Articles

ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ሕዱር ሕማሙ ክፍውስ ይግባእ፡ ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ

እቲ ልዕሊ 1 ቢልዮን ብዝሒ ህዝቢ ዘለዎን ን55 ሃገራት ዝጠርነፈን ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ብ25 ግንቦት 1963 ክምስረት እንከሎ፡ ባዕዳዊ መግዛእትን ዓሌትነትን ንምምካትን ከምኡ’ውን ንሃገራት ኣፍሪቃ ዘጋጥመን ናይ ሓባር ጸገማት ንምፍታሕን ዝዓለመ ኢዩ ነይሩ።  ብተወሳኺ መነባብሮ ህዝቢ ኣፍሪቃ ንምምሕያሽ፡ ኣብ መንጎ ኣባል ሃገራት ምትሕግጋዝን መሬታዊ ሓድነትን ልኡላውነትን ምሕላውን ካብ ቀንዲ ዕላማታት እቲ ሕብረት ኢዩ። እንተኾነ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣስታት 60 ዓመታት ዕድሚኡ፡ ካብቲ ዘመዝገቦ ዓወታት፡ ብውሽጣውን ግዳማውን ፖለቲካዊ፡ ቁጠባውን ጸጥታውን ቅልውላውን ግርጭታትን፡ ብልሹው ምሕደራን ግህሰት ሰብኣዊ መሰላትን ዝተሳቀዮን መጋበርያ ግዳማዊ ሓይልታት ዝኾኖን ይበዝሕ፡፡ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ መንቅብ ዘይብሎም ውዕላትን ኣዋጃትን መደባት ስራሕን’ኳ እንተለውዎ፡ ዝበዝሑ ካብኦም ብዘይካ ኣብ ወረቀትን ኣኼባታት ምልፍላፍን፡ ግብራውነት ስለዘይብሎም፡ ንጸገማት ኣህጉር ኣፍሪቃ ዝፈትሕን ናብ ጎደና ምዕባለ ዝምርሽን ዓወታትን ቁምነገራትን ኣየመዝገበን።   ዝበዝሓ ኣባል ሃገራት፡ በቶም ብሓይሎም ወይ ብህዝቢ ዝተመርጹ መራሕቲ ረገጽቲ ህዝቦም ክኾኑ፡ ሃብቲ ሃገር ክግብቱን ፖለቲካዊ ስልጣን ከም ናይ ውልቃዊ ርስቶም ንዓመታት ክብሕትዎን ልሙድ ተርእዮ ኮይኑ። ንኣብነት ኣብዚ እዋን’ዚ፡ ኣብ ኤርትራ፡ ጫድ፡ ሩዋንዳ ፡ ኡጋንዳ፡ ካሜሩን፡ ሪፓብሊክ ኮንጎ፡ ኢኳቶርያል ግኒ ዘለዉ መራሕቲ ኣፍሪቃ እንተተመልኪትና፡ ካብቶም ንነዊሕ ዓመታት፡ ንተቃወምቶም እናጨፍለቁ፡ ቅዋም ሃገራቶም እናግሃሱ፡ ሃብቲ ህዝቢ ኣብ ውልቃዊ ረብሐኦም እናኣውዓሉን ህዝቦም ኣደዳ ስደትን ጥሜትን ክኸውን እናቀሰቡን፡ ንምስሊ ኣፍሪቃ ዝደወኑ ዕሉላትን ጽሉኣትን ውልቀ መለኽቲ ኢዮም።  ጸገማትን ማሕንቆታትን ሕብረት ኣፍሪቃ ግን ኣብዚ ዝሕጸር ኣይኮነን። ዝበዝሓ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብ 50ታትን 60ታትን ካብ ኣጽፋር ባዕዳዊ መግዛእቲ ሓራ ወጺአን፡ ናይ ገዛእ ርእሰን ባንዴራ፡ ባጤራ፡ ሰራዊት፡ ዶባቱ ዝተኸለለ መሬትን ቋንቋን ይሃልወን እምበር ብቀጥታ ወይ ብተዘዋዋሪ፡ ብሓድጊ መግዛእቲ ዝተቆርና ኢየን። ዓቢ ስምን ህንጻን ዘለዎ ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ህዝቢ ኣፍሪቃ ብደቁን መራሕቱን ክጭፍለቅ እንከሎ፡ ብመሰረት ሕግታቱን ውዕላቱን ንህይወት ኣፍሪቃውያን ካብ መቅዘፍቲ ከድሕን ዓቅሚ ወይ ብቅዓት የብሉን። ንኣብነት ኣብ ርዋንዳን፡ ብሩንዲን፡ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማል፡ ሊብያ፡ ሰራልዮን፡ ላይበርያ፡ ዲሞክራስያዊት ኮንጎን ኣብ ካልኦትን ዓሰርተታት ኣሽሓት ኣፍሪቃውያን ካብ ቤት ንብረቶም ተመዛቢሎም፡ ህይወቶም ተቀዚፎም፡ ንብረቶም ዓንዩ፡ ብጥሜትን ሕማምን ተሳቅዮም፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም፡ ኣብ ኣብያተ ማእሰርቲ በልዮም። እቲ ኣብ ዋና ቤት ጽሕፈት ሕብረት ኣፍሪቃ ተደኩኑሉ ዘሎ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ሕዳር 2020 ብቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ንምጭፍላቅ ዝኣወጆ ኣጽናቲ ኩናት ድማ ናይ ቀረባ እዋን ካልእ  ንድኻም ሕብረት ኣፍሪቃ ዘቃልዐ ኣሕዛኒ ተርእዮ ኢዩ። ሕብረት ኣፍሪቃ ብልሙስ ቃላት፡ እቲ ኣዋጅ ኩናት ብሰላምን ብዘተን ክፍታሕን ኣብ ክልል ትግራይ ሰብኣዊ ረዲአት ክመሓላለፍ ዕድላት ክፍጠር ንኣቢዪ ኣሕመድ ተማሕጺኑ’ኳ እንተነበረ፡ ኣቢዪ ኣሕመድ ግን “ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይና ኢድኩም ኣይተእትዉ” ኢሉ ስለዝደረቀን ኩናት ስለዝመረጸን፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን፡ ኣብ ትግራይ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዝነበሩ ኣስታት 100 ሽሕ ኤርትራውያን ስደተኛታት መቅዘፍቲ ተፈጺሙ። ዛጊት እቲ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይን ኣብቲ ክልል ዘለዉ...

Read more

ኣፈርክቡ ንዝተወሃሃደ ሰላማዊ ሰልፊ – ንድሕነት ናይቶም ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት መንግስታት ኮይኖም ትግራይ ተዓቂቦም ዘለዉ ኤሪትራውያን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ንኤርትራ ዝግዕዙ ዘለዉ ኤርትራውያን ስደተኛታት

 ኣፈርክቡ ንዝተወሃሃደ ሰላማዊ ሰልፊ።  ኣብ ትሕቲ ጽላል ሕቡራት መንግስታት ኮይኖም ኣብ ትግራይ  ተዓቂቦም ዘለዉ  ኤሪትራውያን ስደተኛታት ብኣስገዳድ ንኤርትራ የግዕዝዎም ስለዘለዉ...

Read more
Page 7 of 17 1 6 7 8 17
  • Trending
  • Comments
  • Latest

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV – PayPal