Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ሎሚ ከኣ ኩናት! ንምጥፋእ ሓድጊ ዝተረፉ ደቂ ስውኣት!

Atv Asena by Atv Asena
17th July 2020
in Articles, Tigrinya
0
0
SHARES
627
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ሎሚ ከኣ ኩናት! ንምጥፋእ ሓድጊ ዝተረፉ ደቂ ስውኣት!

ክቡራት ኣሕዋት!

ክቡራን ኣሓት!

ሰብ ንኹን ከም ቀደምና

ብኢሳያስ ክንጥፍእ ኣይኮናን ተፈጢርና

ሎሚ ከኣ ይሃርም ኣሎ ነጋሪት ኩናት

ሓድጊ ክኾኑ ዝተረፉ ንምጽናት

ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ካብዚ ብኢሳያስን ዓቢይን ዝህንደስ ዘሎ ናይ ጥፍኣት ዘመተ መዋጽኦ ድኣ ይፍጠረሉ እምበር፡ ክትሓስቦ ከለኻ’ኳ ዘሰምብድን ዘባህርርን ኢዩ። ሎሚ ከኣ ካብ ዝቐደመ ናይ ህልቂት ኩናት ቁስሉ ከየሕወየ ናብ ዳግማይ ጥፍኣት ክምለስ ምግባር ክኣ ጥዑያት ሰባት ዝሓስቡዎን ዝትምነዩዎን ኣይኮነን። እዚ ከኣ፡ ክልተ ብስልጣን ዝሰኸሩ፡ ኢሳያስን ዓቢይን፡ ጋህዲ ክኸውን ዘይክእል፡ ዘትሃራርፍ ሕልሞም ጋህዲ ንምግባር ዘምበድብዱዎ ዘለዉ ሓዊ ኢዩ። ካብ ክልቲኡ ህዝብታት ተኸዊሎም፡ ብምስጢር ዝፈጸሙዎ ውዑላት፡ ክልቲኡ ህዝብታት ከም ዘይቅበሎ ስለ ዝፈልጡ ከኣ፡ ብምስጢር ክፍጽሙዎ ዝኽእሉ’ዩ ዝመስሎም ዘሎ። ብሓንሳብ ኣይተቐልዐን እምበር በብቁሩብ ‘በጭቕ! የብሉዎ ኣለዉ። እዚ ከኣ፡ ነቲ ንጉስ ሃይለስላሴ፡ ‘ኤርትራ መረታ እምበር ህዝባ ኣየድለየናን!’ ዝበሉዎን  ሕልሚ ኮይኑ ዝተረፈ፡ ጋህዲ ንምግባር ዝህንጠዩ ዘለዉ’ዮም ዝመስሉ። ኢሳያስ ንሕውሓት ዘጥፍእ ዕድል ዝረኸበ መሲሉዎ፡ ጥፍኣትኩም ቀሪቡ ኢዩ (‘game over!’)  ዝብል ነጋሪት ኣሕሊፍሎም። ጥፍኣቶም ከም ትሑዝ ወሲዱዎ። ድሕሪኡ ኢሳያስን ዓቢይን ኩሉ ክፍጽሙ ዝኽእሉ መሲሉዎም፡ ብታሕጓስ ተሳዒሮም ንኤርትራን ኢትዮጵያን ተመላሊሶም። “ፍቕሪ ስዒሩ! ሰላም ኮይኑ! ኩሉ ተደሚሩ! ኮይኑ መዝሙሮም። ህዝቢ ተንኮሎም ፈሊጡ ብኣግኡ ከይዓግቶም ግን፡ ዝተወዓዓሉዎ ብምስጢር ክፍጽሙ’ዮም ዝጓየዩ ዘለዉ። እንተኾነ ግን፡ በቲ በብግዚኡ ልሒኹ ዝውጽእ፡ ‘በጨቕ!’ ዘብሉዎ ይቕላዕ ኣሎ። ካብኡ ቁሩብ ክንጭብ ከብል። ክልቲአን ሃገራት ሓደ ክኾና፡ ኢሳያስ ፕረዚደንት ክኸውን ዝብል’ዩ ዝመስል። ነዚ ንምርዳእን ንምርግጋጽን ዝሕግዝ ከኣ፡ ኢሳያስ ዋዕ ኢሉ፣ “ድሕሪ ሕጂ ህዝቢ ኤርትራን ኢትዮጵያን ክልተ ህዝቢ’ዩ ዝብል ሓቂ ዘይፈልጥ ኢዩ። ኣይከሰርናን! ንብረትና ኣምሊስና!” ዶ/ር ዓቢይ ከኣ፣ “ኣሽንኳይ ካብ ኢትዮጵያ ዝፍለያ ክህልዋስ፡ ቅድሚ ሕጂ ዝተፈልያ’ውን ክምለሳ ኢየን!” ብማለት ምዝራቦም ኢዩ። ብፍላይ ናይ ኢሳያስ ኣይከሰርናን! ንብረትና ኣምሊስና! ማለት ትርጉሙ፡ ንኤርትራ ናብ ኢትዮጵያ ንምምላስ ዝተኸፍለ ዋጋ ስለ ዝኾነ፡ ከም መኽሰብ እምበር ከም ክሳራ ክውሰድ የብሉን፡ ዝብል ትርጉም ዘለዎ’ዩ ዝመስል። ነዚ ንምፍጻም ከኣ፡ ሰራዊቶም የተሓናፈጹን ንወያኔ ክድምስሱ ብክልተ ወገን ብምዝማት ንምጭፍላቕ ይዳለው ከም ዘለዉን’ዩ ዝግሃድ ዘሎ። እዚ ግን፡ ሕልሞም ዘግህድ ዘይኮነስ፡ ጥፍኣቶም ዘቀላጥፍ’ዩ ዝኸውን። ካብ ዝሓለፈ፡ ንስድራ ቤታትን ዝበታተነ፡ ማእለያ ዘይብሎም ቆልዑ ዘዘኽተመ፡ ናይ ህልቂትን ዕንወትን ኩናት ንምድጋም ዝሸባሸቡ ምህላዎም ግን ዘሰምብድን ዘባህርርን ኢዩ። ምናልባት ካብ ዝሓለፈ ክምሃሩ እንተኸኣሉን እንተለበሙን ዝስዕብ ክጠቅስ።

ብመጀመርያ፡ ኤርትራ ብፈደረሽን ምስ ኢትዮጵያ ክትቁረን ምስ ተወሰነ ናይ ኤርትራ ኣማሓዳሪ ዝነበረ ትራቫስክስ ኣብ መጽሓፉ፡ ‘ኢትዮጵያ ንፈደረሽን ክተፍርሶ ትፍትን ትኸውን፡ ግን እንተ ዘይተፍርሶ ምሓሻ። እንተፍሪሳቶ፡ በቲ ኣብ ኤርትራ ዝውላዕ ኩናት ክትልከም ኢያ።’ ዝብል ትምቢት ዝመስል ዘስፈሮ ጽሑፍ፡ ንዝስምዕ እኹል ስምዕታ ኔሩ። ንጉስ ሃይለስላሴ ግን፡ ነዚ ዝሰምዕ እዝኒ ስለ ዘይነበሮ ንስርዓት ፈደረሽ ብሓይሉ ኣፍሪሱዎ። ናብቲ ሰላምን ምዕባለን ዘምጽእ መሲሉዎ ብዓጀባን እልልታን ዝተቐበሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ዝስዓበ ስቓይን ህልቂትን ከኣ ታሪኽ ኮይኑ ዝተመዝገበ ሓቂ ኢዩ። ብወተሃደራዊ ደርግ፡ ካብ ስልጣኑ ምስ ተባረረ ከኣ፡ ኣብ ኤርትራ፣ “ኣ ሆ የ ወኻርያ በሊዓቶ ጃንሆየ!” ዝብል ደርፊ ይድረፍ ኔሩ። ምብራሮም ከኣ ኣብ ኤርትራ ብዝተኸተሉዎ ግጉይ ምሕደራ ምዃኑን፡ ደርግ’ውን ናይ ኤርትራ ጉዳይ ክፈትሕ እንተዘይክኢሉ ንነዊሕ ግዜ ኣብ ስልጣን ኣይጸንሕን ኢዩ፡ ብማለት ብናይ ቢቢሲ ግዜጠኛታት ከይተረፉ ተገሊጹ ኔሩ። ካልኣይ ክጥቀስ ዝግባእ ናይ ኣቦና ወልድኣብ ውልደማርያም፣ “ህዝቢ ኤርትራ ባዕሉ ኢዩ ዘውዲ ኣብ ርእሱ ደፊኡ ዘሎሞ! ከፍርሳ ዝልዓል ውይልኡ!” ዝበሉዎ ኢዩ። እዚ ከኣ፡ ክምሃርን ክልብምን ንዘደሊ እኹል ስምዕታ ኢዩ። ኢሳያስን ዓቢይን ግን፡ ናይ ህዝቦም ስምምዐን ባርኾትን ዘይብሎም፡ ዘጣቕዑ ወናማት ኣብ ዘይብሉ፡ ንበይኖም፡ ‘እንተዝኾነለይ!’ እናበሉ፡ እንተደበሉን ኣኹደዱን እምበርዶ ጥዑያት ኢዮም! ዘብል ካብ ምዃን ሓሊፉ ዘምጽኦ ለውጢ የለን። ዕድሎም ከኣ ንህዝብታት ለኪሞም ምጥፋእ ጥራይ’ዩ ዝኸውን። ዝርአ ዘሎ ምዕግርጋርን ኔው ነጀው ምባልን ግን፡ ከምቲ ክቡር ሓው ጽላል ካብ ኣመሪካ፡ “ኤርትራ፡ ኣብ ኤርትራ ምህላዋ ተጠራጢረ!” ዝበሎ ዘየብል ኣይኮነን። ከምቲ ልዕል ኢሉ ዝተጠቕሰ ግን፡ ቅድሚ ሕጂ ንኤርትራን ህዝባን ከጥፋኡ ዝተሃንደዱ ንባዕሎም ጢፊኦም እምበር ኤርትራ ኣላ። ብመስዋእቲ ደቃ ንዘለኣለም ተኸቢራ ክትነብር ምዃና ከኣ ዘጠራጥር ኣይኮነን። ኢሳያስ ከኣ፣ “ሓ ሳ ዊ! ኣደራሽ ገዛ መዕነዊ!” ንህዝብታት ናብ ዳስ ሓውያ መእተዊ! ምዃኑ ክሳብ ሎሚ ዘይፈለጠ ይፍለጥ። ካብዚ ብክልተ እግሩ ዝኸይድ ሰይጣን ይርሓቕ፡ ብድቁሱ ከይብላዕ። ብሰላም ክነብር ዝደሊ ሰላም ይሃቦ።

ስላምን ራህዋን ሰናይ ጉርብትናን ንህዝብታት ኤርትራን ኢትዮጵያን

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ

ምስሉ ተኪኤ 16 ሓምለ 2020

Previous Post

ATV: እዋናዊ ሓበረታ – ሕልሚ ናይቲ ኣብ ልእላውነት ኤርትራ ዘይኣምን ውልቀ መላኺ ኢሰያስ መሊሱ ኪገሃድ ከሎ – ኦስሎ-ኖርወይ

Next Post

ATV: ዝርርብ ምስ ፕሮፌሰር ዓወት ተወልደ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን – ብ ሰላም ኪዳነ

Next Post
ATV: ዝርርብ ምስ ፕሮፌሰር ዓወት ተወልደ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን – ብ ሰላም ኪዳነ

ATV: ዝርርብ ምስ ፕሮፌሰር ዓወት ተወልደ ብዛዕባ ዝምድና ኤርትራን ጎረባብቲ ሃገራትን - ብ ሰላም ኪዳነ

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

ኢሳያስ ንኩናትን ሃዋሁ ኩናትን ስልጣኑ መናውሒ እዩ ዝጥቀመሉ ዘሎ፥ ስለዚ ከኣ እዩ ነቲ ኣብ ፕሮቶሪያ ዝተፈረመ ሰላም ክቅበሎ ዓቀብ ኮይንዎ ዘሎ

59
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

54
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

“JUSTICE WALL” IN LONDON CALLS ON THE WORLD TO SAYHIS NAME: DAWIT ISAAK

2nd May 2025
Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

Public Condemnation Letter Regarding the Unjust Treatment of Eritrean Refugees by German Authorities

29th March 2025
Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

Fatherly Advice to Brighed N’Hamedu (BNH)

3rd June 2024
Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

Eritrean President – 2024 Independence Day Speech By Habte Hagos

28th May 2024

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
0
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply