Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ግንባር ዳያስፖራ

Atv Asena by Atv Asena
19th November 2020
in Articles, Tigrinya
10
0
SHARES
894
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ግንባር ዳያስፖራ

ብመጀመርያ ኣብ’ዚ ኣሰካፊ እዋን ናይ ሕማም ኮቪድ-19 ስለ እንርከብ፡ ምሉእ ጥዕናኹም ተሓልዩ ብደሓን ክትህልዉ ዘሎኒ  ድሌት እገልጽ። ኣብ’ዚ ዓለም ብለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ትናወጸሉ ዘላ ሕሱም እዋን፡ ነዚ ሕማም ንምክልኻል ዝግበር ምውሻብን ናይ ኣካላዊ ርሕቀትን፡ ኣብ ልዕለና ዘኸትሎ ቊጠባዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ጸቕጢ ኣዚዩ ከቢድ ምዃኑ ኩልና ንርእዮ ዘሎና’ዩ። እዚ ከይኣኽለና ድማ ኣብ ርእሲ’ላታ ተወሰኸታ ኰይኑ፡ መራሕቲ ህግደፍ ሕጂ’ውን ንህዝብና ኣብ ዘይምልከቶ ኲናት ሕድሕድ ኢትዮጵያ  ኣሰሊፎም ንቀጻሊ ስቓይን መከራን መቑሰልቲን መስዋቲን ፈሪዶሞ’ለዉ። እቲ ዝቐደመ ኣካላዊን ስነ-ኣእምሮኣዊን ቁስሊታት ከይሓወየ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ሰንሰለታዊ ውግእ እንዳወለዐ ዝዀነ ሕብረተሰብ ክጻወሮ ዘይክል ዝተደራረበ ዓመጽ ዘውርድ ስርዓት ህግደፍ ክንንዕቆን ክንፍንፍኖን፡ ኲናት ይኣክል ንብለሉን እዋን ሕጂ’ዩ። እዚ ንህዝብና ዘሰምበደን ዘሕዝንን ብሰለሰት ኣርባዕተ ግንባራንት ዝተኸፍተ ኲናት፡ ይቕረ ዘይበሃሎ ገበን ኣብ ልዕሊ ሃገርና እንዳተፈጸመ፡ ኣብ ክንዲ ብሓደ ድምጺ ንቃወም፡ ግንባር ዳያስፖራ ከፊትና ብማሕበራዊ መራኺቢታት ናይ ሳይበር ውግእ ከነካይድ ዘገርም’ዩ።

ኣብ ከም’ዚ ኲነታት ኩልና ኩሉ ጊዜ ሰሚርና፡ ኣንጻር’ቲ ዘይናትና ኲናት ደው ክንዲ ንብል፡ ኣብ ዘይውራይና ደጋፊን ተቓዋሚን ኰንና፡ ኣብ ዶባት ሃገርና ዘሎ ግንባራት ጸሮና፡ ዛላ’ምበሳ፡ ሰንዓፈ ወዘተ ከይኣኽለና፡ ኣብ ስደት ተወሳኺ ግንባር ዳያስፖራ ወሊዕና፡ ናይ ጸርፊን ምፍልላይን ተወንጨፍቲ እንዳሰደድና፡ ኣብ ናይ ሓድሕድ ሳይበር ውግእ ኣቲና ኣሎና። ብህሉው ኩነታት ኣመኽኒኻ ዝካየድ ዘሎ ናይ ስሉስ-ኩርናዕ ማለት ኣውራጃዊ፡ ሃይማኖታዊ፡ ደጋፊን-ተቓዋሚ ዝብል ፈላላዪ ርእቶታት፡ ካብ ክቡር ባህልናን ስነ-ምግባርናን ዝረሓቐ መደባት ክቐርብ ክንርኢን ክንሰምዕን ሕጅስ በዚሑ ዘብል’ዩ። ሓንሳብ’ውን እዞም ምስ ዓማጺ ስርዓት ጸግዒ ሒዞም፡ ናይ ጐረቤት ሃገር ህዝቢ ይጽነት ዝብሉን፡ ስንክልናን መስዋእቲን ህዝብና ዘይስቈሮም፡ ብሓቂ ናትና ድዮም ኢልካ ክትጠራጠር የገድደካ። እቲ መሾምበባ ጸርፍን፡ ዝጥቀምሉ ነውራም ቃላትን ንህዝብና ዘሕዝንን፡ ኣብ ርእሲ’ቲ ዘለዎ ተደጋጋሚ ደግሲ ኲናት፡ ካልእ ተወሳኺ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ዝፈጥረሉ ኢዩ። ከም ሳዕቤን ናይ’ዚ ስነ-ኣእምሮኣዊ ጸቕጢ ድማ ምስ ቀጻሊ መቑሰልቲን መስዋእቲን ተደማሚሩ፡ ሓፈሻዊ ጥዕና ሕብረተሰብና’ውን ስለ ዝህሰ ዝደኸመን ዝማሰየን ህዝቢ ከይንኸውን ሓቢርና ክንዛተየሉን መፍትሒ ከነናድየሉን ሓላፍነትና’ዩ። እቶም ሰማዕቲ ብወገንና፡ንመደባት ናይዞም ጽዩፍ ቃላት ዝነዝሑ ሰባት ዓገብ ክንብልን ክንነጽጎን ደኣ’ምበር ርእይቶታት እንዳቕረብና ክነምበድብዶን ኦክሲጀን ክንህቦም ኣይግባእን።   

ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ዓገብ ዝብል ቀላሲ ወይ ሳንሱር ዘይብሉ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ኣብ ክንዲ ኣብ ሕብረተሰብና  ምርድዳእን፡ ማሕበራዊ ደገፍን ሕውየትን ንምምጻእ ንዛተየሉ፡ ኣንፈቱ ስሒቱ ናይ ዳያስፖራ ዓውደ-ውግእን ኰይኑ ይርከብ። እዚ ክብል ከሎኹ ግን ነቶም ለባማታን መሃሪ መደባት ዘቕርቡን፡ ዝግበኦም ክብርን ምስጋናን ኣብ ቦትኡ ምህላዉ ከዘኻኽር እፎቱ። ብምቕጻል ነዚ ወሪዱና ዘሎ ዘይተጸበናዮን ዘይምልከተናን ውግእ ዘምጸኦ ሻቕሎትን ጭንቀጥን፡ ምስ ኮቪድ-19 ዘኸተሎ ቅልውላው ተደሚሩ ኣብ ልዕለና ዘውርዶ ከቢድ ኣካላዊን ኣእምሮኣዊን ጸገማት ንክንገጥሞ ብምትሕልላይ፡ ኣጆኻ-ኣጆኺ እንዳተበሃሃልና ናብ ጽቡቕና ከነውዕሎ እላቦ። ስለ’ዚ ደገፍቲን-ተቓወምቲን ኰንካ ዝቀርብ ዘሎ ኣዕናዊን ፈላላዪን መደባት፡ ኣብ ሞንጎ ኣሕዋት ይካየድ ምህላዉ ነስተውዕል፡ ደው ድማ ነብሎ። ኣቱም ሰባት ወትሩ ከም ተጻረርቲ ንዀነሉ ምኽንያት እንታይ’ዩ ጸገምና?  በጃኹም እቶም ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ትነጥፉ ለባማት፡ ነቶም ናቶም ርእይቶ ጥራይ ቅኑዕ መስሊዎም ዝተራእዮም ዝጽሕፉ፡ ቀጻሊ ነቐፌታን ምኽርን ብምሃብ ኣብ ህዝብና ምክብባርን ስኒትን ክህሉ እጃምኩም ኣበርክቱ። ብነብሰ-ዝርርብን ነብስኻ ምፍላጥን፡ ንመጻኢ ብተጻዋርነትን፡ ሕድገትን፡ ስኒትን ክንጐዓዝ ቃል ኣቲና፡ ብእሩም ኣቀራርባ ንማሕበራዊ መራኺቢታት ንረብሓና ነውዕሎ። ማሕበራዊ መራኸቢታት ብሕጊ ኰነ ብሞራላዊ ስነ-ስርዓት ዘይቅየድ’ኳ እንተዀነ፡ ኣሰር እቶም ሕጊን  ስርዓትን ክብሪታትን ዘውረሱና ኣቦታትና ተኸቲልና፡ካብ ኣጸያፊ ናይ ቃላት ውግእ ናብ ሰላምን ሕውየትን ክንሰጋገር ይግባእ።

ህዝብና ብቀጻሊ ኲናትን፡ ስደትን፡ ድኽነትን፡ ሕማምን፡ ስእነትን፡ ካልእ ሕሰምን ኣብ ዝሳቐየሉ ዘሎ እዋን፥ ዘመናዊ ናይ ኢንተርነት ኩናት ሓድ-ሕድ ወሊዕካ፡ ብዘይ ጥይትን ቦምባን ኣብ ግንባር ዳያስፖራ ናይ ምጽራፍን ምፍልላይን ጐስጓስ ይኣክል ደው ይበል። እምበኣር ኣነ ኣይንጻረፍ፡ ንከባበር፡ ንሳነ እንዳበልኩ፡ ዕላማይ ክጻረፍ ወይ ክራገም ኣይኰነን። እቲ ንሰምዖን ንርእዮን ደምካ ዘፍልሕን፡ ሕማቕ መልሲ ንክትህብ ዝደፋፍእን’ኳ እንተዀነ፡ ካብ’ዚ ተቘጢበ፡ ኣባታዊን ሕውነትዊን ምኽሪ ከቕርብ’የ። ነዚ ውግእ-ወረ ውግእ ዘስዓቦ ጽንኩር እዋን ብኸመይ ንረብሓ ሃገርናን ህዝቢናን ከነውዕሎ ንኽእል? እዚ ውግእ’ዚ ንህላወ ሃገርና ብከመይ ክጸልዎ’ዩ? ከመይ ኢና ንኸውን ዘሎና? ኣብ ዝብል ነብሰ-ዝርርብ ተመርኩሰ ብዓል ሕሙሽተ ነጥቢ እዋናዊ ጻውዒተይ አቕርብ፥

1. ኣብዘይ መንጠቢትክን፡ ኣይተእትዋ ኢድክን – ጉዳይካን ጉዳይ ጐረቤትካን ፈላሊኻ ረኣዮ፡ እንተክኢልካ ዓራቒ መርገጽ ሓዝ፡ ብዝተረፈ ጸግዒን ሻራን ዓማጺ ስርዓት ኰንካ፡ ነቲ ዘይጉዳይካ ብመሽረፈት ኣይተምበድብድ። መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ህዝቡ ኲናት ምእዋጁ ከተጣቕዕ ዝደፋፍኣካ እንታይ’ዩ? እቲ መንግስተይ ትብሎ ስርዓት ህግደፍ ምስ ፈደራል መንግስቲ ወጊኑ መንእሰያትና ኣብ ናይ ስገረ-ዶብ ኲናት ክጥብሶምከ እንታይ ዕላማ ንምውቃዕ’ዩ? ህግደፍ ከምቶም ቅድሚኡ ዝሓለፉ ክሓልፍ’ዩ፡ ሃገርን ህዝብን ግን ነበርቲ ኢና፡ ስለ’ዚ ምስ መናብርቲ’ኻ ምዃን ምረጽ።

2. ግንባር ዳያስፖራ፡ ንዓና ክሳራ – ኣብ ዶብና ተኸፊቱ ዘሎ ግንባራት ዘውርዶ መስዋእቲን ህልቂትን እንዳሕዘነና፡ ኣብ ደገ ዝነብር ህዝብና ድማ ግንባር ዳያስፖራ ወሊዑ፡ ናይ ሳይበር ውግእ ምሕንጻጹ ዕብዳን ጥራይ’ዩ ዝበሃል። ናይ ዓማጺ ስርዓት መሳርሒ ብምዃን ናብ ህዝብኻ ፈላላዪ ተወንጨፍቲ ቃላት ምውርዋር ምልክት ድኹም ኣተሓሳስባ’ዩ፡ግደፎ። ምስ ጓና ወጊንካ ንሓውኻ ኣይትበድል፡ ከም ማይን ሑጻን መናብርቲ ምዃንና ዘክር፡ እዚ ኩሉ ዕብዳን ምስ ሓለፈ ክንከስብ ዲና ወይስ ክንከስር? ኢልካ ኣመዛዚንካ ንሕልናኻ ተማእዘዝ  ።

3. ደጋፊን-ተቓዋሚን፡ ንህዝብና ዘማስን – ኣብ ጉዳይ ጓኖት ኣቲኻ ጸግዒ ምሓዝ ይትረፍካ፡ ሃገርካ ክትድፈር ከላ ክትለዓል ንቡር’ዩ፡ ከም ንህቢ ስሙራት ኰንና መዓር ከነፍሪ እጃምካ ኣበርክት። ከም ሃመማ ፋሕ ኢልና ኣብ ጐሓፍ ከይንነብር ንጠንቀቕ። ሓንጐልካ ኣስፍሕ፡ ምፍልላይ ናይ ጸቢብ ኣፍልጦን ጸቢብ ኣተሓሳስባን ምልክት ኢዩ’ሞ ካብ’ዚ ተቖጠብ። ንካልኦት ዘስተናዕቕ ናይ ደጋፊን-ተቓዋሚን ስነሓሳብ ምልክት ናይ ሓደ ጭኑቕን ዘይቅሱንን ሂወት ጥራይ ዘይኰነ፡ ንስነ-ኣእሙራዊ ጥዕና’ውን ሃሳዪ ኢዩ’ሞ ኔው በሎ።

4. ትርጉም-ኣልቦ ኲናት፡ ህዝቢ ንምጽናት–  ኣብ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመት ድሕሪ ናጽነት፡ ኣብ ክንዲ ሰላምን ቅሳነትን ሕውየትን፡ ሃገርና ኣብ ሸውዓተ ጻሕታሪ ኲናት ምእታዋ ዘስዓቦ ሰብኣዊን ቊጠባዊን ዕንወት፡ ንሱ ዘስዓቦ ስደትን ጽንተትን ብቀሊሉ ዘይሓዊ በሰላ ከም ዝገደፈ ንረዳእ። ሕጂኸ! ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ንረብሓ መን’ዩ ኢልካ ሕሰብ። ሕጂኸ ጓል መን፡ ወዲ መን’ዩ ክስንክልን ክስዋእን? ንምንታይ ዕላማ ኢዩኸ? ካብቶ ዝሓለፉ ውግኣት ዝረኸብናዮ ረብሓ ከም ዘየልቦ ተረዲእካ፡ ይኣክል ንኲናት በል! ካብ ውግእን-ወረውግእን፡ ቂምን በቀልን ወጺእካ  ሕድገት ግበር፡ ኣብ ዝሓለፈ ኣይትንበር። እኽሊ ብማይ ደኣም’በር ብነጐዳ  ከም ዘይበቊል ዘክር።

5. ሓቂ ተዓጠቕ ፡ ምስ ኣሕዋትካ ተዓረቕ – ብድሕሪ መራኸቢ ብዙሓን ተሓቢእካ ንካሎት ምጽላም፡ ምጽራፍ፡ ፈላላዪ ቃላት ምውንጫፍ ይኣክል። ሓቂ ተዓጢቕካ፡ ምፍልላይ ስይጣናዊ ተግባር ምዃኑ ተረዲእካ፡ ሃገርካ ንምህናጽ ምስ ኣሕዋትካ ንቅድሚት ተጓዓዝ። ምስ ዓማጺ ስርዓት ተጸጊዕካ፡ ምስ ኣሕዋትካ ተሃላሊኽካ፡ ናይ ኣእምሮ ምንዋጽ ጥራይ’ዩ ዝጽበየካ። ሓቂ ዓይና ኣፍጢጣ ትጥምተካ’ላ፡ ኣዒንትኻን ኣእምሮኻን ከፊትካ ተቐበላ። ጸሓይና ምስ በረቐት፡ መሬት ምስ ወግሐ ናይ ምብድዳል እዋን ኣብቂዑ፡ ንሕተተሉን ንህዝብና ይቕረታ ንሓተሉን እዋን ከም ዝመጽእ ኣይትረስዕ። ሓቂ ሒዝካ፡ ዝሓሸ ጐደና መሪጽካ ምስ ህዝብኻ ደው በል። ንኩሉ ግንባራት እንኰላይ ግንባር ዳያስፖራ፡ ናብ ናይ ታሪኽ መዛግብቲ ንጒሓፎም። እዚ’ዩ ከኣ ዓዲ ዘጋብር፡ ሃገር ዘናብር። ብከም’ዚ ድማ ጽባሕና ካብ ሎሚ ክሓይሽ’ዩ።

ኣብ መጨረሻ፡ ብማሕበራዊ መራኸቢታት ኣቢሎም፡ ናይ ዳያስፖራ ኲናት ወሊዖም ንህዝብና ዘጒሂን ዘሰንብድን መደባት ከቕርቡ፡ ኣብ ክንዲ ስቕታ ዓገብ ክንብልን ክንቃወምን ግቡእና ኢዩ። ንመጻኢ ጒዳይ ሃገርናን ህዝቢናን ብቀዳምነት ሰሪዕና፡ ካብ ቂምን-በቀልን ናጻ ኰንና፡ ድሕነት ህዝቢናን ህላወ ሃገርና ነውሕስ። ብናይ ካልእ ሃገር ጉዳይ ደጋፊን ተቓዋሚን ኰንና፡ ሎሚ ይዂን ጽባሕ፡ ኣብ ግንባር ዳያስፖራ ዓሪድና ናይ ሓድሕድ ሳይበር ውግእ ዘእቱ የብልናን። ሓመድን ሑጻን መታርፍቲ ኢዩ’ሞ፡ ንሕና ኢና ብሓደ መናብርቲ።

እግዚኣብሔር ንኤርትራን ህዝባን ይሓሉ!

ዘለኣለማዊ ክብሪን ዝኽሪን ንስዉኣትና!

ዶር ተስፋሚካኤል ገብረሕይወት፡ ካልጋሪ፡ ካናዳ

Previous Post

Abi’s (Ethiopian) troops must withdraw from all Eritrean borders and leave Eritrea.

Next Post

ATV: ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ መቐለ ንምሓዝ ብሰለስተ ግንባር ዝወፈረ ዕሱብ ሰራዊት ወራር ኣቢይ-ኢሳይያስ ሓምሽሾም ከምዝበታተኑዎ ተገሊጹ – Tigray

Next Post
ATV: ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ መቐለ ንምሓዝ ብሰለስተ ግንባር ዝወፈረ ዕሱብ ሰራዊት ወራር ኣቢይ-ኢሳይያስ ሓምሽሾም ከምዝበታተኑዎ ተገሊጹ – Tigray

ATV: ሓይልታት ምክልኻል ትግራይ መቐለ ንምሓዝ ብሰለስተ ግንባር ዝወፈረ ዕሱብ ሰራዊት ወራር ኣቢይ-ኢሳይያስ ሓምሽሾም ከምዝበታተኑዎ ተገሊጹ - Tigray

5 1 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
10 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
Zeregabir
Zeregabir
3 months ago

Is Eritrea involved in the war? How do you witness being in Calgary? I hate the Maphia group in Eritrea but not about Eritrea that is bombed trice by the Woyane and not by the Tigrayan people.
Let us differentiate between woyane and Shaebia.

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  Zeregabir
3 months ago

“Let us differentiate between woyane and Shaebia”።

Zeregabir

😂😂😂😂😂

ኣብ ምንታይ እዩ ፍልልዮም ?
ካብ ክልተ ጎረባብቲ ሃገራት ክብ ሙዃን ሓሊፎም ካልእ ፍልልያት የብሎምን።
1. ክልቲኦም ፥ ሓለዋ ሰውራን ሓለዋ ወያነን ነበሮም።
2. 09ን ሕድሪን ዝባሃላ ናይ ምዝመዛ ትካላት ኣሎዎም።
3. ብጭካነ ኣብ ዓለም ዝወዳደሮም የለን።
4. ስልጣን ንኽብሕቱ ፥ ህዝቦም የጽኑቱ።
5. ካብ ሕጊ ንኸምሉጡ ፥ ውግእ ይመርጹ።
6. “ንሕና እና ህዝቢ ፥ ንሕና እና ሃገር ” ባሃልቲ ኢዮም።
7. ህዝቢ ኣብ ትሕቲኦም ይነበር ፥ ገባር እኻ ድማ ይብሉዎ።
8. ብተናኻሲ ባህሪያቶም ይልለዪ ።
9. ሕልና ኣልቦ ፥ እዝጊ ኣልቦ ።
10. ንህዝቦም ዘጽንቱ ሩጉማት ።

0
Reply
Zeregabir
Zeregabir
3 months ago

You put the exact duties of these group. They are against their own people. No Woyane group sibling is in the war, but the ordinary poor tigray people., just like Isayas Afwerki’s and the group.

0
Reply
rezen
rezen
3 months ago

Subject: “ግንባር ዳያስፖራ by Atv Asena  19th November 2020” 
Commentary, 20 Nov 2020
And so, where and how do we —- ‘PURE LAINE’ ERITREANS — GO FROM HERE? That is the ultimate QUESTION!!! ‘ROULETTE’ is definitely our mode of existence — NOT LIVING, of course. . 
Insulting each other on the Internet [with seemingly professional profanity] is the solid proof that we have NOTHING, NOTHING and NOTHING else else left in our ENTITY,  NOTHING!!! We cannot help it. I repeat: WE CANNOT HELP IT. The obvious question is WHY, WHY, WHY …… I have no clue !!!!!!! So, help me God >>> if YOU can..

Facts
1. Issayas Afeworki Abraha Miratch has proved, beyond a shadow of doubt, that he HATES ERITREANS, deep down in his bones >>> NOT temporarily but for eternity.

2. Issayas — a single mortal seemingly human being — has ardent supporters in Eritrea and outside Eritrea, by ‘e’ritreans” [I used small ‘e’ deliberately]  

3. There are innocent Eritreans with imagination of the “old” Eritrea, existing on nostalgia for their old Eritrea, which exists no more. They are not aware that their old Eritrea is >>>> quoting an old Hollywood Movie “GONE WITH THE WIND” a long, long, long time ago >>> almost sixty years ago. That is when Eritrea was on a sledge, sliding down, down, down, until it loses its identity, completely. IT IS THEN THE ABSOLUTE END of “ERITREA”. I repeat, It will be the ABSOLUTE END of “ERITREA”. 

4. Issayas has accomplished his life long dream to destroy Eritrea— and no single Eritrean is left to even touch the tip skin of his one finger . It is SAID that Issayas laughs at Eritreans’ naivity on occasions of his own mood for laughter.  

Post script.  
I can’t resist repeating over, and over, and over about a 14-year old Eritrean Liberation Fighter — YES, Liberation Fighter at the age of fourteen — known to us at our daily website by the name of “k. tewolde.”  Thousands and thousands of divergent ages, like him offered their LIFE for ERITREA, without a twitch of hesitation. I CAN’T HELP WONDERING ABOUT THE FAIRNESS OF LIFE — Or have I just confirmed my innocent foolishness?  
THE END.

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  rezen
3 months ago

Ahwat, just watch Chris Hayes ( All IN) intro in MSNBC this afternoon about totalitarian characters and their blind followers… you don’t have to be only ‘choguar danga’ to be duped into their conundrum and swept off to the abyss beyond return… I thought he was reporting on Eritrea, that’s where we at pushed off the cliff in a free fall… a boat without a sail drifting in troubled waters, we are not even news of the day for good or bad , we don’t matter anymore, yep, you are right rezen life is not fair, you even put my name in quotes, I think am real I guess. Our enemies rearranged and reconfigured the whole scenario rendering us ineffective and meaningless swinging side to side wherever the wind blows. Where is that Eritrea and the people I fought and willing to die for?? where are thou!!?

0
Reply
ወዲ ሃገር
ወዲ ሃገር
Reply to  k.tewolde
3 months ago

Where is that Eritrea and the people I fought and willing to die for?? where are thou!!?

k. tewolde

ኩቡር ዶቶረ ፥

እታ ንስኻ እትፈልጣ ኤሪትራ ፥ ኣላ ፥ ግን ብጓሂ ማዳ መሊኡ ገጻ ፥ ዘይትልለ ፥ ዘይትፍቶ ኮይና ።
ሕብራ ተበሊሉ ፥ ትመስል ኣይጸላም ኣይ ጻዕዳ ።
ኣረኣዊት ጨዊዩዋ ፥ ይርከብ ካራ ሸኺሊ ኣብ ልባ።

ህብዚ ኤሪትራ’ኽ ፥ ዝገደደ ዛንታ ፥
– ገለ ካብኡ ፥ ኣብ ስደት ፥ ወትሩ የዕነኒ ፥
– ገለ ካብኡ ፥ ኣብ ትሕቲ ኣርዑት፥ ኣብ ዉሽጢ ፥
– ገለ ካብኡ ፥ ኡሱር ፥ ዱፉን ኣብ ጎዳጉዲ ፥
– ገለ ካብኡ ፥ ጣኦት ተሰኪሙ ፥ ይብል ብዘይ ንሱ የላን ዓዲ፥

ዘሕዝን እዩ ፥ ግን ንሱ እዩ እቲ ሓቂ።
ዎ ዳሓንካ።

Last edited 3 months ago by ወዲ ሃገር
0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  ወዲ ሃገር
3 months ago

You can’t paint a grim spectacle better than W.H., I am just desperately calling upon my people like God called upon Adam after he ate the forbidden apple. Have a nice weekend zihawey..

1
Reply
rezen
rezen
Reply to  k.tewolde
3 months ago

QUOTE:we don’t matter anymore, yep, you are right rezen life is not fair, you even put my name in quotes, I think am real I guess. UNQUOTE

Greetings, k. tewolde
Let me clarify with respect to my quotation marks surrounding your name
It was not meant the way you interoperated it 

When writing my commentary, I used your full name the way you write them NOT in capital letters but in small letters . However, the diligent Website — just like an alert Advocate, changed it to the normal way of using caps for proper nouns >>> K & T. Very attentive Website. Anyway, to avoid argument with my friend the professional advocate, I changed it to small letters, k and t, as I had them in my Article, and put two formidable quotation marks I.e. “” “”  My Website  accepted it with grace and dignity!!! And I smiled with a relief.  

So, Dear k. tewolde, I hope the above clarification is good enough to retain our dreams of our ‘umpotito’ and berrard shahee in one of WHAT IS LEFT of the lovable Cafes along the beautiful viale Eritrea of yesteryears in SAVAGELY BATTERED but Liberated Asmara, Eritrea. 

k.tewolde, WE ERITREANS HAVE FORMIDABLE TASK IN FRONT OF US. I refrain from going into VERY SAD details — but in short, let us be HONEST TO OUR SELVES in our internal affairs and proceed accordingly.
Sincerely Yours
rezen

0
Reply
k.tewolde
k.tewolde
Reply to  rezen
3 months ago

It all good rezen, ” FORMIDABLE TASK..” is mildly put.

0
Reply
rezen
rezen
3 months ago

SUBJECT: NEWS ALERT: AU CHAIR APPOINTS THREE SPECIAL ENVOYS TO HELP MEDIATE ONGOING CONFLICT IN ETHIOPIA, CREATE CONDITIONS FOR INCLUSIVE DIALOGUE
addisstandard / November 21, 2020. at http://www.meskerem.net

CONFESSION:
If the following commentary is too “emotional and rough”, as JUDGED by assenna.com, I DESERVE to be rejected ___ and still believe in every word I wrote. WE AFRICANS are OUR OWN ENEMIES. WE CAN’T CONTINUE TO BLAME OTHERS and FREEZE FOR ETERNITY.

Commentary, 20 Nov 2020
Good News on the SUBJECT !!! That is what it should be. African Affairs should be taken care of by Africans. The time of slavery (equivalent of colonialism)  has already gone by a long time ago. But it is only the subjugated and distorted MENTALITY of the African people that still lingers around to dominate OUR MINDS to the ancient era. The effect of colonialism on Africa is way way out of the ordinary — it arrests the MIND of the AFRICA PEOPLE. 

NOW, let us take the mentality of the African Scholars, Graduates from Renowned Western Universities around the Globe. What do we see? Let us be honest. WE see arrested minds in reciting their colonial masters’ history and attempting to copy every aspect of the colonizers way of life with laughable monkey-like repetition. IT HURTS to realize and accept the folly of the “WHITE MISSIONARIES” whether in Churches with bible at hand and in civil environments with all sorts of personalities. BLACK AFRICA is hopelessly penetrated by inferiority complex. Ask your neckties around your neck ready to choke you off (!!!!) and other attires!!!!!!!! 

With the back criminal background, one tends to be overwhelmed with extatic when reading the affairs of Africa is undertaken by Africans. It does NOT matter whether succeeded or not in their given work. The crucial point is the fact that Africans are undertaking their affairs by themselves, based on their own philosophy, mannerism and way of Life in every sector endeavoured. to the best of their abilities. —— without running to Uncle Sam for everything. NO wonder — it hearts to repeat — a leader of a western country insulted Africa as a SHIT HOLE and a prominent African President with Doctor of Philosophy Degree readily agreed, accepted and proudly repeated the new slogan for Africans, by a White MAN. He is still a respectable member of the Black African Dictators — attempting to copy white man’s style without success. It does not matter. It is the nostalgia for the slavery of Africans in good old days (!!!!!!) under the white man’s boots. “CRY, MY BELOVED AFRICA” Alan Paiton . I FINISH MY DIATRIBES WITH CROSS FINGERS FOR PRINTING — if it passes the essential editorial critical examination. THE END 

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

23rd June 2020
መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ 2021 ዓመተ ምህረት፡ ነዞም ክልተ ኮረና እትስውር፡ ርሕስቲ ሓዳስ ዓመት ንግበራ!!

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ 2021 ዓመተ ምህረት፡ ነዞም ክልተ ኮረና እትስውር፡ ርሕስቲ ሓዳስ ዓመት ንግበራ!! – Amanuel Eyasu

1st January 2021
ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

35
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ESTABLISHMENT OF AN ALTERNATIVE ERITREAN GOVERNMENT IN EXILE*

30
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ERITREA: WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP! By Michael H. Kiflezghi

30
Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

24
ATV: ዜና ወፈያታት ንምስሳን ቴለቭዥን ኣሰና – Atv Donations

PRESS RELEASE: Eritrean Embassy in the UK’s attempt to silence Assenna collapses

5th March 2021
A call for all Eritrean communities in Diasporas to arrange reconciliation and brotherly meetings with Tigray community in your respective areas/cities to share their sorrowfulness

A call for all Eritrean communities in Diasporas to arrange reconciliation and brotherly meetings with Tigray community in your respective areas/cities to share their sorrowfulness

1st March 2021
A complete English translation of Isaias Afwerki’s Eritrean TV Interview, 17 February 2021

A complete English translation of Isaias Afwerki’s Eritrean TV Interview, 17 February 2021

28th February 2021
`ጅምላዊ ቅዝፈት ሰላማውያን ኣኽሱም ብሰራዊት ኤርትራ  ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ይኽእል`ዩ` – ኣሚኒስቲ ኢንተርናሽናል

`ጅምላዊ ቅዝፈት ሰላማውያን ኣኽሱም ብሰራዊት ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ይኽእል`ዩ` – ኣሚኒስቲ ኢንተርናሽናል

26th February 2021

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
10
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply