Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ክቡር ህዝቢ ኤረትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ – ኣበባ ተስፋጊርጊስ

Atv Asena by Atv Asena
16th January 2021
in Articles, Tigrinya
2
0
SHARES
446
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

Januart 7, 2021

ክቡር ህዝቢ ኤረትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ፡

ኣቀዲመ እዛ ሓድስ ዓመት፡ ዓመተ ምሕረት 2021፡ ሻቅሎትን፡ዉግእን፡ወረ ዉግእን፡ ኩሉ ዓይነት  ሓሳረ መከራን  ኣኽቲሙ፡ ዓመት ሰላም፡ ዓመት ፍቅሪ ዓመት፡ ቅሳነት፡ ዓመት ጥዕና ክትኮነልና  እንዳተመንኹ ሰላምታይ የቅርብ። ቀጺለ ድማ፡ ኩላትና ከም ንፈልጦ፡ 2020  ቀዛፊት ለበዳ ኮረና -ቫይረስ-19 ነቶም ምዕቡላት ህብረተሰብ ዓለም ከይተረፈ፡ ወላእላእ ዘበለትን ዝቀዘፈትን እያ።  ንዓና ነቶም ድያስፖራ’ዉን  ኣይጎሰየትናን። ካባና ግን፡  እቶም ኣብ ካልእ ሃገር ከም  ስደተኛታት ኮይኖም  ተዓቂቦም ዘለዉ ፡ ብዝያዳ ተሃስዮም። እዚ ኾይኑ ግን፡  እቲ ዋና ኣሰካፊ ዝነበረ፡ ኩነታት ህዝብና  ኣብ ዓዲ ዘለዉ፡ ከብዶም እኳ ዘይጸገበ፡ እፎይ ኢሎም ዘይሐድሩ፡ ስንኩል ሕክምና ዘለዎም፡ ብጨካን ርእሰ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ  ተረጊጾም ዝነብሩ’ዮም። ኮይኑ ግን፡  ነቲ ሕሰሞምን፡ ድኽነቶምን፡ ውርደቶምን ኣምላኽ ርእይሎም ግዲ ኾይኑስ፡  እቶም ብ ኮረና ቫይረስ -19 ተለኺፎም ዝሞቱ፡  ቁጽሮም ከምቲ ዝፈራሕናዮ ኣይኮነን።

ካልእ ድማ፡ ኣብ 2020፡ ኣብ መንጎ ብዶክቶር ኣብይ ዝምራሕ ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ክልል ትግራይን ዝግበር ዘሎ ዉግእ፡ ኢሳያስ ምስ ዶክትር ኣብይ ተሻሪኹ መንእሰያት ወታሃደራትና – ገሊኦም ናይ ኩናት ተመክሮ ዘይብሎም –   ኣብ ቅድመ ግንባር ናይ ኣብይ ወታሃደታት ኮይኖም፡ ኣንጻር እቶም ኣስታት 95,000 ዝኾኑ ስደተኛታትና ኣዕቂቦሙልና ዘለዉ አሕዋትናን፡ ጎረባብትናን  ተጋሩ ተዋጊኦም። ልክዕ ቁጽሪ ዘይንፈልጦ ከኣ ሞይቶም ይባሃል ኣሎ።  ሰራዊት ትግራይ ካብ ከድተማታት ኣዝሊቆም።  እቶም ተረፍ ሞት ወታሃደራት ኤርትራ ድማ፡  ዝመቱ ተባሂሎም  ኣብ መቀለ ይኹን ኣብ ካልእ  ከተማታት፡ ዘሚቶም ክንደይ ዕንወት ገይሮም ይባሃል  ኣሎ። እዚ እንተድኣ ሐቂ ኾይኑ፡  መሪር ቅርሕንትን፡ ጽልእን ዘኸትል ናይ ከቢድ ከቢድ’ዩ!  ህዝቢ ኤርትራ ደላይ ሰላም’ዩ፡ ንሰላምን ፍትሕን ድማ እዩ ን 30 ዓመታት ዝተቃለሰ። ዕድልና ገይርዎ ግን፡  ርእሰ መላኺ ጨካን ኢሳያስ ኣፈወርቂ፡  ብዘይነገርን፡ ጽልእን፡ ኩናትን  ክነብር ስለ ዘይክል፡ ልኡላዊት ሃገርና፡ ገና ከየስተማቀርናያ ከለና፡ ምስ ጎራባብትና  –   ብየመን  ጅሚሩ –  ተላኺፉ፡  ኩናት ክጅምርን  ሓደ ኾይኑ።። 

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡ “ሕጂ’ሞ እንታይ ክንገብርን ኢና”  ንዝብል ሐተታ ፡  እዘን ኣብ ታሕቲ ዘርዚረይን  ዘሎኹ ነጥብታት እንተተኮርናለን ሐገዝቲ ኮይነን እስማዓኒ፡ 

ቀዳማይ፡ ኣብ ሞንጎ ክልል ትግራይን፡ ፈደራላዊት መንግስቲ ኢትዮፕያን ፡ ኩናት ምስ ተጀመረ፡ ብቀዳምነት  ግዳይ ዝኾኑ ፡ እቶም ኣብ ትግራይ ዘለው ስደተኛታትና – አንስትን  ቆልዑን  ብብዝሒ ዘለዎም –  እዮም። ከመይ እቶም ዘማሐድርዎም ዝነበሩ UNHCR፡  ኩናት ምስ ተላዕለ ሐዲጎሞም ከይዶምስ፡ ጥሜት ተላዒሉ ሕማም ውን ምስኡ ይጅምር ኣሎ፡፡ ግዱሳት ኤርትራውይን፡ ሐገዞም ይውፍዩ ኣለው፡ ዝኣክል ግን ኣይኮነን። ስለዚ ሂወት ንምድሓን  ኩላትና ዳያስፖራ ፡ ምስቶም ድሮ ዝሰርሑ ዘለዉ ተዋሃሂድና ብኹሉ መዳይ ክንሕግዝን፡  ዓለምለኻዊ ሕጊ ስድተኛታት ኣብ ግብሪ ክውዕልን ክንጽዕር ኣለና።

ካልኣይ፡ እዚ ዕንወት ሰብን ሃገርን፡ ጨካን ኢሳያስ ኣፈወርቂ በይኑ ኣይዉንጀልን እዩ። ንሕና ከምዛ  ዋዛ፡ ብዘይጠቅም፡ ብቀንጠመንቲ ተፋላሊና። ኣውራጃ ይባሃል፡ ብቀዳምነት፡ ሃገር ከይሐዝካ ኣውራጃ ኣይርከብን’ዩ፡ አውራጃታትና ድማ ድሩዕ ስልማትና እየን። እቲ ሕግታት ምምሕዳር ሃገርና፡ ኣሽምባይዶ መሰል ሰብሲ፡ መሰል እንስሳ’ኳ ዝሕሉ፡  ኣብተን ክልተ ዓበይቲ ቅዱሳት መጻሕፍቲ ምስልምናን፡ ክርስትናን ዝተመኮሰ እዩ።  እቲ  ኣብ ቤት ፍርዲ ዓለም ቀሪቡ ክፍረድ ዝግብኦ  ገበነኛ  ኢሳያስ ኣፈወርቂ ፡ ሰሚርና “ሑሕ” እንተንብሎ፡ ንሱ ምሃደመ እምበር፡ ንሕና ዓበይትና ንኣሽቱና፡  ስድራ ቤት ተፋላልያ፡  ዓድና ገዲፍና፡ ኣብ ስደትን፡ ኣብ ሓሳረ  መከራን ኣይምኣተናን። ንሱ  ሙሞተ እምበር፡ እቶም ካብ ባሕርና ገፊፍና ክንበልዕም ዝግባኣና ዓሳታት፡  ተመሊሶም ቀለቦም ኣይምገበሩናን።

ሳልሳይ፡  ልብና ተሪሩ።  ከምቲ ሓደ ሰብ ኣብ ምጋሹ፡  ኣብ መንገዲ ሬሳ ተደርብዩ ምስ ረኣየ ዝሐዝን፡ ዝሕግዞ ክረክብ ቁሊሕ ሚልሕ እንተበለ ድማ፡ ስጉምቲ ከይከደ ፡ብየማን ብጸጋም ሬሳታት ምስ ረኣየ፡ ዓይኑ ለሚድዎ፡ ስቅ ኢሉ ዝምርሽ፡ ንሕና ድማ፡ ነብሰይ ነብሲ’ማተይ በብጊዝኡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ንስደት ክኸዱ ኣብ  መንገዶም  ከም ባዓል ሲናይ፡  ልቦምን ኮላሊቶምን  ይውሰድ ኣሎ፡  ካብተን እተን ንጽባሕ አዴታት ዝኾና ኣዋልድ፡ ኣብ ሳዋን፡ ኣብ መንገዲ ስድተንን ይዕመጻ’ሞ ወይ ርእሰን ይቅትላ፡ ወይ ድማ ኣቡኡ ዘይፈልጥኦ ሕጻን ሒዘን፡ ኣብ ስደተን ለማኖ ኮይነን ከንሰምዕ  ኮለና፡  ንሐዝን፡ “ዋይ ንሕና፡ ከምዚ ዲና ኮይና፡ እንታይ ጉዱ እዩ፡ ድሕሪ ክንድዚ መስዋእትን፡ ስደትን፡ ኩሉ ሓሳረ መክራንሲ፡ እዚ’ዩ ዕድልና” ኢልና ንግዚኡ ሐድ ሐደ ነገራት ንገበር፡ ቅሩባት ሰባት ድማ ከይትሓለሎም፡ ይስርሑ። እንተኾነ ከምቲ ረቂቅ ነጸላ ብኽረምቲ ብዙሕ ዘይጠቅመካ፡ እቲ ነወፍዮ ድማ ኣዚ’ዩ ድሩት እዩ። ርግጽ’ዩ ናብራ ወጻኢ፡ ብሕልፊ ኣመሪካ ከቢድ’ዩ። እንተኾነ ዋና ጸላኢና፡ ማዕረ ፍጹም ክጽንተና ዝጓየ ዘሎ፡ ጨካን፡ ርእሰ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ – ምስቶም በብእዋኑ ዝምልምሎም ሰዓብቱ  –   ከም ዝኾነ መዓልቲ፡ መዓልቲ  እናዳዘከርና፡ እቲ ብዉሑዳት ሰባት ዝግበር  ዝነበረ  ሐልዮት ኣብ ዘለዉ ይሃልዉ ህዝብና –  እታ ናይ  ሐቂ ጽሓይ ኪሳብ ትበርቀልና – ኩላትና  ተሳኒና ምስ ንዓሞ፡  ካብ እተጸበናዮ ንላዕሊ  ክንዕወት ንኽእል ኢና ዝብል እምነት ኣሎኒ።

ራብዓይ፡      ኣቱም መንእሰያት ደቅና፡  ወለድኹም ዝተሰውኡን፡ ክንደይ ስቃይ ዘሕለፉን፡ ንስኻትኩም፡ ተማሂርኩም፡  ኣብ ዝብጻሕ በጺሕኩም፡ ዋናታት ሃገርኩም ኮንኩም፡ ኮሪዕኩም፡ ብሰላም ንኽትነብሩ’ዩ። ይዋእ ደቀይ፡ ከምኡግን ኣይተረኽበን።  ኣብ ካልኣይ ውግዕ ዓለም 6,000,000 እስራኤላዉያን ሞይቶም። ክትግምትዎ ትኽእሉ፡ ስድራ ቤታት ፋሕ ፋሕ ኢለን። ካብ ሞት ዝተረፉ መንእሰያት መብዛሕትኦም ኣዲኦምን፡ ኣቦኦምን፡ ኣዝማዶምን ክረኽቡ ዘይከኣሉ፡ ሃዲሞም ኣብ  መገዶም  ጓሶትን፡ ናይ ገዚ ስራሕተኝታትን እናኾኑ፡  ድሕቲ ዓመት፡ ክልተ ዓመት፡  አመሪካ ኣትዮም። ዝገበሩ ጌሮም ዓቅሞም ተማሂሮም። እቶም ገንዘብ ዝገበሩ ድማ ዓዲ ወለድና፡ ዓድና  ኢሎም ንእስራኤል ምህናጽ ዓቢ ተራ ተጻዊቶም.። ብዙሕት ካባኻትኩም ካብ ሞትን መከራን ኢኹም ወጺእኩም። ንስኻትኩም ድማ ኣጆኹም እዞም ደቀይ፡ ከምዞም እስራኣላዉያን ኣብ ዓውት ክትበጽሑ ትኽእሉ ኢኹም። ኣብ  social media  ንዝጻሓፈ ክትምልሱ ወርቃዊ ጊዜኹም ኣይተጥፍኡ።  ዕለት እንጌራኹም ክትረኽቡ እናሰራሕኩም ክትማሀሩ ትኽእሉ ኢኹም። ክሕቡሩኹምን፡ ክሕገዝኹምን ዝኽእሉን ዝደልዩን ኤርትራዉያን፡ መማሃራን ደቂ  ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ኣለዉ። ኣጆኹም እዞም ደቀይ በይንኹም ኣይኮንኩምን።

ክቡር ህዝቢ ኤርትራ፡

እምብኣር እዘን እብ ላዕሊ ዝስመኹወን ነጥብታት፡ ኣቃልቦ ክዉሃበን  እትስፎ። ደጊመ ደጋጊመ ድማ፡፡ እዛ ሓዳስ ዓመት 2021፡ ዓመት ሰላም፡ ዓመት ፍቅሪ፡ ዓመት ጥዕና፡ ዓመት ኣብታ ንናፍቃ፡ ኣማዕዲና ንርእያ ዘለና ቅድስቲ ሃገርና ንምለስ፡ይግበረልና እናበልኩ መልእኽተይ ኣብዚኣ እዓጹ።፡ ክብርን ምስጋናን ድማ ከም ወትሮ ንዕኡ ንእግዚኣብሂር  ኣምላኽና ይኹን። አሜን።

የቀንየለይ

ኣበባ

Previous Post

Elusive Peace in the Horn of Africa

Next Post

Report: Images show latest ‘attack’ on Ethiopia refugee camp

Next Post
Report: Images show latest ‘attack’ on Ethiopia refugee camp

Report: Images show latest 'attack' on Ethiopia refugee camp

0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
2 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
1 month ago

“እንተኾነ ዋና ጸላኢና፡ ማዕረ ፍጹም ክጽንተና ዝጓየ ዘሎ፡ ጨካን፡ ርእሰ መላኺ ኢሳያስ ኣፈወርቂ – ምስቶም በብእዋኑ ዝምልምሎም ሰዓብቱ – ከም ዝኾነ መዓልቲ፡ መዓልቲ እናዳዘከርና፡ እቲ ብዉሑዳት ሰባት ዝግበር ዝነበረ ሐልዮት ኣብ ዘለዉ ይሃልዉ ህዝብና – እታ ናይ ሐቂ ጽሓይ ኪሳብ ትበርቀልና – ኩላትና ተሳኒና ምስ ንዓሞ፡ ካብ እተጸበናዮ ንላዕሊ ክንዕወት ንኽእል ኢና ዝብል እምነት ኣሎኒ።”

ኣበባ ተስፋጊርጊስ
————–

ክብርቲ ወ/ሮ ኣበባ ፣

ኢቲ ዝበልክንኦ ሓቂ ኢዩ ። ሓቢርና ዘይነድማዓሉ ምኽንያት የለን ።
ስለ ምንታይ ክንሓበር ዘይካኣልና ፥ መን እዩ ዕንቅፋት ዝኾውን ዘሎ ፥ ብሰንኪ እሰያስ ጥራሕ ዲዩ ወይስ ካልእ ጸገም ኣለና ንዝብል ሕቶታት ምምላስ ፥ ኣጸጋሚ እንዳኾነ ይመጽእ ኣሎ ።
ብርግጽ ፥ ኢሰያስ ጸላኢና ኢዩ ፥ ግን ንኢሰያስ ዝፈጠረ ጸላኢ ኢዩ ፥ ኢቲ ብቀዳምነት ክብዳህ ዘለዎ።
ቀንዲ ጸላኢና ኢምበኣር ፥ ኢቲ ምሳና ፥ ኣብ ዉሽጥና ዘሎ ፥ ኢቲ ትማሊ ንኢሰያስ ዝፈጠረ ፥ ጽባሕ ንሱ ምስ ከደ መተካእታ ኣዳሊዩ ዘሎ ፥ ኢቲ ስምረት ዝኸልኣና ዘሎ ፥ ኣብ ሞንጎና ዘሎ ፈጺሙ ቁቡል ዘይኮነ ፥ ጽልኢን ቀርሒንቲን ኢዩ ።እወ፥ ንሱ ኢዩ ኢቲ ቀንዲ ጸላኢና ።
ኢሰያስ እንታይ ዓቅሚ ኣሎዎ ፥ ብዘይካ ጽልኢ ምዕዳል ? ። ኢታ ሓንቲ ተርብሖ ዘላ ንግዲ ንሳ ኢያ።
ሓደ ነገር ይሽየጥ ኢንተዳኣ ሃሊዩ ፥ ደስ ኢሉዎ ፥ ይጠቅመኒ ኢዩ ኢሉ ዝገዝእ ሰብ ኣሎ ።
ብኣዉራጃ ይመቅለና ኣሎ ንብል ፥ ልክዕ ኢዩ ፥ ግን ካብኡ ርሒቅና ኣብ ዘለናሉ ዓለም ንጥቀመሉ ኣለና ።
ብሃይማኖት’ውን ልክዕ ከምኡ ፥ ንሕና ክሳብ ማሕበራዊ ሕማም ክንገዝእ ቁሩባት ክሳብ ዝኾና ፥ ኢሰያስ ክም ጹቡቅ እቶት ዘለዎ ነጋዳይ ፥ ወትሩ ሑጉስ ኢዩ።
ኣፉ መሊኡ ኤሪትራኹም ዓኒያ ኢንዳ በለና ፥ ” ደንቢያ ፥ ኣከለ-ጉዛይ ፥ ሓማሲየን ፥ ሰራየ ፥ ኣስላማይ ፥ ክስታናይ ፥ ጀበርቲ ” ክንብል ንውዕል ኣለና ።
ንሱ ኣቀናባሪ ጥራሕ ኢዩ ፥ ኣብ ነፍስ-ጥፍኣት ብትብዓት ንነጥፍ ዘለና ግን ባዕልና ኢና ።
ኤሪትራዊ ፥ ጸላኢ ነብሱ ኮይኑ ከም ዘሎ ፥ ገና ዘይተረደኦ ይበዝሕ ። ንኻልእ ይጥፍእ ኣሎኹ እንዳበለ ፥ ይጥፍእ ኣሎ።
ንሕና ፥ ኣብ ውሽጥና ንዘሎ ሰይጣን ወይ ጽልኢ ወጊድ ኢልና ፥ ኣብ ልብና ተመሊስና ፥ ይቅረ ተባሃሂልና ጥራሕ ኢና ፥ ካብ ጥፍኣት ክንድሕን እንኽእል ። ኮምኡ ኢንተገርና ፥ ኢሰያስ ከም ዝጠፈሸ ነጋዳይ ዱካኑ ዓጺዩ ክስወር ኢዩ ። ሓድነት ሓይሊ ኢዩ ። ” እሓዋት ክፋቀሩ ፥ ጸላእቲ የባርሩ ” ፥ ዝብል ምሳሌ ኣቦታትና ፥ ኩላህና ኢንኽተሉ መምሪሒና ይኹን።

ኣንዊሐልክን ፥ ይቅረ በላለይ።
ሰማእታት ኤሪትራ ንዘልኣለም ይዘከሩ።
ኤሪትራ ሃገርና ምስ ህዝባ ንዘልኣለም ነጻ ትንበር።

Last edited 1 month ago by ወዲ ሃገር
0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  ወዲ ሃገር
1 month ago

In this time of mayhem and darkness, despondence and complicity, despair and destitution… here are voices of reason and wisdom once again((Tabot Weki-Zagr)) rising above the rumble of war beckoning us to come together find peace within ourselves and our brother and retrieve that Eritrea we fumbled into the hands of our enemy and run with it to the end zone and celebrate with all 9 ethnic dances. It starts with you the man/woman reading this post to get back to basics and heed the motherly and brotherly advice of Mrs.Abeba and W.H.>>> your contribution is immense which can’t be taken for granted.

1
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

23rd June 2020
መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ 2021 ዓመተ ምህረት፡ ነዞም ክልተ ኮረና እትስውር፡ ርሕስቲ ሓዳስ ዓመት ንግበራ!!

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ 2021 ዓመተ ምህረት፡ ነዞም ክልተ ኮረና እትስውር፡ ርሕስቲ ሓዳስ ዓመት ንግበራ!! – Amanuel Eyasu

1st January 2021
ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

35
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ESTABLISHMENT OF AN ALTERNATIVE ERITREAN GOVERNMENT IN EXILE*

30
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ERITREA: WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP! By Michael H. Kiflezghi

30
Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

24
ATV: ዜና ወፈያታት ንምስሳን ቴለቭዥን ኣሰና – Atv Donations

PRESS RELEASE: Eritrean Embassy in the UK’s attempt to silence Assenna collapses

5th March 2021
A call for all Eritrean communities in Diasporas to arrange reconciliation and brotherly meetings with Tigray community in your respective areas/cities to share their sorrowfulness

A call for all Eritrean communities in Diasporas to arrange reconciliation and brotherly meetings with Tigray community in your respective areas/cities to share their sorrowfulness

1st March 2021
A complete English translation of Isaias Afwerki’s Eritrean TV Interview, 17 February 2021

A complete English translation of Isaias Afwerki’s Eritrean TV Interview, 17 February 2021

28th February 2021
`ጅምላዊ ቅዝፈት ሰላማውያን ኣኽሱም ብሰራዊት ኤርትራ  ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ይኽእል`ዩ` – ኣሚኒስቲ ኢንተርናሽናል

`ጅምላዊ ቅዝፈት ሰላማውያን ኣኽሱም ብሰራዊት ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ይኽእል`ዩ` – ኣሚኒስቲ ኢንተርናሽናል

26th February 2021

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
2
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply