ከም መእተዊ ጽሑፍና እዚ “ኣይበልዐ ኣይሰተ ጎንደር ከይዱ ሞተ” ዝብል ምስላ ኣብ ሃገርና ብብዝሒ ዝዝውተር ኢዩ፡ መበቈሉ ከኣ ምስ’ቲ ትሬንታ ቺንኰ ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ 1935 ካልኣይ ወራር ጥልያን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዝተተሓሓዘ ክኸውን ይኽእል። ኣብ’ቲ እዋን’ቲ ኤርትራ ግዝኣት ጥልያን ስለ ዝነበረት ኣቦታትና ተገፊፎም ዓሳክር ጥልያን ኰይኖም ኣብ’ቲ ኢትዮጵያ ንምሓዝ ዝካየድ ዝነበረ ውግእ ኣብ ጎንደርን ካልእ ቦታታትን ግዳያት መቚሰልቲን ሞትን ይዀኑ ስለ ዝነበሩ “ኣይበልዐ ኣይሰተ ጐንደር ከይዱ ሞተ” ይበሃል ከም ዝነበረ ይንገር።
ታሪኽ ይድገም ከም ዝበሃል እዚ ሕጂ ኣብ ጎንደር ዝግበር ዘሎ ምትእትታው ሰራዊት ኤርትራ፡ ብቀጥታ ምስ’ቲ ኣቦታትና በስገዳድ ዝኣትዉዎ ዝነበሩ ዕስክርና ጥልያን ዝመሳሰል ኢዩ፥ ከመይሲ ከም’ቲ ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ጥልያን፡ ሎሚ’ውን መንእሰይ ኤርትራ እንዳተገፈ ከም’ቶም ኣቦሓጎታቱ ኣብ ጎንደር ይኹን ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ክጠፍእ የርምመካ። ብዘይካ’ቲ ግዱድ ዕስክርና ኣቦታትና ምስ ጎንደር ዘራኽብ ካልእ ስለ ዘይነበረ፡ ወለድና በቲ ናይ ሽዕኡ ፍጻሜ ልክዕ ነዚ ሕጂ እዋን ዝገልጽ ዝተጠቕሙሉ ምስላ፡ እንታይ ኣዛሪብዎም ወይ ትንቢት ድዩ ነይሩ? የብለካ። ተለፎን ይኹን ካልእ መራኸቢ ኣብ ዘይነበረሉ ነቲ ካብ ጐንደር ዝናፈስ ዝነበረ ደሃይ ዝገልጽ “ወረ ጐንደር ከከም ጊላኻ” ዝብል ምስላ’ውን ስለ ዘሎ፡ ስርዓት ህግደፍ ነቲ ወራር ትግራይን ኣብ ጎንደር ዝፍጸም ዘሎ ጥፍኣት መንእሰይን ከም ቅቡል ንምግባር፡ህላወና ንምውሓስ፡ ካብ ወራር ወያነ ክንከላኸል፡ ኢትዮጵያ ከይትበታተን ወዘተ ዝብል መታለሊ ምኽንያታት ከቕርብ ይኣክል ዓሻኻ ድለ ንበሎ።
ዕላማ ናይ’ዛ ጽሑፈይ ብዓቕመይ ነቶም ምስ ኣምሓራን ብልጽግናን ተሰሊፎም ኣብ ዘይምልከቶም ወራር ትግራይ ኣብ ጎንደርን ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያን ዝጠፍኡን ዘጥፍኡን ዘለዉ ደቅናን ኣሕዋትናን ከነእውየሎምን ዓገብ ክንብልን ጻውዒት ንምቕራብ’ዩ። ከመይሲ እዞም ሕጂ ኣብ ጎንደር ተሰሊፎም ዘለዉ፡ መሬት ምስ ወግሐ ቅዋም ምስ ተኸብረ ምጽብጻብ ምስ ተገብረ፡ ኣብ ዓዲ እንዳማትና ክንጠፍእ ከሎና ኣበይ ነይርኩም? ክብሉ ክኸሱና ኢዮም። ንሕና ድማ ንደቅና ዘይንኸውን ኰንና ከይንሓፍር እሞ ታሪኽ ከይሓትተና ክንሓስበሉ ይግባእ። እቲ ዘገርም ድማ ልዕሊ ሞት ደቅና እንታይ’ዩ ክመጽኣና? እንዳሞትና ካብ ሞት ንፈርሓሉ ምኽንያትከ እንታይ ኢዩ? ክሳብ መኣስከ?
እቲ ናይ ጎንደር ምስላ ብምቕጻል ድማ “ጎንደር ኬድካ እንታይ እምጻእካ” ዝበሃል ጎንደር ብፍላይ ኣብ’ቲ ቀደም እዋን ካብ ኤርትራ ኣዚዩ ርሑቕ ዝመስል ስለ ዝነበረ፡ እዚ ኩሉ ተጓዒዝካ ኣይሃብቲ ኣይሽመት ነየናይ ዕላማ? ነየናይ ረብሓ’ዩኸ? ዘስምዕ ቃላት ብሓቂ ነዚ ሎሚ ኣብ ልዕሊ ደቅና ዝወርድ ዘሎ መቕዘፍቲ ብግልጺ ዘዘኻኽርዩ። ብዝበለጸ ንምብራህ ድማ ደቅና ዶብ ሰጊሮም ናይ መን ርስቲን ጉልቲን ክሕልዉ ናይ መን ዑና ከጣይሱ’ዮም ከም’ቶም ኣቦሓጎታቶም ኣብ ጎንደር ብከንቱ ክጠፍኡ ዝፍረዱ ዘለዉ? ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ጥልያን ኣቦታትና ብስገዳድ ኣብ ኢትዮጵያ ትሩቡሊ (ሊብያ) ይዋግኡን ይሞቱን ከም ዝነበሩ ታሪኽ ዝምስክሮ ሓቂ’ዩ። እንተዀነ ሽዕኡ እዋን ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢዩ ነይሩ፡ ኣቦታትና ድማ ብባዕዳዊ መንግስቲ ጥልያን’ዮም ተገፊፎም ናብ ኲናት ይጥበሱ ነይሮም። እንሆ ሎሚ ድማ ካብ’ቲ ጸልማት መግዛእቲ ተጋላጊልና እንተበልና፡ ዘመን-ግርምቢጥ ኰይኑ ደቅና ኣብ ናጻ ኤርትራ ብናትና ዝበልናዮም ኣዘዝቲ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ኢትዮጵያ ክኸትቱ ዘስደምም’ዩ።
ምስ’ቶም ወትሩ መሬትናን ባሕርናን ወደባትናን ዝምነዩ፡ ጌና ይብጸሓና’ዩ ክንመልሶ ኢና ዝብሉ፡ ን30 ዓመታት ዘድመዩና፡ “ብልጽግና” ዝብል ኣንጻባራቒ ስም ዝተጠመቑ፡ ብስም ሰላም ዘደናግሩ መራሕቲ ኢትዮጵያ ወጊንካ፡ ንጐረቤትናን መናብርትናን ህዝቢ ትግራይ ንምጽናት ዝካየድ ዘሎ ኲናት ኣብ ሞንጎ ክልቲኡ ህዝቢ ደም ምትካልን ጸሊም ታሪኽ ምውራስን፡ እግዚኦ መሃረነ ዘድልዮ ዕብዳን’ዩ። ኣብ’ቲ ቅድሚ ሕጂ ምስ ኩለን ጐረባብቲ ሃገራት ዝተኻየደ ኲናት ዝጠፍኡ ኣሽሓት መንእሰያትና ከይኣኽለና፡ ንበዓል ነጐዳስ ብበርቂ ደብሶ፡ ሕጂኸ ጓል መን ወድ መን’ዮም ክሃልቁ? ጎንደር ከድካ እንታይ ኣምጻእካ ዝተባህለ ከኣ ከም’ዚ ምስ ኰነ’ዩ።
ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ኢትዮጵያን ሓደ ህዝቢ’ዩ፡ ኢትዮጵያ ክትበታተን ኢድና ኣጣሚርና ኣይንርእን፡ ክንሞተላ ኢና ወዘተ ዝብሉ “ኢትዮጵያ ወይ ሞት” ዘስምዕ ጭርሖታት፡ ንዝተቓለስሉ ዕላማ ዝረስዑ መራሕቲ ሃገርን ኣዘዝቲ ሰራዊትን፡ ዘረበኦም ብግብሪ ተሰንዩ ደቅና ኣብ ካርታ ጀኦግራፍ ጥራይ ዝፈልጥዎ ጎንደርን ወሎን ኣኽቲቶም፡ ብሂወት ኤርትራውያን ሓድነት ኢትዮጵያ ከውሕሱ፡ ኣበያን ተቓውሞን ከነስምዕን ዓገብ ክንብልን ናይ ሕልና ሓላፍነትና ኢዩ። ዓገብ ዘይብል ህዝቢ ድማ ወትሩ ክዕገብን ክብደልን ከም ዝነብር ኣብ ልዕለና ዝፍጸም ዘሎ ሓቂ’ዩ።
ማህጸና ይባረኽ ኣብ ጊዜ ቃልሲ ጽኑዕ ርገጽ ኢላ ንደቃ መሪቓ ንሜዳ ተፋኑ ዝነበረት ሓርበኛ ኤርትራዊት ኣደ፡ ሎሚ በቶም ኣብ ዓዲማቶም ደመ-ከንቱ ዝዀኑ ዘለዉ ደቃ ሓዚና፡ ነቶም መራሕቲ ሃገርን ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሃገርና ኤህ! ኢድኩም ኣይትስኣኑ ክትብል እንተተራገመት ኣየኽፈኣላን። እዞም ኣብ ጎንደር ይዂን ካልእ ቦታታት ኢትዮጵያ ዝሃልቁ ዘለዉ ኤርትራውያን ካብ’ቲ መሪር ሓርነታዊ ቃልሲ ዝተረፉ ተጋደልቲን ደቂ ስዉኣትን ኢዮም። ወለዲ ድማ ምቕሊ ስኢኖም ደቆም ኣብ ፈቐዶ ትግራይ ጎንደር ደሴ እንዳሃለቑ ኣብ ጉዳዮም ተዓዘብቲ ኰይኖም ብስቕታን ሕዱር ስቓይን ብጓሂ ይሞቱ። ስለ’ዚ ድማ ሃገርና ወላዲ ንውላዱ ዝቐብረላ ዘይንቡር ሓዘንን ንብዓትን ዘየቋርጸላ ምዃና ንኹልና ዘሕዝን ተርእዮ’ዩ። “ወዲ ሃገር ኣይተሃገር” ከም ዝበሃል ድማ፡ መንእሰያትና ኣብ ክንዲ ትምህርቲን ምዕባለን፡ ብቀጻሊ ግፋ ኣብ ፈቐዶ ኲናት ዝጥበሱ መሰሎም ዝተጋህሱ ክብሮም ዝተቐንጠጡ ኣደዳ ስደትን ውርደትን ክዀኑ ዝገብሩ ኣዘዝቲ ሰራዊትን መራሕቲ ሃገርን ሕፍረት ይጐልበቡ ዘብል’ዩ።
ወተሃደር ዶብ ሃገሩ ክሕሉን ድሕነት ህዝቡ ከውሕስን ደኣ’ምበር ኣብ ዘይምልከቶን ዘይፍትሓዊን ኲናት ጐረቤት ሃገር ደሙ ከፍስስን ሂወቱ ከወፊን ማንም ዝቕበሎ ኣይኰነን። ብዓቢኡ ድማ ሰራዊት ከም ሓደ ጥርኑፍን ዝተወደበን ሓይሊ ናይ ሕብረተሰብ፡ ፍትሒ ክርገጽን ህዝቢና ክብደልን ከሎ ክለዓልን ኣራሚ ስጉምቲ ክወስድን ገለ ካብ’ቲ ኩሉና ንጽበዮ ባህሪያት ኢዩ። ብተሓላቕነት ህዝቢ ዘይምራሕ ሰራዊት ግና ተልእኮኡ ዘንጊዑ ኣገልጋሊ ናይ’ቲ ኣብ ስልጣን ዘሎ ኣካል ጥራይ’ዩ ዝኸውን። ስለ’ዚ ሰራዊት ኤርትራ ምስ’ቶም ናይ ጥንቲ ጸላእቲና ሓቢሩ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ተሰሊፉ ናብ ጎንደር ምኽታቱ፥ ተልእኮ ሰራዊትናን ታሪኽ ሃገርናን ዘመራስሕ ተግባር’ዩ። ሂወት ኣብ ምክልኻል ሃገርን ህዝብን ክትውፈ ሰማእትነት’ዩ፥ ካብኡ ሓሊፉ ግና ዕሽነት ወይ ጊልያነት ኢዩ።
እዚ ኣብ ሃገርና ስልጣን ገቢቱ ዘሎ ወለዶ ንመንእሰይ ወለዶ ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት እንዳኽተተ የጥፈኦን ይብድሎን፡ ታሪኽ ቃልሲን ጽንዓትን ኤርትራ ድማ ብዓመጽን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ይብክሎ ኣሎ። ኣብ ጊዜ መግዛእቲ ኢትዮጵያ መንእሰይ ብልዑል ሃገራዊ ወኒ ናብ ቃልሲ ተጸንቢሩ ንጸላእቱ ምስጓጉን ሕነ ናይ ምፍዳይ ስምዒት ነይርዎ። ብኣንጻሩ ናይ ሎሚ መንእሰያት ግና ብሕሱም ግፋን ገደብ-ኣልቦ ዕስክርናን ረብሪቦም፡ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ክጥበሱ ወይ ስደት ኰይኑ ትዕድልቶም። ስለ’ዚ ነዚ ዋርሳይ ወለዶ ብዘይካ በደልን ዓመጽን እንታይ ነውርሶ ኣሎና?
ኣብ ገዛእ ሃገሮም ምንባር ስኢኖም ተስፋ ቈሪጾም ንስደት ሃጽ ምስ በሉ ድማ፡ ኣብ ክንዲ ንሓቚፎምን ንኣልዮምን ደቅና ምዃኖም ረሲዕና፡ብፕሮፓጋንዳን ኣጀንዳን ናይ’ቲ ስርዓትን ደገፍቱን ዓዊርና፡ ሕማቓት ሃደምቲ ዝብል ንዐኦም ዘይግባእ ጸርፊታት መሪርዎም ካብ ሕብረተሰብ ከንጸሉን ዘርሞ ዘርሞ ክዀኑን ንገብሮም ኣሎና። ከም ህዝቢ ንኩልና ዘነውር ድማ ኣብ ወጻኢ ደቆም ሓቚፎም ሃገር ጽቡቕ ኣላ ማዕቢላ ወዘተ ዝብሉ ዘይምልከቶም ኲናት ትግራይን ጎንደርን ደሴን ብደምን ሂወትን ደቂ ካልኦት ክካየድ ዝዋራዘዩን ብዘይ ስኖም ሑጻ ዝቚርጥሙን ከይፈቶኻ ክትራገም የገድዱኻ። “ወዲ ሃብታም ይስስን ወዲ ድኻ ድማ ይማስን” ኰይኑ ከኣ፡ ደቂ ሓለፍቲን ሃብታማትን ካብ ውግእ ወረ ውግእ ርሒቖም ኣብ ውሑስ ቦታ ክነብሩን ከጋይጹን፡ ደቂ ድኻታት ከኣ ኣብ ገደብ-ኣልቦ ውትህድርና ክበልዩ ደሓን ንኹሉ ጊዜ ኣለዎ ኢልካ ብሸለልታ ዝሕለፍ በደል ኣይኰነን።
ኣቱም ንመንእሰያት ደቅና ብግፋን ብሓይሊን ናብ ዘይምልከቶም ውሽጣዊ ኲናት ኢትዮጵያ ተኽትቱ፡ እቶም ሕጂ ተሳስይዎም ዘሎኹም ጽባሕ ንግሆ ብረቶም ናብ ባሕርናን መሬትናን ከም ዘቕንዑ ምግማቱ ዘሸግር ኣይኰነን። ምስ ወራሪ ስርዓት ተወዓዒልካ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ዝካየድ ወፍሪ፡ መንእሰያትና ብከንቱ ዘህልቕን ታሪኽና ዝብልልን ንመጻኢ ወለዶ ከቢድ ቂምን ጽልእን ዘውርስን ምዃኑ ክንሓስበሉ ይግባእ። ስለ’ዚ እዞም ኣብ ኢትዮጵያ ከቲቶም ብከንቱ ዝሃልቁ ዘለዉ ደቅና ናብ ሃገሮምን ስድራቤቶምን ብህጹጽ ዝምለስሉ ድምጽና ነስመዓሉ እዋን ብዘይ ወዓል ሕደር ሕጂ’ዩ። እቲ ኣይበልዐ ኣይሰተ ጎንደር ከይዱ ሞተ ዝብል ምስላ ቀዳሞት ብሓቂ ኣብ ልዕሊ ደቅና ይፍጸም ስለ ዘሎ፡ እንዳተዓጋገብና ከይንነብር ዓገብ ንበል። ከምኡ’ውን ከም’ቲ ጎንደር ከድካ እንታይ ኣምጻእካ ዝተባህለ፡ ውጽኢት ናይ’ዚ ቀዛፊ ኲናት ፍረ-ኣልቦ ማይ ምሕቋን ባዶሽ ጥራይ’ዩ። እቲ ህቡብ ነፍሰሄር ዶር ርእሶም ሃይለ ኣብ ንበሃሃል ዝብል ግጥሙ ዝበሎ ”እንሀልካ ዕጥቂ ንወተሃደር፡ ጸላኢ ከይተእትወልና ኣብ’ዛ ሃገር፥ ይኣኽለና ዝሓለፈ መስዋእቲ፡ ይኣኽለና ዝሓለፈ መቕጻዕቲ” ምዝካር ዓቢ ትምህርቲ’ዩ።
እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!
ዘልኣለማዊ ክብሪን ዝኽሪን ንሰማእታትና!
ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት፡ ካልጋሪ፡ ካናዳ።
That used to be my mother’s favorite proverb God bless her soul, miss her much.
Dear Dr., yes it is sad and gut wrenching to see these young lives being butchered in a war which they have nothing vested in, however have we asked ourselves how in the hell did we get here? this is not the first time young Eritrean life was wasted in vain, I can chronicle historical incidents dating back the infamous ‘Hadhid Quinat’ to the murdering of disabled veterans of the liberation war and beyond.. you still refer them as ‘our military leaders’, but no this is a colonial contingent that was dispatched among us to carry out a mission you see today, the capo and his lieutenants did the job covertly and overtly for decades by eviscerating the guts of the Eritrean nationalism and societal norms by creating this killing enterprise and a manifesto which reflects their vision statement. Is the picture coming to focus?
The rest is icing on the cake.
Dear Dr. Tesfamichael until we reach a proper diagnosis to this morbid ailment which is consuming us alive, there can be no cure. Articles like this is good but is only palliative.
“… እዞም ኣብ ኢትዮጵያ ከቲቶም ብከንቱ ዝሃልቁ ዘለዉ ደቅና ናብ ሃገሮምን ስድራቤቶምን ብህጹጽ ዝምለስሉ ድምጽና ነስመዓሉ እዋን ብዘይ ወዓል ሕደር ሕጂ’ዩ። እቲ ኣይበልዐ ኣይሰተ ጎንደር ከይዱ ሞተ ዝብል ምስላ ቀዳሞት ብሓቂ ኣብ ልዕሊ ደቅና ይፍጸም ስለ ዘሎ፡ እንዳተዓጋገብና ከይንነብር ዓገብ ንበል።“
ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት
ኢዚ ኣብ ሃገርና : ኣብ ስልጣን ብሓይሊ ዘሎ ጉጂለ : ንሓደ ክፍለ ዘመን ዝቀራረብ ግዜ : ከም ኣራዊት ሰብ እንዳ በለዐ ዝመጸ እዩ።
“ህዝቢ ክቅየመና እዩ : ጥቅሚ ሃገርና ንርአ : መጻኢ ሓዲሽ ወለዶ ብትምህርትን ቁጠባን ነዉሕስ … ” ወዘተ : ኮታ ኩሉ እቲ : ንዝኾነ ሃገራዊ መንግስቲ ዘሻቅል ዛዕባታት : ፈጺሙ ኣብ ኣእምሮኦም የለን።
እቲ ዝጋገ ዘሎ : ካብ ከምዚ ዓይነት ናይ ህልቂት ጉጂለ : ንቡር ዝጽበ ዘሎ ሰብ እዩ።
ንሶም : ዓመት መጸ ዓመት ከደ : ንህዝቢ : ግዜ ንምኽሳብ : “ይጽናዕ ኣሎ : ይስራሓሉ ኣሎ .. ” ካብ ዝብል : ናይ ኣሽካዕላል ዘረባ ሓሊፎም : ኣብ ባይታ ገለ የለን። ክህሉ ዝጽበ ሰብ እንተሊዩ : እዚ’ሰብ’ሲ ኣበይ ይነብር ኣሎ !! ዘብል እዩ።
ንሕና ከም ህዝቢ : ገና ንለዉጢ ቁሩባት ኣይኮናን።
ኮምኡ ዘብለኒ ዘሎ : ገና ብልመና : ብነቀፈታ : ፍልልይ ኣብ ሐደ ስድራ ብዝመስል ኣገባብ እና ንቀርቦ ዘለና። እቲ ሓቂ ግን : እዚ ብደም ንጹሃት ኢዱ ዝተሓጽበ ጉጂለ : ብዘይካ ምቅታል : ምስዋር : ካልእ መደብ የቡሉን።
ክሳብ ንሕና ሓቢርና : ወጽዓና ባዕልና ንኣልዮ : ምትን ዕንወትን ኣብ ኤሪትራ ክቅጽል እዩ።
It is an ominous but stark conclusion by W.H.. folks which part of the above post is unclear, we have been skirting around the issue for far too long, we need to excise this cancer and bury it 6 feet under once and for all even if it cost us a limb or even our lives— that’s what is going to take, our current posture ain’t gonna do it >>> THERE IS NO SYMBIOTIC LIFE WITH YHIS KILLER.
“እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይባርኽ!”
እንታይ ኢሉ?
rezene – a good thought provoking idea. If the words used daily are much of hate then what and how would God bless the nation? This saying might be plagiarizing from leaders in North American, as a matter of fact to “pretend”. God would be wondering instead as to why we all hold two sermons every day. One to ask for blessing and the other cursing the others. It would not work in our daily life for it would place us in some sort of therapeutic medicinal care unit and certainly would not work with God. God might be wondering instead and scratching his head. Not sure, would He though on this matter?
God can’t even locate Eritrea on the world map let alone bless its people. If he (God) could, one asks why it has taken him 60 years and created a devil to slaughter the people as if they were chickens?
Let’s leave God to the side and solve our problems by looking to the future rather than digging old wounds. The notion of trying to address old atrocities committed by EPLF, ELF and PFDJ now does not help our cause to bring peace and prosperity to our homeland. Those who say otherwise are far from the truth.
Eritrea forever, death to dictatorship.
What I suspect is that God doesn’t know Tigrigna, neither does Amharic. A little bit of Arabic but that’s it.
Maybe we should start praying in one of those Scandinavian languages.
Thanks to hgdf, we have become one of the most ignorant & arrogant people on the face of this earth.
How else could one describe the enthusiasm of one hundred and one (101) liberation groups to dislodge a single self-appointed shining extraordinary dictator for sixty years!!!! Yes, 60 !!! Amazing. And it happens to Eritreans !!!!!!!wow, wow, wow.
Post Script:
Here is a piece of an extraordinary story of an Eritrean fighter of fourteen years old kid [yes, 14] on his first face to face meeting with the leader of the Liberation Front and eventually to become the Decider of Eritrean People’s LIFE.
The KID made an observation that will remain in the annnai of Eritrea history for ever. Here is the observation: After the meeting, the KID shared his opinion to his comrades: “ Quote: THIS FELLOW IS NOT SANE” Unquote Amazing!!! Amazing!!! Dear Readers, of course, you know the name of our hero. I mentioned it a few times.
The fourteen year old ‘psychiatrist’s observation, is NOT yet sink into our brains. Otherwise we would not have spent more than half of a century to realize the mental conditions of the self-appointed master over four million people. Not only that, we were also ready to fragment ourselves into pieces — WILLINGLY !!!!!!!
History will also remember the following FACTS: Eritrea has /had endless highly educated Eritreans, with doctor of philosophy degrees, from outstanding universities around the Globe and well known [with envy in various cases] in International Arena around the GLOBE. And yet, they are unable to help Mother Eritrea !!!
A first-year college drop out brought them down on their knees in front of him It was not a flash occurence. It was, in fact, a deliberate action with enthusiasm to be a servitude to a college drop out!!! They got a slap on the face — with disgust.
And so, that is our history; our lost Eritrea. There is no latch to hold to. If in doubt, please go ahead and face, eye to eye, the mighty self-appointed daring hero: Issayas Afewerki Abraha Miratch.
THE END
Quote “God might be wondering instead and scratching his head.” Unquote, Mike, 2 Oct 2021
I love it >>> “ God … scratching his head” Wow!
Now, where do we go from here
1st. In my mini-opinion, let us have a Committee of Eritreans representing all parts
of Eritrea. Note: The selection of the Committee must avoid, at any cost, from
being ‘elite’ (1) . This is absolutely essential. Otherwise,we might as well, keep
the present known self-appointed President.
2nd. The purpose of the Committee is to establish a Master Plan for the
establishment of Democratic Eritrea.
3rd. Needless to say, there will be nasty obstacle from the present dictatorial
government of Eritrea. The established Committee must be strong and
dedicated enough to challenge such obstacles.
4th. The Committee, fully aware of such obstacle, must forge ahead and complete
its assigned task.
5th The permanent Head Quarter of the Committee ( i.e. outside Eritrea, for the time
being) will be decided by the Committee.
6th It is also the responsibility of the Committee to elect its Chairman at its first
meeting; or at a later date as decided by the FIRST Meeting of the Committee.
7th . The longevity of the Committee depends upon the strength of Recommendation
(Plan) of the Committee. Once Eritrea is on firm ground, the civilized norms of
administration shall take over.
8th. Needless to say, the above is just a very rough sketch suggested by an
emotional person with limited knowledge and sincere wishful thinking.
9th What ever WE ERITREANS do for the liberation of Eritrea from inherent
dictatorial establishment, it is an absolute MUST that we follow the example of
the extraordinary achievement of the ERITREAN LIBERATION FORCE (2) during
the thirty-year war (1961-1991 )
10th Finally, let the current shocking murmur be warning to all Eritreans, wherever
they may be, that their darling Eritrea may be subjected to annexation by a
force of 2021 !!! Yes, to annex and obliterate our Eritrea, for ever— never to see
Eritrea again !!!!! It is a cut throat world.
If you don’t believe it, you will believe it when you loose your darling. It is as
simple as rolling your eyes and cry.
11th Warning: The name “ERITREA ” may also vanish into the atmosphere of the
new colonizer, though other names like “Asmara” etc etc etc may remain intact
until ………….please fill the gap at your own convenience and desire. By the
way, did you know that a famous retired proud General made a claim. with
confidence, that Assab belongs to his home country? ADIO, Eritrea !!!
12th Dear Eritreans: Is that the destiny of Eritrea? If YES, don’t blame the new
owners of Eritrea; if NO, when will be the date for the election of Members of
the Committee described above to return back our Eritrea that was liberated by
THE HEROS of ERITREA of the 1960’s ? YES, 1960, sixty-one years ago.
——————————
Footnote
(1) Definition: elite: “ a class or group of persons possessing wealth, power, prestige etc the ruling elite” Oxford Dictionary.
(2) Regardless of the most unfortunate and embarrassing war among ourselves in the middle of a war for liberation, one wishes to see it as human mishap — never to be repeated again — even though, that may be questionable because we have unique natural characteristic that hurts thyself. As the common saying goes: “WE CAN”T HELP IT.