Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ህርኩት ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ገዲም ጋዜጠኛ ‘ሱዳን ናው’ ነበር ኤርትራዊ ብርሃነ ወልደገብርኤል ብዝሓደሮ ሕማም፡ ኣብ መበል 74 ዕድሚኡ ትማሊ 26 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ከተማ ለንደን ዓሪፉ።

Atv Asena by Atv Asena
27th October 2020
in News, Tigrinya-News
1
0
SHARES
809
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ብርሃነ ወልደገብሪኤል፡ ብ7 ጥሪ 1946 ዓ.ም ኣብ ዓዲ ጭጉኑ ወረዳ ቖሓይን ተወሊዱ ኣብ ኣስመራ ዓብዩ።

ወላዲኡ ኣብኡ ተለንተ ወልደገብሪኤል ወልደገርግሽ፣ ኣዲኡ ድማ ወይዘሮ ትበርህ ኣዳነ ኮይኖም፡ ብርሃነ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ተማሂሩን ኣስተምሂሩን።

ወዲ ፖሊስ ብምንባሩ ኣብ መዘናታቱ ብወዲ ሓላው ወሰን ዝፍለጥ ብርሃነ ኣብ ከተማ ኣስመራ ኣብ ሰምበል ዓብዩ።

ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ኤርትራ፡ ጎዳይፍ፡ ካምቦኒ፡ ሳንጀርጆ መንደፈራ፡ ልኡል መኮነን ኣስመራ ተማሂሩ።

ናይ 2ይ ደረጃ ትምህርቱ ምስ ወደአ ከኣ ኣብ ደብረ ብርሃን ናይ መምሃራን ስልጠና ወሲዱ፤ ኣብ ከፋ ንሰለስተ ዓመት ምሂሩ።

ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ’ውን ታሪኽን ስነ-ትምህርትን ኣጽኒዑ።

ትምህርቱ ምስ ወድአ መምህር ክኽውን ባህጊ ከምዝነበሮ ብ 2017 ምስ ኣሰና ኣብ ዝገገበሮ ዝርርብ ዝገለጸ ብርሃነ፡ ኣብ ከተማ ኣቑርደት ከም ኣገልግሎት/ ሰርቪስ ንሓደ ዓመት ኣብ ካምቦኒ ፖርት ሱዳን እውን ንሓደ ዓመት ምሂሩ ።

ብድሕሪኡ፡ ኣብ ሚኒስትሪ ዜናን ባህልን መንግስቲ ሱዳን ኣብ ካርቱም ንሸውዓተ ዓመት ሰሪሑ።

ካብኡ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ናይ ዜናን ርክብን ኣወሃሃዲ ኮይኑ እናገልገለ፡ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብሕጽረት መግቢ ክሞቱ ምስ ጀመሩ፡ ብርሃነ፡ “እቲ ንስደተኛታት ተባሂሉ ዝመጽእ ዘሎ እኽሊ ኣብ ስደተኛታት ኣይበጽሕን ዘሎ” ክብል ኣብ ኦክስፎርድ ዓባይ ብሪጣንያ እትሕተም መጽሔት ረፉዩጂ ስታዲስ ምስ ጽሓፈ ብመንግስቲ ሱዳን ተኣሲሩ። እንተኾነ ድሕሪ ሓጺር እዋን ጉዳዩ ክጽናዕ ክጻረን ኣለዎ ተባሂሉ ተፈቲሑ።

ዕድል ገይሩ ከኣ እታ ዓንቀጹ ዘሕተመት ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝመደበራ መጽሔት ስለ ዝተሓበበረቶ ንዓዲ ኢንግሊዝ ኣትዩ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሶኣስ ለንደን ቋንቋ ትግርኛ እናመሃረን ክሳብ ዕለተ ዕረፍቱ ንስደተኛታት ኣብ ምሕጋዝ ክነጥፍ ጸኒሑ።

ብርሃነ ወልደገብሪኤል ጎኒጎኒ እቲ ዝተጠቕሰ ንትፈታቱ፡ ምስ ብጾቱ Eritrean Education and Publication Trust ዝብል ናይ ግብረሰናይ ትካል ብምምስራት፡ ንኤርትራውያን ስደተኛታት ብሓፈሻ ኣብ ልዕሊ ምትሕጋዝ፡ ብፍላይ ኤርትራውያን ፖለቲካዊ ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ተሳንዮም ብሓባር ዝሰርሑሉ መድረኽ ብምፍጣር ዓቢ ኣበርክቶ ገይሩ።

ሓደ ብኣብነት ዝጥቀስ ኣጋጣሚታት፡ ካብ 4-5 ሰነ 2011 ብመሪሕነት ብርሃነ Eritrean Education and Publication Trust ዝወደቦ ፖለቲካውያን ውድባትን ሲቪክ ማሕበራትን ኤርትራን ኣህጉራውያን ክኢላታትን ዘሳተፈ፡ ተመክሮ ጎረባብቲ ሃገራት `ውን ዝዳህሰሰ ናይ ክልተ መዓልቲ ፍሉይ ዋዕላ እዩ።

ብርሃነ፡ ድሕሪ ተረኽቦ ሓደጋ ላምፔዱሳ ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ምስ ዝተዋፈረት ብትካል ሕጻናት ኣድሕን (ሰይቭ ዘ ቺልድረን) ምስ እትካየድ መርከብ ንሒደት ኣዋርሕ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ብምስራሕ ሓያሎ ስደተኛታት ኣብ ምድሓን ሕልናዊ ሓላፍነቱ ዝተዋጽአ ሰብ እዩ።

ንነዊሕ ዓመታት እትፈልጦ ተጋዳሊት መርየም ዑመር፡ ንብርሃነ፡ “ንባህልን ልምድን ብሄራት ኤርትራ ብዕምቆት ዝርዳእ ምስ ኩሉ እምነታት ጽቡቕ ፍልጠት ዘለዎ፡ ለዋህ ርህሩህ፡ ህዝቢ ክጠምር ዝጽዕር ኣካብን ሓቛፍን ሰብ እዩ ነይሩ” ክትብል ንቢቢሲ ትግርኛ ሓቢራ።

ዓሊ ህንዲ ብወገኑ፡ ብርሃነ ” ንኹሎም ገዳይም ፖለቲከኛታት ኤርትራ ክዓርቕን ከላግብን ኣብ ኤርትራ ዕርቀ ሰላም ተኣዊጁ፡ መኣዲ አሕዋት ተሰሪዑ ክርኢ ዝደሊ ጻዕራም ሰብ እዩ ነይሩ” ክብል ቀረባ ዓርክን መሓዝን ብምስኣኑ ሓዘኑ ይገልጽ።

ዜና ዕረፍቱ ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ምስተቓልሕ ብዙሓት አዕሩኽቱን ፈለጥቱን ዝተሰመዖም ከቢድ ሓዘን ይገልጹ ኣለው።

ብርሃነ እምበኣር ናይ ብሓቂ ክፉት ኣእምሮ ዝነበሮ፡ ንነገራት ኣስፍሕ ኣቢሉ ዝርኢ፡ እፈልጥ እየ ኢሉ ዘይዕበ ወትሩ ትሑትን መኽበሪ ሰብን እዩ ነይሩ።

ንመዋቲ ብርሃነ ወልደገብሪኤል መንግስተ ሰማያት የዋርሶ፡ ንፈተውቱን ምሉኣት ስድራቤትን ጽንዓት ይሃብ።

  •  

በዚ ኣጋጣሚ፡ ምስዚ ዝንህር ዘሎ ካልኣይ ዙርያ ለበዳ ኮረና ቫይረስን ከሪሩ ዘሎ ቀይድታት ምንቅስቓስ መንግስቲ ኣብ ለንደንን ካልኦት ከባቢታትን፡ ከምንቡር ቤተሰብ መዋቲ ምብጻሕ ኣጸጋሚ ስለዝኾነ፡ ክሳብ ንስነስርዓት ቀብሩ ዝምልከት ዝርዝር ሓበሬታ ተዋዲዱ ዝዝርጋሕ፡ በዚ ዝስዕብ ቴለፎን ንቤተሰብ ምጽንናዕ ይከኣል – 07506226599

ኣብ ክንድኡ ኣብ ትሕቲ“ዚ ትሕዝቶ“ዚ ናይ ሓዘን መልገጺ ምስ እትገድፉ `ውን ድሕሪ ዝተወሰነ ግዜ ሓብ ሓደ መዝገብ ሰኒድና ንስድራቤቱ ከነመሓላልፈሎም ምዃና ነዘኻኽረኩም።

ደጊምና መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ንብል።

Previous Post

መርድእ፡ ገባር ሰናይን ደላዪ ስኒትን ጋዜጠኛ ብርሃነ ወ/ገብሪኤል – መንግስተ ሰማያት የዋርስካ፡ ንስድራቤት ጽንዓት ይሃብ!

Next Post

THE LATE BERHANE WOLDEGABRIEL, B.A., M.A. (1946-2020)

Next Post
ህርኩት ተሓላቒ ሰብኣዊ መሰላት ስደተኛታትን ገዲም ጋዜጠኛ ‘ሱዳን ናው’ ነበር ኤርትራዊ ብርሃነ ወልደገብርኤል ብዝሓደሮ ሕማም፡ ኣብ መበል 74 ዕድሚኡ ትማሊ 26 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ከተማ ለንደን ዓሪፉ።

THE LATE BERHANE WOLDEGABRIEL, B.A., M.A. (1946-2020)

3 4 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ሃይለ ገብረትንሳኤ
4 years ago

ክቡር ሓወይ ዓርከይብርሃነ: ዓለም አርኪባትከ
ዝጀመርካዮ ሃገራዊ ዕማም ከይወዳእካ:: ዝክአለካ ገርካ ጽበቕ ስምገዲፍካልና:: ዕላልካ ጥዑም ትምህትኻ ሰፊሕ: ከም ፈልፋሊ ማይ ሰቲኻ ዘይጽገብ:: ንዳሕራይ ተደሊኻ ዘይትርከብ: ለባም: ፈቃር: ፍትሓዊ: ለጋስ መልትዓኻ: አብዓለም አኺሉ ብሰላም ዕረፍ:: ንስድራ ቤትጽንዓት ይሃብኩም::ዝፈውኻ!
ሂወት ዮሃንስን
ሃይለ ገብረትንሳኤ
ኢንድያናፖሊስ ኢንድያና
ሰሜን አመሪካ

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply