Eritrean Satellite Television
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • ArchiveVisit old Assenna
No Result
View All Result
Eritrean Satellite Television
No Result
View All Result

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ 2021 ዓመተ ምህረት፡ ነዞም ክልተ ኮረና እትስውር፡ ርሕስቲ ሓዳስ ዓመት ንግበራ!!

Atv Asena by Atv Asena
31st December 2020
in Articles, Tigrinya
2
0
SHARES
558
VIEWS
Share on FacebookShare on Twitter

2021 ዓመተ ምህረት፡ ነዞም ክልተ ኮረና እትስውር፡ ርሕስቲ ሓዳስ ዓመት ንግበራ!!

2020 ዓመተ-ምህረት፡ ነቲ ዝማዕበለ ሕብረተሰባት ዓለም ከይተረፈ ዘዋለአ ቀዛፊ ለበዳ ኮረና-ቫይረስ ሒዛ ብኸቢድ ብድሆ ምስ ፈለመት፡ ንዓና ነቶም ኣብ ስደት እንነብር ኤርትራውያን ብሕልፊ፡ እቲ ሕማም፡ ንብዙሓት ኣባላት ማሕበረኮምናን እቶም ከም ስደተኛታት ዘእንገዱና ህዝብታትን መዓልቲ መዓልቲ ብጅምላ ሞት እናወሰደ ኸሎ፡ ብዝያዳ ዘሻቐለና፡ ናይቲ ኣብ ውሽጢ ኤርትራ ዘሎ ውጹዕ ህዝብና ኩነታትን ዕድልን እዩ ።

ምኽንያቱ፡ እቶም ህዝባውን ትካላውን ተሓታትነት ዘለዎም ሓላፍነታውያን መንግስታት ናይተን እንነብረለን ሃገራት፡ ነቲ ምስጢሩ ዘይፈለጡዎ፡ ኣዝዩ ዘሰንበዶም ለበዳ ሕማም፡ ከም ናይ 100 ዓመት ጸላኢ ብቐዳምነት ርእዮም፡  ጸጋታቶም ብምሉኡ ናብቲ ጥዕናዊ ቅልውላው ኣቕኒዖም ህዝቦም ንምድሓን፡ ብሕክምናዊ መዳይ መኪቶም ሞት ንምውሓድ ጥራይ ዘይኮነ፡ ንቑጠባውን ማሕበራውን ስነኣእሙራኣውን ሳዕቤናቱ `ውን ዝዓምም፡ ሓቀኛን እሙንን ጻዕሪ ከካይዱ ብምርኣይና፡ `ነዚ ጻዕርን ተገዳስነትን ሰጊሩ ዝበጽሕ ሞት ይምጻእ፡ ሞት ከም ኣዳም` ብምባል፡ በንጻሩ፡ በቲ ኣብ ውሽጢ ሃገር ዝነበር ዘሎ፡ ካብ ድሕረት ሕክምናዊ ትካላቱ ንላዕሊ፡ ድሕረት ኣተሓሳስባ ናይቲ ህዝባውን ትካላውን ተሓታትነት ይኹን ፋዕራ ህይወት ዘይብሉ ሓላፍነት ዘይስምዖ ምልካዊ ስርዓት ኢሳይያስ ዝሳቐ ዘሎ ህዝብና ክንሻቐል ባህርያዊ እዩ ነይሩ።

ጽቡቕ ዕድል ኮይኑ ግን፡ ኣምላኽ ንህዝቢ ኤርትራ፡ `ጥምየቱን መከራኡን ዓመጹን ይኣኽሎ` ኢሉ ግዳይ ድርብ ወጽዓ ኣይገበሮን። ዓለም እናተቐዝፈት ከላ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ብኮረና ቫይረስ-2019 ዝወረዶ ማህሰይቲ፡ ካብቲ ዝተፈርሐ ኣዝዩ ዝቐለለ እዩ።

እቲ ብኮቪድ-91ዝፍለጥ ናይ ኤርትራ ብሕታዊ ኮረና ግን፡ ነቲ ኣምላኽ ዘቕለሎ መዓት፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ጻዕሪ ከምዝተረኸበ ድሕነት ገይሩ ተመኪሑን ተጃሂሩን ስቕ ኣብ ክንዲ ዝብል፡ ነቲ ብሰማይ ዝተረኽበ ምሕረት ኣብ መሬት ብጥፍኣት ክድምስስ፡ ንመሳኪን መንእሰያት ኤርትራ ዶባት ኤርትራ ኣስጊሩ ኣብ ዘይምልከቶም ኲናት ትግራይ ጠቢሱ ኣደዳ መቕዘፍቲ ክገብሮም ከምዝወረሐ፡ ነቲ ኣብ ገግዝኡ ጽባሕ ጽባሕ መርድእ ዝመጽኦ ዘሎ ህዝቢ ኤርትራ ካልኣይ መርድእ ዘድልዮ ኣይኮነን።

እንተኾነ ግን፡ ኣየርእየሉ፡ እቲ ንህዝቢ ኤርትራ ካብ ማንም ጋዕገልጥም ንታሕቲ ዘሕሰረን ዘዋረደን ፋሽሽታዊ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ `ፕረዚደንት` ተባሂሉለይ `ያኢ፡ `ክቡር ህዝቢ ኤርትራ ኢሉ` ካብ ውሻጠ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡  `2020፥ ምስ ዓለማዊን ዞባዊን ውህሉል ነውጺ፣ ህልቂታዊ ለበዳ ኮቪድ-19 ተወሲኹዋ፣ ኣብ ታሪኽ ሰባት፣ ከቢድ ቅልውላው ዝገዝኣ ዓመት’ያ ነይራ።` ክብል፡ ነቲ ተረፍ ናይቲ በብዓመቱ፡ ሓንሳብ ብሱዳን፡ ሓንሳብ ብየመን፡ ሓንሳብ ብኢትዮጵያ፡ ሓንሳብ ብጅቡቲ ብዙርያ ኤርትራ ዝወለዖ ውግኣትን ስደትን ዝኾነ መንእሰይ ኤርትራ ዳግም ዓይኑ ዓሚቱ ኣብ ዘይእዉጅ ኲናት ኣእትዩ፡ መጽሓፍ ዘይኣኽሎ ጸሊም ታሪኽ ጽሒፉ ክንሱ፡ ነቲ ምስ 2020 ተዘራርዩ ዝፈጸሞ ብዘይካ ኣብ ገሃነብ ኣብ ካልእ ሰፈር ዘይርከቦ ሓጥያት ብቑንጣሮ ቃላት ኣቃሊሉ ክሓልፎ ፈቲኑ `ሎ።

ኣብዞም ዝሓለፉ 30 ዓመታት፡ ኮነ ኢሉ ክብልሎም ንዝጸንሐ ክብርታት ህዝቢ ኤርትራ፡ ኣብ 2020 ዓመተ ምህረት ሳላ ስሕለተ-ራእይኡ ከም ዘትብዖምን ከምዝሰሓሎምን ኣምሲሉ `ውን ክምካሕ ተረእዩ።

እንተኾነ፡ 2020፡ ብሰንኪ `ቲ ዝቕይዶ ባይቶን ቅዋምን ዘይብሉ ዓንዳሪ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ እቲ ኩሉ መዳያዊ ልምሰት ኣጋጥሙዎ ኣብ ጸድፊ ተንተልጢሉ ክንሱ፡ ህዝቢ ኤርትራ፡ ምስ ኣምላኽ ዘራኽብ ፈትሊ `ኣለኒ` ኢሉ ከም ናይ መወዳእታ ተስፋ ተጸጊዑሉ ንዝነበረ ሰብኣውን ማሕበራውን ክብርታት ዝቐበረላ ዓመት `ውን እያ ነይራ።

ኢሳይያስ፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ዝነበሩ ዘለዉ ጨካናት ኣጋንንቲ ምዃኑ ዘማጒት `ኳ እንተዘይኮነ፡ እቲ ካብ ዓለም ዝጎርሐ ሰብ ምዃኑ ዘለዎ መረዳእታ ግን ዝንቡዕ እዩ። እንሆ ድማ፡ እቲ ቴለፎንን ኢንተርነትን እንተተዓጽዩ `ዝርእየኒ የለን፡ ድላየይ ክገብር `የ፡ ኣብ ባይታ ክዉንነት ምስ ተፈጥረ ኸኣ ንደሊኡ` ኢሉ፡ ንህዝቢ ኤርትራ ኣጸልሚቱ፡ ንሰራዊት ኤርትራ ምስ ጦርሰራዊትን ምልሻታት ኣምሓራን ኣላፊኑ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ትግራይ ዝፈጸሞን ዝቕጽሎ ዘሎን ህዝቢ ናይ ምንብርካኽን ዓሌት ናይ ምጽናትን ወራር፡ ህዝቢ ትግራይን ህዝቢ ኤርትራን ጥራይ ዘይኮነ ዓለም ብዓለሙ ኣዳዕዲዑ ፈሊጡዎ፡ ነቲ ተፈጺሙ ዘሎ ገበናት ኲናት ኣጽኒዑ ንምውሳን ድሮ ነጻ መርመራ ክካየድ ይጽውዕ ኣሎ።

ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ገበናት ኣንጻር ሰብኣውነት ከምዝፈጸመ ኣቐዲሙ ብኣህጉራዊ ደረጃ ተፈሪዱ `ኳ እንተኾነ፡ ኣይተቐጽዐን። ነዛ ኣብ ጸቢብ ረብሓ እትምርኮስ ዓለም፡ ኣብ ርእሲ `ቲ ካልእ ጂኦ-ፖለቲካዊ ጠቕምታታ፡ ልኡምነት ኤርትራውያን ዕሽሽ ክትብሎ ተወሳኺ ምኽንያት ከምዝኾና ግን ዝክሓድ ኣይኮነን።

ኣብዚ እዋን`ዚ፡ ተግባራውነትን ውጺእትን ኣህጉራዊ መርመራ ብዘየገድስ፡ እንተኾነ `ውን ከም ቦናስ ዝርአ ኮይኑ፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ብዘየማትእ መንገዲ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ብዘይ ወዓል ሕደር ክጠፍእ ዘለዎ ናይ ሓባር ጸላኢኦም ምዃኑ ብዘየማትእ መንገዲ ኣረጋጊጾም ፈሊጦም ምህላዎም፡ ኣብዚ ድቕድቕ `ዚ ጸላም ዝተኸስተ ብልጭታ-ብርሃን ኮይኑ፡ ነዚ ሓባራዊ ቃልሲ ንምክያድ ዘኽእሎም መድረኽ ክጥቀሙሉ ግዴታን ሓላፍነትን ኣለዎም።

ዓንዳሪ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ፡ ኣብቲ ኣብ 2020 ዓመተ ምህረት ፍሒሩዎ ዘሎ ጉድጓድ ኣብዛ ሓዳስ ዓመት 2021 ዓመተ ምህረት ተቐቢሩ፡ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን፡ ካብ ጥፍኣትን ዕንወትን ድሒኑ ጸጋታት ሰላም ከስተማቕር፡ ኣብ ጎደና ልምዓትን ስልጣኔን ብሓባር ክስጉም መታን፡ ብህዝቢ ኤርትራ ክውሰድ ዘለዎ ናይ መጀመርያ ስጉምቲ ግን ኣሎ።

ንሱ ድማ፡ ነቲ ውልቀመላኺ ኢሳይያስ ኣብ መንጎ ህዝቢ ኤርትራን ህዝቢ ትግራይን ዘሎ ጽልኢ ኣዕብዩ ዕድመ ስልጣኑ ብምንዋሕ፡ ብዓቢኡ ምስ ኣቢይ ኣሕመድን ጥሩፋት ኣምሓራን ዝኣለሞ ውዲት ምልሓቕ ልኡላውነት ኤርትራ ንምስላጥ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ትግራይ ኣዝሚቱ ኮነ ኢሉ ኣብ ልዕሊ ሰላማዊ ህዝቢ ዝፍጽሞ ዘሎ ቅትለት፡ ዓመጽ፡ ራስያን ስርቅን ብዘይ ነግፈረግ ብምዂናን፡ ነቲ ኣብ ልቢ ህዝቢ ትግራይ ዝውህለል ዘሎ ምረትን ጽልእን ቂምታን ቀልጢፉ ክውሕጦ ኣለዎ። ወራሪ ሰራዊት ኤርትራ ካብ መሬት ትግራይ ብቕጽበት ክወጽእ `ውን ብዓውታ ክጽውዕ ይግባእ። እዚ ምስ ዝግበር ጥራይ እዩ፡ እቲ ሓባራዊ ቃልሲ ዘተኣማምን ግንባር ፈጢሩ፡ ንውልቀመላኺ ኢሳይያስን መላፍንቱን ጸራሪጉ፡ ነዚ ክልቲኡ ህዝብታት ዘቕስን ናይ ሓባር መጻኢ ከውሕስ ዝኽእል።

ውጹዕ ህዝቢ ትግራይ `ውን ኣብዚ መሪር ፈተነኻ፡ ክትርድኣልና እንደልዮ ሓደ ነገር እንተልዩ፡ ኢሳይያስን ዓሻክሩን፡ ነቲ ካብ ክብርታትካ ዘይፍለ ጣዕሚ ዘለዎ ህዝቢ ኤርትራ ዘየንጸባርቑ ጽኪ ህዝቢ ኤርትራ ምዃኖም ተገንዝቢካ፡ ንጽልእን ቅርሕንትን ቦታ ካብ ምሃብ ክትጥንቀቕ፡ ከምቶም ኣብ መንጎ `ዚ ክልቲኡ ህዝብታት ጽልኢ ፈጢሮም ንብዙሕ ዘበናት ጎይቶት ዝኾኑልና ገዛእቲ ንኢሳይያስ ጽዋእ ዓወት ከይተጨብጦ ከምቲ እትገብሮ ዘለኻ ትዕትስኻን ልቦናኻን ክትቅጽሎ ንላበወካ። ደምካ ኣብ መሬት ትግራይ ክፈስስ ከሎ፡ ህዝቢ ኤርትራ ደም ይጥዕሞ ምህላዉ፡ ዕንወትካን ራስያኻን ሓባራዊ ዕዳ ምዃኑ፡ እቲ ዝዓበየ ሕነና እቲ ብናይ ሓባራ ቃልሲ ኣብ ልዕሊ ኢሳይያስን ኣሻክሩን እነመዝግቦ ዓወት ምዃኑ ልቦናኻ ከምዘይስሕቶ፡ እምነትና ምዃኑ ነዘኻኽረካ።

እቶም ዝቐተሉ፡ ዝዓመጹ፡ ዝራሰዩ ጥራይ ዘይኮነ፡ እቶም ምስክርነት ደቆምን፡ ኣሕዋቶምን ኣቦታቶምን እናሰምዑ፡ ወጽዓኻ ዝኽሕዱ ዘለዉ ሒደት ሃሱሳት፡ ካብቲ ቀንዲ ጸላኢ ከይፈለና ሓቢርና ክንቃለሶምን ክንስዕሮምን ምዃና ነረጋግጸልካ።

ኣብ ሜዳ ትግራይ እተካይዶ ዘለኻ ዘሐበን መኸተ፡ መርገጺ እግሪ ናይቲ ኣጸቢቑ ክበራበር ትጽቢት ዝግበረሉ ኤርትራዊ መኸተ ኮይኑ፡ ከምቲ 1991 ግብኣተ-መሬት መግዛእቲ ደርግ ዝተረጋገጸላ፡ እዛ እትኣቱ ዘላ ሓዳስ ዓመት 2021 `ውን ብርግጽ፡ ውልቀመላኺ ኢሳይያስን መሻርኽቱን ብናይ ሓባር ቃልሲ ተሳዒሮም ፍትሒ ህዝቢ ኤርትራን ትግራይን ዝነግሰላ ዓመተ ሰላምን ራህዋን ክትከውን `ያ።

2021 ዓመተ ዓወትን ሰላምን ራህዋን ይግበረልና!

ምልኪ ይፍረስ ሕጊ ይንገስ!!

ኣማኑኤል ኢያሱ

31 ታሕሳስ 2020

Previous Post

A Call for Impartial Inquiry into Human Rights Violations in Ethiopia

Next Post

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ 2021 ዓመተ ምህረት፡ ነዞም ክልተ ኮረና እትስውር፡ ርሕስቲ ሓዳስ ዓመት ንግበራ!! – Amanuel Eyasu

Next Post
መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ 2021 ዓመተ ምህረት፡ ነዞም ክልተ ኮረና እትስውር፡ ርሕስቲ ሓዳስ ዓመት ንግበራ!!

መልእኽቲ ሓድሽ ዓመት፡ 2021 ዓመተ ምህረት፡ ነዞም ክልተ ኮረና እትስውር፡ ርሕስቲ ሓዳስ ዓመት ንግበራ!! - Amanuel Eyasu

5 1 vote
Article Rating
Subscribe
Notify of
guest
guest
2 Comments
Oldest
Newest Most Voted
Inline Feedbacks
View all comments
Danilo
Danilo
25 days ago

ሓዳሽ ዓመት ንኽፉእ ይኹን ንጽቡቅ ጀማሪት እያ ክብል ኣይደፍርን ግን፡ 1941 ጣልያን ኣብ ኤርትራ ተሳዒሩ ሓደ በሉለይ።ብ1951ን ውጥን ዓንቀጽ 390 ፈደረሽን ethio-ertrea ተሃንዲሱ።ብ1961ን ሰውራ ኤርትራ ጀሚሩ።ብ1971 ምስረታ ህግ ተጻፊፉ።ብ1981 ተ.ሐ.ኤ ተድፊኣ ወጸት።ብ1991ሓራ ወጻና።ብ2011ን ኣርካናት ሰውራን ጋዜጠጝናትን ከሲርና።ክልተ ሽሕን ዕስራን ሓደን’ከ ( 2021 ) እንታይ’ኮን እቲ ዕጫና? ቢኣይ ወን ንጽቡቅና ትስፉው እየ።ብወገንኩም’ከ? ናባኹም።

0
Reply
rezen
rezen
23 days ago

“ 1941 ጣልያን ኣብ ኤርትራ ተሳዒሩ ሓደ በሉለይ። Danilo 1 day ago”

ቅድሚኡኸ ?  
ጣልያን ኣብ ኤርትራ ጎይታ ኮይኑ ንስድሳ (60 )ዓመት ገዝአ።  
ከምጎይትኡ  ባህሪ ሕብርተ ሰብውን ተቐየረ :: 
ናይ ኣውሮጵያውያን  ኣገዛዝኣ  ከመኡ ስለዝነበረ : ወዮ ድኣ ንሕና ኣይተሰቆረናን  እምበር ብኹሉ ማኣዝኑ ::
ክንደይሞ  ክንሕንጥጥ ሰብ ከይተንከፍና ከየሕዘንና ንወረጃ የዋህ ቅኑዕ ህዝቢና ። 
ኩሉ ሓለፈ፣ ግዳስ መወዳእታኡ ኣይነበረን በጃ  አቲ  ቅኑዕ   የዋህ  ጻዕረኛ ህዝቢ  ኤሪትርያ ::
ኩሉ ብኹሉ ናይ ዳርጋ ሚእቲ ዓመት መግዛአቲ ካይኣክል  ብወዲ ዓዲ (1) ጨካን መራሒ  ኤሪትራ ትጠፍእ ኣላ። 

ኣይፈለጥናን፡ ኣይረኣናን ካይንብል  ካብ  ስማንያ  ክሳብ ተስዓ ዝኾኑ ጉጅለታት  ኣለውና። ኣይንረስዕ፣ ሓደ ሓይሊ ጥራይ እዩ ኔይሩ ኤሪትራ ሓራ ክትወጽእ ኮላ !!!!!!!  ኣይፈለጥናን ክንብል  ነቶም ሓደስቲ ወልዶ ዘይንቡር ታሪኽ (ሕሶት) ካይንነግሮም ሓደራ !!!! 
 ——————————————————————————
(1) ወዲ ዓሰርተ ኣርባዕተ (14) ኤሪትራዊ  ተጋዳላይ ንኢሳያስ ንቑርብተይ ደቓይቕ  ምስ  ረኣየ  ‘አዚ ሰብ ኣይናህና ‘ ክብል  ዝተዛረቦ  መስተንክር ስጋብ ሕጂ ኢሳያስ ኣብ ቅድመና ተገቲሩ ንኤሪትራ ቐሰ ብቐስ የጥፍኣ (ይምሕዋ) ኣሎ። 
 
Hi k.t. Did I sufficiently ‘embarrass’ you?!? <<< I enjoy it with Admiration!!!! I wish YOU and ALL, the best of Health Year of 2021 and the WISDOM to be focused on what we should be focused in Memory of the Gallant Eritreans who sacrificed their LIFE for a NOBLE GOAL — never degrading ourselves insulting each other on the Internet. As the cliché goose: IT JUST DOES NOT JIVE WITH OUR MISSION. 

0
Reply
  • Trending
  • Comments
  • Latest
ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

ስርዓት ኢሳይያስ ብነፈርቲ ኣምሓራን ኦሮሞን ኣብ መዓርፎ ነፈርቲ ኣስመራ ብምርጋፍ ናብ ገርገራ ገጹ የግዕዞም

22nd June 2020
ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

ATV: ኣብ ኣኼባ ባረንቱ: ሓደ ኣቦ፡ ` ናይ ደገ ጸላኢ የብልናን፡ ጸላኢና ኣብ ውሽጢ `ዩ ዘሎ` ኢሎም

21st June 2020
ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

ስርዓት ኢሳይያስ፡ ክስልዩ ንዘዋፈሮም ኣባላት ሃገራዊ ድሕነት ብስዉር ዝስልዩ ካልኦት እሙናት ብስዉር የዋፍር

23rd June 2020

ኣፍሪካ ኦርየንታለ ኢትዮፕያና – ልኡላውነት ኤርትራ ሰዊእካ ዝሕሰብ ዘሎ ዞባዊ ውጥን – ዶር መብራህቱ ኣተወብርሃን – 1ይ ክፋል

8th August 2020
ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

ኣስውዕል ህዝብን ሰራዊትን ኤርትራ – ናይ ሞትን ሕየትን መኸተ ህዝቢ ትግራይ፡ ክብ ወይ ግብ ህዝቢ ኤርትራ `ዩ!!

35
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ESTABLISHMENT OF AN ALTERNATIVE ERITREAN GOVERNMENT IN EXILE*

30
ERITREA:  WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP!   By  Michael H. Kiflezghi

ERITREA: WHY I AM FED UP, BUT I WON’T GIVE UP! By Michael H. Kiflezghi

30
Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

Alfred Nobel said I am sceptical as to its results. What message do you want to send to the Norwegian Noble Committee as PM Abiy Ahmed is leading a civil war in Ethiopia? Have your say.

24
Press Release: Eritrea Focus v United Kingdom: Eritrean Road Project Legal Challenge

Press Release: Eritrea Focus v United Kingdom: Eritrean Road Project Legal Challenge

24th January 2021
James Duddridge UK MP & Minister for Africa, responds to Eritrea Focus Chairman’s letter Re continuing violence in Tigray & the risks to civilian lives & Eritrean refugees in refugee camps.

James Duddridge UK MP & Minister for Africa, responds to Eritrea Focus Chairman’s letter Re continuing violence in Tigray & the risks to civilian lives & Eritrean refugees in refugee camps.

19th January 2021
Report: Images show latest ‘attack’ on Ethiopia refugee camp

Report: Images show latest ‘attack’ on Ethiopia refugee camp

17th January 2021
ክቡር ህዝቢ ኤረትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ – ኣበባ ተስፋጊርጊስ

ክቡር ህዝቢ ኤረትራ፡ ክቡራት ኣሓተይ ኣሕዋተይ፡ ደቀይ ደቂ ደቀይ – ኣበባ ተስፋጊርጊስ

16th January 2021

GoFundMe AsenaTv Campaign

Support ATV Bank Details

Support ATV – PayPal

Follow Us

  • About AsenaTv
  • Advertise
  • Terms of Use
  • Contact

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

No Result
View All Result
  • Home
  • Asena Tv
  • News
  • Articles
    • English
    • Tigrinya
  • Interviews
  • Poems
  • Archive

© 2020 Atv - Eritrean Satellite Television

wpDiscuz
2
0
Would love your thoughts, please comment.x
()
x
| Reply