ቀጥታ ዘተ ኣብ ኣሰና ምስ ሞያውያን ኣብ ጉዳይ ለበዳ ኮሮና
- ክታበት ቫይረስ ኮሮና ኣብ ምቅርራብ ኣሎ፡ ዝርጋሐኡን ተጠቃምነቱ ኣብ ህዝቢ ከመይ’ዩ ክኸውን?
- ምስ ምምጻእ ክታበት ዝለዓል ተደጋጋሚ ስጋኣት ሓቅነት ኣለዎ ድዩ?
- ኣብ ኤርትራ ካብ 1 ሚያዝያ ኣትሒዙ ዝጸንዐ ውሸባ ምኽኑይ ድዩ?
- ምልባዕ ኲናትን ክተትን ኣብዚ ለበዳ እንታይ ሳዕቤን ክህሉዎ ይኽእል?
- ካልኦት ንህሉዊ ።
ንሰንበት 13 ታሕሳስ ሰዓት (ብኣቆጻጽራ) 10፡00 ቅ/ቀ ካሊፎርኒያ/1፡00 ድ/ቀ ኒውዮርክ 6፡00 ሎንዶን 7፡00 ድ/ቀ በርሊን
ተዛተይቲ፦
-ዶክተር ዮሃንስ ሃይለ ተመራማሪ ኣብ ምቁጽጻር መድሃኒታትን ምውህሃድ ስነፍልጠታዊ ምርምር ኣብ ሚኒስትሪ ጥዕና ካናዳ-ዶክተር ኣሰፋው ተኸስተ –ምኩር ሓኪምን ፕሮፈሰር ኣብ ቶሮ ዩኒቨርስቲ በርክሊን
-ዶክተር ኢሳያስ ሰመረ–ሓሻዊ ሓኪም
ኣላዪት ዘተ–ዶክተር ኤልሳ ተኽለ–ክኢላ ሓኪም ምድንዛዝ ኣካላትን ኣደ-መንበር ምትእኽኻብ ሰብ-ሞያ ጥዕና ኤርትራውያንን