክሳብ መኣስ’ዩ? ንመንግስቲ ምንቃፍ ከም ገበን ኣዊጁ ንዓዲ ኣይትኣትዉ ኣይትወጽኡ ዝብል ቂምተኛ፡ ምዉታት ከይተረፈ ኣብ ዓዶም ከይቅበሩ ዝእግድ ስርዓት፡ ንዓናን ንኤርትራዊ ባህልናን ክብርታትናን ስለ ዘይመስል ዓገብ ንበሎ። ጌጋ ኣውቶቡስ ተሰቒልካ ወይ ጌጋ ካርታ ተጠቒምካ ኣብ’ቲ ትደልዮ ክትበጽሕ ከቶ ስለ ዘይከኣል፡ ኣንፈትና ኣተዓራሪና፡ ፍልልያትና ተጻዋዊርና፡ ሃገርና ካብ’ዚ ትኸዶ ዘላ ሓደገኛ ጒዕዞ ከነድሕን፡ ነቲ ስርዓት ኣይከኣልካዮን ይኣክል ንበሎ።

መኣዝንን ኣንፈትን ኣብ ካልኦት ነገራት’ውን ኣገዳሲ’ዩ። ንኣብነት ዳርጋ ኩሉ ሓጺን ኣብ ውሽጡ ናይ ስሕበት ወይ ናይ ማግነት ባህሪ ዘለዎም ናእሽቱ ንጥረ-ነገር ይርከብዎ። ናብ በበይኑ ኣንፈት ፋሕ ኢሎም ነንሕድሕዶም ስለዝሰሓሓቡ ግና ናይ ማግነት ባህሪ ኣይፈጥሩን። እዞም ናእሽቱ ማግነት ናብ ሓደ ኣንፈት ንኣብነት ንምብራቕ ወይ ንምዕራብ እንተተሰሪዖም ግና እቲ ሓጺን ዘገርም ናይ ማግነት ባህሪ ይፈጥር። ከምኡ’ውን ነጠብጣብ ማይ እንተተዓዚብና ተኣኻኺቡ ናብ ሓደ ኣንፈት ብምውሓዝ ዓጋቲ ዘይብሉ ሓያል ውሕጅ ይፈጥር። ካብ’ዚ ንመሃሮ እምበኣር ፋሕ-ጨንገራሕ ኢልና ኣደዳ ስደትን ብርሰትን ከይንኸውን፡ ሃገርና ካብ’ዚ ትኸዶ ዘላ ጸልማት መንገዲ ክትድሕን፡ ሰዓሪን-ተሰዓሪን ዘይብሉ ናብ ኩልና ንዕወተሉ ብሩህ ጐደና ንገስግስ። ኣብ ጸልማት ኰንና ንብርሃን ክንጥምትን ብርሃን ከነምጽእን፡ ሕልሚና ናብ ጋህዲ ክንልውጦን ሕጂ ንባራበር። ልዕሊ ኩሉ ግና ደለይቲ ሓቂን ዕርቂን ፍትሒን ክንከውን፥ መጋበርያ ሕሰምን ዓመጽን ካብ ምዃን ክንጥንቀቕ፡ ነቲ ዝብድለና ስርዓት ከይንመስል፡ ኩሉ ዓቕምና ከኣ ኣብ ምትግባር ራእይናን ዕላማታትናን ከነውዕሎ፡ መናብርቲ ስለ ዝዀንና ጽባሕ ከይንጠዓስ ሎሚ ብሕልናና ተማእዚዝና ብሩህ መጻኢና ንፍጠር።

እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ!

ዘልኣለማዊ ክብርን ዝኽርን ንስዉኣትና!

ዶር ተስፋሚካኤል ገብሪሂወት፡ ካልጋሪ፡ ካናዳ

Previous Post

Biteweded Abrha: 29 years in prison – Oct 06 1991 – Oct 06 2020

Next Post

ATV: ኤርትራ ክንዲ መፍትሕ: ሽግራ ግን ክንዲ ማዕጾ – ሓበን ሃገር ካብ ኣስመራ – Haben Hager from Asmara

Next Post
ATV: ኤርትራ ክንዲ መፍትሕ: ሽግራ ግን ክንዲ ማዕጾ – ሓበን ሃገር ካብ ኣስመራ – Haben Hager from Asmara

ATV: ኤርትራ ክንዲ መፍትሕ: ሽግራ ግን ክንዲ ማዕጾ - ሓበን ሃገር ካብ ኣስመራ - Haben Hager from Asmara

5 2 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
5 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
rezen
rezen
4 years ago

“እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ፦”

ኣሜን፣ እንተሰሚዑና ። 
ግዳስ ካብ ሚእትን ሰላሳን[130 ] ዓመት ንላዕሊ ዘይሰምዓና ብልሓቱ እንታይ ኮን ይኸዉን የብለና
አንታይኮን በዲልናዮ ኢና እዚ ኹሉ ጭካኔ ኣብ ዝባልና ?
ምሕጽንታ እንታይ ይጠቅም በደልና ካይፈለጥና 
ሃየ፣ ደቂ ሃገር ኤረ ሕጂኸ ናብይ ኢና መጥፍእ ሕሊናና ።
እምበርዶ መወዳእታ ኣለዎ መርገምና?
ሚእትን ሰላሳን ዓመት ዝራሙሮ ብመግዛእቲ ሓለፈና። 
ሕጂኸ ናበይ ኢና ?
እንተዘይፈሊጥናዮ መንገድና፣ ኣለና ናይ ቀደም ጅግንነት ታሪኽና ግዜ መሕለፊና። 
ሰላምን ቅሳነትን ጥራይ ይሃበና፣ ኣብዘለና ኣሊና ኣብዛ ዓለምና።
ኣምላኽ ይኹን ምሳና። 

1
Reply
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

I am Eritrean to the core, love my country to death and I fought and gave my prime years for it, however, I never had a dream or vision to be a Singapore or Switzerland, just an authentic Eritrea, a just ,peaceful, democratic and fair Eritrea which accommodates everyone, an Eritrea governed by rule of law,…an Eritrea which reminds me of my childhood innocence which majority of us dream to relive, an Eritrea which loves and plays with its neighborhood children from dawn to dusk regardless of their religion ,creed and ethnicity without fear of being snatched to the abyss—–Yes! that Eritrea,. sometimes you got to speak for yourself, Eritrea is not an organization, it is a nation, a nation of unique individuals which represent its beautiful kaleidoscope of aspirations, not this current repulsive one delivered by the group who lie through their teeth and made a career out of it. Lets quit trying to be somebody else, we are good enough to be a model nation if we accept our entirety, lets be inclusive, lets not push a guy like me to the side and declare a national vision, I just want to retrieve that pristine society we fumbled, nothing else.

1
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
4 years ago

“Eritrea is not an organization, it is a nation, a nation of unique individuals which represent its beautiful kaleidoscope of aspirations, not this current repulsive one delivered by the group who lie through their teeth and made a career out of it”

k. tewolde

ኩቡር ሓወይ k. tewolde

ዝብልክዩ ሓቂ እዩ ።

ውድብ ቅድስቲ ላም ኮይና ። ምእንታኣ ኤሪትራ ትሕረድ ኣላ ።
ዉድብ፥ ዝነቅፉዋ ይስወሩ ፥ ዘገልግሉዋ ይኸስሩ ። ሽማግለታት ይድፈሩ ፥ ህጻውንቲ ይእሰሩ ። ኩሉ ድኻ ኮይኑ ፥ ኣብ ጎደና ሰፊሩ ። ክብሪ ሰብ ዉሒዱ ፥ ውላዱ ዝሳነ ወላዲ፥ ሞት ተመኒዩ። ምእንቲ ሰይጣን ዝዋናኣ ፥ ሓንቲ ዉድብ ፥ ህዝቢ በሙሉኡ መከራ ይምገብ ? ፥ ሕልና ዘሎዎ ሰብ ይበል ዓገብ።

2
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  ወዲ ሃገር
4 years ago

‘..those who criticize her vanish and those who invest in her loose..’ W.H. carves out a masterpiece for the ages>>>>> it is an internal strife of an enterprise made by the imposter for him exclusively, the sad thing is, the poor masses got caught up in the web like fish out of water gasping for air with no end in sight and those who are trying to save them are using the same tools of that enterprise which got them in this predicament to begin with. Could this be the reason why the El Duce is still in adi halo? it is time to change seeing things from the bus heading southbound, the interest of the nation first.

3
Reply
Simon G.
Simon G.
4 years ago

ዶር ተስፋሚካኤል

ዝበልካዮ ሓቂ
ሰናይ ምኽሪ ረዚን ስንቂ

‘ተንሓብር
ኢሂን-ምሂን ተንብል

ምረኸብና ፍታሕ
ሱር መሰረት ህግደፍ ክጓሓፍ
ሀ ኢልና ክንጅምር
ክንነብር ከም ንቡር
‘ትናይ ቀደም ባህልና
እቲ ክቡር!

2
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
5
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply