ፖለቲካዊ ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ካብ ንጉሆን ምሸትን ኣናተቀያየረን እናኸፍአን ይኸይድ ስለዘሎ፡ መወዳእታኡ ኣበይ ይበጽሕን ውጽኢቱን ንምግማት ኣዝዩ ዘጸግም ኢዩ። እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ናይ መሰል፡ ስልጣንን መን ዓብለለን ጥምጥም ድማ፡ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ኣብ ዘይውራዩን ንህዝቢ ኤርትራ ንምጥፋእን ቀንዲ ኣባ ጓይላ ምህላዉ ኢዩ። ዘይቅርዑይ ምትእስሳርን ሕግብግብን ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ካብ ዝጅምር፡ እቲ ንሓጺር እዋን፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን “ሰላም መጺኡን ዶባት ተኸፊቱን” ተባሂሉ ዝተኻየደ ዳንኬራን ጽምብላትን፡ ናብ ፍጹም ምልክን ተንኮልን ተቀይሩ። ኣብ ከምዚ ውጡር ኩነታት ድማ፡ ኤርትራውያን ንጽግዓሉ ጎቦን ረብሓናን ክንፈልጥ ኣለና።
ኣብ ኤርትራ፡ ውልቀ መላኺ ኢሳያስ ጉጅሉኡን፡ መሰል ህዝቢ ዝረግጹ፡ ሃብቲ ሃገር ዝዘምቱ፡ ብገበን ዝሕተቱን ን30 ዓመታት ስልጣን ዝገበቱ ፉንፉናት ክንሶም፡ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያን ሱዳንን ብዛዕባ ፍትሒ፡ ማዕርነትን ዞባዊ ምትሕግጋን ክልፍልፉ ንሰምዕ ኣለና። ኣብ ኣፍሪቃ ብሓፈሻ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ከኣ ብፍላይ፡ ንጥሙሓትን ዕብዳንን መላኺ ኢሳያስ ዘይፈልጥ መራሕን ፖለቲከኛን ኣሎ ክብሃል ዝከኣል ኣይኮነን። ንመላኺ ኢሳያስ፡ ከም መራሒ፡ ኣታዓራቂ፡ ብልምዓትን ሰላምን ካልኦት ኣህዛብ ዝሕለቅ ኢሉ ዝኣምን እንተልዩ፡ ንባዕሉ’ውን ከም ኢሳያስ ቀታልን ዓምጻጺ ፍትሕን ኢዩ። ህዝባዊ መሰረት ዘይብሉ መቃነዪ ዕርክነት መላኺ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ድማ ናይ ክልተ ሰረቅትን ህርፋን ስልጣን ዘለዎምን መራሕቲ ኢዩ።
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ንውልቀ መላኺ ኢሳያስ፡ ከም ለባም መራሒ ኤርትራ ተቆጺሩ፡ ብቀይሕ መንጸፍ፡ ሃገራዊ መዝሙርን ናይ ክብሪ ሰልፍን ስነ ስርዓት ምቅባል ክግበረሉ እንከሎ፡ መላኺ ኢሳያስ ኣብ ትሕቲ’ቲ ቀይሕ መንጸፍ፡ ተንኮልን እሾኽ መርገም ዘሪኡ ከምዝኸይድን ጽቡቅ ከምዘይሓስበሎምን፡ ንለባማት ኢትዮጵያውያን ዝስወሮም ኣይኮነን። ምኽንያቱ መላኺ ኢሳያስ ንጽቡቅ ህዝቢ ኤርትራ ዘይተመነየን ቤቱ ዘየጽረየን፡ ብዛዕባ ሰላምን ምዕባለን ህዝቢ ኢትዮጵያ ክሓስብ ባህርያቱ ኣየፍቅደሉን ኢዩ። መላኺ ኢሳያስ ከይደቀሰ ዝሓድረሉ ቀንዲ ውራይ፡ ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ኣብ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ኣትዩ፡ ሓዊ ምስዋርን ተቃወምቲ ዝብሎም ጉጅለታት ምምልማልን ኢዩ።
ኣብዚ መላኺ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ዘካይድዎ ዘለዉ ንዕንወት ንብረትን ህልቂት ህይወት ሰብን ዝዕድም ዘይሓላፍነታዊ ዕንደራ፡ ንኹልና ኤርትራውያን ዝያዳ ዘገድሰና እዋናዊ ጉዳይ፡ ምድሓን ህዝብናን ልኡላውነትናን ኢዩ። መላኺ ኢሳያስ፡ ደጋጊሙ ብተግባር ከምዘረጋገጾ ንዓና ኤርትራያን መንነትና ኣጥፊኡን ዓቅምታትና በታቲኑን ስልጣን ዓቢዪ ኣሕመድ ምሕላው ኢዩ። መላኺ ኢሳያስ ከምቲ ኣብ 1998 ብጉልባብ ዶብ ዓሰርተታት መንእሰያትና ኣብ ሓዊ ዝጠበሶም፡ ሕጂ’ውን “መራሕቲ ወያነ ወሪሮሙና መሬትና ጎቢጦም” ኢሉ፡ ኣብ ዘይምልከተና ኩናት ክጠብሰና በትሩ የወጣውጥ ኣሎ። ኣብዚ ህሞት’ዚ ህዝብና ኣብቲ ጉጅለ ህግደፍ ኮሮና ቫይረስ ንምክልኻል፡ “ምርጋጥ” ኢሉ ዝጸውዖ ቀታሊ ሜላ ብስእነት ዝብላዕን ዝስተን ሕክምናን ኣብ ከቢድ ጭንቀትን ስቃይን ይርከብ። ካብን ናብን ምንቅስቃስ ስለዘየለ ድማ፡ ህብዝና ዝነግረሉ ዘይብሉ ብጥሜትን ሕማምን ኣብ ገዝኡ ተዓጽዩ ይመውት ኣሎ። መላኺ ኢሳያስ ግን ብኣንጻሩ፡ ጸገማት ህዝብና ግምት ከይሃበን፡ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ተጠቂሙን ስልጣኑ ንምሕላውን፡ ናብ ኢትዮጵያ፡ ሱዳንን ግብጽን ተመላሊሱ።
ኩናትን ስምብራቱን ከምቲ ብካድራትን ሰብ ረብሓን ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝፍክሩሉ ጸወታ ገበጣ ወይ ሻኪ ኣይኮነን። ኩናት፡ ኩሉ ኣማራጺ ምስ ሓርበተካ ንኽብርኻን ንመሬትካን እትኸፍሎ ክቡር ዋጋ እምበር፡ ከም ውልቀ መላኺ ህግደፍ፡ ኣብ ጥራይ ጎልጎል ብፈኸራን ብብድዐን ኣይፍጸምን’ዩ። ዘይኩርምትኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ከምዝብሃል፡ መላኺ ኢሳያስ፡ ንሱን ደቁን፡ ኩናትን ሞትን፡ ጥሜትን ሕማምን ስለዘይምልከቶም፡ ኤርትራ ትሃሉ ትጥፋእ ቅንጣብ ስክፍታ የብሉን። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ኣይናቱን ኢዩ። እቲ ናይ ኣማን ዋና መሬት፡ እቲ ንመሰሉን ንሃገሩን ክቡር ዋጋ ዝኸፈለን ንልዕሊ ፍርቂ ዝመን ዝተቃለሰን ህዝቢ ኤርትራ ስለዝኾነ፡ ሕጂ’ውን ህዝቢ ኤርትራ’ዩ ንኤርትራ ኣለኹልኪ ክብላ ዝግብኦ።
ኣብዚ ተኣፋፊ ሃገርናን መንነትናን ናይ ምድሓን ህሞት፡ እቲ ኣብ ቅድመ ግንባር ዘሎ ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ፡ ነቲ ቅድሚ ናጽነትን ድሕሪ ናጽነትን ንስለ መሬት ዓዶቦ ዝተኸፍለ መስዋእቲ፡ ዝፈሰሰ ደምን ዝተሰግረ ሓሳረ መከራን ነበር ከይከውንን ከይመራሳሕን፡ ኣብ ምዕቃቡ ሓላፍነት ኣለዎ። ሰራዊት ምክልኻል ኤርትራ ንስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዘይምልከቶ ኩናት ክጥበስ ክእዘዝ እንከሎ ዕጭ ክብል ኣለዎ። ኣፈሙዝ ብረቱን ጉልበቱን ንገዛእ ህዝቡን ንኣሕዋቱን ክጭፍጭፍ ኣይግባእን። እቲ ብዘይ ደሞዝ ኣብ በረኻን ንዓመታት ካብ ስድራቤቱን ንቡር ህይወቱን ከርተት ዘብሎ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ስለዝኾነ፡ ቀዳማይ ዕማሙ ህግደፍ ንምእላይ ክኸውን ኣለዎ። ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ኣብ 1998 ብባድመ ኣሳቢቡ ዝወልዖ ኩናት ሎሚ እውን ስልጣን ዓቢዪ ኣሕመድ ንምዕቃብ ኣብ ተመሳሳሊ ሓዊ ከእትወካ መዲቡ ስለዘሎ ክትነቅሓሉን ህይወትካን ክብሪ ሃገርካን ከተድሕን ኣለካ። መላኺ ኢሳያስ ካብ 2018 ጀሚሩ ምስ መራሕቲ ኢትዮጵያ ብምሽራኽ ዘካይዶ ዘሎ ጥልመትን ህላወ ሃገርካ ንምጥፋእን ሓደገኛ ውጥን ኣስተውዕለሉን ተኸላኸልን። ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ካብ ግዳማዊ ወራርን ካብ ጥልመት ጉጅለ ህግደፍ ከተድሕኖ ኣባኻ ዘለዎ ትጽቢት ዓቢ ኢዩ። ህይወትካ ዝኸፍልካላን ኣዕጽምቲ ብጾትካን ዝዓቀበትን ኤርትራ፡ ንስኻ ብህይወትካ እንከለኻ መዐንደሪ ጓኖትን ሸያጢ ሃገር ጉጅለ ህግደፍ ክትከውን ከተፍቅድ የብልካን። ጉጅለ ህግደፍ ኣባኻ እምነት ስለዘይብሉ፡ ዕጥቅኻ ፈቲሕኻ በቶም ዘድመዩኻ፡ ወለድኻ ብጠያይት ዝረሸኑ ዓድታትካ ብሓዊ ዘንደዱን ገዛእቲ ኢትዮጵያ ክትእዘዝ ውጥን ከምዘለዎ ኣይትረስዕ።
ሕግብግብ መላኺ ኢሳያስን ምስ ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ኩሉ ክብረታት ኤርትራ ዘመራስሕን ንሓድነት ኤርትራውያን ዝያዳ ዝበታትን ስለዝኾነ፡ ኩሉ ፈታው ሃገር ግዜ ከይቀደመና ቅልጡፍ ዘድምዕ ስጉምቲ ክንወስድ ንሕተት ኣለና። ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ዓለም ዘለዋ፡ ደለይቲ ፍትሒ ፖለቲካዊ ውድባትን ናይ በርጌስ ማሕበራትን፡ ቀዳማይ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ምዃኑ ኣሚነን፡ ኩሉ ዓቅምታተን ህግደፍ ንምውዳቅ ክኸውን ኣለዎ። ኣብዚ እዋን’ዚ ጉጅለ ህግደፍ፡ መንነትናን ልኡላዊ መሬትናን ኣብ ዋጋ ዕዳጋ እናኣእተወ እንከሎ “ብሓባር ክንሰርሕ ንዛተ ኣለና” እናበልካ ግዜ ምውሳድ፡ ፋይዳ ከምዘይብሉ ምግንዛብ ኣገዳሲ’ዩ። ሎሚ ኣብ ቅድሜና ተገቲሩ ዘሎ ደመኛ ጸላኢ ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ ስለዝኾነ፡ እቲ ኣብ መንጎ ደለይቲ ፍትሒ ዝርአ ዘሎ ንዓመታት ዝጸንሐ ምጉጅጃል ብህጹጽ ጠጠው ክብልን ንህሉው ኩነታት ዘንጸባርቅን ሃገር ንምድሓንን ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ። ናይ ብሓቂ ደለይቲ ፍትሒ እንተኾይና ብተግባር ቀዳምነትና ኣነጸርና ንፍትሒ ህዝቢ ኤርትራ ክንሰርሕ እምበር ተፈላሊኻ መላኺ ኢሳያስ ምስ ዓቢዪ ኣሕመድ ዘካይዶ ዘሎ ተበላጺ ዝምድና፡ ንጥፍኣትና ስለዝኾነ ዕድል ክንህቦ የብልናን፡፡
ዝምድና ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ድማ ከምቲ መላኺ ኢሳያስ በብእዋኑ ምስ ቀዛፊ፡ ዓሊ ዓብደላ ሳልሕ፡ ካቢላ ብዘይ ሰረት መስሪትዎ ፈርከሽከሽ ዝበለ፡ ናይ ኢሳያስን ዓቢዪ’ውን ነዊሕ ዕድመ ከምዘይብሉ ፍሉጥ’ዩ። ክልቲኦም ህርፋን ስልጣን ዘለዎም ግን ናይ ብድሕረይ ሳዕሪ ኣይትብቆላ ኩናት ምስ ክልል ትግራይ ከካይዱ ይውጥኑ ስለዘለዉ ክንነቅሓሉ ይግባእ። ዕምሪ ስልጣን ጉጅለ ህግደፍ ንምድልዳል፡ ኣብ ትግራይ ኦሮሞ ወይ ካልእ ቦታ ንጣብ ደም ክትፈስስን ሓንቲ ህይወት ክትሓልፍን ከነፍቅድ የብልናን። እቶም ብጉልባብ ትምህርቲ ናብ ወተሃደራዊ መሰልጠኒ ሳዋ ወሪዶም ዘለዉ ዕሸላት መንእሰያትና፡ ኣብ ዝኾነ እዋን መዝሓል ጥይት ክገብሮም ከምዝኾነ ሕቡእ ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ምስ ዓቢዪ ኣሕመድ ተመሻጥሩ ናይ ኣጥፊእካ ጥፋእ እኩይ ሜላ ይኽተል ስለዘሎ ቃል ኪዳን፡ ኣራት ኪሎን ዓዲሃሎን ሱር ከይሰደደ እንከሎ ጠጠው ነብሎ።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ 26 ሓምለ 2020
‘ህዝባዊ መሰረት ዘይብሉ መቃነዪ ዕርክነት መላኺ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ድማ ናይ ክልተ ሰረቅትን ህርፋን ስልጣን ዘለዎምን መራሕቲ ኢዩ።’>>> this unholy alliance is not new to the Ethio-Eritrean political merry-go-round, they are just shrewd shady characters changing roles and reeking havoc upon a society which is a fertile ground for them to thrive, as long this agar (ignorance) is abundant and pervasive in our society, this toxic mold will keep mushrooming asphyxiating the life of the poor people on either side of the border. It is a never ending cycle of social decadence which serves the opportunistic political pathogens example ‘medemer’,what is next? by now we should know where the work need to be done and how to proceed to get rid the stench of the mold once and for all, pheeeew!! it is unbearable.
“ቃል ኪዳን፡ ኣራት ኪሎን ዓዲ ሃሎን ከይዓበየ ዓሶ ትመንጥሎ”
ቃል ኪዳን፡ ኣራት ኪሎን ዓዲ ሃሎን ከይዓበየ ንመንጥሎዶ ኣይሓይሽን?
The pattern of deception and blatant lies by the freshly minted dictator of Arat Kilo continues unabated. It was very disgusting to hear Abiy Ahmed describing his mentor, the dictator of Adi Halo as a man of peace and development in an interview with the Fana Broadcasting. Since when does the second ruthless dictator in the world after Kim Kong become the leader of peace? How on earth did a dictator who rules with an iron fist, rules without Constitution, self elected without the consent of the people and continues to plunder the wealth of the country qualify to meet the requirement?
Abiy Ahmed claims to have earned his PhD in peace & conflict resolutions. I guess it is about time to question the geniunity of his PhD and also dishonour the Noble peace prize awarded to him by the Norwegian Noble Prize Committee.
Such political posturing shouldn’t stand by any stretch of imagination.
.