Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ሕድሪ ስውኣትና ከይተግበርና፡ ሰማእታትና ኣብ ልብና የለዉን

Atv Asena by Atv Asena
26th June 2020
in Articles, Tigrinya
1
0
SHARES
321
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ሕድሪ ስውኣትና ከይተግበርና፡ ሰማእታትና ኣብ ልብና የለዉን

ኣብዚ ዓመት’ዚ፡ ኣብ ቅንያት 24 ግንቦት መዓልቲ ናጽነትን 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣትን፡ ካብ ዝተጋህደ ጉዳያት ቀንዲ፡ ህዝቢ ኤርትራ ንመሰሉን ሃገሩን ዝኸፈሎ ረዚን መስዋቲ፡ ዝተራእየ ጽንዓትን ጅግነትን ከምኡ ድማ ድሕሪ ናጽነትና ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ዝተፈጸመ ጥልመትን ጭካነን ምሕጽንታ ህሉው ወለዶ ክፍጸም ዘለዎ ዕማምን’ዩ። ብፍላይ ድማ ብኣጋጣሚ 20 ሰነ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ጅግንነት ሰውኣትና፡ ውልቃዊ ጠባዮም፡ ሕልሞም፡ ፍቅሮምን ኣብ ከመይ ዝበለ ኩነታት ህይወቶም ከፊሎምን፡ ብወለዶም፡ ኣሕዋቶም፡ ደቆም፡ መተዓብይቶምን መጋድልቶምን ብሕንቅንቅን ብንብዓትን ክግለጽ እንከሎ፡ እቲ ቃንዛን ቁስልን ዝተኸፍሎ ዋጋን ክሳብ ክንደይ ከቢድ ምዃኑ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝያዳ ጎሊሑን ተንጸባሪቑን።

ሎሚ፡ በተን ካብ ዓምጠርቲ ኣእዳው ጉጅለ ህግደፍ ዘየረኻኽበለን ኣብ ወጻኢ ዘለዋ ናይ ደለይቲ ፍትሒ መራኸቢ ብዙሓን ዝቀረበ ን20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት ዝምልከት ዝኽርታትን ጦብላሕታን፡ ብትሕዝቶኡን ርዝነቱን፡ ህላወ ማዕከናት ዜና ህግደፍ ከምዝሃሳን ከምዝንዓቃን ገይሩወን’ዩ። ጉጅለ ህግደፍ ዝቆጻጸረን ማዕከናት ዜና፡ ከም ኣመለን ንመንፈስን ሓቅን መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ ብፍላጥ ጎስየን ሓደ ክፋልን ንፕሮፖጋንዳን ጥራሕ’የን ኣቅሪበን። ነቶም ጉጅለ ህግደፍ ዝረሸኖም፡ ኣብ ማሕዩር ዘሳቅዮም ዘሎ፡ ኣብ ስደት ተበታቲኖም ዘለው፡ ጠዋሪ ስኢኖም ብጽምዋን ሕሰምን ዝሳቀዩ ዘለዉን፡ ተጋደልቲ፡ ስድራቤትን ውሉዳትን ስውኣትን ሓቢእካ፡ “ሰማእታትና ምእንታና ስለዝሓለፉ ሕድሮም ክንትግብር ኣለና፡ ንስድራ ቤቶም ንጠውር” ዝብል ናይሸፈጥን ምስሉይነትን ጨለ መደብ ምቅራብ’ዩ።

ጉጅለ ህግደፍ ኣብ መዓልቲ ሰማእታት ኤርትራ፡ ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት 5 ቢልዮን ናቅፋ ንስድራቤት ስውኣት ደበስ ከምዝተዋህበ ምግላጹ ድማ ንገርሂ ሰብ 5 ቢልዮን ናቅፋ ክሰምዕ እንከሎ፡ ህግደፍ ንስድራ ስውኣት ልዑል መጠን ገንዘብ ከምዝሓገዘ ይመስሎ ይኸውን። እቲ ንሓደ ስድራቤት ስውእ ወርሓዊ ዝወሃብ $500 ናቅፋ ግን፡ ኣብ ከተማን ሓውሲ ከተማን ዝነብር እንተኾይኑ ምስ ክብሪ መነባብሮን ገዛ ክራይን ትርጉም ዘለዎ ኣይኮነን። ማዕረ ማዕረ’ቲ ጉጅለ ህግደፍ ዘቅርቦ ዘሎ ኣሃዛት፡ ስድራቤት ስውኣት ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመት ዘጋጠሞም ማእለያ ዘይብሉ ጸገማት ክገልጹ ዕድል እንተዝወሃቦም፡ እቲ ጉጅለ ህግደፍ ንስድራቤት ስውኣት ሓጊዘዮ ዝብሎ ዘሎ ገንዘብ ናይ ለማናይን ተዃባይን ፈውሲ ሞት’ዩ። ብቁጠባዊ ጉዳያት ህግደፍ ካብ ህዝብና፡ ከርሲ መሬትና፡ ናጻ ጉልበት መንእሰያትናን ክራይ ባሕርናን ዝግሓጥ ቢልዮናት ዶላርን ዝውነን ንብረትን ኣነጻጺርካ ድማ፡ እቲ ንስድራቤት ስውኣት ይወሃብ ኣሎ ዝብሃል ዘሎ ገንዝብ ከምቲ ንማርያም ትሃብኩም” ኢሉ ዝልምን ድኻ ሰብ’ዩ ዝሕሰብ። ስድራቤት ስውኣት ተመጽወቲ ዘይጠቅማ ገንዘብ ክኾኑ፡ ኣብ ዑና ቤት ክቅመጡ ሓለፋ ኣይኮነን። ነተን $500 ናቅፋ ንምርካብ ዘሎ ስዓቦ ጉተቶ’ውን መወዳእታ የብሉን። ነቲ ካብ ምምሕዳር ዝወሃብ 500 ናቅፋ፡ ብእርጋን ወይ ብሕማም ዓቅሚ እንተስኢንካ ብወክልና ክወሃበካ ቅቡል ስለዘይኮነ ህግደፍ ክሳብ ትመውት ኢዩ ዝጽበየካ።

          ብኣጋጣሚ 20 ሰነ መዓልቲ ስውኣት ኤርትራ፡ ኣጠማምታ ኤርትራውያን ንኣከባብራን ትርጉምን’ቲ ታሪኻዊ ዕለት ዝተፈላለየ’ዩ ነይሩ። ሓንቲ ካብተን ብተደጋጋሚ ካብ ብዙሓት ኤርትራውያን ነታ “ኣብ 20 ሰነ፡ ንሰማእታትና ክንሓዝነሎምን ክንበኽየሎምን ይግብኣና ድዩ? ዝብል ሕቶ ምስቀረበሎም፡ ነቶም ብመስዋእቲ ካብ ጎድኑ ዝተፈልዩዎም ቤተሰቦምን ኣዕሩኽቶምን ብሕንቅንቅ ዘኪሮም፡ “ኣይፋል! ስውኣትና ንሓዋሩ ስለዘይምለሱን ኣብ ዕላማ ስለዝሓለፉን ክንበኽየሎም ኣይግባእን’ዩ። የግዳስ ንሕና ሕድሪ ስውኣት ዝጠለምና ህልዋት ኢና ክብከየልና ዘለዎ” ኢሎም መበጽዓ ስውኣት ኣብ ምፍጻም፡ ህሉዋት ሓላፍነትና ክንስከም ከምዘለና ተማሕጺኖም። ብርግጽ ሰማእታትና ብድሕሪኦም ንሕና ክርህወናን ኣብቲ ደሞም ዝፈሰሶ ኣዕጽምቶም ዝተኸስከሶ መሬት ብሰላም ኮሪዕና ክንቅመጥ እምበር፡ ድሕሪ ናጽነት ናብ ስደት ክንበታተን፡ ሰብኣዊ መሰልና ክርገጽን ክሓስመናን ባህጊ ስውኣት ኣይነበረን።

 እቲ “ስውኣትና ናጽነት ስለዘምጽኡ ክንሕበነሎም እምበር ክንበኽየሎምን ክንሓዝኖሎምን የብልናን” ዝብል መልሲ ግን ነቶም ወለዶም; ደቆምን ኣሕዋቶምን ዝሰኣኑን ኣብ ስደት፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ ህግደፍ ዝሳቀዩ ዘለዉን፡ ኣብ ክንዲ ክብረትን ራህዋን ንሓሳረ መከራን ዝተቃልዑ ዜጋታት ኣይትወሓጠሎምን ኢያ። ምኽንያቱ ኣቦ ወይ ኣደ ዝሰኣኑ ደቂ ስውኣት፡ ዘኽቲሞም ክዓብዩ፡ ብድኽነት ክሳቀዩ፡ ኣብ ዓዲ ጓና ክስደዱን ብጽምዋ ክዋሓጡን እንከለዉ፡ እታ ወለዶምን ኣሕዋቶምን ህይወቶም ዝኸፈሉላ ኤርትራ ኣይንታዮምን ኢያ። ዋላ’ውን ኣብ ኤርትራ ምዕባለን መሰልን ዜጋታትና ተረጋጊጹን ስድራቤት ስውኣት ተሓብሒብምን እንተዝኾኑ፡ ፍንጫሕ መሰንግሉ ንሓዋሩ ብሞት ክፍለዮ እንከሎ፡ ዝርንዝሕ ክነብዕን ክሓዝንን ባህርያዊ ኢዩ። ሰበይቲ ስውእ ካብ ውላድን ሓዳርን ተኾሊፋ ህይወታ ማእሚና ከተሕልፎ፡ ወይ እውን ነቶም ኣቦ ዝሰኣኑ ደቃ ክትናቢ ለይትን መዓልትን ክትሰርሕ ትግደድ እንተኾይና ጭንቀታ ብብኽያት ጥራሕ’ያ ከተተንፍሶ ትኽእል።

ደቁ ዝሰኣነ ህዝቢ ኤርትራ፡ ሰማእታቱ ንምዝካር ዓመት መጸ ኣብ 20 ሰነ ዝተፈላለየ ንጥፈታት የሰላስል’ዩ። ሽምዓ ምውላዕ፡ ምጽላይ፡ ጉዕዞ እግሪ ካብቲ ዝያዳ ዝዝውተር ኢዩ። ኣብ መራኸቢ ብዙሓን ጉጅለ ህግደፍን ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት ዘለዋ ስማውያን ኣብያተ ጽሕፈት ኤምባስን ድማ ስድራ ስውኣት ንምዝካር ንምንባይን ገንዘብ ክዋጻእ ጥራሕ’ዩ ጎስጓስ ዘካይድ። ካብኡ ሓሊፉ ጉጅለ ህግደፍ፡ ብተግባር ዘይስነ ደርፍታትን መደረታትን የውሕዝ። እቲ ንኽብሪ ስውኣት ኢልና እንገብሮ ኩሉ ዓይነት ንጥፈታት ነውሪ’ኳ እንተዘይኮነ፡ ልዕሊ እንህቦ መደረ እንውልዖ ሽምዓ፡ እንተኽሎ ገረብን ግን፡ ንመላእ ህዝቢ ኤርትራ ብሓፈሻ ንወለዶምን ደቆምን ድማ ብፍላይ፡ “ደቅናን ኣሕዋትናን ንኸንቱ ተሰዊኦም” ዝብል ምስትምሳልን ዓሕ ምባልን ክውገድ ብግብሪ ክንሰርሕ ኣለና። ህዝቢ ኤርትራ ኣሽባይዶ ነቶም በጅኡ ዝሓለፉ ሰማእታት ምሕብሓብ፡ ኣብ ተራ ዕለታዊ ህይወቱ’ውን ንሓድሕዱ ምትሕግጋዝን ምድንጋጽን ኣካል ባህሉ ስለዝኾነ፡ እንታይ ክገብር ከምዘለዎ ካብ ጉጅለ ህግደፍ መምርሒ ኣይደልየሉን’ዩ።

መራሒ ህግደፍ መላኺ ኢሳያስ፡ ነቶም ብሰንኩ ኣብ ኤርትራ ብሰላም ምንባር ዝተሓረሙን ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ሊብያ ዝተኸትሩን ኤርትራውያን፡ “ናብቲ ቦታ እንታይ ክገብሩ ከይዶም” ኢሉ ክሕጭጭ እንከሎ፡ ስውእ ይኹን ብህይወቱ ዘሎ ኤርትራዊ ኣብ ልቢ ኢሳያስ ከምዘየለ ዘነጽር’ዩ። እቲ ብረብሓ ወይ ብፍርሒ ደጋፊ ጉጅለ ህግደፍ’የ ዝብል ኣብ ወጻኢ ዝነብር ኤርትራዊ’ውን፡ ከም ኩሉ ኤርትራዊ ቃንዛ እንከለዎ፡ ኣብ ስደት ተመጽዋቲ እንከሎን መሪር ናብራ እናኣሕለፈን ኣብ ክንዲ ብዛዕባ መሰሉ ክረጋገጽ ዝቃለስን ኣብ ኤርትራ ፍትሒ ክነግስ ንጥልመት ህግደፍ ብዓውታ ምቅዋምን፡ ብስም ሰማእታት ሽምዓ ምውላዕን ምዝማርን እኹል ኣይኮነን። 

ሰማእታትና ንዘልኣለም ኣብ ልብና ክነብሩን ክዝከሩን እንተኾይኖም፡ እታ ንሳቶም ዝተስዉኡላ ዕላማ ብልክዕ ኣብ ተግባር ከነውዕላ ኣለና። ንሱ እንተጌርና ኢና “ስውኣት ናጽነት ስለዘምጽኡ ክንሕበነሎም ክንነብዓሎምን እምበር ክንቁዝመሎምን የብልናን” ክንብል ንኽእል። ስድራ ስውኣትን ውጉኣት ኩናትን፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ እናተሳቀዩ፡ ኣብ ስደት ከርተት እናበሉ፡ ብጥሜት ሓለንጊ እናተገርፉን ደሞም ዝኸስከሱሉ መሬት ኣናተሸጠን እንከሎ፡ ብስም ስውኣት ምምሓልን ምዝማርን ንስውኣት ድቃስ ዝኸልእ እምበር ዘቅስን ኣይኮነን። ስውኣትና ንሕና ከነተንፍስን ክንቀስንን ትንፋሶም ስለዝሃቡና ወትሩ ከነምስግኖም ይግብኣና። እንተኾነ ስውኣትና ዝወደቁሉ ዕማም እንተዘይፈጺምና፡ ሰማእታትና ኣብ ልብና የለውን።

                ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 25 ሰነ 2020

Previous Post

ATV: ቃል ምስክርነት ሓርበኛ ተጋዳላይ ቢተወደድ፡ ብመቓልስቱ – ገዲም ተጋዳሊት ሳባ ፍስሃየ – 6 ክፋል – Saba Fesehaye

Next Post

ATV: ኢሳይያስ ጸዋዒ ጥምየት፡ መራሒ ጥፍኣት፡ ኣብ ህይወቱ ዝተዛረቦም ሳሕቲ `ሓቅታት` – by Amanuel Eyasu

Next Post
ATV: እዋናዊ ዜና፡ ካብ ኣስመራ ቤት ጽሕፈት ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝወጸ ምስጢራዊ ኣዋጃት – PFDJ Directives

ATV: ኢሳይያስ ጸዋዒ ጥምየት፡ መራሒ ጥፍኣት፡ ኣብ ህይወቱ ዝተዛረቦም ሳሕቲ `ሓቅታት` - by Amanuel Eyasu

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

‘Aykesernan’ >>>>>> if that word doesn’t punch you in the gut,make your blood boil to 70 degrees Celsius, make you loose control,make you clench your fist so hard your nails start to bleed,make your heart pound through you chest……..make the veins in you neck and face become engorged like pvc pipes—– you are dead!!

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply