ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረ ዓሪፎም
“-ዘእምንእሱ ሕይወቱ፣ ውስተ ቤተ-እግዚኣብሔር-” ብምባል ዝግለጹ፣ ንመንፈሳዊ ኣገልግሎት ዝተጸውዑ ዕድለኛታት ሰባት ኣለዉ። ሓደ ካብዚኣቶም ድማ፣ እዞም ሕጂ ብሞት ተፈልዮሙና፣ መንገዲ ሰማይ ኣቕኒዖም ዝኸዱ ዘለዉ፣ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረ እዮም ክንብል ዘኽእለና፣ እኹል ምኽንያት ኣሎ። ሊቀ-ኅሩያን ኣብ ቤተ-ክርስቲያን`ዮም ተወሊዶም፣ ኣብኣ`ውን ዓብዮም ከበሃል ይከኣል። ስለ`ዚ ከኣ ኢና “-ዘእምንእሱ ሕይወቱ ውስተ ቤተ-እግዚኣብሔር-” ብምባል ክንገልጾም ዝደለና።
ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ኣቡኦም፣ ኣቦይ-ገብረ ዑቕባ-ሚካኤል ዝበሃሉ ክኾኑ ከለዉ። ኣዲኦም ድማ ኣደይ ደመት ነኣምን እየን ዝበሃላ። ናይ ትውልዲ ዓዶም ከኣ፣ ኣርባዕተ-ኣሥመራ ኮይኑ፣ ካብ ወገን “-ገዛ-ስርንስር-” ገዛ ዓዲ-ኣዲ እዮም። ዝተወልዱሉ 1929 ዓ/ም (1937) ኮይኑ፣ ኣብ መበል 84-ዓመት`ዮም ዓሪፎም። እቲ ዘገርም ናይ ታሪኽ ኣጋጣሚ ግና፣ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ኣብ ዳግማይ-ትንሣኤ`ዮም ተወሊዶም፣ ኣብ ዳግማይ-ትንሣኤ መዓልቲ ድማ፣ ሓመድ ኣዳም ለቢሶም ክፋነዉ፣ ናይቲ ሕያው ኣምላኽ ቅዱስ ፍቓድ ኮይኑ።
ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ከምቲ ኣብቲ ሽዕኡ እዋን ልሙድ ዝነበረ፣ ከም ኩሎም ናይቲ ግዜ`ቲ ቈልዑት፣ ኣብ እንዳ የነታ ዑቕባ-እንድርያስ ዓስቡ`ዮም(ኣግዓዝያን) ኣብ 40-ታት “ሀ” ኢሎም ትምህርቶም ዝጀመሩ። መንገዲ ቤተ-ክርስቲያን`ውን፣ ሽዕኡ`ዮም ተላልዮሞ ክበሃል ይከኣል። ነዚ መንፈሳዊ-መሥመር`ዚ ተኸቲሎም ብምኻድ ድማ፣ ዜማን ንባብን ብምጥንቓቕ ኣብ 1945 ዓ/ም (1953) ንመዓርገ-ዲቁና በቒዖም። ምዱብ ኣገልጋሊ በዓል-ሳምንቲ ብምዃን ከኣ፣ ካብ ንእስነት ክሳብ ዕቤት፣ ኣብ ርእሰ-ኣድባራት ደብረ-ጽዮን ቅድስቲ-ማርያም ኣሥመራ፣ ብደረጃ መዓርገ-ዲቁና ዝምስገን ኣገልግሎት ከም-ዝፈጸሙ ክንገረሎም ግቡእ`ዩ።
ይኹን እምበር ሊቀ-ኅሩያን ግደይ፣ ንቤት-ኣምላኽ ዝነበሮም ቅንኣት፣ ካብ ክሳብ ኢልካ ብደረጃን ብግዜን ዝዕቀን ኣይነበረን። ስለዚ`ውን እቲ ብመዓርገ-ዲቁና ዝፍጽሙዎ ዝነበሩ መንፈሳዊ-ኣገልግሎት ጥራይ፣ ዕግበት ክህቦም ዝኽእል ኮይኑ ስለ-ዘይረኸቡዎ፣ ምስቲ ንትንሣኤ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ተባሂሉ፣ ኣብ 50-ታት ኣብ ቀጽሪ እንዳ-ማርያም ቈይሙ ዝነጥፍ ዝነበረ ማኅበር፣ ማለት ምስ “-ማኅበር መንእሰይ ፍኖተ-ብርሃን ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን-” ንክጽንበሩ ግዜ ዝወስደሎም ኮይኑ ኣይተረኽበን። ካብቲ እዋን`ቲ ኣትሒዞም ከኣ፣ ብዝለዓለ ደረጃን ብተወፋይነትን ካብኦም ዝድለ ዘበለ ኣገልግሎት፣ ክፍጽሙ ከም-ዝጸንሑ ታሪኽ እቲ ማኅበር ይምስክረሎም እዩ።
ኣብ ታሪኽ`ቲ ማኅበር`ውን፣ እቲ “ኣቦ-መንበር” ብምዃን ንነዊሕ ዓመታት ነቲ ማኅበር ዝመርሑ፣ ንሶም ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ምዃኖም፣ ነዚ`ውን ታሪኽ`ቲ ማኅበር ባዕሉ የረጋግጾ`ዩ። ስለዚ`ውን እቲ ናቶም መሪሕነት ብዝገበሮ ዘይሕለል ጻዕሪ ከኣ`ዩ፣ እቲ ኣብ ውሽጢ ቀጽሪ እንዳ-ማርያም ተሓኒፁ ዝርከብ ዘሎ ግዙፍ ኣዳራሽ ክሕነፅ ዝኸኣለ። ሕጂ ንድሕሪት ተመሊስካ ክሕሰብ ከሎ፣ ኣብቲ እዋን`ቲ ሕዝቢ ጠርኒፍካን ኣለዓዒልካን፣ ክንድ`ቲ ዝኣክል ሰፊሕ-ኣደራሽ ክትሠርሕ ምኽኣል፣ ቀሊል`ዩ ክበሃል ዝከኣል ዕማም ኣይነበረን። እቲ ሠሪሑ ዘይደክም ኣብ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ዝነበረ ሕልና ግና፣ ብውሑድ- ነገር ዝዓግብ ብዘይ ምንባሩ፣ ነቲ መንእሰይ-ወለዶ ኣበራቢርካ መንገዲ ቤተ-ክርስቲያን ከም-ዝለምድ ኣብ ምግባር ዝተጓዕዙዎ ርሕቀት፣ ኣብ ታሪኽ ተዋሕዶና ብፍሉይ ካብ ዝጥቀስ ሓደ`ዩ ክበሃል ይከኣል።
ከመይሲ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ እቲ ዝነበሮም ራእይ፣ ማለት እቲ ንመንእሰያት ኣብ ግምት ዘየእተወ፣ ኣብ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ግልጺ ኮይኑ ዝርአ ዝነበረ ድኽመት፣ ገና ኣብ ርሑቕ ከሎ ብማዕዶ ስለ-ዘለለዩዎ፣ ነዚ ዝተባህለ ሕቶ መልሲ ኣብ ምርካብ፣ ኣበርቲዖም ክሠርሑ ከም-ዘለዎም ዝተረድኡ፣ በዓል ርሑቕ ራእይ`ዮም ነይሮም ተባሂሉ ክንገረሎም ግቡእ`ዩ። ብመሠረቱ ማኅበር መንሰይ ፍኖተ-ብርሃን “-ወንጌል ማእከል ዝገበረ ኣገልግሎት-” ኣብ ምትእትታው፣ ትዂረት ገይሩ ዝነጥፍ ዝነበረ ማኅበር`ዩ ነይሩ። ነቲ ዝተባህለ ራእይ ዕዉት ንምግባር ከኣ፣ ንሶም እቶም በዓል ርሑቕ ራእይ ዝነበሩ፣ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ወዲቖምን ተንሢኦምን እዮም።
ይኹን እምበር ሊቀ-ኅሩያን ግደይ፣ ኣደራሽ ጥራይ ኣይኮኑን ሓኒፆም። የግዳስ ካብኡ ብዝበለጸ ነቲ ኦርቶዶክሳዊ መንእሰይ ወሎዶ፣ ኣብ ርድኢት ወንጌል ከም-ዝመጽእ ኣብ ምግባር፣ ብትኹረት ዝጠመቱዎን ኣበርቲዖም ዝሠርሑሉን ዓውዲ ምንባሩ`ዩ ዝፍለጥ። ኣብ ግዜ ናቶም መሪሕነት ከኣ፣ እቲ ማኅበረ-ምእመናን ኣደራሽ ክስከሞ ካብ ዝኽእሎ ንላዕሊ ኮይኑ፣ እቲ ትምህርቲ ወንጌል ክሰምዕ ዝመጽእ ዝነበረ ሕዝቢ ስለ-ዝበዝሐ፣ ካብ ኣደራሽ ወጻኢ ኮይኑ፣ ነቲ ጎልጎል እንዳ-ማርያም ዝኸድን ሕዝቢ ክእከብ ዝኽእል ዝነበረ፣ ኣብ ግዜ መሪሕነት ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረ ምዃኑ፣ ታሪኽ`ቲ ማኅበር ዘረጋግጾ ሓቂ`ዩ።
ብዝተረፈ እቲ ብኣግዓዚያን ዝጀመረ፣ ናይ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ናይ ትምህርቲ ጉዕዞ። ናብቲ “ብፖይንት-ፎር” ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ተግባረ-እድ ቤት-ትምህርቲ ኣምሪሑ፣ ናይ ኤሌትሪክ በዓል-ሞያ ብምዃን ክምረቑ ዝኸኣሉ፣ ዕዉት`ዮም ነይሮም። ኣብዚ ቤት-ትምህርቲ`ዚ ድማ መምህር ኮይኖም ክሠርሑ፣ ብብቕዓት ኣመስኪሮም ዝተመርጹ በዓል -ሞያ ምንባሮም`ውን ክጥቀስ ግቡእ`ዩ። ካብኡ ብምቕጻል`ውን ናብቲ “ቃኘው” ብምባል ዝፍለጥ ዝነበረ ናይ ኣሜሪካውያን መዐስከር ብምቕያር፣ ናይ ኤሌትሪክ በዓል-ሞያ ብምዃን፣ ዝምስገን ኣገልግሎት ከም-ዝፈጸሙ`ውን ዝፍለጥ እዩ።
በቲ ካልእ`ውን ካብቲ ዝነበሮም፣ ናይ ማኅበር ፍኖተ-ብርሃን ሓላፍነት ወጻኢ፣ ናብቲ ማኅበር ሠራሕተኛታት ተጸንቢሮም፣ ናይ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ማኅበር ሠራሕተኛታት፣ ኣቦ-መንበር ብምዃን፣ ብዝለዓለ ደረጃ ክዋስኡ ከም-ዝጸንሑ፣ እቲ ናይ ትማሊ ናይ ማኅበር ሠራሕተኛታት ታሪኽ ይነገረሎም እዩ። ብዝተረፈ ኣብ 70-ታት ኣብ ትሕቲ መቚሕ ክኣትዉ ካብ ዘግበሮም ምኽንያት`ውን፣ እቲ ኣብ ማኅበር ሠራሕተኛታት ዝነበሮምተሳትፎ ምዃኑ፣ ከም ርዱእ ዝውሰድ እዩ።
ሊቀ-ኅሩያን ግደይ፣ ከም ኩሎም ካልኦት ደቂ ማኅበር ፍኖተ-ብርሃን፣ ኣብ 70-ታት ንስደት ስለ-ዘምርሑ፣ ኣብ ሃገረ-ጀርመን`ዮም ክቕመጡ ጸኒሖም። እቶም ምኽንያት ኩሉ ጸገማት ኮይኖም ዝጸንሑ ደርጊ፣ ወጺኦም`ዮም ኣብ ዝተባህለሉ ግዜ ድማ፣ ኣብ መጀመርታ 90-ታት ንሃገሮም ክምለሱ ክኢሎም። ኣብ ሚኒስትሪ-ቱሪዝም ተመዲቦም ክሠርሑ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ፣ “-ኣድማስ-” ዝተባህለ ናይ ባዕሎም ትካል ብምምሥራት፣ ኣብቲ ንግዲ-ዓለም ኣትዮም ክነጥፉ ምጽንሖም`ዩ ዝፍለጥ።
ይኹን እምበር ነፃነት ሃገር ተረጋጊጹ ኣብ ዝበሃለሉ ዝነበረ ግዜ፣ ጉዳይ ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ግና፣ ዘቕስን ኮይኑ ስለ-ዘይተረኽበ፣ ንብምሉኡ ደምበ-ተዋሕዶና፣ ከተሓሳስቦ ዝኸኣለ ጉዳይ ኮይኑ`ዩ ዝመጸ። በዚ መሠረት`ዚ እውን፣ ነቲ ብፖለቲካ ተናዊጹ ዝመጽእ ዝነበረ ማዕበል ንምዕጋቱ ምእንቲ ክከኣል፣ እንታይ ይገበር ይበሃል ኣብ ዝነበረሉ ሰዓት፣ መን ኣሎ-? ተባሂሎም`ዮም ኣብ ከባቢ 1992 ዓ/ም (2000) ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ገብረ፣ ካብ መንጎ ብዙሓት ተመሪጾም፣ ናብቲ ብማዕበል ፖለቲካ ዝናወጽ ዝነበረ መንበረ-ፓትርያርክ፣ “ዋና-ጸሓፊ” ብዝብል መዓርግ ክመጹ ዝኸኣሉ።
ኣብ ነሐሰ 1992 ዓ/ም (2000) ንሰላም ኢትዮጵያን ኤርትራን ብዝምልከት Millenium Wrld Peace Summit ብምባል፣ ኣብ ከተማ ኒው-ዮርክ ተገይሩ ኣብ ዝነበረ ጉባኤ፣ ሊቀ-ኅሩያን`ውን ነቶም ፓትርያርክ ተኸቲሎም ኣብዚ ዓቢይ ጉባኤ`ዚ ተሳቲፎም ከም-ዝነበሩ ይፍለጥ። ኣብ ኦስሎን ናይሮብን`ውን ተመሳሳሊ ጉባኤ ተኻይዱ ነይሩ`ዩ፣ ኣብዚ `ውን ሊቀ-ኅሩያን ብኣካል ተሳቲፎም`ዮም። ግዳስ እቲ ዝካየድ ዝነበረ ኩሉ፣ ኣብ ትሕቲ ናይ ፖለቲካ ተጽዕኖ ኮይኑ ይካየድ ስለ-ዝነበረ፣ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ ዋና-ጸሓፊ ኮይኖም ክቕጽሉ ኣይተደልየን። በዚ ድማ ከም ኩሎም ካልኦት ውሉደ-ክህነት፣ ሊቀ-ኅሩያን`ውን ካብቲ መንበረ-ፓትርያርክ ተደፊኦም ክወጹ ግድነት`ዩ ኮይኑ።
ብዝተረፈ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ፣ ኣብቲ ናይ መንበረ-ፓትርያርክ ዋና-ጸሓፊ ኮይኖም ይሠርሑ ዝነበሩሉ ግዜ፣ ንመንፈሳዊ-ኮለጅ ብዝምልከት ቀዳምነት ሂቦም ክሠርሑሉ ዝጸንሑ ጉዳይ ምዃኑ ዝፍለጥ`ዩ። ከመይሲ እቲ ኣብ ደምበ-ተዋሕዶና ዝነበረ፣ ናይ ምሁራን ሕጽረት፣ ብመንገዲ ኮለጅ ብዝፈረዩ ምሁራን ካብ ምትካእ፣ ካልእ ኣማራጺ ከም-ዘየልቦ ዝተረድኦም፣ በዓል ርሑቕ ራእይ`ዮም ነይሮም ተባሂሉ ክንገረሎም ግቡእ `ዩ። “-ዘራጊት ላም ከላ`ሞ፣ ከመይ ኣቢልካ`ዩ ጽሩይ ማይ ክስተ-” ከም-ዝበሃል ግና፣ ነቲ ዝነበረ ራእይ ኣብ ተግባር ንምውዓል ዝግበር ዝነበረ ጉዕዞ ንምዕንቃፍ፣ ሊቀ-ኅሩያን ካብቲ ሓላፍነት ክግለሉ ይግባይ ዘይበሃሎ ውሳኔ ተመሓላሊፉ።
ብዝኾነ ሊቀ-ኅሩያን ግደይ፣ ንዕቤት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ክብሉ፣ ካብ ንእስነት ክሳብ ዕቤት ወሪዶምን ደይቦምን እዮም። እቲ ታሪኽ ቤተ-ክርስቲያን`ውን፣ ብኽብሪ ካብ ዝዝክሮም ኣቦታት ሓደ ከም-ዝኾኑ ርግጽ`ዩ። ጽቡቕ ታሪኽ ንድሕሪት ገዲፍካ ምሕላፍ ድማ ኩሉ ክረኽቦ ዝኽእል ኣይኮነን። እቲ ሕያው ኣምላኽ ኣብ የማኑ ክቕበሎም ብምምናይ ድማ ንሰናበቶም ኣሎና። ንበዓልቲ ቤቶም ወይዘሮ መብራት ጌታሁንን፣ ከምኡ`ውን ደቆም ኢዩኤል፣ ናትናኤል፣ ናሆም፣ ሊሊን ንኹሎም ብሓባር፣ ምጽንናዕ ክረኽቡ ጸሎትና እዩ።
ሊቀ-ካህናት
ተክለ-ማርያም ምርካ-ጽዮን
ሃገረ-ስብከት ኤውሮጳ
I don’t know him. may his SOUL Rest In Peace.
Regardless of the natural phenomenon, I can’t help associating it with the Natural TRAJIC LUCK of ERITREA in all endeavours. Just rethink of the WAR of Liberation and the final OUTCOME. Why are we destined to …………….please, complete the sentence in your own vision.
ሊቀ ሁሩያን ግደይ ገብረ – ክገልጾ ከለኹ – ሐደ ካብቶም ዘይሕለል ኣ ገልጋሊ ህዝቢ እዩ ክበሃል ይከ ኣል ። ገዛና ኣንዳ በዓታይ እንዳቦይ ገብረን ኣቦይ ምርካጽዮን ሐደ ቤተሰብ ኢና ነርና። ኣነ ይዝከረኒ ቆልዑ ገዛውትና ኣብቲ ኣፍደገ እንዳቦይ ገብረ ኢና ንእከብን ንዛወትን ነርና። ሽዑ ጊዜ ብዙሕ ዓይነት ጊዜ መሕለፊ ነይሩ። 1. ኣወራራስ ዓለም። 2. ባሊና 3. ዓካት ። 4.ፉጊሪንቲ ወዘተ። እቲ ዝበለጸ ግን ኩዕሶ እግሪ እዩ ነይሩ። ኣብቲ ጊዚያት ኩዕሶ እግሪ ኣብ ምሉእ ኤርትራ ህቡብ ነይሩ።
ግደይ ኣብ ልዕሊ ናይ ቤት ክርስትያን ሰብ ምዃኑ – ኣብ መዓልታዊ ናብራ ኣገልጋሊ ናይቲ ሕብረተሰ እውን ነይሩ እዩ። ኣብ ሰራሕተኛታት መሰሎም ክሕሎ – ጽቡቅ ደሞዝ ክረኽቡ ብማሕበር ተጠርኒፎም ኣብ መንቅስቃስ ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ እዩ። ተመክሮ ስለዘለዎ ንሱን ብጾቲን ኤሪትራውያን ናይ ምሉእ ኢትዮፕጵያ ሰራሕተኛታት ኣካየድቲ ኮይኖምን ኣበራቢፍሮምን እዮም። ካብቲ ኣዚየ ዘድንቆ ስረሓት ኣብቲ ዓመት ዓመት ኣብ ቦለኛ ዝኸይድ ዝነብበረ – ነቶም ናይ ባህሊ ዝነበሩ ቀያሕቲ ዕንባባ – ካባቶክ 3 ደቁ ዝሕብሕቦም ዝነበረ እዩ። ካባኡ ተመክሮ ምስ ረኸቡ ከኣ እዮም ድሕሪ ናጽነት – ደቂ ባህልን ሙዚቃን ኤሪትራ ንምምዕባል – ኣድማስ ዝበሃል- ናይ ሙጺቃ ማሕበር ኣቑሞም ፡ ናይ ካሴት ዝምልኣ ማሽናሪታት ካብ – ወጻኢ ጠሊቦም ናይ ኤሪትራውያን – ደርፍታት ኣብ ካሴት ቀሪጾም ከም ዝሽየጥ ገይሮም። ሐደ ካብቶም ደቁ፣ ዩኤል -ምስ ብጸቱ ኮይኑ ሐደስቲ ደረፍቲ ክኾኑ ዝደልዩ ክእለቱም ኣብ ምምዕባልን- ምስ ህዝቢ ምፍላጥን ዝዓለመ -ብሽንግርዋ ዝፍለጥ ኣብ ቲቪ ኣኢረ- ፕሮግራም የካይድ ነይሩ።
ኣብ ህዝቢ ዘለዎ ሓልዮቲ ዓሚቅ ምዃነ – ኣብቲ ዘየድሊ ኣዕንዊ ኢትዮ-ኤርትራ ናይ 1998 ኩናት- ሰላም ክህሉ ኣለዎ ብምባል ላዕልን ታሕትን ይብል ነይሩ – ብኖርወጅያን ቸርች ኤይድ ምትሕብባር ምምዋልን – መራሕት ሀይማናት ኤሪትራውያን መሪሑ ምስ መራሕቲ ሃይሞኖት ኤትዮጵይን ኣብ ኖርዋይ ንሰላም ሐቢሮም ክጎሳጉሱ ክዝትዩን በቂዖም። እንታይ እሞ – መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤሪትራን ናይ ሰላም መራሕቲ ኣይነበሩን። ዓንቂፎሞም ከኣ። ኣብዚ ኣነ እውን ምስ ብጾተይ ዜጋታት ንሰላም ብዝብል ማሕበር ንሰላም ኣብ ንሰርሓሉ ጊዜ – ብዓል ቻርሊ – ብጊዜኡ ይጎንሑና ነይሮም እዮም። መንግስቲ ነተመሃሮ ኣስመራ ዩኒቨርሲቲ ምቅርራብ ከይገበሩ ገፊፎም ኣብ ዊዓ ምስ ወሰድዎም 2 ተመያሮ ብሃሩር ወቅዒ ምስ ሞቱ ንመንስግስቲ ሰብ ኣዊ መሰል ግተመሃኣሮ ገፊፎም ኣኢልና ኣብ ጋዜጣ መቃልሕ ምስ ኣቃለዕናዮም ግደይ መጺኡ ፥ ኣንታ እንታይ ሰናይ ስራሕ ኢኹም ሰሪሕኩም – የገናዕ ኢሉኒ። ገዛ እንዳቦይ ገብረ ብዙሕ ኣበርኪቶም እዮም ምንኣስ ሓዉ ኣዲ ገብረ -መተዓቢተይ-ደራሲ እዩ። ፕሮፈሶር ግርማይ ነጋሽ – ኣብቲ ናይ ኣበባ ሐዳሽ መጽሕፍ ዝጸሓፎ ምቕድም (መሰረተ ልብውወለዳዊ ስነ-ጽሑፍ ኣኤሪትራ፥ ዋይ ኣነ አቀይ! ሰኣን ምምልካት ዶ? ንመን’የ ዝነግሮ) ከምዚ ይብል። እዞም ብደራሲት ኣበባ ዝዝከሩ ፣ ዘዳናፍቑ፥ ዝኽርታትዚኦም ኣብቲ ደራሲ ኣዲ ገብረ ኣብ 2011 ዘሕተሞ ኣዝዩ ኣገዳሲ ጉዕዞ ዘርእስቱ መጽሓፉ እውን ተንጸባሪቆም ይርከቡ። ደራሲ ኣዲ ገብረ ኣብ መጽሓፉ፡ ብዛዕባ ምዕባይ ኣብ ኣርባዕተ ኣስመራን ኣብቲ ጊዜቲ ኣስመራን መንእሰያትን ከመይ ይመስሉ ከምዝነበሩን፡ ብሰፊሑን ላዛ ብዘለዎ ቋንቋን ገሊጽዎ ኣሎ። ብፍላይ ብዛዕባ ሽዑ ዝኽፈቱ ዝነበሩ ገለ ጸጋታት ክዝከር እንከሎ ድማ ምስ ናይ ደራሲት ኣበባ ብዝመሳሰል ዝኽሪ የስፍሮ።
በል ግደይ ሓወይ መተዓቢተኣይ እግዚኣቢሀር ኣብ ገነቱ ይቀበልካ። ብሽም ኩሎም ስድራቤት ኣቶ ተስፋጊዮርጊስ በዓታይ ጽንዓት ይሃብኩም እብል።
ሐውኹም ጴጥርስ
MAy God save his soul. I know Gidey very well, but I do not have any good memory of him. He was a stounch supporter of Issayas, was appointed a General Manger at the Miniytry of Tourism after he came back from SIdet and his son is now married to the sister of Isayas Afewerqi.
QUOTE:”እንታይ እሞ – መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤሪትራን ናይ ሰላም መራሕቲ ኣይነበሩን።” UNQUOTE
Are they now? >>> ናይ ሰላም መራሕቲ?
And who paid the price?
And who will challenge the current “መራሕቲ ኢትዮጵያን ኤሪትራን”
And what is the hope for the future of ‘Hamed Hafash’ ?
That insightful saying said it all — perfect catalysis for the current exodus of the people, leaving their dear birth place to their indigenous lunatic dictators who are devoid of any sense of humility and humanity. .
THE END