Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ጸገምና፡ ኣተሓሳስባና!

Atv Asena by Atv Asena
31st July 2020
in Articles, Tigrinya
3
0
SHARES
509
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ጸገምና፡ ኣተሓሳስባና!

ብመጀመርያ ካብ’ዚ ሕማም ኮሮና ኮቪድ-19 ይዂን ካልእ ብጥዕናኹም ደሓን ክትህልዉ ዘሎኒ ድሌት እገልጽ። ሰብ ከም’ቲ ዝሓስቦ’ዩ ዝኸውን ዝብል ብመንፈሳዊን ስነፍልጠታዊን ዝተደገፈ ሓቂ’ዩ። ስለ’ዚ ንሕና ከም’ቲ ንሓስቦ ኢና ንኸውን ወይ ድማ ውጽኢት ናይ ኣተሓሳስባና ኢና ክንብል ከሎና፡ ሓሳባትና ኣብ ባህሪያትናን ተግባርናን ወሳኒ ተራ ከም ዘለዎ ይበርሃልና። ሕያዎት ወይ ርጉማት፡ ጨካናት ወይ ርህሩሃት ብስጭዋት ወይ ሕጉሳት ክንከውን፡ ባህሪያትና ብሓፈሻ በተሓሳስባና ይውሰን። ሓንጐልና ዋላ ንቊሩብ ደቓይቕ ብዘይ ሓሳባት ወይ ባዶሽ (vacuum) ክኸውን ስለ ዘይክእል፡ ጸጽቡቑ ሓሳባት መሊእና ንሕማቕ ቦታ ከም ዘይረክብ ክንቈጻጸሮ ንኽእል ኢና። በዚ ድማ ብሰላምን ዕግበትን ምንባር ይከኣል።

ሓደ ካብ’ቲ ዝለዓለ ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ደቂሰብ ዝሓስብን ንሓሳባት ዝዓቊርን ዝዝክርን ንኩሉ ኣካላት ዝቈጻጸርን ሓንጐል ምውናን’ዩ። ሓንጐልና ተጠቒምና ጽቡቕ ይኹን ሕማቕ ክንሓስብን ከነመዛዝንን ክንውጥንን ብእኡ ኣቢልና ድማ ናብ ምዕባለን ስልጣኔን ክንስጉም ወይ ከኣ ኣብ ውድቀትን ድሕረትን ክንነብር እቲ ምርጫ ናትና’ዩ። ኣተሓሳስባና ኣብ’ዛ ዓለም ገሃነም ወይ ገነት ክንፈጥር ሽቶና ክንወቅዕ ራእይና ድማ ክንትርጉም ዘኽእለና መስተንክር ባህርያዊ ውህብቶና ኢዩ። ብመንጽር ህሉው ኲነታት ሃገርና ምስ እንምልከት ብሰንኪ ጸገም ኣተሓሳስባ፡ እቲ ስርዓት መንገዲ ገሃነምን ጥፍኣትን መሪጹ ራእይ ዘይብሉ ጐደና ሒዙ “ንኺድ ጥራይ” ክብል ኣብ መዓልቦ ዘይብሉ ሸንኰለል ይነብር ።

 ሓሳባትና ረቂቕን ዘይረአን ክነሱ ክረአ ዝከኣል ብሉጽ ስራሓትን ህንጸትን ወይ ከቢድ ዕንወትን ጉድኣትን ከስዕብ ይኽእል። ብሓፈሻ ኣብ ኣተሓሳስባ ሰባት ተመርኲስና፡  እቶም ሃናጺን ኣድማዒን ሓሳባት ዘለዎም ኣወንታዊ፥ እቶም ኣዕናዊን ኣፍራሲን ሓሳባት ዘለዎም ሰባት ድማ ኣሉታዊ ኢልና ናብ ክልተ ጉጅለ ክንከፍሎም ንኽእል። ባህሪያት ደቂሰብ በቲ ዝሓስብዎ ስለ ዝውሰን ከኣ፡ ኣወንታዊ ዝሓስቡ ጽቡቕ ባህሪያት፡ ኣሉታዊ ሓሳባት ዘለዎም ድማ ሕማቕ ባህሪያት ኣለዎም ኢልና ንድምድም። በዚ መለክዒ’ዚ ንሕና ከም ህዝቢ ካብ መግዛእቲን ኲናትን ናብ ናጽነትን ጩራ ምዕባለን ሰጊርና ከነብቅዕ ምልካዊ ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ዝፈጠሮ ምሕደራ ኣብ ዕንወትን ድሕረትን ጥሒልና ንርከብ።

ኣተሓሳስባና ምስ ባህሪያትና ጥራይ ዘይኰነ ምስ ስነኣእምሮኣዊን ኣካላዊን ጥዕናናን ምንዋሕ ወይ ምሕጻር ዕድመና’ውን ብቀጥታ ዝተተሓሓዘ ምዃኑ ናይ ስነኣእምሮ መጽናዕቲ ይሕብር። እዚ ድማ ሓንጐልና ኣወንታዊ ክሓስብ ከሎ ጠቐምቲ ነዝዒታት ወይ ከሚካላት ይሰድድ’ሞ ኣብ ኩሉ ሰብነትና ናይ ሓጐስ  ቅሳነት ከምኡ’ውን ትስፉውን ንጹርን  ስምዒታት ይፈጥረልና። ኣተሓሳስባና’ውን ብሩህን ኣንዊሑ ዝጥምትን ስለ ዝኸውን ዕግበት ዘለዎ ሕጉስን ጥዑይን ሂወት ከነሕልፍ ይሕግዘና። ብኣንጻሩ  ሓንጐልና ብኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ምስ ዝጥቃዕ ጸቕጢ ዝፈጥሩ ሕማም ናይ ምጽዋር ዓቕምና ዘዳኽሙ ነዝዒታት ሰዲዱ ኣብ ምሉእ ሰብነትና ሃሳዪ ሳዕቤን የኸትል። ሂወትና ድማ ዕግበት ዘይብሉን  ዘይሕጉስን ዘይትስስፉው’ን ብናይ ስነኣእምሮዊ ይኹን ብኣካላዊ ሕማም ዝጥቃዕን ይኸውን። እቲ ናይ ስነኣእምሮ ሕማም ንብሎ ብዓቢኡ’ውን ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ስለ ዝዀነ ከም’ቲ ንሓስቦ ኢና ንኸውን ክንብል ንኽእል።  

እምበኣር ሓሳባትና ምስ ባህሪያትና ኰነ ምስ ጥዕናና ዝተኣሳሰረ ስለ ዝዀነ ኣተሓሳስባና ብምትዕርራይ ወይ ናብ ኣወንታ ብምቕያር ኣብ ሂወትና ብዙሕ ለውጢ ከነምጽእ ከም ንኽእል ብመጽናዕቲ ዝተደገፈ’ዩ። ንኣብነት ኣብቶም ካብ ህልቂት ሂትለር ዝደሓኑ እስራኤላውያን ዝተገብረ ሰፊሕ መጽናዕቲ ከም ዝሕብሮ፡ ኩሎም ሓደ ዓይነት ሃስያን ስቓይን ዝወረዶም ክነሶም፡ እቶም ገለ ካብኣቶም ኩሉ ነገራት ከምቲ ዝዀኖ’ዩ ዝኸውን ኢሎም ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ዝወረደ ስቓይ ብኣወንታ ብምቕባል፡ ሰብ ጸጋ ጥዕናን ዕድመን ኰይኖም ይነብሩ። ብኣንጻሩ እቶም ካልኦት በቲ ዘጓነፎም ከማርሩን ክራገሙን ክጭነቑን ግዳያት ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ሕማምን ሞትን ኰይኖም። ስለ’ዚ ኣተሓሳስባና ኣብ ኩሉ መዳያት ሂወትና ጠቓሚ ወይ ጐዳኢ ክኸውን ከም ዝኽእል ተረዲእና ናብ ረብሓና ክነውሎ ይግባእ ።

ገለ ካብ’ቶም  ናይ ኣተሓሳስባ ጸገም ዘለዎም ሰባት መጠራቐምቲ ወይ ቋጸርቲ ቂምታን ቅርሕንቲን (Injustice Collectors) ከም ዘለዉ ናይ ስነኣእምሮ ክኢላታት ይሕብሩ። እዞም ሰባት ነቲ ዕለታዊ ዘጓንፎም በደል ወይ በደል ኰይኑ ዝስመዖም ዋላ ናእሽቱ ነገራት እንዳጣራቐሙ  ሕድገት ከይገበሩ ብግጉይ ኣተሓሳስባን ብቂምታን ቅርሕንቲ  ዘይሕጉስ ሂወት የሕልፉ። ኣብ ልዕሊ’ቲ  በዲሉኒ ዝብልዎ ሰብ ይኹን ሕብረተሰብ ከይተረፈ’ውን ቂምታ ሒዞም ንነዊሕ ዓመታት ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት ቋጺሮም በደል ከውርዱ ይኽእሉ። ናብ ስልጣን እንተመጺኦም ከኣ ከም’ዚ ኣብ ሃገርና ዘሎ ኣብ ልዕሊ ህዝብን ሃገርን ናይ ጽልእን ሕነ ምፍዳይን ዝመስል ሓሳድ ኣካይዳ ይኽተሉ።

ዕሸላዊ ኣተሓሳስባ  ዘጥቀዖም ስባት፡ ኣፍ ብምልኣት ልቢ ትዛረብ ከም ዝበሃል፡ ኣብ ሓንጐሎም ዝመጽኣሎም ሓሳባት ነብሰ-ሳንሱር ከይገበሩ ዝዛረቡን ናብ ህዝቢና ዝዝርግሑን ጽዩፍን ፈላላዪን ዘመተ ደው ከብልዎ ብህጹጽ ንጽውዕ። እቲ ዝዓበየ ስንክልና ኣካላዊ ዘይኰነስ ስነኣእምሮኣዊ ስንክልና ስለ ዝዀነ፡ ገለ ሰባት ንሕብረተሰብና ብሃይማኖት፡ ብኣውራጃ ክፈላሊዩ ጅግንነት ወይ መንፋዓት ዝመስሎም፡ ናይ ጸርፊን ጸለመን መጥቃዕቲ ከካይዱ ከይደቀሱ ዝሓድሩ፡ ዕድመ መላኺ ስርዓት ምንዋሕን ብቀጻሊ ከሳቕየና ፍቓድ ምሃብን ከም ዝዀነ ከስተውዕሉ ይግባእ።

ሓሳባትና ካብ ውሽጣዊ እምነትናን ዓቕምናን ኣብ ክንዲ ዝውሕዝ፡ ንፋስ ናብ ዝነፈሶ ምስ ከባቢና ዝላዋወጥ እንተዀይኑ፡ መርገጽ ዘይብልና ብካልኦት ንዝወር መሳርሒ መላኺ ስርዓት ኰንና  ንህዝብናን ንሃገርናን ከይንብድል ንጠንቀቕ። ናቶም ሓሳባት ዘይብሎም ፡ንኽሓስቡ ፍቓድ ዘድልዮም፡ ብካልኦት ተቓሚሙን ተኣሊሙን ዝቐርብ ሓሳባት ከይመመዩ ዝድግፉ ወይ ዝነቕፉ፡ ብናይ ዕስለ ኣተሓሳስባ ዝምርሑ፡ ብፍላጥ ይዂን ብዘይ ፍላጥ ኣንጻኣር ህዝቢና ምስ በዳሊና ዝወገኑ ሰባት’ውን ዓገብ ንብሎም። ናይ ካልኦት ሕማቕ ኣተሓሳስባ ኣብ ልዕለና ዝፈጥሮ ተመሓላላፊ ባህሪያት ስለ ዘሎ ድማ መን ምዃንካ ክነግረካስ ምስ መን ከም ትኸይድ ንገረኒ ከም ዝበሃል፡ መካይድትና ብጥንቃቐ ንምረጽ ። ስርዓት ህግደፍ መካይድቱ ምምራጽ ጸጊምዎ ናይ ትማሊ ገዛእቲና በዲሎምና ዝበሃሉ ዝነበሩ ዝሰዓርናዮም፡ ሕጂ ናብ ዓዶም ከይዱ ኣይከሰርናን ሓደ ኢና ምርሑና ወዘተ ክበሃል ክንርኢ ወዳጀ ኣካይዳ ኢልና ንግረም’ሞ፥ በቲ ግልብጥሽ ባህሪያቶም ከኣ ሻቕሎት ይሓድረና።

ኣተሓሳስባና ንረብሓና ወይ ኣንጻርና ከነውዕሎ ስለ ንኽእል ኣወንታዊ ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ብዛዕባ ነብሶም’ውን ኣወንታዊ ጠመተን ነብስ-ኣኽብሮትን ስለ ዘለዎም ንካልኦት ክፈትዉን ክኽብሩን፡ ስለ’ዚ ድማ ከም ናቶም ባህሪያት ዘለዎም ሰባት ክስሕቡ ጸገም የብሎምን። ብኣንጻሩ ኣሉታዊ ዝሓስቡ ሰባት ኣብ ዕምባባ ጽገረዳ እሾኽ ጥራይ ዝርኣዮም፡ ሰማይ ፈረሰ ዝብሉ ኣብ ነብሶም ትሑት ኣረኣእያ ስለ ዘሕድሩ ንሰብ ክፈትዉን ክኣምኑን ይጽግሞም። መቓልሕ ዝበልካዮ ከም ትደግም ድማ፡ ባህሪያቶም ንከምኦም ዓይነት ኣሉታዊ  ሰባትን ኣሉታዊ ኩነታትን ስለ ዝስሕብ ኣብ ዓንኬል ኣሉታውነት እንዳዀለሉ ንነብሶምን ንካልኦትን ክብድሉ ክጠልሙን ይነብሩ። ምስ ህሉው ኩነታት ሃገርና ምስ እነዛምዶ እቲ ኣፉ ገዲፉ ዝዓንገሎም ኣብ ጐድኖም ዝተቓለሰ ህዝቢ ሕጂ ኣብ’ዚ እዋን ኣካሒዳ ሕማም ኮቪድ-19  ርግጥ ኣቢሎም ብኣፉ ሒዞም ብጥሜትን ዓጸቦን ከሳቕይዎ ካሕዳማት፡ ናትና ድዮም የብለካ።

ገለ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ዘንቀሎ ሕማቕ ባህሪያት ዘለዎም ሰባት’ውን ክቕየር ኣይክእልን’የ ከምኡ’ዩ  መፋጥርተይ ዝብሉ ኣለዉ። እዚ ግና ግጉይ ኣተሓሳስባ’ዩ ምኽንያቱ ባህሪያትና ውጽኢት ናይ ብዙሕ ዓመታት ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ  ደኣ’ምበር፡ ሕማቕ ወይ ኣሉታዊ ኰይኑ ዝተፈጥረ ሰብ የለን። ብሓጺሩ ሕማቕ ኣተሓሳስባ ደኣ’ምበር ሕማቕ ሰብ ስለ ዘየለ፡ ኣተሓሳስባኦም ከተዓራርዩ ክንሕግዞም ይግባእ። ብሓፈሻ ኣተሓሳስባናን ባህሪያትናን ካብ ስድራናን ከባቢናን መሓዙትናን ዝተመሃርናዮን ዝወስድናዮን ደኣ’ምበር መፋጥርትና ስለ ዘይኰነ፡ ይንዋሕ ይሕጸር ክንቅይሮ ይከኣል’ዩ። ግጉይ ዝሓስቡ ኣብ ሃገርና ንብዙሕ ዓመታት ስልጣን ገቢቶም  ዘለዉ ኣብ ለውጢ ዘይኣምኑ፡ እንታይ’ዩ ጉዶም ዘይቅየሩ፡ ኣብ ጌጋታት ዝነብሩ ኢልና ንግረም’ሞ፡ ምስ መዕበያኦም ይጥፍኡ ኢልና ክንራገም ንግደድ።

ኣብ ሂወት ብዙሕ ጽቡቕን ሕማቕን’ዩ ዘጓንፍ፡ ሂወት ደቂ ሰብ ከኣ ሓጻር’ያ፡ ስለ’ዚ ኣብ ዓዘቕቲ ናይ ኣሉታዊ ሓሳባትን ባህሪያትን ጥሒልካ ዘይሕጉስን ቅሳነት ዘይብሉን ናብራ ጣዕሳ ጥራይ’ዩ ትርፉ። እንተስሒቕካ ዓለም ምሳኻ’ያ ትስሕቕ፡ እንተበኺኻ ግና ንበይንኻ ኢኻ ትበኪ ከም ዝበሃል፡ ኣሉታዊ ስምዒታት ክስዕረካ ከሎ ጸጋታትካ ብምዝካር ኣተሓሳስባኻ ናብ ኣወንታ ክትቅይሮ ዓቕሚ ኣሎካ። ብሰንኪ ሓሳድ ምሕደራ መነባብሮ ህዝብና ኣብ ቀጻሊ ትካዘን ሓዘንን ዘጥሕል ምዃኑ ግና ኣይንዝንግዖን። ናይ ትማሊ መስተንክር ጅግንነቶም ብጽሩራን ሹመትን ኣሽሪፎም፡ ንስዉኣትናን ንህዝቢናን ጠሊሞም ሃገር ዘዕንዉ ዘለዉ  ምልከ-ውሑዳን ኣዚዩ ይገርመካ፡ ናብ’ዚ ምውራዶም ከኣ ከም ሰብ የሕዝኑኻ።

ናይ 1000 ኪሎሚተር ጉዕዞ ብሓንቲ ስጉምቲ ከም ዝጅመር፡ ኣተሓሳስባና ካብ ኣሉታዊ ናብ ኣወንታዊ ቀስ ብቀስ ክንቅይሮ ንኽእል ኢና። ናይ ኣሉታዊ ኣተሓሳስባ ጸገምና ዘይምቕባልን ነብስና ምትዕሽሻውን ግና መቐይሮ ኣብ ምምጻእ ዓንቃፊ ስለ ዝዀነ፡ እቲ ሽግርና ብዛዕባ’ቲ ሽግር ዘሎና ኣረኣእያን  ኣተሓሳስባን ከይከውን ከነስተውዕል ይግባእ። ከመይ’ሲ ሽግርና ብግቡእ እንተዘይኣለሊናዮ ነቲ ፍታሕ ክንረኽቦ ኣይንኽእልን ኢና። ንኣብነት ሃገርና ዘላቶ ዘሕዝን ኩነታት ጽቡቕ ኣሎ እንዳበልና ብቀጻሊ ቁስልናን ፈውስናን ንሓብእ ሰባት ኣሎና። ኣልበርት ኣነስታይን ከም ዝበሎ “ጽላለ ዝበሃል ንሓደ ነገር መመሊስካ ደጋጊምካ ብምግባር ዝተፈልየ ውጽኢት ከተምጽእ ምጽባይ ማለት’ዩ”። ስለ’ዚ ዝኣረገ ስርዓት ብዝኣረገ ኣተሓሳስባ፡ ነዞም ናይ ሎምዘመን ሽግራትና ብናይ ቀደም ኣተሓሳስባ ክፈትሕ ዝደሊ፡ ጽላለ ይኣኽለካ ንበሎ። ኣብ ኢድና ዘሎ ሰይጣን ኣይኽኣሎ ከም ዝበሃል፡ ብሓባር ዘቲና ኣተሓሳስባና ካብ ጸገም ናብ ጸጋ ቀይርና፡ ብሰላም ክንነብር እቲ መፍትሕ ኣብ ኢድና ኢዩ ዘሎ።

እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ!

ዘለኣለማዊ ዝኽርን ክብርን ንስው ኣትና!

ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት

ካልጋሪ፡ካናዳ

Previous Post

ቃል ኪዳን፡ ኣራት ኪሎን ዓዲ ሃሎን ከይዓበየ ዓሶ ትመንጥሎ

Next Post

ጻውዒት ባይቶ ይኣክል ከተማ ሎንዶን ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ

Next Post
ጻውዒት ባይቶ ይኣክል ከተማ ሎንዶን ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ

ጻውዒት ባይቶ ይኣክል ከተማ ሎንዶን ንኹሉ ግዱስ ኤርትራዊ ነባሪ ዓባይ ብሪጣንያ

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
3 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
reaen
reaen
4 years ago

“ …ብሓባር ዘቲና ኣተሓሳስባና ካብ ጸገም ናብ ጸጋ ቀይርና፡ ብሰላም ክንነብር እቲ መፍትሕ ኣብ ኢድና ኢዩ ዘሎ።”

እታ መፍትሕ ኣብ ፹ – ፺ ዝትፈላለየት ድኣ ካይትኸውን?
እምበርዶ ብሓቂ ኤርትራዉያን ፡ በዛ እዋን እዚኣ ፡ ኣብ ሓንቲ ዓላማ ኢና ዘለና ?
ኣብ ትሕቲ ኣላህ /እግዚኣብሄር ናብታ ሓቃ ነድህብ፣ ሸንኮለል ስለዘየዋጽኣና። 

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
4 years ago

A recent visitor to Asmara describes the people as, ‘ITI HIZBI KULU ZIHAMEME YIMESIL’, in her layman’s terms, indeed, the relative is not educated enough to expound as the DR. the psychosomatic disease and its ravaging implications in our overall wellbeing, this chronic, protracted unyielding repression by the most brutal regime in my memory is determined to keep the poor people at the bottom rung of Maslow’s hierarchy, and that is no place to be to read this exemplary article or think of upheaval for social justice, but primitive survival instinct of the species. How did we get here, and how did let this happen? and what do we need to do to extract our people from this bottomless pit?!! It seems that we have enough experts and resources who escaped this darkness and saw the light to talk and write about it. The social media is abuzz with Eritrean Psychologists, sociologists, videography artists and yes sex therapists…but yet the people and the country they came from…….I can’t go on..

0
Reply
reaen
reaen
Reply to  k.tewolde
4 years ago

“How did we get here, and how did let this happen?” k. tewolde

Fantastic, Dynamite, Sincere Question requiring corresponding honest answer from ERITREANS of ALL WALKS OF LIFE. And THAT DAY will be the TRUE LIBERATION of ERITREA.
rezen

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
3
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply