Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ቃል ሓዘን ብምኽንያት ዕረፍቲ መምህር ፍስሃየ ሃብተስላሰ ውልደሳሙኤል

Atv Asena by Atv Asena
20th July 2020
in News, Tigrinya-News
1
0
SHARES
995
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ቃል ሓዘን ብምኽንያት ዕረፍቲ መምህር ፍስሃየ ሃብተስላሰ ውልደሳሙኤል                    

ኣቦና መም ፍስሃየ ሃብተስላሰ ውልደሳሙኤል ዓርቢ 17/07/20  ኣብ መበል 93 ዕድሚኦም ኣብ ከተማ ኣስመራ ዓሪፎም ብቐዳም 18/07/20 ኣብ ዓዶም ማይ-ልቡስ ስነ-ስርዓት ቀብሮም ስድራ-ቤት ኣዝማድን ፈተውቶምን ኣብ ዝተረኸብሉ ተፈጺሙ ።

መም ፍስሃየ ብንእስነቶም ካብቶም ናይ ትምህርቲ ዕድል ዝረኸቡ ውሑዳት ኤርትራውያን ወለዲ ሓደ እዮም። ናይ ቀዳማይ ደረጃ ትምህርትም ኣብ ሸኻ- ወዲብስራት፡ ማእከላይ ኣብ መንደፈራ ድሕሪ ምምሃር ናብ ምድላው መምሃራን ( T.T.C ) ኣትዮም ኣድላዪ ናይ ምምህርና ኮርስ ውሲዶም። ኣብ ዝተፈላለየ ዓድታትን ኣብይተ ትምህርትታትን ከም መምህር ድሓር”ውን ኣብ ከተማ ድባርዋን መንደፈራን ከም ርእሰ- መምህራን (Director) ኣገልጊሎም።

 ኣብዚ ሞያ’ዚ ብዘይካቲ ምስ ኣብ ኩሉ ዘጥረይዎ ናይ ህዝቢ ፍቕርን ህቡብነትን ኣብ ምፍራይ ንሃገር ዘኹርዑ  ኪኢላታት ምሁራን ኣብ እዋን ሰዉራ ብተወፋይነቶም ዘሕብኑ ዜጋታት ዓቢ እጃም ኔርዎም።

መም ፍስሃየ ብዘይካቲ ኣካዳምያዊ ትምህርቲ ኣብ ንኡስ ዕድሚኦም ናይ ቤተ – ክህነት ትምህርቲ’ውን ስለዝቐሰሙ ኣብ ኣብያተ ክርስትያን ውን ኣገልጊሎም እዮም።

ብሕጽር ዝበለ መምህር ፍስሃየ ሃብተስላሰ ካብ በኹሪ ኣትሒዝካ ደቆም ብተርታ 4 ደቆም ዳዊት ፍስሃየ፡ ሳባ ፍስሃየ፡  ቴድሮስ ፍስሃየ፡  ሶፍያ ፍስሃየ  ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዘሳተፉ ክኾኑ ከለዉ፡ ንገዛእ ርእሶም ብሰንኪ ምትሕብባር ምስ ሰውራ ብጻላኢ ኣብ ማርያም ግንቢ ንዝተወሰነ እዋን ዝተኣስሩ ኣቦ እዮም።

ድሕሪ ናጽነት `ውን ኣብ እዋን ሪፈረንዶም ከም ወኪል ኮምሽን ረፈረንዶም ኣውራጃ ሰራየ ፣ ብድሕሪኡ ውን ከም ኣማሓዳሪ ቤት ጽሕፈት ኦርቶዶክስ ብምዃን ምስ ምሉእ ቅንዕና ንህዝብን ሃገርን ዘገልገሉ ኣቦ እዮም።

መምህር ፍስሃየ ኣቦ 12 ደቅን ብዓል ሓዳርን ክኾኑ ከለዉ፡ ከምቲ “ሓቂ ይሓይሽ” ዝብል ሳጒኦም ሓቂ ዓጢቖም ምስ ኩሎም ደቆም ክሳብ’ዛ ዝዓረፋላ ምእንቲ ሓቅን ፍትሕን ከይተሓለሉ ዝተቓለሱ ኣቦ ኩሉ እዮም ኔሮም።

እቲ ዘሕዝን ግን፡ ከምቲ ንብዙሓት ኣቦታት ኤርትራ ዘጋጥሞም ዘሎ፡ ብሰንኪ እቲ ንሃገርና ብሒቱዋ ዘሎ ጨፍላቒ ምልካዊ ስርዓት፡ እቶም ልዑል ሃገራዊ ፍቕሪ ዝነበሮም፡ ምእንቲ ሃገር ኣብ ቤትማእሰርቲ ማንያም ግንቢ ዝተመቚሑን ኣርባዕተ ደቆም ንናጽነት ዘጋደሉን ኣቦ፡ እቶም ናጽነት ኣምጺኦም ክስደዱ ዝተገደዱ ደቆም፡ ምልካዊ ስርዓት ኣብቂዑ ኣብ ሃገርና ፍትሒ ክነግስ፡ ሕጋዊ ስርዓት ክትከል፡ ህዝብና ክርህዎ ንኻልኣይ ግዜ ምስ ህዝቦም ደው ኢሎም ንፍትሒ ይቃለሱ ብምህላዎም ጥራይ፡ ኣብታ ናጽነት ንምርግጋጽ ሃገራዊ ግቡኦም ዘወፈዩላ ኤርትራ ከይዶም ንኣቦኦም ክፋነዉዎምን ሓመድ ኣዳም ከልብስዎምን ዕድል ዘይምርካቦም እዩ።

ቴለቭዥን ኣሰና፡ ንኣቦና መምህር ፍስሃየ ሃብተስላሰ ውልደሳሙኤል መንግስተ ሰማያት የዋርሶም እናበለት፡ ንምሉኣት ቤተሰብ ጽንዓት ትምነየሎም።

Previous Post

ATV: ዝርርብ ምስ ኣባል ፈጻሚ ኮሚተ ህውሓት ኣቶ ጌታቸው ረዳ – ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ኢትዮጵያን – Eritrea, Ethiopia

Next Post

ATV: ሓባራዊ ዘተ ብዛዕባ ጥምየት ምስ ሰብ ሞያ ስነ-ቁጠባ – ዝንቡዕ ፖሊሲ ባጤራን፡ ናህሪ ዋጋታት ብመንጽር ዕዳጋታት ከባቢናን ዓለምን – P2

Next Post
ATV: ሓባራዊ ዘተ ብዛዕባ ጥምየት ምስ ሰብ ሞያ ስነ-ቁጠባ – ዝንቡዕ ፖሊሲ ባጤራን፡ ናህሪ ዋጋታት ብመንጽር ዕዳጋታት ከባቢናን ዓለምን – P2

ATV: ሓባራዊ ዘተ ብዛዕባ ጥምየት ምስ ሰብ ሞያ ስነ-ቁጠባ - ዝንቡዕ ፖሊሲ ባጤራን፡ ናህሪ ዋጋታት ብመንጽር ዕዳጋታት ከባቢናን ዓለምን - P2

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
Kidane
Kidane
4 years ago

Memhir Fisehaye,
Mengiste semay yewarskum
I was one of your student at Tibo – Mendefera elementary school in early 70s.

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply