Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ህዝቢ ኤርትራ ክነቕሓሉ ዘለዎ ኣሰካፊ ኵነታት ኢትዮጵያ – መብራህቱ ኣተወብርሃን

Atv Asena by Atv Asena
15th May 2020
in ሃገራዊ ዜና, ትግርኛ
12
0
SHARES
225
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ህዝቢ ኤርትራ ክነቕሓሉ ዘለዎ ኣሰካፊ ኵነታት ኢትዮጵያ

መብራህቱ ኣተወብርሃን

 

ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝመጽኣሉ እዋን፡ ብዘስምዖ ናይ ሰላምን ምክብባርን ጻውዒት፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ዞባናን ኣወንታዊ ስም ምትራፉ ይፍለጥ። ካብ ቃል ሓሊፉ`ውን ከም ምፍታሕ እሱራት፡ ተቓወምቲ ውድባትን ውልቀሰባትን ንዓዶም ከምዝኣትዉ፡ ናይ ሜድያ ናጽነት ከም ዝረጋገጽ፡ ዕስራ ዓመታት ዝወሰደ ኵነት ኣይሰላም-ኣይኲናት ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ብመጠኑ`ውን እንተኾነ ከምዝሃድእ ምግባር ዝበሉ፡ ካብቶም ኣብ ባይታ ዘረጋገጾም ዓበይቲ ውሳነታት እዮም። ብፍጥነት ዝቀያየር ኵነታት ፖለቲካ ኢትዮጵያ ግን፡ ነዞም ናይ ዓምን ቅድሚ-ዓምን ፍጻመታት፡ ቅድሚ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተገብሩ ኣምሲሉዎም ኣሎ። ከምኡ`ውን እቲ ብፍጥነት ንላዕሊ ዝዓረገ ስምን ዝናን ዶር. ኣብይ፡ ብኡ መጠን ዘንቈልቍል ዘሎ ይመስል።

 

ዶር. ኣብይ ኣብ ስልጣን ክድይብ ከሎ፡ ምስናይ ኵሉ ተስፋታት፡ ሓደ-ሓደ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ኣጸቢቖም ዝርድኡን፡ ስርዓታት ክቀያየሩ ብዓይኖም ዝረኣዩን ሰባት፡ ደገ-ደገ ገዲፉ ናብ ናይ ውሽጢ ኵነታት ከተኵር ጻውዒቶም ከቕርቡ ከለዉ፡ በቲ ሓደ ወገን ከኣ `ኣብይ ኣብይ` ዝብሉ፡ ወረ ገሊኦምሲ `ናይ ዘመንና ነቢይ ሙሴ` ዝብሉዎ እናበዝሑ ከዱ። ካብ ኦሮምያ፡ ክሳብ ኣምሓራን ትግራይን፡ ናይ ኣስመራ ጐደናታት ሓርነትን ሰማእታትን ከይተረፈ `ተደምረናል፡ ፍቅር ያሸንፋል` ተባሂሉ ተዘሚሩ። ዶር. ኣብይ`ውን ኣይሓመቐን፡ ክንዲ ንዝተሓላለኸ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ዝበቅዕ ኣሳታፊ ባይታ ምጥጣሕ፡ `ኵሉ ናባይ ግደፉዎ፡ ኣነ ባዕለይ ከሰጋግረኩም እየ` ክብል`ዩ ተሰሚዑ። ካብኡ ሓሊፉ`ውን፡ ቤተ-መንግስቲ ምነሊክ ኣብ ምስልላምን፡ “ሳተላይት ናብ ጠፈር ክሰድድ`የ፡ ቢልዮናት ኣውጺአ ሓይሊ ባሕሪ ክምስርት`የ” እናበለ ኣተኵሮኡ ዝያዳ ናብ ዘንጸባርቑ ፕሮጀክትታት ዝገበረ ይመስል። ነዊሕ ከይጸንሐ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ተዋሳእቲ ክኾኑ ንዝነበሮም ቀንዲ ሓይልታት`ውን ካብ ምንጻል ሓሊፉ፡ `ኣእጋሮም ሰባቢርናዮም` ክብል`ዩ ተሰሚዑ። በዚ መንገዲ`ዚ ምምሕዳር ዶር. ኣብይ ነቲ ታሪኻዊ ሰረት ዘለዎ፡ ሚዛኑ ዝሰሓተ ብሄራዊ ፍልልይ ዝመለለይኡ ፖለቲካ ፍታሕ ከምጽኣሉስ ይትረፍ፡ ኣብ ዘመኑ፡ እቲ ኣብ መንጎ ናይ ፖለቲካ ሓይልታት ዝነበረ ምትፍናን መሊሱ በሪኹ ይርከብ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኵነታት ከኣ`ዩ፡ ምርጫ ኣብ መስከረም ይገበር፡ ወይ መሊሱ ይናዋሕ ዝብል ክርክር ዝለዓል ዘሎ። ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ምርጫ ካብ ሓደ ግዜ ንላዕሊ ክናዋሕ ስለዘይፈቅድ ድማ፡ እቲ ጸገም ድርብ መልክዕ፡ ማለት ናይ ፖለቲካን ናይ ሕገ-መንግስትን ሒዙ ዝያዳ ተሓላሊኹ ይርከብ።

 

ኣብዚ`ውን ኣየብቅዐን። ዶር. ኣብይ ምስ ኢሳይያስ ዝኣተዎ ዘይቅዱስ ኪዳን፡ ነቲ ብዘደንቕ ፍጥነት ዘዋህለሎ ናይ ዝበዝሕ ህዝቢ ኢትዮጵያ ጽቡቕ ድልየትን ምስኡ ዝኸይድ ናይ ፖለቲካ ካፒታልን ኣብ ሓጺር እዋን ከምዝስእኖ ካብ ዝገበሩዎ ረቛሒታት ሓደ እዩ። ንህወሓት ምህራም ዝዕላማኡ ምስ ኢሳይያስ ዝተገብረ ሸርሒ፡ ምንጻል እሞ ይትረፍ፡ ንህወሓት ኣብ ሕቝፊ ህዝቢ ትግራይ ከምዝዕቈብ`ዩ ገይሩዎ። እቲ ኣብ መጋባእያታት ዓለም ብዛዕባ ወደብን መንገዲ ባቡርን ካብን-ናብን ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ብዛዕባ ምህላው ሓደ ኤምባሲን ሓደ ሰራዊት ምክልኻልን ዝመደረን፡ ናይ ምሉእ ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ መራሒን መሲሉ ዝቐረበ ዶር. ኣብይ ኣብዚ እዋን የሎን። እዚ ከምዚ`ሉ ከሎ እዩ እምበኣር ፖለቲካውን ሕገ-መንግስታውን ቅልውላው ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ።

 

ንምንታይ`ዩ ግን ኣብይ ክንድዚ ዝኣክል ምትእትታው ኣብ ውሽጢ ሃገሩ ዘፍቅድን ምንዋሕ ምርጫን ዝጠልብ ዘሎ? ዝስዕብ ሕቶ፡ “ዶር. ኣብይ ብመንገዲ ርትዓዊ ምርጫ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ይኽእልዶ?” ዝብል`ዩ። ነዞም ሕቶታት ንምምላስ፡ ኣሰላልፋ ናይቶም ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ቀንዲ ሓይልታትን፡ ዶር. ኣብይ ኣብኡ ዘለዎ ቦታን ከመይ ከምዝመስልን ምርኣይ ከድሊ`ዩ።

 

ንኣሽቱ ፍልልያቶም ንጐኒ ገዲፍካ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘለዉ ሓይልታት፡ ዳርጋ ኣብ ሰልስተ ዓበይቲ ደንበታት ክምደቡ ይኽእሉ።

 

  • ቀዳማይ ሓይሊ፡ እቲ ብውድባት ኦሮሞ ብፍላይ ድማ፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞን፡ ፈደራላዊ ኮንግረስ ኦሮሞን (ኦፌኮ) ዝሓዘ`ዩ። ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ህዝቢ ኦሮሞ (ክሳብ ናጽነት ከይተረፈ’ውን) ንዓሰርተታት ዓመታት ክቃለስ ዝጸንሐ ውድብ`ዩ። ዕዉት ናይ ቃልሲ መንገዲ ተኸቲሉዶ ኣይፋሉን ንዝብል ሕቶ ንጐኒ ገዲፍካ፡ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣብ ማሕበራዊ ስነ-ልቦና ህዝቢ ኦሮሞ ዓቢ ቦታን ልዑል ዝናን ዘለዎ ውድብ ምዃኑ ይፍለጥ። ኦፌኮ`ውን ከምኡ፡ ኣብ ዝሓለፈ 20 ዓመታት ምስ ኢህወደግ ክገብሮ ብዝጸንሐ ፖለቲካዊ ቃልሲ፡ ዓቢ ስም ዘትረፈ ውድብ`ዩ። መራሕቱ ድማ፡ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ክሳቐዩ ዝጸንሑ ዓበይቲ ናይ ኦሮሞ ፖለቲከኛታት ይርከቡዎም። ሕጂ ድማ እቲ ብመንእሰያት ኦሮሞ ዓቢ ተቐባልነት ዘለዎ ፍሉጥ ፖለቲከኛ፡ ጃዋር፡ ተወሲኹዎም ኣሎ። ዶር. ኣብይ ብርትዓዊ ምርጫ፡ ኣብ ኦሮምያ ነዞም ክልተ ውድባት ክስዕሮም`ዩ ኢልካ ዚሕሰብ ኣይኮነን። ህዝቢ ኦሮሞ ኣብ ኢትዮጵያ ዝበዝሐ ብምዃኑ፡ ንኣብይ ኣብ ኦርምያ ስልጣን ምስኣን፡ ከም መራሒ`ውን እንተቐጸለ፡ ምሉእ ፖለቲካዊ ተቐባልነት ዘይብሉ፡ ዳርጋ ስማዊ ቀዳማይ ሚንስተር ይገብሮ።

 

  • ኣብ ካልኣይ ተርታ ዝስራዕ፡ እቲ ሕገ-መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምሉኡ ክስረዝ፡ ወይ መሰረታዊ ለውጢ ክግበረሉ ዝጠልብ ናይ ኣምሓራ ሓይልታት ዝርከቡዎ ደንበ`ዩ። እዚ ሓይሊ`ዚ ካብ ክልል ኣምሓራ ወጻኢ፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባን ካልኦት ከተማታትን ብዙሕ ሰዓቢ ዘለዎ ኮይኑ፡ ዶር. ኣብይ ብርትዓዊ መንገዲ ክስዕሮ ዘይሕሰብ`ዩ። ህዝቢ ኣምሓራ፡ ድሕሪ ኦሮሞ ቀጺሉ ዝበዝሐ ክንዲዝኾነ፡ ስዕረት ኣብ ክልል ኣምሓራን ዓበይቲ ከተማታትን ምስ ናይ ኦሮምያ ተደሚሩ፡ ንዶር. ኣብይ ናይ ፖለቲካ ልምሰት የስዕበሉ ማለት`ዩ። ኣብዚ ክጥቀስ ዘለዎ፡ እቲ ሕገ-መንግስቲ ብፍላይ ድማ፡ እቶም ንብሄር መሰረት ዝገበረ ናይ ኢትዮጵያ ምምሕዳራዊ ምክፍፋል፡ ከምኡ`ውን ክልላት ክሳብ ናይ ምንጻል መሰል ክህልዎም ዝገብሩ ከም ዓንቀጽ 39 ዝበሉ ክውገዱ ዝብሉ፡ መትከላት ናይዞም ናይ ኣምሓራ ውድባት፡ ምስ ድልየት ናይቲ “ናይ ኤርትራ መራሒ`የ” ዝብል ኢሳይያስ ዝሰማምዑ ምዃኖም`ዩ። መብዛሕቶም እዞም ውድባት፡ ናጽነት ኤርትራ ፍጹም ዘይቅበሉ ምዃኖም`ውን ይፍለጥ።

 

  • ሳልሳይ ሓይሊ፡ ብከም ህወሓት ዝበሉ ንንኣሽቱ ብሄራት ዝውክሉ ግንከ ብዙሓት ውድባት ዘእተወ`ዩ። ህወሓት፡ ዋላ`ኳ ምስ ናይ ውድባት ኦሮሞን ኣምሓራን ክወዳደር ዝኽእል ዝውክሎ ብዝሒ ህዝቢ ኣይሃልዎ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓደ ካብ ቀንዲ ሓይልታት ፖለቲካ`ዩ። እቲ ውድብ ሕጂ ካብ ስልጣን ምስተኣልየ ከም ቀንዲ ተጣባቒ ህገ-መንግስቲ መሲሉ`ኳ እንተቐረበ፡ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረሉ እዋን፡ ሓይሊ መንግስቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝያዳ ከምዝምእከልን፡ ክልላት ከምቲ ሕገ-መንግስቲ ዝእውጆ ናጻ ምምሕዳራት ዘይኮና፡ ብናቱ ሳተላይታት ዝኾና ውድባት ዝምርሓ፡ ናይ ኣዲስ ኣበባን መቐለን መቐጸልታ`የን ኮይነን ጸኒሐን ዝብል ክሲ ክቐርቦ ምጽንሑ ይፍለጥ። ቀንዲ መበገሲ ናይቲ መንእሰያት ኦሮሞ ካብ ስልጣን ከምዝእለ ዝገበርዎ ቃልሲ ድማ፡ ንመሰል ብሄራት ኣብ ባይታ ኣየተግበረን ዝብል`ዩ። ካብ ስልጣን ድሕሪ ምእላዩ ግን፡ ንናይ ኣምሓራ ገዲፍካ፡ ምስ ንካልኦት ብሄራት ዝውክላ ውድባት ዝምድናኡ ከመሓይሽ ምጽንሑ ይፍለጥ። ዶር. ኣብይ ነዚ ሕገ-መንግስቲ ክትግበር፡ ምርጫ ክካየድ ኣለዎ፡ ዝብል መትከል ዝሓዘ ጥምረት ህወሓትን ካልኦት ብሄራትን`ውን ብርትዓዊ መንገዲ ክስዕሮ ኣይክእልን።

 

ብሓጺሩ ዶር. ኣብይ፡ ንህዝቢ ኦሮሞ፡ ኣምሓራ፡ ሶማልን ትግራይን ካልኦት ብሄራትን ንውክል ኢና ዝብሉ፡ ኣብ ባይታ ግን ተወዳዲሮም ድምጺ ክረኽቡ ብዘይክእሉ፡ ካብ ኢህወደግ ናብ ፓርቲ ብልጽግና ዝተሰጋገሩ ካብ ውልቀ-ሰባት ዘይሓልፉ ኣባላት ሒዙ፡ ትካላት መንግስቲ ጥራይ ዝቈጻጸር መራሒ ኮይኑ ተሪፉ ኣሎ። ካብ ናይ ስግግር እዋን፡ ናብ ንቡር መራሒ ክሰጋገር ዘኽእሎ ድምጺ ህዝቢ ከምዘይብሉን፡ ብመንገዲ ርትዓዊ ምርጫ ኣቢሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኮይኑ ክቕጽል ከምዘይክእልን ኣዳዕዲዑ ይፈልጥ`ዩ። በቲ ካልእ ወገን ከኣ፡ ዶር. ኣብይ፡ ርትዓዊ ምርጫ ኣካይዱ፡ ስዕረት ተቐቢሉ፡ ስልጣኑ ኣረኪቡ ብሰላም ክሰናበት ዘኽእሎ ስብእና ዘለዎ’ ውን ኣይመስልን።

 

ስለ`ዚ ብክልተ መንገዲ ጥራይ`ዩ ስልጣኑ ከናውሕ ዝኽእል። ቀዳማይ መንገዲ፡ ዘለዎ ስልጣኑ ተጠቂሙ፡ ብዘይሕጋዊ (ንኣብነት ብምርጫ ኣደናጊሩ) ኣብ ስልጣን ክቕጽል። እዚ ድማ ኣብ ፖለቲካ ኢትዮጵያ ሓዲሽ ኣይኮነን – ነዚ ዘሎ፡ ኢህወደግ 100ቲ ካብ 100ቲ ዝውንኖ ባይቶ ጥራይ ምርኣይ ይከኣል። ዶር. ኣብይ፡ ኣብ ስልጣን ንምንባር ሕጊ ክጕዕጽጽ ወይ ከፍርስ ድሕር ከምዘይብል ንፓርቲ ብልጽግና ዝመስረተሉ ዘይሕጋዊ ኣገባብ ሓደ ምልክት ኮይኑ፡ ከምቲ ኢህወደግ ዝገብሮ ዝነበረ ስማዊ ምርጫ ተጠቂሙ ኣብ ስልጣን ክቕጽል ግን፡ ህሉው ኵነታት ዘፍቅደሉ ኣይመስልን።

 

ካልኣይ ኣማራጺ፡ ንምኽሪ ኢሳይያስ ሰሚዕካ፡ ምርጫ ከምዘይህሉ ምግባርን፡ ነቲ ሕገ-መንግስቲ ብምሉኡ፡ ወይ ድማ እንተወሓደ ነተን ንኣቃውማ ክልላትን ንመሰል ርእሰ-ውሳነ ዝምልከታን ዓንቀጻት ምሉእ ብምሉእ ምስራዝን እዩ። `ኣሃዳዊ` ኣተሓሳስባ ኣለዎ ዝበሃል ዶር. ኣብይ ነዚ ብልቡ`ኳ ዝደልዮ እንተኾነ፡ ኣብ ባይታ ከተግብሮ ኣጸጋሚ`ዩ – እቲ ሕገ-መንግስቲ ናይ ብዙሓት ዓበይትን ንኣሽቱን ብሄራት ተቐባልነት ስለዘለዎ። ኣብ ከምዚ ዝበለ ኣዋጣሪ ኵነታት፡ ዶር. ኣብይ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ፡ ህጹጽ ኣዋጅ ኮሮና ቫይረስ ኣመሳሚስካ ምርጫ ከምዝናዋሕ ምግባር ኮይኑ፡ ከም ቀዳማይ ስጕምቲ ኣብ ምፍራስ ሕገ-መንግስቲ ይሕሰብ። ስዒቡ ዝመጽእ ውሳነታት ምግማት ኣጸጋሚ`ኳ እንተመሰለ፡ ዕላማ ኢሳይያስን ኣብይን ኣብ ኢትዮጵያ ናይ ብሄር ፖለቲካ ምሉእ ብምሉእ ምውጋድ ክሳብ ዝኾነ፡ እዚ ዝረአ ዘሎ ቅልውላው መጀመርታ ናይ ክስዕብ ዝኽእል ዓቢ ጸገም ጥራይ ምዃኑ`ዩ ዘመልክት።

 

ከም ኣረኣእያ ናይ ኢትዮጵያ ፖለቲካ ዝከታተሉ ናይ ደገ ተዓዘብቲ፡ እቲ ጸገም ብቐንዱ ፖለቲካዊ ክንዲዝኾነ፡ እቲ ሕገ-መንግስታዊ ቅልውላው`ውን ካብኡ ስለብገስ፡ ቀንዲ ፍታሕ ፖለቲካዊ እዩ ክኸውን ዘለዎ። ኣብ ኢትዮጵያ ነዚ ከተግብር ዝኽእል ናጻ ሓይሊ ዘሎ ኣይመስልን። ንኣብነት፡ እቲ ዶር. ኣብይ ኣብ ስልጣን ምስመጽአ ዝመስረቶ፡ ኣብ መንጎ ብሄራት ንዝፍጠር ጸገማት ክፈትሕ ተባሂሉ ብመራሕቲ ሃይማኖትን ዓበይቲ ዓድን ዝቖመ ኮሚሽን ሰላም፡ ተሰማዕነት ካብ ዝስእንን ህጣሙ ካብ ዘጥፍእን ነዊሕ ኮይኑ ኣሎ። ስለ`ዚ እቲ ሓደን እንኮን ኣማራጺ ብምትእትታው ናይ ደገ ሓይልታት ፖለቲካዊ ፍታሕ ከተምጽእ ምፍታን`ዩ ዝመስል።

 

`ናይ ዕዳጋ ዕግርግር መፍቶ ሰራቒ` ከምዝበሃል፡ ንሱ ከይመጸ ከሎ እዩ እምበኣር፡ ንድኹም ኵነታት ዶር. ኣብይ ተጠቂሙ፡ ኢሳይያስ ኢዱ ከእቱ ዝቀዳደም ዘሎ። ዶር. ኣብይ ግን ከም ድልየት ኢሳይያስ፡ ን`ወያነ` ብምህራም ወይ ምርጫን ሕገ-መንግስቲ ብምስራዝ ናብ ካልእ ዝዓበየ ወጥሪ ክኣቱ ከጸግሞ`ዩ። ቀንዲ ስግኣት፡ ኢሳይያስ ንዘሎ ሃጓፍ ተጠቂሙ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ኣብ ዶባት ኤርትራን ትግራይን እንታይ ክገብር ይኽእል ዝብል`ዩ፡፡ ሰራዊት ኤርትራ ናብ ዘሰሓሕብ ከባቢ ዶባት ገጹ ምጽግዑ ከኣ ጽቡቕ ምልክት ኣይኮነን። ምስኡ ዝኸይድ ካልኣይ ስግኣት፡ እዞም ነንሓድሕዶም ዝሰሓሓቡ ዘለዉ ሓይልታት ኢትዮጵያ፡ ካብ ውሽጣዊ ጸገሞም ንምህዳም፡ ናይ ኢሳይያስ ምትእትታው ኣሳቢቦም ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ወይ ብቀጥታ ኲናት ከይከፍቱ ወይ ካልእ ዘይምርግጋእ ከይፈጥሩ`ዩ።

ህዝቢ ኤርትራ ነዚ ክነቕሓሉን፡ ንመናውሒ ስልጣን ኢሳይያስ ተባሂሉ ኣብ ዝእጐድ ሓዊ ክጥበስ የብሉን።

Previous Post

ERITREA: WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP! By Michael H. Kiflezghi

Next Post

ATV:ህዝቢ ኤርትራ ክነቕሓሉ ዘለዎ ኣሰካፊ ኵነታት ኢትዮጵያ – ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን

Next Post

ATV:ህዝቢ ኤርትራ ክነቕሓሉ ዘለዎ ኣሰካፊ ኵነታት ኢትዮጵያ – ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
12 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
ተስፋኣለም
ተስፋኣለም
5 years ago

ናይ ብሓቂ ጽቡቅ ትንታነ ናይ ኢትዮጵያ ፖሎቲካዊ ኩነታት ብጣዕሚ ታሃዋሲ ኢዩ ዘሎ ስለዚ ህዝቢ ኤርትራ ብንቅሓት ክከታተሎ ዘለዎ ነገርዩ መጋበርያ ናይዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ዓማሲ ስርዓት ከይከውን

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
5 years ago

Yes indeed, the nation south of the border is in constitutional crisis,that is the outcome when there is no good intent to work and serve the people with honesty and transparency,instead one slick opportunistic clique replaces another,the Ethiopian people deserve better and ultimately they will figure it out hopefully what is a good fit for them because they still have the tools in place.What about us? a blindfolded nation led by one frail and dementic,manic depressive geriatric personality who have nothing to loose dragging the little nation to abyss, even some Ethiopian media outlets are feeling pity and talking on behalf of us.The Eritrean people are busy worrying when to fill their gerican with drinking water and nibble at a piece of bread forget analyzing who is trying to unseat who in a neighboring nation.Lord have mercy on us.

0
Reply
Eyobel
Eyobel
5 years ago

Abiy Ahmed Grange is a fake disaster for Eritrea & Ethiopia.
Both fake Abiy & DIA are supported by Arabs to destroy Christianity in Eritrea & Ethiopia.

0
Reply
Wedi Hagher
Wedi Hagher
Reply to  Eyobel
5 years ago

“Both fake Abiy & DIA are supported by Arabs to destroy Christianity in Eritrea & Ethiopia.”

Eyobel

Do you know that Arabs were probably the first Christians? .
For sure they were Christians before Axumites.
Syrian bishops from Malula introduced Christianity in Axum in 4th century.
Now some may say, but the Syrians were not Arabs …
The Syrians spoke a number of Semitic languages and Aramaic, the language Jesus spoke was one of them.
Arab means nomad, but their language is a Semitic language.
Najran, which is now in Southern Saudia had a Christian kingdom.
By the way, now archeological findings show that they were the first to use Arabic letters long before the advent of Islam.
The Middle East is a crossroad of major civilizations and religions.
It’s stupid to think Arabs will spend their resources to convert people in Eritrea and Ethiopia to Islam.
You may not have heard that there are also Arab Jews ..
Long before the Polish and Ukrainian Jews started settling in Palestine, there were Jewish communities throughout the Arab world. These were indigenous people, they spoke Arabic at home but used Hebrew for Holy books.
So please stop racism. Tolerating it because it’s not directed against us is a grave mistake. History teaches that hatred doesn’t stop at the door of anyone. In the end all are affected and they up being losers.

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  Wedi Hagher
5 years ago

Dear Wedi Hagher,this historical facts were not thought in the modern schools of Eritrea like ‘bet timhirti sewra’ followed by ‘sawa’,..it is a misinformed generation with distorted view of the world, a young cousin of mine who made it here few years ago after crossing few countries mules,’what were they teaching us there!?’ I told him keep reading and learning cousin so that nobody will take advantage of you,He is graduating college this summer,I am proud of him.He listened to the commencement speech of former president Obama with his mouth agape on TV looking ready to take on the world.He might be the future president of Eritrea, who knows,all is not lost,sometimes God works in his mysterious ways,He uses the worst case scenario to bring out the best,it ain’t over,we just going through the painstaking agonizing motion we created ourselves..

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  k.tewolde
5 years ago

ኩቡር k.tewlde

ኣብ ሳዋ ፥ ከም ፖሊቲካዊ ትምርቲ ዝዋሃብ ኣስተምህሮ፥ ሓደ ካብቲ ነዚ ሓዲሽ ዎሎዶ ማኣዝኖ ከም ዝጠፍእ ዝገበሮ ዘሎ እዩ።
ኣብ ኤሪትራ ብዘይካ ህዝባዊ ግንባር ፥ እቶም ካልኦት “ትሕቲ -ሃገራዉያን” ምንባሮም እዮም ዘምህሩ።
እዚ ጉዳይ እዚ ንኸይፍለጥ ፥ ኣብ እድ ተማሃራይ ዝበጽሕ ፥ ናይ ታሪክ መጽሓፍ ዝባሃል የለን።
ትግርኛ ዝዛረቡ ንበይኖም ፥ ትግረ ዝዛረቡ ድማ ንበይኖም ድሕሪ ምእካብ ፥ ዝተፈላለየ መልእኽቲ የማሓላለፉ ኣሎዉ ዝብል ጥርጣረ’ውን ኣሎ።
መብዛሕቲኡ መንእሰይ ፥ ብፍላይ እቲ ድሕሪ ናጽነት ዝተወልደ ፥ ተ.ሓ.ኤ. ዝባሃል ዓቢይ ሃገራዊ ውድብ ምንባሩ ፥ ዶብ ሰጊሮም ንሱዳን ወይ እትዮጵያ ምስ ከዱ እዮም ዝፈልጡ።
“ኩሎም ሸፋቱ ነይሮም” ዝብል ፥ ሓደገኛን ኣዕናውን ርእቶታት ፥ መንቀሊኡ እዚ ከይኮነ ኣይተርፍን።

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
5 years ago

“He might be the future president of Eritrea …..”

k. Tewelde

The future of our beloved Eritrea is in the hands young people like him.
We want them to be well educated, nationalists and fight for freedom and dignity of common man.
I wish him all the best .

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  ወዲ ሃገር
5 years ago

Thank you Wedi Hagher. God is able, God is full of goodness, can you imagine if our fate was in the hands of humans like the Lucifer in adi halo?!!

0
Reply
Simon G.
Simon G.
Reply to  k.tewolde
5 years ago

Brothers,
We would be screwed. However, the end of his time is near.

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  Simon G.
5 years ago

Oooo….Simon!! how you holding up in this covid infested environment,it sure is refreshing to hear from you,don’t leave us hanging like a jerk meat (quanta) anymore.Yes indeed,he is looking more and more like Lee Van cliff in the ‘good’ the ‘bad’ and the ‘ugly’ with Lee perched on a bag full of stolen coins his neck in a noose.and Clint putting bullet holes in the treasure slowly tightening…….you know the rest,you have seen it many times.It is that time to place a phone call before the curtain call Simon.

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  Simon G.
5 years ago

ሰላማት Simon G.፥
እንታይ ዳኣ ዳሃይ እጥፊእካ ?
ዳሓን ክትህሉ ተስፋ ይገብር ።
ዳሃይካ ጎዲሉና ።

0
Reply
Simon G.
Simon G.
5 years ago

Selamat brothers!
I visit here from time to time but I was black listed. I will be surprise if they let this thru, since they have done a good job of blocking my comment. Can’t understand why.

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
12
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply