Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

ምእላይ ጉጅለ ህግደፍ እምበር ብስዕረት መራሕቲ ክልል ትግራይ ጸገምና ኣይፍታሕን’ዩ

Atv Asena by Atv Asena
16th November 2020
in Articles, Tigrinya
3
0
SHARES
274
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

ኣብ ውሽጥን ወጻእን ዘሎ ኤርትራዊ፡ ነዚ ብዓቢዪ ኣሕመድን ብድሕሪ መጋረጃ መላኺ ኢሳያስን ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ዝተኣወጀ ኩናት፡ መን ይዕወት መን ይሰዓር ውጽኢቱን ድሕሪኡ ዝስዕብ ኩነታትን ብኣንኩሮ’ዩ ዝከታተሎ ዘሎ። እቲ ስልጣን ሒደት ሰባት ንምርግጋጽን ንምሕላውን ኣብ ጎረቤትና ክልል ትግራይ ዝሃልቕ ህይወት ሰብ፡ ዝዓኑ ንብረትን ዝመዛበል ሰላማዊ ህዝብን፡ ብሰንኪ ተፋሓጫሪ ጠባያትን ሕልምታትን ጉጅለ ህግደፍ፡ ህዝቢ ኤርትራ ዳግማይ ኣብ ሓዊ ከምዝጥበስ ዘጠራጥር ኣይኮነን።

ውልቀ መላኺ ኢሳያስን ስዓብቱን፡ ነቲ በሰላ ኩናት ዘየሕወየ፡ ዓቢ ክፋል ኣብ ስደት ተበታቲኑ ዘሎ፡ ብድኽነት ዝጣራዕን ሰብኣዊ መሰላቱ ተጋሂሱን ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ ዘይረብሓሉን ዘይምልከቶን ባርዕ ክህምኹዎ የዕለብጡ ኣለዉ። ጉጅለ ህግደፍ፡ ኣብ ሰላም ክነብር ስለዘይክእልን ስልጣኑ ንምዕቃብ ሓሶታት ክምህዝ ስለዘለዎን፡ ሕጂ’ውን “ብመራሕቲ ወያነ ዝተጎብጠ መሬትና ክንመልስ ኢና” ኣብ ትሕቲ ዝብል ጉልባብ፡ ንውጥናት መሻርኽቱ ዓቢዪ ኣሕመድ ንምዕዋትን ንምሕጓስን፡ ንጹህ ደም ኤርትራዊ ከፍስስ ናይ ተበገስ ሰዓት ይጽበ ኣሎ።

ጉጅለ ህግደፍ ግን፡ እንተስ ብስዕረትን ምድኻምን መራሕቲ ወያነ፡ እንተስ ብባርኾት ዓቢዪ ኣሕመድ፡ ነታ መመኽነይታ ኩሉ ተጻብኦ ጌርካ ትውሰድ ባድመ ምስሓዘ፡ ሓቐኛ እንታይነቱ ካብ ሰይጣን ናብ መልኣኽ ክቅየር ኣይክእልን’ዩ። ብዘይ ፍርዲን ክስን ኣብ ጎዳጉዲ ዳጉኑዎም ዘሎ ኤርትራውያን ክፈትሕ፡ ብሕጊ ክግዛእ፡ ህዝቢ ኤርትራ ቃሕ ዝበሎ መንግስትን መራሕን ክመርጽ ዕድል ኣይህቦን ኢዩ። ምኽንያቱ ጉዳይ ዶብን እቲ ጉጅለ ህግደፍ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ንነዊሕ ዓመታት ዝፍጽሞ ዘሎ ጭፍጨፋን ምጽናትን ዘራኽብ የብሉን። ጉጅለ ህግደፍ፡ ድሙ ጸደፈት ኣንጭዋ ተዓንቀፈት ዝዓይነቱ ምስምስ ከቅርብ እንተዘይኮይኑ፡ እገዳ ምስተላዕለ፡ ምስ ኢትዮጵያ ስምምዕ ሰላም ምስተፈረመን ግዳማዊ ተጻብኦ ጠጠው ምስበለን፡ መላኺ ኢሳያስ ቅዋም ክትግብር፡ ምርጫ ከካይድ፡ ግዱድ ዕስክርና ሳዋ ከቋርጽ ኣይተራእየን።

ኣብዚ እዋን’ዚ ኩልና ኤርትራውያን ክንስሕቶ ዘይብልና ኣገዳሲ ጉዳይ፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኣዕናዊ ኩናት ይንዋሕ ይሕጸር፡ መርገጺ መላኺ ኢሳያስ ኣብቲ ደም ምፍሳስ ብዘየገድስ ኣብ መወዳእታ ብዘተ ከምዝፍታሕ ፍሉጥ’ዩ።  ህዝቢ ኤርትራ ዝምነዮ፡ ልምዓት፡ ክብረት፡ ምትእኻብን ሰላምን ስድራቤታት እምበር ኩናትን ዘይሓወየ ቁስሉ ክጉዳእን ኣይደልን’ዩ። ናትና ስቅታን ምፍልላይን ድማ፡ ነዚ ጉጅለ ህግደፍ ምስ ዓቢዪ ኣሕመድ ኣንጻር ልኡላዊ መሬትናን ክብርናን ክፍጽሞ ወጢንዎ ዘሎ ኣዕናዊ መደባት ምቹእ ባይታ ዝፈጥር ኢዩ።

ኤርትራውያን፡ ድሕሪ’ዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት፡ ብሕማም ዓሰብ እምበር ብጥዕና ባድመ ኣይንሕሰብ።  ዓቢዪ ኣሕመድን መላኺ ኢሳያስን ሕልሞም እንተሰሊጡ፡ድሕሪ ምድምሳስን ምቁጽጻርን ክልል ትግራይ፡ ዝቅጽል ወራር መሬት ኤርትራ ምዃኑ ክፍለጥ ይግባእ። ዓቢዪ ኣሕመድን መላኺ ኢሳያስን፡ ብስም ክልተኣዊ ልምዓታውን ጸጥታውን ምትሕግጋዝ፡ ብዘይ ፍቃድ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ክንቁረን ሓደገኛ መጻወድያ ተዳልዩልና ከምዘሎ ክንስሕቶ የብልናን።

እዞም ሕጂ ብዓቢዪ ኣሕመድ ስልጣን ዝወሃቦምን ዝተኣኻኸቡን ዘለዉ፡ ተረፍ መረፍ ስርዓታት ሃይለስላሴን ደርግን፡ ሕማም ዓባይ ኢትዮጵያን ምውናን ወደብና ዓሰብን ከምዘለዎም ክስቆረና ኣለዎ። መላኺ ኢሳያስ’ውን ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት፡ ምስ ተማሃራዩ ዓቢ ኣሕመድ ኣብ ዘካየዶ ተደጋጋሚ ርክባት፡ መጻኢ መደባቱን ቀዳምነታቱን ብንጹር ቃላትን ደጋጊሙን ምስ ኢትዮጵያ ምሉእ ምውህሃድ ከምዝደሊ ሓቢሩና ኢዩ። መላኺ ኢሳያስ፡ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኢትዮጵያ ከምዝግደስን ንኢትዮጵያ ዝትንክፍ ኣእዳዉ ኣጣሚሩ ከምዘይዕዘብን ገሊጹልና።

ኤርትራውያን እንተድኣ ኣብዚ ብዓቢዪ ኣሕመድ ተኣጉዱ ዘሎ ባርዕ ኣእዳውና ኣእቲና፡ ነብሰ ቅትለትን ዘለኣለማዊ ውርደትን ስዕረትን’ዩ። ኣብ ትሕቲ እቶም ንህዝብና ብሳንጃ ዝጎይሑ፡ ብስልኪ ዝሓነቑ፡ ኣዳራሻትና ብሓዊ ዘቃጸሉ፡ ንብረትና ዝዘመቱ፡ ኣዴታትና ዝተጋሰሱን ክንስደድ ዝቀሰቡናን ገዛእቲ ኢትዮጵያ፡ ዳግማይ ክንቁረንን ስውኣትና ክርገጹን ኢዮም።

ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊት ኤርትራ፡ መምርሒ ጠላም መላኺ ኢሳያስን ሰዓብቱን ተቀቢልኩም፡ ንኣሕዋትኩም ኣብ ኩናት ክጥበሱ እንተኣገዲድኩም፡ ብሕጊ ዘሕትት ገበን ትፍጽሙን ሕድሪ ስውኣት ትጠልሙን ከምዘለኹም ክልተ ግዜ ሕሰብሉ። ሕጂ ብዘይ ነግፈረግን ምድንጓይን ተባዕ ስጉምቲ እንተዘይወሲድኩም፡ በቶም ኣብ እዋን ብረታዊ ቃልስና፡ ንሞት ዝፈረድኹም መኮነናት ሰራዊት ኢትዮጵያ ነበር ክትእዘዙን ክትንዓቁን ኢኹም። ክሳብ ዕጥቅኹም ፍትሑ ብረትኩም ኣውርዱ ትብሃሉ ኣይትጸበዩ። ክሳብ ብፈላላዪ ተንኮላትን ወይ በብሓደ ምእሳርን ምኹላስን መላኺ ኢሳያስ ትቅደሙ ኣይትጸበዩ። እንተዝሒልኩም ኣሰር ናይቶም በብእዋኑ ብመላኺ ኢሳያስ ዝተጨውዩን ዝተረሸኑን ብጾትኩም ክትስዕቡ ኢኹም።  

 መላኺ ኢሳያስ “ምስ ኢትዮጵያ ጸገም ዶብ የብልናን፡ ኣይከሰርናን” ካብ በለና፡ ሕጂ’ኸ ንረብሓ መን ኢና ክንስዋእን ህይወት ካልኦት ህዝብታት ከነሕልፍን? እቶም ወግሐ ጸብሐ ጽልእን ኩናትን ዝጽሕትሩ ዘለዉ፡ መላኺ ኢሳያስ፡ የማነ ማንኪ፡ ሓጎስ ክሻ፡ ጀነራል ፍሊጶስ፡ የማነ ቻርሊ፡ ኣልኣሚን መሓመድ ስዒድ፡ ኣብርሃ ካሳ፡ ዑስማን ሳልሕ፡ ስምኦን ገብረድንግልን ካልኦትን፡ እቲ ዝውላዕ ኩናት ኣይምልከቶን ኢዩ። ኢሳያስን ስዓብቱን ስድራቤቶም ኣብ ወጻኢ ሃገራት ኣስፊሮም፡ ዜግነት ካልኦት ሃገራት ሒዞምን ሃብቲ ኣኻዕቢቶምን ስለዝኾኑ፡ ስንቆም ጥሑን መህደሚ ወረቀቶም ድማ ድሉው ኢዩ።

ጽባሕ ወይ ድሕሪ ጽባሕ፡ እዚ ኣብ ክልል ትግራይ ዝካየድ ዘሎ ኩናት ዝጠፍአ ምስጠፍአ ክውዳእ ኢዩ፡፡ ኣብቲ ኩናት ዝኾነ ቅንጣብ ረብሓ ዘይብሎም መንእሰያት ክቅዘፉ፡ ስድራቤታትን ክዝኽትማን ክደኽያን ኢየን። እቶም ኣሳወርቲ ኩናት ወይ መራሕቲ ሃገር ኢና ዝብሉን ግን ሰላምታ ክለዋወጡ ኢዮም። ምናልባት ሓደ ሓደ ኣርሒቆም ዘይሓስቡን መጻኢ ዕድሎም ዘይፈልጡን ደገፍቲ ህግደፍ ኢና ዝብሉ ኤርትራውያን፡ በዚ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ክልል ትግራይ ብዓቢዪ ኣሕመድ ዝወርድ ዘሎ ቅትለትን ዕንወትን ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት፡ ሓጎሶም ዝገልጹን ትግራይ ሕራይ ኮኑ ዝብሉን ኣይስኣኑን ኢዮም። እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ዝኾነ ዜጋ ወይ ሃገር ፍትሒ ክርገጽ እንከሎ ብሰብኣውነት ኣብ ቅድሚ ሓቂ ጠጠው ምባል ሓላል’ዩ። ህውከት ናይ ጎረቤትካ ይልክመካ፡ ሰላም ናይ ጎረቤትካ ድማ የልምዓካ። መራሕቲ ሓለፍቲ ህዝቢ ግን ነባሪ ስለዝኾነ፡ ኣብ መንጎ መራሕቲ ወያነን ህዝቢ ትግራይን ዘሎ ፍልልይ ብስነፍልጠት ክንግንዘቦ ይግባእ።

ልዕሊ ኹሉን ኣገዳስን ጉዳይ ድማ፡ ኤርትራውያን መሰረታዊ ጸገማትና ዝውገድን ሰብኣዊ ክብርና ዝረጋገጽን፡ ምእላይ ጉጅለ ህግደፍ እምበር፡ ብስዕረት ወይ ህላወ መራሕቲ ክልል ትግራይ ዝፍታሕ ወይ ዝወሓስ ኣይኮነን። ኣብዚ ሰዓት’ዚ፡ ጠንቂ ስደትን ድኽነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይካ ጉጅለ ህግደፍ ካልእ ሓጥያተኛ ፍጡር የለን።

ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 10 ጥቅምቲ 2020    

Previous Post

ትማሊ ኣብ ባህርዳርን ጎንደርን ዝተኻየደ መጥቃዕቲ ምሳይል ፡ ሰራዊት ምክልኻል ትግራይ ከምዝፈጸሞ ኣቶ ጌታቸው ረዳ ኣረጋጊጹ። ስርዓት ኣቢይ `ውን ተኣሚኑ

Next Post

መሰረት ህልው ፖለቲካዊ ቅልውላው ዞባናን መንነትና ንምውሓስ ክንወስዶ ዘሎና ስጒምትን !

Next Post
ካብ ንጓና ምኽሳስ፡ ምስ ህዝብኻ ምትዕራቕን ኣበራትካ ምእራምን’ዩ ሓላል

መሰረት ህልው ፖለቲካዊ ቅልውላው ዞባናን መንነትና ንምውሓስ ክንወስዶ ዘሎና ስጒምትን !

0 0 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
3 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
k.tewolde
k.tewolde
1 month ago

Yes indeed, our enemies are abound HGDEF being the vanguard, after this dust of war settles down and the TEFEQUD time ensues, as usual the poor people have absorbed the brunt of the damage personally, economically and socially which will be felt for generations to come, I have been there first hand, it is painful, the sad thing is the same characters keep on coming back with different slogans and tactics to pit us against each other by exploiting our weakness so that they can continue to live in their penthouses, luxury enclaves and send their kids to ivy league schools…Hizbey when are you gonna learn? or you are used to this way of life? It doesn’t require to graduate from Bet Giorgis to figure out what is bad and good for you. What is taking you so long Tselaa’etka keteleli? or you are used to them and their abusive ways? What does it take to lose your mind and come out swinging with everything you got and flush these bloodsucking parasites down the toilet once and for all. It hurts me to see you fight again on the hills of serrarat in Om Hajer where I fought over 30 something years ago for the opposite reason it is waged today. Hizbi Eritra you have run out of excuses not to come out and fight together for your life or may be the Hizbi Eritra I knew is not there anymore..?

0
Reply
rezen
rezen
1 month ago

QUOTE: ኣብዚ ሰዓት’ዚ፡ ጠንቂ ስደትን ድኽነትን ህዝቢ ኤርትራ፡ ብዘይካ ጉጅለ ህግደፍ ካልእ ሓጥያተኛ ፍጡር የለን።
ጽላል፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ 10 ጥቅምቲ 2020“  UNQUOTE

ሚእቲ ብሚእቲ እስማማዕ ።  
ካብኡ ንንየዉ ዋና ዘይብሉ፣ ኣብ ሞት ዝቃራረብ እንስሳ፣ ካለኦት ጥዑያት እንስሳታት ላዕልን ታሕትን ዙርያን እንተኾለሉ ይፍረዶምዶ? ከምኡ ደይኮነን ናይ ፍጥረት ስነስርዓት? እንተተጋግዬ ናይ ፍልጠት ጉድለት ጥራይ አዩ ። ኢልኩም ከዓ ሕለፉኒ ። ክብረት ይሃበልይ ። 

0
Reply
Hidat
Hidat
1 month ago

ጽላል ኣበየነይቲ ዘረባ ወይ ኣኬባ ኢዩ ኢሰያስ ምስ ኢትዮጽያ ምጽንባር ኢዩ ዝሕሸና ዋላ ዘዋጻኣነ ዝበለ

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

23rd June 2020

ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢትዮፕያና – ልኡላውነት ኤርትራ ሰዊእካ ዝሕሰብ ዘሎ ዞባዊ ውጥን – ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን – 1ይ ክፋል

8th August 2020
ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

35
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ESTABLISHMENT OF AN ALTERNATIVE ERITREAN GOVERNMENT IN EXILE*

30
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ERITREA: WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP! By Michael H. Kiflezghi

30
Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

24
Elusive Peace in the Horn of Africa

Elusive Peace in the Horn of Africa

15th January 2021
The Eritrean Democratic movements should campaign vigorously to bring Isaias   to the International Criminal court

The Eritrean Democratic movements should campaign vigorously to bring Isaias to the International Criminal court

7th January 2021
ኤርትራ ብዘይ-ሰብ!

ኤርትራ ብዘይ-ሰብ!

3rd January 2021
The inevitable birth of a new nation – Tigray

ኣብ ትግራይ እዉጅ ኩናት፡ ኣብ ኤርትራ ሕቡእ ኩናት ህይወት ሰብ ይሃልቕ

3rd January 2021

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
3
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply