Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

መቃብር ኣቦይ ስኢነዮ፡ መቃብር ኢጣልያዊ ግን ረኺበዮ

Atv Asena by Atv Asena
1st June 2020
in ሃገራዊ ዜና, ትግርኛ
6
0
SHARES
210
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

መቃብር ኣቦይ ስኢነዮ፡ መቃብር ኢጣልያዊ ግን ረኺበዮ

ኤርትራውያን፡ ንመሰልናን ክብረትናን ብዙሕ መስዋእቲ ዝኸፈልና ግን ብዝግባእ ዘይተዘርበልናን ዘይተጻሕፈልናን፡ ዝተበደልናን ዝተዘረናን ግን ዘይተኻሓስናን፡ ንዓመታት ዘእውናን ዘይተሰማዕናን ህዝቢ ኢና። ኣብ ዓለም ግቡእ ቦታና ክህልወና፡ ክንሕፈር፡ ስደት ከብቅዕን ኣብ ገዛእ መሬትና ብኽብረት ክንነብርን እንተኾይና ከኣ፡ ኩሉ ፖለቲካዊ ፍልልያትናን ውልቃዊ ኣተሓሳስባናን ወንዚፍና፡ ብዛዕባ’ታ ናይ ሓባር ኤርትራ ምሕሳብ፡ ተጠርኒፍካን ልብኻ ተዋሃሂብካን ምስራሕ፡ ነቲ ጠንቂ ሕሰም፡ ድኽነትን ድፍረትን ኮይኑ ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስን ጭፍርኡን ኣሊኻ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ዝውክል ፍትሓዊ ስርዓት ምትካል’ዩ። ኣብ ኤርትራ፡ ቅዋማዊ መንግስቲ እንተተመስሪቱ፡ ብህዝቢ ዝተመርጹን ዝተወከሉን ሓገግቲ ኣካላት እንተሃልዮምን፡ ብኢደ ዋኒኑ ሃገርን ሃብትን ዝሸይጥን ዕድል ህዝቢ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዘእቱን ኣካል ቦታ የብሉን። ዓለምና ድማ ብሓቅነትካ ጥራይ ዘይኮነት ትፈትወካን ተኽብረካን፡ ብሓድነትካ፡ ብሃገራዊ ፍቅርኻ፡ ብቁጠባዊ ትሕዝቶኻን ብኣከያይዳኻን’ያ። ንሎሚ ነዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቅሰ ዘራጉድ ሓንቲ ተቀንዙ ፍጻመ ከም ኣብነት ክጠቅስ።

ብቆልዓይ እንከለኹ፡ ኣብ ዝዓበኹሉ ከባቢ ዓዲዃላ፡ ሩባ ሰሞሞ፡ “መቃብር ጥልያን” ዝብሃል ሰፊሕ ብመንደቅ ዝተኸለለ መሬት ይዕዘብ ነይረ። እቲ፡ መቃብር ጥልያን ዝብሃል ቦታ ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለምን ድሕሪኡን ዝሞቱ ኢጣላውያን ዝተቀብሩሉን ንኽብሮም ሓወልቲ ዝተሃንጸሎም ሕዙእ ቦታ ከምዝኾነ፡ ምስ ዓበኹን ታሪኽ ምስኣንበብኩን’የ ግቡእ መረዳእታ ረኺበ። ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ ድማ ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገርና፡ ንኣብነት ኣብ ከረን፡ ኣስመራን ምጽዋዕን፡ ኢጣላውያንን እንግሊዛውያንን ወተሃደራት ዝተቀብሩሉ ቦታታትን ሓወልትን ተዓዚበ። ነቲ ዓመታት ዘቁጸረ ኣብ ሃገርና ዘሎ ሰፊሕ መሬት ገቢቱ ዘሎ መካነ መቃብር፡ መንግስታት ጥልያንን ዓባይ ብሪጣንያን ዝኸፍልዎ ክራይ፡ ንምክንኻኑ ዝስልዓሉ ባጀትን ወይ እውን ዋንነት ናይቲ መሬት ናይ መን’ዩ ንጹር ሓበሬታ የብለይን። እቲ ዝያዳ ዝዓበየ ቁምነገር ግን መንግስታት ኢጣልያን ዓባይ ብሪጣንያን ኣብ ዜጋታቶምን ታሪኾምን ዘለዎም ክብሪ፡ ተገዳስነትን ሓላፍነትን ልዑል ምዃኑ’ዩ።

ብርግጽ ኩሉ ፍጡር፡ ብሰላምን ብናጽነትን ክነብር ምሉእ መሰል ኣለዎ። ብፍላይ እቲ ንመልክዕ ዓለም ክቅይርን ከማዕብልን ዝመራመር ዘሎ ሰብ ክቡር’ዩ። ሎሚ፡ ዜጋ እተን ብቁጠባን ስነኪነትን ዝማዕበላን ብምምሕዳር ግሉጽነት ዘለወን ሃገራት፡ ማለት ኣመሪካዊ፡ ጀርመናዊ፡ ስዊዘርላንዳዊ፡ ስዊድናዊ፡ ሲንጋፖራዊ፡ ፈረንሳዊ፡ ጃፓናዊ ወዘተ እንተኾይንካ ክቡርን ሕፉርን ኢኻ። ኤርትራዊ፡ ማላዊ፡ ኒጀራዊ፡ ሱዳናዊ፡ ሶማላዊ፡ ዜጋ እንተኾይንካ ግን፡ ሕሱርን ከም ዝድርበ ኣቅሓን ኢኻ ትቁጸር። ብፍላይ ኣብ መዋእል ውልቀመላኺ ጉጅለ ህግደፍ፡ ኤርትራዊ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ተኸላቢቱ፡ ተዋሪዱን፡ ንኹሉ ዓይነት ሕሰም ተቃሊዑን። ቀዳሞት ወለድና፡ ኣደራዕን ስቃይን እንተበዚሕዎም፡ “ግዝኣት ቱርኪ” ኢሎም የማርሩ’ኳ እንተነበሩ፡ ሎሚ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ስቃይ እንታይ ስም ከምዝወሃቦን መጻኢ ወለዶ ብኸመይ ከምዝዝክሮን ንምግማቱ ኣየጸግምን። ብወገነይ ንግዚኡ ንጉጅለ ህግደፍ፡ “ግዝኣት ህይወት የግድፍ” ዝብል ስም ኣጠሚቀዮ ኣለኹ። ምኽንያቱ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝብል መሳጢ ስምን ኣብ ተግባር ዘይወዕል ጭርሖታትን ራእይን እኳ እንተለዎ፡ ብዘይ ፍርዲ ዜጋታት ኣብ ብርሃንን ኣየርን ዘይኣትዎ ትሕቲ መሬት ኣብ ክቱር ቁርን ሙቆትን ብዘይ እኹል መግቢ፡ ሕክምና ዝብላዕን ዝስተን ኣብ ዝተነጸለ ቦታ ንዓመታት ምእሳርን ምስቃይን ኢዩ።

ኣብ ካልኣይ ኩናት ዓለም ብዙሓት ኤርትራውያን፡ ብዘይካ’ቲ ኣብ መሬት ኤርትራ ዘካየድዎ ውግኣት፡ ካብ ኤርትራ ወጻኢ’ውን ኣብ ጎድኒ ወተሃደራት ጣልያን ኮይኖም ብጅግንነት ህይወቶም ስኢኖምን ሰንኪሎምን ኢዮም። እቲ ኣብ ሊብያ፡ ኢትዮጵያን ሶማልያን ዝተሳተፍዎን ዝሃለቅዎን ዘስካሕክሕ ኩናት ድማ ሓደ ኣብነት’ዩ። ኤርትራውያን ኣያ ስለዘይብሎም ግን ከምቶም ኣብ መሬትና ኣብ መካነ መቃብር ብኽብሪ ተቀሚጦም ዘለው ዜጋታት ጥልያንን እንግሊዝን ኣይዝከሩን፡ ተፈላጥነት ኣይረኽቡን፡ ሓወልቲ ወይ ምስሊ ኣይህነጸሎምን፡ ካሕሳ ኣይሕተተሎምን፡ ኣበይ ቦታ ተቀቢሮም’ውን እዝጊ ዋንኦም። ዋላ ብጉጅለ ህግደፍ ታሪኽ ቅያ ዝፈጸሙን ዝተሳቀዩን ወለድና ክስነድን መጻኢ ወለዶ ክፈልጦን ተገዳስነት ኣይሃልዎ፡ ንሕና ብህይወት ዘለና ምሁራትን ነቲ ታሪኽ ንፈልጥን ክንጽሕፎን ክንሕበነሉን ይግባእ። ታሪኽና ወጻእተኛታት ክጽሕፉልና ወይ ኣብ ትሕቲ መሬት ዝኣተዉ ጀጋኑና ካብ መቃብሮም ተንሲኦም ከዘንትዉልና ክንጽበ የብልናን። ንሕና ዝፈጸምናዮ ቅያን ኣብ ልዕሊና ዝወረደ ግፍዕን ናትና ስለዝኾነ፡ ብኣና ጥራሕ’ዩ ክስነድን ናብ መጻኢ ወለዶ ክሰጋገርን ዝኽእል።

ኣብ ዝሓለፈ ለካቲት 2020, ኢትዮጵያ፡ ነቲ ብ1 መጋቢት 1896 ብስዕረት ኢጣልያ ዝተዛዘመ ውግእ ዓድዋ ተዘኪሩ። ኣብቲ ኢትዮጵያውያን ብድሑር ናውቲ ተጠቂሞም ነቲ ብተዛማዲ ምዕቡል ኣጽዋር ዝነበሮ ሰራዊት ኢጣልያ ኢድ ብኢድ ገጢሞም’ዮም ኣብ ልዕሊ’ቲ ግዝኣታቱ ከስፍሕ ሃነፍነፍ ዝብል ዝነበረ ሰራዊት ሙሶሊኒ፡ ምውታት፡ ቁሱላትን ምሩዃትን ከምዝኸውን ገይረሞ። ኣብቲ ንኢጣልያ ዘሕፍር ስዕረት ዘጋጠመ መሪር ውግእ ዓድዋ፡ ኣማኢት ኤርትራውያን ምስ ወተሃደራት ኢጣልያ ብግድን ብድሌትን ተሰሊፎም ግዳይ ሞት፡ መቁሰልትን ምምራኽን ውርደትን ኮይኖም ኢዮም። ኣብቲ መሪር ኩናት ግን ህይወት ምሕላፍን ምስንካልን ኤርትራውያን ጥራይ ኣይኮነን ዘስካሕክሕ ነይሩ። ኣብቲ ኩናት ዝተማረኹ ኣስታት 1500 ኢጣልያውያን፡ ከም ምሩዃት ኩናት ብኽብሪ ናብ ዓዶም ክፋነዉ እንከለዉ፡ 400 ኤርትራውያን ምሩዃት ኩናት ግን፡ ከምቶም ኢጣልያውያን ናብ ትውልዲ ዓዶም ብሰላምን ብኽብርን ኣይተፋነዉን። ኣብቲ እዋን’ቲ ብዝነበሩ መሳፍንቲ ኢትዮጵያ ብትእዛዝ ሃጸይ ምነሊክ የማናይ ኢድን ጸጋማይ እግርን ኣብ ጉንዲ ገረብን ከውሕን ኣተርኢሶም ብፋስ፡ ብሴፍን ብጎዞሞን ብህይወቶም እናሰምዑን እናርኣዩን ተቆሪጾም። ደሞም ከም በጊዕ ፋስጋ ኣብ መሬት ዛርዩ ኣእውዮም፡ ረዳኢ ኣይረኸቡን፡ ሃለዋቶም ጠፊኡ ሞይቶም፡፡ ብህይወቶም ዝተረፉ ድማ ብደዎም ጨንዮም ኣብ በረኻ ተደርብዮም። እቲ ኣብ ግዜ ኩናት ንኤርትራውያን ንረብሕኡ ኣብ ቅድመ ግንባር ኣሰሊፉ መዝሓል ጥይት ዝገበሮም መንግስቲ ኢጣልያ፡ ኩናት ምስተወድአ ኣበይ ኣለኹም ኣይበሎምን። ምናልባት ጸሊም ሕብሪ ቆርበት ስለዝነበሮም ከም ሰብ ኣይቆጸሮምን። ስድራቤት ናይቶም ግዳያት ኤርትራውያን፡ ንገሊኦም ሓዚሎም ንገሊኦም ድማ ብመጽዓኛን ብምርኩስ ሓንከስ እናበሉን፡ ድሕሪ ናይ ነዊሕ መዓልታት መሪር ጉዕዞ ናብ ዓዶም ከምዝምለሱ ኮይኖም። “ድዉይ ተጣባባይ” ከምዝብሃል፡ ሓሓንቲ ኢድ ሒዞም ዝተረፉ ተላፊኖም ካብ ገረብ ዓንቋ እግሪ ሰሪሖም። “ወዲ ኢታይ ተኽለ ደስ እኳ ኣይበልካ እግረይ ተኺለ” ኢሎም ነቲ ኣብ ምቁራጽ መሓዉ ኣቦታትና ተዋፊሩ ዝነበረ ኣረሜን ከሕርቁ ከምዝደረፉሉ ይዕለል ኢዩ። እቶም ክፋል ኣካላቶም ስኢኖም ንነዊሕ ዝተሳቀዩ ኣቦታትና ሎሚ ክንደየናይ ብህይወቶም ከይህልዉ። ብይወቶም እንተዝነብሩ ግን፡ ኣብ ኩናት ዓድዋ ዘጋጠሞም መስገደልን ትንግርትን መዘንተዉልና ነይሮም፡ ንሕና ድማ ምወረስናዮም።

ኣብ ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሃገርና ናይቶም መሬትና ክጎብጡ፡ ንብረትና ክዘምቱ፡ ህዝብና ከበሳብሱን ዝሞቱ ወተሃደራት፡ ኣብ ሓላል መሬትና መካነ መቃብርን ሓወልትን ተሃኒጽሎም ንዕዘብ ኣለና። መሳኪን ኤርትራውያን ግን ኣሽምባይዶ መዘከሪ ሓወልቲ ክስርሓሎም፡ ሬሳታቶም ዝወደቀሉ ቦታ’ውን ዝፈልጦ የለን። ደሞም ደመ-ከልቢ ኮይኑ ተሪፉ። ግቡእ ስነስርዓት ቀብሪ ኣይተገብረሎምን። መንግስቲ ጥልያን’ውን እቶም ምስ ወተሃደራቱ ተሰሊፎም ዘዕወቱዎ፡ ህይወቶም ዝሰኣኑን ዝሰንከሉን ኤርትራውያን፡ ክከሓሱ፡ ንዝኽሮም ሓወልቲ ክህነጸሎም ብውሕዱ ናይ ኣፍልጦ ወረቀት ምስክር ክወሃቦም ግዴታ ኣለዎ። ወዮ ድኣ ህዝቢ ኤርትራ ዝጣበቀሉ ፍትሓዊ መንግስቲ የብሉን እምበር፡ እቶም ኣብ ጎድኒ ወተሃደራት ጣልያን ኮይኖም ዝተዋጉኡ፡ ህይወቶም ዝሰኣኑን ኣካሎም ዝጎደለን ኤርትራውያን፡ ንጹር ብዝሕን ዝወደቁሉ ቦታን ኣብቲ ኩናት ዘጋጥሞም ዝነበረ ዓሌትነትን ጸበባን ጽጹይ መጽናዕቲ ኣካይዱ፡ ሓድሽ ወለዶ ኤርትራ ሓቀኛ ታሪኽ ኣቦታቱን ኣቦሓጎታቱን ክመሃሮን ክሕበነሉን ኣለዎ። ኣብ ውግእ ዓድዋን ካልኣይ ኩናት ዓለምን፡ ሬሳታት ኣቦታትናን ኣሕዋትናን መውደቂኡ ዘይተፈልጠን ደሊና ዘይንረኽቦን ክንስና፡ መቃብርን ሓወልትን ኢጣልያውያንን እንግሊዛውያንን ከምኡ’ውን ኣብ ቤት ገርግስ ኣስመራ ሓደ ሓደ ሱዳናውያንን ህንዳውያንን፡ ንጉሆን ምሸትን ኣብ ቅድሚ ገዛና ክንዕዘብ ግን ንዘልኣለም ድቃስ ዝኸልኣናን ቁስልና ዝጎድኣናን ኢዩ። ንመግዛእቲ ጣልያን እምቢ ኣይንጽዓድን መሬትና ኣይንህብን ዝበሉ ኤርትራውያን ዝሕየሩሉን ዝሳቀዩሉን ዝነበሩ ብማይ ባሕሪ ዝተኸበ ቤት ማእሰርቲ ናኹራን ዓሰብን፡ ኣሰር መቃብር ኣቦታትና የለን። ቀለብ ዓሳታት ኮይኖም፡ ከም ተረፍ መግቢ ኣብ ባሕሪ ተጓሒፎም።

ብዊንታ ጉጅለ ህግደፍ ኤርትራዊ ሕሱርን ርሱዕን ስለዝኾነ ነቲ ብኹሎም ገዛእቲ ማለት ጣልያን፡ እንግሊዝን ኢትዮጵያን ዝተቀዝፈን ዝተቐጥቀጠን ኤርትራዊ፡ ዝተራሰየን ዝዓነወን ንብረትን ሃብትን፡ ብሓዊ ዝተቃጸለ ዓድታትን ዝተመዛበለ ህዝብን መጻኢ ወለዶ ክፈልጦ ስለዘይድለ፡ ጽፉፍ ሰነድ የብሉን። ኣብ ጽባሕ ናጽነትና፡ ነቲ ብኹሎም ገዛእቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝወረደ ኣካላዊ ሞትን መግረፍትን፡ ቁጠባዊ ዕንወት ስነኣእምራዊ በሰላ ብሕጋዊ መንገዲ ክተሓዝን ናብ ዝምልከቶ ኣካል ወግዓዊ ሰነድ “Reparation” ክቀርብን” ኣለዎ ኢሎም ቅዱስ ሓሳብ ንዘቅረቡ ለባማትን ፈላጣትን ደቂ ሃገር፡ ከም ጽሉላትን ሓለምትን ተሓሲቦም ናይ ምድሃልን ተስፋ ምቁራጽን ግብረ መልሲ ተዋሂብዎም።

“ናይ ዝሓለፈስ ሓሊፉ ብዝመዝእ ኣይትድገመኒ” ከምዝብሃል፡ እቲ ካብ ኩሉ ዘሕዝን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ፡ መጻኢ ወለዶ ኤርትራ፡ ብሰንኪ ኣዕናዊ ፖሊሲታት ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ንኡስ ዕድሚኡ ካብ ስድራቤቱ ተፈላልዩ፡ ኣብ ህይወቱ መቀይሮ ዝኸውን መኣዲ ትምህርትን ስራሕን ተሰናኺሉን ብዘይ ክፍሊት፡ ጁባ ኢሳያስን ሰዓብቱን ከኻዕብት፡ ኣብ ጉዕዞ ስደት ክእሰር፡ ብጥይት ክምንጠል፡ ብጥሜትን ጽምእን ክሳቀን ሰብኣዊ ክብረቱ ክገሃስን ንዕዘብ ኣለና። ኣማኢት ኤርትራውያን፡ ኣብ ምድረበዳ ሳህራ፡ ማእከላይ ባሕሪ፡ ሊብያን ካልእ ቦታታትን፡ ረዳኢ ዘይብሎም ብነጋዶ ሰብ፡ ብጽምኢ ብጥሜትን ብሕማምን ዝተቀዝፉ፡ ብዘይ ቀባሪ፡ ቀለብ ኣራዊት ዝኾኑን ኣብ ሑጻ ብዘይ ኣሰር ዝተደፍኑን፡ ሬሳኦም ኣይንረኽቦን ኢና፡ ካብ ዝኽርናን ልብናን ግን ኣይወጹን ኢዮም። ግዜ ይነውሕ እምበር ሬሳታት ወለድናን ኣሕዋትናን’ውን ክንረኽቦ ኢና። ሃብታም ታሪኽ ዓቑሩ ዘሎ ሬሳታትና ንምርካቡን ኣብ ግቡእ ቦታኡ ንምቅማጡን ክንሕበነሉን ግን እቲ ስራሕ ሕጂ ንጀምሮ።

            ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 29 ግንቦት 2020

 

Previous Post

ATV:ኣብ ገማግም ቀይሕ ባሕሪ ዝነበር ሓደገኛ ጥምየት ዘጥቅዖ ዘሎ ህዝብና ብምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ኣቓልቦ ተሓሪሙዎ ከምዘሎ ተፈሊጡ

Next Post

ATV: ምስ ሕልናና ንተዓረቕ – ሓደ ካብ ማሕበር ሸፋጣ ነበር

Next Post

ATV: ምስ ሕልናና ንተዓረቕ - ሓደ ካብ ማሕበር ሸፋጣ ነበር

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
6 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

((ዓለምና ድማ ብሓቅነትካ ጥራይ ዘይኮነት ትፈትወካን ተኽብረካን፡ ብሓድነትካ፡ ብሃገራዊ ፍቅርኻ፡ ብቁጠባዊ ትሕዝቶኻን ብኣከያይዳኻን’ያ።)) >>> indeed,today’s Eritrea ranks at the bottom of nations to do business with,to invest,even organization like IMF wont look its way,HGDEF’s Eritrea is so putrid and repulsive even her children shy away from suckling on her breasts and opt to die looking for food elsewhere,those who are ruling her rape her day and night leaving her looking pale and haggard,nobody wants her except those who want to use what is left of her. She is begging us to come rescue her still hoping we haven’t abandoned her to the wolves. As the good Eritrean MISLA goes..(NIGULTI ANSTI YIBA’ASALLA)…..what went wrong!?

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  k.tewolde
4 years ago

rather,(NIGULTI YIBA’ASALLA ANSTI).

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
4 years ago

” .ሎሚ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፍጸም ዘሎ ስቃይ እንታይ ስም ከምዝወሃቦን መጻኢ ወለዶ ብኸመይ ከምዝዝክሮን ንምግማቱ ኣየጸግምን። ብወገነይ ንግዚኡ ንጉጅለ ህግደፍ፡ “ግዝኣት ህይወት የግድፍ” ዝብል ስም ኣጠሚቀዮ ኣለኹ። ምኽንያቱ ጉጅለ ህግደፍ፡ ዲሞክራስን ፍትሕን ዝብል መሳጢ ስምን ኣብ ተግባር ዘይወዕል ጭርሖታትን ራእይን እኳ እንተለዎ፡ ብዘይ ፍርዲ ዜጋታት ኣብ ብርሃንን ኣየርን ዘይኣትዎ ትሕቲ መሬት ኣብ ክቱር ቁርን ሙቆትን ብዘይ እኹል መግቢ፡ ሕክምና ዝብላዕን ዝስተን ኣብ ዝተነጸለ ቦታ ንዓመታት ምእሳርን ምስቃይን ኢዩ።”

________________

ኩነታትና ብጣዕሚ ዘሕዝን እዩ ።
ጠንቂ ናይዚ ኩሉ ጸገማትና ግን እንታይ እዩ ? ።
ገና ብጉቡእ ዘይተመለሰ ሕቶ እዩ።
– እሰያስ ዲዩ ጸገምና ?
– ህግደፍ ዲዩ ጸገምና ?
ኣይፋል !! እንተበልኩ ንቡዙሓት ሕማቅ ከም ዝስመዖም እፈለጥ እየ።
ሓቂ ኩሉ ግዜ መራር እያ ። ዋላ እኳ እቲ ጉድለት ኣብ መብዛሕቲኡ ኤሪትራዊ ዘሎ ድኽመት እንተኾነ ፥ ሓደ ካባኹም ስለ ዝኾንኩ ፥ ኣብ ዘለኹዎ ደረጃ ናይ ዉድቀት ዘብጻሓኒ ድኽመታተይ ክጽብጽብ ኣፍቁዱለይ ።
እምበኣር ፥>
– ወገነይ እፈቱ እየ። እገለ ገበነኛ እዩ እሎም ኩሎም እንዳ ኣማረሩ ፥ ኣቃልቦ ኣይገብረሉን ።
ብኡ ዝመጸኒ ኣይፈቱን። ኣውራጃ ፥ ዓሌት ፥ ሃይማኖት ኣልዒሉ ፥ ክዝልፍ ፥ ክፈርድ ፥ ክውንጂል እሪኢ እሰምዕ ፥ ግን እንታይ ገደስኒ ፥ ባዕሎም ይፈልጡ ፥ ሱቅ እለ ስረሐይ ዘይገብር እብል።
– ዉድበይ እፈቱ እየ። እሕዋተይ እንዲዪም ።
ውድብና ጌጋ የቡሉን ። እቶም ካልኦት ቀተልቲ እዮም፥ ኣስላም እዮም ፥ ክሪስቲያን እዮም እብል። ኣነ ጉቡአይ እገብር ፥ ካልእ መራሕትና ባዕሎም ኣሎዉሉ።
ኣብ ጎረበትና ብኽያት ይስማዕ ኣሎ። ወሲዶምዎ ዶ ? ፥ ጹቡቅ ገበሩዎ ። ሱቅ እሉ ደቁ ዘየዕቢ ።
ናይ ጂሃድ እዩ ኻኣ እሎም ። ዋእ ! ሱቅ ዳኣ በላ ። መን ዘምጻኣሎም ሃገር ? ፥ ኣይ ነድምጽን ዶ በሉ ? ። ጰንጠ ፥ ጀሆቫ ፥ ኩሎን ካብ ደገ ገንዘብ ተቀቢሎም ዓዲ ሰላም ክኸልኡዋ ፥ ጹቡቅ ገበሩዎም ።
እታይ ገደሰኒ ፥ ሱቅ እለ ስረሐይ ዘይገብር።
ወዲ ኣፎም ጥዕናን ዕድመን ይሃቦ ፥ ጸገም የለን። እቶም ላዕሊ ዘሎዉ ፥ ገሊኦም ሰረቅቲ ገሊኦም ሰክራማት ፥ ሰብኣይ ንበይኑ እንዲዩ ኾይኑ ። ሱቅ በሉ በጃኹም !
ቅድሚ ሙሉእ ዉድቀተይ ፥
እከለ ታኣሲሩ ሰሚዐ ኤህ ኣይቦልኩን ።
ሓደ ዝፈልጦ ሰብ ካብ ስራሕ ደስኪሉ ሰሚዐ ፥ ሕማቅ ረኺቡ ኣይበልኩን ።
ድሕሪ ፍርቂ ለይቲ ኣብ እንዳ ጎረበተይ ፥ ኣውያት ሰሚዐ ፥ ሕማቅ ረኺቦም ክንዲ ዝብል ፥ ገለ ገይሩ ክኾውን ኣሎዎ በልኩ።
እንታይ ይግበር ኣሎ እለ ሓቲተ ኣይፈልጥን ፥ ዕድመ ንደቅና ። ኣብ ውድብና ንጽናዕ እብል ነይረ ።
ሓደ ማዓልቲ ግን ሕማቅ ወረ ሒዞምለይ መጺኦም ፥ ወዱኹም ታኣሲሩ እሎምኒ !!!
ወደይ እንታይ ገይሩ ፧፧፧
ዝሳቀ ዘለኹ ፥ ብሰንኪ ጉጉይ ኣታሓሳስባይ እዩ።
ኣታሓስስባይ ከይቀየርኩ ሓራ ክወጽእ ኣይክልን።
ኣነ እሱር ናይ ድሕረተይ እየ።

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  ወዲ ሃገር
4 years ago

(ኣነ እሱር ናይ ድሕረተይ እየ።) ,W.H. Hawey , you condensed our woes in this 5 word statement eloquently. I said before,blame no one,peer at the face in the mirror, and the answers are looking back at you in the form of creases,farrows,grooves….. dark spots and black hues. We are the agar where this deadly toxic fungus (HGDEF) thrives.>>(((ኣታሓስስባይ ከይቀየርኩ ሓራ ክወጽእ ኣይክልን።))) I consent 110%.

0
Reply
Woldegabriel
Woldegabriel
4 years ago

Dear Tsilal,
People’s history and culture is passed through many forms. I once saw an exhibition on the Dankalia’s burials and was impressed on how the tombs were built to explicitly inform the descendants of the family whether the deceased was avenged or not. But now, the evil higdef is not only standing for our proud history and martyrs, but systematically obliterating our history and identity. We should fight for ourselves and the coming generations. This is a wake up call for the living. Thank you Tsilal.

0
Reply
Woldegabriel
Woldegabriel
Reply to  Woldegabriel
4 years ago

Correction
Pls read ” higdef has not only abandoned our proud ” not ” higdef is not standing for”

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
6
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply