Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኡጋንዳን ጁባን ዝተሰነዐ ክስታት ዝተመስረተሉ ኤርትራዊ ብዓል ጸጋ ኣቶ ምሕረተኣብ ስዩም ተመልሶ ብኣኽባሪ ሕጊ፡ ፖሊስን ብቤትፍርድን ምሉእ ብምሉእ ነጻ ተባሂሉ።

Atv Asena by Atv Asena
21st September 2020
in News, Tigrinya, Tigrinya-News
2
0
SHARES
1.9k
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ብ ቆንስል ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኡጋንዳን ጁባን ዝተሰነዐ ክስታት ዝተመስረተሉ ኤርትራዊ ብዓል ጸጋ ኣቶ ምሕረተኣብ ስዩም ተመልሶ ብኣኽባሪ ሕጊ፡ ፖሊስን ብቤትፍርድን ምሉእ ብምሉእ ነጻ ተባሂሉ ጉዳዩ ከምእተዓጽወ ጋዜጣታት ዩጋንዳ ኣብ ናይ ሎሚ ቕነ ሕታማተን ሓቢረን።

The world news.net ኣብ ናይ 18 መስከረም 2020 ሕታሙ፡ ` ህዝባዊ ኣኽባሪ ሕጊ ኡጋንዳ ንኤርትራዊ ብዓል-ጸጋ ካብ ዝተሰንዐ ክስታት ነጻ ድሕሪ ምውጽኡ፡ ክሱስ ቅሳነት ይረክብ` ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዘስፈሮ ሰፊሕ ጽሑፍ፡ ኣቶ ምሕረተኣብ ካብ 2016 ኣትሒዙ ነብሱ ሓራ ንምግባር ዘካየዶ ነዊሕ ክርክር ተዓዊቱ፡ እቲ ብስርዓት ህግደፍ ዝተሰነዐ ናይ ክሲ ፋይላቱ ተዓጽዩ ኣብ መወዳእትኡ ከምዝበጽሐ ይገልጽ።

እቲ ውዲታዊ ክስታት፡ ኣብ ቆንስል ስርዓት ኢሳይያስ ኣብ ኡጋንዳ ብዝዓዩ ክልተ ሃሱሳት ዝተዋደደ ምዃኑ ዘመልከተ The world news.net ፡ ሓደ ካብቶም ከሰስቲ፡ ሄርሞን ሃብተሚካኤል ዝተባህለ ፖስፖርት ካናዳ ዝሓዘ ንዓመት ብ38 ሽሕ ዶላር ተቖጺሩ ንኤርትራውያን ብኸምዚ ዝኣመሰለ ጠቐነታት ሕቖኦም ንምስባር ዝተዋፈረ ሃሱስ ምዃኑ የረድእ።

Red Paper `ውን ንገብረ እዝራን ሙሴ ኣፍወርቅን ኣብቲ ኽሲ ንኽዋስኡ ቆንስል ተልእኾ ከምዝሃቦም ይጠቅስ።

The world news.net ኣቶ ምሕረተኣብ ብመንገዲ ሄርሞንን 16 ካልኦት ኣባላት ማሕበረኮም ኤርትራውያን ተሓባበርቱን፡ ምፍርራሕ ተጠቃምነት ጎነጽን ናዕብን፡ ጭውያ፡ ጾታዊ ልሽውናን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰብን ዝርከቡዎም ብዙሓት ከበድቲ ክስታት ከምዘቕረቡሉ ይጠቅስ።  

ብመሰረት እዚ ፖለቲካዊ ሽርሒ ህግደፍ ዘበገሶ ውዲት ድማ፡ እቲ ብኣቶ ምሕረተኣብ ዝውነን Sium Express (U) Limited  ዝብሃል  ትካል ካብ 2016 ኣትሒዙ ግዳይ ዝተናውሐ መርመራ ፖሊስን ቤትፍርድን ኡጋንዳ ከምዝኾነ እቲ ጋዜጣ የረድእ።

ኣብ ኩሎም እቶም መርመራታትን መጋብኣያታት ቤትፍርድን፡ ኣቶ ስዩም፡ ንሱ ብምኽንያት ዕዉትነት ትካሉን ህቡብነቱ ኣብ ኤርትራውያንን፡ እቲ ቀሪቡሉ ዝነበረ ክሲ ፖለቲካዊ ውዲት ናይቲ ስርዓት ዘበገሶ ምዃኑ ብቐጻሊ ክገልጽ ምጽንሑ ብምግላጽ ድማ፡ ኣቶ ምሕረተኣብ ኣዝዩ ለጋስ ብምዃኑ ኣብ ኤርትራውያን ብዝነበሮ ጽልዋ ዓይኖም ደም ከምዝመለኦም ካልኦት ምንጭታት ከምዝመስከሩ `ውን እቲ ጋዜጣ ይጠቅስ።

` ፍትሒ ትንድጒ ደኣ`ምበር ኣትቕበርን `ያ` ብምባል ከኣ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ብሃር ብዓል ጸጋ ኣቶ ምሕረተኣብ ስዩም ተመልሶ ተመስሪቱ ዝነበረ ክስታት ምሉእ ብምሉእ ውዱቕ ኮይኑ፡ ኣቶ ምሕረተኣብ ሓቅነቱ ተረጋጊጹ ምህላዉ፡ ነዚ ክዉንነት`ዚ ከምዘረጋግጽ የገንዝብ።

እቲ ጋዜጣ ብዓይኑ ዝረኣዮም ሰነዳት ከምዝምስክሩዎ፡ ብ ሓምለ 26 2020፡ ባርብራ ማሲንዲ ብትእዛዝ ሓድሽ ህዝባዊ ኣኽባሪ ሕጊ ኡጋንዳ ናብ ክፍሊ ገበናዊ መርመራ (CID)፡ ንኣቶ ምሕረተኣብ ስዩም ዝምልከቱ ናይ ክሲ ፋይላት ኩሎም ይተዓጸዉ ዝብል ደብዳበ ከምዝተጻሕፈሉ `ውን የረድእ።

እቲ ኣሃዝ ሰነዳት ናይቲ ጉዳይ በብሓደ እናጠቐሰ ንፍሽለት ናይቲ ስርዓት ኢሳይያስ ብመንገዲ ልኡኻቱ ዘካየዶ ሽርሒ ብሰፊሑ ዝገለጸ The world news.net ፡ዋላ ፋይላት `ቲ ጉዳይ ምስ ተዓጸወ፡ ንኣቶ ምሕረተኣብ ዕዳን ዕንድዳን ገይሮም ሰንፈላል ንኽገብሩዎ ሃሱሳት `ቲ ስርዓት ንሓንቲ ዮርሳለም ዝተባህለት ኤርትራዊት ካብ ኤርትራ ናብ ኡጋንዳ ብምስግጋር ከምዝኸሰሱዎ ይጠቅስ።

ይኹን`ምበር፡ መርመርቲ፡ ሰነዳት ጉዕዞ ናይታ ጓል ኣንስተይትን ዝተጓዕዘትሉ ኩነታትን ብምምልካት ውዱቕ ከምዝገበሩዎ እቲ ጋዜጣ ይሕበር። እታ ጓል ኣንስተይቲ ትሕቲ ዕድመ ከምዘይነበረት፡ ወግዓዊት ብዓልቲ ኪዳን ወዱ ከምዝኾነት፡ ብምሉእ ኣፍልጦን ምርቓን ስድራቤታ ካብ ኤርትራ ናብ ኡጋንዳ ከምእተፋነወት፡ ኣዲኣ `ውን ክሳብ ኡጋንዳ ከምዘሰነየታ ተወሳኺ መርትዖታት ከምዝረኸቡ `ውን ኣገንዚቡ።

ብመሰረት ሓበሬታ The world news.net፡ እቲ ናብ ኣቶ ምሕረተኣብ ስዩም ዝቐንዐ ናይ ሓሶት ክስታት፡ ስርዓት ኢሳይያስ ነቲ ብዓል ጸጋ ንምዕናው፡ ሄርሞን ሃብተሚካኤል ዝተባህለ ፓስፖርት ካናዳ ዝሓዘ ሃሱስ ድሕሪ ምውፋሩ እዩ ዝጅምር። እዚ ከኣ፡ ኣቶ ምሕረተኣብ፡ ኢሳያስ ገብራይ ዝተባህለ ቆንስል ስርዓት ኢሳይያስ፡ ዲፕሎማስያዊ ቅጥዕታት ጥሒሱ ነቲ ኣቐዲሙ ዝኸሰሶ ሄርሞን ዝተባህለ ሃሱስ ክድግፎ ድሕሪ ምፍታኑ `ዩ ተኸሲቱ።

ኣቶ ምሕረተኣብ ስዩም፡ ሄርሞን፡ ኣብ ገዛእ ቤቱ መጺኡ ምስ ሰይቲ ወዱ፡ የሩሳሌም ተወልደብርሃን ብምርኻቡ ተኣሲሩ ነይሩ እዩ። ድሒሩ ከምእተፈልጠ፡ ሄርሞን፡ ንዮርሳሌም ናይ 15 ሽሕ ዶላር ጉቦ ብምሃብ ኣቶ ምሕረተኣብ ብዘይሕጋዊ መንገዲ ካብ ኤርትራ ናብ ኡጋንዳ ከምዘሰጋገራን ወዱ ከምዘበላሸዋን ብሓሶት ክትምስክር ጭብጢ ክስንዕ ከሎ እዮም ፖሊስ ኡጋንዳ ረኺቦሞ።

እዚ ፈተነ `ዚ ድማ፡ ኣቶ ምሕረታኣብ ንስራሕ ናብ ኤርትራ ከይዱ፡ ወዱ ንትምህርቲ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ እናሃለወ እዩ ተገይሩ።

ቀጺሉ `ውን ሄርሞን ንዮርሳሌም ሒዙ ናብ ቱርኪ ከምዝሃደመ እቲ ጋዜጣ ይጠቅስ።

ሄርሞንን እቶም 16 ኣባላት ማሕበረኮም ኢና ዝብሉ መሻርኽቱን፡ ነዚ ጉዳይ `ዚ ኣብ በልጅም ምስ ዝርከብ ቢንያም ኮኾበ ዝተባህለ ተሓባባሪኦም፡ ሰብኣይ ሓብታ ንዮርሳሌም ብምርኻብ ድምጺ ግዳያት ኢሎም ነቲ ዝተሰነዐ ክሲ ኣብ ፈይስቡክ ብምጽርጋሕ ናብ ኢንተርፖል ብራዚል ልኢኾሞ። ካብኡ ድማ እቲ ጉዳይ ናብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ተመሊሱ።

ብድሕሪ`ዚ ኩነታት `ዚ ኣብ መንጎ ኣቶ ምሕረተኣብን ቆንስል ስርዓት ህግደፍ ኣብ ኡጋንዳን ሓያል እምባጋሮን ኲናትን ከምእተላዕለ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ኣቶ ምሕረተኣብ ዝተላዕለ ናይ ጎነጽ ክሲ `ውን ሳዕቤን ናይዚ ኩነታት ምዃኑ እቲ ኣዜጣ የረድእ።

ብመሰረት እቲ ጋዜጣ፡ ካብዚ ንደሓር፡ ኣቶ ምሕረታኣብ ድሕሪ ተኸታተልቲ ፈተነ ቅትለት ካብ ኡጋንዳ ከምልጥ ተገዲዱ። ሓደ ካብቶም ፈተነ ቅትለታት፡ ሓደ መንነቱ ዘይተፈልጠ ሰብ ኣብ ጽርግያ ካምፓላ-ጉሉ ብ ነሓሰ 2017 ንመኪናኡ ጠያይት ዘዝነበሉ፡ መኪናኡ ነዊሕ ኣንከራርያ፡ ንሱን ኣውቲስታኡን ብጎርጺ ተጎዲኦም ብህይወት ዝተረፉሉ ኣጋጣሚ እዩ። ኣቶ ምሕረተኣብ በቲ ዘጋጠሞ ኩነታት ናብ ፖሊስ `ኳ እንተኣመልከተ፡ ንድሕነቱን ድሕነት ስድራቤቱን መንገዱ ክደሊ ምስ መኸሩዎ ሕጉስ ኣይነበረን።

ብድሕሪኡ ሓዉ ግርማይ ስዩም ብተጻባእቱ ተሰሚሙ ከምዝሞተ ሕክምናዊ መረጋገጺታት ከምዘመልክቱ እቲ ጋዜጣ ይጠቅስ።

ነዚ ናይ ኣቶ ምሕረተኣብ ንጽህና፡ ብዙሓት ጋዜጣታት ኡጋንዳን ምብራቕ ኣፍሪቃን ሰፊሕ ሸፈነ ክገብራሉ ከለዋ፡ ገለ ካብኣተን፡ ኣብቲ ብውዲትን ሽርሕን ዝተኣልመ ክስታት ተመርኲሰን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ንዝዘርግሓኦ ግጉይ ሓበሬታ መአረምታ ብምግባር፡ ንኣቶ ምሕረትኣብ ስዩምን ስድራቤቱን ይቕሬታ ከምዝሓተታ ኣብ ገጻተን ዝረኸብናዮ መብርሂታት የረጋግጽ።

Previous Post

ATV: መን’ዩ ተሓታቲ? ዝኽሪ ቤተሰብ ተጋደልቲ ኤርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ) ኣሓቱ ኣስቴርን ሰናይትን፡ ዝርርብ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሽዋ ስዩም – 1ይ ክፋል

Next Post

ATV: መን`ዩ ተሓታቲ – ዝኽሪ ቤተሰብ ጀጋኑ ተጋደልቲ ኤርምያስ ደበሳይን ኣሓቱ ኣስቴርን ሰናይትን – 2ይ ክፋል Shewa Sium

Next Post
ATV: መን’ዩ ተሓታቲ? ዝኽሪ ቤተሰብ ተጋደልቲ ኤርምያስ ደበሳይ (ፓፓዮ) ኣሓቱ ኣስቴርን ሰናይትን፡ ዝርርብ ምስ ብዓልቲ ቤቱ ወ/ሮ ሽዋ ስዩም – 1ይ ክፋል

ATV: መን`ዩ ተሓታቲ - ዝኽሪ ቤተሰብ ጀጋኑ ተጋደልቲ ኤርምያስ ደበሳይን ኣሓቱ ኣስቴርን ሰናይትን - 2ይ ክፋል Shewa Sium

3 2 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
2 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
Mearegtad
Mearegtad
4 years ago

Pls this is wrong information
This man is the worst man ever

1
Reply
Teaghes
Teaghes
Reply to  Mearegtad
4 years ago

When I told people about the man they told me he is super supporter of Isayas Afwerki and HGDF. So when releasing such articles please contact others before the release.

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
2
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply