እቲ ልዕሊ 1 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎን ን55 ሃገራት ዝጠርነፈን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብ25 ግንቦት 1963 ክምስረት እንከሎ፡ ባዕዳዊ መግዛእትን ዓሌትነትን ንምምካትን ከምኡ’ውን ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘጋጥመን ናይ ሓባር ጸገማት ንምፍታሕን ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ። ብተወሳኺ መነባብሮ ህዝቢ ኣፍሪቃ ንምምሕያሽ፡ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ምትሕግጋዝን መሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ምሕላውን ካብ ቀንዲ ዕላማታት እቲ ሕብረት ኢዩ።
እንተኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 60 ዓመታት ዕድሚኡ፡ ካብቲ ዘመዝገቦ ዓወታት፡ ብውሽጣውን ግዳማውን ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ጸጥታውን ቅልውላውን ግርጭታትን፡ ብልሹው ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተሳቀዮን መጋበርያ ግዳማዊ ሓይልታት ዝኾኖን ይበዝሕ፡፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንቅብ ዘይብሎም ውዕላትን ኣዋጃትን መደባት ስራሕን’ኳ እንተለውዎ፡ ዝበዝሑ ካብኦም ብዘይካ ኣብ ወረቀትን ኣኼባታት ምልፍላፍን፡ ግብራውነት ስለዘይብሎም፡ ንጸገማት ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝፈትሕን ናብ ጎደና ምዕባለ ዝምርሽን ዓወታትን ቁምነገራትን ኣየመዝገበን።
ዝበዝሓ ኣባል ሃገራት፡ በቶም ብሓይሎም ወይ ብህዝቢ ዝተመርጹ መራሕቲ ረገጽቲ ህዝቦም ክኾኑ፡ ሃብቲ ሃገር ክግብቱን ፖለቲካዊ ስልጣን ከም ናይ ውልቃዊ ርስቶም ንዓመታት ክብሕትዎን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ። ንኣብነት ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ጫድ፡ ሩዋንዳ ፡ ኡጋንዳ፡ ካሜሩን፡ ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶርያል ግኒ ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ እንተተመልኪትና፡ ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት፡ ንተቃወምቶም እናጨፍለቁ፡ ቅዋም ሃገራቶም እናግሃሱ፡ ሃብቲ ህዝቢ ኣብ ውልቃዊ ረብሐኦም እናኣውዓሉን ህዝቦም ኣደዳ ስደትን ጥሜትን ክኸውን እናቀሰቡን፡ ንምስሊ ኣፍሪቃ ዝደወኑ ዕሉላትን ጽሉኣትን ውልቀ መለኽቲ ኢዮም።
ጸገማትን ማሕንቆታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ግን ኣብዚ ዝሕጸር ኣይኮነን። ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 50ታትን 60ታትን ካብ ኣጽፋር ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ወጺአን፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ባንዴራ፡ ባጤራ፡ ሰራዊት፡ ዶባቱ ዝተኸለለ መሬትን ቋንቋን ይሃልወን እምበር ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ፡ ብሓድጊ መግዛእቲ ዝተቆርና ኢየን። ዓቢ ስምን ህንጻን ዘለዎ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ህዝቢ ኣፍሪቃ ብደቁን መራሕቱን ክጭፍለቅ እንከሎ፡ ብመሰረት ሕግታቱን ውዕላቱን ንህይወት ኣፍሪቃውያን ካብ መቅዘፍቲ ከድሕን ዓቅሚ ወይ ብቅዓት የብሉን። ንኣብነት ኣብ ርዋንዳን፡ ብሩንዲን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማል፡ ሊብያ፡ ሰራልዮን፡ ላይበርያ፡ ዲሞክራስያዊት ኮንጎን ኣብ ካልኦትን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም፡ ህይወቶም ተቀዚፎም፡ ንብረቶም ዓንዩ፡ ብጥሜትን ሕማምን ተሳቅዮም፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ በልዮም።
እቲ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ተደኩኑሉ ዘሎ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሕዳር 2020 ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ንምጭፍላቅ ዝኣወጆ ኣጽናቲ ኩናት ድማ ናይ ቀረባ እዋን ካልእ ንድኻም ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቃልዐ ኣሕዛኒ ተርእዮ ኢዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ ብልሙስ ቃላት፡ እቲ ኣዋጅ ኩናት ብሰላምን ብዘተን ክፍታሕን ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረዲአት ክመሓላለፍ ዕድላት ክፍጠር ንኣቢዪ ኣሕመድ ተማሕጺኑ’ኳ እንተነበረ፡ ኣቢዪ ኣሕመድ ግን “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኢድኩም ኣይተእትዉ” ኢሉ ስለዝደረቀን ኩናት ስለዝመረጸን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን፡ ኣብ ትግራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነበሩ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት መቅዘፍቲ ተፈጺሙ።
ዛጊት እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኣብቲ ክልል ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታትን ዝተፈጸመ ሰብኣዊ ግህሰት፡ ሞትን ምምዝባልን ቁጠባዊ ዕንወትን ብሰንኪ ዓንቃፍን ትዕቢትን መርገጺ ኢትዮጵያ ብናጻ ኣካል ክጻረ’ኳ እንተዘይክኣለ፡ ምጽናት ዘርኢ፡ ምፍዳይ ሕነን ቅርሕንትን ኩሉ ዓይነት ገበን ከምዝተፈጸመ ግን ብብዙሕ ኩርናዓት ይሕበር ኣሎ። ንኣብነት እቲ ኣብ ልዕሊ ኤርትራውያን ስደተኛታት ዝተኻየደ ግህሰት፡ ምክልባት፡ ጭውያ፡ ቅትለት፡ ምምዝባልን መሰረታዊ ቀረብ ከይረኽቡ ዝተገብረ ዕጽዋ፡ ንኣህጉራዊ ውዕላት መሰል ስደተኛታት ዝጥሕስ ገበን ስለዝኾነ፡ ፈጸምቱ ኣብ ሕጊ ቀሪቦም ክፍረዱ’ዩ ዝግባእ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ግን ነቲ ኣብ ኣፍደገ ቤት ጽሕፈቱ ዝተኻየደ ዕምጸጻን ጭፍለቃን ክገትእ ኣይክኣለን ጥራይ ዘይኮነ፡ ነቶም ቅልጽሞም ሰብሲቦምን ሕጊ ጥሒሶምን ብትዕቢት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ህልቂት ዝፈጸሙ ኣቢዪ ኣሕመድን መላኺ ኢሳያስን፡ ብጩቕ ኢሉ ኣይተዛረበን፡ የግዳስ ተወሳኺ ገበን ክፍጸም ዘተባብዕ መርገጺ ወሲዱ። ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብቲ ብ16 ታሕሳስ 2020 ኣብ ጅቡቲ ዝተኻየደን ከም ወትሩ ኤርትራ ዘይተሳተፈቶን መበል 38 ኣኼባ ኣባል ሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ማለት ዞባዊ ውድብ ኢጋድ፡ ነቲ ኣቀዲሙ ኩናት ጠጠው ኢሉ ፍልልያት ብዘተ ክፍታሕ ኣለዎ ዝብል መርገጺኡ ዝቃረን መግለጺ ኣውጺኡ። ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ ኣቶ ሙሳ ፋቂ፡ “እቲ ኢትዮጵያ ሕጊ ንምኽባር ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ዝተወስደ ስጉምቲ ግቡእ ስለዝኾነ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ክፍጸም ኣለዎ” ኢሉ።
እቲ ዘይኩርምትኻ ሑጻ ቆርጥመሉ ዝዓይነቱ ሓላፍነት ዝጎደሎ መግለጺ ኣቦ መንበር ሕብረት ኣፍሪቃ፡ እቲ ሕብረት ካብ እግሪ ተኽሉ ምስኡ ዝዓበየ ሕዱር ሕማም እምበር ሕጂ ኣብ እዋን ክቱር ህርፋን ስልጣን ዘለዎም ኣቢዪ ኣሕመድን መላኺ ኢሳያስን ዝመጸ ኣይኮነን። ኣብ 50ታት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብውዲትን ጥልመትን ኣመሪካን ማሕበረ ሰብ ዓለምን፡ ኣብ መቁረንቲ ኢትዮጵያ ምስኣተወን ንመሰሉ ን30 ዓመታት ክድምን ክነብዕን እንከሎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ነታ ገዛኢት ኢትዮጵያ ከየኾሪ ኢሉ፡ ንፍትሓዊ ሕቶ ህዝቢ ኤርትራ “ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ” ተባሂሉ ተዓምጺጹ ከምዝተርፍ በይኑን ዓይኑ ዓሚቱን።
ውዕላትን ቻርተራትን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብዘይካ ልሙስ ተቃውሞ፡ ነቶም ኣብ ኣፍሪቃ ሕግታት ጥሒሶም ህዝቢ ዝረግጹን ካልኦት ሃገራት ዝጎብጡን ዓገብ ኢሉ ስለዘይፈልጥን ሕጊ ስለዘየኽብርን፡ ካብ ምህላዉ ዘይምህላዉ ይሓይሽ ምባል ድፍረት ኣይኮነን። እቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ደርማስ ቤት ጽሕፈቱን ንሰራሕተኛታት ዝወጽእ ባጀትን፡ ነቶም ብስእነት መምሃሪ ክፍልታት፡ ዝብላዕ መግቢ፡ መድሃኒት ዝሳቀዩን ዝስደዱን ዘለዉ ኣህዛብ ኣፍሪቃ እንተዝውዕል ድኻታት ምመረቑ ሕብረት ኣፍሪቃ ድማ ምጸደቐ ነይሩ።
ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብጽቡቃት ቃላትን ዓንቀጻትን ኣብ ወረቀት ጥራይ ኣቀሚጥዎም ዘሎ ሕግታቱ ኣተግቢርዎም ኣይፈልጥን ኢዩ። እቲ ዝገርም ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዓንቀጻቱ “ኣብ ኣፍሪቃ ፍትሒ፡ ሰብኣዊ መሰልን ዲሞክራስን ክኽበር ኣለዎ” እናበለ፡ ብዘይ ምርጫ ንኣስታት 30 ዓመታት ስልጣን ሒዙ ንህዝቢ ኤርትራ ዝረግጽ፡ ቁጠባ ዘዕኑ፡ ስድራቤታት ዝበታትን፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት ብዘይ ክስን ፍርድን ዘማስን ዘሎ ውልቀመላኺ ኢሳያስ ጸይሩዎ ይኸይድ ኣሎ። መላኺ ኢሳያስ፡ ንኣህጉራዊ ሕግታት ጥሒሱ ኣብ ሓንቲ ልኡላዊት ሃገር ሰራዊቱ ኣእትዩ ህዝቢ ክጭፍጭፍ ንብረት ክራሲ ሰላም ክዘርግ እንከሎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ዓገብ ኣይበለን፡፡ ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ሕጊ ንምኽባር ኢሉ ሕጊ ክቀብር እንከሎን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ ወርሒ ኣማኢት ኣሽሓት ኣጋር ሰራዊት ኣሰሊፉ፡ ብነፈርቲ ኩናት፡ ብታንክታት፡ ብሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኣብ ልዕሊ ቆልዓ ሰበይቲ ገበን ክፍጽም እንከሎ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ስቅታ መሪጹ። ዓቢዪ ኣሕመድ ምስ መላኺ ኢሳያስ ተላፊኑ፡ ህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ንምምብርካኽን ዝካየድ ስቃይ ካብ ዓለም ንምሕባእን፡ ኣገልግሎት ተለፎን፡ መጓዓዝያ፡ ባንኪ፡ ሕክምና፡ ኢንተርነትን ኣህጉራዊ ተዓዘብትን ጋዜጠኛታትን ሓቂ ንኸይገልጹን ብምኽልካል ሕቡእን ዘስካሕክሕን መቅዘፍቲ ተፈጺሙ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ዝተበገሰሉ ዕላማታትን ክብርታትን ንምትግባር ግዳማዊ ምትእትታው፡ ድኽነትን ጸገማት ትካላዊ ኣሰራርሓን’ኳ እንተለዎ፡ እቲ ካብ ኩሉ ዝገደደ ክፍውሶ ዘይክኣለ ሕዱር ሕማም ግን፡ ብህርፋን ስልጣን ዝዓወሩን ብዛዕባ ነብሶም ጥራይ ዝሓስቡ ስሱዓትን ውልቀመለኽቲ መራሕቲ ስለዘለውዎ ኢዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ እዚ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ መን ዓብለለ ኩናትን ምምዝባልን መግትኢ ክገብረሉን ክብረትን ህይወትን ህዝቢ ክሕሉን ይግባእ። ኣፍሪቃ ምስ ባህርያዊ ጸጋታታ፡ ምቅሉል ህዝባን ክቡር ባህላን፡ ህዝባ ክስደድ፡ ጸሙ ክሓድር፡ መሬቱ መዐንደሪ ካብ ሕጊ ዝወጹን ሃብቱ ዝግብቱ ግዳማውያን ሓይልታትን መአንገዲት ሰብኣዊ ገበናትን ክትከውን የብላን።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 23 ታሕሳስ 2020
QUOTE: “እቲ ልዕሊ 1 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎን ን55 ሃገራት ዝጠርነፈን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብ25 ግንቦት 1963 ክምስረት እንከሎ ባዕዳዊ መግዛእትን ዓሌትነትን ንምምካትን ከምኡ’ውን ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘጋጥመን ናይ ሓባር ጸገማት ንምፍታሕን ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ። “ UNQUOTE
ግላዊ ሓሳብ 24 12 2020
ቅድም ቀዳድም ይቕረታ እሓትት ።
ኣፍሪቃውያን መራሕቲ፣ ንባዕሎም ክብርን ጥቕምን እተዘይኮይኑ፣ ንህዝቢ ዝሓለይሉ ግዜ ተራእዩ ኣይፈልጥን ።
ሕጅውን፣ ዝገደደ ድኣ ኮይኑ እምበር ፣ ሕዝቢ ኣፍሪቃ ብመራሕቶም ክኽበሩን ክሕገዙን ኣይረኣናን ። ተስፋውን የብልናን።
ርኣዩንዶ ካብ ምስራቕ ኣፍሪቃ ክሳብ ምዕራብ፡ ካብ ደቡብ ክሳብ ሰምየን ኣፍሪቃ ። ንምንታይክ ሸንኮለል ንብል ?!?! ካብ ገዛና: ካብታ ነፍቅራን ንጃሃረላን፡ ተፈታዊት ሃገርና ኤሪትርያ ፡ ናይ ሰላሳ ዓመት መውሳእቲ ዝተኸፍለላ ፡ ዘይንርዓኢ ? መን ሓሰቦ፣ ኤሪትርያ ከምዚ ክትከውን?!?!? እምበርዶ ተስፋ ኣለዋ ንሓዋሩ? እስኪ ጸርፊ ገዲፍና ነቕልብ ናብቲ ቁም ነገሩ >>> ኣምላኽ ሰልክይዎ ድኣ ካይከውን እምበር !!!!!!
Correction
Please read ዘይንርኢ? instead of ዘይንርዓኢ ? Last paragraph, second line.
This dark continent has been a play ground for foreign investors since David Livingstone set foot in its soil. The local chiefs might have changed their animal hide outfits to suits and tie but the attitude toward their white masters remain the same. The Mongols built a big ornate edifice for them to congregate at a hefty price of plundering the continents natural resources indefinitely guarantying them a fraction of the income for life and selling them the weapons they need to defend their throne and loot against their own people. Mother Africa is the worst enemy of her children– she eats them, as evidenced in this split second innocent blood being spilled in the Godforsaken place we call home. It rule of the jungle a perfect fit for the habitat of the wild.
Why are political opportunists suddenly vacillating about the ineptness and corrupt nature of the AU, IGAD, COMESA etc…? These inter-governmental bodies have long been exploited by the TPLF criminal gangs and European white supremacist…So much so they were used as spring boards to land posh jobs in UN agencies such as the child killer Tedros Adhanom. With that in mind, one should ask why are people up in arms about these African institutions? At the very least, this is a moment to rejoice when key African leaders such as South Africa’s Ramaphosa, Ethiopia’s Ahmed, Eritrea’s President Isaias Afewerki, Somalia’s Farmaajo, Sudan’s Hamdok are display firm leadership in advocating African problems by Africans… A position long held by the people ad government of Eritrea.
መራሕቲ ኤጋድ ፥ ቦቦቶኦም ምስ ሓዙ ፥ ናይ ነፍስ ወከፎም ባንደራ ፥ ብድሕሪኦም ተሰቂለን።
ኢታ ናይ ኤሪትራ ትባሃል ፥ ምስታ ናይ እትዮጵያ ፥ ክልቲኤን ድሕሪ ኣቢይ ኣሕመድ ተሰቂለን። ኣቢይ ኣሕመድ ንኤሪትራ ይውክል ከም ዘሎ ዘርኢ ናይ ፕሮቶኮል ስርዓት ታዓዚብና ።
እሰያስ ፥ ስልጣኑ ንኣቢይ ኣሕመድ ኣረኪቡስ ፥ ካብ ህዝቢ ንኽሕባእ ኣብ በረኸ ይሓደር ኣሎ።
ናይ መራሕቲ ህግደፍ ሃገራዊ ክሕደት ክትሽፍን ኣይትጽዓር።
W.H., remember this is the party which prides itself of its Pushkin ancestry and displays it in the heart of our capital , what a shame for the black race.
እወ ፥ እታ ንኤሪትራን ህዝባን ነጻ ከዉጹኡ፥ ህወቶም ዝበጀዉ ጀጋኑ ዝታሓንቁላ ኣስመራ ፥ ንፑሽኪን ክብሪ ሂባ።
Selam Wedi hager, if that is what you are being reduced to interpret then we are in excellent shape. Our govt could careless about IGAD, which is why none of our folks showed up. As to where IGAD lines up our flag, who cares? Why is that a big deal? if that is our govt’s biggest short comings, we will gladly take it!
What IGAD has done to us under the firm grips of the criminal Meles Zenawi (may he burn in hell) is unforgivable. Secondly, the meeting was held in Djibouti which entials Western Poodle Guelleh will MC things, so why show up. Show them the middle finger and go on to better and important things of building our country which our president is busy focusing on than wasting people’s money on useless meeting in enemy territory – Djibouti