Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ዝያዳ ጽልኢ ኣብ ነኣሽቱ ፍልልያት (Narcissism of small differences) ኣማኑኤል ሳህለ

Atv Asena by Atv Asena
21st July 2022
in Articles, News, Tigrinya
3
0
SHARES
1.1k
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ዝያዳ ጽልኢ ኣብ ነኣሽቱ ፍልልያት (Narcissism of small differences)
ኣማኑኤል ሳህለ

ገለ ተመራመርቲ ከም ዚብሉዎ፡ ካብቶም ኣብ መንጎኦም ዓቢ ፍልልይ ዚረኣየሎም ኣህዛብ፡ ኣብቶም ኣብ መንጎኦም ውሑድ ፍልልይ ዚረኣየሎም ኣህዛብ ዝያዳ ጥርጠራን ባእስን ህውከትን ጽልእን ግርጭትን ይኽሰት።

ከምዚ ኪብሃል ከሎ፡ ካብቶም ኣብ ዓለምና እተራእዩ ግርጭታትን ኣዕነውቲ ውግኣትን፡ እቶም ዝበዝሑ ኣብ መንጎ ሓደ ዓሌትን ባህልን ልምድን ዘለዎም ሰባት ከም ዝነበረ ኢዩ ዚሕበር። ብሓጺሩ፡ ዕግርግር፡ ቅድሚ ኣብ መንጎ’ቶም ብገለ መገዲ ንኣኻ ዘይመስሉ ተጻባእትኻ ዚኽሰት፡ ኣብ መንጎ’ቶም ንኣኻ ዚመስሉ ጉጅለታት ኢዩ ዚኽሰት ከም ማለት ኢዩ።

ስለምንታይ ኢዩ ግን ምስቲ ንኣኻ ዚመስል ጉጅለ ወይ ህዝቢ ዝያዳ ህውከተን ዕግርግርን ክትፈጥር እትደሊ? ካብቲ ንኣኻ ዘይመስል ጉጅለ ወይ ህዝቢ ዶ ኣይኮነን ክትጥንቀቕ ዘሎካ? ናይዚ መልሲ ከምቲ ሕቶኡ ዘደንጹ ኢዩ።

ሓደ ህዝቢ ወይ ጉጅለ ንኣኻ ስለ ዚመስል፡ ከዐሽወካ ወይ ከዘንግዓካ ይኽእል ኢዩ ዚብል ግጉይ ኣረኣእያ ኣሎ። ማለት ኣብ ውሽጠይ ሰሊኹ ብምእታው ከጥቅዓኒ ኢዩ ዚብል ዘይምኽኑይ መግለጺ ትፈጥር። ንመንነተይ ይፈታትኖ ኣሎ፡ ብምባል ትሓልም። ከምቲ ዎ ኣምላኽ ካብ ፈተውተይ፡ ማለት ንኣይ ዚመስሉ፡ ኣድሕነኒ፡ ንጸላእተይስ፡ ማለት ነቶም ንኣይ ዘይመስሉ፡ ባዕለይ ኣለኹሎም ዚብል ኣዘራርባ ኢዩ ዚመስል። ግን ድማ መመኽነይታ እምበር እኹል መርትዖ የብልካን።

ከምዚ ክትብል ከሎኻ እቲ መንነትካ ወይ ኣነነትካ ከይጠፍኣካሞ ብኡ ኣቢሉ ድማ ህላወኻ ከይትስእን ብማለት ኢዩ። ስለዚ ድማ ኣብቲ ዘራኽበካ ዘይኮነስ ኣብቲ ፍልልያት ዝያዳ ትዅረት ብምግባር ነቲ ምሳኻ ዚመሳሰል ጉጅለ ወይ ህዝቢ ካባኻ ክትፈልዮ ብዙሕ ሜላታት ትፈጥር።

ብብዙሕ መገዲ ካባኻ ምስ ፈለኻዮ፡ ምእንቲ ክትገጥሞ ከም ጸላኢ ጌርካ ትወስዶ። ንመንነትካ ዝያዳ ንምርግጋጽ፡ ናብቲ ናይቲ ንኣኻ ዚመስል ጉጅለ ወይ ህዝቢ ካባኻ ዚፈልዮ ነኣሽቱ ባህርያት ወይ ልምድታት ወይ ባህልታት ብምትኳር፡ ነተን ዝረኸብካሉ ነኣሽቱ ፍልልያት ተጋንነን። ኣብ መወዳእታ ድማ ከም ጸላኢ ጌርካ ትወስዶ። ከተጥፍኦ ድማ ትደሊ።

እቲ ጽልኢ ናብ ውግእ ይልወጥ። ኣብቲ እተካዪዶ ውግእ ድማ ንመንነትካ ኣነነትካን ዝያዳ ዘጕልሕ ደርፍን መዛሙርን ተቃልሕ!! እቲ ንኣኻ ዚመስልን ሕጂ ድማ ከም ጸላኢ ቆጺርካዮ ዘሎኻን ህዝቢ ድማ ነብሱ ንምክልኻል ተመሳሳሊ መገዲ ይወስድ። በቲ ውግእ ሰብ ይጠፍእ፡ ሃገር ይበርስ፡ ማለት፡ መዝሙር መንነት እናተዘመረ፡ መንነት ናብ ዳርጋ ጥፍኣት ይኣቱ።

ይኹንምበር፡ ድሕሪ ውግእ፡ እቲ ዝሰዓረ ከም ፍሉይን ጅግናን ህዝቢ፡ እቲ እትሳዕረ ድማ ከም ብዱል ግን ከኣ ከም ፈዳይ-ሕነ ተቖጺሩ ሓድሽ ናይ መንነት መዛሙር በብወገኑ ይቃላሕ። ወድሰብ ወይ ሓደ ህዝቢ ብዘይ መንነት ወይ ኣነነት ኪነብር ኣይክእልን ኢዩ!! እንተ ኣጥፊኡዎ’ውን ኪፈጥሮ ሒዅ ከም ዚብል ኣይንረስዕ!!

ክልተ ማናቱ ኣዚዩ ተመሳሳሊ ባህርያት ኢዩ ዘለዎም። ብኹሉ ውሽጣውን ደጋውን መገዲ እውን ይመሳሰሉ ኢዮም። ግን እቲ ዘገርም፡ ክልቲኣቶም ነናይ ባዕሎም መንነት ኪፈጥሩ ሒዅ ኢዮም ዚብሉ። እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ከይመስል እሞ መንነቱ ከይሃስስ ብማለት ይቃለስ፡ እቲ ሓደ’ውን ከምኡ። ክልቲኣቶም ብእተኻእለ መጠን ተመሳሳሊ ሓሳባትን ርእቶታትን ኪህሉዎም ኣይደልዩን ኢዮም።

ብኣንጻሩ፡ ክልተ ዘይመሳሰሉ ኣሕዋት ወይ ኣዝማድ ወይ’ውን ዘይዛመዱ ኣዕሩኽ፡ ዝያዳ ኪላገቡ ይረኣዩ። ምኽንያቱ ድማ መንነቶም ዛጊት ዕቁብ ስለ ዝኾነ ኢዩ። እቲ ውልቃዊ መንነቶምን ፍልልያቶምን ንጹርን ድልዱልን ስለ ዝኾነ፡ ወላ’ውን ኣብ መንጎኦም ብርቱዕ ፍቕርን ልግበትን እንተሎ፡ እቲ ልግበት ነቲ ውልቃዊ መንነቶምን ኣነነቶምን ኣየህስሶን ኢዩ።

ብመሰረቱ ሓደ ሰብ ምስ ካልእ ሰብ ፍጹም ተመሳሳልነት ኣለዎ ኪብሃል ኣይከኣልን። ስለዚ፡ ንስኻ ኣብዛ ዓለም ፍሉይ ኢኻ። ብኹለንትናኡ ፈጺሙን ንኣኻ ዚመስልን ከማኻ ዚሓስብን ሰብ የልቦን። ስለዚ ድማ ነቲ ዘጥረኻዮ መንነትካ ዓቂብካ ኣብቲ ማሕበረሰብ ትዋሳእ፡ ልክዕ ከምቲ ሓንቲ ሃገር ልኡላውነታ ሓሊዋ ምስ ካልኦት ሃገራት ትዋሳእ ማለት ኢዩ። ናይ ኣካላትና ዋህዮታት ከይተረፉ መንነቶም ዓቂቦም ኢዮም ምስቶም ካልኦት ዋህዮታት ወይ ኣካሊታት (tissues) ዚዋስኡ። ልኡላውነትን ውልቃውነትን ግን ብምትሕብባር እምበር ብምትዅታዅ ከም ዘይዕቀብ ምግንዛብ ኣገዳሲ ኢዩ።

መንነት ወይ ውልቃውነት ካብ ካልእ ሰብ ዚፈልየካን ኣባኻ ጥራይ ዚረአ ኣካላውን ማሕበራውን ሰብኣውን ሕላገታት ኪኸውን ከሎ፡ ኣነነት ግን ነዚ ፍልልያት’ዚ ልዑል ትዅረት ወይ ኣገዳስነት ምሃብ ማለት ኢዩ። ኣነነት ካብ ልክዑ ኪወጽእ ከሎ፡ ናይ ባህርይ ምዝበላ (personality disorder) ይፈጥር። መንነት ወይ ውልቃውነት ብኣነነት ኪዕብለል ከሎ ድማ ሰብኣዊ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ናብ ጥፍኣት ዚመርሕ ኣውራጃዊ ወይ ሃገራዊ ዕንደራ እውን ይፈጥር ኢዩ።

ኣነነት ብመሰረቱ ወይ ድማ በቲ ኣወንታዊ መዳዩ ኪረአ ከሎ፡ ከም ሰብ መጠን ወይ ከም ፍጡር መጠን ንኸንብረካን ህይወትካ ንኽትዕቅብን ተባሂሉ ብጥንቲ ኣብ ደምካ ዝሰረጸ ባህርይ ኢዩ። ቀደም ዘመን ወድሰብ ብጉጅለን ቀቢላታትን ኪነብር ከሎ፡ መንነት ድማ የጥሪ ነይሩ ኢዩ። ሓንቲ ቀቢላ ናታ መንነት ነይሩዋ። በዚ ድማ እታ ቀቢላ ናታ መሬት፡ ናታ ኣምላኽ ወይ ጣኦት፡ ናታ ቋንቋ፡ ናታ ባህሊ፡ ናታ ጠንቋሊ ካህን፡ ናታ መራሒ ውግእ ወዘተ. ተጥሪ ነይራ።

ንሕና ደቂሰብ ውልድ ምስ በልና እሞ ስም ምስ ተዋህበና፡ ማለት ምስ ተጠመቕና፡ ሽዑ ኢዩ እቲ ውልቃውነት ወይ ፍሉይነት ዚጅምር። ብድሕሪኡ ኩሉ ዓይነት ቅጽላት ኣብ ልዕለና ይዘንም፥ ወዲ እከለ፡ ተባዕታይ፡ ቀዪሕ ጸሊም፡ ሓጺር ነዊሕ፡ ጎራሕ፡ ዓሻ፡ ሰነፍ፡ ተባዕ፡ ሃብታም ድኻ፡ ሃይማኖታዊ ኣረሚን፡ ወዘተ። ምስ ዓበና ድማ ነዚ ቅጽላት’ዚ ከም መለለዪና ወይ መንነትና ጌርና ንወስዶ። ጸኒሑ፡ ወዲ’ዚ ዓዲ፡ ኤርትራዊ፡ ትግራዋይ፡ ኣምሓራይ፡ ሓንፈጽ፡ ወዘተ ዚብል ቅጽላት ይስዕብ። እዚ ባህርያዊ ኢዩ።

ብድሌትና ኣይኮንናን ኣብቲ እተወለድናሉ ማሕበረሰብ እተወልድና። ብድሌትና ኣይኮንናን ቀዪሕ ወይ ጸሊም ወይ ሓጺር ወይ ነዊሕ ዝኾንና። ኩሉ ኣጋጣምን ዕድልን ኢዩ።

ይኹንምበር፡ ወድሰብ ካብ ህጻንነቱ ጀሚሩ ኢዩ ኣነነት ወይ ናይ ንኣይ ጥራይ በሃልነት ባህርያት ዘርእይ። ዕሸላት እኳ እንተ ተዓዚብካዮም፡ ቀናኣት ኢዮም። ገና ምሕቋፍን ምስዓምን ከይጸገቡ ኣብ ርእሲኦም ካልእ ህጻን ምስ ዚውለደሎም፡ ብቕንኢ ኪሞቱ ኢዮም ዚደልዩ። ምኽንያቱ ድማ ነቲ እኖኣዊ ፍቕሪ ብምሉኡ ኪብሕቱዎ ኢዮም ዚደልዩ። ኪማቐሉ ኣይፈትዉን። ኣብ ኩሉ ነገራት ንነብሶም ኢዮም ቀዳምነት ዚህቡዋ፡ ወላ’ውን ብሰንኪ ባህርያቶም ጸገማት ዚፍጠር እንተ ኾነ ዚግድሶም ኣይኮነን። ኣነነቶም ሕድገት ኣይፈልጥን ኢዩ። ኩሉ ናባታቶም ከተኩር ኢዮም ዚደልዩ።

እዚ ኣነነት’ዚ ብሓደ ወገኑ ንነፍሰ-ዕቀባ ኣድላዪ ኢዩ፡ ግን ከኣ ዕሸላዊ ኢዩ። ስለዚ ካብ ወሰኑ ኪሓልፍ ኣይግባእን፡ ምስ ዚሓልፍ ግን ምኽንያት ባእስን ህውከትን ኮይኑ ኢዩ ዚተርፍ።

ንመደምደሚ፡ ወድሰብ ምስቲ ንኣኡ ዚመስል ጉጅለ ወይ ህዝቢ ኢዩ ኪተሃላለኽ ዚነብር። ከምዚ ዚገብር ድማ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጸገማት ስለ ዘለዎ ኢዩ። ነቲ ዘመሳስሎን ዘሕብሮን ሕላገታት ንጎድኒ ገዲፉ፡ ነቲ ዘየመሳስሎ ሕላገታት ብምግናን ኪተዃተዅ ምድላዩ ኣብ ህይወቱን ታሪኹን ኣዕናዊ ኣሰራት ገዲፉ ከም ዚሓልፍ ገይሩዎ ኣሎ።

ነታ ንእሽቶ ፍልልይ ኣጋኒንካ ኣጋፊሕካን ካብቲ ንኣኻ ዚመስል ህዝቢ ክትርሕቕን ክትበኣስን ምንባር ግን ናብ ዕንወት ኢዩ ዚወስድ።
ስለዚ፡ እቲ ስልጡንን ኣድማዕን መገዲ፡ ምስቲ ንኣኻ ዚመስል ይኹን ወይ ዘይመስል ይኹን ብማዕርነትን ብኣኽብሮን ብናይ ምትሕግጋዝ መንፈስን እንተ ነበርካ ኢዩ ዚሕሸካ።

ካልእ ኣማራጺ ኪህሉ ኣይክእልን።

Previous Post

Isaias’s Somalia Conundrum

Next Post

ሓጺር ትዕዝብቲ ብዛዕባ ትግራይን ተጋሩን – ኣማኑኤል ሳህለ

Next Post
ሓጺር ትዕዝብቲ ብዛዕባ ትግራይን ተጋሩን – ኣማኑኤል ሳህለ

ሓጺር ትዕዝብቲ ብዛዕባ ትግራይን ተጋሩን - ኣማኑኤል ሳህለ

4.5 2 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
3 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
2 years ago

‘NLEBAM AMTELU, NA’ASHA DERGUHALU’… the intended audience just emptied the building… nice to hear from you memhir.

1
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
2 years ago

“ወድሰብ ምስቲ ንኣኡ ዚመስል ጉጅለ ወይ ህዝቢ ኢዩ ኪተሃላለኽ ዚነብር። ከምዚ ዚገብር ድማ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ጸገማት ስለ ዘለዎ ኢዩ። ነቲ ዘመሳስሎን ዘሕብሮን ሕላገታት ንጎድኒ ገዲፉ፡ ነቲ ዘየመሳስሎ ሕላገታት ብምግናን ኪተዃተዅ ምድላዩ ኣብ ህይወቱን ታሪኹን ኣዕናዊ ኣሰራት ገዲፉ ከም ዚሓልፍ ገይሩዎ ኣሎ።”

ኣማኑኤል ሳህለ

ሰላማት ኩቡራት ኣሕዋት

ኣቶ ኣማኑኤል ሳህለ

ባህሪ ሕብረተሰባት ዘጽንዕ ክለሳ-ሓሳብ (theory) ፣ ብግዜን ቦታን እንተ ዘይተደሪቱ ዘድሊ ዉጽኢት ኣይህሉዎን።
ብዛዕባ ኣየናይ ሕብረተሰብ ንዛረብ ኣለና ፣ ማኣስ ፣ ኣብ እንታይ ዓይነት ኩነታት ዝርከብ ፣ ዝብሉ ዛዕባታት ፣ ንማሕበራዊ ተርኢዮታት ብኑጹር ምርኣዮምን ፣ ሓቅነት ናይቲ ዝባሃል ዘሎ ኣብ ባይታ ምልላይ ፣ ከምኡ’ዉን ፍታሕ ንምርካብ ይሕግዝ።
ጻሓፋይ ፣ ምስ ትግራይ ዘለና ፣ዘይኑቡር ኩነታት ኣልዒሉ ይዛረብ ምህላዉ ፣ ብግምት እንተ ዘይኮይኑ ፣ ኣብቲ ጹሑፍ የለን።
ምስ ትግራይ ዘለና ፍልልያት ፣ ማሕበራዊ ዘይኮነስ ፣ ብቀዳምነት ፖሊቲካዊ ፍታሕ ኢዩ ዘድሊዮ።
ብክልቲኡ ሸነኽ ዝግበር ፣ ኣብ ልኡላዊ ጉዳያት ምትእትታዉ ጠጠዉ ንኽብል፣ ጉዳይ ዶብ መደምደምታ ክግበረሉ ይግባእ።
ሓደ ቋንቋ ዝዛረብ ህዝቢ ኣብ ክልተ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ኣብ ዓሰርተ ወይ ዕስራ ሃገራት ፣ ዶባቶም ኣኽቢሮም ክነብሩ ጸገም ከም ዘየለ ፣ ምዝኽኻሮም የድሊ። ዓረብን ስፖኒሽ ቋንቋታት ዝዛረቡ ኣህዛብ ሓደ ኣብነት ናይዚ ኢዮም።
ስሊዚ ፣ በቋንቋ ፣ ብባህሊን ሃይማኖትን ስለ ንመሳሰል ክንጻላእ ወይ ክንፋቀር ፣ ዝግድደና ምኽንያት የለን።
ብሰንኪ መግዛእቲ ዝተመቃቀለ ህዝቢ ኣብ ሙሉእ ዓለም ኣሎ። ቀደም ሓደ ህዝቢ ነርና ኢልካ ዝላዓል ነገራት ግን ናይ ሓባር ህልቂት እንተ ዘይኮይኑ ካልእ ጥቅሚ የቡሉን። ንድሕሪት ምጥማት ፣ ንማንም ኣይጠቅምን።
ከምቲ ናይ “ኣግኣዚያን” ፣ ምትእስሳር “ኩሺቲክ ኤትኒክ በልት” (ኦሮሞ ፣ ሶማል ፣ ዓፋር ፣ ሳሆ ፣ ኣገዉ ፣ ቢለን) ኣብ ቀርኒ-ኣፍሪቃ ክህሉ ዝደልዩ ደቂ ኦሮሞ’ዉን ኣሎዉ። እዚ ኣይካኣልን ጥራሕ ዘይኮነ ፣ ኣድላይነት የቡሉን። ኣብነት ሶማል ኡኹል ኢዩ።
ንሕና ኤርትራውያን ፣ ንህዝቢ ትግራይ ፣ ኩሉ ዝካኣለና ሓገዝ ክንገብረሎም ይግባእ።
ብስርዓት ኢሰያስ ዝግበር ምትእትታዉ ፣ ኣትሪርና ክንኹንን ይግባእ።
ኣብ ትግራይ ኣቲና ፣ ምስኦም ይኹን ኣንጻሮም ብረት ከነልዕል ግን ኣይግባእን። ዝምልከተና ኣይኮነን።
እቲ ወያኔን ደገፍታን ናይ “መንነት” ቃልሲ ዝብሉዎ ፣ ናዓና ኤርትራውያን ዝምልከት ኣይኮነን።
ኢትዮጵያውያን ፣ ፍልልያቶም ብሰላም ክፈትሑ ፣ ኩላህና እንኽእሎ ኣበርክቶ ክንገብር ይግባእ።
ምስ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ፣ ኣብ ጹቡቅ ጉርብትናን ምክብባርን ዝቆመ ሰላም ምግባር ፣ ሃገራዊ ጥቅሚ ኤርትራ ኢዩ።

2
Reply
rezen
rezen
Reply to  ወዲ ሃገር
2 years ago

“እቲ ወያኔን ደገፍታን ናይ “መንነት” ቃልሲ ዝብሉዎ ፣ ናዓና ኤርትራውያን ዝምልከት ኣይኮነን።
ኢትዮጵያውያን ፣ ፍልልያቶም ብሰላም ክፈትሑ ፣ ኩላህና እንኽእሎ ኣበርክቶ ክንገብር ይግባእ።
ምስ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ፣ ኣብ ጹቡቅ ጉርብትናን ምክብባርን ዝቆመ ሰላም ምግባር ፣ ሃገራዊ ጥቅሚ ኤርትራ ኢዩ።” ወዲ ሃገር

ይበል! ይበል! ይበል!  ወዲ ሃገር
አንታይ ክወጾ
ሓርነት እንተደሊና እታ ሓቃ ንፍለጣ 
ዙራሙሮ አንተደሊና ጽቡቕ መንገዲ ሕጅና ኣለና 
አንታይ እዩ ጸገምና ሓዲኡ ዝጠፍኣና 
በሉስኪ እግዚሄር ይሓግዘና ኣብዘለና ኣሊና 
ዒራ ኣብኩሉ ከርተት ምባል ልማድና ኮይኑና 
ነዚ ድዩ ክንደይ ጀጋኑ ኣሪትራውያን ነፎሶም ዝሰውእልና
ኣየ ጋዶ፤ ኣየ ጥልመት፤ ኣየ ታሪኽ ናይ ዘልኣለም መዘክርና 
ካንዶ እታ ኤሪትርያ ትባሃል ስም ክትከዉንድያ  ናይ ሓዘን መዘከርታ ንመዋእልና :: 

-1
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
3
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply