Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ህዝቢ ኤርትራ መግቢ እምበር ውግእ ኣየድልዮን ኢዩ።

Atv Asena by Atv Asena
28th July 2020
in Articles, Tigrinya
1
0
SHARES
374
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ህጻን ቖልዓ ኣብ ጽርግያ ወጺኡ  ሽጋራን ካልእ ንኣሽቱ ነገራትን ሸይጡ  ንስድርኡ ዝሕግዝ ኣበይ ዓዲ ተራእዩ እፈልጥ ብዘይካ ኣብ ኤሪትራ፡ ጥምየት ክፉእ

ህዝቢ ኤርትራ መግቢ እምበር ውግእ ኣየድልዮን ኢዩ።

ብጴጥሮስ ተስፋገርጊስ

ኣብዚ ህዝቢ ኤርትራ ብሕጽረት መግቢ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብምትሕብባር ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢይ ኣሕመድ፡ ኣንጻር ወያነ ሓርነት ትግራይ ወይ ድማ ክልል ትግራይ ዝዓለመ ናይ ኩናት ከበሮ ይወቅዕ ኣሎ። እዚ ተግባር እዚ ድማ መንግስቲ ኤርትራ ክሳብ ክንደይ ዘይሓላፍነታዊ ስርዓትን፡ ብሂወት ዝኾነ ይኹን ኢርትራዊ ዘይሓምምን ምዃኑ ዘነጽር ኢዩ። ኣንጻር እዚ ዘመተ`ዚ ከኣ፡ ብዓውታ “ህዝቢ ኤርትራ መግቢ እምበር ውግእ ኣየድልዮን ኢዩ” ኢልና ከነድምጽ ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ እዋን ሰላምን ፍትሕን ክርኢ ሃንቀው ኢሉ ዝጽበ ዘሎ ህዝቢ ኢዩ።  እቲ ብሂወት ናይ ህዝቡ ዘይግደስ ናይ ኤርትራ ስርዓት ግን ጸማም እዝኒ ኢዩ ሂብዎ ዘሎ።

ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከቡ ኤርትራውያን በዚ ኣብ ኤርትራ ተኸሲቱ ዘሎ ናይ ጥምየት ሓደጋ ሻቕሎቶም ይገልጹ ኣለዉ። ኣብ ኤርትራ ዝርከብ ህዝቢ ካብ ኣብ ወጻኢ ዝቕመጡ ደቁን ኣሕዋቱን ገንዘብ ክስደደሉ ብቐጻሊ ይሓትት ኣሎ። እዚ ጽሑፍ ኣብ ዝጸሓፈሉ ዘሎ እዋን ጥራሕ፡ ህጻናት ኣብ ዝተፈላለየ ከበሳዊ ክፋል ኤርትራ ብጥምየት ሞይቶም ኣብ ቤተክርስትያናት ይቕበሩ ከም ዘለዉ J-Studio ዝብሃል ናይ ኤርትራውያን ናይ ዜና ማዕከን ኣውኪኡ ኣሎ።  እዚ ናይ ሓደጋ መልእኽቲ ብኣጋ መልሲ ረኺቡ፡ ህዝቢ ክዕንገል እንተዘይክኢሉ ድማ፡ ዓለም ካልአይቲ የመን ከይትርኢ ዘስግእ ኢዩ። መንግስቲ ኤርትራ፡ ን Ms. Daniela Kravetz, ናይ ሕቡራት ሃገራት ልእኽቲ ሰብኣዊ መሰላት ንኤርትራ ከይትኣቱ ምኽልካሉ ድማ ነቲ ኣብ ኤርትራ ኣጋጢሙ ዘሎ ናይ ጥምየት ሓደጋ ንምሽፋን ኢዩ።

ኣብዚ ዓለም ኣንጻር Covid-19 ኣብ ውግእ ኣትያትሉ ዘላ እዋን፡ እቲ ዝዓበየ መከላኸሊ ዝርገሐ ናይዚ ቫይረስ፡  ሰብ ኣብ ገገዝኡ ክዕጾ ከም ዘለዎ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ከም ኤርትራ ዝኣመሰላ ድኻታት ሃገራት፡ ነዚ ናይ ምዕጻው ሕጊ ከኽብራ እንተደኣ ኮይነን፡ መግቢ፡ መከላኸሊ ኣጽዋርን (PPE) ፈጣን ናይ ጥዕና ኣገልግሎትን ክረኽባ ኣለወን። እዚ ኣገዳሲ ዕማም እዚ ብዓለም ተፈላጥነት ረኺቡ ኢዩ። ስለ ዝኾነ ድማ ሃብታማት ሃገራት ሓላፍነት ተሰሚዕወን ንድኻታት ሃገራት ሓገዘን ከበርክታ ተማሕጺነን ኢየን። ንኣብነት፡ ሕብረት ኤውሮጳ ፡ ኣብ ምክልኻል እዚ ለበዳ ዝውዕል €15.6 ቢልዮን ኢሮ ንኤስያ፡ ኣፍሪቃ፡ ላቲን ኣመሪካን ዞባ ባልካንን ክህባ ተማሕጺነን ኢየን። ካብዚ €3.25 ቢልዮን ንኣፍሪቃ፡ €1.19 ቢልዮን ድማ ብፍላይ ንኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ዝርከባ ሃገራት ከም ዝውዕል ኣነጺረን ኢየን።

ናይ ኤርትራ ኩነታት ከመይ ኣሎ?

  1. መንግስቲ ኤርትራ፡ ኣብዚ ናይ ምውሻብ እዋን፡ መግቢ ይኹን ካልእ ንመነባብሮ ኣድለይቲ ዝበሃሉ ነገራት የቕርብ የለን። ይኹን እምበር፡ ህዝቢ መግቢ ንምምእራር ናብዝን ናብትን ኣብ ዝንቀሳቐሰሉ እዋን ብሰራዊቱ ጌሩ ህዝቢ ከበሳብስ ይርአ ኣሎ። ከም ሳዕቤኑ ከኣ፡ መንግስቲ፡ ህዝቢ ንጥምየት ክቃላዕ ኢዩ ገዲፍዎ ዘሎ።  ስለዚ ኢዩ ከኣ ህዝቢ ሓገዝ ዝሓትት ዘሎ።
  • ‘ሂወት ኣብ ትሕቲ ቤት ማእሰርቲ፡ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ዘለዉ እሱራት ንሕማም COVID-19  ብዝያዳ ዝተቃልዑ ኢዮም። እዚ ከኣ ብሰንኪ ብዝሒ እሱራት፡ ናይ ጥዕና ጸገማትን ስእነት ጽሬትን ክንክንን ምዃኑ ኣሚኒስት ኢንተርናሽናል ገሊጹ ኣሎ።
  • እቶም ኣብ ደቡባዊ ቀይሕ ባሕሪ ዝቕመጡ ተወለድቲ ዓፋር ዝኾኑ ኤርትራውያን፡ ዓሳ ብምጅላብን ምስ ከባቢኦም ንግዲ ብምክያድን ኢዮም ዝነባበሩ። ይኹን እምበር መንግስቲ፡ ዝኾነ ይኹን ንጥፈታት ከየካይዱ ኣጊድዎም ኢዩ ዘሎ። ከም ሳዕቤኑ ድማ ንክቱር ጥምየትን ዓጸባን ተቓሊዖም ይርከቡ።  ኣብ ምዕራባዊ መታሕት ሃይኮታን ከባቢኣን ድማ ህጻናት ብስእነት መግቢ ይመቱ ኣለዉ።
  • ሕቡራት ሃገራት፡ ሓደጋ ኮቪድ 19 ንምንካይ፡ ኤርትራ ፖለቲካዊ እሱራትን ንህዝቢ ሓደጋ ዘይኮኑ እሱራትን ካብ ማእሰርቲ ክወጹ ጸዊዑ ኢዩ። ይኹን እምበር መንግስቲ ኤርትራ ነዚ ጻውዒት ኣይተቐበሎን። ሕቡራት ሃገራት ድማ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝወሰዶ መግናሕቲ የለን።
  • ኣብ 2019፡ መንግስቲ ኤርትራ፡ ነተን ብናይ ሮማ ካተሊካውያን ቤተ ክርስትያናት ዝእለያ 27 ናይ ጥዕና መደበራት ዓጽዩ ኢዩ። ምዕጻው ናይዘን ናይ ሕክምና መደበራት ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ ዝነበረ ናይ ሕክምናዊ ንጥፈታት ዓቢ ሃጓፍ ከምዝህልዎ ጌሩ ኢዩ። ከምቲ Paolo Lambruschi Friday 5 June 2020   Source: L’ Avvenier ዝበሎ ኣብ ዞባ ዓፋር፡ ባዳ ኣብ ዝተባህለ ቦታ 30 ዝዕድሚኣ ሓሊማ መሓመድ ብሰንበት መይታ። እዛ ነፍሰ ጾር ዝኾነት ሰበይቲ ናይ ሕክምና ሓገዝ ብዘይምርካባ ኢያ ሂወታ ሓሊፋ። ኣብ ብዙሕ ቦታታት  ብቑዕ  ናይ ማይን ኤለትሪክን ኣገልግሎታት ዘይብሉ   ብዙሓት ደቀ-ኣንስትዮን ቆልዑን ብጥምየት መይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ኢዩ ዝግመት።

ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ዓለም ለኻዊ ሕበረተሰብ ሓገዝ ኣይቅበልን ኢሉ። ስለምንታይ?

ኢማራት ዓረብ ንብዙሓት ብ Covid-19 ዝተጠቕዓ ሃገራት ሓገዝ ትህብ ኣላ። ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ዓሰብ ዝርከቡ ሰራዊታ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ተቐማጦ ህዝቢ ዓፋር ሓገዝ ክትህብ እውን ሃቂና ኢያ። ይኹን እምበር፡ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ዝኾነ ጀነራል ተኽለ ክፍለ፡ እቲ ህዝቢ ከይሕገዝ ኣጊዱ ኣሎ። ኤርትራ ኣብ ፍጹም ወተሃደራዊ ምሕደራ ስለ ዘላ፡ ህዝቢ ቃንዝኡን መረርኡን ክገልጸሉ ዘኽእሎ ባይታ የብሉን።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብቻይናዊ ቢልዮነር ጃክ ማን ዓሊባባ ጉጅለኡን ዝተወፈየ ምሉእ ናይ Covid-19 ዕጥቂ ዝጸዓነት ነፋሪት ኣብ መዓልቦ ነፋርቲ ኤርትራ  በጺሓ  ከይትወርድን ኣቑሑት ከይተራግፍን ተኸልኪላ ኢያ። ብኡ ንብኡ ከኣ ናብቲ መበገሲኣ ዝኾነ መዓልቦ ነፈርቲ ኣዲስ ኣበባ ከምትምለስ ተጌሩ።  ናይዚ ዕድል እዚ ከኣ 55 ሃገራት ኣፍሪቃ ተጠቀምቲ ኮይነን ኢየን።  

ናይ ኤርትራ ስርዓት ተቓሊዑ ኢዩ። ምምጻእ ናይዚ ሓደገኛ ለበዳ ንናይ ኤርትራ ስርዓት ከም ዝቃላዕ ጌርዎ ኣሎ። ነዚ ለበዳ ከኣ ህዝቢ ንምጭቋን ከም መሳርሒ ይጥቀመሉ ኣሎ። ሕማም ኮሮና ከም ፖለቲካዊ መሳርሒ ብምጥቃም ንህዝቢ ኣጥምዩ ብምሓዝ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ ዕንደራ ካብ ህዝቢ ኤርትራ ተቓውሞ ንኸይኣጋጥሞ ዝጥቀመሉ ዘሎ ሜላ ኢዩ።  ህዝቢ ናይ ኢሳያስ ስልጣን ክብድህ ይኽእል የለን። እዚ ስርዓት ስለምንታይ ኢዩ ንህዝቢ ኣጥምዩ እንዳሃለወ ንውግእ ዝነቅል ዘሎ? 

ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ 2018 ምስ ኢትዮጵያ ዝተኸተመ ናይ ሰላም ውዕል ብሓጎስ ተቐቢልዎ ኢዩ። መንእሰያት ኣብ ወተሃደራዊ መዓስከራት ምድጓንን ቀጻሊ ምጥሓስ ሰብኣዊ መሰላትን ከቋርጽ እምነት ኔርዎ ኢዩ። ይኹን እምበር፡ ሕልሚ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ሓጺር እዋን ከምዝበንን ጌርዎ። ክልተ ዓመት ድሕሪ ውዕል ሰላም ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ጭቆና ገዲዱ እምበር ኣየቋረጸን። ኢሳያስ ነዚ ኣብ ህዝቢ ዘውርዶ ዘሎ ቀጻሊ ግፍዒ ስለ ዘየቛረጾ ፡ ኣብ መንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክህሉ ዝነበሮ ሓቀኛ ሰላም ኣብ ምፍጣር ዝነብሮ ዓቢ ዕድል ኣጥፊእዎ ኢዩ። ኢሳያስ ብስልጣን ዝዓበደ ሰብ ኢዩ። ካብዚ ሒዝዎ ዘሎ መርገጺ ድማ ዝቕይር ሰብ ኣይኮነን። ከምቲ ለባማት ዝብልዎ ስልጣን የበላሽወካ ኢዩ። ፍጹም ስልጣን ድማ ንኹሉ ነገር ኢዩ ዘበላሹ። በቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ዘውርዶ ቃንዛን ስቓይን ዝግደስ ሰብ ኣይኮነን።  ቀስ ብቐስ እተን ክልተ ዓበይቲ ለገስቲ ትካላት (ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን) ኢሳያስ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርዶ ዘሎ ጭቆና ጠጠው ከብል ከምዘይክእል ክርድአን ጀሚሩ ኣሎ።

ሎሚ `ንጉስ` ኢሳያስ ክዳን የብሉን። ጥርሑ ኢዩ ዘሎ። ምሉእ ብምሉእ ተቐሊዑ ኢዩ ዘሎ። ናይ ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ናይ ምምሕዛው ፖሊሲ ክሰርሕ ኣይከኣለን።  ስራሕ ፈጢርካ ህዝቢ ካብ ቀጻሊ ፍልሰት ንምድሓንን ኣብ ኤርትራ ዘሎ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ንምምሕያሽን ተባሂሉ ብሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ዝተለገሰ ሓገዝ ክሰርሕ ኣይከኣለን። 

ንሕና ደለይቲ ፍትሒ ነዚ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ንረብሓ ህዝቢ ኤርትራ ንምቕያር ኣብ ቀጻሊ ጎስጓስ ክንጽመድ ይግባኣ። ህዝቢ ግቡእ መግቢ ረኺቡ ካብዚ ለበዳ ክገላገል ድማ ንመንግስታትን ናይ ፖለቲካን ሲቪክ ውድባትን መራሕቲ እንዳበጻሕና ንህሉው ናይ ኤርትራ ኩነታት ዝምጥን ናይ ስራሕ ዕዮ ከነዋድድ ይግባእ።

ብተወሳኺ፡ ሕቡራት ሃገራት፡ ኤርትራ ኣባል ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን ንኽትከውን ኣፍቁዳ ኢያ። እዚ ብሕቡራት ሀገራት ዝተወስደ ውሳኔ፡ ኢሳያስን ኣብይን ንምትዕራቕ ዝዓለመ ኾይኑ፡ ኤርትራ ካብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ንኽትቁጠብ ሓጋዚ ተራ ክጻወት ይኽእል ኢዩ ካብ ዝብል እምነት ዝተበገሰ ኢዩ።

ኩሉ ልቢ ኢሳያስ ንምልስላስ  ዝተጠቕማሉ ስትራተጂ፡ ንኢሳያስ ከብ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ክገትኦ ኣይከኣለን። ኢሳያስ፡ ንትጽቢት ሕቡራት ሃገራትን ሕብረት ኤውሮጳን ከምዘይማላእ ጌሩ ኢዩ። ኢሳያስ ነቲ ናተን ነብሰ-ዕግበት (complacency) ክምዝምዝ ጥራሕ ኢዩ ኣሕሊፍዎ። ሕጂ ቀስ ብቐስ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ሓቂ ክፈልጡ ጀሚሮም ኣለዉ። 

ኣብዚ ዝሓለፈ መበል 44 ኣኼባ ሰብኣዊ መሰላት ኮሚሽን፡ ኣብ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ናይ ሰብኣዊ መሰላት ምምሕያሽ  ከም ዘየልቦ፡ ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ዳኒኤላ ክራቨትዝ  ሓቢራ ኣላ። ንሳ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ኣዝዩ ከምዘሕዘና ኢያ ገሊጻ። ኩሎም ወከልቲ ድማ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላት ከምዘተሓሳስቦም ኢዮም ገሊጾም።  35 ካብቶም ወከልቲ፡ ፍልይቲ ልእኽቲ ንሓደ ዓመት ክትቅጽል ምድማጾም ድማ ክሳብ ክንደይ ነቲ ስርዓት ተጸይፈሞ ከም ዘለዉ ዘርኢ ኢዩ።

እዚ ኹሉ ናይ ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኤሮጳን ደገፍ ንኢሳይስ ንህዝቢ ብዝያዳ ክጭቑን ይጥቀመሉ ከም ዘሎ ስለ ዝርደኦም ዘሎ  –  ንኹሎም ደለይቲ ፍትሒ ሓደ ጽቡቕ ናይ ምንቅስቃስ ባይታ ፈጢሩ  ኢዩ። ብዕለት 25 ሰነ 2020፡ ኣብ ናይ ጀርመን ባይቶ ብዛዕባ ኢርትራ  ናይ ሳይበር ክትዕ ተኻይዱ  ኢዩ። 60 ሰባት ካብ 10 ሀገራት ተኻፊሎሞ ነይሮም።  ኣባላት ናይ ፓርላማ ጀርመን እውን ተኻፊሎም ነይሮም።  ትንታኔ ናይቶም  መብዝሕትኦም  ኣቕረብቲ መንግስቲ ኤሪትራ መሰል ህዝቢ ኤሪትራ ከውሕስ ኣይክእልን ኢዩ ኣብ ዝበል መደምደምታ ቢጺሖም።  ኣብ መወዳእታ እቶም ጉበኤኛታት ምስ  ደለይቲ ፍትሒ ምትሐብባር  ዝሐሸ ከም ዝኾነ ደምዲሞም።   

ኣብ ኣመሪካ እውን እንተኾነ፡ ማይክል ራቢን ዝተባህለ  “ ጊዜኡ  ኣኺሉ እዩ ናይ ኣመሪካ ሰበ ስልጣናት ነቶም ኣብ  ኣብ ውሽጢ ሃገርን ወጻኢን ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ነቲ ኢሳያስ ካብ ስራሕ ወጻኢ ጌርዎ ዘሎ ሃገራዊ ትካላት ኣብ ምህናጽ፡  ዘድሊ ሓገዛት ኣብ ምግባር መደባት ክሕንጽጹ  ኣለዎም ክብል  ጺሒፉ ።

ኣብዚ እዋን`ዚ ዓለም ለኻዊ ሕብረተሰብ ካብ ኢሳያስ ዝነበሮ ትጽቢት ጸንቂቑ ኢዩ። ስለዚ ኣብ ምሉእ ዓለም ዝርከብ ደለዩ ፍትሒ ነዚ ዕድል እዚ ተጠቒሙ ጎስጓሱ ብዕቱብ ክቕጽል ኣለዎ።

እዚ ለውጢ እዚ፡ ንኹሎም ምስ ህዝቢ ኤርትራ ዝደናገጹን ክተሓጋገዙ ድልውነቶም ዝገለጹን ባእታታት ንምርካብን መረዳእትኦም ንምዕሟቑን ሪሒብ ባይታ ፈጢሩ ኣሎ። 

ንሕና ኣጋጣሚ ኮይኑ ካብ ሰለስቲ ሃገራት ኤውሮጳ (ዓባይ ብርጣንያ፡ ሆላንድን ጀርመንን)  ኣብቲ ኣብ ጀርመን ዝተኻየደ ኣኬባ ዝተኻፈልና     ኣብ ቀረባ ጊዜ ኣኬባ ገርና  ከመይ ገርና ሓቢርና ከም ንሰርሕ- ነቲ ውሳኔ ናይቲ ጉባኤ  ክንምዝምዞ  ክንዝተየሉ  ተሰማሚዕና።   ኣብዚ ጊዜ እዚ ንህዝብና ኣዚዩ ኣሻቂሉ ዘሎ –  ኮነ ኢልካ ብህግደፍ ተወጢኑ ዘሎ ህዝቢ ምጥማይ እዩ። ነዚ ከነቃልዖን መፍትሒ ክንረኽበሉን መደብ ኣውጺእና ክንሰርሐሉ ተሰማሚዕና። ካብ ሆላንድ ሙሉበርሃን ተመልሶ።  Muluberhan Temelso is the Director General of the Foundation of Human Rights for Eritreans- Holland (The Netherlands). The foundation filed a complaint against the European Commission in court for using unpaid labour from the national service።  ካብ ጀርመን  Dr Awet Kessete and his colleague Mr Temelso Gebresus from the Eritrean Associations for Democracy / Germany  ኣነ ኸኣ ካብ ዩናይትድ ኪንግዶም፥ ኣባል ኤሪትራ ፎካስ።   ህዝብና ብዝቐልጠፈ እዋን ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዝረክብ ንምግባር ንሕብረት ኤውሮጳ  ኣብ ምጉስጓስ ፕርጀክት ኣዳሊና ተበጊስና ኣለና። ብዓል ተመልሶ   ዝተሓባበሩና  ጀርመናውያን  ኣለውና ብዝብል ብተስፋ ገሊጾሙልና እዮም። መንግስቲ ጀርመን  መንግስቲ ኤርትራ መሰል ህዝቡ ዝግህስ ስለዝኾነ ሐገዝ ከምዘቓረጾ ብወግዔ ኣፍሊጡ እዩ።  

እታ ካልኣይቲ  ዕማም  ኢሳያስ ኩናት ኣንጻር ትግራይ ንምኽያድ  እሸባሸብ  ስለ ዘሎ  ተቛውመና ን ኢትዮጵያውያንን፣ ንዓለምን ምግላጽ እዩ።   ኣብዚ እቲ ዝበለጸ ብፖሊቲካዊን ሲቪላውን ውድባት ክድፍኣሉ ከሎ እዩ።  ግን ኩሉ  ኤሪትራዊ በብዓቅሙ ክግደሰሉን ክሰርሓሉ ዘለዎ  እዩ። ድሕሪ ሕጂ እዚ ደም ትግራዋይ  ብኤሪትረዊ ክፈስስ የብሉን፡ ከምኡ እውን ደም ኤሪትራዊ ብትግራዋይ ክፈስስ የብሉን።  ኢሳያስ ንቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ  ኣብ ኮረሻ ስልጣን ኮፍ ክብል ንምሕጋዝ እምበር ንኤሪትራ ሐልዩ ከም ዘይኮነ ክፍለጥ ኣለዎ።

ኢሪትራ ፎካስ – ህዝቢ ኤሪትራ ካብዚ ወሪድዎ ዘሎ  ጥምየት ክገላገል – ኣቤቱታ- ንዋና  ጸሐፊ ወድብ ሕቡራት መንግስታት ኣቅሪቡ ኣሎ።  ኣብታሕቲ ዘሎ ሊንክ ጠዊክኩም ብፈርማኹም ተሐባበሩና።

Eritrea and Covid 19: Petition the UN to prevent starvation
An Appeal to the UN to prevent imminent starvation and a humanitarian crisis in Eritrea

Sign on the Petition: ኣብዚ ናብ ዋና ጸሓፊ ኣንተንዮ ጉተረስ ብህጹጽ ዝለኣኽ ኣቤቱታ ንረዲኤት ህዝቢ ኤርትራ ፈርሙ

Previous Post

No war feed the people in Eritrea

Next Post

ቃል ኪዳን፡ ኣራት ኪሎን ዓዲ ሃሎን ከይዓበየ ዓሶ ትመንጥሎ

Next Post
ቃል ኪዳን፡ ኣራት ኪሎን ዓዲ ሃሎን ከይዓበየ ዓሶ ትመንጥሎ

ቃል ኪዳን፡ ኣራት ኪሎን ዓዲ ሃሎን ከይዓበየ ዓሶ ትመንጥሎ

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
4 years ago

“ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት ካብ ዓለም ለኻዊ ሕበረተሰብ ሓገዝ ኣይቅበልን ኢሉ። ስለምንታይ?

ኢማራት ዓረብ ንብዙሓት ብ Covid-19 ዝተጠቕዓ ሃገራት ሓገዝ ትህብ ኣላ። ኣብ ወተሃደራዊ መደበር ዓሰብ ዝርከቡ ሰራዊታ፡ ነቶም ኣብቲ ከባቢ ዝርከቡ ተቐማጦ ህዝቢ ዓፋር ሓገዝ ክትህብ እውን ሃቂና ኢያ። ይኹን እምበር፡ ኣማሓዳሪ እቲ ዞባ ዝኾነ ጀነራል ተኽለ ክፍለ፡ እቲ ህዝቢ ከይሕገዝ ኣጊዱ ኣሎ። ኤርትራ ኣብ ፍጹም ወተሃደራዊ ምሕደራ ስለ ዘላ፡ ህዝቢ ቃንዝኡን መረርኡን ክገልጸሉ ዘኽእሎ ባይታ የብሉን።”

________*****______

ህዝቢ ዓፋር ብጥምየት ይመዉት ኣሎ ዝብል ወረ ኣብ ማዕከናት ዜና ምስተሰምዕ ፥ እቶም ኣብቲ ከባቢ ዓስኪሮም ዘለዉ ወጻእተኛታት ቡዙሕ ከም ዝሰገኡ ይስማዕ ፣ ቡኡ ድማ ሓገዝ ክህቡ ፍቃደኛታት ሙዃኖም ምስ ገለጹ ፥ ካብ ኮምኡ ዓይነት “ምትእትታዉ” ንምርሓቅ ተባሂሉ ፥ እቲ ተኸልኺሉ ዝጸነሐ ስግር-ባሕሪ ንግዳዊ ንጥፈታትን ዓሳ ምግፋፍን ከም ተፈቅደሎም ዝሕብር ዳሃይ ኣሎ።

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply