Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ጨናፍር ጉጅለ ህግደፍ ክሓርር ሰራውሩ ክምሖ ኣለዎ

Atv Asena by Atv Asena
3rd January 2021
in Articles, Tigrinya
1
0
SHARES
180
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ጨናፍር ጉጅለ ህግደፍ ክሓርር ሰራውሩ ክምሖ ኣለዎ

እቲ ብኣቢዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ምስ ውልቀ መላኺ ኢሳይስ ተላፊኑ ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ንልዕሊ ወርሒ ህርፋን ስልጣን ንምርዋይ ዝተኻየደ ናይ ዓመጽን ዕንደራን ኩናት፡ መርገጺ ናይ ኣብ ወጻኢ ዘለና ኤርትራውያን ክመቃቀል ተዓዚብና። እቲ ኣዝዩ ዝሕፍርን ዘሕዝንን ድማ፡ ኤርትራውያን ካብቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኻየደ ናይ መን ዓብለለ ኩናትን ጭፍለቃን ዝዓቢ ውሽጣዊ ጸገማትን ጉዳያትን እንከለና፡ ቀዳምነታትና ጎሲና፡ ምሉእ ኣቃልቦና ኣብዘይውራይና ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ክንዘላለፍን ክንካታዕን ተራኢና። ምፍልላይና፡ ብቀጥታ ይኹን ብተዘዋዋሪ መንገዲ፡ ኣብቲ ጉጅለ ህግደፍ ዝደልዮ ህውተታ ጥሒልና። ገለ’ውን ምስ ምትሓዝ ዋና ከተማ ትግራይ መቀለ ብሰራዊት ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ርእስና ኣድኒና ሕልናና ኣዕሪብና፡፡ ብኣንጻሩ ደገፍቲ ጉጅለ ህግደፍ ኢና ዝብሉ ሰባት ኣብ ጎደናታት ወጺኦም ዘሊሎም፡ ኤርትራ ዳግማይ ናጻ ወጺኣ” ኢሎም ዓሊሎም።

  ኣብ ውሽጢ ደለይቲ ፍትሒ ወይ ንጉጅለ ህግደፍ ንቃወም ኢና ዝብሉ ንባዕሉ፡ “ኤርትራውያን፡ ምስ ትግራይ ጠፋእና ምስ ትግራይ ለማዕና፡ ሓውናን ጎረቤትናን ህዝቢ ትግራይ እናተቐጥቀጠ ተዓዘብቲ ክንከውን የብልናን” ዝብል መርገጺ በቲ ሓደ፡ “መራሕቲ ወያነ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዝፈጸምዎ በደል ስለዘሎን ከም ናይ ቃልሲ መሓዙት ክንኣምኖም ስለዘይንኽእልን፡ ኣብ ውሽጣዊ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኢድና ከነእቱ የብልናን” ዝብል መርገጺ ድማ በቲ ካልእ ጎሊሑ ተራእዩ።

ብዘይካ’ዚ እቲ ኣብ መሬቱ ኮይኑ ንመሰሉ ዝከላኸል ዘሎ ህዝቢ ክልል ትግራይ ቃልሱ ፍትሓዊ ስለዝኾነ፡ ሕሉፍ ተግባራት መራሕቲ ወያነ ብዘየገድስ “ንስለ ሓቂ ፍትሒ ጠጠው ክንብልን እቲ ፍልልያት ብሰላም ክፍታሕን ድምጽና ምስማዕ ሞራላዊ ሓላፍነት ኣለና” ዝብል መትከል ዘለዎም ኤርትራውያን’ውን ኣይተሳእኑን። ካልኦት እውን፡ ሽርክነትን ዘመተን ጉጅለ ህግደፍን ሰልፊ ብልጽግናን ኣብ ክልል ትግራይ ከይተሓጽረ፡ ንዕድመ ስልጣን መላኺ ኢሳያስ ዘናውሕ፡ ስቃይና ዘብእስ፡ ንልኡላውነትናን መንነትናን ኣሕሊፉ ዝህብን ስለዝኾነ፡ “ጉጅለ ህግደፍ ክስዓር ዝከኣለና ኣበርክቶ ንግበር” ይብሉ።

 ካብ ኤርትራ ወጻኢ ኣብ ስደት እንቅመጥ ኤርትራውያን፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓሳብና ብናጻ ክንገልጽ ዕድልን መሰልን ስለዘለና፡ ስለምንታይ ኣብ ሓደ ጉዳይ ዝተፈላለየ መርገጺ ወሲድና ወይ ኣብ ምትፍናን ኣቲና ክንብል ኣይንኽእልን ኢና። የግዳስ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ስደት ዘስፍረና፡ መንእሰያትና ዝቀዝፍ፡ መንነትና ዝሓክኽ፡ ንሕማምን ድኽነትን ዘቃልዓና ዝምቁሓናን ሃብትና ዝራስየናን ዘሎ መን’ዩ ኢልና ንነብስና ክንሓታ ይግባእ። ጸገማትና፡ ልኡላውነትናን ዝሕሎን ኣብ ሃገርና ኮሪዕና ክንቅመጥን ብቀዳምነት መንዳዓት ህዝብና ኮይኑ ዘሎ ጉጅለ ህግደፍ ድዩ፡ መራሕቲ ወያነ ወይ መንግስቲ ኣመሪካ ድዮም ኢልና ብጽሞና ሓሲብና ንፈልጥ ዲና? ስለምንታይ ኢና ኣብ ጓል መንግዲ ኮለል ንብልን? ስለምንታይ ኢና ሎሚ ከይሓዝና ብዛዕባ ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ ብዙሕ ግዜ ነጥፍእ? 

 እቶም ወትሩ ንክውንነት ከምዘለዎ ምቅባልን ምምዛንን ጸገም ዘለዎምን መጉልሒ ድምጺ ጉጅለ ህግደፍ ዝኾኑን ብኣፎም ዝያዳ ተሓለቅቲ ወይ ሃገራውያን ዝመስሎም ደገፍቲ ህግደፍ ድማ፡ “ወያነ፡ ድምጾም ድምጽማጾም ክጠፍኡን ክስዓሩን ኣለዎም” ኢሎም ደቢሎም። እቶም ብፍላጥ ወይ ብግርህና፡ ህግደፍ ወይ ሞት ዝብሉ ዘለዉ ኤርትራውያን፡ ነቶም ብውልቀ መላኺ ኢሳያስ ተገዲዶምን ተታሊሎምን ኣብ ኩናት ክልል ትግራይ ኣብ ባርዕ ህይወቶም ዝጠፍኡን ዝስንክሉን ዘለዉ መንእሰያትና ሓልዮት ኣየርኣዩን። ምእንቲ ፍትሒ ጠጠው ኣይበሉን ንህልቂት ኤርትራውያን ግን ተመንዮም። ብዓቢኡ፡ ድሕሪ ምዝዛም ኩናት ክልል ትግራይ ተጻዊዱልና ዘሎ ተንኮል ኢሳያስን ኣቢን ኣይተሰቆሮምን።

ብቀንዱ ግን ናይ ኩሉ ስቃይን ህዝቢ ኤርትራ ጉጅለ ህግደፍ እንከሎ፡ ንሕና ክንፍጽሞ ዝግብኣና ዕዮ ገዛ ከይወዳእና፡ ጉዳይና ምስ ዓወት ኣቢ ኣሕመድን ወይ ምጭፍጫፍ ህዝቢ ትግራይን ብምትእስሳር፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ለይትን መዓልትን ብቃላት ምዝልላፍን መንደራጋሕ ደናጉላ ምድርባይን ኣዝዩ ዘሕዝንን ዘነውርን’ዩ። ከምቲ ሓባኢ ቑስሉ ሓባኢ ፈውሱ ዝብሃል፡ ድኻማትና ተገንዚብና መፍትሒ ባዕልና ከነናዲ እምበር ናትና ሕብረትን ቀዳምነትን ከየረጋገጽና ምስ ጎዶቦና ክንመሓዞን ቃንቃለስን ምሕሳብና ምስሉይነትን ኣምሰሉን ኢዩ።

ኤርትራውያን ሓደ ካብ ቀንዲ ጸገማትና፡ ኣብ ክንዲ ንጉዳያት ኣብ ግዚኡ ብንቅሓትን ብግብራዊ ስጉምትን ክንምክቶም ንፍትን፡ ድሕሪ ማይ ናብ በዓቲ፡ ኣብ ግብረ መልሲ ኢና ዋጭዋጭ ንብል። ሰራዊት ኤርትራ ምስ ሰራዊት ኣቢ ኣሕመድ ብሓባር ኣብ ክልል ትግራይ ይሳተፍ ኣሎ ካብ ምባል ሰጊርና፡ ንሰራዊት ኤርትራ “ዕሱብ ንበሎ ውድቀት ንመነየሉ፡ ኣይፋል ሰራዊት ኤርትራ ተደናዲሩን ተገደዱን ኣብ ኩናት ስለዝኣትወ ንደንግጸሉ ህደም ንበሎ” ኣብ ዝብሉ ፍኑዋት ክትዓት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ግዜና ኣጥፊእና። ይኹን እምበር መላኺ ኢሳያስ ኣብ ሓምለ 2018 ምስ ኣቢ ኣሕመድ ኣብ ዘካየዶ ግሁድን ስዉርን ርክባት፡ ድሌታቱን መደባቱን እንታይ ምዃኑ ብንጹር ሓቢሩና እንከሎ፡ ድሕሪ 2 ዓመት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ መሬት ኤርትራ ኣትዩ ንትግራይ ብድሕሪት ሃሪሙ ኢልና ኣእዊና። እንተኾነ ንጉጅለ ህግደፍ ኣብ ዝሕምሞ ስለዘይሃረምናዮ፡ ብመደረታትና ሕልምታቱ ጠጠው ከነብሎ ኣይክኣልናን። እዚ ኣብ ሓደ ጉዳይ ንሓድሕዱ ብዝጋጮ መርገጺታት ምፍልላይናን ምስኮነ ላዕሊ ታሕቲ ምባልን ድማ፡ ቅልውላው መሪሕነትን ኣጉል ፖለቲካዊ ንቅሓትን ሒቕታን ከምዘለና ዘንጸባርቕ ኢዩ።

ብርግጽ ኤርትራ ብሩህ መጻኢ፡ ሃገር ክመርሕን ክቅልስን ዝኽእል ዝተበታተነን ዝተደቑሰን ዓቅሚ ሰብ ኣለዋ። ይኹን እምበር ጥርናፈ ስለዝበኾረን ማዕረ’ቲ ጉጅለ ህግደፍ ንምጥፋእናን ንምዝራግናን ዘካይዶ ዘሎ ኩሉ መዳያዊ ተጻብኦ፡ ኣወዳድባን ኣገባብ ቃልስን ኤርትራውያን ተመጣጣኒ ስለዘይኮነ፡ ደለይቲ ፍትሒ ነዊሕ ተጓዒዝና ኣብ መወዳእታ ቦላታ ዓወት ከየመዝገብና ንተርፍ ወይ ንቑጸ። ትብዓትን ተወፋይነትን ስለዘየለ፡ ንጅምር ወይ ንዛረብ ኣብ ምዕራፉ ግን ኣይነብጽሖን፡፡ ኤርትራውያን፡ ሞት፡ ማእሰርቲ፡ ስደት፡ ጥሜትን ስቅታን ለሚድናዮ።

“ክንቡርኩት ዘይክንቡርክት ኣብ ማይ ዘለዎ ንብጻሕ” ከምዝብሃል፡ ኣብ ኤርትራ እንታይ ዓይነት ስርዓት ክንተክል ንደሊ፡ ምስ መን ሃገር ንዛመድን ንተሓጋገዝን፡ ሕቶ መሬት፡ ቅዋም፡ ቋንቋን ብዙሕነትን ዝኣመሰሉ መሰረታውያን ጉዳያት ንምውሳንን ቅርጺ ንምትሓዝን፡ ብመጀመርታ እዚ ኣብ መንገዲ ኮይኑ ዝዕንቅፈና፡ ከይንስጉም ዝሓልከና፡ ምስ ከባቢና ዘናቑተናን ዝዘርገናን ዘሎ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ ካብ እንግድዓ ህዝቢ ኤርትራ ክወርድ ኣለዎ። ቀዳምነት ኤርትራውያን ደለይቲ ፍትሒ፡ ጉጅለ ህግደፍ ብዘይውዓል ሕደር ስልጣን ንህዝቢ ኤርትራ ከረክብ፡ ኣብ ኤርትራ ሰብኣዊ መሰል ክኽበርን ልዕልና ሕጊ ክረጋገጽን ዝጠልብ ክከውን ይግባእ።

ውልቀመላኺ ኢሳያስን ኣጫፈርቱን፡ ሕልምታት ኣቢዪ ኣሕመድ ንምትግባር፡ ንዜጋታትና ኣብ መሬት ትግራይ ከምዝቅዘፉ ገይሩዎምን ብህዝቢ ትግራይ ከም ዕሱባትን ወረርትን ኣጽሊእዎም። ሕጂ ድማ መሳኪን ኤርትራውያን መንእሰያት ኣብ ካልኦት ክልላት ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘሎ ዘይምርግጋእን ወጥርን መዝሓል ጥይት ከምዝኾኑ ዘማትእ ኣይኮነን፡፡ ስድራቤታት ኤርትራ ድሃይ’ቶም ብመካይን ተጻዒኖም ናብ ክልል ትግራይ ዝተወስዱ ደቀን ስለዝጠፍአ፡ ከብደን ሓቁፈን ብንብዓትን ጭንቀትን ይነብራ ኣለዋ። ህዝቢ ትግራይስ ኣብ መሬቱን ኣንጻር ጎበጣ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ኣምሓራን ንመሰሉ ኣብ መሬቱ ይስዋእን ይዋጋእን ኣሎ። ንሕና ኤርትራውያን’ከ ኣብ ምንቲ ምንታይ ኢና ኣብዘይ መሬትና ስልጣን መላኺ ኢሳያስን ኣቢዪ ኣሕመድን ንምዕቃብ ዕሸላት ደቕናን ኣሕዋትናን ንግብር ዘለና?

 መላኺ ኢሳያስን ሒደት ኣእዳዎም ብደም ዝተሓጽቡን፡ ህዝቢ ኤርትራ ፈንፊንዎም ከምዘሎ ይፈልጡ ኢዮም። መላኺ ኢሳያስን ሰዓብቱን፡ ጠላማትን ብዛዕባ ህዝቢ ኤርትራ ቅንጣብ ሓልዮት ስለዘይብሎም፡ ደጊም ብዕጡቋታ ኢትዮጵያውያን ክሕለዉ እምበር፡ ንኤርትራውያን ኣይኣምንዎምን ኢዮም። እንተኾነ ኤርትራውያን፡ መንነትናን ልኡላውነትናን ንምዕቃብን ኤርትራ ኣብ ካርታ ዓለም ከም ናጻ ሃገር ክትቅጽልን፡ ኤርትራውያን እቲ ብስም ክልተኣዊ ሽርክነትን ምትሕግጋዝን ኤርትራ ብቁጠባ ኣዳኺምካ መንእሰያታ በታቲንካን ሕልምታት ናይ ኢሳያስን ኣቢዪ ኣሕመድን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ንምትግባር ዝካየድ ዘሎ ላዕሊ ታሕቲ ከይተፈጸመ፡ ኤርትራውያን ብህጹጽን ብተግባርን ጠጠው ከነብሎ ይግባእ፡፡ ኤርትራውያን ኣብ ዓለም ክንሕፈርን ክንከብርን እንተኾይና፡ መጀመርታ ንሕና ክንሓብርን ቀዳማይ ጸላኢናን ዕማምናን ክንፈልጥ ኣለና። እቲ ብመላኺ ኢሳያስ ተመንጢሉን ተገቢቱን ዘሎ መሰልናን ክብርናን ክንውንኖ ወሰንቲ ጉዳይና ክንከውን ኣለና። ጨናፍር ጉጅለ ህግደፍ ብዘየዳግም ክሓርር እንተኾይኑ ድማ ግድነት ሰራውሩ ክምሖን ኣለዎ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 25 ታሕሳስ 2020

Previous Post

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ 2021 ዓመተ ምህረት፡ ነዞም ክልተ ኮረና እትስውር፡ ርሕስቲ ሓዳስ ዓመት ንግበራ!! – Amanuel Eyasu

Next Post

ኣብ ትግራይ እዉጅ ኩናት፡ ኣብ ኤርትራ ሕቡእ ኩናት ህይወት ሰብ ይሃልቕ

Next Post
The inevitable birth of a new nation – Tigray

ኣብ ትግራይ እዉጅ ኩናት፡ ኣብ ኤርትራ ሕቡእ ኩናት ህይወት ሰብ ይሃልቕ

0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
rezen
rezen
23 days ago

“ጨናፍር ጉጅለ ህግደፍ ክሓርር ሰራውሩ ክምሖ ኣለዎ”

መን እሞ ክምሕዎ? እሱ እዩ እቲ ሕቶ ።

ኤሪትራዉያን ኣብ 80 – 90 ጉጅለታት ተመቓቒልና ኣለና ንሓደ ዓላማ!!! መስተንክር 
ንገብሮ ንፈልጥ ኢና ካይንብል መስሓቕ ዓለም ካይንኸውን ፈራሕና 
ድሕሪኡ ድኣሞ እንታይ ተረፈና? 

ንሑቡራት መንግስታት ጥርዓን እዩ ተሪፉና ካይንብል አሱውን ብዓሰርተ ሽሕ ዝኸዉን ጥርዓን ፈቲናዮ ኢና ::

እሞ አንታይ ድኣ ተረፈና በብማዓልቲ ካብ ምሕንጣጥ >>> ከምዚ ኣነ ዝገብሮ ዘለኹ ???

ወይ ኤርትራ፦ ዓለም ከምዘየዛረበት ኣብ ሰላሳ ዓመት ተጋድሎ ሓርነት :: ኣየ ውርደት!!! 
እንታይ እዩ በደልና??? ካይፈለጥናዮ: ንኣባ ጅጎ ኣቐይምናዮዶ ??? 
እንታይሞ ድኣ ክንብል???  

ኣባና እዩ ዘሎ ካይንብል ደፊርና ኣብትንታነ ኣቲና ; 
አታ ሓቃ አንተወጸት ባዕልና ንባዕልና ካይንጽይቖ ፈራሕና::
እንታይ ጸይቂ ኣታ ካይትብሉኒ ብኽብረትኩም: መልሓሰይ ልጉምቲ እያ ። 
ምሕንጣጠይውን ከምኡ፣ ርሑስ ሓዲሽ ዓመት ይግበረልና ኣብዘለና ኣሊና ።

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

23rd June 2020

ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢትዮፕያና – ልኡላውነት ኤርትራ ሰዊእካ ዝሕሰብ ዘሎ ዞባዊ ውጥን – ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን – 1ይ ክፋል

8th August 2020
ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

35
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ESTABLISHMENT OF AN ALTERNATIVE ERITREAN GOVERNMENT IN EXILE*

30
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ERITREA: WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP! By Michael H. Kiflezghi

30
Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

24
Press Release: Eritrea Focus v United Kingdom: Eritrean Road Project Legal Challenge

Press Release: Eritrea Focus v United Kingdom: Eritrean Road Project Legal Challenge

24th January 2021
James Duddridge UK MP & Minister for Africa, responds to Eritrea Focus Chairman’s letter Re continuing violence in Tigray & the risks to civilian lives & Eritrean refugees in refugee camps.

James Duddridge UK MP & Minister for Africa, responds to Eritrea Focus Chairman’s letter Re continuing violence in Tigray & the risks to civilian lives & Eritrean refugees in refugee camps.

19th January 2021
Report: Images show latest ‘attack’ on Ethiopia refugee camp

Report: Images show latest ‘attack’ on Ethiopia refugee camp

17th January 2021
ክቡር ህዝቢ ኤረትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ – ኣበባ ተስፋጊርጊስ

ክቡር ህዝቢ ኤረትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ – ኣበባ ተስፋጊርጊስ

16th January 2021

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply