The Dog who Owned Hoover Dam v The Man Who Owned Dam Adi-Halo.
እቲ ንHoover Dam ዝወነነ ከልቢ ብመንጽር `ቲ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ዝወነነ ሰብኣይ

`A family away from home` ማለት ብመገሻ ካብ ገዛኻ ርሒቕካ ክንስኻ ምስ ስድራቤትካ ዘለኻ ኮይኑ ከምዝስምዓካ ዝገብሩ፡ መቐረት ኤርትራዊ ቤተሰብ ዘዘኻኽሩ ምቕሉላት ስድራቤት መሓርን ናጽነትን ምስ ደቆም፡ ካብ ሎስ ኣንጀለስ ናብ ላስቬጋስ ብነፋሪት ኣብ ክንዲ ትበርር፡ ቦታ መርኣዪ መታን ክኾነካ ብመኪና ከነብጽሓካ ምስ በሉኒ እቲ ድሮ ኣብ ሎስ-ኣንጀለስን ከባቢኣን ዝርአን ዝብጻሕን ከይተረፈ ከይሓልፈኒ ምእንታይ ላዕልን ታሕትን ክብሉዎ ዝቐነዩ ኳ እንተኸበደኒ፡ እቲ መቐረቶም ንስክፍታይ ስለዘሰነፎ ብኡንብኡ ንኺድ ኢለዮም። ነቲ ጥዑም ቅንያት ሕጉስ ጉዕዞ ተወሲኹዎ።

ወዮ ድኣ ነቲ ምስ ኩነታት ሃገርና ኣተሓሒዘ ጦብላሕታ ዘሕደረለይ ንእሽቶ ትዕዝብቲ ንጣዕሞም ሰጊረ ክብሎ ስለዘይደለኹ እምበር ሞገሰይን ምስጋናይን ከምዚ ሕጂ ዝገብሮ ዘለኹ ጭልፍ ኣቢልካ ዝሕለፍ ኣይኮነን። ብዝኾነ፡ ድሕሪ እቲ ዘይጓዳእ ኩነታት ኣየር ዝነበሮ ናይ ምድረበዳ ጉዕዞ ኣብ ላስቬጋስ ምስ በጻሕና`ውን ንጽብሓይቱ፡ ናብ ስራሕካ ከይኣተኻ ግድን ክትበጽሖ ዘለካ ቦታ ኣሎም ዓሰርተታት ኪሎሜተራት ናብ Hoover Dam ወሲዶምኒ።
ገና ነቲ ኣብ ደረት ክፍሊ ሃገራት Nevadaን Arizonaን ዝተደኮነ ሓጽቢ ብጽሕ ምስ በልኩዎ ቅድሚ ኹሉ ተመስጦይ ዝሰሓበ እቲ ኣመሪካውያን ኣብ ልዕሊ`ቲ ካብ 1931 ክሳብ 1936 ኣብ ዝተሃንጸ ዓቢ ሓጽቢ እሙን ዓርኪ እቶም ሰራሕተኛታት ዝነበረ `ሞ ኣብ 1941 ምስ ሞተ ኣብታ ተወሊዱ ዝዓበየላ ሓጽቢ ቀቢሮም ኣብ ልዕሊ መቓብሩ The Dog Who Owned a Dam ኢሎም ዝገበሩሉ መዘከርታ እዩ።

ኣመሪካውያን ይኹኑ እንግሊዛውያን ኣብ ልዕሊ እንስሳታት ዘለዎም ኣኽብሮት `ኳ እንተዘይሓደሰኒ፡ ብኡ መንጽር ነቲ ኣብ ሃገርና ኤርትራ ንወዲ ሰብ ብሕልፊ ብመራሕቱ ዝወርዶ ሕስረት ደጊሙ ከየተሓሳሰበኒ ኣይተረፈን። በዚ ኸኣ`የ፡ `እቲ ንHoover Dam ዝወነነ ከልቢ ብመንጽር `ቲ ሓጽቢ ዓዲ-ሃሎ ዝወነነ ሰብኣይ` ዝብል ዘለኹ።
እቲ ብውሑዱ ንጸገም ማይ ኣስመራ ክፈትሕ ትጽቢት ዝተገብረሉ ሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ክህነጽ ከሎ፡ ካብ ኣስመራ ከይተረፈ ኣስታት 30 ኪሎሜተር ዝወፈሩ ኣዴታትን ቆልዑን እዮም እምኒ ደርብዮምሉ። እንተኾነ፡ እቲ ሓጽቢ መሐከልን መጀለብን ኢሳይያስ ኮይኑ ደኣ`ዩ ተሪፉ እምበር ፍረ ኣይተረኽቦን። እታ ኣብ ግዜ ጥልያን ብቦምባ ማይ ዝበጽሓ ዝነበረ ኣስመራ ከም ቀደማ ብስእነት ማይ ተዋሪዳ፡ እቶም ዓዲ-ሃሎ ወፊሮም ኮረት ዘቐበሉ ቆልዑ፡ ኣብ ጽርግያ ካብ ዝነትዐ ቦምባ ጥዕንኡ ዘይተሓለወ ማይ እንተረኸቡ ጨቖቕ ክብሉ እዮም ተራእዮም።
ኢሳይያስ ንዓዲ ሃሎ መሐከሊ ይጥቀመሉ ኣሎ ክብል ከለኹ ተራ መሐከሊ ማለተይ ኣይኮነን። ካብቶም ካብ ዓመት ናብ ዓመት እምነት እናጒደለሎም ዝኸደ፡ ብተገዛእነቶም ከይተረፈ ፍጊዕ ዝበሉዎ ተለኣኣኽቱ ክርሕቕ ጥራይ ኣይኮነን ኣብ ዲጋ ዓዲ-ሃሎ ሰፊሩ ዘሎ። እቲ ሓደ እዋን ንገማግም ባሕሪ ባጽዕ ካብ ጸላእቲ ደጀን ደኾን ይኾነኒ ኢሉዎ ዝነበረ ኢሳይያስ ምትእምማን ስኢኑ፡ በርጊጉ፡ ናብ ከበሳ ተመሊሱ ካብ ጸላእቱ ዕርዲ ዝኾኖ ንእሽቶ ባሕሪ ክስርሕ ነይሩዎ። እቲ ኣብ ሓደ ደረት ዲጋ ዓዲ-ሃሎ ከም ሃብታማት ሓረስቶት ኣፍሪቃ ገዛ ሃኒጹ ዝነብር ዘሎ ኢሳይያስ፡ እቲ ሰብ ሰርሖ ቀላይ ብነብሱ ካብ ዝደልዩዎ ጸላእቲ ዘተኣማምን መሕብኢ ኮይኑኒ ኣሎ ኢሉ ከምዝሓስብ ኣብቲ ቦታ ወሲዱዎ ዘሎ ዓመታት ንባዕሉ ምስክር እዩ። ካብ ዞባ ናብ ዞባ ሰሙናዊ እናተንቀሳቐሰ `ደባይ ፕረዚደንት` ኮይኑሉ ዝነበረ ዓመታት እቲ ንቲቪ-ኤረ ጥራይ ዝሰምዕ ምስኪን ህዝቢ ኤርትራ ልምዓታዊ ስርሓት ዝከታተል ዘሎ ይመስሎ ነይሩ ክኸውን ይኽእል እዩ። ንሱ ግን ብኣመና ምንቅስቓስ ካብ ጸላእቱ እዩ ዝሃድምን ዝኽወልን ነይሩ። ብተወሳኺ፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ብመሪሕነት 1ይ ሚኒስተር መለስ ዜናዊ ዝህነጽ ዝነበረ፡ `ፕሮጀክት ጻዕድ ኣሓርማዝ` ክብል ዘናሽዎ ዝነበረ ህዳሰ ግድብ ንዝተሰመዖ ቅንእን ህልኽን ምወጽኢ`ውን ገይሩዎ እዩ። ኢሳይያስ፡ ብዘይካ ብዛዕባ ነብሱ ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ሓሲቡ ኣይፈልጥን እዩ።

ብዝኾነ፡ ዲጋ ዓዲ ሃሎ ነቶም ብፍቕሪ ውልቀመላኽነቱ ሃለዋተን ዘጥፍኣ ኣንስቲ ማጨሎተን ምዃኑ `ውን ነቲ እንዳ ጠንቆልቲ ዝመላለስ ኢሳይያስ ካልእ ተወሳኺ ጸጋ ዓዲ-ሃሎ እዩ።
በቃ፡ ጥቕሚ ናይቲ ክንደይ ገንዘብን ጉልበትን ህዝቢ ኤርትራ ዘህለኸ ዲጋ ዓዲ-ሃሎ በዚ ንኢሳይያስ ዘለዎ ጸቢብን ድሑርን ውልቃዊ ረብሓታት ጥራይ እዩ ዝምዘን።
ብኣንጻሩ እቲ ቅድሚ 85 ዓምታት ኣብ እዋን`ቲ Great Depression ተባሂሉ ዝፍለጥ ጽንኩር መዋእል ኣመሪካ ዝተሃንጸ፡ እቲ ከልቢ ብኽብረት ዝዝከረሉ ዘሎ ካብ ላስ-ቬጋስ 48 ኪሎሜተር ርሒቑ ዝርከብ Hoover Dam ግን ንኽፍሊ ሃገራት ኔቫዳ፡ ኣሪዞናን ካሊፎርንያን ምንጪ ጸዓት ኮይኑ ዘገልግል ንዓመት ብሓደ ሚልዮን ቱሪስት ዝብጻሕ ኣገዳሲ ቑጠባዊ ኣበርክቶ ዘለዎ ሓጽቢ እዩ።

ኣብቲ ክንድ`ዚ ዝኣክል ዓቢ ቁጠባዊ ጠቕሚ ዘለዎ ሓጽቢ፡ ነቲ እሙን ዓርኪ እቶም ሰራሕተኛታት ዝነበረ ከልቢ ዘይምርስዖም ከኣ `የ ነቶም ኣመሪካውያን ዘድነቕኩዎም። እቲ ብነጻ ጉልበት መንእሰያት ሃገራዊ ኣገልግሎታትን ኣዴታትን ንዘስርሖ ዲጋ ዓዲ-ሃሎ ንውልቁ ዝወነኖ ስአብኣይ ግን፡ ኣሽንባይ ዶ ንረሃጽን ጉልበትን መንእሰያት ኤርትራ፡ ንመስዋእቲ እቶም ናጽነት ኤርትራ ዘረጋገጹ ጀጋኑ ኤርትራ `ኳ ኣይዘከሮን። ንዓኣቶም ረሲዑን ኣረሲዑን፡ ነታ ብሃታ ሃታ ንመዘከርታኦም ዝተተኽለት ሽዳ ከይተረፈ ምሕዩ፡ ኣብ ማእከል ኣስመራ ሓወልቲ ራሻዊ ደራሲ ፑስኪን ተኺሉ `ሎ። እቲ ዝገርም ግን፡ ናይቲ ከም ኣመሉ ብስም ህዝቢ ኤርትራ ንውልቁ ዝተቓለሰን ብጸጋታት ኤርትራ ንውልቁ ዝነበር ዘሎን ኢሳይያስ ኣይኮነን። ንሱ ደኣ መዓስ ንዲጋ ዓዲ-ሃሎ ጥራይ ንህዝቢ ኤርትራ ብዓቢኡ እንድዩ ከም ጊላኡ ወኒኑዎ ዘሎ። ኢሳይያስ ን50-60 ዓመታት ደም ህዝቢ ኤርትራ ሰትዩ ክንሱ፡ ኣብ ክንዲ `ይኣኽለካ ተረታዕ ብሕጊ` ዝብሃል፡ `ወዲ ኣፎም ብሪ` እናተባህለ ብግዳያቱ ይዝመረሉን ይውደስን ምህላዉ እዩ እቲ ዘሕንኽን ዘሕፍርን ውድቀት።
ብሓቂ ክርአ ኸሎ፡ እቲ ንHoover Dam ዝወነነ ከልቢ ብመንጽር `ቲ ንሓጽቢ ዓዲ ሃሎ ዝወነነ ሰብኣይ ክርአ ኸሎ፡ ናይ ከልብን ናይ ሰብን ፍልልይ ጥራይ ኣይኮነን ዘለዎም። ሰይጣን ዓዲ-ሃሎ ካብ ከልቢ ይኹን ካብ ሰብ ክፋኡ መወዳድርቲ የብሉን።
ምልኪ ይፍረስ፡ ሕጊ ይንገስ፡ ወራሪ ይደምሰስ!
ኣማኑኤል ኢያሱ – ካብ ኔቫዳ ሕመኣ
“ምልኪ ይፍረስ፡ ሕጊ ይንገስ፡ ወራሪ ይደምሰስ፦
ኣማኑኤል ኢያሱ – ካብ ኔቫዳ ሕመኣ”
ሰላም ክቡር ኣማኑኤል
ንመንታይ ተቕንኣኒ
ኔቫዳ ሕመኣ እናበልካኒ
ብጥዑም ግዝየ ርኢና ነርና
ተፈታዊት ኣዝማሪና
ኣየ ግዝየ ግዝየ ተቐያያሪት ግዝየ
ማዓስዩኸ ንርእያ እታ ብልጭ ኢላ ዝጠፍአት ግዝየና
ሀረርታና ማሕመሐ ብሃንቀውታ ።
Enjoy Yourself, Dear Amanuel, and THANK YOU for the FIELD of http://www.assenna.com
You should have swung by my house; I would have sent you back home with a basket full of fresh Florida citrus. Yep, it is past time not only to evict the dog from his kennel but also from our minds. Y’all look good, God bless.
Brothers,
He will be in my hometown (naturalized) on Saturday and will hopefully have a word with him.
First time to face him and will see his reaction.
ሰላማት ደቂ ሃገር
* እንታይ ድኣ ጠፍአ ድምጽና
* ቀቢጽና ዲና
* ወዲ ኣፎም ድላዩ ክገብር ምስረኣና
* ኣየ ጉድ እንታይኮን ጌርና ኢና እዚ ኹሉ መርገም
* በሉ እስኪ ኩቡራት ደቂ ሃገር ንኽኣሎ ድኣ
* ተፈጥሮ ዕድልና ካብኮነ መንገድና
* መርገም ድኣ ካይከውን ካይተፈለጠና
* ዝኾነ ኮይኑ ንኽኣሎ ድኣ ከም ዕድልና ።
አንታይ ድኣ ሱቕ ኣብዚሕና ፧
ተወዲኡ ድዩ መንገድና፤ ካን ኣኺሉና ፧
አዚ ኾነ መወዳእታ ታሪኽ ኤሪትርያና
እሞኸ መን ኮነ መተካእትና
ዝኾነ ኮይኑ : አንታይ ተረፈና ካብ ድሓን ኩኒ አረ ምባል ብውሕጅ ንብዓትና ፧፧፧፧
‘If you don’t have something good to say, say nothing at all’…
‘እሞኸ መን ኮነ መተካእትና’?
the answer is obvious, you see them dancing in the capital of our occupiers and all over the world, that’s what we got replaced with.
The Eritrea, the people and the ideals we fought for was gone before the ‘liberators’ set foot in the capital but they chose to keep quiet, so this tacit posture is not a new culture, it is decades old…’አንታይ ድኣ ሱቕ ኣብዚሕና ፧’…
Even this medium stopped celebrating the day, because 31 years later it is becoming more evident what this day ushered to the Eritrean people— carnage, mayhem, social decadence, cultural degradation, loss of identity, ‘Independence’… the list goes on and on.. ‘ዝኾነ ኮይኑ : አንታይ ተረፈና ካብ ድሓን ኩኒ አረ ምባል ብውሕጅ ንብዓትና ፧፧፧፧’… I did my weeping a long time ago, I can’t lacrimate no more. I am all dried up.