ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ካብ ሕድሕድ ኩናት ኢትዮጵያ ክወጽእ ኩሉ ኢሪትራዊ ጻዊዒት ክገብር ኣለዎ
ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ
ኣቀዲመ ነቶም ኣብ ሎንደን ኣብ ጀነቫ ፡ ኣብ ሙኒክ – ኣብ ዋሸንግቶንን ካልኦት ከተማታትን ነቲ ኣብ ሊብያ ኣብ ልዕሊ ንጹሃት ስደታኛታት ኤሪትራውያንን ዝተኻየደ ግፍዒ ዝኹንን ዕዉት ሰላማዊ ሰልፊ ዘካየዱ ኢሪትራውያን ዮሃና እብሎም። እቲ ዘሕጉስ ብብዝሒ መንእሰያት ዝተሳተፍሉ ሰላፊ ብመንባሩ እዩ። መንእሰያትና ተመክሮታት ዝድልብሉን ፍናን ሰኒቆም ብቀረባ እናተፋለጡ ንዝመጽእ ዝከበደ ስረሓት ዝቀራረብሉን መድርኽ ተከፊቱ ክበሃል ይከኣል። ደጊም ሓቢርካ ምቅላስን ምፍላጥን ካብ ተጀመረ ብሕጊ ዝተመዝገባ ናይ ኤሪትራውያን ኮሚኒቲታትን ናይ ባህሊ ማእከላት ምቛም ኣድላይ እዩ። ዕላማኡ ምዝንጋዕ ጥራሕ ዘይኮነ ኣብ መነባብሮ ዝሕግዙ ንጥፈታት ከም ሓቤረታ ብዛዕባ ምዕባይ ህጻናት፥ ትምህርቲ፡ ስራሕ ከምኡ እውን ሓጸርቲ ናይ ሞያ ልምምድ (job training) ክኸውን ይኽእል።
እዚ ዕዉት ሰልፍታት ነቲ ኤሪትራዊ ኣብ ስደት ዝጓነፎ ማእሰርትን ሞትን ጠመተ ዝገበረ እዩ። ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ሽግራት ግን እቲ ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤሪትራ ዘውርዶ ዘሎ ጭቆና እዩ። እንኮ መፍትሒ ኡ ከኣ ኢሳያስ ካብ ስልጣን ምእላይ እዩ። ኢሳያስ ወያነ ከይትውረና ብዝበል ምኽንያት ንህዝቢ ኤሪትራ ኣብ ዓባይ ቤት ማእሰርቲ የእቲዩዋ። ብስም ሃገራዊ ኣገልግሎት ነቲ መንእሰይ ናቱ ናይ ወልቁ ተኣዘዝቲ ክኾኑ መልሚልዎም።
ኣብዚ ጊዜ’ዚ እቲ ዝዓበየ ገበን ኢሳያስ ንመንእሰያት ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶም ኩናት የእትዩ የጽንቶም ምህላዉ እዩ። እዚ ንሙሉእ ህዝቢ ኤሪትራ ተጓኒፍዎ ዘሎ ታሪኻዊ ብድሆ እዩ። ሕጂ እዚ ኩናት ኣሸሓት ሂወት ዝበልዓሉ ዘሎ ጊዜ እቶም ኣብ ስደት ዘለና ኤሪትራውያን ሰራዊት ኤርትራ ካብቲ ኩናት ብሁጹጽ ይውጻእ ኢልና ዝተወሃሃደ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ክንገብር ኣለና። ማዕር ማዕሪኢ ኣብ መኣዲ ዲፕሎማሲ ማዕጾ ናይ ወጻኢ መንግስታት እናኳሕኳሕና ክድጉፉና ንሕተት። ንሳቶም እውን ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ ይደልዩ እዮም ፡ እቲ ኩናት ብሰላም ክውዳእ ስለዝሕግዝ። ኣብዛ ህሞት እዚኣ እቲ ደላይ ፍትሒ ኣብ ነንሕድሕዱ ዘሎ ዘይምርድዳእ ካልኣዊ ስለዝኾነ ከድህበሉ የብሉን።
ብ2018 ኣቢይ ስልጣን ሒዙ ምስ ኤሪትራ ሰላም ክገበር እየ ኢሉ ኣብ ኤርትራ ምስ በጽሔ ህዝቢ ኤሪትራ ብሓጎስ እዩ ዝተቀበሎ። ንህዝቢ ኤርትራ ሰላም ፍትሕን መፍትሒ ኩሉ ጸገማቱ ገይሩ ስለዝወሰዶ። ናይ ሰላም ነቢይ ኮንካ ናይ ሰላም ቃላት ክተዘውተር ይግባእ ። ኣቢይ ግን ነዊሕ ከይጸንሔ ግዙእ ናይ ሊሂቃን ኣምሓራ ኮይኑ። ካብ ዋሽንግቶን ዝፍኖ ናይ ኣምሓራ ራዲዮ ኢሳት ኣንጻር ትግራይ ናይ ጽልኢ ሓያል ዘመተ ክፍኑ ምስ ጀመረ ኣብይ ንወያነ ናይ ቀትሪ ኣዛብእ ኢሉ ነቲ ጽልኢ በንዚን ወሲኹሉ። ኢሳያስ ብወገኑ ናይ ወያነ ጸወታ ኣብቂዑ፡ ዝብል ናይ ኩናት ሙዚቃ ዋጠየሎም። እዚ ዘይሓላፊነታዊ ዕንደራ ንኹናት ዓዲሙ ናይ ኣሸሓት ሂወት መቕዘፍትን ዘይተኣደነ ዕንወት መነባብሮ ህዝብን ኣኽቲሉን የኸትልን ኣሎ። ኢሳያስን ኣቢይን ሰላም ምስ ተፈራረሙ ህዝቢ ኤሪትራን ትግራይን ኣብቲ ዶብ ተራኺቦም እናነብዔ ሐጎሶም ዝገለጸሉ ዘይትርሳዕ ናይ ሰላም ታሪኻዊት መዓልቲ ኮይና ተኣምዝጊባ እያ። ኣብይን ኢሳያስን ግን ድልየት ህዝቢ ስለዘየገድሶም ብዝልኢ ኣጸልሚቶማ። ሽዑ እዮም ናይ ኢትዮጵያ መራሒ ኣቢይ ኣሕመድ ናይ ኢርትራ መራሒ ኢሳያስ ኣፈወርቅን- ናይ ኣምሓራ ሊህቃን ንትግራይ ከጥፋኡ ስሙር ግንብር ዝገበሩ። ኣምሓራ ሊሂቃን ነቲ ግንቦት ሰባት ዝስሙ ናጽነት ኤርትራ ዘይቅበል ፖለቲካዊ ጉጅለ- ዝመስረቱ እዮም።
ካብ መጀመሪኡ ንትግራይ ካብ ኩለን ክልላት ኢትዮጵያ ፊሊኻ ከተጥቅዓ ዘይትኣደነ ፕሮፖጋንዳ ምግባር ዘይርትዓዊ ኮይኑ ረኺበዮ ፥ ናተይ ግብረመልሲ ከኣ ብጽሑፍ ገሊጸዮ “ Justice for the people of Tigray and its vanguard TPLF. ናብ መራኸቢ ብዙሓን ኣይጋ ፎሮም (Aiga Forum ) ዝበሃል ሊኢኸዮ።
ኣምሓራ ዕድል እንተረኺቦም ንቢሄራት ኢትዮጵያ ረጊጾም ክግዝእወን ንኤሪትራ ክወርዋ ንባሕራ ክቖጻጸርዋ ዘይደቀስሉ ኣጀንዳኦም እዩ። እዚ መርገጺ ናይ ኣምሓራ ዘይልወጥ ስትራተጂ መርገጺ እዩ፡፡ ነዚ ሓቂ ዘይስቆሮም ብዙሓት ኤሪትራውያን ኣለዉ። ኣብ 1991 ጀሚሩ ሊሂቃን ኣምሓሩ ናጽነት ኤሪትራ ኣይተዋሕጠሎምን። ከምኡ እውን ንኢትዮጵያ ዘመሐደር ሓምሐራ እምበር ብፈደረሸን ኩሎም ብሀራት ተራ ክህልዎም ኣይደልዩን ኢዮም። ኣብ ሎንደን ዝቅመጡ ኣምሓሩ ነታ ናይ ዓወት 1991መዓልቲ ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ዝተፈለየትሉ ጸልማት መዓልቲ -ኢሎም ኣብ ቅድሚ ፓርላማ ዓዲ እንግሊዝ ሰላማዊ ሰልፋ ኣካይዶም። በንጻሩ ኣብ ረፈራንዱም ጊዜ ንናጻነት ኤርትራ መጀመርያ ኣፍልጦ ዝሃበ ናይ ኢትዮጵያ ቀዳማይ ሚኒስተር ነብሲሄር መለስ ዘናዊ እዩ። ሽተል ትሮንቮል ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተመራማሪ ብዛዕባ ኤሪትራ ብርክት ዝበሉ መጻሕፍቲ ዝጸሓፈ ሕጂ ግን ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ከይኣቱ ዝተኸልከለ ከምዚ ይብል “መለስ ዜናዊ ነጻነት ኤሪትራ ምድጋፉ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊልዎ እዩ ።
ብዝኮነ እቲ ን20 ዓመታት ንኤርትራ ዘድከየን ዘንዓቀን ዝረገጸን ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ኮይኑ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኢዱ እትዩ ነቶም ደለይቲ ፍትሒ ናይ ምልጋሱ ዓቢ ዕድል ከፊትሎም። ደለይቲ ፍትሒ ግን ምስ ወያን ምስራሕ ዝብሉን ኣኤሪትራ ባኤሪትራውይን ዝብሉ ፈላለየ ኣጀንዳታት እናምጻኡ እት ብቀዳምነት ክሰርዕዎ ዝግቦኦም ስራሕ ከይገበርዎ ይተርፉ ኣለዉ። ወግዓዊ መርገጺ ወያን ዘየወላውል ናጽነት ኤርትራ ዝደገፈ ከነሶም – ኣፎም ዝሃቦም ውልቀ ሰባት ተጋሩ – ተሚሊሶም ኣንጻር ኤርትራ እንተተዛረቡ – ክትምልሰሎም ትኽእል ኢኻ – ኣብ ኣጀንዳ የእቲካ ቀጻሊ መፈላለየ ኣጀንዳ መዛረቢ እንተገርካዮ ግን ነቲ ህጹጽ ኩናታት ምምካት ንጉኒ ትገድፎ ኣለኻ ማለት እዩ። እወ ንኤርትራውያን ዘሕርቕ ሓንሳእ ኣጋዝያን ዝባሃሎ – ትግራይ ትግሪኚ ዝብሉ ፥ ዓባይ ትግራይ ዝብሉ ኣለዉ። ይበሉ ንሕና ስራሕና ንግበር ኣብዚ ጊዜ እዚ ትግራይ ትካላታ ዓንዩ ዘሎ – ውግእ ጠጠው እንትኢሉ – ኣብ ሃገራ ምህናጽ እምበር ተመሊሳ ኣብ ውግእ ክት ኣቱ ኣይኮነትን- ነጻ ኤርትራ ከኣ ንረብሖኦም እዩ እምበአር ጸገም ኣየምጸ ኣሎምን እዩ። ገለገለ ናይ ቀደም ተጋደልቲ ነቲ ደንበ ደላይ ፍትሒ ዝመቃቅል ኣጀንዳ ከፊቶም ኣለዉ። ንሳቶም ናህና ንግበር ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ኢሳያስ ብሓባር ምስ ወያነ ኮይና ንመክቱ ዝብሉ ዝቛዎሙ እዮም። ምስ ወያነ ኮይና ንኢሳያስ ምልጋስ ማለት ልዑላውነት ምድፋር ስለዝኾነ ህዝቢ ክከላኸል ኣለዎ ይብሉ። ልዕላውነት ኤሪትራ ብ ሰራዊት ኣምሓራ ተደፊሩ እንዲዩ።
ሐይሊ ባሕሪ ኤሪትራ ምስ ሐይሉ ኣሎ ዲዩ የዕርፉ ዶ ኣይተባህሉን። ኣነ ዝገርመኒ እቲ ደላይ ፍትሒ ብዛዕባ እዚ ሓደጋ ኣይዛረቡን እዩም። ምዃን ደለይቲ ፍትሒ ምዃኖም ኣይተርፍን እዩ ቀስ ኢሎም ኣብ ልቦም ክምለሱ እዮም። ሕጊ ኹናት እንተዝኽተሉ ነይሮም እዚ ዝብልዎ ዋጋ ከምዘይብሉ ምተረድኦም። ኣብ ቀረባ ጊዜ ግን ኩሉ ነገር ከብርሃሎም እዩ። ብሓጺሩ ኩናት ናቱ ሕግታት ኣለዎ ኣበይ ከም ዝውዳእ ብኸመይ ከም ዝውዳእ መን ከም ዝስዕር መን ከም ዝሰዓር ኣይፍለጥን እዩ። ብዓል ኣቢይን ኢሳያስን ሊሂቃን ኣምሓሩን – ዘይተኣደነ ሓገዛት ካብ ደገ ናይ ኢሚረይት ድሮን ከይተረፈ ረኺቦም ኣብ ውሽጢ 10 መዓልቲ ክውድእዎ እዩ እቲ መደቦም። ኣብ ውሽጢ እዘን መዓልታት መቀለ ኣትዮም ናቶም ኣመሓደርቲ መዚዞም ካን ኩሉ ውድእ ውድእ ኣቢሎሞ። መንግስቲ ክልል ትግራይ ምስ ህዝቢ ማይን ጸባን ኮይኑ ሓመድ ሊሒሱ ተንሲኡ ንዓለም ዘደነቀ ኣገባብ ንጸላእቶም ካብ መብዝሕትኡ ትግራይ ኣውጺኦሞም ጥራሕ ዘይኮነ ነቲ ኩናት ኣብ ውሽጢ ኣትዮጵያ ኣሰጋጊሮሞ። ክሳብ ደሴ በጺሖም ይበሃል ኣሎ ። ምስ ህዝቢ እናተራኸቡ እውን – ንኣቢይ ንምምካት እምበር ምስ ህዝቢ ጽልኢ ከምዘይብሎም እናረድኡ ካብ ህዝቢ ክመጾም ዝኽእል ተጻቦኦታት እናዘሓለ ይኸይድ ኣሎ። ሕጂ በይኖም ኣይኮኑን ካላኦት ናይ ውጽዓት ኣህዝብ ምንቅስቃሳት ይስዕብዎም ኣለዉ። መንግስቲ ኤሪትራ ኣብቲ ዝኸፋኤ ኩነታት ታሪኽ ዘይርስዖ ኣንጻር መሰለይ ተገፉፉ ዝብሉ ብሄራት ኤትዮጵያ ይዋጋእ ኣሎ። ንሶም እውን ናይ ትግራይ ዓወታት ተስፋ ሂብዎም ቃልሶም ብተኣማንነት የሰላስሉ ኣለዉ። ብጊዜ ቃልሲ ኤርትራ መሓዛ ናይቶም ንመሰሎም ዝተላዕሊ ቢሀራት ዝነበረት ኣኢሪትራ ሕጂ ኣድሓርሒራ ንዖኦም ንምስዓር ኣብ ኩናት ኣትያ። እዚ ሀየንታ እዩ።
ኣብዚ ዝካየድ ኩናት ዲስፖራ ኤሪትራውያን ኣብ ክንገብሮ ዘይንኽእል ምክታዕ ገዲፍና – ነቲ ክንገብሩ ንኽእል እንተንገበር ምሓሸ። ሐንቲ ክንገብራ ንኽእል ሓድነትና ዓቂብና ብኢሳያስ ዝፍጸም ዘሎ ናይ ህዝቢ ኢሪትራ ናይ ምጽናት ሜላ ኣብ ዓለም ኣቃሊዕና ኢሳያስ ከልግስ ከም ዘለዎ ዓቢ ጎስጓስ ምክያድ እዩ። ድሕሪ ኢሳያስ እንታይ ዓይነት መንግስቲ ክቅውም ከምዘለዎ ኣብ ዲያስፖራ ዘለዉ ተመራመረቲ ኤሪትራውያን መጽናዕቲ ከካይድሉ ይኽእሉ እዮም። ካብ ትግራይ ሐገዝ ረኺብካ ንኢሳያስ ከነባርር ዝብሉ መንእሰያት ኣብ ሱዳንን ትግራይን ይተኣኻኸቡ ኣለዉ። እሶም ሂዎቶም ወፍዮም ኣብ ምእላይ ኢሳያስ ዓቢ ተራ ክጻወቱ ዝኽእሉ፥ እንታኣይ ሐገዝ ካብ ትግራይ ይደልዩ ንዖኦም ንግደፈሎም። ንሕና ነቲ ውሱን ኣቕምና ነቲ ቀንዲ ንኤርትራ ዘጥፍእ ዘሎ ምቅላዕ ። ድሮ መንግስታት ዓለም ኢሳያስ ቀንዲ ሃውኺ ናይ ቀርኒ ኣፍሪቃ ምዃኑ በሪህሎም ኣሎ ንዑኡ መርትዖ እናቅረብና ክእለ ኣለዎ ዝብል መርትዖታት እንቅቅረብና ነሄብትሞ። ብተወሳኺ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያን ግብጽን ሊብያን ሱዳን ኣብ ሽገር ዘሎ ስደትኛ ኡይ ንበለሉ። ብገንዘብ እውን ንሓግዞ። ምስ ወያነ ክንሰርሕ የብልናን ማለት ነቶም ንትግራይ መንጠሪ ገይሮም ናብ ኤሪትራ ሰሊኾም ምስ ሰራዊት ኤርትራ ብሚስጢር ዝራኸቡ ዕንቅፋት ንኾኖም ኣለና። ንሕና ኣብ ቦታ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ብጥምየትን ሰኣን ሕክምና ዝሳቀ ዘሎ ህዝቢ ስለ ዘየለና ኣብ ውሑስ ቦታ ኮይና ደቅና ሓቂፍና ስቃይ ህዝብና ብማዕዶ እምበር ብቀረባ ስለዘንፈልጦ ንኢሳያስ ንምእላይ ኣይንህወኽን ንኸውን። ስቃይን ውርደትና ህዝብና ማእከል ናይ ምንቅስቃስና ክኸውን ኣለዎ።
ሰራዊት ኤርትራ ካብዚ ኣዕናዊ ኩናት ክወጽእ፡ ከም ዘለዎ ብቀጻሊ ጎስጓስን ሰላማዊ ሰልፍን ምኽያድ ፥ ሰራዊት ኤርትራ ብኣስገዳ እዩ ኣብ ዘይምለከቶ ኩናት ኣትዮ ዝጸንት ዘሎ ንሶም ኣውን ግዳይ እዮም። መንግስቲ ኢርትራ ነቶም ን ኣሽቱ ሰራዊት ኢሪትራ ካብ ስድረኦም መንዚዑ ገፊፉ ኣብ ኩናት ይጥፋኦም ስለ ዘሎ ብጀኖሳይድ ክኽሰስ ኣለዎ ኢልና ጎስጓስ ከነካይድ ጉቡእና እዩ። ኣብ ህዝቢ ትግራይ ዝወርድ ዘሎ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰል ምኹናን። እቶም ለባማት ምኹናን ጥራሕ ኣይኮነን ናይ ገንዘብ ሓገዝ እውን ይገብሩ ኣለዉ።
ኤርትራ ኣብ ኩናት ኣትያ ኣብ ልዕለ ጎረቤት ህዝቢ ትግራይ ዘይተኣደነ ብዙሕ ገበን ፍፈጺማ እያ። ኣብዚ ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ። ናይ ሕነ ሕቶ – ናይ ዕዳ ሕቶ። ንዓመታት ዝኸይድ ናይ ዓቢ ጽልኢ ሕቶ።ነዚ ብኸመይ ንፍውሶ። ንሰላም ብምቅላስ።
ንሰላም ምቅላስ ኣብዝኾነ ጊዜ ኣብ ዝኾነ ቦታ ክግበር ስለዝከኣል ጊዜን ቦታን ኣይፍልን እዩ፡ ሰላም ከም ኣመር ተወሲዱ ክስርሐሉ ሂያው ኮይኑ ን ማሕበራውን ቁጠባውን ምዕብለ ሰፊሕ ባብ (ማዕጾ) ይኸፍት። ኣብ ለንደን ብዕለት 16/10/2021 ኤሪትራውያን ትጋሩን ንዘላቂ ሰላም ተሓባቢርካ ምስራሕ ዝብል ኣኬባ ተካይዱ። እዚ ታሪኽዊ እዩ። ንዓይ ማሕበርና ዜጋታት ንሰላም ኣብ ኤርትራ” ኣብ ጊዜ ናይ 1998 ኢትይ/ኤርታ ኩናት ትዝ ኢሉኒ። ኣብ ሕዳር 2000 ዜጋታት ንሰላም ናይ ሰላም ምስ ኢትዮጵያ ኮንፈረንስ መዲብና – ምስ ዘርጋሕናዮ ኣብ ባይቶ ኤርትራ ተላዒሉ ዋጭ ዋጭ ኣቢሉ። እዞም ዜጋታት ንሰላም ዝብሃሉ ጥዕናዶ ኣለዎም? ኣብ ኩናት ከለና ሰላም ሰላም ዝብሉ፥ ተምበርከኽቲ ። ኢሳያስ መን እዮም እዚኦም ንየው በልዎም ይብል። ተጋዳሊት ወርቑ ተስፋሚካአል ሓላፊት ናይ ረዲኢት ነቲ ነገር “እዚኦም ማንም ሰባት ኣይኮኑን ኣብ ህዝብና ብኢትዮጵያ ወሪዱ ዘሎ – ምስጓድ እናሰነዱ ንዓለም ዝዝርጉሑ እዮም፡ ንሕና ናቶም ሰነዳት ንጥቀም ኣለና “ ኢላ ተዘሓሕሎም። ብድሕሪኡ የማነ ማንኪ – ድሓን ንዓና ግደፉልና ምሳኦም ክንመያየጠሉ ይብል።
ኢትዮጵያ ኣብ ሐደጋ ውግእ ሓድሕድ ተሸሚማ እያ ዘሎ። ኣምሓራ ኣብ ወለጋ ብኦሮሞ ንቅተል ኣለና ዝሰምዓልና ሰብ ሲኢና- ንጠራነፍ እብሉ ኣለው። ኣብ ጎንደር ዘለው ቅማንት – ኣምሓራ ኣንጻር ህዝቢ ቅማንት ዘርኢ ምጽራይ የካይዱ ኣለዉ ይብሉ። ኣሸሓት ህዝቦም ንሱዳን ይስደድ ኣሎ። ኣገው ናቶም ባንደራ ገይሮም ኣንጻር ኣቢይ ብረት ኣልዒሎም ኣለዉ። ካላኦት ኣህዛብ እውን ተላዒሎም ኣለዉ። ህዝቢ ይሃልቅ ኣሎ። ኣልኣሚን መሓመድ ሲዒድ ዋና ጸሓፊ ህግደፍ ከኣ ኢትዮጵያ ክትበታተን ትም ኢልና ኣይንሪኢን ኢሉ ኣብዚ ዝጎሃሃር ዘሎ ሓዊ – ሰራዊት ኢርትራ ክጥበሱ ፈሪዱዎም። ንሕና ሰራዊት ኤርትራ ካብ ውግእ ሓድ ሕድ ኢትዮጵያ ክወጹ ኣለዎ ኢልና ተሪር ምንቅስቃስ ከነካይድ ታሪኽ ይሓተና እዩ።
ይቅጽል
Yes Eritrea forces mast aute from ethiopia
I am agree our people Akeleguzay support same with our brother tigray
“ኤርትራ ኣብ ኩናት ኣትያ ኣብ ልዕለ ጎረቤት ህዝቢ ትግራይ ዘይተኣደነ ብዙሕ ገበን ፍፈጺማ እያ። ኣብዚ ብዙሕ ሕቶታት ኣሎ። ናይ ሕነ ሕቶ – ናይ ዕዳ ሕቶ። ንዓመታት ዝኸይድ ናይ ዓቢ ጽልኢ ሕቶ።”
ብጴጥሮስ ተስፋጊዮርጊስ
ሰላማት ንኩሉኹም ደቂ ሃገር
ኩቡር ሓዉና
ከምዚ ዓይነት ከቢድ ናይ ገበን ክሲ ፣ ብዝምልከተን ኣህጉራዊ ትካላት ተሰኒዱ ፣ ተጻሪዩ ፣ ሓቅነቱ ተረጋጊጹ እንተ ዘይቀሪቡ ቁቡል ኣይኮነን።
ኩሉ ንፖሊቲካዊ ሃልኪ ካብ ዝፍኑዎ ተባራሪ ወረ ዝብገስ ክሲ ፣ ሰላምን ፍትሕን ኣየምጽእን።
ህግደፍ ፣ ንሰራዊት ኤሪትራ ኣብ ዘይምልከቶ ዉግእ ኣዋፊሩዎ ከም ዘሎ ዘካትዕ ኣይኮነን። ኩላህና ብሓደ ድምጺ ክንኩኑኖ ይግባእ። ከምኡ’ዉን ምስ ትግራዎት ንነባሪ ሰላምን ሰናይ ጉርብትና ክንሰሪሕ ይግባኣና። ኣብ ናይ ሓድሕድ ዉሽጣዊ ጉዳያት ኢድ ምእታዉ ኣብቂዑ ፣ ኣብ ምትሕግጋዝ ዝቆመ ዝምድና ክህልወና ምጽዓር የድሊ።
ኢዚ ሕጂ መንእሰያት ዝበልዕ ዘሎ ዉግእ ፣ ናይ መጀመሪያ ኣይኮነን። ኣብዚ ዘብጻሓና ኩነታት ምንባሩ ክንርስዕ ዝደልዩና ምህላዎም ይገርመኒ።
ህዝባዊ ግንባር ፣ ንወያነ ኣብ ዉሽጣዊ ጎነጽ ሰዉራ ኤሪትራ ምዕዳሙን ዘስዓቦ ሰብኣዊ ክሳራን ፖሊቲካዊ ወጥሪን ከይጠቀስኩ ክሓልፍ ኣይደሊን።
ወያነ ፣ ህዝባዊ ግንባር ንሜዳ ኤሪትራ ንክብሕት ዝገበሩዎ ገበናት ቀሊል ኣይነበረን። እዞም ኩሎም ሕጂ ብጉዳይ ትግራይ ድቃስ ሲኢኖም ዘለው ሰባት ዓገብ ኢሎም እንተ ዝነብሩ ፣ ሎሚ ኣብ ከምዚ ኩነታት ወዲቅና ኣይምሃለናን።
ሕጂ ፣ ምእንቲ ፍትሒ ኣብ ትግራይ ወይ ዉን ህግደፍ ንምእላይ ንኽታሓባበሩና ብምባል ፣ ኣብ ጎኒ ወያነ ንሰለፍ ማለት ፣ ካብቲ ህግደፍ ዝገብሮ ዘሎ ምትእትታዉ ዝተፈልየ ኣይኮነን።
ንሕና ኤሪትራዉያን ፣ እታ እንኮ ረብሓና ፡ ሰላም ምስ ኩሎም ጎረባብትና ኣብ ምምስራት ጥራሕ እዩ። ዉሽጣዊ ጸገማትና ባዕልና ኣለናዩ። ሓቢርና ክንዓሞ እንተ ዘይኪኢልና ፣ ንኻልኦት ዕዮ ገዛና ንክሰርሑልና እንዕድመሉ ኣጋጣሚ ክህሉ ኣይግባእን።
“ንዑ ንሃገርና ወሪርኩም ምቀሉና ….” ዲና ንብል ዘለና !!!።
ኣብቲ ንስኻ ዝተኻፈልካሉ ኣኸባ ናይ ሎንዶን ፣ ናይ ወያነ ወኪል ዝመስል ዑዱም ፣ ” [ዓወትና] ኣብ መቀለን ዓዲ ቀይሕን ከነብዕል እና …” ክብል ሰሚዕናዩ። ታዓንቂፉ እዩ ዝኾዉን ዝብል ኣይሳኣንን ፣ ግን ብኣዉራጃ ክመቃቀሉና መደብ ከም ዘለዎም ስለ ዝፈልጥ ፣ ኣይገረመንን።
Hello W.H. Kemey Qenika, for those Eritreans who are worried about HGDEF’s troops in Tigray’s soil, don’t worry ‘Feday Hine’ is going to scrape them out of there in due time. Talking about ‘Serawit Eritra’, is there one at all?.. the one we know has been disbanded a long time ago… let’s get that one straight.. until we divorce ourselves from this notion that we have a government and an army and functioning nation, we don’t have the tools to fix what is broken…
I know it is a bitter pill to swallow, but it can sure heal what is ailing us, EPLF is the worst thing that happened to the Eritrean people, I say it with a deep sadness in my heart because a lot of my family participated and died in it—– IT WAS THE VECTOR OF THE DISEASE WHICH IS RAVAGING OUR HOMELAND TODAY..
As W.H. said, this apocalyptic spectacle we see today didn’t pop up out of the blue like a summer thunderstorm in the tropics, it has roots many moons ago which the writer of this article is very familiar with.
Lets not skim around things, Lets grab the bull by the horn and wrestle it to the ground, lets speak all the truth nothing but the truth..
Lets tell the young what really happened, this way they can make an informed decision..
Otherwise, we are being tribal, we are indoctrinating.. the outcome— ask the residents of Axum and Selekleka…
We fumbled Eritrea a while back.
Selam k.Tewolde
“Feday Hine’ is going to scrape them out of there in due time” , who would “Feday Hine” be?
It is in quotation brother Salim, direct the question to the owners of the label.
“I know it is a bitter pill to swallow, but it can sure heal what is ailing us, EPLF is the worst thing that happened to the Eritrean people, I say it with a deep sadness in my heart because a lot of my family participated and died in it—– IT WAS THE VECTOR OF THE DISEASE WHICH IS RAVAGING OUR HOMELAND TODAY..“
k.tewolde
ሰላማት ኩቡር ዶቶረን ኩቡራት ኣሕዋተይ
ብዛዕባ ሑሉፍ ምዝራብ ይጽናሓልና ክብሉ ቡዙሕ ግዜ ሰሚዐ ኣለኹ። እዚ ሕጂ ዘለናዮ ኩነታት ጹቡቅ ንምርዳእ ፣ ከመይ ኣብዚ በጺሕና ምርዳእ ከም ዘድሊ ቡዙሕ ዘካትዕ ኮይኑ ኣይስማዓንን።
ኣብ ህ.ግ. ፣ ክልተ ጎኒ ንጎኒ ዝነብሩ ሓቅታት ከም ዝነበሩ እዝክር ፣
ሀ > ሃገረይ ሓራ ከዉጽእ ደሊየ ኢሉ ፣ ንብረቱ ደርቢዩ ፣ በተሰቡ ጠንጢኑ ዝቃለስ ሓርበኛ መንእሰይ።
ለ > ሚስጢራዊ ስርርዕ ተጠቂሙ ፣ ሰብ እንዳበለዐ ዝነብር ኣረመናዊ ጉጂለ።
ኣብ መጨረሻ ፣ እቲ ዳሕረዋይ ፣ ከም ዝተዓወተ ኩላህና ሪእና።
እቲ ዘሕዝን ፣ ነቶም ቀዳሞት ኣታሊሉ ፣ ብምትሕብባሮም ጉዳዩ ከሳልጥ ምጽኑሑ እዩ።
ሕጂ ንዖኦም’ዉን ፣ ንኹሉ ሶጊጎም ኣብ ዝባሓቱዋ ሃገር ፣ ኣይጣዓሞምን።
እቲ ጣኦት ፣ ካብ ልብን ሕልናን ኩሉ ሰብ ወዲቁ።
ዉድቀቱ ዘይተቀበልና ግን ፣ ብሰንኪ ኣብ ልብና ዘሎ ጽልኢ ፣ ክንጥርነፍ ንኽእል የለናን።
ሰላምን ፍቅርን ይሃበና።
ወዲ ሃገር
እቶም ንትግራይ ወራር ዝፈጸመ 3 ሓይልታት ናይ ኢትዮጵያ (ናይ ኣቢይ)፣ ናይ ኢሪትራ ሰራዊት ናይ ኣምሓራ ፋኖ ፥ ኣብፈርዲ ኣይቅረቡ እምበር ኣብ ልዕሊ ሕዝቢ ትግራይ ገበን ፈጺሞም እዮም። እዚ ኩሉ ገበን ዝበጽሖምን ገበን ዝፈጸሙን ይፈልጥዎ ኢዮም። ባዕሎም ኣምሓሩ ኤሪትራውያ እዮም እምበር ንሕና ገበን ኣይፈጸምናን ይብሉ ኣለዉ። ተ ሓ ኤ ኣብ 1981 ወያነ ምስ ሽዕቢያ ኮይና ካብ ሜዳና ኣውጺኦሙና ክብሉ ከለው። ብቤት ፍርዲ ተረጋጊጹ ዲዩ። እቲ ሓቂ ባዕሎም ይፈልጥዎ እዮም፡ ሽሃዕብያ ትፈልጦ እያ። ጓል ኣንስተይቲ ተዓሚጻ ብፍርዲ ስለዘይተረጋገጸ ኣይተዓመጸትን ማለት ዲዩ።
ኣብ ሕልፍ ኣይንበርን እዩ፥ ሕጂ ኣቲ ዝዓብየ ሐደጋ ፡ ኣምሓራ – ልዕላውነት ኤርትራ ኣይፈልጡን እዮም ግን ብብዝሒ ኣብ ኤርትራ ኣለዉ። ኣግሂዶም ይነግሩኻ ኣለዎ ቀይሕ ባሕሪ ንዓና ይግባእ ይብሉ ኣለዉ። ኢሳያስ ተሓባቢርዎም ኣሎ። ኣብዚ ህሞት ኤርትራ ትግራይን ናይ ሓባር ጸላኢ ኣለዎም ማለት እዩ። እዚ እዩ እቲ ሓቂ። ንስኻ ምኽንያታት ተብዝሕ ትኸውን ዕዳ ኣለና ጽልኢ ተፈጢሩ ኣሎ ህዝብና ይጸንት ኣሎ። መጀመሪያ ግን ናይ ሕሉፍ ዘኮነ ናይ ሎሚ ክንሓስብ ኣለና።
It is like putting the cart before the horse. This mind set is the one which got us in trouble to begin with. Eritra, keih bahri .. don’t mean nothing without the people.. ya the people who you and your colleagues drove out of their home and you yourself end up following suit and here you are telling us our old foes are back in town.. hello! if you made Yorkshire your home somebody got to claim Adi Halo.
People folks, people make a nation, a neighborhood, a home , a family..
A pride of lions don’t need an ocean view to thrive… just a close knit family.. we had it one time and we lost it, because people like you started worshiping a mortal man and forgot the poor masses who handed you water when you came parched at their door.
To hell with keih bahri, save your people if you can.
“ባዕሎም ኣምሓሩ ኤሪትራውያ እዮም እምበር ንሕና ገበን ኣይፈጸምናን ይብሉ ኣለዉ”
Petrie
ትግራይ ፣ ኣብ ልዕለና “ጀኖሳይድ” ተፈጺሙ ይብሉ ኣሎዉ። እዚ ታራ ገበን ኣይኮነን። ፉሉይ መዐቀኒታት ዘለዎ እዩ። ኣይተበደሉን ዝብል የለን። ጀኖሳይድ ዲዩ ወይስ ካልእ ፣ ሻራ ብዘይብሉ ኣህጉራዊ ትካላት ዝዉሰን እዩ።
” ሆሎኮስት” እዩ ክብሉ’ዉን ይኽእሉ ፡ ተቀባሊ ክሳብ ዝተረኽበ። እዚ ጥንቃቀ ዝሓትት እዩ።
እቲ ካልእ ጉዳያት ፣ ነፍስ ወከፍ ብሸነኹ ዝዕዘቦ ጉዳያት እዩ።
ኣብ ምንጎ ሉኡላዉነት ኤሪትራ ዘይቅበሉ ኣምሓራን ፣ ኤርትራዊነት እዩ ጸላኢና ዝብሉ ትግራዎት ፣ ኣየናዮም ይገድድ እዩ እቲ ሕቶ።
“ኣብዚ ህሞት ኤርትራ ትግራይን ናይ ሓባር ጸላኢ ኣለዎም ማለት እዩ። እዚ እዩ እቲ ሓቂ። ንስኻ ምኽንያታት ተብዝሕ ትኸውን ዕዳ ኣለና ጽልኢ ተፈጢሩ ኣሎ ህዝብና ይጸንት ኣሎ። መጀመሪያ ግን ናይ ሕሉፍ ዘኮነ ናይ ሎሚ ክንሓስብ ኣለና።”
Petros
ኣነ ምስ ህዝቢ ትግራይ ጽልኢ የብለይን።
ሰላም ምስኦም ፣ ናዓይ ከም ኤርትራዊ ፡ ፉሉይ ኣገዳስነት ኣለዎ ። እቲ ዝሃልቅ ዘሎ ህወት ንጹሃን ፣ ንኹሉ ሕልና ዘለዎ ሰብ ዘሕዝን እዩ።
ግን ምእንቶኦም ፣ ምስ ኣምሓራ ክንገጢም ኣለና ኣይብልን። እዚ “ናይ መንነት ዉግእ እዩ ” ዝብል መረዳእታ’ዉን የብለይን።
ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤሪትራን ፣ ብሰንኪ ዉድባቶም ዘበገሱዎ ጽልኢ ፣ ከቢድ ዋጋ ይኸፍሉ ኣለዉ። እዚ እዩ እቲ ሓቂ።
ዉግእ ሕጂ ጠጠዉ ምባል እንተ ዝካኣል ነይሩ ፣ ንሱ እዩ ድልየተይ። ግን ብግምተይ ፣ ንሕና ወይ ንሶም ዝዓይነቱ ዉግእ ክኾዉን ዝደልይዎ ዉሑዳት ኣይኮኑን። እዚ ናቶም ዉሳኔ እዩ።
ብኹሉ ሸነኻት ገበናት ይፍጸም እኳ እንተ ሃለወ ፡ ንዓና ዝምልከት ገበናት ህግደፍ እዩ። ብሰንኪ ድኽመትና ፣ ደቅና ብኮንቱ ይሞቱ ኣሎዉ።
ንሱ እቲ ቀንዲ ሻቁሎትና ክኾዉን ዘለዎ።
ወዳሓንኩም።
“እወ ንኤርትራውያን ዘሕርቕ ሓንሳእ ኣጋዝያን ዝባሃሎ – ትግራይ ትግሪኚ ዝብሉ ፥ ዓባይ ትግራይ ዝብሉ ኣለዉ። ይበሉ ንሕና ስራሕና ንግበር ኣብዚ ጊዜ እዚ ትግራይ ትካላታ ዓንዩ ዘሎ – ውግእ ጠጠው እንትኢሉ – ኣብ ሃገራ ምህናጽ እምበር ተመሊሳ ኣብ ውግእ ክት ኣቱ ኣይኮነትን- ነጻ ኤርትራ ከኣ ንረብሖኦም እዩ እምበአር ጸገም ኣየምጸ ኣሎምን እዩ። ገለገለ ናይ ቀደም ተጋደልቲ ነቲ ደንበ ደላይ ፍትሒ ዝመቃቅል ኣጀንዳ ከፊቶም ኣለዉ። ንሳቶም ናህና ንግበር ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ኢሳያስ ብሓባር ምስ ወያነ ኮይና ንመክቱ ዝብሉ ዝቛዎሙ እዮም። ምስ ወያነ ኮይና ንኢሳያስ ምልጋስ ማለት ልዑላውነት ምድፋር ስለዝኾነ ህዝቢ ክከላኸል ኣለዎ ይብሉ። ልዕላውነት ኤሪትራ ብ ሰራዊት ኣምሓራ ተደፊሩ እንዲዩ።”
Petros
1. ዝተፈላለየ ኣስማት እኳ እንተ ሃለወን ፣ ንሓደ ዕላማ ዝሰርሓ ጉጂለታት “ዓባይ ትግራይ” ፣ ኣካል ናይቲ ወያነ ንኤሪትራ ዘለዋ መደብ እዮም።
ስለዚ ፡ ክሳብ ወያነ ፡ ብዕሊ ፡ ካብዚ ጉዳይ’ዚ ኢዶም ዝስሕቡ ፣ ምሶኦም ታኣማሚንካ ምስራሕ ኣይካኣሊን።
2. ዕላማ ናይ ወያነ ፣ (እንተኺእሎም) ፣ ኣብ ኤርትራ ንዖኦም ዝመስል ስርዓት ከቆዉም ዝኽእል ኤርትራዊ ሓይሊ ምጥርናፍ እዩ። “ሰሚየን ትግራይ” ፡ እታ ንሕና ንፈልጣ ኤርትራ ኣይኮነትን።
ስለዚ “ዝበሉ ይበሉ ስራሕና ንግበር …” ካብ ምባል ፣ ” ተጠርኒፍና ንጽናሕ …” ምባል ምሓሸ ይመስለኒ።
3. “ኣብዚ ጊዜ እዚ ትግራይ ትካላታ ዓንዩ ዘሎ – ውግእ ጠጠው እንትኢሉ – ኣብ ሃገራ ምህናጽ እምበር ተመሊሳ ኣብ ውግእ ክት ኣቱ ኣይኮነትን- ነጻ ኤርትራ ከኣ ንረብሖኦም እዩ እምበአር ጸገም ኣየምጸ ኣሎምን እዩ። ”
ሰላምን ቅሳነት ዝሰፈና ኤርትራ ፡ ኩሉ ግዜ ንረብሓ ትግራይ እያ። ቀዳምት ተጠቀምቲ ካብ ናይ ኤርትራ ዕዳጋ ትግራዎት እዮም።
ንኹሉ ካብ ስሚዕትን ጽልኢን ወጺኡ ንዝሓስብ ሰብ ኢዚ ቡሩህ እዩ። ግን ፡ እዚ ምስ ኣታሓሳስባ መራሕቲ ወያነ ዝኸይድ ኣይኮነን። ኣብ ኣዲስ ከለዉ ኩሉ ኣብ ኢዶም እዩ ነይሩ ። ግን ኤሪትራ ኣብ ኢድ ህግደፍ ምስ ምተት ፡ ካብ መሬታ ንዓባይ ትግራይ ዝኾዉን ቆርሚሞም ክወስዱ እንዳ ተጸበዩ ዓሪባቶም።
4. “ገለገለ ናይ ቀደም ተጋደልቲ ነቲ ደንበ ደላይ ፍትሒ ዝመቃቅል ኣጀንዳ ከፊቶም ኣለዉ። ንሳቶም ናህና ንግበር ነቲ ናይ ሓባር ጸላኢ ኢሳያስ ብሓባር ምስ ወያነ ኮይና ንመክቱ ዝብሉ ዝቛዎሙ እዮም።”
ቅድሚ ምስ ወያነ ፣ ኤሪትራዊ ጥርናፈ እዩ ዘድሊየና ዘሎ። ምስ ወያነ ማኣስን ከመይን ንሰርሕ ፡ ዳሓር ነርክበሉ።
Eritrean fabric in clear display right here with everyone’s pedestrian comments. A curse or a lost cause – not sure what? What a travesty. What a despair and what a waste of time. Please get some help and get to do something worth while in your life. A blind nation both from inside and outside. Hate and revenge is your motto and never a peace and what is to do for tomorrow. Everyone of you are experts in every field and yet your personal lives are stagnating and nothing to show.
Get real and get a life. Once you are awake of the drug ingested sleep you live in then everyone needs to a reprogramming to get rewired and start thinking. Anyone who takes up arms and fights is guilty for that person knows what is just and fair. that very person has an option to drop the gun and flee. That means, yes any Eritrean fighting for unjust and unfair war is guilty -morally and ethically.
Hope you all get some reflecting, if any remaining neurons you might have are working right.
‘pedestrian comments’… what are you? a cabbie, a Cadillac or train rider, I see you ambushing commentators with your artifacts at an opportune time, however, you have never engaged anybody in this medium with clear facts and present solutions even if it was wrong or unattainable.. Mike if you are Eritrean, you are the strand of that fabric and that strand clearly stands out on the tapestry with your above post.
ሰላማት ኩቡራት ደቂ ሃገር
ናይ ርእቶ ፍልልያት ባህሪያዊ ሙዃኑ ፣ ቡዙሕ ምዝኽኻር ዘድሊዮ ኣይኮነን።
ንዝተፈላለዩ ርእቶታት ክስሙዑ ዕድል ዘይምሃብ ፡ ንምልካዊ ስርዓት ኣብ ሙቋም ዓብይ ግደ ካብ ዝነበሮም ጉዳያት ሓደ እዩ።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ ፣ ዓርከይ ፣ ዘመደይ ፣ ወዲ ገዛዉተይ ፣ ወዲ ቤት ትምህርተይ ፣ መታዓብይተይ … ወዘተ ኢልካ ፣ ኣሚንካ ፣ ናይ ልብኻ ተዕልሎ ሰብ የለን። ኩሎም እቶም ፡ ንሰብ ክብሪ ዝህቡ ፣ መሰረታዊ መሰላት ፡ ብጅምላ ተገፊፎም።
ህግደፍ ፡ ልክዕ ከም ናይ ባዕዲ ገዛኢ ፣ ኤርትራውያን ብጉዳይ ሃገሮም ፣ ታኣኪቦም ንኸይላዘቡ ፣ ብዘይ ዕረፍቲ ክሰርሕ ጸኒሑ ኣሎ።
ኣብ ደገ ፣ ንዝኽነ ፡ ካብ ናይ ህግደፍ መስመርን ጥርናፈን ኣምሊጡ ፣ ነጽነት ዘስተንፍስ ሰብ ፣ ብጸርፊ ሸዉሃቱ ዝዓጽዉ ዑሱባት ህግደፋዊያን ኣሎዉ። ህዝቢ ኤርትራ ፡ ድሕሪ ሕጂ ፡ ኣብ ሓጹር ህግደፍ ከም ዘይምለስ ክፈልጡ ይግባእ።
ባዓል Mike ኣብ ልብኹም ተመለሱ …
“Mike if you are Eritrean” as you show your fabrics again. Teaching you the basics of humanity is impossible to people like you. Engaging you in real talk and purposeful case study would be a real work like any place and gathering we have attended. Filled with non-committal, distorted, tribal, fake, pride-filled empty imaginations. When you start looking at the world through the meaning of purpose then we will come to add to it. State your real purpose and we are there to move the boulder.
“ባዓል Mike ኣብ ልብኹም ተመለሱ” to even do this for those who are not in their good standing would be like breaking a gravity of multiple magnitude in the Eritrean community. Simply exhausting.
The fact that we think Eritrea is in this badly torn and beaten path is because people like these two (specially k.t. ) cyber warriors insinuating and pretending as expert matters. Before too long they will leave nothing but breadcrumbs-like comment for everyone to chew on and need some expert help to get rid off. You two keep regurgitating the same old beaten path and idea endlessly. Often people get tired of extending the following “thanks for your service” when people like these two experts in the platform are pestering and festering deadbeat comments.
living in your glory is simply getting exhausting.
Thanks for assenna to have provided a venue to really see the fabric of us all, again.
Mike, what is it about the two of us which riles you up? are we taking a chunk of the audience from you or we simply show up at the party as the best dressed? what is it about us which makes your palms sweat, your heart race 150 mi/hr and make you sputter intelligible words into the box.. is it the impeccable gift of fact checking and insightful reasoning by W.H. or his coherence and deep understanding of his people?
Mike, I don’t know where you picking up these insulting words, but I suggest you take a break from the social media platforms you frequent and start reading good books, even Face Book changed it’s name.
Rebrand yourself, you can make a difference instead tailgating us the vets who put everything on the line in our prime.
ሰላማት ኩቡራት ኣሕዋተይ
ስለምንታይ እዩ ሓዉና Mike ፡ ኣብቲ ንዛረበሉ ዘለና ሃገራዊ ጉዳያት ፣ ብዘይካ ምግሩምራምን ጸርፍን ፣ ርእቶ ክህብ ዘይክእል ወይ ዘይደሊ ?
ኣብ ሓደ ብብዝሕነቱ ዝልለ ሕብረተሰብ ፣ ኣብ ዝኾነ ሃገራዊ ጉዳይ ፣ ናይ ርእቶ ፍልልይ ክህሉ ባህሪያዊ እዩ። ምክብባር ክሳብ ዘሎ ፣ ብዝሒ ርእቶ ፣ ነቲ ተላዒሉ ዘሎ ጉዳይ የህብትም። መብዛሕቲኡ ሰብ ዝሳማማዓሉ ድማ ተመራጺ ሓሳብ ይኾዉን።
ህግደፍ ፣ ዋላ ኣብ ዉሽጢ ትካላቱ ፡ ናይ ርእቶ ፍልልያት ፣ ኣብ ሓደ መደምደምታ ከይበጸሐ ናይ ሙቅጻይ ልምዲ ኣሎዎ። “ንሎሚ ይኣኽለና …” ብምባል ፡ ሓደገና ርእቶታት ከይተቀልቀለ ከም ዝዕጾ ይገብር።
እቲ “ኣብ ግብሪ !” ዝብል ጭርሖ ህ.ግ. ዉን ዕላሙኡ ፡ ዘረባ የለን ፡ ሱቅ እልካ ስራሕ ዝብል እዩ ነይሩ ቱርጉሙ።
ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ፣ ዝብል ጽንሰ-ሓሳብ ኣብ መዝገበ ቃላት ህግደፍ የለን።
እቶም ኣብ ዉሽጢ ዲያስፖራ ዘሪኦምዎ ዘለዉ “ጸጸር” ፡ ዝኾነ ሃገራዊ ናይ ልዝብ መስርሕ ንምዕንቃፍ ዝተሰርዑ እዮም ።
ዕላማ ናይቶም ሉኡኻት ፡ ኣማራጺ ርእቶ ኣቅሪብካ ንረብሓ ህግደፍ ሰብ ምኽሳብ ኣይኮነን።
ኤርትራውያን ኣብ ናይ ሓባር ኣራዳድኣ ንኸይበጽኹ ፣ ነቲ መስርሕ በሙሉኡ ምዕናዉ እዩ ዕላሞኦም።
ናይ ምትፍናን ሃዋሁ ንምፍጣር ፡ ብዘይ ገለ ምኽንያት ፡ ጸርፊ ምዉርዋር ሉሙድ ሜላ ህግደፋዊያን እዩ።
ንዘስግኦም ሓሳብ ብርእቶ ናይ ምምካት ልምዲ ፡ ብመሪሕነት ዝታባባዕ ኣይኮነን። ከመይ ኣኸባ ትብትን እዩ ዝግድሶም።
ባዓል Mike ፡ ኣብ ክንዲ “ጸጸር ህግደፍ” ሙዃን ፡ ከምዚ እዩ ርእቶና እሎም ዝቀርቡሉ ማዓልቲ ፡ ዘመነ ህግደፍ ከም ዘብቀዐ ዘበስር ታሪኻዊ ዕለት ከይኮነ ኣይተርፍን።
Good night W.H., I was about to say something but you signed ,sealed and delivered the package first class. Thanks as always.
ዳሓን ሕደር ኩቡር ዶቶረ ፡
የቀንየልና።
https://www.ohchr.org/EN/NewsEvents/Pages/DisplayNews.aspx?NewsID=27756&LangID=E
Here is a subject of interest for the artificial liberation of Eritrea from its absolute self-appointed dictator
Subject: Quote: “Tigray conflict: Report calls for accountability for violations and abuses by all parties” Unquote
1. The Report is lengthy.
2. It is “A joint investigation by the Ethiopian Human Rights Commission (EHRC) and the UN Human Rights Office (UHRO) ”
3. The investigation was done by a selected team entitled “Joint Investigation Team (JIT)
4 Here is a summary of what they wrote about ERITREA (my interest):
QUOTE: The Government of Eritrea should undertake investigation
meeting.The Government of Eritrea should also undertake investigations meeting of international standards. It should take immediate steps to ensure all acts of violence by its forces against civilians cease, while removing from active duty those suspected of committing such acts pending investigation. The report calls on the Eritrean Government to immediately release Eritrean refugees detained in the country and ensure their safety and security, as well as their right to seek asylum in accordance with international laws. UNQUOTE
It is a joke. The dictator of Eritrea has been on the neck of Eritrea for over thirty (30) years. But I rush to add: the inspectors are only doing a job for which they were paid from some source. After all, it is the responsibility of the ERITREAN PEOPLE who sacrificed their LIFE to liberate Eritrea from an African Country.
5. I refrain from making detailed comments on the obvious as it is too sad even to just type what I read about us, BLACK AFRICANS, in general. And further very sad to read from organizations teaching Black Africans how to handle their own affairs. As to the expence needed for experts on the teaching of Black Africans, I am incapable of typing it with dry eyes. THE END
———————————
Important Foot Note
ወዲ ሃገር: THANK YOU VERY MUCH for bringing the subject matter to our attention. Perhaps — IF WE UNITE — one day we will all celebrate the true meaning of LIBERATION of Eritrea.
“ Perhaps — IF WE UNITE — one day we will all celebrate the true meaning of LIBERATION of Eritrea.”
rezen
ሰላማት ንኩሉኹም ኣሕዋተይ ፣
ሃገራዊ ሓድነት ፣ ግድን እዩ።
እንተ ተፋላሊና ፣ ከም ሕምባሻ ቆራሪጾም ክማቀሉና ዝደልዩ ዉሑዳት ኣይኮኑን።
ሕጂ’ዉን ፣ ሓቢርና ክንቃለስ ስለ ዘይካኣልና ፣ ከቢድ ዋጋ ንኸፍል ኣለና።
ኣብ ሃገርና ቀሲና ከንነብር ዝተነፈገና መሰል ፡ ሓቢርና ክንምክት ብዘይምኽኣልና ፡ ከም ህዝቢ ዓብይ ሓደጋ ኣብ ቅድሚና ክቅልቀል ንርኢ ኣለና።
ስለዚ ፡ ዝኾነ ሓድነትና ኣብ ናይ ሕቶ ምልክት ዘእቱ ፡ ከነፍቅድ የብልናን።
ዘድሚየና ዘሎ ጉጂለ-ህልቅት ፡ ቀልጢፍካ ምእላይ ፡ ናይ ኩሎም ደቂ ሃገር ሓባራዊ ሓላፍነት እዩ።
Love your connotations W.H. hawey, yes indeed they’ve been sharing us like a delicious loaf of bread for a while now, because we let them. What makes our situation worse is, they baked the bread which tastes the same even if it is exported abroad or switches sides.
Look at Tigray despite their internal political differences how they have woven this resilient unbreakable tight identity rope which is bringing its enemies to their knees– they have overcome the survival mode, in Eritrea, we handed that rope to our enemy and he is hanging and displaying us in the marketplace for everyone to see.
As long as we are cozying up under the covers with the enemy, forget unity, we’re looking at a long dreary, frigid long cold winter ahead of us. Forgive my pessimism.
ሰላማት ኩቡር ዶቶረ ፣ ከመይ ቀኒኻ
“As long as we are cozying up under the covers with the enemy, forget unity, we’re looking at a long dreary, frigid long cold winter ahead of us.”
ልክዕ እዩ ኢቲ ዝበልካዮ። ክሳብ ኣታሓሳስባና ንቅይር ፣ ጸገምና ቀጻሊ እዩ።
ወያነ ዕድለኛታት እዮም። ዶ. ኣቢይ ፡ ኣብ ቅድሚኦም ንዝጸንሐ እንዳ ኣዕነዉ ዝኾዱ ፡ ቁንቁነ ዝመስሉ ማለሺያ ኣምሓራ ንትግራይ ብምስዳዱ ፣ ንድሕነቱ ክብል ፡ ህዝቢ ምስኦም ታሓቋቂፉ። ኣዉራጃዊ ፍልልያት ኣብ ቦቱኡ ኣሎ ፣ ግን ቀዳምነት ንድሕነት ህዝቦም ሂቦም።
ሓድነት ብዝምልከት ፡ ንሕና ካብኦም ዘይንማሃረሉ ምኽንያት የለን።
ዉግእ ኣብ ኢትዮጵያ ፣ ብጣሚ ሓደገኛ ኣብ ዝኾነ መድረኽ ክኣቱ ቀሪቡ ኣሎ። ኣማኢት ኣሻሓት ሰባት ክሃልቁሉ ዝኽእል ኩነታት ይፍጠር ኣሎ።
ክልቲኡ ወገናት ፡ ብናቶም ወታሃደራዊ ዓወት ክድምደም ትጽቢት ስለ ዘለዎም ንዉረድ-ደይብ ቁሩባት ኣይኮኑን። ከም ሳዕቤኑ ፡ ማዓልታዊ ዝጠፍእ ዘሎ ህወት እንዳወሰኽ እዩ ክኸይድ።
ሓደ ወታሃደር ኣብ ዝምተሉ ዉግእ ፣ ሓሙሽተ ዉጉኣት ክህልዉ ይኽእሉ ፡ ክልተ ካብኦም ሱንኩላት።
ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ።
ሰላም ይሃበና።
Selam W.H., that day prince charming visited adi halo’s Casanova and whispered sweet things in his ears and made him blush ear to ear and they set up a date in Arberobu’e with beles in the menu… I had a whiff of the stench of corpses tens of thousands miles away which is imbedded in my olfactory from past experience.
The players are the same, they thrive on the blood of the young.
Yes it is sad, I agree W.H.
“ The players are the same, they thrive on the blood of the young.”
ኩቡር ዶቶረ
ወያኔ ንዕወት ኣለና ይብሉ ኣሎዉ።
ሓደ ወታሃደራዊ ግንባር “ተደምሲሱ” ክትሰምዕ ከለኻ ፣ ብጣዕሚ ቡዙሕ ህወት ከምዝሃለቀ ምግማት ጸገም ኣይኮዉንን።
ብሸነኾም ፣ መንግስትን ደገፍቶምን ፡ ወያኔ ኣብ ክልላት መጺኦም ፣ ልክዕ ከም ካብ ጉድጓዱ ዝወጸ ኣራዊት ፡ ንምጥፎኦም ዕድል ተረኺቡ ኣሎ ይብሉ ኣለዉ።
ክንደይ ህወት መንእሰያት ይጠፍእ ኣሎ እሉ ዝሓትት ዘሎ ኣይመስለንን።
እቲ ዝዓበየ ክሳራ ናትና ናይ ኤርትራውያን እዩ።
ህወት መንእሰያትና ዘህልቅ ዘሎ ኣረመናዊ ጉጂለ
፡ ካብ ኩሎም ዝኸፈአ ንሱ እዩ።
ኣብ ምንቲ ምንታይ ይምቱ ኣሎዉ እና ክንብል ?
ምእንቲ ባሓርና ዝሓልሙ ኣስፋሕፋሕቲ ኣምሓራ … ወይ ጉድ …!!
ሰላም ይሃበና።
When we demand the withdrawal of Eritrea’s defense forces from Ethiopia, in the same footing we also demand our Eritrean opposite groups to refrain from joining the Weyanes.
Isaias is selling the country in its entirety as one whole to Ethiopia. But the Weyanes in their interviews, they give the impression of dividing Eritrea into many parts and assimilate those parts that have close proximity of past history to the Tigray people. So, I urge both sides to refrain from taking part in the Ethiopian civil war.
“ But the Weyanes in their interviews, they give the impression of dividing Eritrea into many parts and assimilate those parts that have close proximity of past history to the Tigray people.”
Qeshi Mars
እቶም ምስ ትግራይ ሓደ ህዝቢ እና ዝብሉ ፣ ኤርትራውያንን ፡ መቦቆሎም ትግራይ ዞኾነ ገለ ዉልቀ-ሰባት ፡ ኮምኡ’ዉን ብርክት ዝበለ ቁጽሪ ዕባይ ኤሪትራ ዝኾኑ ትግራዎት ዝርከቡዎም ፡ ንኤሪትራ ዝመትሩላ ካራ ካብ ዝስሕሉ ገለ ዓመታት ገይሮም ኣሎዉ።
ሰብ ዘይብላ ሃገር ኮይና ኢሎም ፡ ክበልዑዋ ንዘሎዎም ድልየት ፡ ኣፎም ልዛይ ዝመለአ ዉሑዳት ኣይኮኑን።
ንኤሪትራ ብሃይማኖትን ዓሌትን ብምምቅቃል ፡ ምምሕደር እንግሊዝ ፈቲኑዎ ዝነበረ ዓይነት ምጉዝዛይ ኣብ ሓሳባቶም ከም ዘሎ ፡ ካብ ዝፍንዉዎ ዓይነት ፕሮፓጋንዳ ክንርዳእ ንኽእል።
ቀዳማይ ታሓታቲ ናይዚ ኹሉ ግን ፡ እቲ መንእሰያትና ካብ ሃገሮም ኣባሪሩ ፡ ንሃገርና ረሚሱ ፡ ኣብ ኢድ ታሪኻዉያን ጸላእታ ከም እትወድቅ ዝገብር ዘሎ ኣረመናዊ ጉጂለ እዩ።
ሃገርና ኣብ ከምዚ ደረጃ ክትወድቅ ዘፍቀድና ዝተሳተፍና ፡ ዘስቀጥና ፡ ንሓደ በላዒ ሰብ ዘምለኽና ፡ ኩላህና ፡ ንሕና’ዉን ታሓተትቲ እና።
“I urge both sides to refrain from taking part in the Ethiopian civil war.”
Qeshi Mars
ብሪእቶይ ፡ ካብዚ ዉግእ እዚ ትግራይ ተሳዒራ ፡ ብኹሉ እንትናኣ ዓንያ ክትወጽእ ዓብይ ተኽእሎ ኣሎ።
ወያኔ ፡ ንክልተ ዓመታት ፡ ብሽፋን ስልጠና ፉሉይ ሓይሊ ትግራይ ፡ ኡኹል ሓይሊ መልሚሎም ፡ ዝኣክል ሞቅርራብ ገይሮም። ቡኡ ምኽንያት ፡ ነቲ ንክልሎሞ ዝወረረ ሓይልታት ፡ ኣብ ሓጽር ግዜ ሲዒሮም።
ሕጂ ግን ፡ መንግስቲ ክምልምሎ ዝጸነሐ ሓይሊ ፡ ብፍላይ ናይ ኦሮሞን ሶማልን ፉሉይ ሓይልታት ብሙሉእ ዓቅሞም እንተ ተሳቲፎምዎ ፡ ኣዲስ ኣበባ ዝኣትዉሉ ዝኽእልሉ ዕድል ፡ ብጣዕሚ ጸቢብ እዩ።
ኣዲስ ኣበባ እንተ ዘይአቲዮም ድማ ፡ ብኹሉ መዐቀኒታት ክኸስሩ እዮም። ኢቲ ዉግእ ፖሊቲካዊ ሽቱኡ ኣይወቀዐን።
ካብቲ ዘለዉሉ ቦታታት ንድሕሪት ምምላስ ፡ ቀጻሊ ወታሃደራዊ ክሳራ ክህሉዎ እዩ።
እቲ ተስፋ ኣምቢሮምሉ ዘለዉ ፡ ግንባር ሓርነት ኦርሞ ፡ ዋሕዲ ሰብ የቡሉን ፡ ግን ኣድማዕነቱ ቡዙሕ ኣይኮነን።
ትግራይ ናይ ብያፍራ ዕድል ከየጓነፋ ኣይተርፍን።
ንሕና ከም ኤሪትራዊያን ፡ እዚ ዝፈሲስ ዘሎ ደም ጠጠዉ ንኽብል ፡ ሰላም ኣብ ምንጎኦም ንኽሰፍን ክንጽዕር ይግባእ።
ንህግደፍ ምእላይ ቀንዲ ዕዮ ገዛና ክኾዉን ኣሎዎ።
ህግደፍ ምእላይ ፡ ምእንቲ ዞባዊ ሰላም ዝሰርሕ መንግስቲ ንምምስራት ዕድል ዝኸፍት እዩ።
(መራሕቲ ወይ ካብ ወታሃደራዊ ኣካደሚ ዝተመረቁ ኣብዚ እንተሊዮም ፡ ርእቶኦም ከካፉሉና እዕድም) ፣
Just learn and take a note, it is looking at things beyond the surface, this is not a contest who can piss further… W.H. sautéed and garnished the plate for us to eat..
Itfedelu!
ክቡራን ኤርትራውያን
ቅድም ቀዳድም እቶም ኣርባዓ ፡ ሓምሳ ዝኾኑ ጉጅለታት ኣብ ሓደ ጉጅለ ክጥርነፉ ይግባእ
ስራሖም፣ ኤርትራ ካብቲ ዘሎ ውልቀ መላኺ ከናግፉ
ድሕሪኡ፣ ግዝያዊ መንግስቲ ኤርትርያ ከቋቝሙ
ሓላፍነቶም፣ ኤሪትርያ ኣብ ግዝያዊ ቅኑዕ መንገዲ ምእላይ
ድሕሪ ሰላማዊ ምርግጋእ፣ ኤርትራውያን ብሓፈሻ መንግስቲ ኤሪትራ ምምራጽ
ድሕሪኡ ከም ተገዳስነትና ።
ግዳስ ናይ ሓደ ሰብ ሰላሳ ዓመት ተሪር መግዛአቲ: ኤርትራውያን ከምቀደሞም ዓለም ዝድነቖም በላሕቲ ኮይኖም ክጽበዩና ኣይግባእን::
ነዊሕ መንገዲ ጉዕዞ ኣለና::
መዎሰኽታ
እንተዘይኪእልና፤ ኣለዉ ኣሰፍሲፎሞ ንኤርትርያ ኣብ ግዝኣቶም ክጽምብሩዋ ዝተሃንጠው ሺማ ቀንጢጦም። ይፍረደሎምዶ ?
ንሕና ከዓ ኣብ ነንሕድሒድና ሞገተናን ጸርፍን ንኣቱ፣ ታሕጔስ >> “ንሱ”
ኣሪቨደርቺ ሮማ ድዮም ዝበሉ ሓደ ካብቶም ገዛእትና ?!?!?!
ካን ልማድ ኮይኑና!?!?! ኣየ መርገም !!! አንታይ ኮን በዲልና ???