Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ (26 Sep. 1949 – 11 May 2020)

Atv Asena by Atv Asena
13th May 2020
in ሃገራዊ ዜና, ትግርኛ
2
0
SHARES
134
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ዜና ዕረፍቲ

ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ
(26 Sep. 1949  –  11 May 2020)

ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ በርሀ ብኮሮና ቫይረስ (COVID 19) ብዘጋጠሞ ሕማም ንልዕሊ ወርሕን ፈረቓን ኣብ ሕክምና ክእለ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ11/ግንቦት/2020 ኣብ ሕክምና ዓሪፉ። ኣፈወርቂ ኣብራሃ በርሀ ካብ ኣቡኡ ኣቶ ኣብራሃ በርሀን ካብ ኣዲኡ ወይዘሮ ዉነሽ ኣባይን ብ26 መስከረም 1949 ኣብ ኣስመራ ኪዳነ ምህረት ተወሊዱን ዓብዩን። ቀዳማይ ደረጃ ትምህርቱ ኣብ ቤት ትምህርቲ ሕብረትን ካልኣይ ደረጃ ከኣ ኣብ ቀዳማዊ ሃይለ ስላሰ (ቀሃስ)፡ ናይ ሕጂ ቤት ትምህርቲ ቀይሕ ባሕሪ ተማሂሩ። ብድሕሪኡ ናይ ፖሊ ተክኒክ ትምህርቲ ንምውሳድ ብ 1964 ናብ ባህር ዳር ከይዱ። ትምህርቱ ምስ ወደአ፡ ኣብ ዓሰብ ኣብ ዝርከብ መጻረዪ ነዳዲ (ረፋይነሪ) ንኣስታት ሓደ ዓመት ድሕሪ ምስራሕ፡ ብ1969 ንዝለዓለ ትምህርቲ ናብ ሩስያ ከይዱ ቋንቋ ድሕሪ ምጽናዕ፡ ንሓሙሽተ ዓመት ጽዑቕ ትምህርቱ ብስነ ቀመም ቀዳማይ ዲግሪ ዛዚሙ።

ኣፈወርቂ በቲ ኣብቲ እዋን ዝጓሃሃር ዝነበረ ውዕዉዕ ሃገራዊ ቃልሲ ተጸልዩ፡ ኣባል መንእሰያት ምንቅስቓስ ኤርትራውያን ንናጽነት ኣብ ኤውሮጳ (ኤ.ና.ኤ.) ብምዃን ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ንጡፍ ኣበርክቶ ዝገበረ ትጉህ ኤርትራዊ ተቓላሲ እዩ።

ነቲ ኣብ ኤውሮጳ ዝጀማመሮ ፖለቲካዊ ሃገራዊ ቃልሲ፡ ንሜዳ ኤርትራ ኣትዩ ክቕጽሎ ስለዝወሰነ ከኣ ምስ ብዙሓት ማማህርቱን ኣዕርኹቱን ብ 03 መጋቢት 1975 ናብ ህዝባዊ ሓይልታት ሓርነት ኤርትራ (ህ.ሓ.ሓ.ኤ) ተጸንቢሩ። ድሕሪ ሓጺር ወተሃደራዊ ታዕሊም ከኣ፡ ኣብቲ ሽዑ ዝበጋገስ ዝነበረ ክፍሊ ኢደ ስርሓት (ብተጋደልቲ “ራሕባ” ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ኣሃዱ) ፈላሚ ጉዕዞኡ ጀመረ።

ቀጺሉ፡ ኣብ 1977 ኣብ ብርጌድ 23 ኣብ ተዋጋኢ ሰራዊት ተመዲቡ ድሕሪ ምግልጋል፡ ህዝባዊ ሰራዊት ኣብ ድፍዓት ሳሕል ቀዋሚ ድፋዓት ምስ ሓዘ፡ ኣብ ፈለማ ሰማንያታት (1980ታት)፡ ኣብ ጉጅለ ባህሊ-ብርጌድ 23፡ ከም መራሒ መደብ እታ ጉጅለን ኣሰናዳኢ መደባትን ብምዃን ክሳብ 1984 ኣገልጊሉ።

ብፍላይ ኣብ 1983/84 እታ ዝመርሓ ዝነበረ ጉጅለ ባህሊ ብርጌድ 23 ኣብቲ ብጸላኢ ዝተኸበ ጽንኩር ድሕሪ መስመር ጸላኢ ሰሊዃ ኣብ ዘቕረበቶ ንህዝብና ዘነቓቕሐ ጎስጓስ ዓቢ ኣበርክቶ ከምዝነበሮ ይዝከር።

ብድሕሪኡ ኣብቲ ኣብ ሜዳ ቆይሙ ዝነበረ ብ`”እንዳ ኬሚስትሪ” ዝፍለጥ ክፍሊ ስነ-ቐመም ከም ሓላፊ ጨንፈርን ሞያውን ኮይኑ፡ ክሳብ ናጽነት ገድላዊ ሂወቱ ቀጺሉ።

ድሕሪ ናጽነት ኤርትራ፡ ኣፈወርቂ ኣብራሃ ሓደ ካብቶም ኣብ 1991 ንመጀመርታ ናብ ዓሰብ ዝኣተዉ ኮይኑ፡ ነቲ ንግዚኡ ካብ ስራሕ ወጻኢ ኮይኑ ዝነበረ መጻረዩ ነዳዲ (ሪፋይነሪ) ናብ ንቡር ስርሑ ንምምላስ ካብ ዝጸዓቱ ተጋደልቲ፡ ሓደ ኢዩ ኔሩ።

ብዙሕ ከይጸንሐ ከኣ ኣብቲ ንመጀመርታ ግዜ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኽፈት ዝነበረ ኤምባሲ ኤርትራ ከም ቀዳማይ ጸሓፊ ኮይኑ ኣገልጊሉ። ናጽነት ኤርትራ ብህዝባዊ ድምጺ ንምርግጋጽ ኣብ ውሽጥን ወጻእን ኣብ ዝተገብረ ህዝባዊ ረፈረንዱም ከኣ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ መስርሕ ረፈረንድም ዝመርሐን ዘወሃሃደን ውፉይ ሃገራዊ እዩ።

ኣፈወርቂ ኣብራሃ ብ1994 ብፖለቲካል ሳይንስ ናይ ማስተርስ ዲግሪ ክገብር ንዓዲ እንግሊዝ መጺኡ። ትምህርቱ ብልዑል ነጥቢ ኣጠናቒቑ ንኤርትራ ተመሊሱ። እንተኾነ ብዙሕ ከይደንጎየ ብ1996 ወኪል ኤርትራ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ (General Consulate) ኮይኑ ክሳብ 2001 ጸኒሑ። ኣፈወርቂ፡ ቅድሚን ድሕሪን ናጽነት፡ ኣብ ሃገራዊ ቃልሲ ብኹሉ ዝኽእሎ ዓቕሚ ብትግሃት ዝተዋሰአ፡ ሓያል ተራን ጽልዋን ዝነበሮ፡ ተጋዳላይ ኢዩ ኔሩ።

ኣፈወርቂ ኣብ ስነ ጥበብ እውን ሓያል ኣበርክቶ ዝነበሮ፡ ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ሓያሎ ናይ መድረኽ ትያትር ዝደረሰን፡ “ሰንሰለት” ዘርእስታ፡ ብውክልና ጠባያት ንከፊላዊ ታሪኽ ህዝቢ ኤርትራ እተዘንቱ መጽሓፍ ዝጸሓፈን፡ ደራሲ ናይታ ‘ከምዚ ኔሩ እንተዝኸውን” እትብል፡ ደቀንስትዮ ንዘሕልፈኦ ምረትን ክዋሃበን ዝግባእ ክብሪን እትገልጽ፡ ብቛንቋ እንግሊዝ ከይተረፈ ተተርጉማ፡ ብዙሕ ኣድናቖት ዘትረፈት ናይ መድረኽ ድራማ ዝደረሰ ኢዩ። ብሓጺሩ ኣፈወርቂ ካብቶም ብኹለንትናዊ ክእለቶም ጸብለል ዝበለ፡ ኣብ ዘዝኣተዎ ዓውዲ ዘድምዕ፡ ፍቱው ኣላይ መድረኽን ክኢላ ስነ ጥበባውን፡ ኢዩ ኔሩ።

ኣፈወርቂ ኣብራሃ፡ ካብ መንግስታዊ ስራሕ ድሕሪ ምስንባቱ፡ ነታ ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ከቢድ ሓደጋ መኪና ኣጋጢሙዋ ንኣስታት 20 ኣብ ዊል-ቼር እትነብር ዘላ፡ ገዲም ፍትውቲ ተጋዳሊት ብጸይቱን በዓልቲ ቃል ኪዳኑን ፋጥና አሕመዲን፡ ኣብ ምእላይን፡ ደቁ ኣብ ምዕባይን ምምሃርን ተጸሚዱ ድሕሪ ምጽናሕ፡ በዚ ንዓለምና ዘናወጸ ኮቪድ-19 ብዘጋጠሞ ሕማም ኣብ ሆስፒታል ብሰላም ዓሪፉ። ኣፈወርቂ ኣብራሃ በዓል ሓዳርን ኣቦ ክልተ ዕዉታት ቆልዑን ኢዩ ኔሩ።

ቴለብቭዥን ኣሰና ብዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ ዝተሰምዓ መሪር ሓዘን እናገለጸት፡ ንብዓልቲ ቤቱ ገዲም ተጋዳሊት ፋጥና አሕመዲን ምስ ደቃን ምሉኣት ቤተሰብን ብጾቱን ጽንዓት ትምነየሎም። መንግስተ ሰማያት የዋርሶ ድማ ትብል።

Previous Post

ATV: ዜና ዕረፍቲ ገዲም ተጋዳላይ ዲፕሎማት ኣፈወርቂ ኣብራሃ – (26 Sep. 1949 – 11 May 2020)

Next Post

Eritreans Sue E.U. Over Use of Forced Labor Back Home – The New York Times

Next Post

Eritreans Sue E.U. Over Use of Forced Labor Back Home - The New York Times

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
2 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
Kidane
Kidane
4 years ago

Regardless of the politics
Rest in peace haw wedi Abraha.

0
Reply
Eritrean defender
Eritrean defender
4 years ago

RIP my father, brother

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
2
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply