Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኬንያዊ ነጋዳይ ብብልሽውና ኣብ ዝምርመረሉ ዘሎ ጉዳይ ኣ/ር ሃይለ መንቆርዮስ ከሳሲ`ምበር ከምቲ ብማሕበራዊ ሚድያ ዝውረ ዘሎ ተኸሳሲ ከምዘይኮነ ተፈሊጡ

Atv Asena by Atv Asena
17th September 2020
in News, Tigrinya-News
0
0
SHARES
454
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ሓደ ኬንያዊ ነጋዳይ-ፖለቲከኛ ብብልሽውና ተጠርጢሩ ኣብ ዝምርመረሉ ዘሎ ጉዳይ፡ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ እቲ ጉዳይ ክምርመር ካብ ዝሓተቱ ከሰስቲ ደኣምበር፡ ከምቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዝውረ ዘሎ ተኸሳሲ ከምዘይኮነ ተፈሊጡ።

ናይ ንግድ ድሕረባይታ ዘለዎ ኬንያዊ ፖለቲከኛ ብልሽውና ፈጺሙ ከይከውን ኣብ መስርሕ መርመራ ፖሊስ ኣብ ዝርከበሉ ዘሎ እዋን፡ ከም ኣውፋሪ፡ ግዳይ ናይቲ ኣብ መርመራ ዝርከብ ብዓል ዋኒን ኮይኑ ከይኸውን ኣብ ጋዜጣ ንዝተጠቕሰ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ ብዝምልከት ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ኢንተነት ዝጋዋሕ ዘሎ ዝንቡዕ ሓበሬታታት መሰረት ዘይብሉ ናይ ጸለመ ወፍሪ ምዃኑ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ ኣረዲኡ።
ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ በንጻሩ ሓደ ካብቶም እቲ መርመራ ክካየድ ዝሓተቱ ወገናት ምዃኑ ውን ተፈሊጡ። ብመሰረትቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ፡ እቲ ሓቂ ብሕጽር ዝበለ መልክዑ ከምዚ ዝስዕብ እዩ፡
ገለ ኬንያውያን ነጋዶ ንሰራዊት ኬንያ ዝኸውን ቀረብ መግቢ ኣብ ምቕራብ ብመንግስቲ ኬንያ ኣብ ዝተኻየደ ጨረታ ከምእተዓወቱ ብምሕባር፡ ከም ኣውፈርቲ ክጽንበሩዎም ንዘቕረቡሎም ዕድመ ገለ ኤርትራውያን ንዕድሚኦም ብኣውንታ ተቐቢሎሞ። እቶም ኣምባሳደር ሃይለ ዝፈልጦም ተጋደልቲ ነበር ኤርትራውያን፡ ርእሰማል ምስ ዘለዎም ናይ ወጻኢ ኣውፈርቲ ከራኽቦም ብዝሓተቱዎ መሰረት ከኣ፡ ኣምባሳደር ሃይለ ተሓባቢሩዎም። ምስ ግዜ፡ እቲ መብጽዓ ዝተኣትወሉ ክፍሊት ስለዘይተግብረ፡ እቶም ኬንያውያን ነጋዶ ተዓዊትና ዝበሉዎ ኩንትራት ቅንዕንኡ ኣብ ሕቶ ወዲቑ። ከም ሳዕቤኑ ድማ፡ ኣምባሳደር ሃይለ፡ ምስቶም ኤርትራውያንን ኣህጉራውያንን ኣውፈርቲ፡ ሰበስልጣን ኬንያ ነቲ ጉዳይ ክምርምሩዎ ሓቲቶም።
ስለዚ፡ ኣምባሳደር ሃይለ መንቆርዮስ፡ መርመራ ክካየድ ካብ ዝሓተቱ ሓደ፡ ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ከሳሲ ደኣምበር ከምቲ ገለ ምናልባት ሰኣን ሓበሬታ ገለ ድማ ብፍላጥ ምእንቲ እኩይ ዕላማ ኣዘንቢዖም ከውርዩዎ መሪጾም ዘለዉ፡ ተኸሳሲ ኣይኮነን።
እቲ ኣብ ኬንያዊ ጋዜጣ Sunday Nation ወጺኡ ዘሎ ብዙሓት ከም ምንጪ ዝጥቀሙሉ ዘለዉ ዓንቀጽ፡ ዋላ ንገዛእ ርእሱ ብዙሕ ዘይቅኑዕ ሓበሬታታት ኳ እንተለዎ፡ ነቲ ዝርካቡ፡ ነዚ ክብ ኢሉ ዝተጠቕሰ ሓቅታት ዘረጋግጽ መስመራቱውን ገለ ሰባት ኣዘንቢዖም ይዝርግሑዎ ከምዘለዉ ይፍለጥ።
መርመራ ናይዚ ጉዳይ ኣብ መስርሕ እዩ ዝርከብ ዘሎ። እቶም ከሰስቲ፡ እንተላይ ኣምባሳደር ሃይለ ከም ውሕስነት ናይቶም ኣውፈርቲ፡ ኣብ ኣብያተ ፍርዲ ኬንያ ነቲ ጉዳይ ኣቕሪቦሞ ከምዘለዉ ውን ተርጋጊጹሎ።

Previous Post

ATV:ዘገልገሉ ዝምቊሑላ፡ ዘውደልደሉ ዝሽየሙላ ሃገር! ኩነታት ኣባላት ድምጺ ሓፋሽ መደብ ዓፋር

Next Post

ዘገልገሉ ዝምቊሑላ፡ ዘውደልደሉ ዝሽየሙላ ሃገር!

Next Post
ATV:ዘገልገሉ ዝምቊሑላ፡ ዘውደልደሉ ዝሽየሙላ ሃገር! ኩነታት ኣባላት ድምጺ ሓፋሽ መደብ ዓፋር

ዘገልገሉ ዝምቊሑላ፡ ዘውደልደሉ ዝሽየሙላ ሃገር!

0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
0 Comments
Inline Feedbacks
View all comments
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

23rd June 2020
መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ 2021 ዓመተ ምህረት፡ ነዞም ክልተ ኮረና እትስውር፡ ርሕስቲ ሓዳስ ዓመት ንግበራ!!

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ 2021 ዓመተ ምህረት፡ ነዞም ክልተ ኮረና እትስውር፡ ርሕስቲ ሓዳስ ዓመት ንግበራ!! – Amanuel Eyasu

1st January 2021
ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

35
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ESTABLISHMENT OF AN ALTERNATIVE ERITREAN GOVERNMENT IN EXILE*

30
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ERITREA: WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP! By Michael H. Kiflezghi

30
Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

24
ATV: ዜና ወፈያታት ንምስሳን ቴለቭዥን ኣሰና – Atv Donations

PRESS RELEASE: Eritrean Embassy in the UK’s attempt to silence Assenna collapses

5th March 2021
A call for all Eritrean communities in Diasporas to arrange reconciliation and brotherly meetings with Tigray community in your respective areas/cities to share their sorrowfulness

A call for all Eritrean communities in Diasporas to arrange reconciliation and brotherly meetings with Tigray community in your respective areas/cities to share their sorrowfulness

1st March 2021
A complete English translation of Isaias Afwerki’s Eritrean TV Interview, 17 February 2021

A complete English translation of Isaias Afwerki’s Eritrean TV Interview, 17 February 2021

28th February 2021
`ጅምላዊ ቅዝፈት ሰላማውያን ኣኽሱም ብሰራዊት ኤርትራ  ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ይኽእል`ዩ` – ኣሚኒስቲ ኢንተርናሽናል

`ጅምላዊ ቅዝፈት ሰላማውያን ኣኽሱም ብሰራዊት ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ክኸውን ይኽእል`ዩ` – ኣሚኒስቲ ኢንተርናሽናል

26th February 2021

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
0
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply