Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኤርትራውያን ብኣስናኑ ዝወድአ ከልቢ ንንከስ ኣለና

Atv Asena by Atv Asena
19th November 2020
in Articles, Tigrinya
2
0
SHARES
364
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ኤርትራውያን ብኣስናኑ ዝወድአ ከልቢ ንንከስ ኣለና

ኣብ ህይወተይ ኣዝየ ዝሓዘንኩለንን ዝተሓጎስኩለንን ክልተ ዕለታትን ዓመታትን ኣለዋ። ጉንበት 24, 1991 መዓልቲ ናጽነት ኤርትራ ሓንቲ ካብተን ዝተሓበንኩላ ዕለት ክትከውን እንከላ፡ 4 ሓምለ 1994 ድማ “ጸገምና ይሰማዕ” ኢሎም መሰሎም ዝሓተቱ ኣካለ ስንኩላን ኩናት ማይ ሓባር፡ ብትእዛዝ መላኺ ኢሳያስ ብጠያይት ምስተረሸኑ፡ ዝርንዝሕ ዝነባዕኩሉ ዕለት’ያ። ካብ ሎሚ ንድሓር ኣይክሓዝንን’የ ሕማቕ ኣይክሪእን’የ ናብራ ስደት ኣብቂዑ ተሪፋ ዘላ ህይወተይ ኣብ ዓደይ ከሕልፎ’የ” ኢለ እናተመነኹ ግን፡ ልበይ ዘንብዕ ካልእ ጥልመትን ሞትን ኩነታት ኣጋጢሙ። ብ5 ሕዳር 2020፡ እቶም ቅድሚ 30 ዓመታት ብኽቡር መስዋእትና ካብ መሬት ኤርትራ ተዳሂኾም ዝወጹ፡ ቀተልቲ፡ ሓለምቲ፡ ኣጽነቲ ወለዶ ኤርትራ፡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ህዝቢ ኤርትራ ክረግጹን ከዋርዱን ዳግማይ ተመሊሶም።

ተራእዩኒ፡ እቶም ደርጓዕ-ደርጓዕ ዝብል ሳእኒ ጦር ሰራዊት ዝለበሱ ጸለሎ ዝመስሉ ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ “እምቢ ያለ ሰው ጥይት ኣጉሩሶው” እናበሉ ብሒም ዝበለ ሰብ ብጠያይት ክቀዝፍዎን ባንዴራ ኤርትራ ኣውሪዶም ብባንዴራ ኢትዮጵያ ክትክእዋ። ተዘኪሩኒ እቲ ኣብ 1962 ዝተኻየደ ፍጹም ጎበጣ ኤርትራን ባይቶ ኤርትራ ክፈርስ ቋንቋታት ኤርትራ ብቋንቋ ኣምሓርኛ ክትካእ።

ኣብዚ እዋን’ዚ እቲ ካብ ኩሉ መዓንጣ ከብድኻ ዝኹምትር ስቕታ፡ እቶም ብህይወትና ዘለና ኤርትራውያን፡ ንልኡላውነት ኤርትራን ህዝባን ጠጠው ክንብል ዘይምኽኣልናን፡ ነቲ ብመላኺ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ተዳልዩልና ዘሎ፡ ንኽብረትና ዘዋርድን መጻኢ ወለዶና ዘጥፍእን መጻወድያ ክንግንዘቦ ዘይምኽኣልና ኢዩ። ኤርትራውያን ነታ ዘይተላቡ መሸንቆቋ ኣብ ክሳድና ኣትያ ክሳብ ትሓንቀና ምጽባይናን ምስ ሞትና ጥዕና ምምናይን፡ ምስ ለውሃት ድዩ ዝቁጸር ዋላስ ምስ ዓሻ ድፍረት ክትርድኦ የጸግመካ።

እቶም ክልል ትግራይ ንምጥቃዕ ተባሂሎም ኣብዚ ኣብ ልኡላዊ መሬትና ኣትዮም ዘለዉ ኣሽሓት ወተሃደራት ኢትዮጵያ፡ ነታ ንምርካባ 30 ዓመታት ተሰዊእና ዘምጻናያ ናጽነት ብሓንቲ መዓልቲ መሃንዚት ተባሂልና። ዘይሕማምካ ረስኒ ኮይኑ፡ ኣብ መንጎ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን ኩናት ይካየድ ኣሎ እናተባህለ፡ ካብ ትግራይ ዋና ከተማና ኣስመራ ብሮኬታት ተደብዲባ። ህዝብና፡ ብዛዕባ’ቲ ደብዳብ እዋናዊ ሓበሬታ ብዘይምርካቡን ብራዕዲ ተዋሒጡን ዕግርግር ኣትዩዎ።

ሕልሚ መላኺ ኢሳያስ፡ ህዝቢ ኤርትራ ናብ ስደት በታቲንካን፡ መሬትናን መንነትናን ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ምቁራን ኢዩ። መላኺ ኢሳያስ ኩሉ እኩይ መደባቱ ደጋጊሙ ስለዝነገረና ከኣ፡ ነብስና ጥራይ ኢና ክንከስስን ተሓተቲ ክንገብራን እምበር፡ ዝወርደና ሕሰምን ድፍረትን ንመላኺ ኢሳያስ ሓላፍነት ከነሰክሞ ትርጉም የብሉን። ምኽንያቱ መላኺ ኢሳያስ ነቲ ኣቀዲሙ ብኣዋጅ ዝገለጾ’ዩ ዘተግብር ዘሎ። እቶም ምስ ትንፋስና እንከለና ዝሞትናን ዝተመለኽናን ስረ ቀዳሞት ጀጋኑ ዝፈታሕና ኤርትራውያን ኢና ደቂስና ዘለና።

ኤርትራውያን፡ ንደመኛታትናን ቀይሕ ባሕርና ዝምነዩን ደርጎኛታት ቀይሕ ምንጻፍ ጌርና ንቅበሎም ስለዘለናን ንቀታሊና መላኺ ኢሳያስ ከከላብተና ፍቃድ ስለዝሃብናዮን፡ “ብመዳፍዕ ክልል ትግራይ ተደብዲና” ኢልና ከነማርርን ክንከስስን ከሕፍረና ይግባእ። ጠንቂ ናይዚ ሰብና ዝበልዕ፡ ዓድታትና ዘዕኑ፡ ብናይ ባዕዲ ሰራዊት ዘርግጸና ዘሎ መላኺ ኢሳያስን ናትና ስቕታን ኢዩ። ከምቲ “ኣደ ንጉሰ ኣዴና ኣይትኹና ወደን ይሕረድ ንሰን ይቆነንና” ዝብሃል፡ ኣብ ወጻኢ ኣብ ዝተፈላለየ ሃገራት እንርከብ ኤርትራውያን ዋላ’ኳ ገለ ክፋል ዕድላትናን ህይወትና ካብ ኣጽፋርን ኣደራዕን ጉጅለ ህግደፍ ሓራ ንኹን፡ ኣብ ክንዲ ነቲ ጠንቂ ስደትናን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትናን ዝኾነ ጉጅለ ህግደፍ ብኸመይ ንኣልዮን ኣብ ሃገርና ልዕልና ሕጊ ክነግስ ንጽዕርን፡ ኣብ ሓድሕድና ክንዘላለፍ እንከለና፡ ብግብሪ በቲ ውጹዕ ህዝብና ከምዘይንግደስ ዘነጽር’ዩ።

 ከመይ ኣፍካ ከልቢ ይሽነሉ፡ ስለምንታይ ሕማቕ ትምነ ከይብሃል እናፈራሕኩ ሓቅን ክውንነትን ክገልጽ ይፈቱ። ኤርትራውያን ሃገራዊ ክብርናን መንነትናን ካብ በላዕቲ ዘይናቶም ከነድሕን ቅጽበታዊ ስጉምቲ እንተወሲድና ሓንቲ ናይ መወዳእታ ዕድል ኣላትና። ምናልባት ዕድለኛታት እንተኾይናን እዞም ሕጂ ዘለና ኤርትራውያን ናይ ብሓቂ ኤርትራዊ ጽንዓት እንተለቢስናን፡ ናጽነትና ዳግማይ ክንረኽባ፡ ካልእ 30 ዓመታት ክወስደልና ይክእል ይኸውን። ንዕወት ኣይንዕወትን ከኣ እዝጊ ይፈልጥ ክንበል ንግደድ ኣለና።  

ኣብ 2019 ተሓላቂ ሰላም ተባሂሉ ስልማት ኖቤል ዝተዋህበ ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ኣብ ክልልይ ትግራይ ሕጊ ንምርግጋጽ ኩናት ከምዝኣወጀን ንመራሕቲ ክልል ትግራይ ብገበን ከምዝኸሶምን ሓቢሩ ኣሎ። ይኹን እምበር “ሓባል በልያ ከይትቅድመኪ” ከምዝብሃል፡ ልዕሊ መራሕቲ ክልል ትግራይ፡ ብገበንን ዕንወትን ክሕተቱን ኣብ ፍርዲ ክቀርቡን ዝግብኦም መላኺ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ኢዮም። እቶም ኣብ መሬቶም ኮይኖም ነብሰ ምክልኻል ዝገብሩ ዘለዉ መራሕቲ ክልል ትግራይ ዘይኮኑ፡ ምኽንያት ምምዝባል ምህላቕን ዓሰርተታት ኣሽሓት ስድራቤታት ህርፋን ስልጣን ዘለዎም መላኺ ኢሳያስን ዓቢዪ ኣሕመድን ኢዮም። ንጻውዒት ሰላምን ዘተን ረጊጹን ተሓሲሙን ብትዕቢት ኣዕናዊ ኩናት ዝመረጸን መርዚ ጽልኢ ዝዘርእ ዘሎ ዓንዳሪ ዓቢዪ ኣሕመድን ተንኮል መኻሪኡ መላኺ ኢሳያስን ኢዮም።

ኤርትራውያን፡ “ንረብሓ መን ኢና ህይወትና ክንውፍን ኣካላትና ክንጎድልን” ኢልና ደጋጊምና ክንሓስብ ኣለና። ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ባይታ ዘየለ ንዓመታት ክኣልሞ ዝጸንሐን ገና ዝቅጽሎ ዘሎን መደናገሪ ሓሶታት ክንነቕሓሉን ብትሪ ክንቃውሞን ይግባእ። ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ስደትን ኣብ ገደብ ኣልቦ ውትህድርናን ዘሎ ክጠራነፍን ንቡር ህይወት ከሕልፍን ከምኡ’ውን ንገድ ነጋዳይ ሕረስ ሓረስታይ ሰላማዊ ህይወት’ዩ ዝምነ እምበር፡ ኣብዘይምልከቶ ሓዊ ክጥበስ ኣይደልን’ዩ። ናይ ወትሩ ዊንታ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ጎረባብቱ ብሕውነት ተኸባቢሩ ክነብር እምበር፡ ንስልጣን ውልቀሰባት ክናቆት ኣይሓልምን’ዩ።

  መላኺ ኢሳያስ ሕጂ’ውን ዋላ እታ ንዓመታት ንመመኽነይታ ንመናውሒት ስልጣኑን ቀዳምነት ህዝቢ ኤርትራ ንምጉሳይን ክጥቀመሉ ዝጸንሐ ጉዳይ “ልኡላውነትና ብወያነ ተታሒዙ” ኣብዘብቅዓሉ፡ ቅዋም ክትግበር እሱራት ክፍትሑ፡ ሃገራዊ ኣገልግሎት ከቋርጽ፡ ምርጫ ክካየድ ዝብሉ ጠለባት ህዝቢ ኤርትራ ከማልእ ኢልና ክንሓልም ኣይግባኣናን። ጉጅለ ህግደፍ ሰላምን ቅሳነትን ህዝቢ ኤርትራ ስለዘይምነ፡ ንስልጣኑ ከም ስግኣት ስለዝሪኦን መባልዕቱ ስለዘይኮናን፡ ብዘይካ ዞባዊ ምድግጋፍ ከነስፍሕ ብዝብል ጉልባብ፡ ልኡላውነትና ረጊጹ፡ ህላወን ረብሓታትን መንግስቲ ኢትዮጵያ ቀዳምነት ከምዝህብ ክስቆርና ኣለዎ። ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት መላኺ ኢሳያስ ደጋጊሙ ብኣፉ ዝበሎን ብግብሪ ዝፈጸሞን ንቀልዓለም ከምዘይኮነን ብኢትዮጵያ ዝመጾ ከምዘይጻወሮን’ውን ደርጉሑልና ኢዩ።

 ስለዚ፡ እቶም ን30 ዓመታት፡ ብታንክታት ዝረገጹና፡ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያንን ዘቃጸሉ፡ ኣብ ጎደናታት ኣስመራ፡ ጎላጉል ሃዞሞ፡ ሽዕብ፡ ከተማታት ኣቁርደት፡ ምጽዋዕ፡ ሕርጊጎ፡ ዓድታት ሃዘሞ፡ ወኪዱባ፡ ዖና፡ በሲክድራ፡ ዓይለት፡ ሞልቒ፡ ዓዲ ሹማ ወዘተ ዜጋታትና ብኻራ ዝጎዩሑ፡ ብጥይት ዝመንጠሉ፡ ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝተጋሰሱ፡ ኣብ ኣብያተ ማሰርቲ ዘሳቀዩ፡ ዳግማይ ክረግጹና ዕድል እንተሂብና፡ ዘይወጽእ ጣዕሳ ኢዩ። መንነትናን ልኡላውነትናን ንምርግጋጽ፡ ኢድካን እግርኻን ኣጣሚርካ፡ ብፍርሒ ተዋሒጥካ፡ ከይሰመርካ፡ ዋጋ ከይከፈልካን ከይጸናዕካን ብኣምላኽ ይፈልጥን ዘረባን ጥራይ” ኣይከውንን’ዩ።

ሰብ ሓደ ግዜ ክግራህን ክደናገርን እንከሎ ነውሪ ኣይኮነን። ኤርትራውያን ግን ን30 ዓመታት ኢና ግዳይ ተንኮላት፡ ምብትታንን ምፍርራሕን ጉጅለ ህግደፍ ኮይናን ገና ንቅጽል ዘለናን። ኤርትራውያን፡ ተጨፍጢፍና ተረጊጽና ተኣሲርና ተቀቲልና ንመሰልና ብሒም ከምዘይንብልን ንመለኽቲ ብፍርሒ እሺ ብሃልቲ ከምዝኾናን ጉጅለ ህግደፍ ጥራይ ዘይኮነ ኣለልዩና ዘሎ፡ ጽቡቅና ዘይደልዩ’ውን ፈሊጦሙና ኣለዉ። ኤርትራውያን፡ ብኣስናኑ ዝወድአ ከልቢ ንንከስ፡ ኣሕዋትናን ደቕናን ብዝወፈርዎ ተጨውዮም ይምቑሑ፡ ኣብ በረኻ ይምርቱ ጸኒሖም። ሕጂ ድማ እቶም ኣብ 1991፡ ስዒርና ዘባረርናዮም፡ ብባርኾት መላኺ ኢሳያስ ሰጥ ለበጥ ክብሉና፡ ዕጥቅና ዘፍትሑና፡ ክብረትና ዝቕንጥጡና ገዛእቲ ኢትዮጵያ ኣራግጽ ጀሚሮሙና ኣለዉ። ኤርትራውያን ብሓፈሻ እቶም ብረት ተሓንጊጥኩም ዘለኹም ሰራዊት ድማ ብፍላይ፡ ብረትኩም ወሲዶም በትሪ ክህብኹም ስቕታ እንተኣርኢኹም ብህይወትኩም ተቀቢርኩም ማለት’ዩ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 18, ሕዳር 2020

Previous Post

ATV: ብ’ሓንቲ ወንጭፍ ክልተ ዑፍ ከም ዝተባህለ” እዝኒ ዘለዎ ይስማዕ፡ ዂናት እንዳ ገፍሐ እንበር እንዳ ጸበበ ኣይከይድን እዩ – መልእኽቲ ሓው ደሳለ

Next Post

Abi’s (Ethiopian) troops must withdraw from all Eritrean borders and leave Eritrea.

Next Post
ATV: ኣሃዱ ኮማንዶ መሪሑ ኣቢይ ንምድጋፍ ብውልቀመላኺ ኢሳይያስ ዝተላእከ `ጻዕዳ` ዝተባህለ ኤርትራዊ ትማሊ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተቐቲሉ

Abi’s (Ethiopian) troops must withdraw from all Eritrean borders and leave Eritrea.

5 1 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
2 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
2 months ago

Tsilal who are you talking to?

0
Reply
rezen
rezen
1 month ago

” ኤርትራውያን ብኣስናኑ ዝወድአ ከልቢ ንንከስ ኣለና”by Atv Asena  19th November 2020

አረ ገና ካልእ ክንርኢ ኢና
ንሕና ኤርትራውያን ባዕልና ንባዕልና ጸላእቲ ኢና
ናይ ትማሊ ነንሕድሕድ መቕተልትና፡ ኣብ ሞንጎ ውግእ ኣንጻር ጸላኢና፡ ረአሲዕናዮ ዲና ???
ነውሪ! ነውሪ! ነውሪ!  ታሪኽ ኣይራሳዕን አዩ 
እምቢ እንተልና መሪር ኩነታት ይምከረና 
ኣባጅጎውን ገዲፉና አዩ ታሓሊሉ ብግብርና 
ጸርፍታት ግን ኣይገደፈናን፣ እኳድኣ ሰልጢኑ ምሳና ። 
ኣብዚሐዶ ካይተፈለጠኒ???  ይቕረታ። 

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

23rd June 2020

ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢትዮፕያና – ልኡላውነት ኤርትራ ሰዊእካ ዝሕሰብ ዘሎ ዞባዊ ውጥን – ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን – 1ይ ክፋል

8th August 2020
ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

35
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ESTABLISHMENT OF AN ALTERNATIVE ERITREAN GOVERNMENT IN EXILE*

30
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ERITREA: WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP! By Michael H. Kiflezghi

30
Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

24
James Duddridge UK MP & Minister for Africa, responds to Eritrea Focus Chairman’s letter Re continuing violence in Tigray & the risks to civilian lives & Eritrean refugees in refugee camps.

James Duddridge UK MP & Minister for Africa, responds to Eritrea Focus Chairman’s letter Re continuing violence in Tigray & the risks to civilian lives & Eritrean refugees in refugee camps.

19th January 2021
Report: Images show latest ‘attack’ on Ethiopia refugee camp

Report: Images show latest ‘attack’ on Ethiopia refugee camp

17th January 2021
ክቡር ህዝቢ ኤረትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ – ኣበባ ተስፋጊርጊስ

ክቡር ህዝቢ ኤረትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ – ኣበባ ተስፋጊርጊስ

16th January 2021
Elusive Peace in the Horn of Africa

Elusive Peace in the Horn of Africa

15th January 2021

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
2
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply