ብምኽንያት መበል 30 ዓመት ብዓል ነጻነት ኤርትራ
አብ ናይ ደቡባዊ ካሊፎርንያ ምንቅስቓስ ይአክል ብዙም አኼባ
ብተስፋይ ተኽለ ደበሳይ ዝተዋህበ መግለጺ መደረ።
23 ግንቦት 2021.
ክቡራትን አሕዋትን አሐትን ደቂ ሃገር ብመጀመርያ እቲ ዝለዓለ ምዉቕ ሃገራዊ ሰላምታ ንነብሲ ወከፍኩም ይብጻሕ! አብ ዘዘለኹሞ ከአ ሰላምኩም ይብዛሕ። በዚ ሎሚ መዓልቲ ከም ኤርትራውያን መጠን አብ ዝሃለና ሃሊና፣ መበል 30 ዓመት ሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ብምዝካር ከነብዕል ከለና፤ ዝስመዓና ጦብላሕታን ስምዒትን፣ ደስ ክብለናን ብሐጎስ ክንዘልለሉን ክንሰራሰረሉን ዝግባአና’ኳ እንተነበረ፣ ህዝብና ሃገርናን ዘለዉዎ ጭቡጥ አብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ብምርአይ ግን አዚና ንጉህን ንሐዝንን።
ክቡራት ደቂ ሃገር!
ብዙሐት ሰባት፣ ብፍላይ ከአ ካብ መንእሰይ ወለዶና ፣ እቲ ንነጻነት ኤርትራ ይኹን እቲ ምእንትኡ ዝተኸፍለ መሪር መስዋእትን ተጋድሎን፣ ምስቲ ፋሺስታዊ ስርዓት ኢሳያስን እኩይ ተግባራቱን አብ ልዕሊኦም ዝወረደ ሕሰምን አደራዕን ዝፈጸሞ በደልን ስለዘተአሳስርዎ፣ ነቲ ኩሉ መሪርን ሰፍ ዘይብል መስዋእቲን፣ ንነጻነት ኤርትራን ህዝባን ንምርግጋጽ ዝተኻየደ ብረታዊ ተጋድሎናን፣ ህዝባዊ ዕላማታቱን ብምስጋር ወይ ከአ ብምንጣር፣ ከም ዘይአድላይን ከንቱን ዝቖጽሩዎ ተስፋ ዝቖረጹ ዜጋታት ከምዘለዉና ንምርዳኡ ዘጸግም አይኮነን።
ስለዝኾነ ከአ ነጻነት ኤርትራ ከነብዕል ክንብል ከለና ብዙሕ ክትዓት ኢዩ ዝለዓል። ነቲ ክቡር መስዋእቲ አያታቶምን አቦታቶምን አደታቶምን ብምቁንጻብ፣ ነቲ ብስዓቱን ብመድረኹን ዝተፈጸመ ንዓለም ዘደነቐ ታሪኻዊ ጅግንነታዊ ፍጻሜታት ብምርኻስ፣ አንጻር ኤርትራዊ መንነቶምን ሃገራዊ ጠቕሞምን ዝምድሩ’ውን አይተሳእኑን። እንተስ ብፍላጥ ድዩ እንተስ ከይተረድኦም ሰአን ፍላጥ ከአ፣ ሰብ ውዕለት ናይቶም ጸረ ሃገራዊ ልዑላውነትናን ነጻነትናን ዝጻረሩ ገዛእትና ነበር ዝኾኑ ሐይልታት ዳግም ተስፋ ዝህቡ፣ ገለውን ምስኦም ብምድኻር ደበልትን መጣቓዕትን ብምዃን፣ “እንደመራለን” እንዳበሉ ብምቅላሕ ብዘሕፍር መልክዕ ዝተሰለፉ ዜጋትት ናይዛ ሃገር፣ ከም ዝነበሩን ዘለዉን ብሂወት ርኢናን ሰሚዕናን ኢና።
ኩሉቲ ኢሳያስ ዝብሎ ኮነ ኮራኹሩ ዝደግምዎ ተደማሚሩ ዳግም ክምለሱ ተስፋ ብምግባር፤ ከም ዲና ሙፍቲ (ናይ ኢትዮጵያ ወጻኢ ጉዳይ ሚኒስትር) ዝአመሰሉ “ኤርትራውያን ነጻነቶም ከብዕሉ አይደልዩን ኢዮም …. ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈልዩላ መዓልቲ ኢዮም ዝራገሙ፣ አብ ኢትዮጵያ’ውን እዚ ከም ቀንዲ አጀንዳ ይለዓል አሎ” እንዳበለ ከይሐፈረ አፉ መሊኡ ክገልጽ ዝሰማዕናዮ።
ናይዚ ኩሉ ድፍረትን ሐሳርን፣ ህዝቢ ኤርትራ ዝረኽቦ ዘሎ አደራዕን አስዓንደን ቀንዲ ምንጩን መሰረቱን ከአ፣ እንኮን ሐደን ዝኾነ ኢሳያስ ዝብሃል፣ ንደቂ ኤርትራ አገሪሁ፣ አብ ሰውራና ተረቂቑ ዝተጸፍየ ከዳዕ ውልቀ ሰብ ዘካይዶ ስዉር ማሕለኻታትን ውዲታትን ዝተሰረተ ምዃኑ ስዉር አይኮነን።
ስለዚ ምብዓል ነጻነትናን አገዳሲ ኢዩ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ንዕኡ ንኽረጋገጽ ብመስዋቱ ዘሰነዮ፣ ቀንዲን መሰረታዊን፣ ዋናን ወናኒን ናይዚ ታሪኽ እዚ ዝኾነ፣ ንበይኑ እንኮን ሐደን ህዝቢ ኤርትራን ጀጋኑ ደቁን ጥራሕ ኢዮም። ንህዝብና ብኹሉ መዳያቱ ዘዳኽም፣ ንመንእሰያትና መጻኢ ሂወቶም አጸልሚቱ ተስፋ ዘቝርጽ፣ እቲ ንሃገራዊ ልዑላውነትና በብእዋኑ አብ ፈተና ዘእቱ ውዲታት እንዳአለመ፣ ከም ድላዩ ስልጣን ብሒቱ ክሰርሕ መታን ከአ፣ ንህዝቢ ኤርትራን ደቁን ዘሻቕል፣ ውግእን ወረ ውግእን በብመድረኹ እንዳኸፈተ፣ ምስ ኩሎም ጎረባብትና እሳት ሐዊ ጻሕቲርካ ምእጓድ ዋኒነይ ኢሉ ዝሐዘ ኢሳያስ ቀንዲን ቀዳማይን ደመኛ ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ።
ህዝብና ብሰላም ቀሲኑ ምስ ዝነብር፣ ፖለቲካውን ማሕበራውን ቁጠባውን ሕቶታት መታን ከየልዕለሉን ከየዋጥሮን ስለዘሰግኦ ከአ፣ ውግአት ብዙርያ ምላሽ ብምልዓል ልቡ ኽስለብን፣ ቀልቡን ሃሙን ከአ ናብኡ ገጹ ጥራሕ ከም ዘቃልብ ምግባሩ፣ እቲ ቀንዲ ንሱ ዝጥቀመሉ ቀጻሊ ተንኮለኛ እከይ ሜላኡ ኢዩ። እዚ እኩይ ልኡኽ ሰይጣን ዝኾነ ባእታ’ዚ፣ ዘይሃገራዊ አካይዳን መደብን ሒዙ ዝተጓዕዘ፣ ናይ ማፊያ ስርዓት ብምዝርጋሕ፣ ንመላእ ሕብረተሰብ ኤርትራ ሂወቱ ዘመሳቐለን ዘመዛበለን ገባቲ ስርዓቱ፣ ዋናን ተጣባቒን ነጻነት ኤርትራ ክኸውን ከአ ከቶ ዘይሕለምን ዘይከአልን ኢዩ።
እዚ ነቐዝ ኤርትራውያን ዝኾነ ሕሱምን እኩይን ስርዓት’ዚ፣ ነቲ አብ ሕሉፍ ጉዕዞ ብረታዊ ተጋድሎና ዝተፈጸመ ጅግንነታዊ ዝናን ቅያን ዘትረፈ ፍጻሜታት ኤርትራውያን፣ ብዝደለዮ እንዳሽረፈ፣ ዳንኬራን ጓይላን እንዳገበረ፣ ንብሕቱ ክግልገለሉን ክርብሐሉን ከም ዘቃልሖን ነቶም አቐዲሞም ኮነ ድሒሮም ዘለለይዎን ዝነቕሑሉን ኤርትራውያን ከደናግሮም ማለት ፍጹም ዘይከአል ኢዩ።
ክቡራት ደቂ ሃገር
እዚ ናይ ዓዋሉ ደቂ ሹቕ መተአኻኸቢ ዝኾነ፣ ማፊያዊ ባህርያት ዘለዎ ስርዓት’ዚ፣ ዋንነት ነጻነትና መንዚዑ ክጥቀመሉ ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ነታ ነጻ ዝወጸት ሃገርን ህዝባን እውን እንተኾነ ጅሆ ሒዙ ምርማሳ ከይአኽሎ፣ ሕጂ’ውን አብዘይምልከቶ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን አትዩ፣ ንህዝብና ብምጭናቕ መንእሰያትና ብአስገዳድ እንዳገፈፈ ከህልቕን፣ ዶባት ሰጊሩ ምስቶም ጸረ ነጻነትናን ልዑላውነትናን ተረፍ ደርጋውያን ዝኾኑ ናይ ኢትዮጵያ መስፋሕፋሕቲ ሐይልታት፣ ብፍላይ ከአ ብሄረ አምሐራ ተሻሪኹ፣ ጸረ ህዝቢ ትግራይን ደቁን ዝአመተ አረሜናዊ ወረራን ግፍዕን ዝመልኦ ናይ ጽንተትን ህልቀትን ውግአት አባሪዑ ከካይድ ይርከብ።
እዚ ውግእ’ዚ አንጻር ህዝቢ ትግራይ ጥራሕ ዝዓለመ አይኮነን። የግዳስ ነቲ የዓንቅፈኒ ኢዩ ዝበሎ ሐይሊ ህዝቢ ትግራይ ድሕሪ ምልጋስን ምድኻምን፣ ቀጻሊ ዓላማኡ ናብ ህዝቢ ኤርትራ ምስጋርን፣ነቲ አብይ አሕመድ “አሰብን ከኢሱ እንካፈላለን” ማለት “ዓሰብ ምስ ኢሱ ክንካፈላ ኢና” ዝበሎ፣ ንሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ ዝግህስ መስርሕ አብ ግብሪ ንምውዓልን ንምጅማርን ምዃኑ ፍጹም ዘጠራጥር የብሉን። ስለዚ ነዚ ዝኸይድ ዘሎ ኩነታት ኤርትራውያን ካብ ስሚዒት ነጻ ኰንና፣ ግቡእ መጽናዕትን አቓልቦን፣ ትኽክለኛ ሚዛን መዓልቦን ክንገብረሉ፣ መድረኻዊን ሃገራዊን ግዴታናን ኢዩ።
ነዚ አብ ዞባናን ዙርያናን ዝኸይድ ዘሎ፣ ንዓበይቲ ሐይልታት ከይተረፈ ዝጸለወ፣ መድረኻዊ ዝኾነ ፖለቲካዊን ዲፕሎማስያዊን ወተሃደራዊ ቁርቁሳትን፣ አሰላልፋ ፖለቲካዊ ሐይልታት እንታይን ከመይን ምዃኑን ክንርድኦን ከነስተውዕሎን፣ ናይ ቃልሲ አሰላልፋና ከአ ቃል ዓለም ዘይብሉ ብግቡእ ከነነጽሮ ኢዩ ዝግባእ። ላንጋ ላንጋ ሐዲግ ዝኾነ ዘይብሩህ መርገጻት ምሐዝ፣ አብ ከቢድ ሐደጋ ካብ ምውዳቕ ሐሊፉ ካልእ ፋይዳ አይክርከቦን ኢዩ። ስለዚ መጻኢ ሃሰያታትና ብዝንኪን ዘጒድልን፣ ንኤርትራዊ ሃገራዊ ረብሐታትና ከአ ዘገልግል፣ ናይ አሰላልፋ ምሕዝነታዊ ቦታና አበይን ምስ መንን ምዃኑን ብግቡእ መዚንና ክንርዳእን ከነለሊን፣ ካብኡ ሐሊፍና’ውን ብግልጺ አነጺርና ቃልስና ከነነጣጥፍ፣ እዋኑ ጽባሕ ዘይኮነስ ሕጂ ኢዩ።
እዚ ክንብል ከለና ግን እንሙርኮሰሉ መሰረት፣ ልዕሊ ኩሉን ቅድሚ ኹሉን ንሐድነት ህዝቢ ኤርትራ ዘቐድም፣ ንሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ ከአ አብ ዋጋ ዕዳጋ ፍጹም ዘየእቱ ክኸውን ይግባእ ጥራሕ ዘይኮነስ ግዴታ’ውን ኢዩ።
ህዝቢ ኤርትራ ምስ ህዝቢ ትግራይ ምንም ጽልኢ ኮነ ቂምታ የብሉን። መረጋገጺ ዝኾነነና ዶባት ክልቲኡ ሃገራት ምስ ተኸፍተ ዝነበረ ተርእዮ ክቱር ንብዓትን ምትሕቝቛፍን ናይ ክልቲኡ አህዛብና ርእሱ ዝኸአለ ጭቡጥ ታሪኻዊ ምስክር ኢዩ። ኩሎም ጎረባብትናን አሕዋትን ዝኾኑ ናይ አህዛብ ዘሎ ታሪኻዊ ዝምድናታት ከአ፣ ዝዕንቅፎ’ምበር ካብ ቦትኡ ከነቓንቖ ዝኽእል ሐይሊ የልቦን።
አብ ዝሐለፈ መድረኻት፣ እቲ ብላዕለዋይ ኢድ ህወሐት ንኢትዮጵያ ዝገዝእ ዝነበረ ኢህአደግን፣ እቲ ንኢሳያስ ማእከሉ ዝገበረ ህግደፍን ዘርእይዎ ዝነበሩ ፖለቲካዊ ምፍሕፍሐት፣ መን የንቅሎ ብዘየገድስ ንክልቲኡ አህዛብና ዝሃሲ ክልቲኦም አይገበሩን ክንብሎም አይንኽእልን። ይኹን እምበር እቲ ዝገበርዎ ጉድለት ይኹን ገበን፣ ንህዝቢ ኤርትራ ኮነ ንህዝቢ ትግራይ ብተሐታትነት ዝምልከቶም አይኮነን። ከመይ ክልቲኦም አህዛብስ ግዳይ (Victim) ናይ ክልቲኦም ሐይልታት ኢዮም ኔሮም። ስለዚ እቲ ክንወስዶ ዝግብአና እዋናዊ መርገጻት፣ በቲ ክልቲኦም ፖለቲካዊ ሐይልታት ዝገበርዎን ዝፈጸምዎን ሕሉፍ አሉታዊ ታሪኽን አስተዋጽኦን ዝሕጸርን ዝዕገትን ዘይኮነስ፣ ሚዛናን አመለኻኽታናን በቲ ህሉው አብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ምስ እንዕይሮን ምስ እንመዝኖን ኢዩ፣ ንህዝብናን ሃገርናን ኮነ፣ ንዞባና ከአ ብሐፈሻ መድረኻዊ ዝኾነ ፍቱን ፍታሕ ንምፍጣርን ንምርግጋጽን እንበቅዕ።
ክቡራት ደቂ ሃገር
ቅኑዕ ሚዛንና ካብ ህዝባውን ሃገራውን ምልአት ኤርትራውነት ዝነቅልን፣ ነቲ አብ ዞባናን ከባቢናን ዝካየድ ብኹሉ መዳያቱ አብ ግምት ዘእቱን ምስ ዝኸውን ድአ’ምበር፣ ካብ ዝተፈላለየ ትሕተ ሃገራዊ ዝኾነ ስሚዒታትና ዝነቅል፣ ማለት ብወገናዊ ብሄራዊ ሃይማኖታዊ ቋንቋዊ ትርጉማት ዝጽሎ፣ አብ መንጎ ኤርትራውያን ከአ ስግአትን ፍርህን እንዳፈጠርካ፣ ሕድሕድ ምጥርጣርን ፍርህን ዘእቱ መናወራታት እንዳዘርጋሕካ ምቅላሕ፣ ከም ኤርትራውያን ንጠቕምናን ንሃገራዊ ስትራተጂካዊ ረብሐታትናን ዝውዕልን ዘገልግልን ከምዘይኮነ ክንግንዘቦ አለና።
ስለዚ እቲ ሕጂ ዘሎ ናይ ዞባና ስትራተጂካዊ አሰላልፋ ሐይልታት፣ ብሐደ ወገን መላኺ ኢሳያስን አብይ አሕመድን ማእከሉ ዝገበረ፣ ንሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ ብግልጺ ዝጻባእን ዝጻረረን “ ኤርትራን ኢትዮጵያን ሐደ ሃገር ሐደ ህዝቢ ኢና” ዝብል ጭርሖ ብግልጺ ዘቃልሕ፣ ኩሉ ዘለዎ ፖለቲካዊን ወተሃደራዊን ዲፕሎማስያዊን ዓቕሚታቱ ከአ አወሃሂዱ ነዚ ሕጂ ዝካየድ ዘሎ ውግእት ዝመርሕን ተወሃሂዱ ዝሰርሕን ሐይልታት ክኸውን እንከሎ፣ ብካልአይ ሸነኽ ከአ በዞም ዝተጠቕሱ ሐይልታት ገምጋማት፣ ንዕላማና ቀንዲ ዕንቅፋትን ከልካሊን ዝኾነን፣ ስምምዕና ከይተሰከፍና ንምትግባር ካብ ቅድሜና ብዝኾነ ሐይሊ ክእለን ከልግስን ክድምሰስን አለዎ ኢሎም ዝፈረድዎ ህዝቢ ትግራይን ክልላዊ መንግስቱን ማእከል ዝገበረ ኢዩ። ንህዝቢ ትግራይን ድሕሪ ምንብርካኽን ምድምሳስን ከአ እቲ ቐጺሉ ዝቕጽል ንኤርትራን ሃገራዊ ልዑላውነታን ዝግህስ ሽርክነታዊ መስርሕ ምስልሳል ኢዩ። ነዚ ርዱእ ዝኾነ ስትራተጂን ትልሚን መደብ መላኺ ኢሳይስን አብይ አሕመድን፣ ብፍላይ ነቲ አርሒቑ ዝሐስብ ኤርትራዊ ንጹርን ግጡምን ኢዩ። ህዝቢ ትግራይ ኮነ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ቀደም ይኹን ሎሚ፣ ንሃገራዊ ነጻነት ኤርትራ ዝድግፍን፣ ንልዑላውነት ኤርትራን ብግልጺን ንጹርን ዝኾነ እዉጅ ዘየወላውል መርገጾም ወትሩ ምስ አነጸርዎን ኢዩ። ምስ ደገፍቲ ሃገራዊ ነጻነትናን ልዑላውነትና እዉጅ መርገጽ ምስ ዘለዎም ሐይልታት ክንመሐዞን ክንዛመድን ከአ፣ ባህርያዊን ግድነትን ጥራሕ ዘይኮነስ፣ ሕጋውን ሞራላውን መሰል ኢዩ።
ካብዚ ጭቡጥ ክዉን አብ ባይታ ዘሎ ሐቂዚ ብምንቃል፣ አሰላልፋና ምስ መን ይኹን? ሃገራዊን ህዝባዊን ረብሐታትናን ጠቕሚናን’ከ ከም ህዝብን ሃገርን አበይ ኢዩ ዘሎ ኢልና ክንምርምርን፣ ንጹር ዘየወላውል መድረኻዊን ታሪኽዊን መርገጽ ክንሕዝ ምርጫ ጥራሕ ዘይኮነስ ግዴታ አለና። ስለዚ ወይ ምስቶም ንሃገራዊ ህልውናን ልዑላውነትናን ብምግሃስ ስዉር ውዕሊታቶም ከተግብሩ ዝጓየዩ መላኺ ስርዓት ህግደፍን አሃዳዊ ንግስነት ክተክልን ንጉስ ክኽውን አደይ ሐሊማትለይ ኢያ ዝብል ናይ ቀትሪ ሐላሚ ዝኾነ አብይ አሕመድን ምስላፍ ኢዩ፣ ወይ ከአ ምስቲ ምሉእ ነጻነት ኤርትራ ብንጹር ዝድግፍ፣ ሃገራዊ ልዑላውነት ኤርትራ ከአ ብእዉጅ መርገጽ ዘኽብር ህዝቢ ትግራይ ስትራተጂካዊን ዞባዊን ምሕዝነት ጌርካ ምስላፍን ንመላኺ ስርዓት ምልጋስን ኢዩ። ካልእ መንጎ መንጎ ማእከላይ ምርጫ ዝብሃል የልቦን። ነዚ ቃልዓለም’ውን የብሉን።
እቲ ሎሚ አብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ መሪር ውግእ ምስ ህወሐት አይኮነን። ከምኡ ዝብሉ እንተልዮም ነብሶም ዘዓሽዉ ጥራሕ ኢዮም። ሎሚ አብ ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ውግእ፣ ህዝቢ ትግራይ ከም ሐደ ሰብ አብ ውሽጢን ደገን ብሐድነት ደው አብ ዝበሉሉን፣ ካብ ዝነአሰ ክሳብ ዝዓበየ፣ ክርስትያናይ ይኹን አስላማይ ህዝቢ ትግራይ ዝተሰለፈሉ ህዝባዊ ውግእ ኢዩ። ንህዝባዊ ውግእ ዝስዕር ሐይሊ ከአ ከቶ ፈጺሙ የልቦን።
እዚ ውግእዚ አማስያኡ ንዞባና ብኩሉ መልክዓቱ ዝጸሉ ውጽኢትን፣ ፖለቲካዊ መንጸብረቕታን ሒዙ ዝድምደም ውግእ ምዃኑ ከሎ ጌና ብዕምቆት ክንርድኦ ዝግባእ ኢዩ። ነቲ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝግበር ዓመጻ ንህጻውንትን ዓበይትን፣ ሰላማውያን ሰባትን ከይፈላለየ ብጅምላ ዘጽንት መደብ ኢሳያስን አብይን ከአ ብዘየወላውል መርገጽ ብግልጺ ክንኩንኖን ከነወግዞን ኢዩ ዝግባእ። ከምኡ ዝአመሰለ ሎሚ ንጹር መርገጽ ምሐዝ፣ ነቲ ብሰንኪ ከዳዕ ኢሳያስ ፈጢርዎ ዘሎ ሕማቕ በሰላ አብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ደቁን፣ ካብ ቂምን ቅርሕንትን ሕነ ምፍድዳይን አዕናዊ ስሚዒታት ዘጓድልን ዝንክን፣ ናብ ተግባራዊ ሰላማዊን ሕውነታዊን ጉርብትና ንምስግጋር ከአ ዘኽእለና ምርጫ’ውን ኢዩ።
ንመሪር ግፍዓዊ ወራር ኢሳያስን አብይን ምኹናን፣ ብዓይኒ ፖለቲካ ጥራሕ ዝጥመት ዘይኮነስ፣ ብሰብአዊ ሕልና’ውን እንተኾነ፣ እዚ አረሜናዊ ግፍዒ’ዚ አብ ማንም ሕብረተሰብ ዓለም ክግበር ዘይግባእ ውጉዝን ኩኑንን አረሜናዊ ተግባራት ኢዩ። ከም ኤርትራውያን መጠን ብዝሐለፈ አሉታዊ ተረኽቦታት አብ ምጽብጻብ ተዓጊትና፣ ብዓይኒ ቂምን ቅርሕን ክንመዝኖ ዘይኮነስ፣ በቲ ሕጂ አብ ባይታ ዘሎን ሒዝዎ ክመጽእ ዝኽእል፣ አወንታዊን አሉታዊን ውጽኢታትን ሳዕቤናትን አገናዚብና፣ ብደረጃ ሃገርን ዞባን ናይ ምምዛኑን ምርአዩን ዓሚቚ ተረድኦን አፍልጦን ከነስፍሕ ይግባአና።
ምስ ኩሎም ዝጎራበቱና ሃገራት ብፍላይ ከአ ብደቡብና ምስ ህዝቢ ትግራይ፣ ብምዕራብና ከአ ምስቲ ፈታውን ሐውን ዝኾነ፣ አብቲ ዝተናውሔ ብረታዊ ተጋድሎና ከአ ዘዕቆበናን ዝደገፈናን ህዝቢ ሱዳን ዝሐየለ ዝምድናን ስትራተጂካዊ ምትእስሳርን አብዚ ዞባዚ ክህልወና ግድንን ግዴታን ኢዩ። እቲ ዝቐውም ዝምድናታት ግን፣ ከምቲ ናይ ብዓል ኢሳያስ ወትሩ ዝገብርዎ “ ጸጥታዊ’ባ ስለላዊ” ብዝብል ምስምስ፣ ንረብሐታት ገዛእቲ ሰልፊታት ዘገልግል፣ ንራዕዲን ምቁጽጻርን አህዛብና ከአ ዝዝውተር ስምምዓት ክኸውን የብሉን። ኩሉ ዝግበር ውዕሊታትን ስምምዓትን’ስ፣ ንናይ ነብሲ ወከፍ ልዑላውነት ሃገራትና ዘኽብር፣ አብ ረብሐታትን ዝምድናን ሰፊሕ ህዝብታት ዞባና ምርኩስ ብምግባር ዝተሰረተ ጥራሕ ኢዩ ክኸውን ዝግብኦ።
ስርዓት ህግደፍ ብርግጽ ከልግስን ክምሖን ኢዩ። ነቲ ንሱ ዝገድፎ ህዝቢ ዝበታትን ግናይ አሰራቱ ከነጽርን፣ ነቲ ዝገድፎ ሃጓፍ ክንምልእን፣ ዝተረጋግኤት ሃገር ክንርከብን ግን፣ ከም ኤርትራውያን ውሽጣዊ ሐድነትና ከነትርርን፣ ሕድሕድና ምጥርጣርን ምክሳስን ከነወግድን ኢዩ ዝግባአና።
ከም ህዝብን ሃገርን ውሽጣዊ ሐድነትና ምስ ዘይነረጋግጽ፣ ከምዚ ንኸዶ ዘለና ፍንጡሕ አተሃላዋና ምስ እንቕጽል ግን፣ ብሰንኪ ጉድለትናን ድኽመትናን፣ ሃገራዊ ጉዳያትና ካልኦት ናይ ወጻኢ ሐይልታት ንስትራተጂካዊ ረብሐታቶም ብዘገልግል አገባብን መንገዲን ክቕይስዎ ተኽእሎታት ከምዘሎ ከአ ካብ ሕጂ ብአግኡ ከሎ ጌና ክንግንዘብ ይግባእ።
ሰአን ሐድነትን ምርድዳእን ኤርትራውያን፣ ካብ እዋን ዘበነ ዓደየ ዓደየ ጀሚሩ፣ ቀጺሉ’ውን አብ ዘበነ ጉዕዞ ፖለቲካዊን ብረታዊን ተጋድሎና፣ ክሳብ እዚ ሕጂ ዘለናዮ መድረኽ’ውን ከይተረፈ፣ ብዙሐት ዝኸሰርናዮም ሃገራዊ መኽሰባትን፣ ዘምለጡና ዕድላትን ከም ዝነበሩን ዘለዉን ምዝካር አገዳሲ ኢዩ።
ሕጂ’ውን ከም ህዝብን ሃገርን ንተንስእ ንበራበር ሃገራዊ መሳርዕና ነተኻኽል፣ አብ ሕድሕድ ምጥርጣርን ክሲን ማእከሉ ዝገበረ፣ ንሐድነትና ዝፈታተን፣ መሰረት ከአ ዘይብሉ ፍርሂታት ምዝራእ ገዲፍናን አወጊድናን፣ ንኩሉቲ ዘሎ ህዝባዊ ዓቕሚታትና፣ ማለት ናይ ፖለቲካዊ ውድባትና፣ ናይ መንእሰያትና፣ ናይ ይአክል ምንቅስቓሳትና፣ ሲቪካዊ ማሕበራትና፣ ምሁራትና፣ መራሕቲ ኩሎም እምነት ሃይማኖታትና፣ ዝመኽሩ ዓበይቲ አቦታትና አወሃሂድና ንተንስእ፣ ንሰጉም፣ ንበገስ። ክቡራት ደቂ ሃገር እቲ ካብ ኩሉ ዝዓበየ መርገም፣ አይንሰምዕ አይነስምዕ፣ አይንምራሕ አይነምርሕ፣ ኩላትና አብ መጒልሕ ድምጺ ደደዪብና፣ ፈላጣት ክንከውን ምስ እንደሊ ኢዩ። ስለዚ ሐደራ ነቶም ክእለትን ብቕዓትን ዘለዎም ህያባትና ዝኾኑ ደቂ ሃገር፣ ክንሰምዕን ከነስምዕን፣ ክንምራሕን ከነምርሕን፣ ካብ ብቕዓት ዘለዎም ዝውሃብ ምኽሪን አስተምህሮን ዝቕበል ልቢ ከነዳሉን ከነስፍሕን ይግባአና። “ኩሉኹም ፈላጣት ይግበርኩም” ዝብል ምረቓ ጥራሕ ዘይኮነስ መርገም’ውን ምዃኑ ምስትውዓል የድሊ።
አብ መደምደምታ ክብሎ ዝደሊ ቀንዲ መንቀሊና “ አብ ምልአት ሐድነት ህዝቢ ኤርትራ ዝተሰረተት ሃገርን፣ ሃገራዊ ልዑላውነታ ዘውሐሰት ተስፋ መጻኢ ወለዶታትና ዝኾነት፣ ነጻን ሐራን ዝኾነት ፍትሐዊት ኤርትራ ንምውሐስ ንቃለስ!!!!
ንኤርትራን ህዝባን እግዚአብሄር ይብጻሕን ይባርኽን!!
ተስፋይ ተኽለ ደበሳይ
“መበል 30 ዓመት ብዓል ነጻነት ኤርትራ”
Obviously, the concept of “ነጻነት” must be clarified.
It is a piece of advice we all can bank on, it requires a prudent audience to absorb and process this well presented trove. Thanks dear brother Tesfai.
ስርዓት ህግደፍ ብርግጽ ከልግስን ክምሖን ኢዩ። ነቲ ንሱ ዝገድፎ ህዝቢ ዝበታትን ግናይ አሰራቱ ከነጽርን፣ ነቲ ዝገድፎ ሃጓፍ ክንምልእን፣ ዝተረጋግኤት ሃገር ክንርከብን ግን፣ ከም ኤርትራውያን ውሽጣዊ ሐድነትና ከነትርርን፣ ሕድሕድና ምጥርጣርን ምክሳስን ከነወግድን ኢዩ ዝግባአና።
ተስፋይ ተኽለ ደበሳይ
Yes indeed W.H, it is a daunting task waiting ahead like walking a tight rope over the Niagara Falls to say the least, because HGDEF imploded the bridge literally which is the trademark of the brutal clique– destruction.