Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ኢሳይያስ ኣብ ካርቱም ኣብ ኣርባዕተ ቦታ ቤትጽሕፈት ጸጥታ ንምኽፋት ዘቕረቦ ሕቶ ብመንግስቲ ሱዳን ተነጺጉ

Atv Asena by Atv Asena
26th June 2020
in Featured, Tigrinya
3
0
SHARES
709
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ሱዳን ኣብ ዘካይዶ ዘሎ ዑደት ምስ ፕረዚደንት `ታ ሃገር  ጀነራል ዓብደል ፋታሕ ኣል ቡርሃን ኣብ ዝገበሮ ርክብ፡ ኣብ ካርቱም ኣብ ኣርባዕተ ቦታታት ንሓባራዊ ስርሓት ጸጥታ ዘገልግል ኣብያተ ጽሕፈት ክኸፍት ክፍቀደሉ ብቐዳምነት ዘቕረቦ ቀዳማይ ሕቶ ብናይ ሱዳን ፕረዚደንት ተቐባልነት ከምዘይረኸበ ምንጭታት ካብ ሱዳን ሓቢሮም።

እቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብስም ሓባራዊ ዕማም ጸጥታ፡ ምንቅስቓስ ተቓወምቲ ኤርትራ ንምቊጽጻር መዋፈሪ ክኾኖ ፍቓድ ክወሃቦ ዝሓተተሉ ኣርባዕተ ቦታታት፡ 1ይ ኣብ  ጅሬፍ   2ይ  ኣብዴም   3ይ   ኣብ ጻሐፋ  ዘለጥ  4ይ ድማ  ኣብ  እንዱሩማን ምዃኑ ተፈሊጡ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ንጠለቡ ቅቡል ንምግባር፡ ብዙሓት ተቓወምቲ ውድባት  ሱዳን ካብ  ከባቢ  ምዕራባዊ  ሳሕል  ክሳብ  ከባቢ  ኦምሓጀር  ምትእክካብን  ምጥርናፍን  ይገብራ  ስለዘለዋ፡ እዚ ድማ፡ ነቲ  ኣብ ምብራቕ  ሱዳን  ዘለኩም ሽግርን ዕግርግርን መሊሱ ከጋድዶ ስለዝኽእል፡ ብምውህሃድ ናይዚ ሓባራዊ ኣብያተ ጽሕፈት ጸጥታ ክንቆጻጸሮ ንኽእል ኢና፡ ንሕና ካባኹም ንላዕሊ ጽቡቕ ኣፍልጦ ናይቲ ኩነታት ኣለና ዝብል እዩ።

ይኹን ምበር መራሒ መንግስቲ ሱዳን፡  ኣብ ዓድና  ተቓወምቲ  ናይ  ኤርትራ  የብልናን፡ ከምዚ እትብሎ ዘለኻ  ቤት  ጽሕፈት  ንምኽፋት `ውን ፍቃደኛታት  ኣይኮናን ክብል ንጠለብ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ነጺጉዎ።

ከም ጎሬቤት ሃገር  መጠን  ኤምባሲ ኣለኩም፡ ካብኡ ንላዕሊ ፍሉይ ናይ ጸጥታ ቤትጽሕፈት ምቅዳድ ግን ፖሊሲና ኣይኮነን፡ ህዝቢ ሱዳን `ውን ዝቕበሎ ጉዳይ ኣይኮነን ብምባል፡ ንሕቶኡ ብዘየዳግም ከምዝነጸጎ እቶም ምንጭታት ብተወሳኺ ኣረዲኦም።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ ሱዳን ናይ ሰለስተ መዓልታት ምብጻሕ ንምክያድ ትማሊ እዩ ናብ ካርቱም ከይዱ።

ነዚ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ጸጥታን ምንዋሕ ዕድመ ስልጣኑን ዘተኮረ ዑደት `ክልተኣዊ ዝምድና ንምሕያልን ዞባዊ ውህደት ንምስፋሕን ብዝብል መደናገሪ ኣርእስተ ዜና ከምዝሸፋፍኖ ይፍለጥ።

ብፍላይ ኣብዚ ኣብ ኤርትራ ጥምየትን ሕጽረት ሃለኽትን ሳዕሪሩ ህዝብና ኣብ ከቢድ ጸገም ዝርከበሉ ዘሎ ከቢድ እዋን`ዚ፡ ብቐዳምነት ዝስራዕ ኣጀንዳ ህዝቢ ኤርትራ ምምሕያሽ ቀረብ መግብን ሃለኽትን ኳ እንተኾነ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ምስ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ዝገብሮ ርክባት ወትሩ ዘገድሶ ኣጀንዳ ግን፡ ስርዓቱ ብተቓወምቲ ኤርትራ ከይውቃዕ buffer zone ወይ ድማ ናይ ውሕስነት ዞባ ፈጢርካ ድሕነት ስርዓትካ ምሕላው ጥራይ ኢዩ።  

Previous Post

ATV: መስርዕ ፊቶውራሪ ኣብ ትኹል – ብኣማኑኤል ኢያሱ – ካብ 1ይ – 6ይ ክፋል (ምሉእ ዛንታ)

Next Post

ATV: ኢሳይያስ ኣብ ካርቱም ኣብ 4 ቦታታት ቤ/ጽሕፈት ጸጥታ ንምኽፋት ዘቕረቦ ሕቶ ብመንግስቲ ሱዳን ተነጺጉ: Eritrea-Sudan

Next Post
ኢሳይያስ ኣብ ካርቱም ኣብ ኣርባዕተ ቦታ ቤትጽሕፈት ጸጥታ ንምኽፋት ዘቕረቦ ሕቶ ብመንግስቲ ሱዳን ተነጺጉ

ATV: ኢሳይያስ ኣብ ካርቱም ኣብ 4 ቦታታት ቤ/ጽሕፈት ጸጥታ ንምኽፋት ዘቕረቦ ሕቶ ብመንግስቲ ሱዳን ተነጺጉ: Eritrea-Sudan

0 0 votes
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
3 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
rezen
rezen
2 years ago

ቅድም ቀዳድም፣ ኣሰና ዘገብሮ ዘሎ ዘስደምም፡ መዘና ዘይብሉ፡ ስራሕ ክምስገን ይግባእ። ኤርትርያ ናጻ ንምውጻእ ዝተገብረ ናይ ሰላሳ ዓመት ቃልሲ ዓለም ዝፈለጦ እዩ ። ሕጂ ከዓ፡ ዘይተጸበናዮ፡ ኤርትርያ ካብ ዉሻጣዊ መሪር መግዛእቲ ናጻ ንምዉጻእ ገድሊ ይካየድ ኣሎ። ኣሰና ቀንዲ ዓንዲ አዩ። አቶም ካልኦትዉን፡ ክንዲ ኣብ ሰማንያን–ተስዓን ዝማቓቐሉ፡ ኣብ ሓደ እንተዝጥርነፉ ክንደይ ኮን ምሓሸ ። ግዳስ፣ ዝኾነ ውልቀ መላኺ አዚ ዓይነት ድኽመት ኣብ ዘለዎ ሕብረት ሰብ ጥራይ እዩ ዝጣጥዕ። ንሕና አሪትራውያን ድኽመት ደኾን ይህልወና ኣብ መንጎና???

0
Reply
Simon G.
Simon G.
2 years ago

ንሕና አሪትራውያን ድኽመት ደኾን ይህልወና ኣብ መንጎና???
ረዘን ነብሲ
ድኽመት ጥራይ? ፍርቂ ዝኣክል ህዝብና ገና ህግደ ይብል ኣሎ።
ህዝብና ‘ኳ ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት ‘ዩ ዝምርሽ ዘሎ። ዘሕዝን።

0
Reply
reaen
reaen
Reply to  Simon G.
2 years ago

እወ፣ “{ከም ሽንቲ ገመል ንድሕሪት። ዘሕዝን። ” Simon G. 

ሓቂ ብሓቂ ካልእ ዘረባ ኣድልዮን እዩ።
ግዳስ፣ ብዘመንያ እኒ እኒ ኣብ ቤት ትምሕርቲ ዘጓነፈትኒ፣ 
 ብዛዕባ ወዲሰብ ፍጥረት ብጥልቂ ዘይተረዳኣትኒ፣ 
ሕጂ እታ የዋህ ኤሪትራያና ብግልጺ ኣረዲኣትኒ፡ ኣርዲኣትኒ።
ለካስ አቲ ድልየትና ብመኻልፍ አዩ ተጎናኒቡ፣ ክመይ ክፈልጦ ኢልካኒ። 
በሊ ኤሪትራያ  ከምታ ዝመጻእክያ ጽቡቕ መንገዲ ይግበረልኪ ። 

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

ATV: ዝርርብ ምስ ኣካያዲ ቴለቭዥን ኣሰና ኣማኑኤል ኢያሱ ብዛዕባ ኣሰናን ህሉው ኩነታትን – ብ መሓመድ እሽማዒል

21st June 2021
PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

PFDJ and PP are jamming Satellite TV Asena (Atv) Since yesterday,

30th May 2021
The Insanity of  Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

The Insanity of Isaias Afwerki’s Imperial Yearnings – Foreword to a forthcoming book by Dr Bereket Habte Selassie

52
A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

A momentum to be seized: The Foundation of Human Rights for Eritreans has taken the initiative to end the reign of terror in Eritrea:

46
ATV: ክሓልፈኩም ዘይብሉ ፍሉይ መደብ – ውዲትን ክሕደትን ኢሳይያስን ኣቢይን ኣብ ሜዳ ትግራይ ብዝተቐደደ ማሕፉዳ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ይቕላዕ !!

ATV: ክሓልፈኩም ዘይብሉ ፍሉይ መደብ – ውዲትን ክሕደትን ኢሳይያስን ኣቢይን ኣብ ሜዳ ትግራይ ብዝተቐደደ ማሕፉዳ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ ይቕላዕ !!

45
ኣብዚ ኩናት ኣብ ምውዳእ ተቃሪቡሉ ዘሎ ጊዜ ደላይ ፍትሒ ንጹር መርገጺ ሒዙ ኣብ ስራሕ ከተኩር ኣለዎ –   ብጴጥሮስ ተስፋግዮርጊስ

ኣብዚ ኩናት ኣብ ምውዳእ ተቃሪቡሉ ዘሎ ጊዜ ደላይ ፍትሒ ንጹር መርገጺ ሒዙ ኣብ ስራሕ ከተኩር ኣለዎ – ብጴጥሮስ ተስፋግዮርጊስ

37
Eritrea 2023: New Year, New Reality

Eritrea 2023: New Year, New Reality

10th January 2023
ኣበርክቶ   ባሮነስ ግለኒስ ኪኖክ ኣብ ዝተናውሔ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

ኣበርክቶ ባሮነስ ግለኒስ ኪኖክ ኣብ ዝተናውሔ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ

6th January 2023
A call for all Eritrean communities in Diasporas to arrange reconciliation and brotherly meetings with Tigray community in your respective areas/cities to share their sorrowfulness

Isiais Afwerki used wars and the environment of wars as a weapon to crown himself an Emperor for life – By Petros Tesfagherghis

20th November 2022
The call for worldwide demonstrations for peace is simmering.

The call for worldwide demonstrations for peace is simmering.

11th October 2022

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
3
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply