ሓጺር ትዕዝብቲ ብዛዕባ ትግራይን ተጋሩን
ኣማኑኤል ሳህለ
ኣስታት 4 ዓመት እናተመላለስኩ ኣብ ትግራይ ተቐሚጠ እየ። መብዛሕትኡ ትዕዝብተይ ኣብ መቐለ እተሓጽረ ኪኸውን ከሎ፡ ናይ ካልእ ቦታታት’ውን ብመጠኑ ሕጽር ዝበለ ትዕዝብቲ ኣሎኒ።
ጋዜጠኛን ተመራማርን ብምዃነይ፡ ንነኣሽቱ ነገራት ብብዙሕ ገጽታታቶም ክርእዮምን ክምርምሮምን ደስ ይብለኒ። ናይ ታሪኽ ተመሃራይ ብምንባረይ ድማ፡ ንዝኾነ ነገር ንድሕሪት ተመሊሰ ክርእዮን ምኽንያት ክደልየሉን ኣይጽግመንን።
ቅድሚ ኣብ ትንተናን ትዕዝብትን ህዝቢ ምእታወይ ግን፡ ኩሉ ኣብ ዓለም ዚነብር ሰብ ብመሰረቱ ሕደ ከም ዝኾነ ክሕብር እፈቱ። እቲ ኣብ መንጎ ደቂሰብ ዚረአ ናይ ባህርያትን ናይ ኣተሓሳስባን ናይ ጠባይን፡ ናይ ስምዒትን ተጻዋርነትን ፍልልያት፡ መብዛሕትኡ ግዜ ውጽኢት ናይቲ ህዝቢ ሕሉፍ ተመክሮን፡ ናይቲ ህዝቢ ተመክሮ ግብረመልስን፡ ድምር ናይቲ ብግብረመልሲ ዚመጽእ ኣወንታዊ ወይ ኣሉታዊ ሳዕቤናትን ደኣምበር፡ ምስኡ እተፈጥረ ሕላገት ኣይኮነን።
ብሓጺሩ፡ ባህርያት ሰብ መብዛሕትኡ ግዜ ጀነቲካዊ ወይ ዘርኣዊ ዘይኮነስ፡ ባህላውን (cultural) ልምዳውን (memetic) ማሕበራውን ፖለቲካውን እዩ።
ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ንምምጻእ፡ ህዝቢ ትግራይ፡ ናይቲ ኣክሱማዊ ስልጣኔ ወናኒ ብምዃኑ፡ ኣብ ታሪኽ ኢትዮጵያ ዓቢን ኣገዳስን ተራ ተጻዊቱ እዩ። ኣብዚ ግዜናውን ነቲ ዝሓለፈ ዲክታቶርያዊ ስርዓት ንምፍራስ መሪሕ ተራ ተጻዊቱ እዩ።
ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር፡ እቲ ንትግራይን ከፊል ኤርትራን ሸፊኑ ዝነበረ ኣክሱማዊ ግዝኣት፡ ነቲ ሕጂ ናይ ሓበሻ ዚብሃል ዘሎ ግዙፍን ረቂቕን ባህሊ (physical and metaphysical culture) ዘመንጨወን ዝዓቀበን እዩ።
ኣብ ሓንቲ ሓቦ፥ ሕላገት ተጋሩ (ኣርእስታ ተጋግየ ክኸውን እኽእል እየ) እትብል መጽሓፍ ከም ዘንበብኩዎ፡ ኩሉ ባህሊ ሓበሻ ዚብሃል፡ ከም ስዋ፡ ሜስ፡ ነጸላ፡ ዙርያ፡ ትልሂትን ጓይላን፡ ሚዶ፡ ጣይታ ወይ እንጌራ፡ ሽሮ፡ እተፈላለዩ ናይ ገጠር ኣቕሑ ገዛ፡ ከምኡውን እቲ ቋንቋ ንባዕሉ ማለት ትግርኛ ወይ ቋንቋ ትግራዋይ፡ ጽሕፈት፡ ናይ ቅዳሴ ስርዓትን ዜማን ወዘተ. ካብ ትግራይ ዝመንጨወ ኢዩ፡ ይብል። ነቲ ግዙፋዊ ባህሊ መርጎዲ ዝኾነኒ መረጋገጺ ድማ፡ ተጋሩ በዚ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ኤርትራ ምስ ተሰጎጉ፡ ኣብ ዕዳጋታት ኣስመራ ብዙሕ ከም ንቡር ጌርና እንወስዶ ዝነበርና ባህላዊ ነገራት ከም ዝጠፍአ ባዕለይ እተዓዘብኩዎ ተርእዮ እዩ።
ብሓጺሩ፡ መብዛሕትኡ እቲ ኢትዮጵያዊ ይኹን ወይ ኤርትራዊ፡ ባህለይ ልምደይ ኢሉ ዚኾርዓሉ ነገራት፡ መበቆሉ ትግራይ ምዃኑ ኩሉ ሰብ ታሪኽ ዚምስክሮ ሓቂ ኢዩ።
ብተወሳኺ፡ ሃይማኖት ኣይሁድነትን ክርስትናን እስልምናን ኣብ ኢትዮጵያ ኪዝርጋሕ ዝኸኣለ ብመገዲ ኣኽሱማዊ ንግስነት ኢዩ። ኣይሁድነት ኣብ ግዜ እስራኤላዊ ንጉስ ሰሎሞን፡ ክርስትና ኣብ ግዜ ኣክሱማዊ ንጉስ ኤዛና፡ እስልምና ኣብ ግዜ ነጃሺ ንጉስ ኣክሱማዊ ግዝኣት።
ንእግረ መገደይ ናይቲ ኣብ ካይሮ ዚርከብ ኣል-ኣዝሃር መስጊድ ዝማዕረገ ኢማም፡ ሼኽ ኣሕመድ ኣል-ጣየብ፡ ንንጉስ ኣክሱም (ትግራይ) ኣመልኪቱ ኣብ ቀረባ ግዜ ኣብ ናይ ጀርመን ባይቶ ተረኺቡ ዝበሎ ክጠቅስ እፈቱ። ንሱ ከምዚ ዚስዕብ ይብል፥
”……………… ሓበሻን [ትግራይን] እቲ ነቶም ፈለምቲ ኣመንቲ እስልምና እተቐበሎም ክርስትያን ንጉሳን እንተ ዘይህልዉ ነይሮም፡ እስልምና ጌና ብዕሸሉ ከሎ ምጸነተ ነይሩ……”
እዚ፡ ነቶም ዘስተውዕሉ፡ ንሰማይን ምድርን ዘንቀንቅጥ ቃል ኢዩ።
ናብቲ ቀንዲ ኣርእስተይ ብምምላስ፡ ሓደ ካብቲ ኣብ ትግራይ ከሎኹ እተዓዘብኩዎ ባህርያት፡ እቲ ህዝቢ ኣብ ጋሻ ዘለዎ ኣኽብሮት እዩ። ቀልጢፍካ በግ ምባል ወይ ምሕራቕ እውን የልቦን። ኣብ ኤርትራ እውን ምሉእ ብምሉእ ናይ ኣኽብሮት ባህሊ ኣሎ፡ ግን ኣብ ገጠራት እምበር ኣብ ከተማስ ዳርጋ እናጠፍአ ኢዩ ዚኸይድ ዘሎ ኪብሃል ይከኣል። ኣብ ትግራይ ግን ኣብቲ ከተማታትውን ናይ ምኽባርን ውርዙይ ቃላት ናይ ምዝውታርን ባህሊ ዝጠፍአ ኣይመስልን። መንእሰያት ትግራይ ንዓበይቲ የኽብሩ እዮም፡ ገለ ናይ ምዝንጣል ባህርያት ኣይረኣኹሎምን።
ይኹንምበር፡ ብግዜ ውቤ ዝጸመመስ፡ ዝባን ውቤ እናበለ ሞተ ከም ዚብሃል፡ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ተጋሩ ዘለዎም ዝንቡዕ ኣረኣእያ ኪሰግሩዎ ኣይከኣሉን። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ድማ እቲ ናይ ህዝብታት ባህርያዊ ምውሳእ ነቲ ህዝቢ ክንዲ ዝግደፍ መራሕቲ ስለ ዝኣተዉዎ ኢዩ።
ገለ ካብቲ ንኣሕዋት ህዝብታት ትግራይን ኤርትራን ዚፈላልዮም ባህርያት፡ ጀዮግራፍያውን ማሕበራውን ፖለቲካውን ቁጠባውን ኣቃውማ ዝፈጠሮም ደኣእምበር ኣብ ደሞም ዝሰረጸ ኣይኮነን።
ኤርትራ ንኣስታት 70 ዓመታት ኣብ ትሕቲ ጣልያንን እንግሊዝን ክትግዛእ ከላ፡ ትግራይ ግን ኣብ ኢትዮጵያዊ ክልል እያ ነይራ። ምሕደራ ጣልያንን እንግሊዝን ነቲ ብመጠኑ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ፊውዳላዊ ስርዓት ከህስሶ ኸሎ፡ ኣብ ትግራይ ግን፡ እቲ ፊውዳላዊ ምሕደራን ንኣኡ ዘሰንዮ ባህርያትን፡ ካብኡ ዝምንጩ ናይ ኣኽብሮት ባህልን ልምድን፡ ብመጠኑ ኪቕጽል ኣኽኢሉዎ ኢዩ።
መብዛሕትኡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ተጋሩ ዘለዎ ኣረኣእያ ኣሉታዊ ኪኸውን ከሎ፡ መብዛሕትኡ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ኤርትራውያን ዘለዎ ኣረኣእያ ግን ኣወንታዊ ይመስል። ኣነ ከም እተዓዘብኩዎ (ምናልባት እቲ ትዕዝብቲ ሰፊሕ ከይከውን ይኽእል እዩ) ተጋሩ ንኤርትራውያን ከም ቅኑዓትን ለጋሳትን ተዋዘይትን ጌሮም እዮም ዚወስዱዎም። ኤርትራውያን ግን፡ ብፍላይ ኣብዘን ዝሓለፋ 20 ዓመታት ዘጥረዩዎ ግንዛቤ፡ ኣብ ልዕሊ ተጋሩ ዘለዎም ኣረኣእያ ኣዚዩ ኣሉታውን ዘይሚዛናውን እዩ። እዚ ድማ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝጠቐስኩዎ፡ ውጽኢት ጽልዋ መራሕቲ ሃገርን ኣጀንዳታቶምን እምበር ናይቲ ህዝቢ ጭዋ ባህሊ ወይ ልምዲ ከም ዘይኮነ ኩሉ ዘስተውዕል ሰብ ኪግንዘቦ ይግባእ።
ኣብ ሓደ ብ1935 ኣከባቢ፡ ሓደ ኢጣልያዊ ሶልዳቶ ወይ ወትሃደር ዝጸሓፎ መጽሓፍ ‘Il mio sogiorno fra i popoli di Agame’ (ጻኒሒተይ ምስ ህዝቢ ዓጋመ) ከምዚ ዚብል ኣንቢበ፡ ” ከም ተጋሩ ንሕማምን ቃንዛን ንብሶትን ሕሰምን ዚጻወር ህዝቢ ርእየ ኣይፈልጥን”። ፈርዲናንዶ ማርቲኒ፡ እቲ ናይ መጀመርያ ኢጣልያዊ ሲቪላዊ ኣመሓዳሪ ኤርትራ እውን ኣብ መጽሓፍቱ ተመሳሳሊ ርእይቶ ሂቡ እዩ። ኣብ ውግእ ብርቱዓት ምዃኖምውን ይምስክር።
ብንግድን ብባህልን ቋንቋን ከምኡውን ብሃይማኖት መዳይ ተመሳሳልነት ዝነበሮን ዘለዎን ህዝቢ ከበሳዊ ኤርትራን ትግራይን፡ ኣብቲ ኣክሱማዊ ስልጣኔ ሰፊኑሉ ዝነበረ ዘመን፡ ብርቱዕ ባህላውን ቁጠባውን ምትእስሳር ከም ዝነበሮ እውን ክንርስዕ ኣይግባእን።
ነዚ ሓቅዚ ዚኽሕድ ሰብ፡ ታሪኽን ባህልን ሰባት ብዕምቆት ዘይምርምር ጥራይ ዘይኮነስ፡ ነቲ ንምዕባለ ኣበርክቶ ዘይብሉ፡ ፋይዳ እውን ዘይርከቦ፡ ብህዝቢ ዘይኮነስ ብመራሕቲ ሃገር ዚትለም ፖለቲካውን ቁጠባውን ማ|ሕበራውን ፈላላዪ ኣጀንታታትን መጻልኢ ትልምታትን ከም እንኮ መመርኮሲ ገይሩ ዚወስዶ ሰብ ጥራይ እዩ።
ንመደምደምታ ሓደ ብጻየይ ዝበሎ ክጠቕስ። ንሱ ነዚ ኣብ መንጎ ኤርትራን ትግራይን ተኸሲቱ ዘሎ ኩነታት ከምዚ ዚስዕብ ብምባል ብውሑድ ቃላት ይገልጾ፥
ኣብ ታሪኽ ወድሰብ፡ ዳርጋ ንመጀመርያ ግዜ ፖለቲካዊ ወይ ቁጠባዊ ዶብ ዘይኮነስ፡ ባህላዊ ዶብ ኪምስረት ዚሕለንን ዚፍተንን ዘሎ ኣብ ኤርትራን ብመራሕቲ ኤርትራን ኢዩ እንተ ተባህለ ምግናን ኣይኮነን።
“ብንግድን ብባህልን ቋንቋን ከምኡውን ብሃይማኖት መዳይ ተመሳሳልነት ዝነበሮን ዘለዎን ህዝቢ ከበሳዊ ኤርትራን ትግራይን፡ ኣብቲ ኣክሱማዊ ስልጣኔ ሰፊኑሉ ዝነበረ ዘመን፡ ብርቱዕ ባህላውን ቁጠባውን ምትእስሳር ከም ዝነበሮ እውን ክንርስዕ ኣይግባእን”።
ኣማኑኤል ሳህለ
ታሪክ ከባቢና ፣ ብሰንኪ ንፖሊተካዊ ሃልኪ ክጥቀሙሉ ዝደልዩ ሙሁራት ፣ ኑጹር ስእሊ ናይ ሑሉፍና የንጸባርቅ ኢዩ ኢልካ ምዝራብ ኣጸጋሚ ኢዩ። ብሰንኩ ፣ ሓደ ታሪኻዊ ጉዳይ ፣ ብተጋራጫዊ ተረታት ክግለጽ ይረአ።
ኣብ ታሪኽ ምስልምና ፣ ሓደ ፍትሓዊ ዝኾነ ኑጉስ ሓበሻ (ክርስትያን) ኣሎ ኢሎም ፣ ኣብ ኣክሱም ዝነበረ ኢዩ ዝብል መረጋገጺ ግን ፈጺሙ የለን።
እቲ መቃብር “ነጃሺ” ዝባሃል ፣ ኣብ ጉዕዞ ከሎ ኣብኡ ሞይቱ ተቀቢሩ ይባሃል። መን ኢዩ ካበይ መጺኡ ናበይ ይኸይድ ነሩ ዝብል ሕቶታት ፣ መልሱ ብኣፈ-ታሪክ ዝዋሃብ ጥራሕ ኢዩ።
ከምኡ’ዉን ክርስትና ፣ ኣስታት 400 ዓመት ድሕሪ ልደተ-ክርስቶስ ፣ ብግዜ ኤዛና ብሶሪያዊያን “ፍሩመንቲዮስ” ከም እተኣታተወ ይግለጽ። ካብ “ማዕሉላ” ዝባሃል ከባቢ ደማስቆ ተበጊሶም ዝብል’ዉን ኣሎ። ካልእ ቡዙሕ ከም ታሪኽ ዝግለጽ ፣ ዝተሰነደ ዛንታ ዘሎ ኣይመስለንን።
ናይ ኣክሱም ስልጣኔ ፣ ብርክት ዝበለ ከባቢታት ቀርኒ ኣፍሪቃ ዝጸለወ ፣ መቀጸልታ ናይቲ ንጣኦት ዘምልኽ ዝነበረ “ሳባዊ” (ምስራቅ የመን እትርከብ “ማእራብ” ) ስልጣኔ ሙዃኑን ፣ እዛ ሎሚ ኤርትራ እትባሃል ሃገር ኣካል ናቱ ምንባራ ዘረጋግጽ ቡዙሕ ቅርስታት ኣሎ።
ስለዚ ፣ ቋንቋን ባህልን ናይቶም ሓበሻ ዝባሃሉ ኣህዛብ ፣ ካብ ትግራይ ዝመንጨወ ዘይኮነስ ፣ ናይ ሎሚ ምስራቅ ሱዳን ሓዊስካ ፣ ናይዚ ከባቢ ናይ ሓባር ታሪኽና እዩ።
ኢዚ ሕጂ ሰብ ዘናዉጽ ዘሎ ሃገራዊ መንነታታ፣ 150 ዓመት’ዉን ዘይገበረ ኢዩ። ኢትዮጵያ ፣ ኤሪትራ ፣ ሱዳን … ወዘተ ፣ ሓድሽ መንነታት እዩ። ኩላህና ኣሕዋትን ኣሓትን ኢና። 6000 ዓመታት ዘለዉ ስልጣኔ ግብጺ’ዉን ጸሊዩና ኢዩ። ምኽንሻብ ፣ ቁንናነ ናይ ትግረ፣ ብሓዊ ቶኪስካ ምፍዋስ ፣ ማሕጎማ ፣ ፍንጃን ቡን ምንባብ …ወዘተ ባህሊ ፎርዖናዊያን ኢዩ።
ብሓጺሩ ፣ ንህዝቢ ትግራይ ከግዱለሉ ደሊየ ዘይኮንኩ ፣ ንሶም ንበይኖም ዝዉንኑዎ ፣ ካልኦት ድማ ተለቃሕቲ ዝኾኑሉ ስሌጣኔ ኣይነበረን። እቲ ዝነበረ ፣ ናይ ሓባር እዩ።
ወዲ ሃገር
From Prof. Emmanuel’s article, all I see is the positive history of Tigray. He didn’t say much negative about anyone else. I am sure you appreciate that.
Axumite kingdom includes Tigray + some portion of Eritrea, if I am not mistaken. At least Axum, and in Eritrea (Belew Kelew (Metera), QoHaito, Adulis, etc).
The good Prof stated how respectful the people of Tigray are. I see nothing wrong with that. Can you write an article to support or contradict his article. Since you are commenting day in & day out about unity, your comment on this response to contradict that.
With respect.
ሰላማት ኩቡር ስምኦን
“He didn’t say much negative about anyone else. I am sure you appreciate that.”
Simon G.
“ብግዜ ውቤ ዝጸመመስ፡ ዝባን ውቤ እናበለ ሞተ ከም ዚብሃል፡ ኤርትራውያን ነቲ ኣብ ተጋሩ ዘለዎም ዝንቡዕ ኣረኣእያ ኪሰግሩዎ ኣይከኣሉን። ከምዚ ኪኸውን ዝኸኣለ ድማ እቲ ናይ ህዝብታት ባህርያዊ ምውሳእ ነቲ ህዝቢ ክንዲ ዝግደፍ መራሕቲ ስለ ዝኣተዉዎ ኢዩ።”
ኣማኑኤል ሳህለ
ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ ሓሓሊፉ ብኣልማማ ንህዝቢ ኤርትራ ዘቅርቦ ነቀፈታታት ፣ ቁቡል ኮይኑ ኣይስማዓንን። ክንደይ ዝግመት ክፋል ህዝቢ ኤርትራ ኢዩ ፣ ናይ ህግደፍ ፣ ናይ ጽልኢ ፖሮፖጋንዳ ጸሊዮዎ ንትግራዎት ከም ህዝቢ ዝጸልእ ?
ብዛዕባ ህዝቢ ምዝራብ ፣ ኩሉ ግዜ ጥንቃቄ ዘድሊዮ ጉዳይ ኢዩ።
ብሪኢይቶይ ፣ ሓበሻ ዝባሃል ህዝቢ ፣ ናይ ሓባር ጥንታዊ ታሪክን ስልጣኔን ዘለዎ እዩ። ብፍላይ ቅድሚ ክርስትናን ምስልምናን ኣብ ከባቢና ምእታዉ ፣ ቡዙሕ ናይ ባህሊ ፍልልያት’ዉን ዘይምንባሩ ምግማት ኣየጸግምን።
“ልዕሊ ክልተ ሽሕ ዓመታት ይገብር፡ እቲ ንትግራይን ከፊል ኤርትራን ሸፊኑ ዝነበረ ኣክሱማዊ ግዝኣት፡ ነቲ ሕጂ ናይ ሓበሻ ዚብሃል ዘሎ ግዙፍን ረቂቕን ባህሊ (physical and metaphysical culture) ዘመንጨወን ዝዓቀበን እዩ።”
ኣማኑኤል ሳህለ
እዚ ኣባሃህላ’ዉን ኩሉ ሓቂ ኣይኮነን። ኣብ ግዜ ስልጣኔ ኣክሱም ፣ ትግራይ ትባሃል ኣዉራጃ ነይራ ይብል ኣሎ፣ እንዲዒ። ካብ ማኣስ ጀሚሩ እዩ ዝብል ሕቶ ክምልስ እኳ እንተ ዘይካኣልኩ ፣ እዚ ሕጂ ከም “ዓዲ-ኣምሓራ” ዝፍለጥ ከባቢን ፣ ገለ ክፋል ናይ ምስራቅ ሱዳን’ዉን ኣካል ናይ ስልጣኔ ኣክሱም ምንባሩ እየ ዝፈልጥ። ትግረን ኣምሓርኛን ናይ ግእዝ “ላህጃታት” ሙኻነን ዘካትዕ ኣይኮነን።
ኣክሱም ምንጭን ዓቃቢት ክርስትናን ሙዃና ኣይኮንኩን ዘይቅበል ዘለኹ። ናይ ሳባዊያን ፣ ጣኦት “ወርሕን ጻሓይን” እተምልኽ ነዊሕ ታሪክ ዘለዋ ኣክሱም ምንባራ ንጎኒ ምግዳፍ ጠቃሚ ኣይኮነን ባሃላይ እየ።
ከምቲ ጻሓፋይ ዝበሎ ፣ መስፍናዊ ባህሊ ኣብ ትግራይ ጹዑቅ ሙዃኑ ፣ ቡኡ ድማ ቅርጽን ባህልን ሕብረተሰብ ፣ ካብቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ፍልይ ዝበለ ሙዃኑ ሓቂ ኢዩ። ንሰብ ብኣኽብሮት “ኣንቱም” ፣ “ንሶም” ምባል ፣ ኣብ ገሊኡ ቋንቋታት ኣሎ ፣ ኣብ ገሊኡ የለን።
ህዝቢ ትግራይ ፣ ካብ ቀደም ሓዉና ፣ ሕጂ’ዉን ሓዉና ፣ ጎረበትና ፣ ብኣኽብሮት ጥራሕ ኢና ክንጠቅሶም ዝግባእ። ንፖሊቲካዊ ሃልኪ ኢልና ፣ ንበይኖም ዋናታት ስልጣኔን ጎይቶት ጠባይ ክንብሎም ግን ፣ ዝጠቅሞም ኣይኮነን።
“ክብርታትና” ተቀቢልኩም ንበሩ ንዝብሉ ገለ ሰራማት ጥራሕ ዝጠቅም አይዲዮሎጂ ኢዩ።
ሰላማት ወዲ ሃገር
ኣብ ኩሉ ዝበልካዮ እሰማማዕ.
ህዝቢ ትግራይ ፣ ካብ ቀደም ሓዉና ፣ ሕጂ’ዉን ሓዉና ፣ ጎረበትና ፣ ብኣኽብሮት ጥራሕ ኢና ክንጠቅሶም ዝግባእ። ንፖሊቲካዊ ሃልኪ ኢልና ፣ ንበይኖም ዋናታት ስልጣኔን ጎይቶት ጠባይ ክንብሎም ግን ፣ ዝጠቅሞም ኣይኮነን።
[ወዲ ሃገር]
መን ‘ዩ ከምዚ ዝብል? መን ከ ክቕበሎ? እቲ ዝበዘሐ ናይ Axumite Kindome historical places ‘ኳ ኣብ ኤረትራና ዩ ዘሎ። በለው ከለው [መጠራ] ቆሓይቶን ኣዱሊስን ‘ኳ ኣብ ኤረትራን ‘ዩ ዘሎ።
“ህዝቢ ከበሳዊ ኤርትራን ትግራይን”
ኣሃ! ኣሃ! ኣሃ! ኣተና ናብ ታሪኽ ኤርትራን ትግራይን
ናብ ምንታይ ኮን ይኸዉን መዳያይቦና፤ ኣብዚ እዋን እዚ
ኣሃ! ሽጣራ ይብልዎ ብዓረብኛ
መን ንመን ከዐሹ እዩ እቲ ሕቶ
ብፍላይ ኤሪትራ ኣብዘይከውን ኩነታት እናሃለወትሉ
ሓቂ ብሓቂ ሽጣራ
ንዑ ድኣ ዓቕሊ ግበሩ፤ ኤሪትርያ ሓራ ስጋብ ዘወጸትሉ
ሕራይ በሉ ክትጸድቁ ጥራይ ዘኮነ ሰላም ክትረኽቡ
ሃገር ወሲድኩም ሰላም ካይት ስእኑ ንመዋልኩም
ልቦና ይሃበና ንኹልና
ኢንሻላህ ፤ ኣሜን ብተኸታታሊ ፊደል አ ኡ ኢ ኣ …
It is like when you win a Lotto everyone wants to be your relative, what if this little unfortunate nation called Eritrea was a landlocked barren land tucked away in a remote insignificant part of the world?… how accurate or distorted the historical recounts presented in this article, it is a blatant deflection from what is going down on the ground, the very people who you trying to weave a common historical and cultural tapestry are on the verge of extinction by a protracted war and famine.
Forget doing, what if we can write something that can save us from this free fall into the abyss.
History class! for real!
Another sun rises in adi halo.
Dear Readers,
a). First, Excuse me for coming in again.
b). I have a serious suggestion for what it is worth
c). LET US CONCENTRATE, NINETY-NINE PERCENT, ON THE VISION OF FREE,
INDEPENDENT ERITREA. FULL STOP >>>> NOTHING ELSE.
d). If we have difficulty doing that, then we only have one phenomenon to blame: NATURE.
e). Meaning, WE can’t help being what we are. CHECK BACK OUR HISTORY.
f) Indeed, (f) Meaning: TOTAL FAILURE >>> an example to the rest of the World.
Epic fail indeed. I completely concur on that one rezen, to name a few…
Main export is refugees.
Main import is hawala.
Main operation, organ harvesting.
Main transportation sector, people trafficking.
Higher education, military camp and indoctrination.
A place where a hyena jay walks with the locals in the capital.
GNP depends on war, military training of foreign mercenaries, money extortion from local citizens and abroad, illegal port, sea and land leasing to predatory aliens…
last but not least— a colossal submission and servitude of people to their subjugators.
Greetings K. Tewolde,
.
Going into the most pertinent issue, you and many galants like you offered your LIFE to liberate Eritrea — noble undertaking
ERITREA was deceived by internal forces led by one ambitious and grudgedfull smart and daring individual. One can say, ERITREA was DECEIVED and FOOLED by INDIVIDUAL in its own LIBERATION FORCE!!!! In my humble knowledge of the history of Eritrea, this must be the greatest local ‘Houdini’ Act. ERITREA FOOLED ITSELF and DEFEATED BY ITSELF. In Eritrean philosophical saying, it is expressed by one word: MERGEM. And that hurts those who sacrificed their LIFE for Eritrea.
Dear Mr. K.Tewolde:: YOU — and thousands of Eritrean colleagues —will be remembered as ONE OF THOSE WHO SACRIFICED THEIR LIFE >>>> ONLY TO BE BETRAYED by ONE, and only ONE, SMART “Aleck”, citizen of Eritrea itself !!!!!!!!!!!!! Again, going back to the Eritrean philosophy (or belief): we leave our griviances up to the judgment of the Almighty God in Heaven.[ IGTHIHER YFELIT }
Sadly, It proved that Eritrea — for some mysterious reason — will NEVER get the reality of its ‘DREAM’..On the contrary, and sadness, Eritrea is now looked upon by “OTHERS” for their own Land. Outlet!!!! IT IS NOT>> NOT,>> NOT FICTITIOUS NARRATION. WE MUST FACE THAT SHOCKING POSSIBILITY I.e. LOSING ERITREA FOR EVER. — and Eritreans permanently scattered around the Globe.
HAVE THE STRENGTH TO STAY TUNED >>>> TO A SUDDEN REALITY of UP SIDE DOWN THE END ; WE ASKED FOR IT .
rezen, I am not giving up my Eritrean dream though it seems so far-fetched today, the dream I shared with my comrades in the vicinity of Tamarat and Adeibara before liberating the towns, in the outskirts of Agordat and Tessenei, the unrelenting hills of Barentu, that dream we held dearly in our hearts in the shida melting inferno of the Denakil depression, Iribli, Bada,Tio,Bailul,Barraasoli…the dream of those who fell liberating Mendefera and Adi Kuala…
Eritrea will be mended and resurrected, and the people will lift the fresh green olive branch again and dance the night away…
I am not giving up on this dream till the day the good Lord call me up, because a large piece of me is still roaming in those hallowed places I left behind along the young beautiful souls in shallow graves.
ሰላማት ኩቡራት ኣሕዋት
ህወት ለይለይ ዝብሉ ኣሻሓት መንእሰያት ዝተኸፍላ ናጽነት ፣ ኣብ ባርነት ቀይሮምዋ።
ንሕና’ዉን “ኣይሓመቅናን” ፣ ዝሃቡና ተቀቢልና።
ነቶም ዓገብ ዝበሉ ዉሑዳት ተባዓት ደቂ ሃገር እንዳ ኣናኣኣስና ፣ ካብ ጥፍኣትና ተሳቲፍና።
እነሆ ሎሚ ፣ ሰላም የለን ፣ ቁጠባ የለን።
ኣቢይ ኣሕመድ ንኣስመራ ምስ መጸ ፣ ኢሰያስ ፣ ንጋሻ ዝረኣ ገለ ነገር ኣይነበሮን። መገዲ ባጽዕ ወሲዱ በለስ ጋቢዙዎ። እሰያስ ንኣዲስ ኣበባ ምስ ከደ ፣ ኣቢይ ኣሕመድ ፣ ኣብ “ኢንዳስትሪያል ፓርክ” ወሲድዎ።
ኣብ ኮንትሮባንዶ ዝተመስረተ ቁጠባ ፣
ኣብ ማእሰርትን ምስዋርን ዝተመስረተ ምሕደራ፣
ኣብ ጽልእን ፍልልያት ኣብ ሙዕማቅ ዝተመስረተ ፖሊቲካ፣
ከም ዉጺኢቱ ድማ ፣ መንእሰይ ወለዶ ኣማዕዲዩ ዝሪኣ ሃገር ኮይና ኣላ። ግን ወጋሕታ ዘይቡሉ ጸልማት የለን። ግድን ክወግሕ ኢዩ።
ሰላም ወዲ ሃገር
ከም ልቦናኻ ይግበረልና
ሓቂ ብሓቂ ንሱ ጥራይ እዩ ዝተረፈና
ኢንሻላህ ፡ ኣሜን
ኩቡር ረዘን
ኣታሓሳስባና ከይቀየርና ፣ ስርዓት ኢሰያስ ክንቅይር ኣይንኽእልን።
ሰላም Dear Readers
ንድሕሪት ተመሊሰ ብዛዕባ ትምህርትና ክሓስብ ከለኹ ዝረኣየኒ እቲ ዝተገብረ በድል ኢዩ
ናይ ታሪኽና ብጥልቂ ክንዲ ዘምሁሩና ብዛዕብ ታሪኽ አንዳማትና [ኣውሮጳ] ዓጀው ክንብለ መንእስነትና የሕለፍናዮ ።
አሱ ጥራይ ኣይኮነን ። እቲ ጉድ፣ ናይ ጉድ፣ ካልእ እዩ ።
ዘሕፍር ዘሕዝን ዘጣዕስ ዘሕርቕ:>>> ቋንቋና ገዲፍና ቋንቋ አንዳማትና ከነጽንዕ ግዝየና ምሕላፉ
እሱ ጥራይ ኣይኮነን ። አታ ዝነበረትና ኣእሙሮ ብሕፍረት ተመረዘት ።
ቋንቋ አንዳማትና ከነጽንዕ ናህና ቋንቋ ንጎድኒ ክንገድፍ ኣየሕፈረናን
ሕጅውን ኣሎ ስጋብ ቋንቋና ዘሕፍረና ።
ሓንቲ ነገር ከዓ ኣላ ክንርስዓ ዘይግባእ
ቋንቋና ግእዝ ርእሱ ዝኻኣለ ፊደላት ዘለዎ፣
ብሰዋሱው ዝተመስረተ፣ አንከን ዘይብሉ ጽሑፍ፣
ካብ ኣንግሊዝ ቋንቋ ኣጸቢቑ ዝሰልጠነ [እወ ዝሰልጠነ] ከለና
ቋንቋ አንዳማትና ከም ጣኦት ሰገድናሉ ።
አቶም ገዛእትና ጣልያን እንግሊዝ ፈረንሳ ወዘተ ዝባሃሉ ከምዘምሃሩና፣ ኦሮማይ ኣብ ዓዘቕቲ ኢና ዘለና ካብ ጎሮኖና ንታሕቲ ንዘልዓለም ተገዛእቲ ።
And so, Dear Geez Readers, we are at the mercy of the foreign languages for our survival in Life. Our written elegant language, with grammar and all, is just a little bit better than total burial.
“ቋንቋና ግእዝ ርእሱ ዝኻኣለ ፊደላት ዘለዎ፣
ብሰዋሱው ዝተመስረተ፣ አንከን ዘይብሉ ጽሑፍ፣
ካብ ኣንግሊዝ ቋንቋ ኣጸቢቑ ዝሰልጠነ [እወ ዝሰልጠነ] ከለና ። ”
rezen
ብዛዕባ ፊደላትን ቋንቋን ግእዝ ክባሃል ዝግባእ ቡዙሕ ሓድሽ ነገር እኳ እንተ ዘይሃለወ ፣ ከም ናይ “ትግራዉነት” መለለይ ዘቅርብዎ ገለ ጡሩፋት ይቅልቀሉ ብምህላዎም ፣ ሱቅ ኢልካ ምሕላፉ ኣይካኣልን።
መጀመሪያ ግእዝ ናይቶም ኩሎም ናይ ሓበሻ ስልጣኔ ዝወረሱ ኣህዛብ ፣ ናይ ሓባር ንብረት ኢዩ።
ትግረ ፣ ትግርኛ ፣ ኣምሓርኛ ዝዛረቡ ኣህዛብ ናይ ኩላህና እዩ እንተ በሉ ጸገም የለን። ግን ሐድሽ ናይ “ትግራይ ሃገርነት” ንምምስራት ኣብ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ፣ ከም ፉሉይ መንነት ናይ ትግራዎት ወይ ተዛረብቲ ትግርኛ ምቅራቡ ጠቃሚ ኣይኮነን።
በዚ ሕጂ ዘለዎ መልኩዑ እኳ እንተ ዘይኮነ ፣ ናይ “ሕምየር”ን ናይ “ሳባዊያን” ስልጣኔታት ዝማሃዙዎ ፊደላት እዩ። ኣይሁድና ኣብ የመን ቅድሚ ምዝርጉሑ ኩሎም ዝጥቀሙሉ ዝነበሩ ፊደላት እዩ።
ብሓጺሩ ዝብል ዘለኹ ፣ እዚ ካብ ትግራይ ዝብገስ ዘሎ ፣ ብዘይካና ኣብዚ ከባቢ ዝጠቅም ታሪክ ወይ ስልጣኔ ዘለዎ የለን ዝብል መልእኽቲ ዝሓዘለ ኣይዲዮሎጂ ፣ ሓደገኛ እዩ። ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ንዝርከቡ ጎረባብቲ ኣህዛብ ቁሉዕ ጸርፍን ምንቅንጻብ መንነቶምን ፣ ጎነጽ ብዝዕድም ኣገባብ ይፍኑዉ ምህላዎም ዘይተዓዘበ ዘሎ ኣይመስለንን።
ግእዝ ናይ ኩሎም ሓበሻ ዉርሻ እዩ። ኣብ ምንጎና ሰላም ንምስፋን ንጠቀመሉ።
ክቡር ወዲ ሃገር
ባህ ኢሉኒ በታ መእተዊት ጥቕሲ ዝጀመርካ ።
ናይ ጽሑፈይ መሰረት ንሳ ጥራይ እያ ።
ቋንቋ ብመሰረቱ መዘራራቢ እዩ፣ ጠንቁ ንጎድኒ ገዲፍና
ፍትወት ሃገርካ ዶ ጽልኢ ጎረቤት
ስለዘይሰራሕካ ብናትካ ሕምቀት
ብድኽመተይ ከይትብል
ናብ ካልኦት ትጥምት
ባዶ ገዛ ሒዝካ ብትዕቢት
ንዕቀት ተጎምጒምካ
ጋቢ መሲሉካ
ኣብ ናትካ ዓለም ትነብር
እምባሕ! በል ወዲ ኤረ ትብል
ኣብዘይንቡር ትነብር
ብላሽ
This current character you are profiling Simon has been in the making for decades in HGDEF’S indoctrination labs dating back to the liberation war, what you see today is its clones multiplying in record numbers both at home and abroad, both in pro and ‘opposition camp’, they just come in different hues. The DNA was cleaved from the one who today resides in adi halo. The more they talk, the more they sound like him, they are his preservative, they keep him fresh and young.
W.H. summed it up like this… ‘ኣታሓሳስባና ከይቀየርና ፣ ስርዓት ኢሰያስ ክንቅይር ኣይንኽእልን።… priceless!
Watch this space folks!
ሓቂ ምስበልኩኻ ሓው k. ተወልደ, የግዳስ ሓንቲ ዓባይ ነገር ተቐይራ ብድሕሪ ኮለኔል ኣብይ
ብዙሓት ደለይቲ ፍትሒ ዝመስሉ ዝነበሩ ድሕሪ ዝውግእ ከበባ ንትግራይ ብዙሓት ሕብሮም ቀይሮም።
ጽልኢ ንትግራይ ማለት ፍትውት ንኤረትር ኣይኮነን: ኣበደን።
ግዝያዊ ኣፈኛ ህግደፍ ኣወል ስዒድ (ቆርበት) ወዲ ሽረ
ኢሳያስ ብዓቢኡ ውዲ ተምቤን (ዕባይ ኣስመራ)
ሓጎስ ክሻ ወዲ ተምቤን (ዕባይ ሰንዓፈ)
የማነ ማንኪ ወዲ ጎጃም (ዕባይ ኣስመራ)
ስብሓት ኤፍረም ጎጃም (ዕባይ ኣስመራ)
do I need to continue?
“ጽልኢ ንትግራይ ማለት ፍትውት ንኤረትር ኣይኮነን: ኣበደን።
ግዝያዊ ኣፈኛ ህግደፍ ኣወል ስዒድ (ቆርበት) ወዲ ሽረ
ኢሳያስ ብዓቢኡ ውዲ ተምቤን (ዕባይ ኣስመራ)
ሓጎስ ክሻ ወዲ ተምቤን (ዕባይ ሰንዓፈ)
የማነ ማንኪ ወዲ ጎጃም (ዕባይ ኣስመራ)
ስብሓት ኤፍረም ጎጃም (ዕባይ ኣስመራ)
do I need to continue?”
Simon G.
ህግደፍ ዝመርሑ ዘለዉ ደቂ ሃገር ኣይኮኑን ንምባል ዘቅረብካዮ ኣብነት ኢንተ ኾይኑ ፣ ኢሞ ከይፈለጥና ኣብ መግዛእቲ መሊሶምና ኣሎዉ ማለት ዲዩ ?።
እቲ ወሪዱና ዘሎ መከራ ፣ ዝበዝሐ ክፋል ካብኡ ፣ ብዝተፈላለየ ምኽንያታት ፣ ኣብ ሕብረተሰብና ዘለዉ ማሕበራዊ ነቃዓት ምምዝማዝ ዘስዓቦ ጸገም ኢዩ።
ኣብ ሓደ ቡዙሕነት ዘለዎ ሕብረተሰብ ፣ ደቂ ሃገር ይኹኑ ወይ ካልኦት ፣ ንዘሎ ፍልልያት ብምብላሕ ፣ ግላዊ ጥቅሞም ከቀዱሙ ቀሊል ኢዩ።
እቶም ደቀባት ዝባሃሉ ፣ ረብሓ ህዝቦም ካብ ዘየቀደሙ ፣ ካልኦት ፣ ሓልዮት ክህልዎም ምጽባይ የዋህነት ጥራሕ ኢዩ።
እዞም ዝጠቀስካዮም ሰባት ፣ ንበይኖም ክገብሩዎ ዝኽእሉ የቡሎምን። ብዘይ ምትሕብባር ኣሕዋትናን ኣሓትናን ፣ ኣገደስቲ ሰባት ኣይምኾኑን። እሰያስ ንበይኑ ይገዝኣና ኣሎ ዝብል ግምት የብለይን።
ኣብ ስርዓት ኢሰያስ ኢድ ዘለዎም ብጣዕሚ ቡዙሓት ኢዮም ክብል እደፍር። ኣብዛ ጨካን ጉጂለ ፣ ብማዕረ ቁጽሪ ኣይኹን እምበር ፣ ቡዙሕነት ሃገርና ኣብኡ’ዉን ኣሎ። ብርግጽ እቶም ወሰንቲ ዉሑዳት ሙዃኖም እፈልጥ።
ቡዙሓት ካባና ፣ ጉዳይና ምስቲ ናይ ትግራይ ዘተኣሳሰሩዎ ፍታሕ ከቀላጥፍ ኢዩ ካብ ዝብል ግምት ኢዩ። ግን ኢዚ ጸረ-ምልኪ ስትራተጂ ፣ ኩሉ ደምበ ተቃዉም እንተ ዘየስሚሩሉ ፣ ኣብ ዘለናዮ ዕንክልል ፣ ሓድሽ ሓደገኛ ዓንኬል ክዉስኽ ሙዃኑ ምፍላጥ የድሊ። ሓደ መሪሕነት ካብ ዘይሃለወ ፣ ኣብ ሓድ-ሕዳዊ ጎነጽ ዝወስድ መገዲ ናይ ምኻድ ሓደጋ ኩሉ ግዜ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ወሳኒ ሓይሊ ወያኔ ኢዩ። ህዝቢ ትግራይ ኩነታቱ ካብቲ ናይ ኤርትራ ቡዙሕ ዝተፈልየ ኣይኮነን። ፖሊቲካዊ ዉሳኔ ኣብ ኢዱ ኣይኮነን። ዝጽላኣሉ ምኽንያት የለን።
ወያኔ ምጽላእ ፣ ከም ህዝቢ ትግራይ ምጽላእ ኮይኑ ክረአ ኣይግባእን ፣ ቁቡል’ዉን ኣይኮነን።
ወያኔን ህግደፍን ደቂ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ኢዮም።
“ወያኔን ህግደፍን ደቂ ሓደ ቤት-ትምህርቲ ኢዮም።”
And so, where do WE ERITREANS go from here?
Do we REALLY know what we want?
Do we really have detail plan for our future?
WE ERITREANS have gone through so many obstacles against our Freedom, Liberty and Happiness.
One can’t help wondering that dreaming is naturally hinged to our hallucination for eternity.
It is time to review our desire for our own benefit, peace, independence, happiness and ultimately being ourselves for our own happiness and tranquility. Too many words >>> I can’t help it.
MAY ERITREA BE HAPPY, IN ITS OWN WAY, (if that is possible in the PSYCHE of ERITREANS) . THE END
No need to Simon, my boyish intuition told me about this murky incursion into the pure Eritrean aquifer some moons ago just when I started learning to disassemble and assemble the AK-47 and I warned…’he doesn’t act and sound like us, he is not one of us.’… the replacement was already underway then.
I don’t recognize my home anymore.
Greetings Dear Eritreans
ንድሕሪት ተመሊሰ ብዛዕባ ትምህርትና ክሓስብ ከለኹ ዝረኣየኒ እቲ ዝተገብረ በድል ኢዩ::
ታሪኽና ብጥልቂ ክንዲ ዘምሁሩና ብዛዕብ ታሪኽ አንዳማትና [ኣውሮጳ] ዓጀው ክንብል መንእስነትና የሕለፍናዮ ።
አሱ ጥራይ ኣይኮነን ። እቲ ጉድ፣ ናይ ጉድ፣ ካልእ እዩ ።
ዘሕፍር >> ዘሕዝን >> ዘጣዕስ >> ዘሕርቕ ቋንቋና ገዲፍና ቋንቋ አንዳማትና ከነጽንዕ ግዝየና ምሕላፉ እዩ:
እሱ ጥራይ ኣይኮነን ። አታ ዝነበረትና ኣእሙሮ ብሕፍረት ተመረዘት ።
ቋንቋ አንዳማትና ከነጽንዕ ናህና ቋንቋ ንጎድኒ ክንገድፍ ኣየሕፈረናን::
ሕጅውን ኣሎ ስጋብ ቋንቋና ዘሕፍረና ።
ሓንቲ ነገር ከዓ ኣላ ክንርስዓ ዘይግባእ
ቋንቋና ግእዝ ርእሱ ዝኻኣለ ፊደላት ዘለዎ፣
ብሰዋሱው ዝተመስረተ፣ አንከን ዘይብሉ ጽሑፍ፣
ካብ ኣንግሊዝ ቋንቋ ኣጸቢቑ ዝሰልጠነ [እወ ዝሰልጠነ] ከለና
ቋንቋ አንዳማትና ከም ጣኦት ሰገድናሉ ።
አቶም ገዛእትና ጣልያን እንግሊዝ ፈረንሳ ወዘተ ዝባሃሉ ከምዘምሃሩና፣ “ኦሮማይ” ኣብ ዓዘቕቲ ኢና ዘለና
ካብ ጎሮኖና ንላዕሊ ንዘልዓለም ተገዛእቲ ።
And so, Dear Geez Readers, we are at the mercy of the foreign languages for our survival in Life. Our written elegant language, with grammar and all, is relegated to low place in favour of foreign language. It is just like wounding yourself for the pleasure of standbyers
COLONIALISM, with its own cruelty and single mindedness for its own objectivity, is determined, AT ANY COST, to keep us UNDERDEVELOPED BLACK AFRICANS — subservient to self-appointed masters for eternity, by any means necessary.
Colonialism never entertain defeat — but VICTORY, at ANY COST. WE SAW IT, WE SEE It; WE EXIST FOR IT; WE OBEY IT, WE DYE FOR IT. THAT IS COLONIALISM: OBEY IT; OR LOSE YOUR LIFE
Humble Inquisitiveness
Do Eritreans have their dream come true I.e. to have an independent country called Eritrea?
We may cajole ourselves that we have a liberated Eritrea, under an absolute dictator with absolute determination to have his absolute way. He succeeded — 100 percent. And Eritreans are left crying >>> as I am doing now while writing this note.
.
Thirty years of liberation war and another thirty years under an absolute dictator, with hidden grudge, made Eritrea an example of a country hungry for what other States have and enjoy their LIFE. Mysteriously, Eritrea NEVER had free country with freedom, liberty, and the pursuit of happiness. YEP!!! Eritrea has never known such phenomenon. It is the most mysterious and discriminatory nature of LIFE.!?!?!?!?!
Dearest Eritreans: KEEP ON GOING. IT IS OUR LUCK. If it is a consolation, I might even dare to add that the All Mighty God up in Heaven, in Tranquility, is really A DISCRIMINATOR, based on HIS own CRITERIA. THE END.
” … If it is a consolation, I might even dare to add that the All Mighty God up in Heaven, in Tranquility, is really A DISCRIMINATOR, based on HIS own CRITERIA. ”
rezen
ሰላማት ንኩሉኹም
ኣነ ፣ ዕድለኛ ኣይኮንኩን እብል።
ካልኦት ፣ ቀረጽ በዚሑና ወይ ሽጉርቲ ከቢሩ ኢሎም ኣብ ጎደና ወጺኦም ክጭድሩ ፣ ሓወይ ተሰዊሩ ከሎ ንብዓተይ ዓጊተ ፣ ብትዕግስቲ ዳሃዩ እጽበ። ተጸቂጥካ ምንባር ለሚደዩ ጸኒሐ።
ምስ መረረኒ ብድድ ኢለ ፣ እግረይ ኣብ ዝወሰደኒ ኸይደ ። ሃገር ከላትኒ ስደተኛ ኮይነ።
ስለምታይ ኮምኡ ኾይነ ፣ እንታይ ኢዩ በደለይ ?
እታ ሕቶ ከስተኻኽላ ፣ እንታይ ኢዩ ጉድለተይ ?
እወ ፣ እታ ካለአይቲ ሕቶ ፣ ንሳ ኢያ ወሳኒት።
ንሳ ፣ ካብ ቡዙሕ ኣብ ሓንጎለይ ዘሎ መሰናኽል ክገላገል ትሕግዘኒ። ክሳብ ማኣስ ፣ ዕድለይ ክከስስ ክነብር። ምልኪ ድኽመታተይ ተጠቂሙ ኣሸኒፉኒ።
ካብ ካልኦት ዝሓምቆሉ እንታይ ኣለኒ ?። ጉድለታተይ ኣሪመ ክብገስ ጥራሕ ኢዩ ዘለኒ።
ንበይነይ ኣይኮንኩን ብጾት ኣሎዉኒ። ምስኦም ተዛቲየ ክምራሕ ወይ ክመርሕ። ምእንቲ ሓርነት ህዝበይ ተጊሀ ንክሰርሕ። ኩሉ ይጽናሓለይ ኢለ፣ ሃገረይ ከቅድም።
ሕልመይ ፣ ምልኪ ሲዒረ ፣ ኣብ ሃገረይ ከቢረ ክነብር። ኣብ ዑና ኣቦታተይ ደይበ ፣ ኣማዕዲየ ክጥምት። ኣብ መቃብር ወለደይ ዕንባባ ከቀምጥ። ከምቲ ኩሉ ዓለም ፣ ኣብ ዓደይ ህወት ከስተማቅር።
ነቶም ኣብ ጎላጉል ፣ ኣብ ጎቦታት ዝገደፍኩዎም ኣሕዋተይ ክዝክር። ኣብ ሓወልቶም ተምበርኪኸ ንኹሎም ከመስግን። ንደቆም ሓቂፈ ፣ ንወለዶም ክዕንግል።
ሓዉኹም ወዲ ሃገር ፣ ብሰንኪ ድኽመቱ ፣ ባዓል ነባሪ ሽግር።
It is a profoundly agonizing sentiment which plagues every true Eritrean who is witnessing his/her very own sacred identity being desecrated and worn like a garb by the impostors who worked tirelessly to finish us off.
Yes, you are invited, keep dancing till your legs fall off in the party where the enemy is mixing the right drink of your demise like the old days (dimu-dimu)… what does it take? when we gonna learn?
How hard is to recognize the same racoon with a smirk who’s been stealing our meal for over half a century?…
W.H. you left me sobbing helplessly with your post.
“W.H. you left me sobbing helplessly with your post.”
k.tewolde
ኩቡር መምህረይ
ቆልዓ ከሎኹ ፣ ኣብ ምንጎ ኣብ ሓዘን ታኣኪቦም ዘለዉ ኣቦታት ፣ መልቀሶም ዝስማዕ ፣ ንብዓት ግን ዘይብሎም ክሪኢ ከለኹ ፣ እግረም ነይረ። ንሶም’ዉን ዓሚቅ ሓዘን ነይሩዎም ከም ዝኽእል ግን ምስ ዓበኹ ተረዲኡኒ።
ሎሚ ኣብ ኤርትራ ዝነብዕ ዉሑድ ኢዩ ፣ ሓዘን በዚሑ ንብዓትና ኻኣ ተጸንቂቁ።
ኣብ ጂቡቲ ፣ ብ “ለጆነር” ዝፍለጡ ፣ ካብ ዑሱባት ዝቆመ ሰራዊት ፈረንሳ ኣሎዉ።
ሓደ ደፋር መንእሰይ ፣ ጀርዲን ዝኹስክስ ወታሃደር ምስ ራኣየ ፣ “ዕንባባኹም ደስ ዝብል እዩ … ምስ ወፈርኩም ግን ቆልዑትን ኣንስትን ከይተረፈ ትቀትሉ …” ኢሉዎ። ተቆጢዑ ከይሃርሞ ፈሪሑ ክሃድም እንዳ ሓሰበ ከሎ ፣ እቲ ወታሃደር “c’est mon metier” [ስረሐይ ኢዩ] ኢሉ ፍሽኽ ኢሉ ።
ኣብ ኤርትራ ፣ እቶም ላዕለዎት መራሕቲ ሰራዊትን ጸጥታን ዝባሃሉ ሰባት ፣ ብሓደ በላዒ ሰብ ተመሪሖም ፣ ንደቆም እንዳ ተኻናኸኑ ፣ ዕሻላት ኣብ ዘየድሊ ዉግእ ክሃልቁ ምስዳድ ስሮሖም እዩ። ስኽፍ ኣይብሎምን።
ህዝቢ ኤርትራ ፣ ነቶም ብኣዉራጃን ሃይማኖትን መቃቂሎምዎ ፣ ኣብ ልዕሊ ረሳታት ደቁ ሸይሸይ ዝብሉ ዘለዉ ኣረመናት ፣ ብሓደ ድምጺ “ኣይንደልየኩምን ፣ ካብ ቅድሚ ዓይንና ታኣለዩ” እንተ ዘይሉዎም ፣ ኣብ ዓድና ኣዉያት ክቅጽል እዩ።
ዓገብ ንኽብል ኣፉ ንዘዝኸፈተ ፣ ካብ ዓይኒ ህዝቢ ኣሰዊሩ ሞት ዘኹልስ ጎጂለ ኣብ ስልጣን ክሳብ ዘሎ ፣ ህላወ ህዝብና ኣብ ሓደጋ ኣሎ።