Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኣብ ትግራይ እዉጅ ኩናት፡ ኣብ ኤርትራ ሕቡእ ኩናት ህይወት ሰብ ይሃልቕ

Atv Asena by Atv Asena
3rd January 2021
in Articles, Tigrinya
1
0
SHARES
290
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ኣብ ትግራይ እዉጅ ኩናት፡ ኣብ ኤርትራ ሕቡእ ኩናት ህይወት ሰብ ይሃልቕ

ዝበዝሕ ኤርትራዊ፡ እቲ ብጉልባብ ሕጊ ንምኽባር ብተግባር ግን ሕጊ ንምቅባርን መሰል ካልኦት ብሓይሊ ንምጉዕጻጽን፡ ብ4 ሕዳር 2020 ብመራሒ ሰልፊ ብልጽግና ኣቢዪ ኣሕመድን ሽርክነት መላኺ ኢሳያስን ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝተኣወጀ ኩናት፡ ህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ክሳራን ዕንወትን ከምዘየጋጠሞ ይመስሎ ይኸውን። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ’ውን ንብዙሕ ምኽንያት ብዝርአን ብዘይርአን፡ በቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተኣወጀ ኩናት፡ ኣብ ታሪኹ ጸሊምን ዘሕዝንን ዘሕፍርን ነጥቢ ገዲፉ ኢዩ። መንቀሊ ናይ ኩሉ ውርደትን ሕሰምን ህዝቢ ኤርትራ ድማ፡ እቲ ልዕሊ 50 ዓመታት ስልጣን ሒዙ፡ ነቶም ምእንቲ መሰልን ክብረትን ሃገሮምን ህዝቦምን ክብርቲ ህይወቶም ከወፍዩ በረኻ ዝወጹ ንጹሃት ኤርትራውያን እናቀንጸለን ኣብ ማእሰርቲ እናኣማሰነን ዝሰወደን ገና ንህዚ ኤርትራ ዝረግጽ ዘሎን ውልቀመላኺ ኢሳያስን ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ሒደት ጠላማትን ኢዩ።

ነቲ ንነዊሕ ዓመታት ካብ ዝባኑ ምውራድ ዝኣበየ ሕዱር ሕማም ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ሓምለ 2018 መላኺ ኢሳያስ ምስ ኣቢዪ ኣሕመድ ፈሪመዮ ዝበሎ ናይ ሕሶትን ህዝቢ ኤርትር ዘይፈልጦን ስምምዕ ሰላም’ዩ ካልእ መንደዓት ተደሪብዎ። ኣቢዪ ኣሕመድ ዋላ’ኳ ኣብ 2019 ከም ተሓላቂ ሰላም ተባሂሉ ሽልማት ኖቤል እንተረኸበን ብዙሕ ተስፋ ተዋሂብዎ እንተነበረን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያን ጎረባብቲ ሃገራትን፡ ዝፍጽሞን ዝኽተሎን ዘሎ እከይ ተግባራት ግን ኣብ ኣህጉራዊ ቤት ፍርዲ ገበን ኩናትን ብምጽናት ዓሌትን ቀሪቡ ክናዘዝን ክቅጻዕን’ዩ ዝግብኦ። መላኺ ኢሳያስ ድማ ቀንዲ ሃንዳስን ኣማኻርን ናይቲ ኣቢዪ ኣሕመድ ዝፍጽሞ ዘሎ ዕንደራ ኩናት ስለዝኾነ፡ ካብ ተሓታትነት ዘምልጥ ኣይኮነን።

ኤርትራውያን፡ ናጽነትና ንምርግጋጽ ኣንጻር ባዕዳዊ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ን30 ዓመታት ዕጥቃዊ ቃልሲ ኣካይድናን ክቡር መስዋእቲ ከፊልናን ደሚናን ኢና። ድሕሪ 1991 ድማ፡ ኩሉ ዓቅምናን ኣድህቦናን ነቲ ብሰንኪ ኩናት ዝዓነወ ቁጠባና ምሕዋይ፡ ሰላምን ልዕልና ሕግን ምንጋስን ዲሞክራሲ ምውሓስን ኢዩ ነይሩ። እንተኾነ ህዝቢ ኤርትራ ዕድለኛ ስለዘይኮነን ብዘይ ኩናትን ዕግርግርን ክነብር ዘይክእል ስርዓት ስለዝተሰከመን፡ ክሳብ ለይቲ ሎሚ ብዶብ እናተመኽነየ ምስ ኩለን ጎረባብትና ሃገራት ኣብ ዝተኻየደ ኩናት፡ ደቑ ኣብ ባርዕ ሓዊ ካብ ምጥባስ፡ ቁጣባኡ ካብ ምዕናውን ናብ ስደት ካብ ምብትታንን ኣየቋረጸን።

እቲ ካብ ኩሉ ዝኸፍአ ፍጻመ ድማ እቲ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህዝቢ ትግራይ ብሓይሊ ንምምብርካኽ ብ4 ሕዳር 2020 ዝኣወጆ ኩናት፡ ጉጅለ ህግደፍ ነቲ ምስ መራሕቲ ወያነ ዝጸንሖ ዝኽሓነ ጽልኢ ሕነ ንምፍዳይ ኣብ ጎድኒ ኣቢዪ ኣሕመድ ተሰሊፉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይምልከቶ ጉዳይ ምጥባሱ ኢዩ። ህዝቢ ትግራይ ኣብ መሬቱ ኮይኑ ኣንጻር ዓመጽን ንመሰሉን ክምክት እንከሎ፡ ምኽኑይን ፍትሓውን ኢዩ። መላኺ ኢሳያስ ንመዓንጣ ዘይቆጸሩ መንእሰያትና ኣብ ዘይመሬቶምን ጉዳዮምን ድራር ዓረር ክገብሮም እንከሎ ግን፡ ኣዝዩ ዘሕዝንን ይቅረ ዘይብሃሎ ገበንን ኢዩ። ወዮ ድኣ ኤርትራውያን  ዘይተገንዘብናዮን ዘይነቃሕናሉን ስቕታ ስለዝመረጽናን እምበር፡ መላኺ ኢሳያስ ነቲ ኣብ 2018 ብወግዒ ብዝርድኣና ቋንቋና ገይሩ “ኣብ ዝኾነ ጉዳይ ኢትዮጵያ ኣእዳውና ኣጣሚርና ኣይንዕዘብን ኢና” ዝበለና ሕልሚ ኢዩ ብዋጋ ህይወትና ዝትግብር ዘሎ። እቲ ንስልጣን ኢሳያስን ኣቢዪ ኣሕመድን ኣብ ጎቦታት ትግራይ ሃሊቑ ዘሎ ኤርትራዊ ኣበየናይ መዝገብ ታሪኽን ዝኽርን’ዩ ክሰፍር? ስድራቤቶም’ከ ካብ መቕዘፍቲ ደቆም እንታይ ዓስብን ሞሳን ክረኽቡ ኢዮም?

ውልቐ መላኺ ኢሳያስን ካብቲ ኩናት ረብሓ ዘለዎም ሒደት ጎሓላሉን፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ መሬት ትግራይ ኣትዩ ኣብ ትሕቲ’ቶም ትማሊ ዝዋጉኡዎን ህዝቢ ኤርትራ ዝሓርዱን ዝነበሩ ወተሃደራት ኢትዮጵያ እናተማህዘዘ፡ ኣብ መሬት ትግራይ ሰላማውያን ሰባት ከጋፍዕ፡ ንብረት ህዝቢ ክዘምትን ከዕኑን ስለዝተራእየ፡ ከም ዕሱብን ወራርን ሰራዊት ተቆጺሩን፡ ብህዝቢ ትግራይ ተፈንፊኑን ተኻዒቡን። ህግደፍ፡ ኣብ ልኡላዊ መሬትና ባዕዳውን ነፍጠኛን ሰራዊት ኢትዮጵያ  ምስ ብረቱን ኣጽዋሩን ኣትዩ ብኩሊት ኣንጻር ህዝቢ ትግራይ ክወግእን ክቀትልን ተፈቂዱሉ። ህዝቢ ኤርትራ ብሕማምን ብጥሜትን እናተሳቀየ እንከሎ ኣብ ኩናት ትግራይ ዝተወግኡ ወተሃደራት ኢትዮጵያ ኣብ ትካላት ጥዕናና ክሕከሙን ኣዴታትና ረሳሕን ብደም ዝጨቐወን  ክዳውንቶም ክሓጽባን መግቢ ክሰርሓሎምን ተኣዚዘን። ህዝቢ ኤርትራ ድማ ኣይ-ብኢዱ ኣይ-ብእግሩ፡ ብሰንኪ’ቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ትግራይ ዝፍጸሞ ዘሎ ግፍዒታትን ዝምታን ብቀሊሉ ዘይምሖን ንወለዶታት ዝጸንሕን ሰራውር ቂምታን ጽልእን ተተኺሉ። ዘኹርዕን ውርዙይን ባህሊ ህዝቢ ኤርትራ ተበኪሉ። እንተኾነ ህዝቢ ትግራይ፡ እቲ ብጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊኡ ዝፍጸም ዘሎ ገበን ንህዝቢ ኤርትራ ብቀጥታ ከምዘይምልከትን ህግደፍን ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘውክሎን ክግንዘቦ ይግባእ።

ብሰንኪ’ቲ ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወልዐ ኩናት፡ እቶም ብጨካን ምሕደራ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ሃገሮም ብሰላም ክነብሩ ዘይክኣሉ ኣስታት 100 ሽሕ ኣብ መዓስከራት ስደተኛታት ትግራይ ዝነበሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብዘይ ኣላዪ፡ መግቢ ዝስተ ማይ፡ ሕክምና፡ መጓዓዝያን ኣብ መንጎ ክልተ ሓዊ ተቀርቂሮም ንሞት፡ መውጋእቲ፡ ስርቂ፡ ማህረምቲ፡ ስነኣእምሮኣዊ ጭንቀትን ኮይኖም፡ ሓይሊ ዝረኸቡ እግሮም ናብ ዝመርሖም ተበታቲኖምን ሕሙማትን ቆልዓ ሰበይትን ድማ ኣብ ሰጣሕ ጎልጎል ተሪፎም። ጉጅለ ህግደፍ ብወገኑ ናብቲ መዓስከራት ሰራዊቱ ብምእታው ብዙሓት ኤርትራውያን ስደተኛታት ጨውዩን ኣጋፊዑን። መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣህጉራዊ ውዕላትን ስምምዓትን ስደተኛታት ሸለል ብምባል ድሕነትን መሰልን ኤርትራውያን  ስደተኛታት ክጣበቕን ክሕሉን ኣይክኣለን። ብፍላጥ ከምዝሳቀዩን ከምዝበታተኑ ገይሩዎም። መንግስቲ ኣቢዪ ኣሕመድ፡ ነቶም ካብ ከባቢ ኩናት ሃዲሞም ናብ ኣዲስ ኣበባን ጎንደርን ዝሃደሙ ኣማኢት ኤርትራውያን ስደተኛታት፡ ብሓይልን ብዘይ ድሌቶምን ኣናኣጋፍዐ ናብ ዞባ ውግእን ዝኾነ መሳለጥያ ዘይብሉን ቦታ መሊስዎም። እዚ ዘይሓዊ ኣረሜናዊ ተግባር እዚ፡ ነታ ብምእንጋድ ስደተኛታትን ምኽባር ኣህጉራዊ ሕግታትን ሰብኣዊ መሰላትን ጽቡቕ ስምን ዝናን ኣለኒ ኢላ ብኣፋ ትምካሕ ኢትዮጵያ ዘቃልዕ ጥራይ ዘይኮነ ብሕጊ ዘሕትት ኢዩ።

 ጉጅለ ህግደፍ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ንምግታእ ተባሂሉ ዝኾነ ቀረብን መሳለጥያን ከየዳለወ ንህዝቢ ኤርትራ ን9 ኣዋርሕ ኣብ ቤቱ ክዕጾን ሰሪሑ ድራር ዕለቱ ከይምእርር ስለዝተኸልከለን፡ ብሕማምን ጥሜትን ከምዝሳቐ ኮይኑ። ብኣንጻር’ቲ  ጉጅለ ህግደፍ፡ ኮሮና ቫይረስ ንምቁጽጻር ሓይሊ ዕማም መስሪተ ዝብሎን ኣብ ኤርትራ ብሕማም ኮሮና ሰብ ኣይሞተን ኢሉ ክጀሃረሉ ዝጸንሐን፡ ነቲ ህጹጽ ዘይኮነ ቀዳምነት፡ ዓሰርተታት ኣሽሓት መንእሰያት ብዘይ መከላኸሊ ኮሮና ቫይረስ ኣብ ሳዋ ኣኪብካ ምዕላምን ምምሃርን ኣየቋረጸን። ሕማም ኮሮና ቫይረስ ኣብ መደበር ተዓሊም ሳዋ ንኸይኣቱ ቃል ኣትዩልና ኢዩ ከምዝተባህለ ያኢ፡ ኣብ ቅድሚ ኣቢዪ ኣሕመድን መላኺ ኢሳያስን ብዘይ ናይ ኣፍን ኣፍንጫን መሸፈኒ ወተሃደራዊ ሰልፊ ከርእዩን ተዓዚብና።

ኣብ ኩናት ክልል ትግራይ፡ ዓሰደርተታት ኣሽሓት ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ገጠራትን መደበራት ጥዕናን ስለዝተዘርኡን ስለዝተሓከሙን ከምኡ’ውን ምስ ሰራዊት ኤርትራ ሓቢሮም ኣብ ኩናትን ዝምታን ስለዝተዋፈሩን፡ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ ኤርትራ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ኣዝዩ ተላቢዑን ሞት ኣስዒቡን ኣሎ። እዚ ድማ፡ ልኡላውነት ኤርትራ ምድፋር ጥራይ ዘይኮነ   ንህዝቢ ኤርትራ ንምጽትን ንምስቃይን ብጉጅለ ህግደፍ ዝተራእየ ተወሳኺ ሓላፍነት ዝጎደሎ ሸለልትነትን ዝስርሓሉ ዘሎ ስዉር ተንኮልን ኢዩ።  ኣብ ኤርትራ ንለበዳ ኮሮና ቫይረስ ዝቆጻጸር እኹልን ብቁዕን መሳለጥያ መድሃኒትን ትሕተ ቅርጽን ስለዘየለ ኣብ ህዝብና ክወርድ ዝኽእል ሃስያ ክሳብ ክንደይ ከቢድ ከምዝኸውን ንምግማቱ ኣየጸግምን። ጠንቂ ናይዚ ብገበን ዘሕትት ምልባዕን ስቃይን ድማ ጉጅለ ህግደፍ’ዩ።

በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ወጻኢ እንርከብ ኤርትራውያን፡ ነቲ ኣብ ኤርትራ ብናህሪ ዝላባዕ ዘሎ ኮሮና ቫይረስን ኣብ ቤቱ ተኾርምዩ ዝሳቀ ዘሎን ህዝብና ንምርዳእ፡ ጉጅለ ህግደፍ ሰብኣዊ ረድኤትን ግዳማዊ ሓገዛትን ንኽኣቱ ምቹእ ባይታ ክፈጥርን ክሓትትን ከምኡ’እውን ማሕለኻታት ናይ ሓዋላ ገንዘብ መስርሕ ክኣልን ጎስጓስ ከነካይድ ይግባእ። ብዓቢኡ ግን እቲ ካብ ዓለም ነጺሉ ንህዝብና ዝቀጽዕን ንብረቱ ዝዘምትን ብሓዊ ዝጻወትን ዘሎ ኣረሜናዊ ጉጅለ ህግደፍ ኣብዚ ሓድሽ ዓመት ከብቖዕ ንጽዓር።

ቀዳምነታት ህዝቢ ኤርትራ ምህናጽ ዲሞክራሲ፡ ቁጠባዊ ዕብየት ምስፍሕፋሕ ማሕበራዊ ኣገልግሎትን እምበር ናብ ዘይምልከተና ናይ ካልኦት ሃገራት ጉዳይ ጣልቃ ምእታውን ህይወት ዜጋታትና ምቕዛፍ ቁጠባን ምዕናው ስምና ምብላል ኣይኮነን። ጉጅለ ህግደፍ ካብ ኩናትን ዕንደራን ኢትዮጵያ ሓሊፊ ሕጂ እውን ኣብቲ ሱዳንን ኢትዮጵያን ወሊዐንኦ ዘለዋ ኩናት ግዳይ ከምዝገብረና ዘጠራጥር ኣይኮነን። እቲ ሓውናን ኣማኢት ኣሽሓት ዜጋታትና ተዓቑቦሙሉ ዘለዉ ህዝቢ ሱዳን ከናቁተናን፡ እቲ ረጽሚ ካልኦት ሃገራት ክሕወስኦን ዝገደደ ቅልውላው ከምዝፍጠር ፍሉጥ’ዩ። ህዝቢ ኤርትራ ሞት ብሞቱ ኣብ መሬትካ ምሟት ሽም ኣለዎ። ናብ ዘይመሬትካን ዘይምልከተካን ከም ዕሱብ ሰራዊት ንስልጣንን ረብሓን ኢሳያስን መሰልቱን ከተርብሕ ደቕኻ ክትግብርን ክትስንክልን ኣይግባእን። ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ ክሳብ መኣስ ኣእዳውካ ኣጣሚርካ ኣብ ገዛኻ ተዓጺኻ ዒሕ ምባልን ሻቅሎትን? ብዘይካ ንመላኺ ኢሳያስ ኣሲርካ ኣብ ፍርዲ ምምቅራብን ወናኒ ዕድልካ ምዃንን ካልእ መፍትሒ የለን። ይኣክል ሓዘን፡ ይኣክል ማእሰርቲ፡ ይኣክል ጥሜት፡ ይኣክል ውርደት። ኣብ ትግራይ እዉጅ ኩናት ይካየድ ኣሎ፡፡ ኣብ ኤርትራ ግን ዓለም ዘይትፈልጦን ንህዝቢ ኤርትራ ዓፊንካን ካብቲ ናይ ትግራይ ዝኸፍአ ብሕቡእን ብሰላሕታን ብኩናት፡ ብጥሜት ብምሕያር ህይወት ሰብ ይሃልቕ ኣሎ።

ጽላል ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 2 ጥሪ 2021

Previous Post

ጨናፍር ጉጅለ ህግደፍ ክሓርር ሰራውሩ ክምሖ ኣለዎ

Next Post

ኤርትራ ብዘይ-ሰብ!

Next Post
ኤርትራ ብዘይ-ሰብ!

ኤርትራ ብዘይ-ሰብ!

0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
1 Comment
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
23 days ago

This is not new for the Eritrean people, the undeclared war and silent genocide has been going on since this Trojan Horse rolled in into the Eritrean political arena and established itself brandishing its logo and eloquently written manifesto, wise clairvoyant people warned even little people like me spoke, if these voices in the wilderness were given an ear, I can only imagine what our homeland would look like today, believe me I am not dreaming of Singapore, just a serene, tranquil, cozy cul- de- sac, hospitable, lawful, family oriented, top 10 list of the safest places to live, invest, and raise a family in the world, a democratic model for its African sister nations to envy… that’s what I’ve been dreaming and that’s what I fought for, instead, over half a century later in 2021 Tsilal paints this grim apocalyptic scenario which is a continuation of the infernal saga and the rusting Trojan Horse is still reeking havoc upon our society >>> that says a lot about us, blame no one, the enemy is doing his job and is relentless until it is completely done. This is a classic self inflicted wound, the sad thing is we keep on hiding it instead of seeking help.

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

23rd June 2020

ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢትዮፕያና – ልኡላውነት ኤርትራ ሰዊእካ ዝሕሰብ ዘሎ ዞባዊ ውጥን – ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን – 1ይ ክፋል

8th August 2020
ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

35
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ESTABLISHMENT OF AN ALTERNATIVE ERITREAN GOVERNMENT IN EXILE*

30
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ERITREA: WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP! By Michael H. Kiflezghi

30
Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

24
Press Release: Eritrea Focus v United Kingdom: Eritrean Road Project Legal Challenge

Press Release: Eritrea Focus v United Kingdom: Eritrean Road Project Legal Challenge

24th January 2021
James Duddridge UK MP & Minister for Africa, responds to Eritrea Focus Chairman’s letter Re continuing violence in Tigray & the risks to civilian lives & Eritrean refugees in refugee camps.

James Duddridge UK MP & Minister for Africa, responds to Eritrea Focus Chairman’s letter Re continuing violence in Tigray & the risks to civilian lives & Eritrean refugees in refugee camps.

19th January 2021
Report: Images show latest ‘attack’ on Ethiopia refugee camp

Report: Images show latest ‘attack’ on Ethiopia refugee camp

17th January 2021
ክቡር ህዝቢ ኤረትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ – ኣበባ ተስፋጊርጊስ

ክቡር ህዝቢ ኤረትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ – ኣበባ ተስፋጊርጊስ

16th January 2021

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
1
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply