ሎሚ ከኣ ኩናት! ንምጥፋእ ሓድጊ ዝተረፉ ደቂ ስውኣት!
ክቡራት ኣሕዋት!
ክቡራን ኣሓት!
ሰብ ንኹን ከም ቀደምና
ብኢሳያስ ክንጥፍእ ኣይኮናን ተፈጢርና
ሎሚ ከኣ ይሃርም ኣሎ ነጋሪት ኩናት
ሓድጊ ክኾኑ ዝተረፉ ንምጽናት
ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብዚ ብኢሳያስን ዓቢይን ዝህንደስ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ዘመተ መዋጽኦ ድኣ ይፍጠረሉ እምበር፡ ክትሓስቦ ከለኻ’ኳ ዘሰምብድን ዘባህርርን ኢዩ። ሎሚ ከኣ ካብ ዝቐደመ ናይ ህልቂት ኩናት ቁስሉ ከየሕወየ ናብ ዳግማይ ጥፍኣት ክምለስ ምግባር ክኣ ጥዑያት ሰባት ዝሓስቡዎን ዝትምነዩዎን ኣይኮነን። እዚ ከኣ፡ ክልተ ብስልጣን ዝሰኸሩ፡ ኢሳያስን ዓቢይን፡ ጋህዲ ክኸውን ዘይክእል፡ ዘትሃራርፍ ሕልሞም ጋህዲ ንምግባር ዘምበድብዱዎ ዘለዉ ሓዊ ኢዩ። ካብ ክልቲኡ ህዝብታት ተኸዊሎም፡ ብምስጢር ዝፈጸሙዎ ውዑላት፡ ክልቲኡ ህዝብታት ከም ዘይቅበሎ ስለ ዝፈልጡ ከኣ፡ ብምስጢር ክፍጽሙዎ ዝኽእሉ’ዩ ዝመስሎም ዘሎ። ብሓንሳብ ኣይተቐልዐን እምበር በብቁሩብ ‘በጭቕ! የብሉዎ ኣለዉ። እዚ ከኣ፡ ነቲ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ‘ኤርትራ መረታ እምበር ህዝባ ኣየድለየናን!’ ዝበሉዎን ሕልሚ ኮይኑ ዝተረፈ፡ ጋህዲ ንምግባር ዝህንጠዩ ዘለዉ’ዮም ዝመስሉ። ኢሳያስ ንሕውሓት ዘጥፍእ ዕድል ዝረኸበ መሲሉዎ፡ ጥፍኣትኩም ቀሪቡ ኢዩ (‘game over!’) ዝብል ነጋሪት ኣሕሊፍሎም። ጥፍኣቶም ከም ትሑዝ ወሲዱዎ። ድሕሪኡ ኢሳያስን ዓቢይን ኩሉ ክፍጽሙ ዝኽእሉ መሲሉዎም፡ ብታሕጓስ ተሳዒሮም ንኤርትራን ኢትዮጵያን ተመላሊሶም። “ፍቕሪ ስዒሩ! ሰላም ኮይኑ! ኩሉ ተደሚሩ! ኮይኑ መዝሙሮም። ህዝቢ ተንኮሎም ፈሊጡ ብኣግኡ ከይዓግቶም ግን፡ ዝተወዓዓሉዎ ብምስጢር ክፍጽሙ’ዮም ዝጓየዩ ዘለዉ። እንተኾነ ግን፡ በቲ በብግዚኡ ልሒኹ ዝውጽእ፡ ‘በጨቕ!’ ዘብሉዎ ይቕላዕ ኣሎ። ካብኡ ቁሩብ ክንጭብ ከብል። ክልቲአን ሃገራት ሓደ ክኾና፡ ኢሳያስ ፕረዚደንት ክኸውን ዝብል’ዩ ዝመስል። ነዚ ንምርዳእን ንምርግጋጽን ዝሕግዝ ከኣ፡ ኢሳያስ ዋዕ ኢሉ፣ “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ’ዩ ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ ኢዩ። ኣይከሰርናን! ንብረትና ኣምሊስና!” ዶ/ር ዓቢይ ከኣ፣ “ኣሽንኳይ ካብ ኢትዮጵያ ዝፍለያ ክህልዋስ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈልያ’ውን ክምለሳ ኢየን!” ብማለት ምዝራቦም ኢዩ። ብፍላይ ናይ ኢሳያስ ኣይከሰርናን! ንብረትና ኣምሊስና! ማለት ትርጉሙ፡ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ዝተኸፍለ ዋጋ ስለ ዝኾነ፡ ከም መኽሰብ እምበር ከም ክሳራ ክውሰድ የብሉን፡ ዝብል ትርጉም ዘለዎ’ዩ ዝመስል። ነዚ ንምፍጻም ከኣ፡ ሰራዊቶም የተሓናፈጹን ንወያኔ ክድምስሱ ብክልተ ወገን ብምዝማት ንምጭፍላቕ ይዳለው ከም ዘለዉን’ዩ ዝግሃድ ዘሎ። እዚ ግን፡ ሕልሞም ዘግህድ ዘይኮነስ፡ ጥፍኣቶም ዘቀላጥፍ’ዩ ዝኸውን። ካብ ዝሓለፈ፡ ንስድራ ቤታትን ዝበታተነ፡ ማእለያ ዘይብሎም ቆልዑ ዘዘኽተመ፡ ናይ ህልቂትን ዕንወትን ኩናት ንምድጋም ዝሸባሸቡ ምህላዎም ግን ዘሰምብድን ዘባህርርን ኢዩ። ምናልባት ካብ ዝሓለፈ ክምሃሩ እንተኸኣሉን እንተለበሙን ዝስዕብ ክጠቅስ።
ብመጀመርያ፡ ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረን ምስ ተወሰነ ናይ ኤርትራ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ትራቫስክስ ኣብ መጽሓፉ፡ ‘ኢትዮጵያ ንፈደረሽን ክተፍርሶ ትፍትን ትኸውን፡ ግን እንተ ዘይተፍርሶ ምሓሻ። እንተፍሪሳቶ፡ በቲ ኣብ ኤርትራ ዝውላዕ ኩናት ክትልከም ኢያ።’ ዝብል ትምቢት ዝመስል ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ንዝስምዕ እኹል ስምዕታ ኔሩ። ንጉስ ሃይለስላሴ ግን፡ ነዚ ዝሰምዕ እዝኒ ስለ ዘይነበሮ ንስርዓት ፈደረሽ ብሓይሉ ኣፍሪሱዎ። ናብቲ ሰላምን ምዕባለን ዘምጽእ መሲሉዎ ብዓጀባን እልልታን ዝተቐበሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝስዓበ ስቓይን ህልቂትን ከኣ ታሪኽ ኮይኑ ዝተመዝገበ ሓቂ ኢዩ። ብወተሃደራዊ ደርግ፡ ካብ ስልጣኑ ምስ ተባረረ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ፣ “ኣ ሆ የ ወኻርያ በሊዓቶ ጃንሆየ!” ዝብል ደርፊ ይድረፍ ኔሩ። ምብራሮም ከኣ ኣብ ኤርትራ ብዝተኸተሉዎ ግጉይ ምሕደራ ምዃኑን፡ ደርግ’ውን ናይ ኤርትራ ጉዳይ ክፈትሕ እንተዘይክኢሉ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ስልጣን ኣይጸንሕን ኢዩ፡ ብማለት ብናይ ቢቢሲ ግዜጠኛታት ከይተረፉ ተገሊጹ ኔሩ። ካልኣይ ክጥቀስ ዝግባእ ናይ ኣቦና ወልድኣብ ውልደማርያም፣ “ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ኢዩ ዘውዲ ኣብ ርእሱ ደፊኡ ዘሎሞ! ከፍርሳ ዝልዓል ውይልኡ!” ዝበሉዎ ኢዩ። እዚ ከኣ፡ ክምሃርን ክልብምን ንዘደሊ እኹል ስምዕታ ኢዩ። ኢሳያስን ዓቢይን ግን፡ ናይ ህዝቦም ስምምዐን ባርኾትን ዘይብሎም፡ ዘጣቕዑ ወናማት ኣብ ዘይብሉ፡ ንበይኖም፡ ‘እንተዝኾነለይ!’ እናበሉ፡ እንተደበሉን ኣኹደዱን እምበርዶ ጥዑያት ኢዮም! ዘብል ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘምጽኦ ለውጢ የለን። ዕድሎም ከኣ ንህዝብታት ለኪሞም ምጥፋእ ጥራይ’ዩ ዝኸውን። ዝርአ ዘሎ ምዕግርጋርን ኔው ነጀው ምባልን ግን፡ ከምቲ ክቡር ሓው ጽላል ካብ ኣመሪካ፡ “ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ምህላዋ ተጠራጢረ!” ዝበሎ ዘየብል ኣይኮነን። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ግን፡ ቅድሚ ሕጂ ንኤርትራን ህዝባን ከጥፋኡ ዝተሃንደዱ ንባዕሎም ጢፊኦም እምበር ኤርትራ ኣላ። ብመስዋእቲ ደቃ ንዘለኣለም ተኸቢራ ክትነብር ምዃና ከኣ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኢሳያስ ከኣ፣ “ሓ ሳ ዊ! ኣደራሽ ገዛ መዕነዊ!” ንህዝብታት ናብ ዳስ ሓውያ መእተዊ! ምዃኑ ክሳብ ሎሚ ዘይፈለጠ ይፍለጥ። ካብዚ ብክልተ እግሩ ዝኸይድ ሰይጣን ይርሓቕ፡ ብድቁሱ ከይብላዕ። ብሰላም ክነብር ዝደሊ ሰላም ይሃቦ።
ስላምን ራህዋን ሰናይ ጉርብትናን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን
ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ
ምስሉ ተኪኤ 16 ሓምለ 2020