ስነ ምግባርካን ሞያኻን ረሲዕካ ኣንጻር ህዝቢ ምስራሕ፡ ድርብ ገበን’ዩ
ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ፡ እቲ ዓመት መጸ ኣብ ስደት ብኤርትራውያ ዝካየድ ዝነበረ ፈስቲቫል፡ ድሃይ ሃገርን ሓድሕድን ኣብ ምፍላጥን ምትእስሳሩ ኣብ ምሕያልን ዕዙዝ ተራ ይጻወት ነይሩ። ብፍላይ እተን ካብ ሜዳ ንተኻፈልቲ ፈስቲቫል ንምዝንጋዕ ዝኸዳ ጉጅለታት ባህሊ ከምኡ’ውን ብላዕለዎት ካድራት ህግድፍ ዝዋሃብ ኣስተምህሮን፡ ነቲ በዓላት ፍሉይ ድምቀት ይህቦ ነይሩ። ጉጅለ ህግደፍ ድማ ነቲ ድሃይ ሃገሩ ክፈልጥ ኣብ ወጻኢ ዝካየድ ዓመታዊ ፈስቲቫል ዝእከብ ኤርትራዊ፡ ከም ዓቢ ምንጪ መግሓጢ ገንዘብ’ዩ ዝጥቀመሉ ነይሩ። ኣብቲ እዋን’ቲ ዕዉር እምነትን ባዶ ትካላዊ ኣሰራርሓን ስለዝነበረ፡ እቲ ካብ ህዝቢ ዝኣቱ ሚልዮናት ዶላርን መዓላኡን ዝሓተሉ ኣይነበረን። እቲ ናይ ሽዑ ዘይሕጋዊ ኣሰራርሓ ግን ድሕሪ ናጽነት’ውን ሳዕሪሩን ሽጣራ ቀይሩን እምበር ኣየቋረጸን። ክሳብ ሕጂ ድማ ብዘይ ግሉጽነትን ተሓታትነትን፡ ሃብቲ ህዝቢ ኤርትራ ምስራቁ ጥራይ ዘይኮነ መጨፍለቂና ኮይኑ’ሎ። ካብቶም ኣብቲ እዋን’ቲ ዶላራትን ንብረትን ዝፈግሩ ዝነበሩን ምስጢራት ዝፈልጡን እሙናት ጉጅለ ህግደፍ፡ ከምእኒ የማነ ገብረኣብ፡ የማነ ገብረመስቀል፡ ሓጎስ ገብረሂወት፡ ዘመደ ተኽለ፡ ተኸስተ ባይረን ካልኦትን፡ ክሳብ ሕጂ ዝለዓለ ስልጣን ሒዞም፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ምጭፍላቅ የማናይ ኢድ መላኺ ኢሳያስ’ዮም።
ኣብዚ ዓመት’ዚ ግን ብምኽንያት ሕማም ኮረና ቫይረስ፡ ሰብ ክእከብ ስለዘይክእል፡ ጉጅለ ህግደፍ እቲ ብጉልባብ ፈስቲቫልን ካልእ ኣጋጣሚታትን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ዝምጅርጦ ዝነበረ ገንዘብ ኣምሊጥዎ። ኣብ ክንድኡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብኮሮና ቫይረስ ኣመኽንዩ፡ ህዝብና ብጥምዩን ኣብ ስደት እንከሎን፡ ገንዘብን ንብረትን ከበርክት ይግድዶ ኣሎ። ጉጅለ ህግደፍ ካብ ዝኾነ ሰብ ወይ መንግስቲ፡ ብፍቅሪ ገንዘብን ህርፋን ስልጣንን ዝሰኸረን ዝዓበደን’ዩ። ህግደፍ ገንዘብ ዝረኽበላ ጉዳይ እንተኾይና፡ ህይወት ሰብ ክኸፍለላን መንገዲ ዓመት ክጓዘላን ከይደቀሰ’ዩ ዝሓድር። ጉጅለ ህግደፍ እቲ ብስርቅን ምትላልን ዝረክቦ ገንዘብ፡ ኣብ ክንዲ ንምምዕባል መነባብሮ ዘውዕሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንምስላይን ንምምቋሕን’ዩ ዝጥቀመሉ።
እቲ ካልኣይ ሕዱር ሕማም ጉጅለ ህግደፍ፡ ምስ ስስዐ ገንዘብ ዝዛመድ ኮይኑ ህርፋን ስልጣን’ዩ። ካብ ቅድሚ ናጽነት ኤርትራ ኣብ እንግድዓ ህዝብና ተወጢሑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓንጎል ሰባት ብምግዛእን ብምትላልን ከምኡ’ውን ብገንዘብን ረብሓን ብምዕሳብን፡ ሓቂ ክሓብን ሓሶት ቦታ ክትረክብን ብዙሕ ኣስተምህሮ’ዩ ወሲዱ። ጉጅለ ህግደፍ በቲ ባዕሉ ዝቆጻጸሮ ማዕከናት ዜና ኣቢሉ ሰማይን መሬትን ዘላግብ ሓሶት ከቃልሕ ጸገም የብሉን። ተሰማዕቲ ሰብ ሞያን ጋዜጠኛታትን ደቂ ወጻኢ ብገንዘብ ቆጺሩ ናብ ኤርትራ ብምምጻእ፡ ኣብቲ ንሱ ዝደልዩ ቦታታት የዛውርን ቃለ መጠይቅ የካይድን። እቶም ብገንዘብ ህዝብና ተቆጺሮም ኣብ ኤርትራ ኣብ ጉጅለ ህግደፍ ዝመረጾ ከባቢታት ዑደት ዘካየዱ ወጻእተኛታት ድማ፡ ከም ዓስቢ ፖለቲካዊ ጉዳያት ህግደፍ ዝሃቦም መቅሽሽን ጉንዖን፡ ኣብ ባይታ ዘየለ ግጉይ ስእሊ ብዛዕባ ኤርትራ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ሓበሬታ የመሓላልፉ።
ኣብ ኤምባሲ ጉጅለ ህግደፍ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ፈጻሚ ጉዳያት ብርሃነ ገብረሂወት፡ ብኣጋጣሚ’ቲ ኣብዚ ዓመት’ዚ ኣብ 8 ከባቢታት ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝካየድ ፈስቲቫል ተደናገጽቲ ናይቲ ስርዓት፡ እቲ ልሙድ ዘቁጸልጽል ሓረጋት፡ ባዶ መብጸዓታትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቀኛ ማሕበረ ቁጠባዊ ኩነታት ዘየንጸባርቅ ብ15 ነሓሰ 2020 መልእኽቲ ኣቅሪቡ። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርምን፡ ብላዕ ከይበልዎ ጽብሑለይ በለ ዝዓይነቱ መግለጺ ድማ፡ “ናይዚ ዓመት’ዚ ፈስቲቫል፡ እቲ ንኤርትራ ከም ሃገር ኣዝዩ ዘገድሳ ምርግጋእን ምድልዳልን ሰላም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስለዝኾነ፡ እቲ ዝካየድ ፈስቲቫል ነዚ ኣገዳሲ ጉዳይ ከም ማእከላይ ኣርእስቲ ወሲዱ ሓባራዊ ዘተን ንጥፈታትን ክካየድ’ዩ” ኢሉ። ኣብ ዓለም እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ባህርያት ሰባት፡ ነብስኻን ዓቅምኻን ብዝግባእ ዘይምምዛንን ብኻልኦት ሰባት ከምትዕቀን ዘይምርዳእን’ዩ ዝብልኹም፡ ሕልሚ ጉጅለ ህግደፍ’። መግለጺ ብርሃነ ገብሪሂወት፡ ቅዳሕ ናይቲ ጎይቱኡ መላኺ ኢሳያስን የማነ ህበይን ከምኡ’ውን ሓድሽ ተማሃራይ ኢሳያስ ዓቢዪ ኣሕመድ ስለዝኾነ፡ ንኣእዛንና ሓድሽ ኣይኮነን።
ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ምምሕዳሩ ዘሎ ግዕዘይ ከይፈወሰን፡ ነቲ ህዝበይ ዝብሎ ኤርትራዊ ቁራስ እንጀራ፡ ጽሩይ ማይ፡ መድሃኒት ናይ ርእሲ፡ መብራህቲ ከይቀረበ፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ኤርትራውያን ብዘይ ክስን ፍርድን ኣብ መዳጎኒ መዓስከራት የሳቅን ሰብኣዊ መሰሎም ይግህስን ኣሎ። ኣብ ኤርትራ ግዝኣተ ሕጊ፡ መሰል ምዝራብን እምነትን፡ ቅዋም፡ ምርጫ፡ ባጀትን ተሓታትነትን የለን። ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ካብ ህዝቢ ኤርትራ ብሰንኪ ጨካን ኣተሓሕዛ ጉጅለ ህግደፍን ድኽነትን ክስደድ ተቀሲቡ። ብኣጠቃላሊ፡ ኤርትራ ብሓደ ምልካዊ ሰብ ኣናተገዝአት እንከላ፡ ብዛዕባ ሰላምን ምርግጋእን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዝራብን ምሕላቅን፡ ምስሉይነትን ክቱር ህርፋን ስልጣንን ኢዩ።
ኣብ ኤርትራ ንሓቀኛ እንታይነትን ዕብዳንን ጉጅለ ህግደፍ ከዊሎም፡ ኣብ ሕብረተሰብና ዝሕፈስ እንተላም እኽሊ፡ ዝብላዕ ጻዕዳ መዓር፡ ዝሕለባ ጥሪት፡ ህዝባ መኒኻ ዝብሎ ዘይብሉ ኣብ ቃሕ ዝበሎ ከምዝሓድርን ከምዝውዕልን፡ ሰላምን ፍትሕን ከምዘሎ ኣምሲሎም ዝዛረቡ ሒደት ሰብ ረብሓ ኤርትራውያንን ቅልውላው መንነት ዘለዎም ዕሽራት ከምዘለዉ ፍሉጥ’ዩ። እቲ ካብ ኩሉ ዘገርም ግን፡ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓደ ክልተ ወጻእተኛታት ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ቅኑዕ ስእሊ ገምጢሎም ዘንብቡን ነቲ ብጭካነኡ፡ ዓለም “ሰሜን ኮርያ ናይ ኣፍሪቃ” ኢላ ዘጠመቀቶ ጉጅለ ህግደፍ፡ ሓጥያት ዘይብሉን ኣብነታዊ ስርዓትን ምባሎም ኢዩ።
ከም ኣካል ናይቲ ብስም ፈስቲቫል ካብ 15 ክሳብ 22 ነሓሰ ብተሓለቅቲ ጉጅለ ህግደፍ ተወዲቡ ዝካየድ ዘሎ ሓባራዊ ዘተ፡ 4 ወጻእተኛታት፡ “ተራ ኤርትራ ኣብ ምህናጽ ሰላምን ምዕባለን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ” ብዝብል ኣርእስቲ ሓባራዊ ዘተ ኣካይዶም። ነቲ ሓባራዊ ዘተ ናይቶም ንኤርትራን ህግደፍ ንፈልጦ ኢና ኢሎም መግለጺታት ዘቅረቡ ምሁራት ዝመርሑን ዝወደሱን፡ ስቃይ ህዝቢ ኤርትራ ዘናውሑ ጠላማትን ልሓስቲ ጫማ ህግደፍን፡ ሰብለ ጸሃየን የማነ ተወልደን ኢዮም። እቶም ንጉጅለ ህግደፍን ኤርትራን፡ ከም ኣብነት ሰላም፡ ጽንዓት፡ ምዕባለን ካልኦት ሃገራትን መንግስታትን ኣምሲሎም ዝመደሩን ብዓይኒ ጉጅለ ህግደፍ ከም ሊቃውንቲ ዝተገልጹን ሰባት ድማ፡ ጂል ካፐን(Gil Kapen)፡ ሚካኤል ራልፍ(Michael Ralph)፡ ካሮል ፒነዩ( karol Pineau) ከምኡ’ውን ኦሉዋገሚጋል ዳሲያልቫ(Oluwagemigal Dasyalva) ኢዮም። ተዛተይቲ ብዘይካ ፍልልይ ቃላትን ኣቀራርባን፡ ጉጅለ ህግደፍ ተጻብኦ ዓለም ተጻዊሩ ነብሱ ክኢሉ ሃገሩ ክሃንጽን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላምን ምርግጋእን ኣብ ምስፋንን ዝነጥፍ ዘሎ ኣብነታዊ መሪሕነት ኢዩ” ዝብል ኢዩ።
ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ይፍጽሞ ብዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰል፡ ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ብገበን ምጽናት ሰብ ተኸሲሱን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ቀንዲ ዘራጊ ሰላምን ዕንቅፋት ምርግጋእን ምዃኑ፡ እገዳታትን ተነጽሎን ስለዝተገብረሉ፡ ነዞም ንጉጅለ ህግደፍ ከም ጻድቅ ገይሮም ዘቅርብዎ ዘለዉ 4 ምሁራት ኢና ዝብሉ ደናቁር፡ ምናልባት ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሓቂ ክፈልጡ፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ዒራዒሮ፡ ዓዲ ዃላ፡ ግላስ፡ ምዕጥር፡ ዓላ፡ ዓሰብ፡ ዓዲንፋስ፡ ወዘተ ዑደት ከካይዱ ንምዕዶም፡፡ እቲ ኣብ ኤርትራ ምንባር ስኢኑ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዮጵያ፡ ሱዳን፡ እስራኤል፡ ሊብያ፡ ግብጺ ኡጋንዳ ካልኦት ሃገራትን ከርፋሕ ናብራ ዘሕልፍ ዘሎ ኤርትራዊ እንተዝዕዘቡ ናይ ብሓቂ ምሁራት ምተባህሉ፡፡ ፍልጠት ናይዞም 4 ምሁራት፡ ንእከይ ተግባራት ጉጅለ ህግደፍ ከይምርምርን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ሕጊ ኣልቦ ኣሰራርሓን ድኽነትን ንኸይርድኡን ንኸይመዝኑን ዝዓነዶም ጉዳይ እንታይ ምዃኑ ግር ይብለካ። እምበርዶ ናይ ብሓቂ ቀለም ዝቆጸሩ’ዮም ኢልካ’ውን ትጠራጠር። ምናልባት ኣብ ናቅፋን እምባትካላን ምስ ካድራት ህግደፍ ናይ ሓሶትን ምትላልን ዓውደ መጽናዕቲ ተኻፊሎም እንተኾይኖም ድማ ኣግሂዶም እቲ ምስጢር ይሓብሩና።
ህዝቢ ኤርትራ፡ ብጉጅለ ህግደፍ መዘና ዘይብሉ ስቃይ እናወረዶ እንከሎ፡ ኤርትራን ጉጅለ ህግደፍን፡ ከም ማእከልን ኣብነትን ሰላምን ምዕባለን ጌርካ ምግላጽ ግን፡ ሞራላዊ ሓላፍነት ዝጎደሎን፡ ኣብ ገበን ህዝቢ ኤርትራ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ከም ምትሕብባርን ንዕቀት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራን’ዩ ዝቁጸር። ናይ ብሓቂ ምሁራትን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ጭቡጥ ክውንነት ክፈልጡ ድሌትን ሕልናን እንተልዮም ድማ፡ ብእምኒ ወንጨፍን ኮራኩር ጉጅለ ህግደፍ ብዝህቡኻ ጸብጻብ ክትፈርድ፡ ጠባይን ስነምግባርን ናይ ሓደ ተመራማሪ ፖለቲካ ወይ ምሁር ታሪኽ’የ ዝብል ሰብ ኣይኮነን። በዚ ኣጋጣሚ ኩልና ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ነዞም ታሪኽ ጠምዚዞምን ንስቃይ ህዝብና ዕሽሽ ኢሎምን፡ ምስ ጉጅለ ህግደፍ ዘውደኽድኹ ዘሉው ውልቀሰባት፡ ንጥልመቶም ከነቃልዖን ኣብ ዝሰርሕሉ ትካላት ዓገብ ክንብሎምን ይግባእ።
እቶም ኣብ ናይዚዓመት’ዚ ፈስቲቫል ትሳተፉን የማነ ህበይ “ቀዳምነት መንግስቲ ኤርትራ፡ ምርግጋእን ምድልዳልን ሰላም ኣብ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ስለዝኾነ ብዛዕባኡ ምዝታይን ንጹር መረዳእታ ምሓዝን” ዝብል ጽሑፍ ከተንብቡ ተኣዚዝኩም ዘለኹም ተደናገጽቲ ህግደፍ ድማ፡ ማይን ሑጻን መታርፍቲ ስለዝኾነ፡ ልቢ ግበሩ ቃንዛ ህዝብኹም ክትሰምዑ። ብዛዕባ’ቶም ኣብ ጎዳጉዲ፡ ብህይወቶም ተቀቢሮም ዝሳቀዩ፡ ኣብ ስደት ሃገር ኣልቦ ዝኾኑ፡ ብጽምዋን ድኽነትን ሕማምን ዘኽቲሞም ዘለዉ ስድራቤታት ተሓለቁን ኣስተንትኑ እምበር፡ ምስቲ ጽባሕ ዝጓሓፍን ገዲፍኩም ዝሃድምን ጉጅለ ህግደፍ ኣይትወግኑ፡፡ ጽባሕ ብታሪኽ ዘሕትት ጥልመት ኣይትፈጽሙ፡ ሕልናኹምን መንነትኩምን ድማ ኣይትሽጡ።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 17 ነሓሰ 2020
Berhane G/hiwet was always an opportunist, I know him since he was in Sudan as a member of National Union Of Eritrean Youth & Students before Independence. Him and his notorious colleague Luul Fesehaye were followers and blind supporters of Amir and Shengeb, just learning 101 politics and tricks to climb ranks within NUEYS. Both Berhane and Luul were Hafash Widibat and joined the Front in 1989/90 wegahta, the National Call to join the Front. Berhane G. was Battalion operator and later a personal in Wichu’s Division until 1994-5. Luul Fessehaye had a bad reputation in Hailtat (Tezobriqu). Berhane was recalled to NUEYS after Independence, his click Shengeb did all in his capacity to help Berhane come to NUEYS, buddy buddy again. That is the opportunity he got to play his dirty games and maneuver to climb stairs of ranks and build bonds with Yemane hibey and Abdela Jaber HGDEF.
He went to Denmark on an exchange program with Danish Socialist Youth Organization for one year for the sake of gaining foreign currency and learning English for a year or more. That was not supposed tobe given to him as an executive committee NUEYS. He was Sent to Denmark so he could be paid in foreign currency and accumulate some good money. Is that to be considered corruption? Unfortunately Ali Abdu was appointed by the president and HGDEF to work with NUEYS, GOE was loosing trust and control of Shengeb and the Union, ALi Abdu was the new messenger, police and successor appointed. Shengeb was unhappy and reluctant, Berhane’s position was grabed away by Ali Abdu in his absence, Luul was crying alone his colleague was kicked while away in Denmark/the dream of money has brought a night mare to Berhane!!!
After his return to Asmara Berhane was so down and frustrated, but has no power to defend for his position or right, that is the system and that is what he does and his own deeds it boomerang and fired back, oh it came back to him. This is a good example of HGDEF’s tale and their good comradeship!!!
Berhane could not sleep or eat in peace, he has to go to HGDEF and knock like crazy, Yemane hibey and Abdela Jabir and Yohannes now got a good reliable recruit…. Loyal, smart liar and organizer….messenger of HGDEf in England, Germany and USA now. Through his previous NUEYS connections he became a catalyst for formulating and organizing YPFDJ, the current Yemane Hibey’s project and producers. Now he is flexing his muscles when Shengeb and Ali Abdu are away and considered traitors. Who IS WHO?